19
Fri, Apr
0 New Articles

ድሕሪ እቲ መሞቒ ተሓቢኡ

Salvation
Typography
ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ዓዲ እትርከብ ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ ኣኼባ ይካየድ ነበረ፣ ኣብቲ ቤተክርስትያን ኣብ ጥቓ እቲ ማዕጾ ሓደ ዓቢ ሞሞቒ ፋርኔሎ ነበረ፣ ኣብ ግዜ ቑሪ ኸኣ ኣዚዩ ሓጋዚ ነበረ፣ ሓድሽቲ ሰባት መጽዮም ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ኣይብሉን ነበሩ፣ ሓደ መንእሰይ ግና ካብቲ ሰባኻይ ክሕባእ ስለ ዝደለየ ብድሕሪ እቲ ዓቢ መሞቒ ኮፍ በለ፣

እዚ መንእሰይ ኢቭሬት ዝብሃል ወዲ 28 ድልዱልን ግሩምን መንእሰይ እዩ፣ ሓዳር ዘይገበረ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ገዛ ንበይኑ ዝነብር ሰብ እዩ፣ ሓንቲ ላሕምን ደርውህን ከምኡ እውን ንእሽቶይ ግራት ነበረቶ፣ ናብርኡ ካኣ ካብዚ ብዝረኽቦ ይመርሕ ነበረ፣

ኤቭሬት ኣብቲ ኸባቢ ብዘለዎ ሕማቕ ጠባይን ዘይቑኑዕ ባህርን። ክፍኣትን እንተ ዘይኰይኑ ብመንፈሳውነት ዝፈልጦ ሰብ ፈጺሙ የሎን፣

እቲ ኣባት ንእሽቶ ዓዲ ዝግበር መንፈሳዊ ኣኼባ ግና ዳራጋ ኣቓልቦ ናይ ብዙሓት ተቐማጦ ሲሒቡ እዩ፣ ነዚ መንእሰይ ከኣ እዚ ኩነት ስለ ዝሰሓቦ እዩ ክሳተፍ ናብቲ ኣኼባ ዝተቐልቀለ ኣብቲ ኣኼባ ዝኸውን ዘሎ ነገራት ንኽዕዘብ ከኣ ዝመጸ፣ ቡዙሓት ካብ ብጸቱ ናብቲ ቤተ ክርስትያን መጽዮም ንመድሓኒኦም ፈሊጦም ህይወቶም ተቐይሩ እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ምስ ረኣይዎ ኸኣ ኣዒንቶም ኣፍጢጦም ክርእይዎ ጀመሩ፣ ነዚ መንእሰይ ፍሕሹው ገጽ ዘርኣዮ ሰብ ተሳእነ ኣዚዩ ተሸቑረረ፣ ስለዚ ኸኣ ኣዩ ኣብቲ ኮፍ ዘይበሃሎ ቦታ ብድሕሪ እቲ መውዓዪ ከፍ ክብል ዝመረጸ፣

ኣነ ካብ ቃል ኣምላኽ መልእኽቲ ክህብ ምስ ጀመርኩ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃቦን ዳርጋ ክሳብ ፍርቂ እቲ መልእኽተይ ቡዙሕ ተመስጦ ኣይረኣየን፣ ተተሓቢኡ ግና ይርእየኒ ነበረ፣ ኣነ ነዚ ዕድል እዚ ከምልጠኒ ኣይደለኹን፣ ብዛዕብኡ ዝምልከት ከኣ ገለ ክዛረብ ኣሎኒ ክብል ወሰንኩ፣ እዚ መንእሰይ ከኣ ኩሉ ግዜ እናተሓብኣ መልእኽቲ ይሰምዕ ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ ይሳተፍ ነበረ፣

ሓደ ምሸት እቲ መልእኽቲ ካብ ወንጌል ዮውሃንስ 5።24 ነበረ “እቲ ንቓለይ ዝሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ፣ ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሰጋገረ እምበር ናብ ፍርዲ ከም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ኢለ ኣብራህኩሎም ንነብሮ ናብራ ወይ ብሓጥያትና ምውታት ምዃና ወይ ከኣ ብክርስቶስ ህያዋን ምኻና እዩ ዝገልጽ በልክዎም፣ ብዛዕባ ምልክታት እቲ ብሓጥያቱ ዝሞተ ሰብ እንታይ ከም ዝመስል ክገልጽ ምስ ጀመርኩ ኤቭሬት ብተመስጦ ካብቲ ተሓቢኡሉ ኮፍ ኢሉ ዘሎ መሞቒ ርእሱ ከቐልቅል ጀመረ፣ ንቑሩብ ግዜ ርእሱ ኣውጽእዩ ይሰምዕ እሞ ዳግማይ ከኣ ይሕባእ፣ ኣብ ነፍሱ ሓደ ፉሉይ ዝኸነ ስራሕ ይስራሕ ከም ዘሎ ግና ኣይሰሓትክዎን፣ ተስፋ እገብር እዚ ኣኼባ ምስ ተወደኣ ናባይ መጽእዩ ክዛረበኒ ድማ በልኩ፣

ኤቭሬት ንክዛረበኒ ኣይደለየን ቐልጢፉ ማዕጾ ከፊቱ ወጸ ማንም ከኣ ደው ከብሎ ኣይከኣለን፣ ካብቲ መንገዲ ክርስትና ኣዚዩ ረሓቐ ነቶም ብመንፈሳዊ ህይወቱ ክሕግዝዎ ዝደልዩ ሰባት እኳ ፈጺሙ ክቐርቦም ኣይደለየን፣ ብባህሪኡ ሓፋር እዩ፣ ሕጂ ግና እምብዛ ገዲዱ፣ ነፍሱ ግና እምብዛ ትጭነቕ ነበረት፣

ንሰንበታ ናብ ቅድሚት ኮፍ ክብል መጻኹ፣ ዘገርም ነገር ከኣ ጸንሓኒ ኤቭሬት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሰባት ርእየዮ ዘይፈልጥ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሉ ረኸብክዎ፣ ብቕልጡፍ ከኣ ናብ ኤቭሬት ከይደ “ኤቭሬት ኩነታትካ ኣይተረደኣንን ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ እቲ መሞቒ ተሓቢእካ ኔርካ ሕጂ ግና ኣብ ቅድሚት ኣሎኻ፣ ዝሓለፈ ሰንበት መጽሓፍ ቁዱስ ኣይነበረካን ሕጂ ግና ኣብ ኣእዳው ማንም ሰብ ርእየዮ ዘይፈልጥ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ተሓንጊጥካ እኔኻ እዚ ግሩም ዝዀነ ለውጢ ክኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ” በልክዎ፣

ብሓጎስ ከምዚ ኢሉ ታሪኹ ክነግረኒ ጀመረ
 
“ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ድሕሪ እቲ መውዓዪ ኮፍ ኢለ ብዛዕባ የሱሱ ህያው ከም ዝገበረና ዝገልጽ ስብከትካ ይሰምዕ ኔረ፣ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ኣብ ዘመን ህይወተይ ፈጺመ ሰሚዔ ኣይፈልጥን እየ፣ ኣብ ህይወተይ ጸገም ከም ዘሎኒ ይፈልጥ እየ፣ እቲ ጸገም ግና ኣበይ ምኻኑ ኣይተረደኣንን፣

ብዛዕባ ምልክታት እቲ ዝሞተ ሓጥእ ሰብ ክትዛረብ ከሎኻ ግና ብዛዕባይ ትዛረብ ከም ዘሎኻ ተረደኣኒ፣ ዝሞተ ሓጥእ ሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣይግደስን እዩ ኢልካ፣ ልክዕ ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጺመ ኣይግደስን ኔረ፣ ሓጥያተኛ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቁዱስ ኣይርድኦን እዩ ኢልካ ብርግጽ ኣነ እውን ፈጺመ ከም ዘይርድኣኒ ኣርጊጸ ፈሊጠ፣ እንደገና ሓጥእ ዝሞተ ሰብ ሰባት ናብ ገሃንም ወይ ናብ መንግስተ ሰማይ ይእትዉ ግዲ የብሉን ኢልካ፣ ብዛዕባ እዚ እሞ ኸኣ ምንም ተገዳስነት እኳ ኣይነበረንን፣ ካልእ ኸኣ ሓደ ሓጥእ ዝሞተ ሰብ ብዙሕ ሓጥያኣት ጌሩ ዶ ኣይገበረን ኣይግደስን እዩ፣ ኣነ እውን ብዝገበርክዎ ሓጥያት ኣይግረምን ኣይጠዓስን እየ፣ እኳ ደኣ ሓጥያት ክገብር እምብዛ እየ ዝጓየ ዝነበርኩ፣ እዞም ነገራት እዚኣቶም ክትዛረብ ከሎኻ ንዓይ ኢኻ ትዛረብ ዝነበርካ ልበይ ከኣ ተሲሩ፣ እዞም ምልክታት እዚኣቶም ከኣ ናተይ እዮም፣

“እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ብቕጽበት እየ ናብ ገዛይ ጎይየ፣ ምስ ማንም ከኣ ክዛረብ ፈጺመ ኣይደለኹን፣ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕክዎ ተረድኢኒ ዶ ኣይተረደኣን ንምፍላጥ ክቃለስ ወሰንኩ፣ ኣብታ ንእሽቶይ ገዛይ ምስ በጻሕኩ ነታ ዘላትኒ ሓዳሽ ኪዳን ገንጺለ ብዛኦባ እቲ ዝመሃርካና ክፍትሽ ጀመርኩ፣ ግና ነታ ዝመሃርካ ጥቕሲ ክረኽባ ኣይከኣልኩን፣ እታ ጥቕሲ ኣብ ወንጌል የውሃንስ ምዃና ኣይሰሓትክዋን፣ ነታ ጥቕሲ ንምርካብ ካኣ ክሳብ ዝረኽባ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ከንብብ ጀመርኩ፣

ኣነ ብዙሕ ናብ ቤት ምህርቲ ኣይከድኩን ቁሉጥፉ ኣንባባይ ከኣ ይኮንኩን፣ ነታ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 5 ጥቕሲ 24 ዘላ ንምርካብ ክሳብ ሰዓት 2።30 ናይ ለይቲ ጸናሕኩ፣ ነታ ዝደለኽዋ ጥቕሲ ምስ ረኸብክዋ ደጋጊመ ኣንበብክዋ፣ ከም ዘለኽዎ ብምውተይ ብጡፍኣይ ክቕጽል ኣይደለኹን፣ የሱሱ ከድሕነኒ ደለኹ፣

ደጋጊመ ምስ ኣነበብክዋ ኸኣ ብብርከይ ተንበርኺኸ “የሱሱ ኣምላኽ ንዓይ ከተድሕነኒ ልኢኹካ ኣሎ ኣነ ኸኣ ከትደሕነኒ እፈቕደልካ ኣለኹ ብኣኻ እንተ ደኣ ኣሚነ ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዝህልወኒ ነጊርካኒ ኣሎኻ ኣንሆ ኣነ ኸኣ ይኣምነካ ኣለኹ ንስኻ መድሕነይ ኢኻ፣ ኣነ ድማ ናትካ እየ ደጊም ድሕር ሕጂ ንዓኻ ጥራይ እየ ዝነብር ከመይሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ንዓይኣብ መስቀል ሞይትካለይ፣ በልክዎ፣

ድሕሪ እዚ ጸሎት እዚ ኸኣ ኣብ ልበይ ፉሉይ ሰላም ተሰማዓኒ፣ ሓንቲ ጥቕሲ ኣንቢበ እኳ ከምዚ ዝዓይነቱ ሰላም ዝረኸብኩ ብዙሕ ጥቕስታት እንተ ኣንቢበ ደኣ ከመይ ዓይነት ሰላም ክህልወኒ እዩ በልኩ” እታ ብሕቡእ ዝግበር የሎን” እትብል ኣብ ወንጌል የውሃንስ 7።4 ዘላ ጥቕሲ ምስ ኣንበብኩ ኸኣ ፋኑሰይ ሒዘ ብዛዕባ ዝረኸብክዎ ሓድሽ ህይወት ክነግር ናብቶም ኩሎም ጎረባብተይ ክኸይድ ወሰንኩ፣

ናብቲ ናይ ጎረቤተይ ማዕጾ ምስ ካሕካሕኩ እቶም ሰባት መን ምኻነይ ክፈልጡ “መን ኢኻ በሉኒ” ኣነ ኸኣ ኣነ ኤቭሬት እየ የሱሱ ከም ዝደሓነኒ ክንግረኩም ደልየ እየ በልክዎም፣ እዋእ ከምኡ ደዩ በልኒ፣

ናብታ ኻልኣይቲ ገዛ እውን ከድኩ ነቲ ማዕጾ ምስ ካሕካሕኩ ኸኣ ጂም ብፍኒስትራ ተቐልቒሉ “መን እዩ ኣብ ታሕቲ ዘሎ” በለ፣ ኣነ ኤቭሪት እየ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ የሱሱ ኣድሒኑኒ ብዛዕብኡ ክትፈልጥ ደልየካ ኣለኹ ደሓን ኩን፣ ኢለዮ ኸድኩ፣

ናብታ ዓዲ ብሙላቶም ከድኩ ንኹሎም ከኣ የሱስ ከም ዘድሓነኒ ነገርክዎም የሱሱ ዝሃበኒ ምድሓን ብሚስጥር ክሕዞ ኣይደለኹን ኩሉ ሰብ ክፈልጥ ኣለዎ፣ ዶክተር ዊልሶን በለኒ”

እዚ ዘገርም ዓይነት ታሪኽ እዚ ንልበይ ኣዚዩ ተንከፎን ኣንቓቕሖን፣ በቲ ብክርስቶስ የሱሱ ዝረኸቦ ዓቢ ምድሓን ከኣ ተሓጎስኩ፣ ግና ስለምንታይ እዩ ኣዚዩ ብጣዕሚ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ሒዙ ግና ኣይተረደኣንን ሚስጥሩ ኸኣ ኣይበርሃለይን ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ምሓዙ ኸኣ ሓተትክዎ ከምዚ ዝስዕብ ታሪኽ ከኣ ነገረኒ፣

“ትሪኢ ኣሎኻ ዶክተር ኣብ ገዛይ ሓንቲ ንእሽቶይ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ እያ ዘላትኒ እቲ ማሕተም ከኣ ናይ ቀደም ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣይንበበለይን እዩ እታ ዘላትኒ ብርሃን ከኣ ሓንቲ ኣዚያ ንእሽቶይ ፋኑስ እያ፣ ኣነ ምሉእ መጽሓፍ ቁዱስ ደልየ ደጋጊመ ኸኣ ካብ መጀመርያ ክሳብ ጫፍ ከንብቦ ብሂገ፣ ምስ ዘሎኒ ሕማቕ መብራህቲ ዘድልየኒ ፉሩይ ዝዀነ መጽሓፍ ቁድስ እዩ፣

ሰንዩ ንግሆ ኸኣ ናብ ሓደ ኣብ ጥቓና ዘላ ዓዲ መጽሓፍቲ ዝሽየጠላ ቦታ ኸይደ፣ ነቲ ዋና ኸኣ “ኣቶ ማክ መጽሓፍ ቁዱስ ክገዝእ ደልየ በልክዎ፣ ንሱ ኸኣ ከምቲ ንስኻ ክትሰብኽ ከሎኻ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቁዱስ ኣውጽዩ ሃበኒ፣ ኣነ ኸኣ ኣይፋል ኣይድልይን እየ፣ ኣነ ኣዚዩ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ እየ ደልየ በልክዎ፣

ንሱ ኸኣ ስእልታትን መግለጽታትን ዘለዎ ንዕውራት እውን ክሕግዝ ተባሂሉ ዝተዳለወ ዕብይ ዝበለ መጽሓፍ ቁዱስ ኣውጺኡ ሃበኒ፣ ኣነ ኸኣ እዚ እውን ኣይደልን እየ፣ ኣነ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ እየ ዝደሊ በልክዎ፣

እታ ኣብ መካዚኖ መጽሓፍቱ ዘላ ዓባይ መጽሓፍ ቁዱስ ኣውጺኡ ሃበኒ፣ እወ እዚኣ ኣየ ዝደሊ ጠቕልለለይ በል በልክዎ፣ ማክ ብምግራም እዚ ግና ኩቡር እየ $12.50 ክውደኣልካ እዩ (ኣብቲ እዋን እቲ እዚ ገንዘብ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኩቡር እዩ ኔሩ) ኣነ ኸኣ ጸገም የሎን መጽሓፍ ቁድስ ገዚኤ ኣይፈልትን እየ፣ ንመጽሓፍ ቁዱስ ዝኸውን ገንዘብ እውን ኣጥፍእየ ኣይፈልጥን እየ፣ ሕጂ ግና ዘሎኒ ኩሉ ነዚ መጽሕፍ ከውዕሎ እየ በለክዎ፣

ከምቲ ዝበልክዎ ኸኣ ነቲ መጽሓፍ ቁድስ ጠቕሊሉ ሃበኒ ገንዘበይ ከፊለ እናወጻኹ ከለኹ ኤቨሬት ኢሉ ጸዋዓኒ ንመጽሓፍ ቁዱስ ምድላይካ ኣይተረደኣንን ኩሉ ሰብ ቤተ ክርስትያን ከም ዘይትኸይድ እዩ ዝፈልጥ፣ ስምካ እውን ጹቡቕ ኣይኮነን ብኽፍኣት ዝተፈለጥካ ኢኻ፣ ከምዚ ዓይነት ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ምድላይካ ግና ንምንታይ እዩ?”

ኣብዚ እዋን እዚ ንማክ እቲ የሱሱ ዝገበረለይ ምድሓን ክነግሮ ኣዚይ ተሓጎስኩ፣  የሱሱ ከም ዝድሓነኒ ኸኣ ነገርክዎ ክርስትያን እየ፣ ክርስትያን ከኣ መጽሓፍ ቁዱስ ንምንባብ ክሓፍር የብሉን ከኣ በልክዎ፣

“ማክ ሓቕኻ ኢካ ኩሉ ሰብ ተሪርን ኩፉእን ብዛዕባ መጽሓፍ ቁዱስ ከኣ ዘይግደስ ሰብ ምኻነይ እዩ ዝፈልጥ ፣ ሕጂ ግና ኣነ ናይ የሱሱ እየ፣ ኣብ ዝከድክዎ ዘበለ ኹሉ መጽሓፍ ቁዱሰይ ተሸኪመ ክኸይድ እየ ዝደሊ፣ እንተ ደኣ እታ ኣብ ገዛይ ዘላ ንእሽቶይ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቁድሰይ ሒዘ ኣብ መንገዲ ዝመላለስ ኮይነ ሰይጣን ኤቭሬት ትርእዮም ዶ ኣሎኻ እቶም ሰባት ከይጸርፉኻ ኣብ ጁባኻ የእትዋ ክብለኒ እዩ፣ ኣን ግና ኣብ ጁባይ ዘይኣቱ መጽሓፍ ቕዱስ እየ ደልየ፣ ነዚ ድማ እየ ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ዝገዛእኩ፣ የሱሱ ኣድሒኑኒ እዩ፣ ስለዚ ሰይጣን ንመጽሓፍ ቁዱስካ ኣብ ጁባኻ የእትዎ ክብለኒ ኣይደልን እየ፣ ነዚ ኸኣ ኣየ ዶር ዊልሶን ዓቢ መጽሓፍ ቁዱስ ሒዘ ዘለኹ፣ ኩሉ ሰብ ከኣ ኣነ ኤቨሬት ከም ዝተለወጥኩን  መጽሓፍ ቁዱስ ከኣ ከም ዘፍቅርን ክፈልጥ ኣለዎ”

እዚ ምስክርነት ነቶም ንኣምላኽ እነፍቅሮ ኢና ንብል ነባርት ኣመነቲ ኣዚዩ ዘሕፍርን ዘሕንኽን እዩ፣ ኣምላኽ ኮታ እንተ ዝርደኣና ከምዚ መንእሰይ ንቃል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እምብዛ ክዓዝዝን ክዓብን፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ከኣ ብትብዓት ክንምስክር፣ ወጺና ኸኣ ምስክር እቲ መድሓኒ የሱስ ክንከውን፣
 
ብ ዶክተር ዋልተር ኤል ዊልሶን