16
Tue, Apr
0 New Articles

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ሄለን (2ይ ክፋል)

Interview
Typography
ብስራት.ኮም ኣብ ኣስመራ ናይ ገዛ ወፈራ ወንጌል ብዙሕ ትዓዪ ኔርኪ፡ ሕጂኸ?

 

እቲ ናይ ወንገል ዕዮ ቀጻሊ እዩ፡ ኣየቋርጽን እዩ። ቅድሚ እስሪ ቤት ዝነበርክዎን ሕጂ ዘለኹዎን ኣተሓሳስባ ነንበይኑ እዩ። ሽዑ ግዜ ኩሉ ወንጌል ክሰምዕ ኣለዎ ዝብል ቅንኣት ነይሩኒ እዩ። ካብኡ ዝተበገሰ ድማ በዚ ነገር እዚ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ዞባታትን ወንጌል ይስበኽ ነይሩ። ኩሉ ግዜ ድማ እዚ ዓይነት ቅንኣት እዩ ነይሩኒ። ኣብ እስሪ ቤት ድማ ነቶም ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ወንገል ይነግሮም ነይረ። ኣብ እስሪ በት ከለኹ ክሳብ 16 ገጽ ዝኸውን ናይ ወንገል ምስክርነት ኣብቲ እስሪ ቤት ዝዝርጋሕ ይጽሕፍ ኔረ። እዚ ድማ ንምስክርነት ብዙሕ ጠቒሙ እዩ። ኣብቲ እስሪ ቤት ድማ ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝወጹ ሰባት ወንጌል ሰሚዖም ዝወጹ ብዙሓት ኣለዉ።

ኣብ እስሪ ቤት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ንኣብነት ሓደ እሱር ኔሩ፡ ኤፒሌፕሲ (ዘውድቕ ሕማም) ዝነበሮ እዩ ኔሩ። ኣብቲ እስሪ ቤት ድማ ይወድቕ ኔሩ። በብቁሩብ ድማ ክምስክረሉ ጀሚረ፡፡ ኣስላማይ ድማ እዩ ኔሩ። ይዝምረሉ ኔረ። ክዝምረሉ ከለኹ ድማ እቲ ቃንዛ ይሓድጎ ኔሩ። ቃል ኣምላኽ ክነግሮ ምስ ጀመርኩ እቲ ዝነበሮ ናይ ኣጋንንቲ ማእሰርቲ ሓዲጉዎ። እቶም ወተሃደራት ድማ ወንገል ይሰብኽ ከም ዘለኹ ፈሊጦም "መእሰሪኺ ምኽንያት ኣይትፈልጥን ዲኺ?" እናበሉ ከፈራርሑኒ ጀሚሮም።

 

ብስራት.ኮም ኣብ ግዜ ንእስነትኪ ከመይ ዓይነት ህይወት ኔሩኪ?

 

ሄለን፡ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ብዙሕ ዓለማዊነት ኣየሕለፍኩን። ብንእስነተይ እየ ክርስትና ጀሚረዮ። ኣብ ክርስትና ምስ ኣተኹ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ የንብብ ኔረ። ንሱ ድማ ብህይወተይ ክዓቢ ኣዝዩ ሓጊዙኒ። ብዙሓት መንፈሳውያን ኣቦታት ድማ ዘዕበዩኒ ኔሮምኒ። ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ድማ ንሱ እዩ ሓጊዙኒ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ ግዜ ቁልዕነትኪ እንታይ ክትኮኒ ኢኺ ትሓስቢ ኔርኪ?

 

ሄለን፡ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ዉን መዘምራን ክኸዉን ኢየ ዝደሊ ኔሩ።
 

ብስራት.ኮም ካብ ንእስነትኪ ኢኺ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኔርኪ። ሕጂ ድማ ጓልኪ ጓል 12 ዓመት እያ። ንሳኸ ከመይ እያ?

 

ሄለን፡ ጓለይ ኣዝያ በላሕ እያ። ኣተሓሳስባኣ ካብ ዕድሜኣ ንላዕሊ እዩ። እቲ ናተይ ማእሰርቲ ድማ ህይወታ ለዊጡዎ እዩ፡ በላሕ ኮይና። ኤቫ ካብ ህይወተይ ብዙሕ እያ ተማሂራ። ሕጂ ድማ ነዓይ የማነይቲ ኢደይ ኮይና ትሕግዘኒ ኣላ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ንቖልዓ ነታ ዝኸዳ መገዲ ኣርእዮ ዝብል ካብ ህይወተይ ብዙሕ ተማሂራ እያ። ንህና ኣብ እምነት ጸኒዕና ደው ክንብል ኮለና ነቲ መጻኢ ወለዶ ሓደ መልእኽቲ ኢና ነመሓላልፈሉ። ንሕና ንጎይታ እንተ ተወፊና እቶም ደቅና ድማ ኣብ ጎይታ ክጸንዑ ይኽእሉ።

 

ብስራት.ኮም እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስደት ናይ ወንጌል ብሰንኪ ምፍልላይ እዩ መጺኡ ኢልኪ፡ ግን ቅድሚ ቤተ ክርስትያን ምዕጻዉ ጽቡቕ ሕብረት ኔሩ እዩ። ስለዚ ከመይ ማለትኪ እዩ?

 

ሄለን፡ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያናት ዝነበረ ምፍልላይ ነይሩ እዩ። እቲ ምኽንያት ናይቲ መከራ ድማ ንሱ እዩ እየ ዝብል ኣነ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ እስሪ ቤት ምስ ኣተኺ'ኸ፡ እቲ ናይ ምፍልላይ ሓሳብ ትርስዖዶ ዋላስ ከመይ ኢዩ እቲ ሃዋህው?

 

ሄለን፡ ንኣብነት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዘሎ እስሪ ቤት ምስ ኣቶና ኣብቲ እስሪ ቤት ከማን እቲ ምፍልላይ ቀጺሉ ነይሩ። ኣነ ድማ ብዙሕ ጉህየ፡ ንኹሎም ድማ ብሓደ ዘይንኸውን ኢለ ሓቲተዮም፡ ደሓር ግን በብቁሩብ ክጠፍእ ጀሚሩ። ደሓር ናብ ማይ ስርዋ ዘሎ እስሪ ቤት ምስ ከድና ኸማን እቲ ምፍልላይ ቀጺሉ ነይሩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ። እቲ ታሪኽና ልክዕ ከምቲ ናይ እስራኤላውያን ህይወት ይመስል። ሽግርና ንሱ ስለዝኾነ ናብ ሓድነት ክንመጽእ ኣሎና። እንተ ዘይኮነ ሽግርና ክቕጽል እዩ። ስለ ክርስቶስ ክንነብር ኣሎና፡ ንርእስና ስለ ንነብር ኢና ብዙሕ ጸገም ነምጽእ። ስለዚ ጎዲኡና ዘሎ ሓደ ዘይምዃና እዩ።

 

ብስራት.ኮም ኣብታ "ወንጌል እዩ ፈውሲ" ትብል ዘሕተምኩማ ቪድዮ፡ ኣብኣ ብጣዕሚ ንፍዕቲ ተዋሳኢት ኮንኪ ሰሪሕኪ። እዚ ኣበይ ኢኺ ኣምጺእክዮ?

ሄለን፡ እንድሒር ዕላማ ኣለካ ዘይትኾኖ ነገር የለን። ዋላ ነቲ ኣይከኣልን እዩ ዝበሃል እቲ ቅንኣት የኽእለካ እዩ። እቲ ኒሕ ዘትሓዘኒ ድማ ቤተ ክርስትያን ተዓጽዩ እቲ ዕዮ ወንጌል ግን ደው ክብል የብሉን ኢና ንብል ኔርና። ብዙሕ ሕጽረታት ኣጋጢሙና ነይሩ፡ ግን ብኽንደይ ላዕልን ታሕትን ክትዉዳእ ክኢላ።

 

ብስራት.ኮም ብዙሕ ፋይናንስያዊ ሕጽረት የጋጥመኩም ኔሩ፡ ግን እቲ ተካይዱዎ ዝነበርኩም ዕዮ ድማ ዓቢ እዩ። ቤተ ክርስትያን ወይስ ካልእ ሚኒስትሪታት ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክገብሩልኩምዶ ኣይግባእን ኔሩ?

 

ሄለን፡ ወላ ሓደ ሰብ ዝሕግዘና ኣይነበረን፡ ዋላ ናይ ትራንስፖርት ኸማን ይጽግመና ኔሩ። ስለዚ ንሃገርናን ንቤተ ክርስትያንን በዚ ነገር እዚ ክንጽልየላ ኣለና።

 

ብስራት.ኮም ኣብ እስሪ ቤት ምስ ኣተኺ እታ ቪድዮ ምሕታምከ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኣምጺኣትልኪ?

 

ሄለን፡ ክተሓዝ ኮለኹ ሰባት ቃል ኣምላኽ እንዳመሃርኩ እየ ተታሒዘ። ኹሉ ክልኩል ስለ ዝነበረ ስለምንታይ ከምዚ ኢልኪ ዘሚርኪ ኢሎም ብዙሕ ኣሳቕዮምኒ። እታ ቪድዮ . . . . . .

 

ብስራት.ኮም ኣብ እስሪ ቤት ብፍላይ ተጸናኒዓኪ ዝነበረት መዝሙር እንታይ እያ?

 

ሄለን፡ "ኣፍቂረካ እንድየ ተጸጊዐካ" እያ ትብል። እዛ መዝሙር ዝመጸኣትኒ ኣብ ማይ ስርዋ ኣብ እስሪ ቤት ከለኹ ሓደ ዶክተር ይሓተኒ እሞ . . . ካብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ኮንተይነር ኣውጺኦም በትሪ ክሳዕ ዝስበር ቀጥቂጦምኒ፡ ደሓር ምሸት ኣብ ሓንቲ ካልእ ኮንተይነር ብዘይ ኮበርታ ኣእትዮምኒ። ኣብኡ ድማ ብሰንሰለት ኣሲሮምኒ፡ ቀትሪ ሃሩር ስለ ዝነበረ ሓጺር ስረ እየ ጌረ ነይረ። እቲ ቦታ በረኻ ስለዝኾነ ለይቲ ብርቱዕ ቁሪ እዩ ዝገብር። ኣብታ ኮንተይነር ድማ በቲ ብርቱዕ ቁሪ ብዘይ መንጸፍን ኮበርታን  ደርብዮምኒ፡ ግን ኣብዚ ግዜ ብኣንጻሩ ጸኒዐ። ንጎይታ መዝሙር ጌረ ኣመስጊነዮ፡፡ ኣብቲ ቦታ 22 ኮንተይነር እዩ ዘሎ። ኣብቲ ኩሉ ኮንተይነራት ዝነበሩ እሱራት ድማ ብኣይ ይሻቐሉ ነይሮም፡ ምኽንያቱ ሰብ ብዘይ ኮበርታ ኣብ ኮንተይነር ለይቲ ብህይወት ክነብር ኣይክእልን እዩ፡፡ ኣምላኽ ግን ኣጽኒዑኒ ሓሊፈዮ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ መዝሙርኪ ከም ዝበልክዮ "ኢደይ ንኣጋንንቲ ኣይህብን እየ" ኢልኪ። ከምኡውን "ኣብቲ ጸልማት ጎድጓደይ ኽትመልኦ ኢኻ" ኢልኪ። እዝስ እንታይ ማለትኪ ኢዩ? ብኸመይ ኢኺ ዘሚርክዮ?  

 

ሄለን፡ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ እስሪ ቤት ኮይኑ፡ "ኩሉ ሳዕ ተሓጎሱ" ዝብሎ ኣነውን ኣብ እስሪ ቤት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ዋላ እቲ ኩነታተይ ጸልማት እንተ ነበረ፡ ከባብየይ ከቢድን ኣሸጋርን እንተነበረ፡ ግን እቲ ብርሃን ኣብ ውሽጠይ ስለ ዝነበረ ብእኡ ይሕጎስ ነይረ። ንጎይታ ድማ የመስግኖን የምልኾን ነይረ። ነቶም ዝኣሰሩኒ ወተሃደራት ድማ እዚ ይገርሞም ኔሩ። ቀጥቂጦምኒ ኣካላተይ ሓቢጡ ኸሎ "የፍቅረኩም እየ" ይብሎም ኔረ። ማለተይ ኮይኑ ድማ ከምቲ ጎይታ ዝገበሮ ኣነ የፍቅሮም እየ፡ ጽልኢ የብለይን።

 

ሄለን፡ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ተገልግሊ ኔርኪ፡ ብምንታይ ኢኺ ተገልግሊ ኔርኪ?

 

ብስራት.ኮም ኣብ መጀመርያ ብመዝሙር እየ ዘገልግል ነይረ፡ ደሓር ግን ዝመጸለይ ቃል የካፍሎም ነይረ። ብተወሳኺውን ሽግር ንዘለዎም ሰባት፡ ዝሓመሙ፡ ናይ ኣእምሮ ሽግር ንዘለዎም ምግልጋል ድማ ኣዝዩ ዘሐጉሰኒ ኣገልግሎት እዩ።

 

ብስራት.ኮም ከተገልግሊ ኮለኺ መን እዩ ዝተሓባበረኪ ኔሩ፡ ብሞራል ይኹን ብፋይናንስ?

 

ሄለን፡ ካብ ሓዳረይ ምስ ተፋታሕኩ ዝበጽሓኒ ብጽሒት ገንዘብ ኔሩ፡ ብእኡ ድማ ትካል ከፊተ፡ ብተወሳኺውን ይሽቓቕጥ ነይረ። እኹል ኣታዊ ስለ ዝነበረኒ ነቲ ዕዮ ድማ ብእኡ እየ ዘካይዶ ነይረ። ስለዚ ወላ ሓደ ብፋይናንስ ዝሕግዘኒ ሰብ ኣይነበረን።

 

ብስራት.ኮም በዚ ኹሉ ዝሓለፍክዮ ከቢድ ኩነታት ኣብ ህይወትኪ ብፍላይ ዝተመሃርክዮ ወይ ዝተረፈልኪ ነገር እንታይ ኣሎ?

 

ሄለን፡ በብሓደ ክዛረበሉ እንተ ኾይነ ግዜ ኣይክኣኽለናን እዩ። እታ ኣዝያ ተደንቐኒ ነገር ግን ኣብ መወዳእታ ግዜ ናይ እስሪ ቤተይ ከቢድ መቕጻዕቲ ቐጺዖምኒ። ርእሰይ ብኸቢድ ይሃርሙኒ። እቲ ጽሑፍ (ቃል ኣምላኽ ማለቶም እዩ) ካብ ርእስኺ ኽጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ብኸቢድ ቀጥቂጦምኒ፡ ተቐጥቂጠ ድማ ኣብ ኮንተይነር የእትዮምኒ፡ ሙሉእ ለይቲ ድማ ክቕንዞ ሓዲረ። ንግሆ ድማ እንደገና ተጸዊዐ፡ "እምነትኪ ትሓድግዮ ድኺ?" ኢሎም ሓቲቶምኒ ኣብየዮም። ወሲዶም ሽዑ ብሰንሰለት ኣሲሮምኒ፡ ሽዑ ኣብ ኮማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ ዳርጋ ናይ ምፍናው ኩነታት ናይ ሞት ኣንጸላልዩ። ንጓለይ ድማ ሽዑ ዘኪረያ። ሽዑ ግን ካብቲ ዝነበርኩዎ ኮማ ብተኣምር ተበራቢረ። ሽዑ ኣዝዩ ገሪሙኒ ከመይ ኢለ ካብ ኮማ ከም ዝተበራበርኩ ገሪሙኒ። ኣብ ውሽጠይ ድማ ሽዑ ዓቢ ትብዓት ተመሊአ፡ ሽዑ ካብ ሕጂ ዝመጸ ይምጻእ ነዓኻ ግን ኣይክሓድገካን እየ ኢለዮ።

 

ብስራት.ኮም እቲ ኣገልግሎትኪ ኣብ እስሪ ቤት ከመይ እዩ ነይሩ? ስሩዕ ኣገልግሎት ድዩ ነይሩኪ?

 

ሄለን፡ ኣብ ዝኣተኹዎ እስሪ ቤት ደገ ኣገልግሎት ይክፈተለይ ኔሩ። ኣብ እስሪ ቤት ዓዲ ኣቤቶ ኣብ ዝንበአርኩሉ ግዜ ብፍላይ ካብ ማልታ ዝመጹ እሱራት ነይሮም። ንዖኦም ቃል ኣምላኽ ይነግሮምን የጸናንዖምን ነይረ። ኣብ ኮንተይነር ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ድማ ትምህርቲታት ብጽሑፍ ብምልኣኽ ወይ ብስእሊ መልክዕ ትምህርቲ የመሓላልፍ ንይረ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ እስሪ ቤት መገላግልቲ ነይረናኺ፡ በዓል መን እየን።

 

ሄለን፡ እወ ኣብ ማይ ስርዋ እስሪ ቤት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣብቲ ኮንተይነር ዝዓበያ ደማሙ ነይረን። ዝብላዕ ባኒ እንዳ ሃብኩ ድማ ናባይ ከም ዝመጻ ገይረየን። እተን ደማሙ ንእሽቶይ ወረቐት ጽሒፈ ይኣስረለን እሞ፡ ሽዑ እተን ደማሙ ነቲ መልእኽቲ የብጽሓለይ ነይረን።

 

ብስራት.ኮም ሰብ ካብ እስሪ ቤት ክወጽእ ከሎ እምነተይ ይሓድግ ኣለኹ ኢሉ ከይፈረመ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ፡ ናትኪኸ ከመይ እዩ ኔሩ?

 

ሄለን፡ እወ እቲ እስሪ ቤት ከቢድ እዩ፡ ብዙሓት ጭንቀት ይገብሩ እዮም። ንኣብነት ሓንቲ ሓብትና 2 ሰሙን ምስ ተኣሰረት ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ገይራ። ናይ ሰብ ዓቕሚ ይፈላለ እዩ፡ ብዙሓትውን ፈሪሞም ዝወጹ ነይሮም። ነዓይውን ብዙሕ ግዜ ይሓቱኒ ነይሮም፡ ኣነ ግን ኣብየዮም። ኩሉ ምስ ኣበኹዎም እሞ ከም ዘይትኽሕዲ ፈርሚ ኢሎምኒ ፈሪመ። ካብኡ ንንዮ ቀቢጾም ክቕጥቅጡኒ ጀሚሮም። ክሳብ ካብ ማህጸነይ ብዙሕ ደም ፈሲሱ፡ መድሃኒት ስለ ዘይነበረ ድማ ብዙሕ ቃንዛ ኣሕሊፈ። ካብኡ ንደሓር ኩሊተይ፡ ጽላም ከብዲ ከምኡውን ኩሉ ኣካላተይ ተበላሽዩ፡ ዳርጋ ከም ምዉት እየ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ብቃረዛ ተጽይረ ከይደ።

 

ብስራት.ኮም እቲ መከራን መቕጻዒትን ኣብ ኣዋልድን ኣወዳትን ፍልልይ ኣለዎዶ?

 

ሄለን፡ ፍልልይ የብሉን። ብፍላይ እኳ ደኣ እታ ናተይ ኮንተይነር ብሓለዋ ዝተኸበበት እያ ነይራ። ግን ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዘሸግር ዝነበረ ናይ ምግቢ ነገር እዩ። እቲ ዝበላዕኩዎ ምግቢ ጠጠው ኣይብልን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣዝየ ይሽገር ነይረ። ኣካላተይ ስለ ዝተሃሰየ ድማ ባዕለይ ክሸይን ኣይክእልን እየ ነይረ። እተን ምሳይ ዝነበራ እሱራት ድማ ሓፍ ኣቢለን የሽናኒ ነይረን።

 

ብስራት.ኮም ኣጆኺ፡ ኩነታትከ ከመይ ኣሎ ጥዕናኺ? ከምኡውን ናይ መጻኢ ኩነታትኪ ከመይ ኣሎ?

 

ሄለን፡ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ብሕቡእ እየ ወጺአ። ኣብ ሱዳንውን ዳርጋ ኣብ እስሪ ቤት እየ ነይረ። ቦታ እንዳ ቐያየርኩ እየ ዝነብር ነይረ፡፡ እቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ብገንዘብ ብዙሕ ተሓጋጊዞምኒ። ኣብ ሱዳን ድማ ብዙሕ ሕክምና ገይረ። እቲ ናይ ማህጸን ደም ምፍሳስ ድማ ጠጠው ኢሉ። ሓንቲ እግረይ ክትቀጥን ጀሚራ ነይራ። ከምኡውን ኩሊተይ ተሃስዩ ነይሩ። ኣብ ሱዳን ግቡእ ሕክምና ጌረ ድማ እየ ናብ ዴንማርክ ከይደ። ኣብ ዴንማርክ ድማ ተቐቢሎም ምሉእ ሕክምና ይገብሩለይ ኣለዉ። ንመጻኢ ድማ ዓቢ መደብ እዩ ዘሎኒ። መጽሓፍ ክጽሕፍ፡ መዝሙር ክዝምርን ከምኡ ድማ ናብ ምሉእ ዓለም እንዳ ኸድኩ ወንገል ክነግር እዩ መደበይ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ ሓደ ጽሑፍ ብዛዕባ እቶም እሱራት ዓቢ ጾር ኣሎኒ ኢልኪ። እንታይ ማለትኪ እዩ?

ሄለን፡ እወ፡ ማለተይ ኣነ ሕጂ ኣየር ረኺበ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣለኹ። ግን ኣብ እስሪ ቤት ዝገደፍኩዎም ኣሕዋት ኣለዉ። ብዛዕቦኦም ዓቢ ጾር ኣሎኒ። ኣብ እስሪ ቤት ዝሳቐዩ ኣሕዋተይ ኣገልገልቲ ብዛዕቦኦም ክዝክር ከለኹ ኣየክእለንን ኢዩ።

ብፍላይ ሓደ እሱር ክርስትያን ኣብ ሕክምና ዝረኸብኩዎ ብጎይታ ዘዕበየኒ ኣገልጋሊ እዩ። ብሕማቕ ክሕዝዎ ርእየ፡ ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ስቅያት ናይ ኣሕዋተይ ኣየኽእለንን እዩ፡ (. . ብኽያት..)።

 

ብስራት.ኮም ኣብ መወዳእታ ነዞም ኣብዚ ቦታ ዘሎና ይኹን ነዚ ምስክርነት ዝሰምዕዎ ሰባት ከተመሓላልፍዮ ትደልዪ መልእኽቲ እንታይ ኣሎ?

 

ሄለን፡ እዚ ኣብ ኣሕዋትና ዘሎ መቑሕን መከራን ቀልጢፉ ምእንቲ ከብቅዕ ኣበርቲዕና ክንጽልን ገጽ ኣምላኽ ክንደልን ይግባኣና። ንስድራ ቤት እቶም እሱራት ኣገልገልቲ ድማ ክንኣልን ብፋይናንስን ብሞራልን ክንተሓጋገዞምን ይግባኣና፡፡ ብደቆምን ብስድሮኦምን ክነቕስኖም ኣሎና። ከምኡውን ኣብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ኣገልገልቲ ክንዝክሮምን ክንሕግዞምን ይግባኣና። ንኣብነት ኣነ ኣብ እስሪ ቤት ከለኹ ንኤቫ ጓለይ ብኹሉ ዝከናከኑዋን ዝሕግዝዋን ሰባት ነይሮም። ኣምላኽ ይባርኮም። ንሕናውን ንደቂ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ እስሪ ቤት ዘለዉ ኣገልገልቲ ብምእላይን ብምክንካንን ክነቕስኖም ኣሎና።

 

{gallery}con/helenbrhane{/gallery}