19
Fri, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ኣጸያፊ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበረት Part 2

Restoring and Healing
Typography

"እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ ። ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ ። እንታይከ ንበል ፡ ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንናስ ሓጢኣትዶ ንግበር፡ ያእ ኣይፋልናን ። ንምእዛዙ ባሮቱ ክትኮኑ ርእስኹም ንትህብዎ ፡ ንሓጥያት እንተ ኾይኑ ንሞት ፡ ንምእዛዝ እንተ ኾይኑ ንጽድቂ ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈጡን ኢኹም ፡ ...." ሮሜ 6 ፡ 12-16


 

ኣነ ኣብ ደቡብ ካሊፎርኒያ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣብዚ ኣጸያፊ ናይ ጾታዊ ተግባራትን ናይ ዳንስ ማለት ትልሂታዊ ስራሕ ካብ ዝዋፈር ድሮ 8 ዓመት ጌረ ነበርኩ ። ከምሳዒቤኑ ድማ ካብ ዓማዊለይ ዘይተጸበኽዎን ዘይደለኽዎን ሽግር ማለት 3 ጊዜ ጥንሲ ኣጋጢሙኒ ። ከመይ ኢሉ ኣጋጢሙኒ ፡ ከመይ ገይረኸ ቆልዓ ከዕቢ ይኽእል ፡ ጥንሲ ተሰደድክዎ ዶ ይሓይሽ ፡ ናበይ ገጸይ እየኸ ዝኸዶ ፡ መንከ እዩ ኣቦ ቆልዓይ ፡ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ እንዳ ተመላለሱ ኣጨነቑኒ ። ብፍላይ ናይቲ ክልተ ጊዜ ዘጋጠመኒ ጥንሲ መንዩ ኣቦ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ስለዘጨነቐኒ : ንኣምላኽ ከምዚ በልክዎ " ዎ ኣምላኽ በጃኻ ሓግዘኒ ፡ በጃኻ ካብዚ ዘለኹዎ ሕማቕ ጋሂ ኣናግፈንን ኣጸናንዓን ፡ ኣነ ነዚ ኣብ ማህጸነይ ዘሎ ዕሸል ክቐትሎ ኣይከኣልኩን " ኢለ ጸለኹ ። ክልተ ካብቲ ሰለስተ ዘጋጠመኒ ጥንስታት ግና ስለ ዝተነጸለ ሓንቲ ድቂ ንምሕዝ በቓዕኩ ፡ በዚ ድማ ጋለይ ቲፋኒ ትበሃል ብሰላም ተገላጊለያን የዕበያን ሕጂ ድማ ጋል 20 ዓመት ኮይና ኣላ ። ንሳ ሕዋስ ናይ ኤስያ መልክዕ ዘለዋ ኣዝያ ጽብቕቲ ጋል እያ ። ድሕሪ እዛ ጋለይ ምውላዳ እውን ነዚ ጽዩፍ ስርሓት ተመሊሰዮ ጥራሕ ዘይኮንኩስ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ እዉን ከዘውትርን ድራግ እዉን ክወስድ ጀምርኩ ። ጋለይ እንዳ ዓበየት ክትከይድ ከላ ተንጽሎ እንዳ ኣጋጠማን ቅንዕንኣ እንዳ ጠፈኤ ከደ። ኣብቲ ኩሉ ክርድኣ ዝጀመረሉ ጊዜ ፡ ሓደሽቲ ሰብኡት ክደልዩኒ ቀጻሊ ክትርኢ ከላ ተግባራተይ ኩሉ ስለዝጸልኣቶ ክትሓርቕ ጀመረት ። ኣነ ድማ ንዓኣ ኣብ ገዛ ዓጽየ ናብ ዓማዊለይ ክኸይድን ፍሉይ ዝምድና ምስ ደቂ ኣንስትዮ ክትርእየለይን ከላ ማዕረ ክንደይ ረሳሕን ሕማቕን ኣደ ሙኻነይ ተረደኣ ። ብፍላይ ቲፋኒ ጋለይ ኣብ ከባቢ 4 ዓመት ከላ ናብ መጻወቲ ቦታ ክትከይድ ፡ ኣነ ድማ ተግባራተይ ይቕጽሎ ነበርኩ ። ገዛእ ርእሰይ ክርእያ ከሎኹ ማዕረ ክንደይ ውድቀት ዝመልኦ ህይወት ይመርሕ ምንባረይ ክርድኣኒን ተግባራተይ ክጸልኦን ጀመርኩ ። ዕረፍቲ ዘይብሉ ህይወት ፡ ግዝእቲ ኣልኮላዊ መስተን ጽዩፍ ተግባራትን ምኻነይ ናብራይ ብብኻይት ክስነ ጀመረ ። ንየሱስ እቲ ብቆልዕነተይ ዝፈልጦ ድማ በጃኻ እባ ከብዚ ህይወት ዘለኹዎ ኣውጽኣኒ ክብሎ ጀመርኩ ። ኣነ ተግባራተይ ቀጸለ እሞ ካብዚ ኣጸያፊ ስራሕ ዝሓሸ እትዋት ክረኽበሉ ዝኽእል ኣብ ዓቢ ናይ ፊልም ኢንዳስትሪ ስራሕ ጅመርኩ ። እቲ ኣሰቃቒ ጉዑዞ ናይ ህይወተይ ግና ቀጺሉን ብተደጋጋሚ ኣልኮላዊ መስተን ሓሺሽ ከዘውትር ጀመርኩ ። ካብ ሰይጣን ከምዚ ዝብል ድምጺ መጸኒ " ኣነ ተፈታዊትን ዝና ዝመልኣን ክገብረኪ ኢሉ " በዚ ገለ ሓድሽ ሓይሊ ነቲ ኣነዋሪ ስርሓት ከይሓፈርኩ ክፍጽሞ ምእንቲ ንህይወተይ ተቖጻጸራ ። በዚ ድማ ናብ ክብ ዝበለ ቦታ ክርኤ ከኣልኩ ። ኣነ ግና ወላ እኮ ተፈታዊት እንተኾንኩ ንገዛእ ርእሰይ ክጸልእ ጀመርኩ ።ኣነ መዓረ ክንደይ ዓቢ ዝናን ተፍታዊትን ምኻነይ ዘኮንኩስ እቲ ሕሉፍ ስጋዊ ርክባት ግና ኣዝየ ጸላእክዎ ። ደረቕ ስእልታት ኣብ ምስራሕ ተዋፊረ ጥራይ ዘይኮንኩስ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ምውሳደይ ብዝገደደ መልክዑ ቀጸልክዎ ። ካብ ሓደ ናይ ፋሚሊ ዝብሃል ማለት ናይ ኣጸያፊ ጾታዊ ስርሓት ዘካይድ ትካል ተወሳኺ ጠለብ ናይ ስራሕ መጸኒ ። ኣነ ድማ ምስኦም ክሰርሕ ብዘቕረብክዎ ሕቶ መሰረት ኣእዳዎም ዘርጊሖም ብኣወንታ ተቐበሉኒ ። ኣብ ንግዲ ናይ ጾታዊ ተግባራት ንኽኣቶ ድግማይ ኩሉ ልበይ ሓሳብተይ ዘሎኒ ክውፍዮ ከሎኹ እቲ ናይ ኤች ኣይ ቪ ማለት ኤይድስ ሕማም ሓልፍነት ወስድኩሉ ። ኣብዚ ንግዲ ድማ ኮንዶም ምጥቃምን ምክልኻልን ክልኩል ስለዝኾነ ንዝኾነ ዓይነት ሕማም ዝተቓልዓኻ ኢኻ ትኸውን ።

ኣብ ግንቦት 2004 ኣዳልት ኢንዳስትሪ መዲካል ፍውንዴሽን ዝተበሃለ ናይ ሕክምና ትካል ክሎም ተዋሳእቲ ብፍላይ ብናይ ፖርኖ ዝሰርሑ ናይ ኤች ኣይቪ መርመራ ንክገብሩ ብዝሓተቶ መሰረት ካብ ፍሉጣት ተዋሳእቲ 4 ሕሙማት ናይ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ኮይኖም ጸኒሖም ። ካብዚ ሕማምን ካልእ ብናይ ጾታ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት ነጻ ክኸዉን ምኽኣለይ ንኣምላኽ ኣዝየ ኣመስጊነ ድግማይ ነዚ ኣጸያፊ ስራሕ ከይምለሶ ወሰንኩ ። ሓላፊ ትካል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ሻሮን ሚቺአል ከምዚ ኣሉ " ካብቶም ናይ ፖርኖ ግራፊ ስርሓት ዝሰርሑ 7% ብ ናይ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ሉኹፋት ምኻኖም ካብ 12_28% ድማ ብናይ ጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት ልኹፋት እዮም ።"ኣነ ብዙሕ መከላኸሊ ጥንስታትን ካልእ ዓይነት መድሃኒታት ይጥቀም ስለዝነበርኩ ኣእዳወይ ምሒር የሕሙኒ ስለዝነበሩን ኣዝየ ድማ ብዝሓለፉ ጌጋታተይ ይጥዓስ ስለዝነበርኩ ነብሰይን ስድራይን ጸሊኤ ግዳይ ኣልኮላዊ መስተ ኮይነ ተስፋ ዝብሃል ዝይብሉ ህይወት ምኻኑ ምንባረይ ከጽልኣኒ ጀምረ ። ነቲ ስራሕ ናይ ፖርኖ ግራፊ ይገድፎን ይጅምሮን ነበርኩ ። ንህይወተይን ንኣምላኽን ዘጉህዩ ተግባራት ምፍጻመይ ድማ ኣዝዩ ሕሉፍ ናብራይ የጣዕሰኒ እዩ ።