23
Mon, Jun
0 New Articles

ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የለን፣

News
Typography

ዛንታ ኣመንቲ ኤርትራ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ (ታሪኽ ገብረ)

ቀደም ብዘመን ደርግን ኣብ ዘመን ስርዓት ኮሚኒስት ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ቤተ ክርስትያንን ዝወረደ ግፍዒ ብታሪኽ ሰሚዕና ብጹሑፍ ከኣ ኣንቢብና ኢና፣ በቲ ስለ ክርስቶስ ዝወርዶም ዝነበረ ኣደራዕን ፈተናን ስቓይን  ማእሰርትን ከኣ ኣዚና ንድንግጽን ብጽንዓቶም ከኣ እምነትና ይሕይል ኔሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ  ታሪኽ እቶም ህይወቶም ስለ ክርስቶስ ዝሓልፈኡ ምእመናን ከነንብብን ክንሰምዕን ከሎና ኣዒንትና ብንባዕት ይዛሪ ኔሩ፣ ሎሚ ግና እዚ ብእዝንና ጥራይ ዝሰማዕናዮን ዘንበብናዮን ታሪኽ እንሆ ኣብ ሕብርቲ ሃገርና ኤርትራ ኩውን ይኸውን ኣሎ፣



መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሰዓብቲ ዘውርዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ ተግባራት ካብቲ ዝተነግረ እቲ ዘይተዘርበሉን ዘይተነግረን ብሚኢቲ ዕጽፊ ይዓቢ፣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣመነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወርድ ዝነበረ ኣድልዎን ፈተናን እንተ ነበረ ካብ 2002 ጀሚሩ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ወንጌላውያንን ኣብያተ ክርስትያን ክዕጸዋ ካብ ዝእዝዝ ጀሚሩ እንሆ ማእለያ ዘይብሎም ኣቦታትን ኣዴታትን መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ዝኾኑ ምእመናን ኣብ ፈቐዶ እስር ቤትን ኮንቴነራትን በረኻን ምድረበዳን ተኣሲሮምን ተሓይሮምን ኣለዉ፣ ገለ ኸኣ ብሰንኪ ዝወረዶም ስቓይን ካልእን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣደዳ ስንክልናን ስደትን ዝኾኑ ማእለያ የብሎምን፣
መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ከኣ እሙናት ዝኾኑ ብስም ሲ.ኣይ.አይ ናይ ኣሜሪካ ሃሱሳት ናይ ወያነ እናበለ ብሓሶት ጠቐነ ኣብ ልዕሊኦም ዘውርዶ ዘሎ መከራ ተዘርዚሩ ኣይውዳእን እዩ፣
ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቁዱስ ተቓጺሉ ዝሰማዕናሉ እዋናት ቡዙሕ ኣይኮነን፣ ኣብ ሃገርና ግና እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ጽባሕ ንግሆ ታሪኽ ክቐልዖ እዩ፣
ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይእሰርን ኣይዕገትን ከኣ እዩ፣ ካብ ዘመን ሃዋርያት ጀሚሩ ንክርስትናን ንኣመንትን ብዝከኣሎም ኩሉ ደው ከብልዎም ዝፈተኑን ዝፈከሩን ዝኣሰሩን ዘዋረዱን ዝቐተሉን ዝነዓቑን እሶም ሓሊፎም ወንጌል ግና ገና ክነብር እዩ፣ ደም ቁዱሳን ከኣ ዘሪኢ ቤተክርስትያን እዩ፣ ሎሚ እውን ኣብ ሃገርና ስደትን መከራን ሞትን ማእሰርትን ደኣ ይብዛሕ እምበር ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ግና ንቕድሚት ክሕንበብ እዩ፣ ስለዚ እቶም ስለ ወንጌል ክትብሉ ሕጂ ዓቢ ዋጋ ትኸፍሉ ዘለኹም ጽባሕ ንሃገርና ኤርትራ ዓቢ ብርሃን እዩ እሞ እጆኹም በርትዑ፣
እስከ ብዛዕባ ሓደ ሓው ዝወረዶ መከራ ከዕልለኩም
ንድሕነቱ ክብል ስሙ ገብረ ኢለዮ ኣለኹ፣ ገብረ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቡ ኣብ ሰገነይቲ እዩ ዝነበር ኔሩ፣ ሓንቲ መዓልቲ ገብረ ምስ ብጸቱ ኣብ ሓደ ቦታ ግልል ኢሎም መጽሓፍ ቁዱስ እናተማህሩ ኸለዉ ተታሕዙ፣ ንኹሎም ከኣ ናብ እስርቤት ዳጎንዎ፣ መቸመ ወተሃደራዊ ኣቀጻጽዓ ኤርትራ ከመይ ከም ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም እዞም ሰባት ከኣ ካብዚ ኣየምለጡን፣ ንገብረ ብኸብዱ ኣደቂሶም ኣእዳው ንድሕሪት ምስ እግሩ ኣላጊቦም ኣሲሮሞ ማለት እቲ ንሶም ሄልኮብተር ኢሎም ዝጽውዕዋ እተኣሳስራ ኣሲሮም ንሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣሰርዋ፣ ማይ የለን ብልዒ የለን፣ ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቲ ግና በትሪ ሒዞም መጽዮም እምነትካ ኸሓድ ወይ ከኣ ኣብዚኣ ክንቀትለካ ኢና በልዎ፣ ንሱ ግና ኣይክሕድን በሎም፣ ክሳብ ሃለዋቱ ዘጥፍኡ ኸኣ ከትከትዎ፣
ብድሕሪ እዚ ናብ ሓንቲ ካብ ደሴታት ኤርትራ ማለት ናብ ናኩራ ወሰድዎ፣ ገብረ ኸኣ ንልዕሊ ዓመት ኣብቲ ቦታ ጸንሖ ብዛዕባ ህላውነቱ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን፣ ኣብቲ ምድረበዳ ሃሩር ኣጻምእ ግና ብሰንኪ እምነቱ ተዳጊኑ ነበረ፣
ድሕሪ እዚ ኣብቲ እስርቤት ብዙሓት ብግፍዒ ዝተኣስሩ እሱራት ስለ ዝነበሩ መቕጻዕትኹም ወዲኹም ኢኹም ተባሂሎም ክወጹ ተዳለዉ፣ ገብረ ኸኣ ብስንኪ ኣምነቱ ዝወረዶ ማህረምቲ ስቓይ ተጻዊሩ ክወጽእ ተበገሰ፣ ከምቲ ስርዓት ከኣ ናብቲ ወተሃደራዊ ሓላፊ ቐረበ፣ ፋይሉ ኸኣ ተገንጸለ ገበን ገብረ ኸኣ ኣማኒ ምኻን ጥራይ ነበረ፣ ሕጂ እውን እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ክፍታሕ እንተ ኾይኑ ከማልኦ ዘለዎ ረቓሒ ከምዘሎ ነገሮ፣ ንሱ ኸኣ ገብረ ክፍታሕ እንተ ኾይኑ እምነቱ ክኽሕድ ተነግሮ፣ ገብረ ግና ነዚ ነገር እዚ ክፍጽሞ ፍቓደኛ ኣይኮነን፣ እቲ ኣዛዚ ኸኣ ናብቲ ዝነበሮ ቦታ መለሶ፣ ገብረ ሕጂ እውን ኣብ ደሴት ናኩራ ናይ ንኣስታት ሓደ ዓመት  መቕጻዕቲ ተወሰኾ፣
ገብረ ኩሉ ሙሉ ኣብ ደሴት ናኩራ ኣስታት ክልተ ዓመትን ሹዱሽተ ወርሕን ተኣስረ፣ ብድሕሪ እዚ ከኣ ካብ ናኩራ ምስ ካልኦት እሱራት ናብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ትበሃል ቤት ማእሰርቲ ወሰድዎ፣ ኣብቲ እስርቤት እውን ካልኦት መቕጻዕትኹም ወዲእኩም ተባሂሎም ክልቀቑ ከለዉ ንሱ እውን ክልቀቕ ናብቲ ኣዛዚ ቐረበ፣ ፋይሉ ኸኣ ተገንጸለ፣ እቲ ሓላፊ በይኑ ክፍለ ነገሮ ንስኻ ብናይ ኣሜሪካ እምነት ተኣሲርካ ስለ ዘለኻ ኣይትፍታሕን ኢኻ በሎ፣ ኣብቲ ናይ ዓዲ ኣበይቶ እስር ቤት ከኣ ንነዊሕ ኣዋርሕ ተኣስረ ዳሓር ግና ኣምላኽ ረዲኢዎ ተፈቲሒ፣
ካልኦት ከም ገብረ ዝኣመሰሉ ምእመናን ማእለያ የብሎም ከከም ዝጥዕም ጌርና ዛንትኦም ከንውጾ ኢና፣
ብፍላይ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎና ምእመናን ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስኻሕኽህ መከራ ዝሓልፉ ዘለዉ ኣሕዋትና ግዲ ክብለና ኣለዎ፣ ስሌኦም ክንጽሊ ኣሎና ነቶም ኣፍ ዘይብሎም ከኣ ንሕና ኣፍ ክንኮኖም ይግባእ፣ ብዝካኣለና ኹሉ ክንሕግዞም ሓላፍነትና እዩ፣