18
Thu, Apr
0 New Articles

ካብ ምስልምና እምነት ናብ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝተቐየረ

Salvation
Typography

ብ25 ግንቦት 1954 ዓ.ም ካብ ኣቡኡ ጀናብ ካሲም ፒላ ላባን ካብ ኣዲኡ ፋጢማን ኣብ ደቡብ ህንዲ ካብ ዘላ ትሪቫንድሩም ትብሃል ዓዲ ኣብ ገዛ ካችራ፡ ጥንታዊት ቦታ ኦርቶዶክስን እስልምናን ተወሊዱ ፡፡ እቲ ናይ እስልምና ሃይማኖት እምነት ኣብቲ ዓዲ ከባቢ 400 ዓመት ዝገበረ እዩ፡ ስለዚ ድማ መብዛሕታኦም አቶም ነበርቲ: ኣመንቲ እስልምናን ሂንዱን ኢዮም፡፡ ኣነ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማረይ ፈለማ ቁርኣን ክምሃር ስለዝነበረኒ ኣብቲ ጥቓ ገዛና ዘሎ መስጊድ ተመሂረ፡ ካብ ኣቦታተይ ዝተወራረሰ ናይ ሸኽነት ማዓርግ ላባ ተባሂሉ ዝጽዋእ ንዘርኢ ካብ ስድራና ዝኾነ ይወሃብ ነበረ፡፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ እየ ነቲ ናይ ምስልምና ሃይማኖተይ ብዓቢ ተገዳስነት ዝምሃርን ዝሰርሕን ዝነብርኩ። ስለዚ ድማ ሓደ ጊዜ ብዛዕባ ሃይማኖት እስልምና ትገልጽ ካብ ቑርኣን ተበጊሰ ሓንቲ መጽሓፍ ኣበርኪተየ ፡፡ ናይ ላዓለዋይ ትምህርተይ ግና ኣብ ትካል ማር ኢቫንዮን ኮለጅ ኣብ ከተማ ትራቫንድሩም ትርከብ ተማሂረ ፡፡


ኣብኡ እቶም መምሃርተይ መብዛሕኦም ግና ኣመንቲ ክርስትና ሃይማኖት ነበሩ፡ ንበይነይ ግና ኣማኒ እስላምዊ ሃይማኖት ነበርኩ እሞ ምስቶም ተመሃሮ ብዙሕ ክቃዶ ኣይከኣልኩን ፡፡ ብሰንኪ ዘይምርድዳኣይ ድማ ክጭነቕ ስለዝጀመርኩ ሕማቕ ወልፍታት ከም ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራ ምትካኽን ሓሺሽ ምውሳድን ዝኣመሰሉ ኣመላት ጀመርኩ እሞ ክሳብ ኣብ ጋዜጣታት ክወጽእ ጀመርኩ ፡፡ ስድራይ ፈተውተይን ድማ በቲ ሕማቕ ኩነታት ናተይ ክሻቐሉ ጀመሩ። ትምህርተይ ብምቁራጽ ድማ ኣብ ምድሪ ዓረብ ወሽመጥ ጋልፍ ከድኩ እሞ ብሰንኪ ኣመላተይ ግና ክሳብ ዘንቀጥቅጥ ሕማም ዝሕዘኒ ግዙእ ወልፍታተይ ኮንኩ፡፡ ኣብ የዒንቲ ፓሊስ እውን ስለ ዝኣተኹ ክከታተሉኒ ጀመሩ ስድራይ እውን እቲ ዝህቡኒ ዝነበሩ ገንዘብ ስለዘቃረጹለይ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ወደቕኩ፡፡ እቶም ገንዝብ ክህልወኒ ከሎ ጥራይ ዝቐርቡኒ ዝነበሩ ፈተውተይ ስለዝረሓቑኒ ኣብ ከቢድ ተነጽሎን ስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ኣቶኹ፡፡

ኣብ ከምዚ ኩነታት ከሎኹ ግና እቶም ኣብቲ ዝነበርክዎ ትምህርቲ ዝፈልጦም ሚስዮናውያን ብዛዕባ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣቶም ንምድሓን ከምዝመጸ ይነግሩኒ እኮ አንተ ነበሩ ኣነ ግና ምስቲ ዝፈልጦ ዝነበርኩ መጽሓፍ ቁርኣን ስለ ዝጋጨወኒ ዝነበረ ክረዳድኦም ይኽእል ኣይነብርኩን፡፡ እቲ ናተይ እምነት አዩ በይኑ ሓቀኛን ንሰማያት ዘእቱ ኢለ ይኣምን ስለዝነብርኩ ብቑጥኤ ብዙሕ ብምንዳድን ይምልሰሎምን ይዛረቦምን ነበርኩ ፡፡ ሓደ ጊዜ ገለ ወረቓቕቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እስልምና እምነተይ ዝጻረር ምስ ኣምጽኡለይ ኣዝየ ተቖጣዕኩ እሞ ንዘቖጠዓኒ ወረቓቕቲ ብምቕዳድ ኣብ ገጾም ደርበኽዎ ፡ ንኻልኦት ሰባት እውን ብምግጋዮም ከጥፍኣኩም እየ ኢለ ኣፈራራህክዎም ፡፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶም ሚስዮናውያን ተመሃሮ ብዙሕ ናዕብን ዕግርግርን ስለዝኾነ ኣነ ክሳብ ዝኾነ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ወሰንኩ። በዚ ከኣ ናብቲ ኮለጅ ከድኩ ፡ ግና ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ ሓደ ካብቶም ምስዮናውያን መደበይ ከይፈለጠ ሕቑፍ ኣቢሉ ስለዝሰዓመኒ ብፍቕሩን ሓጎሱን ሓሳባተይ ክቕይር ከኣልኩ ፡፡

በዚ ኸምዚ ድማ ንኹሉ አቲ ዘጋጠመኒ ናይ ሞራል ውድቀትን ካልእን ኩሎም ኣብቲ ኮለጅ ዝነበሩ ተመሃሮ ንዘርእዩኒ ፍቕርን ለውሃትን ተገዳስነትን ንልበይ ክረትዖ ጀመረ፡ ብኸምዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕለይ ጽድቅን ፍርድን ክሰርሕ ጀመረ ፡ እሞ ብሓጢኣተይ ክርታእ ጀመርኩ ። ኣብታ ለይቲ ድማ ሓደ ኽፋል ወረቐት ብዛዕባ ብምሉእ ልብኻ ምቕባል ንየሱስን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብታ ክፍለይ ረኸብኩ ፡ ኣብቲ ካልእ ገጽ እታ ጽሕፍቲ ድማ ዓስቢ ሓጢኣትን ሞትን ዝገልጽ ካብ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ሮሜ 6፡23 ዘሎ ኣንበብኩ ። ንሱ ድማ ዓስቢ ሓጢኣት ሞትዩ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጎይታና ናይ ዘልኣለም ህይወትዩ ይብል ፡፡ ኣብቲ ብዛዕባ ድሕነት ዝምልከት ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ከድሕን ከም ዝመጸ እዚ ቓል እዚ ብኹሉ እሙን እዩ ምቕባሉ እውን ብኹሉ ግቡእ እዩ ። 1 ጢም. 1፡15 በዚ ቓል ተተንኪፈ ኹሉ በደለይን ሕማቕ ግብርታተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክቕጀለኒ ስለዝጀመረ ኣካላተይ ክመውቕን ስጋይን ኣዕጽምተይ ከቐንዝወኒ ጀመረ ። እቲ መላግቦ ኣዕጽምተይ ካብ ዓቐን ንላዓሊ ከሕመኒ ስለዝጀመረ ኦ ኣምላኸይ በጃኻ መሓረንን ኣድሕነን ብምባል በኸኹ ፡ ሽዑ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሰማይ ክወርድ ረኣኹ ፡ መልክዑ ድማ ኣዝዩ ብሩህን ቅዱስን እዩ ፡ ነቲ ዘቕንዝወኒ ሕማመይን ቃንዛይን ብዘይቲ እንዳ ደረዘ ክፍውስኒ ረኣኹ ፡፡ ብዘይቲ ስለ ዝሓጸበኒ ከኣ ኣነ ካብ ኩሉ ስጋውን መንፈሳውን ሕማመይ ተፈወስኩ ።

እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ "ንሕማምናን ስቓይናን ኣብ መስቀል ኣብ ነፍሱ ዝጸዓነ ብሰሪ ግብርና ቆሲሉ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትኪቱ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረዱ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና " ። ኢሰ. 53..4፥5 ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክንዲ ኹሉ ሰብ ምእንቲ ሓጢኣት ሙማቱ ኣይኣምንን እየ ነይረ፡ ስለዚ ድማ ከመይ ኢሉን ስለምንታይን ከምዝሞተ ሽዕኡ ኣመንኩ እሞ ንኹሉ በደለይ ብደሙ ክሓጽበለይ ለመንኩ ። ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ፡ " ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ " ፡፡ 2 ቆረ. 5፡21 ብሓቂ የሱስ መቓብር ኣጽኒዑ ክሕዞ ዘይክኣለ ካብ ሞት ዝተንስኤ ናብ ክብሪ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ብደበና ህላውነቱ ተኸቢበ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወዲቐ ጎይታየይን ኣምላኸይን ክብሎ ጀመርኩ። እዚ ተመክሮ ኣብ ገዛይ ዘጋጠመኒ ሕልሚ ድዩ ራእይ ምግላጹ ኣይከኣልኩን ግና ከምዚ ዘጋጠመኒ ክግጥመኒ ይኽእል ይብል ኣይነበርኩን እሞ ብኸምዚ ተመክሮ ድማ እየ ክርስትያን ንምኻን ዘተደረኽኩ ፡፡ ኹሉ ኣረጊት ሰበይ ንድሕሪት ተረሲዑ እንሆ ሓድሽ ሰብ ኮንኩ ፡፡ እቲ ኣብ ህይወተይ ርእዮ ዘይፈልጥ ሰላምን ሓጎስን ከስተማቕሮ ጀምርኩ ፡ እዚ ዝተለወጠ ኣተሓሳስባይን ሓጎሰይን በታ ለይቲ ንስድራይ ነገርክዎም ። ነቲ ምስክርነተይ ክቕበሉኒ ስለ ዘይከኣሉ ሰይጣንዩ ከምዚ ገይርዎ ብምባል ክቕበሉኒ ኣይከኣሉን ። ኣነ ግና ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ገይሩ ኣድሒኑኒ ኢለ ወራሲ ዘልኣለማዊ ህይወት ምኻነይ ነገርክዎም ። ስለዚ ኸኣ ብዙሕ ተነጽሎን ውርደትን ከጋጥመኒ ኣብ ህይወተይ ጀመረ ፡ ኣነ ግና ምስ ኣመንኩ ተጠመቕኩን እሞ ብመንፈስ ቅዱስ እውን ተመላእኩ ፡ እዚ ናይ ክርስትና ህይወተይ ተመክሮ ንገለ የዕሩኽተይ ኣብ ከባቢ መስጊድ ንዝነብሩ መስከርክሎም እሞ ሓደ ካብኣቶም ኣኮይ ሳሊም ዝብሃል ሃንደበት ብኻራ ሃረመኒ ፡ ታሕተዋይ መንጋጋይ ክሳብ ዝፍለ ንሞት ቅሩብ ተረፈኒ፡ ኣረ ገሊኦም ዝሞትኩ መሰሎም ፡ ግና ኣምላኽ ኣድሒኑኒ ኣብቲ ቦታ ንምስክርነት በቓዓኹ ፡ ይኹን እምበር ሕጂ እውን ሳሊም ብናይ ነፍሰ ቅትለት ፈተነ ከቐትለኒ ኢሉ ተወሳኺ መደብ ሓንጸጸ እሞ ኣብ ገረብ ተሓቢኡ ሓደጋ ክወርደኒ ኢሉ ኣብ ሓደ ጨንፈር ተንጠልጢሉ ከሎ ስለዝወደቐ ኣይምውት ኣይህሉው ኮነ ። ኣነ ከምቲ ንኣይ ዝመደቦ ሞት እኮ ክምነየሉ ይግብኣኒ እንተኾነ ከምቲ ጎይታ ምስ ኩሉ በደለይ ዝደንገጸልየ ፡ ናብ ሕክምና ባዕለይ ወሲደ ንኣስታት 6 ወርሒ ኣብ ሕክምና ክእለን ፡ ብዘራእኽዎ ድንጋጸን ሓልዮትን ፍቕርን ምስቲ ምስክርነትን ብክርስቶስ ክኣምን ወሰነን ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ተቐበሎን ። ኣብቲ ከባቢ ከኣ ብሰንኪ ምልዋጥ እምነት ሳሊም ብዙሕ እግርግር ኮነ ። ስለዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ቤተ ማሕቡስ ብጽኑዕ ተኣሰርኩን ክሳብ ናይ ቅድሚት ኣስናነይ ዝረግፍ ከኣ ተቐጥከጥኩ፡ ግና ንኽብሪ የሱስ ከምዚ ምኻነይ ከም ዓቢ ዕድል እየ ዝቖጽሮ፡ ምኽንያቱ ከኣ ካብቶም ዘጽብቡለይ ዝነበሩ ኣምላኽ በጺሕዎም ንክርስቶስ ስለ ተቐበልዎ ። ኣብቲ ተኣሲረዮ ዘነበርኩ ቦታ ወለደይን ፈተውተይን ክበጽሕኒ ከለዉ ንኽምስክረሎም ዕድል ይረክብን ሓቢረ ምስኣቶም ይጽልን ነበርኩ ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ክሉ ዕዮይ ይድግፈኒ ነበረ ። ስለቶም ንክርስቶስ ከይፈለጥዎ ዝጠፍኡ ዓቢ ጾር ስለዘሎኒ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ሰባት ንምምስካርን ወንገል ንምንጋርን ጸጋን ሞጎስን ክረክብ ጸለኹ እሞ ብናይ ፈውስን ምኽርን ምስክርነትን ከገልግል ጀመርኩ ። ተስፋ ሚኒስትሪ እትብሃል ኣገልግሎት ወንጌል ተምስሪታ ቀንዲ ዕላማኣን ተልእኾኣን ድማ ነቶም ኣብ 3ይ ዓለም ዘለው ኣምንቲ ምስልምና ወንገል ምንጋር እዩ ። ስለዚ ከም ሚስዮናዊን ፓስተርን ናይ ተስፋ ሚኒስትሪ ኮይነ ድማ የገልግል ኣሎኹ ። ብኹሉ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ንሰርሕን ፡ ንሕሙማት ንጽልን ንእሱራት ሓጢኣት ሓራ ንምግባር ንምስክርን ንጽልን ምስ ኣመኑ ንኽጥመቑ ድማ ንምህርን ፡ ናይ መርዓ ስነ ስርዓት ንፍጽም፡ ሰብ ክመውት ከሎ ድማ ኩሉ ኣገባብ ኣብ ግዜ ቀብሪ ንፍጽም ።