16
Tue, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ኤልሳ ጸጋይ

Salvation
Typography
'ምንጋፍ ካብ ጰራቅሊጦስ እየ እናበለ ታልል ዝነበረ ቀታሊ ናይ ዛር መንፈስ'
 
*ሓብትና ኤልሳ፡ እስኪ ርእስኺ ምስ ኣንበብቲ ኣላልዪ?
 
** ብመጀመርያ ነዚ ሰዓትን ደቂቕን ዘብጽሓኒ እግዚኣብሄር ክብሩ ይስፋሕ። እዚ ምስክርነት ክህብ ዘብቕዓኒ ብጣዕሚ ንጐይታ የመስግኖ። ስመይ ኤልሳ ጸጋይ ይበሃል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እየ ተወሊደ ዓብየ። ካብ ኣሕዋተይ ካልኣይቲ እየ። ዕድመይ 19 እዩ፡ 11 ክፍሊ ኣ በጺሐ። ኣቦይ ሞይቱ እዩ፡ መነባብሮና ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ነይሩ፡ በዚሎ ዘሎ ኹነታት ተሰጕግና መጺና ኣሎና።
 
*ብዛዕባ ኣተዓባብያኸ?
 
** ትምህርቲ ዝጀመርኩ ኣብ ቤ/ት ካተድራል(ብናይ ካቶሊክ ደናግል ዝመሓደር) እዩ ነይሩ። ካብኡ ናብ ብሔራዊ ዝበሃል ቤ/ት፡ ብድሕሪኡ  ኣብ ንፋስ ስልክ ኣትየ። ጠባየይ ደሓን እዩ ነይሩ፡ ብጀካ ከም ኵሎም ቈልዑት ዝገብርዎ ሓደ ሓደ ጊዜ ናይ ዘይምእዛዝ ባህርያት ምርኣይ፡ ከም ምስ ኣሕዋትካ ምብኣስ እንተ ዘይኰይኑ። ብዙሓት መሓዙት ኣይነበራንን፡ ሓንቲ እያ ጠቢቃ ትቀርበኒ ዝነበረት። ዝበዝሐ ጊዜይ በይነይ እየ ሕሕልፎ ነይረ። ካብ ገዛይ ናብ ቤ/ት የማን ጸጋም ከይበልኩ እየ ዝመላለስ ነይረ። ልቢ ወለድ መጻሕፍቲ ምንባብ እፈቱ ነይረ። ካልእ ልማዳት ግን ፈጺሙ ኣይነበረንን ።
 
•ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ክንኣቱ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ሕማምኪ ጀሚሩኪ?
 
**መጀመርያ ዓባየይ ማለት ነቦይ ኣዲኡ ትመውት። ጸኒሑ ኸኣ ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ኣቦይ ይመውት። ኣነ ኸኣ ነቦይ ኣጸቢቀ የፍቅሮ ብምንባረይ፡ ምስ ሞተ ብሕ ክበሳጮን ክጕሂን ጀሚረ።
 
ኣቦይ ቅድሚ ምማቱ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ ነይሩ እዩ፡ ግን ተስፋ ስለ ዝተሳእኖ ናብ ገዛ ኣምጺኦም ኣብ ገዛ ይሕከም ነይሩ። ምግቢ ስለ ዝኣበዮ ግሉኮዝ ክህብዎ ይዝከረኒ። ሓደ መዓልቲ ከባቢ ፋዱስ ኣቦይ ይመውት እሞ ካብቲ እዚን'ቲ ጀሚረ ምስ ሓብተይ ብዝኾነን ዘይኰነን ብቀጻሊ ይብኣስን ይቓየቕን። ብብኽያት እዩ ዝጅምረኒ፡ ቀስ እናበለ ኸኣ ናብ ምጭናቕን ናብ ዘፍርህ ሕልምታት፡ መቃብር ኣቦይ ተኸፊቱ ዝትንክየኒ፡  ኣብ ጸልማት ከኣ ሓደ መጺኡ ዝሓንቀኒ፡ እንዳመሰለኒ ለይቲ ተንሲኤ የእዊ ነይረ፡ ከምዚ እናገበረ  ሰይጣን ከባህርረንን ክጻወተለይን ጀመረ።
 
*እዚ መኣስ እዩ ዝኸውን ዘሎ?
 
**ዝሓመምክሉ ብግእዝ ኣብ ሰነ 87 እዩ። ብናትና 1995 ማለት እዩ።
 
*ደሓር'ከ?
 
**ኣደይ ከኣ ተንሲኣ ጸበል ትለኽየኒ። ሰይፈ ስላሴ ዝበሃል መጽሓፍ ጸሎት  ከንብቦን ኣብ ትሕቲ ትርኣሰይ ክገብሮን ትህበኒ ነይራ። እዚ ነገር እናተደጋገመ ምስ ከደ ግን፡ ከም ኸይወግሕ የለን ምስ ወግሐ፡ ቀሺ ተጸዊዖም ዳዊት ደጊሞም ጸበል ለኽዮም ብማይ ድጋም ከኣ ነቲ ዝለኽዎ ክፍልን ዓራትን ነጺጎም ይኸዱ። ግን እዚ ስለ ዘይሓገዘኒ፡ ካልእ መዓልቲ መጺኦም፡ ንግሆ ወጋሕታ ከት ከት ዝብል ማይ ኣብ ሳንኬሎ መሊኦም፡ 'ውጻእ፡ ልቀቕ' እናበሉ ብመቕድሒ ገይሮም ክግጭቡኒ ጀሚሮም። ንሱ ኸኣ 'ወጺኤ' እናበለ የታልል ነይሩ፡ ምኽንያቱ ለይቲ ከም ቀደሙ ከጨንዋኒ እዩ ዝሓድር ነይሩ። ስለ ዘይሓሸኒ ኸኣ፡ ብለይቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ወሲዶም፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ከማይ ዝሓመሙ፡ በብተርታ ኢድናን እግርናን ተኣሲርና፡ ብማይ ጨሎት እናገጨቡ፡ 'ውጻእ፡ መን ኢኻ ንስኻ' ክብሉ ይዝከረኒ። እዚ ኣብ ብዙሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን፡ ንምጥቃስ ገብርኤል፡ እግዝኣብሄር ኣብ፡ ልደታ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ክፍለ ሃገር እናዞርኩ እዚ ስርዓት ተፈጺሙለይ። ብፍላይ ኣብ ጂማ ይዝከረኒ፡ ኢደይን እግረይን ጨቢጦም ምስ በትሪ ኣሲሮምኒ፡ ኣብቲ ማይ ጨሎትን ጸበልን ዘለዎ ገዲፎምኒ፡ ምትንፋስ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ተጨኒቀ። ኣብ ሩፋኤል ቤተ ክርስትያን ከኣ፡  'ናይዚኣ  ሓያል ስለ ዝኸነ መሊስና ናብቲ ማይ ከነእትዋ ኢና' ኢሎምኒ። እዚ ኹሉ ተገይሩ ምንም ምሕያሽ ኣይተረኽበን። እዚ ኹሉ ንግሆ ወጋሕታ ተገይሩለይ ኣብ ክሳደይ ከኣ በብዓይነቱ ክታባት ተኣሲሩለይ ገና ናብ ቤ/ት ይኸይድ ነይረ። ግን በቲ ቁሪ ዝወስዶ ዝነበርኩን፡ በቲ ለይቲ ዝረኣየኒ ዝነበረን ሓሳበይ ኵሉ ሳዕ ይጭነቕ ስለ ዝነበረ፡ ትምህርተይ ብግቡእ ክከታትተል ኣይከኣልኩን። ምኽኣል ስኢነ ንገዛይ ኽይድ ፍቃድ ሓቲተ ክምለስ ከሎኹ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገዲ ርእሰይ እናንጸራረወ፡ እናጸልመተ  ምስ ማኪና ኣጋጭዩ ኸጥፍኣኒ ፈቲኑ እዩ። ርእሰይ ክሓንቕ ብልሒ ብዘለዎም ነገራት ኣካላተይ ክጐድእ ብዙሕ ጊዜ ይደፍኣኒ ነይሩ። 
 
ሓደ እዋን ኣደይ ምስ ሓደ ቀሺ ተሰማሚዓ ናብ ስላሴ ቤ/ክ ወሰደትኒ እሞ፡ ኣብኡ ንስሓ ገይረ 2,000 ስግደት ክገብር ተኣዚዙለይ፡ ናብ ገዛይ ከይደ ንግሆ ንግሆ ቅድሚ ቁርሲ 50 ስግደት፡ ትምህርቲ ውዒለ ቀትሪ 50፡ ድሕሪ ድራር ከኣ 50፡ እናገበርኩ ወዲኤዮ። ጸበል ምግባር፡ ሰይፈ ስላሴ ምድጋም፡ ነዊሕ ክዳን ሻርባን ገይረ ናብ ቤ/ክ እናኸድኩ ምቕዳስ፡ ምጻም፡ ምጽላይ፡ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ጸሎት ምድጋም ፡ ናተይ ኢለ ሒዘዮ ከሎኹ፡ እቲ ኣባይ ዝነበረ ናይ ዛር መንፈስ፡ ነቶም ቀሺ፡'ኣነ ጰራቕሊጦስ እየ'ስለ ዝበሎም፡ ነደይ'ዝበሎ ኹሉ ግበሩሉ፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ'ኢሎም ይነግርዋ። ብድሕርዚ' ውን የቕሩቡኒ፡ ግን ምንም ኣይሓሸንን። ኣደይ ከኣ ሸጊርዋ ናብ ሓደ ማይ ጨሎት ብታክሲ ገይራ ክትወስደኒ ኾላ፡ እቲ በዓል ታክሲ  እትፍወሰሉ ኣነ ባዕለይ ኽወስደክን እየ ኢሉ ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይወስደና። ግን ጠንዋቃሊት እያ ነይረ። ኣነ ኸኣ፡ እዚ ኹሉ እናጾምኩ እናዋድስኩ ከመይ ኢለ ምእታው ይኣቢ። ኣደይ ከኣ ብኣኺኮ ተሳቕየ ምስ በለትኒ ይኣቱ።
 
 
*ደሓርከ?
 
**ምስ ኣተና፡ ነቲ ኣጉዶ ዝመስል ገዛ ገልማ እዮም ዝብልዋ። ኣብኡ እታ ሰበይቲ ብድሕሪ መጋረጃ በይና ኮፍ ኢላ፡ እቶም ዝኣምንዋ ኸኣ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ በዓል ታክሲ ኣነ'ውን ምስኦም፡ ካልእ ኵሉ ብግዳም እዩ ዝኸውን። ምስ መሰየ ቡን ይፈልሕ (እቲ ጀበናን ፈናጅልን ነናቶም መጸውዒ ኣለዎም)፡ ጫት ይቕሓም፡ ዕጣን፡ ሰቲ፡ ናይ ካሴት ከበሮ ዘለዎ ሙዚቃ ኵሉ ናይ ጥንቆላ ኣሰራርሓ ይፍጸም። ኵሉ ኸኣ ካብኡ ክካፈል ግዲ ነበረ። ለይቲ ብምሉኡ ኣብኡ ኮፍ ኢልና ነውግሖ ኔርና ምስኣቶም። እታ ጠንቖሊት ክትዛረብ ክትጅምር ከላ፡ ኵሉ ጸጥ እዩ ዝብል። ኣብኡ ብዙሕ መዓልታት ክቕኒ ስለ ዝነበረኒ ፡ ኣደይ ገዛ ክትበጽሕ በይነይ ኣብኡ ትሓድገኒ ነይራ። ኣነ ኣ ዝሃቡኒ እናበላዕኩ፡ ኣብ መደብ እናደዋስኩ፡ ከምኣቶም ከኣ ሰቲን ሰንደልን ዓዲገ እናምጻእኩ፡ ነታ ሰበይቲ እናገልገልኩ፡ ጐይታይ ንዘይኰነ ጐይታይ እናበልኩ፡ ንዕኦም መሲለ ቀኔኹ። ኣብኡ ከሎኹ ነዊሕ ቀሚሽ ገይረ፡ ገጸይ ተሸፋፊነ ኣብ ጸጉሪ ርእሰይ መስማር ሰኺዐ እየ ዝኣቱን ዝወጽእን ዝነበርኩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ 'ከሀብትማ እየ፡ ናታ ኣቁሑት ቡን ይገዝኣላ፡ እዚ ጨና/ሽቶ ኣዚዙላ ኣሎኹ ትለኽዮ ...' ኢላ ነደይ ብዙሕ ተዛረበታ። ኣደይ ከኣ ሕራይ ኵሉ ክንፍጽም ኢና በለታ። እቲ ዝኽፈል ከፊልና ኸኣ ድሕሪ ሰሙን ናብ  ገዛና ተመለስና። እታ ሰበይቲ ግን ንኹላትና ምስኣ ናብ ዓዳ ክንከይድ ሓሳብ ነይርዋ እዩ። ኣደይ ግን ኣይተቀበለቶን።
 
 
*ደሓርከ?
 
**ብድሕሪኡ ኣኮይ ካብ ኣስመራ ይመጽእ እሞ፡ ምስ ኣደይ እናዕለሉ ኸለዉ፡ ኣብ መንጐ ኣትየ፡ ወረ እሰምዕ ስለ ዝነበርኩ ኣብ ባጽዕ (ቀይሕ ባሕሪ) ከይደ ክሕጸብ ዝብል ሓሳብ ምስ ኣቕረብኩላ፡ ሕራይ ኢላ ዘድልየኒ ኹሉ ገዛዚኣ ምስ ሰብ ናብ ኣስመራ ናብ እንዳ ኣቦሓጐይ ትልእከኒ። ኣብኡ ኸኣ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የሕመኒ። ንሶም ከኣ ናብ እንዳ ሓትነይ ማለት ገብረጻድቅ  ኣኽበረትን ይሰዱኒ። ኢዮብ ኸኣ ምስ ኣበባ ሰይቲ ኣኮይ ኰይኖም ናብ እንዳ ዓንዶም ዘራጽዮን  ሰበይቱ ኤደን ምስ ኣዝማድ ከነላልየኪ ኢሎም የምጽኡኒ። ግን ኣብኡ ኮፍ ከይበልና ኸኣ ናብ ምሉእ ወንጌል ናይ ሓሙስ ናይ ሕሙማት ጸሎት ንኸይድ።
 
*እሞ እንታይ ኢልኪ?
 
**ነቲ ምሉእ ወንጌል ዝብል ጽሑፍ ምስ ረኣኹ፡ ናብ ዘመድ ኢልኩም ስለምንታይ ናብዚ ተምጽኡኒ በልክዎም። ንሳቶም ግን ስቕ ኢልኪ ትኣትዊ ስለ ዝበሉኒ፡ ኣትየ። ብዝሕ ዝበሉ ስባት ከኣ ኣብኡ ይጽልዩን ቀስ ኢሎም ይዝምሩን ነበሩ፡ ገና እቲ ፕሮግራም ብዕሊ ኣይተጀመረን። እቲ ፕሮግራም ምስ ተጀመረ ግን ፡ ንኣበባ ክጅምረኒ እምበር ደልዩ እናበልክዎ ከሎኹ ሃለዋተይ ኣጥፊኤ ወደቕኩ።
 
 
 
 
(ክቡራት ኣንበብቲ፡ እቲ ካብዚ ቀጺሉ ዝኾነ ካብ ሓውና ዓንዶም ዘራጽዮን  ክንሰምዖ ኢና)
 
ቅድሚ ሓሙስ፡ ሰላማዊት ሰይቲ ኢዮብ ንዓይ ረኺባ፡ ከምዚ ዝበለት ብመናፍስቲ እትሳቀ ጓል ሓብተይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጸት ኣላ'ሞ፡ ክትጽልዩላዶ ናባኹም ከነምጽኣ ትብለኒ። ኣነ ከኣ ሕራይ ኢለ ንሓሙስ ሒዞማ ኽመጹ ይቖጽራ። ኣብዚ ኽብሎ ዝደሊ፡ ምስ እንዳ ኢዮብ ኣዝማድ ስለ ዝኾንና፡ ቅድሚኡ ብዙሕ ጊዜ ናብ ጐይታ ክመጹ ንምስክረሎምን ንጽልየሎምን ኢና ኔርና። እዚ ኣጋጣሚ ምስ ተረኽበ ኸኣ፡ ምእንቲ ጐይታ ክፍውሳ እሞ ክድሕኑ ኢልና፡ ሽዑ መዓልቲ ምስ ኤደን ኣብ ጾምን ጸሎትን  ውዒልና።
 
ሓሙስ ከም ቆጸርኦም ሰዓት 6፡00 ናብ ገዛና ይመጹ፡ ተተሓሒዝና ከኣ ናብ ምሉእ ወንጌል ናይ ሕሙማት ጸሎት ፕሮግራም ንከይድ። ፓስተር ጆርጆ ኸኣ፡ ንኹላትና ኣብ ዘለናዮ ተንሲእና ንርኹሳት መናፍስቲ ክንገንሖምን ክንዋግኦምን ንጀምር ኢሉ ክልተሳዕ ዝኸውን ዓው ኢሉ ስም የሱስ ብምጽዋዕ ነቲ ጸሎት ይኸፍቶ እሞ፡ ኣብ ኤልሳ ዝነበረ መንፈስ የእዊ፡ ንሳ ኸኣ ትወድቕ። ንሕና ኸኣ ተሰኪምና ናብ ቅድሚት ምእንቲ ክጽለየላ ነውጽኣ። እቲ መንፈስ ከኣ ኣጉርዓን፡ ኣንከራረዋን። ሰለስቴና ማለት ፓስተር ጆርጆ፡ ጸሃዬ ይሕደጐ ከምኡ'ውን ኣነ፡ ንዓኣ ኣብ ማእከል ጌርና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንጽልየላ። ሽዑ እቲ ኣብኣ ዝነበረ መንፈስ ርእሱ ይገልጽ ከምዚ እናበለ ኣ' ኣነ ናይ ዛር መንፈስ እየ፡ ንዓባያን ንኣቦኣን ዝቀተልኩ ኣነ እየ፡ ሕጂ ድማ ነዚኣ ክቀትላ እየ። ካብ ኣቦ ዝመጻእኩ ጰራቅሊጦስ እየ እናበልኩ ዘታልል ዝነበርኩ እየ፡ ካብዚኣ ኸኣ ኣይወጽእን እየ። ዋላ'ኳ ካብኣ እንተ ወጻእኩ ኣብቲ ንእሽቶ ሓዋ ክኣቱ እየ። እዛ ርኽስቲ ሰብ እባ ኣብዚ ኣምጺኣ ኣዋረደትኒ' ብዙሕ ኣእወየን ጨደረን። ብድሕሪኡ ናብ ኣእምሮኣ ይመልሳ እሞ፡ እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድኤ፡ ሰብ ኵሉ ነናብ ገዝኡ ይኸይድ።  እቲ ርኹስ መንፈስ ግን ኣይወጽኤን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ገዝኣ ምስ ከደት ነቶም ስድራ የዕገርግሮም። በዓል ኢዮብ ከኣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ማለት ቀዳም መሊሶም ናብ ገዛና የምጽእዋ። ምስ ጸለናላ ኸኣ እቲ መንፈስ ከም ብሓድሽ ርእሱ ይገልጽ፡ ተእዊ። ንሕና ኸኣ ኵነታታ ርኢና ደሓን ምሳና ትኾኒ፡ ኣብዚ ክንጽልየላ ኢና ስለ ዝበልናዮም ንሶም ይኸዱ። 
 
ሰንበት ንቤት ጸሎት ሒዝናያ ንኸይድ፡ ንግሆን ምሸትን ኣብ ቤት ይኹን ኣብ ቤት ጸሎት ቃሉ እንዳንበብናላን እንዳጸለናላን ዳርጋ ክልተ ሰሙን ዝኸውን ሒዝናያ። ኣብዚ ክልተ ቕነ፡ ሓደ ጊዜ ብለይቲ ኣባህሪርዋ ትትንስእ እሞ፡ መብራህቲ ኣብሪህና ከመይ ገይሩኪ እንታይ ኴንኪ ንብላ። ንሳ ኸኣ፡ 'ክልተ ክዳን ወትሃደር ዝተኸድኑ ወድን ጓልን፡ ብዘሰቕቅ መገዲ ሴፍ ገይሮም ሰብ ክቅትሉ ይርኢ እሞ፡ ንዓይ ድማ ክቀትሉኒ ይጐዩኒ። ካብ ልዕሊ ኸኣ ብዙሓት ኣዒንቲ ፈጢጠን ክጥምታኒ ይርኢ እሞ፡ ግን ሓደ ጻዕዳ ዝተኸድነ መጺኡ ነቶም ዘጓይዩኒ ዝነበሩ ክልተ ይቀትሎም፡ ብሴፍ ገይሩ ድማ ነተን ኣዒንቲ ክወግኤን' ክርኢ ጸኒሐ ትብለና። ንሕና ድማ ነቲ መንፈስ ክወጽእ እሞ ኽለቅ ገሲጽና ንድቕስ። ቀትሪ ግን መዓልቲ መዓልቲ ናብ ዘርች ኢና ንወስዳ ኔርና። ብጀካይን ኤደን ብዓልቲ ቤተይን ኻብኣ ከይተፈልይዋ ምሳና ኾይኖም ዝጽልዩላን ዘንብቡላን ኣሕዋት ነይሮም። እዚኣቶም ብዓል ዳዊት፡ ገብርኤል፡ መድሃኔ፡ በረኸት ይበሃሉ። 
 
ሓደሓደ ጊዜ ቀትሪ ኽሕዛ ክደሊ ኸሎ፡ እውይ ክጅምረኒ ደልዩ ኢላ ትዛረብ ነይራ። ግን ባዕላ ኸኣ ነቲ መንፈስ'ቅድሚ ሕጂ ኣገልጊለካ እየ፡ ሕጂ ግና ኣነ ናይ የሱስ እየ'እናበለት ኽትቃወሞ ጀመረት። ንሱ ኸኣ፡ ምስኣ ንብረት፡ መቋረቢ ክዳን፡ ሰይፈ ስላሰ፡ ማዕተብን ክታባትን፡ ኣሎኒ ይብል ነበረ። ሽዑ ምስ ነገርናያ፡ ነቲ ኹሉ ንብረት ኣምጺኣ ባዕላ ብሓዊ ተንድዶ። ከምዚ እንዳበልና ቀኒና ኣብታ መወዳእታ መዓልቲ ቀዳም፡ ኵላትና ጾምን ጸሎትን ንሓዝ ኢልና ኣብ ቸርች ክንጽልየላ ወዓልና። እቲ መንፈስ ግን ብፍላይ በታ መዓልቲ እቲኣ ብዘርእየና ዝነበረ ንዕቀት ዳርጋ ተስፋ ቆሪጽና ኔርና። ዓይኑ እናጸቀጠ የላግጽ፡ ብዙሕ ኣስማት ድማ ይጽውዕ ነይሩ። ንሕና ኸኣ ካብ ምግሳጽ ናብ መዝሙር ሰገርና እሞ፡ እቲ መንፈስ፡ 'እዚ ክሰምዖ ኣይደልይን እየ በጃኹም' እንዳበለ፡ ክበክን እዝኑ ኽውትፍን ክልምነናን ጀመረ። ንሕና ኸኣ ባህ ከይብሎ ወሲኽና መዝሙር ተተሓሓዝናዮ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ሰዓት 3፡00 ኸባቢ ድ.ቀ. ማለት እዩ፡ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን፡ ኤልሳ ከምዚ ዝደቀሰት ጸጥ በለት፡ እቲ መንፈስ'ውን ሃድኤ። ድሕሪኡ ትርኢታ ተለዊጡ ገጻ በሪሁ ባዕላ ብድድ ኢላ ተንስኤት። ንኽላትና ኸኣ በዒንታ እናኾለለት ክትርእየና ጀመረት። ኤልሳ ኣበይ ጸኒሕኪ ኢልና ምስ ሓተትናያ ኸኣ፡ 'እንድዒ ኣይርድኣንን እዩ፡ ግን ሓደ ነገር ጥራይ ማለት ድሙቕ ብርሃን መጺኡ ክበርሃኒ ይፍለጠኒ'ትብለና። ንሕና ኸኣ ጐይታ ሓራ ከም ዝገበራ ፈሊጥና ብሓጐስን ብምስጋናን ጸሎትና ወዲእና፡ ናብ ገዝኣ ወሰድናያ። ቤተሰባ ድማ ናብ ኣዲኣ ናብ ኣዲስኣበባ ይልእክዋ።
 
 
*ኤልሳ፡ እዚ መኣስ እዩ ዝኸውን ዘሎ? ጐይታ ምስ ኣናገፈኪ' ስድራኺ ብፍላይ ከኣ ኣዴኺ እንታይ ኢለን?
 
** ካብ ኣደይ ጓልኪ ኣብቲ እንዳ ጰንጤ ሓውያ ኢሎም ምስ ነገርዋ፡ ብምሕዋየይ እኳ እንተ ተሓጐሰት፡ እቲ መንፈሳዊ ህይወት ኣይትረድኣን እዩ ነይሩ። ደሓር ግን ምስ ተመስከረላ ተረዲእዋ ንጐይታ የሱስ ከም ግሊ መድሓኒኣ ተቀቢላቶ ትመላለስ ኣላ።
 
*ካልኦት ብድሕሪ ምፍዋስኪ ካብ ስድራኹም ዝደሓኑ ኣለዉ'ዶ?
 
**እወ መሊኦም። እንዳ ዪዮብ ምስ ሰላማዊት፡ ከምኡ ድማ ኣበባ ማለት እቶም ሓሙስ ናብ ቸርች ዝወሰዱኒ፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከድኩ ኸኣ ሓወይን ሓብተይን ከምቲ ዝበልክዋ ኣደይን፡ ሳምሶን መሪሕ ዳንኤል ዝበሃሉ 'ውን፡ ብኣይ ምኽንያት ኣብ ገዛና ቃል ኣምላኽ ክንበብ ጀሚሩ፡ ቅድሚ መኣዲ ምብላዕና ጸሎት ክግበር ጀሚሩ።
 
*ካብ ዝፈልጡኸ ካልኦት'ከ?
 
** እታ ሓንቲ መሓዛይ፡ ምእማነይን ጰንጤ ምኻነይን ምስ ሰምዔት ብጣዕሚ በኽያ፡ ስለምንታይ ትጸልእዮምዶ ኣይነበርክን ኢላ ክገድፎ ብዙሕ መኽራትኒ። ኣደይ'ውን ቅድሚ ምእማና ምእንቲ ክገድፎ ክትመኘረኒ ትነግራ ነይራ። መስኪረላ  ክሳዕ ሎሚ ጐይታ ኣይተቀበለትን።
 
*መንፈስ ቅዱስ ተመሊእኪ'ዶ?
 
**መንፈስ ቅዱስ ሽዑ እቲ ዝተናገፍክሉ ቀዳም መዓልቲ እየ ተመሊኤ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመለስኩ ኣብ ምሉእ ወንጌል ትምህርቲ ምድሓን ተማሂረ፡ ብማይ'ውን ተጠሚቀ።
 
*እስኪ ብዛዕባ ሕጂ ዘሎኪ ህይወት ግለጽልና?
 
**ቀደም ዘይድቅስ ዝነበርኩ ሕጂ ጽቡቕ ይድቅስ። ምጽላይ ዘይፈልጥ ዝነበርኩ ኣብ እግሪ ጐይታ ተምበርኪኽካ ምጽላይ ተማሂረ። ከም ቃሉ ምምልላስ ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ካብታ ዝናገፈላ ቀዳም መዓልቲ ኣዝዩ ሕጉስ ህይወት እመርሕ ኣሎኹ። ብየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዘሎኒ ይፈልጥ።
 
*ሕጂ ንጐይታ ዘሎኪ ፍቕሪ ከመይ እዩ፡ ብጸሎት ክንደይ ጊኤ ተሕልፊ?
 
**ሓሳበይ ንጐይታ ገልግሎ እዩ። ኵሉ ነገር ዘላ ይትረፍ፡ ንሱ ብዝጸውዓኒ ዘበለ፡ ከምቲ ዝደልየኒ ኽኾነሉ እፈቱ። ብምሉእ ሓይለይን ልበይን ንጐይታ ከገልግሎ ድልውቲ እየ። ኣብ መዓልቲ ንግሆ ፋዱስ ምሸት ሰለስተ ጊዜ ይጽሊ።
 
*ተሰጕግኩም ምስ መጻእኩም ናብራ ኣስመራ ከመይ ረኽብኩሞ?
 
**ስራሕ የለን፡ ደንጕየ ስለ ዝመጻእኩ ትምህርቲ ኣየርከብኩን። ኣደይ'ውን ስራሕ ኣይረኸበትን። ምስ እንዳ ኣባሓጐና ተጸጊዕና ኢና ዘሎና።
 
*ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዚ ኹሉ ክትሓሚ ማዕረ ኣንዳ ጠንዋቆላይ ክትከዲ ሓደ እኳ፡ 'የሱስ መድሓኒ እዩ' ዝበለኪ የለን ማለት ድዩ?
 
**ብዙሕ ኣይኰነን። ሓንቲ ጓል ግን ነገራትኒ ነይራ፡ ግን እጸልኦም ስለ ዝነበርኩ ኣይተቀበልክዋን። 
 
*ኣብ መወዳእታ ከተመሓላልፍዮ እትደልዪ መልእኘቲ እንተሎ?
 
**ንሰባት ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ እቲ ኣነ ዝረኣኽዎ ህይወት ክርእይዎ፡ እቲ ኣነ ዝጠዓምክዎ ምሕረት ኣምላኽ ክጥዕሙ ማለት ብሕማም ዝሳቀ ሰብ፡ ብመናፍስቲ ዝተታሕዙ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኵሉ ሰብ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ዘይተቀበሎ ፍርዲ ከም ዘሎን ፈሊጡን ተረዲኡን ናብ ጐይታ ኽመጽእ እላቦ።///   
  
"ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን...'ምሳ " 14፡25