27
Fri, Jun
0 New Articles

ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

News
Typography

“ረዲኤትናሲ

ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ

እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።”

ግንቦት 16 (ዓርቢ) ጸሎት ስለ ምስፋሕ ወንጌል

 


“…እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ ፣ ዓየይት ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኽልእከሉ ለምንዎ…።” ማቴ 9፣37

ቃል ኣምላኽና እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ ምባሉ ገና ኣብ ጥፍኣት ዘሎ ህዝቢ ብዙሕ ከም ዘሎ የመልክተና። ኣነስ ኩላቶም ናብ ህይወት ክመጹ ደኣ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ኣይደልን እየ ፣ እውን ኢሉ ኣሎ። ጎይታ የሱስ ናብ ምድሪ ዝምለሰሉ ምኽንያት ደቂ ሰባት ህይወት ምስ ተረፉ መታን ኪረኽቡ እዩ። ኩሉ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ከኣ ከፊልዎ እዩ። ንዓና ኸኣ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ዝሃበና ኣፍና ክንከፍት ነቲ ብስራት ወንጌል ክንነግርን ክንእውጆን እዩ።

እቲ ዝዓበየ መገዲ ምስፋሕ ወንጌል ከኣ ጸሎት እዩ። ከመይሲ ብጸሎት ካብ ኣምላኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ትብዓትን ፣ ምኽፋት ደገ ቃሉን ንረክብ (ግብ 4፣23-31)። እዚ ንህዝቢ መንፈሳዊ የዒንቱ ኣዒሩ ዘሎ ሓይሊ ጸልማት በቲ ብክርስቶስ የሱስ ተዋሂቡና ዘሎ ኣጽዋርን ስልጣንን ተጠቂምና ክንኣስሮ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ተገዚኡ ዘሎ ህዝቢ ሓርነት ክንእውጀሉ ኩሉ ናይ ጸልማትን ናይ ጥንቆላ ኣሰራርሓን ክፈርስ ህዝብና ከኣ ነቲ በይኑ መድሕን ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ጎይታ የሱስ ስሌና ኣብ መስቀል ዝሞተን ዝተንስአን ምእንቲ ክፈልጥ ብርሃን’ውን ክበርሃሉ እሞ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ቀቅድሜና እናሓለፈ ንልቢ ህዝብና ንምድሓን ክጸልዎ ንጸሊ። ወንጌል እዩ ተስፋ ናይ ህዝብና። ናይ ህይወት ሰላምን ምዕባልን መሰረት ወንጌል እዩ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም!

ክፍሊ ጸሎት ሕ.ወ.ኤ.-ኣ.ማ.ም.