27
Fri, Jun
0 New Articles

ግንቦት 18, 2008 ዓቢ ዓለም ለኻዊ ሃገራዊ ጸሎት

News
Typography

ግንቦት 18, 2008

ዓቢ ዓለም ለኻዊ ሃገራዊ ጸሎት

ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

“ረዲኤትናሲ

ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ

እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።” መዝ 121።2



ግንቦት 18, 2008

ዓቢ ዓለም ለኻዊ ሃገራዊ ጸሎት

ሃገራዊ ጸሎት ፣ ሃገራዊ ሓድነት የምጽእ!

“ረዲኤትናሲ

ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ

እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽኣና።” መዝ 121።2

ኣብዚ እዋን እዚ ሃገርና ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጸሎትን ምህለላን ትደልየሉ እዋን እዩ፣ እቲ እንኮ ፍታሕን ዕረፍትን ሰላምን ቅሳነትን ሃገርና ኤርትራ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ በይኑ ኣምላኽ ሰማይ ከኣ እዩ ረድኤት ክኸውን ዝኽእል፣ ነዚ ኸኣ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርእስና ኣዋሪድና ብንስሓን ቁዘማን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ ዝግብኣና፣

ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “እዚ ብስመይ እተ ሰመየ ህዝቢ ትሕት እንተበለ እንተ ጸለየ ገጸይ እንተ ደለየ ካብ ኩፍኡ መንገዱ ድማ እንተ ተመልሰ። ሽዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ። ሓጥያቶም ከኣ ይቕረ ክብለሎም። ምድሮም እውን ክፍውሰሎም እየ” 2ዜና 7።14፣

ስለዚ እዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ካብ ዝህልወና ኩላትና ካብ ኩፉእ መንገድና ተመሊስና ብሓድነትን ሕብረትን ኣብ ኣምላኽ ክንቀረብ ይግብኣና፣ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ነዚ ብምርዳእ እዚ ሰሙናት ናይ ጸሎት ሰሙናት ክኸውን ጸዊዑ፣ ስለዚ ኸኣ ኢና እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብምልኡ ብዛዕባ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀረብ ዝጸናሕና፣

ጽባሕ ሰንበት ከኣ ኣብ ብዘሎ ዓለም ሃገራዊ መዓልቲ ጸሎት ብዛዕባ ኤርትራ ክትከውን ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን  ተኣውጃ ኣላ፣ ስለዚ ኣብዛ መዓልቲ እዚ ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ ካብ ዓቢ ክሳብ ንእሽቶ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንማህለልን ንጸለን፣ እቲ ጸሎት ዝሰምዕ ኣምላኽ ከኣ ክሰምዓና ንንብዓት ክሕብሰልና እዩ፣ ስለዚ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ኩሉ ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ብዝጥዕመና መንገዲ ንኤርትራ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ብምኻን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነቕርባ፣ ንጸሊ ንመሃለል ንብከ ንንባዕ ንኣምላኽ ክረድኣና ንለምን፣