19
Fri, Apr
0 New Articles

ውሑስ ግብረ ስጋ (Safe Sex)

Hot Issue
Typography

ረድዩ፡ ተለቪዥዮን፡ ጋዜጣ፡ መጽሔታት......ወዘተ ውሑስ ግብረ-ስጋ ተጠቐሙ ክብላ ኣብ ጸጽባሕ ኣዋጅ ነጋሪት ይድስቓ ኣለዋ። እቲ ውሕስ መንገዲ፡ ዝብሃል ዘሎ ኣብ ግዜ ግብረ-ስጋ ኮንዶም ምጥቃም እዩ። ስለዚ ኸኣ እየን፡ ኩለን እተን ማዕከናት ዜና፡ እዝግዮ መሓረና ኮንዶም ካብ ሰሪ መዓት  ለበዳ HIV ኤይድስ ባልሃና ዝቓኑኡ ጽላቴ ዘማሓላልፋልና ዘለዋ። 

መምህራን ግብረ-ስጋን ጉድሳት ኣካላትን፡ ነዚ ለበዳ ሕማም እዚ፡  መዕገቲኡ ድቦላዊ ዝኾነ መልሲ ውሕስ ግብረ¬¬-ስጋ (ኮንዶም)  ከም ዝኾነ ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎታትን ኣጋጣሚታትን ይነግሩና ኣለዉ።  ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ዓበይቲ ከተማታትን ዝርጋሔኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውስኽ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ መግብን፡ መስተን ኣብ ክብ ዝበለ ቦታ ነቢሩ፡ እታ ወዛም ፈይቶትን፡ ብመስተ ኣእምሮኡ ዝተቓነየ ጎቦዝን፡ ብሓደ ግዜ ጠመትኦም፡ የዐርፉሉ እሞ፡ ''ጸገሞ የልቦን! ዋሕስኩም እየ። ጊዜኹም ተጠቐምሉ፡'' ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፈሎም። ውሑስ ግብረ-ስጋ ግን ከምቲ ስሙ ዝእምቶ ብርግጽ ውሕስ ድዩ?

ገለ ነገር፡ ካብ ዘየለ ከምዝበልጽ ቃል ብቓሉ እንኪትርጎም ሓቂ እዩ። ብቕዓት ውሕስ ግብረ-ስጋ፡ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ፡ ከፊላዊ ኣስተዋጽኦ ሃሊዎ እንተኾይኑ፡ ኣንጻሩ ተሪር መርገጺ ምውሳድ'ሲ ጥዕናዊ ሓላፍነት ኣየስክምንዶ? ከምኡ'ውን ገታር ሃይማኖታዊ ጡርፍነትን ጽበት ሓንጎልን'ዶ ኣይኮነን? ከምኡ የስምዕ ይኸውን። ብርግጽ ሰረት ዘይብሉ መጎት ኣይሰርርን እዩ። በቲ ካልእ ገጽ ከኣ፡ ስለምንታይ እዮም እዞም ካልኦት ኣካላት፡ ዕቃበታት ዘርእዩ ዘለዉ ኢልካ ምሕታትን ኣእምሮኻ ምኽፍትን ልቦና እዩ። እዚ ዘዛርበና ዘሎ ቴማ ድማ ካብ ካልእ ኩሉ ነገር ዝተፈለየ ብዛዕባ ዘይምሕር ሕማም እዩ። ብተዛማዲ ሓሲብካ  እዚ መንገዲ'ዚ ተኸተሉ ኢልካ መንገዲ ትሕብረሉ ኣይኮነን። ኣብ ርጉጽ ጎደና ኣደልዲልካ ምርጋጽ እዩ። ኣብዚ ቀንዲ ክትኮር ዘለዎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ክርአ እንከሎ፡ ውሑስ ግብረ-ስጋ፡ ከፊላዊ ኣስተዋጽኦ ስለ ዘለዎ፡ ከም ናይ መወዳእታ መልስን ገባሪ ቕያን ተወሲዱ፡ ልቢ መንእሰያት ኣብኡ ክዓርፍ ምትብባዕን፡ ኣጆኾም! ኣጆኽን! ክድሕነኩም እዩ፡ ከድሕነክን እዩ፡ ተባሂሉ ዓንዳሪ ኣስተምህሮ ምሃብሲ ድርቅናን ጥዕናዊ ገበንዶ ኣይኮነን? እሞ ደኣ ክንየው ውሕስ ግብረ-ስጋ እንታይ እንርእዮ ኣመራጺታት ኣሎ? እቲ እንኮ ኣማራጺ፡ ነዚ ለበዳ እዚ በቲ ሓቀኛን ርትዓውን መንገዲ ተኸቲልካ፡ ነቲ ምንጪ ምዕጋት እዩ። ኮንዶም ከም ኣቦ ምሕረትን ሰላምን ተወሲዱ ክምለኽ ኣይግባእን። ንለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ውሑስ ግብረ-ስጋ ክዓግቶ ዓቕሙ ድሩት ጥራይ ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቲ ሕማም ክዝርጋሕ ምትብባዕ እዩ።

ብ1980 ለበዳ ኤ.ች.ኣይ.ቪ አይድስ (HIV Panademic) ህላዊኡ ርግጽ ምስ ኮነ ዓለምላኻዊ ተገዳስነት ኣሕደረ። ንኸይላባዕ ዝዕገተሉ መንገዲ ንምንዳይ ድማ ብዙሕ መጽናዕትታት ተኻይዱ። ኣይተኻእለን ግን! ካብ ጻር ናብ ጻር ክፍልታት ዓለምና፡ እንተስ ብብዝሒ እንትስ ብሒደት ፋሕ ዳኣ በለ። ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ህልቂቱ ኣብ ዩጋንዳ፡ ቀጺሉ ናብ ትሕተሳህራ ዝርከባ ሃገራት ቀጸለ። ንምዕጋት እቲ ሕማም፡ A: Abstinence (ነብሰግትኣት)  B: Be faithful (ተኣማነት)
C. Condom (ኮንዶም)፡ ዝብል ጭሮሖ ብምልዓል ጎስጕሰን። እዚ ጭሮሖ'ዚ ከም ትኹል ሓቂ ተወሲዱ ኣብ ኩለን ትካላት ማሕበራት ኤ.ች.ኣይ.ቪ አይድስ ይጭራሕ ኣሎ።  መብዛሕኡ ግዜ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ምርጫታት ንቐልዓለም ዝጠቀሳ እኳ እንተኾና፡ ትሕዝቶ እቲ ጎስጓስ ግን ብርኡይ ናብቲ ሳልሳይ ምርጫ ማለት C: condom ዝብል ኣዝዩ ዝዛዘወ እዩ። ኩሉ'ቲ ግዜ ዉሑስ ግብረ-ስጋ አትብል ቃል እናተደጋገመት ይሓልፍ ኣሎ። ኩሉ ነገራዊ  ምቅርራባት ይግበር፡ ብዙሕ ገንዘብ ከኣ ይፈስስ። ብዛዕባ ካልኣይ ምርጫ፡ ኣዝዩ ሊበራላዊ ዝኾነ መግለጺታት ብምሃብ፡ ካብ መጻምድኻ ወጻኢ ግብረስጋ ቅቡል ከም ዝኾነ ይእምት። ብዛዕባቲ ቀዳማይ ምርጫ A: Abstinence ዝብል ግን፡ ድሑር ኣተሓሳስባን ኣንጻር ባህርን ከም ዝኾነን፡ ከምዘይካኣልን ጌሮም ይገልጽዎ። ንመጥዓሚ ዘረባን ንምውርዛይ እቲ ጎስጓስን፡ ነቦታትን ኣዴታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ባህ ንምባል እያ ንይምሰል ትጥቀስ። ኣብዚ ግዜና ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ነዚ ዕላም'ዚ ይፈስስ ኣሎ። ውሑስ ግብረ-ስጋ ግን ንሞትን ስቓይን መንእሰያት ጠጠው ከብሎ ኣብ ክውንነት ኣይተራእየን፡

ምጥቃም ኮንዶም ኣብ 16 ክፍለ ዘመን እዩ ተጀሚሩ። ዕላም መምሃዚኡ፡ ኣብ መትሎ ወዲ ተባዕታይ ተሰኹዑ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈስስ ዘርኢ ዓጊቱ፡ ካብ ጥንሲ ንምክልኻል አዩ። እዚ ኣብ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ብ1930 ዝተመስረተ ኮንዶም፡ ነዚ ኣብ ግዜና ዘሎና ዓይነት ኮንዶማት መሰረቱ እዩ። እቲ ንመከላኸሊ ጥንሲ ተባሂሉ ዝተነድፈ ብመንጽር ኪኢላታት ሕክምና፡ ዋሕስ ክኸዉን ብቕዓቱ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኾነ እንኪገልጹ ከምዚ ይብሉ። ርእሰ ስነ ቅመም ሂወታውያን፡ ላጎስ ስተት ዩኒቨርሲቲ፡ ሕክምና ኮሎጅ፡ (The head of department (HOD) of Biochemistry of the Lagos state university College of Medicine (LASICOM)፡ ፕሮፌሰር ዓብደልከሪም፡ ንደይሊ ትራስት (Daily Trust) ዝሃብውዎ ቃል፡ ''ኮንዶም ወሃዮ ዘርኢ ተባዕታይ (sperm cell)  ንኸይሓልፍ ንኽኽልክል ተባሂሉ ዝተነድፈ እዩ። ወሃዮ ዘርኢ ተባዓዕታይ ብ500 ግዜ ካብ ቫይረስ ይዓቢ። ስለዚ ብዙሓት ቫይረሳት ካብቲ ተዓቒሮምሉ ዘለዉ ኮንዶም፡ ብቐሊሉ ናብ ሓደ እቶም ፈጸምቲ ኣካላት በቲ ብዓይኒ ዘይረአ መናፊት (porosity) ብጸቕጢ ግብረ ስጋ ብቐሊሉ ክመሓላለፉ ይኽእሉ።" ብምባል ገሊጾም። ከምኡ'ውን ዶክተር ጀምስ ደብሶን፡ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣዝዮም ፍሉጥ ኣብ ስነ ቤተሰብ፡ ኣብታ ንመንእሰያት ዝጸሓፍዋ መጽሓፎም፡ ሂወት ኣብ ደንደስ ወስ ጠይረር ጸድፊ (Life on the Edge) ፡ ንዩኒቪርሲቲ ቴክሳስ ጨንፈር ሕክምና ኣብ ጋልቨስቶን (University of Texas Medical Branch in Galveston) ፡ ዘካየዶቶ 11 ዝተፈላለየ ነጻ ምርምር ምርኩስ ብምግብር ኮንዶም 69% ጥራይ ንምትሕልላፍ ኤች.ኣይ. ቪ ቫይረስ፡ ከም ዝከላኸል፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ መደምደምታ ከም ዝበጽሐ፡ ገሊጾም። ካልእ ጸብጻባት ምርምር መግለጺ ዝህብዎ፡ ኮንዶም 80% ኣብ ምጉዳል እቲ ለበዳ ሕማም፡ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ይገልጹ። እዚ ኾይኑ እቲ፡ ሓደ ሃደናይ፡ 100 ጥይት ኣለዋኒ። በተን 20 ወይ 31 ጥራይ ጌረ እየ ዝቐትለካ፡ በተን ዝተረፋ ግን ክስሕተካ እየ እሞ........ እዚ ንዑ ቑማር ንጻወት እዩ። ገ እናበሉዃ'ዶ ትጋገ! ነታ ሓደ ግዜ ጥራይ ክትነብር ዕድል ዝተዋህባ ህይወት ኣሽካዕላል የልቦን።

ኮንዶም ከም ደርማስ ተኸላኻሊ፡ በዓል ቅያ፡ ንኹሎም  ዓይነታት ቫይረሳት ኣብ ምክልኻል ክምህ ዘይብል፡ መጽለሊ፡ ዋሕስ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ መስርዕ ጫማ፡ ሻምቦ፡ ጨና ከይኣተወ፡ ብውሕሉል ኣገባብ ብምርኡያት ሰባት ይወዓዋዕ ኣሎ። እቲ ምስጢር ሚልዮናት ዶላራት ዝሕፈሰሉ ምንጪ ዕዳጋ ኮይኑ ስለ ዘሎ እዩ። መንግስታትን ትካላት ግብረሰናይን ብዝሓሰረን ኣብኩሉ ከባቢታት ዓለምና ብቐሊሉ ንኽርከብ ንድጎማኡ ሚልዮናት ዶላራት የፍስሳ ኣሎዋ። ዶክቶር ጀምስ ደብሶን፡ ስለምንታይ ኪኢላታት ሕክምና ነቲ ሓቂ ኣነጺሮም ዘይምግላጾም፡ ብስማዒት ዝተሓዎሶ ዑቱብ ቃላት ጌሮም ይግልጽዎ። ብዛዕባዚ እንኪዛርቡ፡ ''መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር፡ ንመምህራን ዉሑስ ግብረስጋ ተውጽኣሎም።  ስለዚ ኸኣ እዮም፡ ነቲ ሓቂ ነክዮም ዝገልጽዎ ዘለው፡'' ብምባል መብሪሂ ሂቦም። ፕሮፌሰር ዓብደል ከሪም'ውን ብወጎኖም፡ ''ምዕራባውያን፡ ኣፍሪቃውያን ኮንዶም ክጥቀሙ፡ ምትበዐን፡ ሓደገኛታት ቫይረሳት እንኮላይ ኤች.ኣይ.ቪ ኣይድስ እንዳሰሰኑ ኣብታ ክፍሊ ዓለም ንኸስፋሕፍሕ እዮም። ኮንዶም ዝበሃል ነገር ንምድምሳስ ኣፍሪቃውያን ዝዓለመ እዩ፡'' ይብሉ። እቲ ሕማም ንመላእ ዓለምና ብዘይ ኣድልዎ ቆርበትን ዓሌትን ከባብን ኣብ ዘጥቃዓሉ ዘሎ ግዜ እቲ መግለጺ ኣብ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ምትኳሩ፡ ብቐንዱ እቲ መግለጺ ንኣፍሪቃ ጥራይ ስለ ዝምልከት ድዩ ዋላስ ካልእ ፖሎቲካዊ ኣይዶሎጂካውን ትርጉም ኣለዎ፡ ዝብል ትንታነ ንጎኒ ሓዲግና፡ ኮንዶም ዝብሃል ነገር ግን ኣብ ኣህጉርና ከምዘይሕግዝ ምግላጾም ብዘይማትእ ዓው ኢልካ ዝዝረቦ ሓቂ እዩ።

ኤች.ኣይ.ቪ  አይድስ ከም ዓለምለኻዊ ጸገም: ሃገርና ኤርትራውን ካብዚ መስገደል ናይ'ዚ ሕማም እዚ ርሕቕቲ ኣይኮነትን። ኣብ ለካቲት 2004፡ ብመጽሄት ሕድሪ  ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 60000 ዜጋታት ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ከምዘለዉ ገሊጻ። ንዕኡን ንኻልኦት ሕማማትን ንምክልኻል ልዕሊ 60 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ፈሲሱ። ተጠቀምቲ ኮንዶም ኣብ 1988፡ 5000000 ዝነበሩ፡ ኣብ 2003 ናብ 7000000 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ተገምጊሙ። ብዓለማዊ መዐቀኒ እቲ ጻዕሪ ኣወንታዊ እኳ እንተመሰለ፡ ብመሰረቱ ግን ነቲ ሕማም በቲ ሓቀኛ መንገዲ ክግታእ ስለ ዘይተገብረ፡ ሞትን ስቅያትን ናይ ንፍቅሮም መቕረብና ስብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ ኣደ ምስ ውላዳ፡ እንተስ ብውልቂ እንተስ ለኻኺሙ ካብ ምቕታሎም ዚጊት ኣይተዓገተን ዘሎ። ዋሕዚ መርደኣት አንተዘይ ዛይዱ ኣይጎደለን!

ውሑስ ግብረስጋ ብቐንዱ ዘይውሑስ እኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ብዘይ ገለ ጌጋ ተጠቒምካ ዘለዎ ሕጽረታት ርኢኻ፡ ደረጃን ዓቕምን፡ መነባብሮን ሕብረተሰብና ርኢኻ፡ ብግልጺ ከም ደምዳሚ ፍታሕ፡ ከጽልለኪ እዩ! ከጽልለካ! ከድሕነኪ እዩ! ከድሕነካ! እናበልካ ኣድሚቕኻ ትቱላ ምንፋሕሲ ብሓቂ ግቡእ ድዩ? እዚ ጎስጓስ  እዚ ነቲ ምሕራም ወይ ምግታእ ገዛእ ርእስኻ ዝብል ቅዱስ ትእዛዝን መንገድን ኣልሚሱ፡ ኣዛንዩ ንኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ግዳይ ክትክውን ዘቃልዕ እዩ። ውሑስ ግብረስጋ ምስ ሕብረተሰብና ኣይከይድን እዩ፡፡ ምኽናያቱ፡

ሀ. ብበሊሕ ነገራት ኮነ፡ ኣብ ጉዕዞ ብጸሓይን ነፋስን ብቐሊሉ ክበላሾ ይኽእል። መንእሰያት ኤርትራ ኸኣ ኣብ ቀጻሊ ጉዕዞ እዮም ዘለዉ። ጥጡሕ ናይ መጓዝያ መስመር ክሳዕ ዝየለ ኣብ ጽቕጥቅጥን ኮፍ ምባልን ብቐሊሉ ክበላሾ ይኽእል።
ል. ዝርጋሐኡ፡ ኣብ ዝደልኻዮ ግዜን ቦታን ኣይርከብን እዩ። ምኽንያቱ ፍኑው ግብረስጋ (ካብ መጻምድኻ ወጻኢ) ግዜን ቦታን ስለዘይቕይዶ።
ሐ. ልክዕ ከምቲ ባህርያዊ ምርኻብ ሙሉእ ስሚዒት ስለ ዘይህብ፡ ብግዝያዊ ናይ ስምዒት ጸቕጢ፡ ናይ ዘይምጥቃም ውሳኔ ኣሎ።
መ. ኩለንትናይ ንዓኺ፡ ንዓኻ (ዘይቅዱስን ግዝያዊ ዕርክነትን)። ናይ ፎይቶትነትን ዘይተኣማንነትን ስምዒት ስለ ዝፈጥር ካብ ምጥቃሙ የወግዱ።
ሰ. ዋጋ ኮንዶም
ረ. ምስልቻው። ድሕሪ ምድግጋም ነቲ ሓጥያት ስለ ትለማመዶ እሞ፡ ስግኣት ካባኻ ይውገድ፡ ባዶሽ ተኣማንነት ትፈጥር። ብዘይ ዋሕስ ግብረስጋ ከኣ ክትደፋፈር ትጅምር። ስምዒት ብኩነተ ኣእምሮ ዝቕየድ ናይ ደቓይቕ ፍጻመ እዩ፡ ዲሒሩ ዘጣዕስ።
ሸ. ምስተን ስኽራንን። ሓንቲ ብኣካል ዝተኻፈልክዋ ዕላል እያ። ኣብ መውዳእታ 1999 ኣብ መጀምረታ 2000 ዓ.ም እዩ። ምስ ሳልሳይ ርእሰይ ኣብ ንጓዓዘሉ ዝነብርና ግዜ እዩ። እቲ እዋን ኣብ ኣስመራ፡ መንደፈራ፡ ደቀምሓረ፡ ባጽዕ ከንድዚ ፈይቶት ተሰምከቲ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ኮይነን ጸኒሐን እናተባህለ መግለጺታት ዝወሃቦ ዝነበረ ግዜ እዩ።  እቲ መራሕ መኪና ከምዚ ክብል የዕልል።  ''ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ፡ ምስ ሸገግኩ፡ ነታ ሑርማ (ኣመንዝራ) ወሲደያ። ዓሚረ ስለ ዝነበርኩ እቲ ኮንዶም ተቐዲዱ ድዩ ጢፉኡ እንድዕሉ። ንዓኸ ተሰካሚት'ዶ ኢሎማ?'' እናበለ ነቲ ካላኣይና ይሓቶ። ቀጺሉ፡ ''ንሳ ግን ወደል እንድያ ንዓኣ ከምይ ጌሩ ክደፍራ'' ብምባል፡ ብጭርቃን ንፍርሓቱ ክደዓዕስ ፈተነ። ተስፋ እገብር ንእስክላ ኣምሊጡ ኪኸውን። ስኽራንን እቲ  ዝተጠቕሰ ካልእ ተወሳኺ ሮቛሒታትን፡ ምስቲ ርጉጽ ሕጽረታቱ ደሚርካ ውሑስ ግብረ ስጋ ኣብ ሕብረተሰብና ኣይሰርሕን እዩ።

ዓለምና ልዕሊ 20 ዝዓይነቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (Sexually transmitted diseases, STD) ካብ ትሪኢ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኤች.ኣይ. ቪ አይደስ እቲ ርእሰ ነገር እኳ እንተኾነ፡ ሓያለ ካብዞም ሕማም መውስቦ ብመድሃኒት ጸረነፍሳት (antibiotic) ዘይፍወሱ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾኑ፡ ናይ መዋእል ኣካላዊ ስቓይን፡ ጠንቂ ምምካንን ብዓቢኡ ኸኣ ስዕቤን ናይ ሞት ኮይኖም ኣለዉ። ሚልዮናት ዶላራትን ወሓለ ዘረባ ኪኢላታትን ከወግዶም ኣይከኣለን። እቲ መፍትሒ ኣብ ሓንቲ ቃል እዩ ዝሕጸር፡ ኣብ ሞራል ወይ ስነ-ምግባር ትብል ቃል። ምንጪ ስነ ምግባር ኣምላኽ እዩ። ሰብ ብገዝእ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ጥራይ ካብ ግብረ-ስጋ ክቕጦብን ብተኣማንነት ምስ መጻምድቱ ክነብርን ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ትሕቲ ልዕላውነት እግዚኣብሄር ናይ ግድን ክግዛእ ኣለዎ። ኣብ ህይወተይ ከም ድላየይ፡ ነጻ እንድየ፡ ኢልካ ነቲ ሞራላዊ ሕጊ ኣምላኽ ምግሃስ፡ ሳዕቤኑ፡ ምድራዊ ስቓይን ናይ ዘልኣለም ጥፍትን እዩ። ኣምልኾ ዛኣረገ ፋሽን (ቅዲ)፡ ምስ ግዜ ዘይከይድ እንተተባህለ እንተተገልጸ እኳ  እቲ ንጹር ሓቂ ግን ኣብ ውሽጡ ሓቝፍዎ ይርከብ።

እዛ ኣብዚ ዘበንና እትርከብ ቤተክርስትያን ምስዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓቢ ብድሆ ተፋጢጣ እያ ትርከብ ዘላ። ንሞራላዊ ጥዕና ሕብረተሰብ፡ ካብንቤተክርስትያን ንላዕሊ ኣብሊጹ ዝምልከቶ ዋላ ሓደ ኣካል የልቦን። እዚ ግዜ እዚ፡ ቤተክርስትያን ኣብ ስነ-ምግባር ስድራቤት ዝያዳ ኣተኩሮ ክትገብር ዝድለየሉ ግዜ እዩ። ንሓቀኛን ኩውንን ትምህርቲ ስነ ጾታ ብዘይ ሽፍንፍን ንመንእሰያትን ወለድን ኣስተምሆር ክትህብ ኣለዋ። ከፊላዊ ቅድስና የልቦን። ቤተክርስትያን ኣብቲ ምጽኣት ኣመንታ መንፈሶም፡ ነፍሶም፡ ስጋኦም ብዘይመንቅብ ተሓልዮ ክጸንሕ ከተዳልዎም ኣለዋ።

መንእሰያት ብዘይ ግብረ ስጋ ገዛእ ርእስና ገቲእና  ክንጸንሕ፡ ነቲ ዓቢ ሞራላዊ ሕጊ ኣምላኽ መሰረት ብምግባር ነዛ ትእዛዝ  ነስተብህለላ። ኣይትዘሙ ትብል ቃል ካብተን ዓሰርተው ትእዛዛት ሓንቲ እያ። ንሕና ኩለንትናና፡ ካብ ሕማም ክንሕሎን፡ ምስ መጻምድትና ብታኣማንነት ነቢርና ንኣማላኽ ከነኽብሮ መኣንታን እዩ። ስለዚ መንፈሳውን ስጋውን ረብሓ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ናይ ንጽህና ጅግና ዝኾነ ኣብነት የሴፍ ኣለና። ኩሉ መንእሰይ ብንጽሃና ተዓቂቡ ዳግማይ የሴፍ ኮይኑ ኣሰር የሱስ ክስዕብ ጻዊዒት ኣማላኽ እዩ። እቲ ምንጪ ናይ ምኽኣል ግን ብጸጋ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኩሉ መንእሰይ ንየሱስ ፈሊጡ ክቕበሎ ኣለዎ። ንየሱስ ምስቐበለ ክኽተሎን ዝግባኣን ዲስፒልን ኣሎ። እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ነጥብታትት እዮም፡-

ሀ. ክብሪ ድንግልና። ኣብ ጎደና ሞራላዊ ውድቀት ተሸሚኻ እንተጸኒሕካ/ኪ፡ ነቲ መሎኮታዊ ማሕተም ንጽህና ኣጥፊካዮ(ክዮ) እንተኾይንካ (ኪ)፡ እቲ  ብምምላስ (ድሕነት) ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ድንግልና ( Secondary Virginity) ክህልወካ ዝካኣል እዩ እሞ፡ ክሳዕ መርዓ ክብሪ ድንግልና ምዕቃብ።
ለ. ኣዘውቲርካ ምጽላይ።
ሐ. መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ።
መ. ምስማዕ ቅዱስ መዛሙራት።
ሰ. ሕብረት ምህላው።
1. ብጉጅለ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ።
2. ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስታያን ምስታፍ።

ረ. ካብ ትምኒት ጉብዝና ምህዳም።
1. ካብዘይ የድልዩ የዕሩኽ ምርሓቕ።
2. ዘይቅዱስ ፊልምታት፡ ሙዚቃታት፡ ስእልታት፡ ምውጋድ።
3. ካብቲ ፈታኒ ቦታታት፡ ኣብያተ ሳዕስዒትን ሲነማታት ወዘተ.....ምርሓቕ።
ሸ. ጽምዋ ምውጋድ፡ ሃናጺ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ወዘተ....ምዝውታር።
ቀ. ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር።
በ. ንኽትምርዓዉ ቡቑዕ እንተኾይንካ፡ እግዚኣብሄር መጻምድኻ ክህበካ ምጽላይ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ደሓን እንታይ ኣለዎ፡ ጉሁድ ግብረ ስጋ ጥራይ ኣይትግበሩ እምብር፡ ነጻ ኢኹም ካልእሲ ብማዕዳን ተግሳጽን ጥራይ ይተሓለፍ። ሓጢኣት ኣይኮነን ዝትርጉሙ፡ ሰበኽቲ ሑሱር ጸጋ፡ ካብ ምስመዖም ምጥንቃቕ። በቲ ትኹል ሓቂ ወንጌል ተቔይድና ብኡኡ ባህ ኢልና ክብሪ ንጽህናና ንሓሉ።

እምበኣርከስ ውሑስ ገብረ ስጋ ፈጺሙ ዋሕስ ኣይኮነን። ክሳዕቲ ብሱል ጊዜ፡ እግዚኣብሄር መጻምድቲ ዝህብ፡ ርእስኻ ምግታእ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ዋሕስ። እቲ ብቐጻሊ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሰራሕተኛታት ስነጾታ  ዘስምዑና ዘለዉ ስብከት ውሑስ ግብረስጋ፡ ካልእ ረቂቕ መልእኽቲ ድያብሎስ ንምጥፋእና ዝዓለመ እዩ። ኩለንትናና ዘርክስ እኩይ መንፈስ እዩ። ንአይድስ ፈሪሕና ዘይኮነስ ስለ ፍቕሪ ኣምላኽናን ንጽህናናን ክንብል፡ ካብ ዝሙት ንተሓረም። ኣይከኣልን እዩ! እትብል ቃል ኣብ መዝገበ ቃላት ደያብሎስ ጥራይ እያ ዘላ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣምላኽ ግና፡ ''በቲ ዝህበኒ ሓይሉ ንኹሉ ይኽእሎ እየ፡ እዩ ዝብል። ዘኽእል ወሓዚ ጸጋ ኣምላኽ ኣሎ እሞ፡ የኽእለኪ እዩ! የኽእለካ እዩ!
ዳዊት ዘወልዲ