19
Fri, Apr
0 New Articles

ጉቡእ መስመሮም ንምትሓዝ

Finance & Career
Typography

ብዙሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ኣብ መንጐ ዉልድን ወላድን ዘሎ ርክብ ዝዝረብ ዘረባታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ኣምላኽ ቐጺዑ ደኣ ይሃብካ እምበር ናይ ሎሚ ዉሉድ ኣይተኻእሉን፣ እዞም ናይ ሎሚ ዉሉድ ዘይእዙዛት ደረቐኛታት እዮም ወዘተ ዝብሉ ዘረባ መውጺ ኣፍ ናይዚ ዘመን እዚ እዩ። እዚ ኣባሃህላ እዚ ሓቅነት የብሉን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ዘይእዙዛትን ወለዶም ዘየኽብሩን ዉሉድ ከም ዝትንስኡ ቃል ኣምላኽና ብንጹር ስለ ዝነግረና። እዚ ዘይምእዛዝ ግና ዉሉድ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ዘርእይዎ ጥራይ ዘይኰነስ መጻሓፍ ቁዱስና እዚ ዘለናዮ እዋን ክፉእ ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ወለዲ እውን ኣንጻር ዉሉዶም ዝላዕልሉ ሰዓት ምኻኑ’ውን ይነግረና እዩ። እዚ ከም ዘለዎ ዀይኑ መጽሓፍ ቁዱስና ብዛዕባ ዉሉድ ወለዲ ኣዚዩ ዓቢን ሰፊሕን ዝዀነ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ከይሓበኣ ከም ዝዛረብ ካብ ኩላትን ዝተሰወረ ኣይኰነን። ከምቲ ተማሃራይ ንመምህሩ እዩ ዝመስል ዝተባህለ ዉሉድ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ነጸብራቕ ናይ ወለዶም ምኻኖም ክንዝንግዕ የብልናን።


ከምቲ ቓል ኣምላኽና ዉሉድ ህያብ እግዚኣብሄር እዩ ዝብለና፣ እዞም ካብ ኣምላኽ ብኣምላኽ ንኣምላኽ ክዀኑ ዝተዋህቡና ዉሉድ ክንየተሎምን ወይ ድማ ዳሕራይ ዓብዮም ጻማ ጻዕርና ክኸፍሉና ዝተዋሃብናዮም ጥራይ ዘይኰኑስ፣ ነቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስሉ ዘዳለዎም ዓላማ ከንዳልዎምን ነቲ ዝተጸውዕሉ ዓላማ ክነብሩ ብዘድሊ ዘበለ ኹሉ ክንድግፎም እዩ። ህያብ ኣምላኽን ተሓታትነትን ብሓንሳብ ጐኒ ጐኒ እዩ ዝኸይድ። ኣምላኽ ንሰብ ክንዮ እቲ ክገብሮ ዝግብኣ ሓላፍነት ኣይሃቦን ወይ ኣይሓተቶን ብኣንጻሩ ነቲ ሰብ ክገብሮ ዝደለዮ ነገር ኩሉ ዘኽእል ጸጋ ሂብዎ እዩ። ሓላፍነት ምዕባይ ዉሉድ ድማ ካብ ኣምላኽ ንሰብ ዝተዋህበ በረኸት እምበር ጾር ኣይኰነን። ስለዚ ነዚ ዘሕጉስ ግና መስዋእትነት ዝሓትት ዕማም ክንዓምም ምስ ኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን ምኻን ከድልየና እዩ። መጽሓፍ ቁዱስና ወለዲ ኣብ ምዕባይ ውሉዶም ክገብርዎ ዝግባእ ጉዳያት እንታይ ምዃኖም እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብግልጺ ኣቐሚጥልና ኣሎ ሎሚ ካብኣቶም ምስ ዛንታ ሰባት እናተሓሓዝና ክንርኢዮ ክንፍትን ኢና።

1 ካብ መስመር ኣምላኽ ወጺኻ ዝግበር ኣተዓባብያ ዉሉድ

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ክመላለሰሉ ኢሉ ዝሓጐጎ ሕጋጋት ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ኩሉሳዕ ወትሩ ክልተ ምርጫታት ምስ ተገተረ እዩ። እቲ ሓደ በቲ ኣምላኽ ዝሓንጸጸልካ መስመር ምኻድ ብኣንጻሩ ድማ ዝባንካ ንኣምላኽ ሂብካ ምምልላስ። መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ደቅና እንርእዮ ፍረ ውጺት ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረት እዩ። ነዚ ኢና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣካይዳና ከነጸብቕ ዝግብኣና። እስከ ኣብነት ክንወስድ። ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ንርኣ። ከም እንፈልጦ እዞም ሰብ ሓዳር ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ንህይወት ዝዀውን መምርሒ ተቐቢሎም ነበሩ። እዞም ሰባት ግና በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መምርሒ ሓዲጎም ብናቶም መንገዲ ከይዶም ፍረ እዚ ድማ እንታይ ምኳኑ ኣብ ዉልዶም ርእዮሞ። ቃየል ወዶም ንሓዉ ኣቤል ተንሲኡ ክቐትሎ ከሎ ንርኢ። ላሜክ ዘርኢ ቃየል ከኣ ብሕነ ምፍዳይ ሰብ ቀቲሉ ብጅግንነት ነንስቱ ከውርየለን ከሎ ነንብብ። እቲ ኣብ ቤት ዝግበር ናይ ዘይምእዛዝ መንፈስ ኣብ ልዕሊ እንርእዮ ኣተዓባብያ ዉሉድ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ወለዲ መስመሮም ምስ ኣምላክ ቅኑዑ እንተ ዘይኰይኑ ንውሉዶም መስመር ከትሕዝዎም ዝከኣሎም ኩሉ ይግበሩ ንኽዕወቱ ዘለዎም ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።

ወለዲ ንውሉዶም ከውርስዎ ዘለዎም ቀዳማይ ሃብቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር እዩ። ነዚ ነገር ናብ ዉሉዶም ከመሓላልፉ ድማ ንባዕሎም እዚ መጀመርያ ጥበብ ዝኰነ ፍርሓት ኣምላኽ ክህልዎም ኣለዎ። እዚ እዩ መንፈሳውን መራላውን ህይወት ደቆሞ ብዝግባእ ክሃንጹ ዝኽእሉ። ቃል ኣምላኽ “ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሓሉ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻ ፍተዎ። 6- እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቃላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። 9- ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።” ይብለና ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 7 እምብኣር በቲ ኣምላኻዊ መመርሒ ክንጐዓዝ ከሎና ጥራይ ኢና ኣብ ልዕሊ ዉሉድና ኣውንታውን ነብራን ጽልዋ ከነምጽእ እንኽእል።

ብዙሕ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ብፍላይ ብዛዕባ ኣብ ንግስነት ዝመጹ ሰባት ክዛረብ ከሎ ዝብሎ ተደጋጋሚ ቓል ኣሎ። ንሱ ድማ ብመንገዲ ኣብኡ ኸደ ዝብል እዩ። ዉሉድ ክንዮ እቲ ንሕና ንኸዶ መንገዲ ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም ነዚ እዮም ራዛ ናይ ኣብኦ ሓዛ ዝብል ምስላ ዘሎ ንኣብነት ኣብ 1ነገስት 15፣1-2 “ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስማ ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ። በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን።” ከምዚ ዝዓይነቱ ተደጋጋሚ ዘራባ ብብዙሕ ኢና ነንብብ። እዚ ናብ ንግስነት ዝመጸ የሮብዓም ካብ ኣብኡ ዝረኸቦ ክኸደሉ ዝግባእ ኣምላኻዊ መምርሒ ስለ ዘይረኣየ። ኣቦ እዚ ንጉስ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወቱ ንኣምላኽ ከስምር ስለ ዘይረኣየ ንሱ ተመሊሱ ልክዕ ከምቲ ኣብኡ ዝገበሮ ንሓጥእያት ክጭልጦን ቀርኑ ኣንጻር ኣምላኽ ከልዕል ከሎ ንርኢ። ካልእ ጥቕሲ ኣንጻር ናይዚ ዝዀነ እንተ ሪኢና ኸኣ “ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾቦዓተን ዓመቱ ኣዛርያ፡ ወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።  ኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።  ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ” 2ነገ 15፣1-2

እምብኣር ካብዚ ክልቲኡ ጥቕስታት ከም እንርድኦ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ውልዶም ክሳብ ክንደይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እዩ። ወይ ንጥፍኣት ወይከኣ ንልምዓት እዮም ዘዳልውዎም። እዚ ክኸውን ከኣ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ወሳኒ እዩ። ንኣምላኽ ክንእዘዝ እንተ ዘይኪኢልና ንዉሉድና ናብ ምእዛዝ ከንብጽሖም ኣይንኽእልን ኢና። ንሕና ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ድሲፒሊናዊ ዝዀነ ናብራ ክሳብ ዘይነበርና ሰዓት ውሉድና ብስነ ስርዓት ደሊድሎምን ወቂቦም ንምምልላስ ኣይክእሉን እዮም። እምብኣር ዉሉድና በታ ቕንዕቲ መንገዲ ክመላለሱ ንሕና ወለዲ ቕድሚ ኹሉ ንኣምላኽ እዙዛትን ካብ መስመር ኣምላኽ ዘይሰሓትናን ንኹን።

2 ብምጉጅጃል ዝግበር ኣተዓባብያ ዉሉድ

ከም ሰዓብቲ ጐይታ ካብ ህይወትና ክርሕቕ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣድልዎ ወይ ድማ ወገንነት እዩ። ስለምንታይ እንተ ኢልና ኣብት ዝጸዋዓና ኣምላኽ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፍስ ስለ ዘይለ እዩ።  እቲ ኣዚዩ ሓድገኛ ዝዀን መንፈስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተወሰኽቲ ንኣሽቱ ጉጅለታት ክፍጠራ ከልዋ እዩ። ኣብ ውሽጢ ስድራ ብኸመይ እዩ ምክፍፋል ዝምዕብል? ብዙሕ ግዜ ወለዲ ነናቶም ደገፍቲ ካብ መንጐ ዉሉዶም ክሕዙ ከለዉ ንዝፍጠረ መንፈስ ኢና ጉጁላዊ ኣተዓባብያ እንብሎ ዝሎና። ወልዲ ኣብ ውልዶም ደስ ዝብሎምን ዘይብሎም ዝደልዮውን ዘይደልይዎን ዝተፈላለየ ዓይነት ባህርን ጠባይን ክህሉ ከም ዝኽእል ርድኡ እዩ። ብዙሕ ግዜ ድማ ኣብቲ ዝደለይዎ ባህርያት ደቆም ተበጊሶም ጉጅለ ይፈጥሩ። ኣደ ናታ ጉጅለ ኣቦ ድማ ናቱ ደገፍቲ ዝብሎም ብምሓዝ ክጐዓዙ ከለዉ ሓደገኛ ውጺት ኣብ ውሽቲ ቤት ከም ዝስዕብ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ብዛዕባ እዚ ኣብነት ዝዀኑና ሓደ ቤተሰብ ኣለዉ ንሳቶም ድማ ኢሳቕን ርብቃን እዮም። እዞም ስድራ እዚኣቶም ያቆብን ኤሳውን ዝብሃሉ ክልተ ዉሉድ ከም ዝነበርዎም ኩላትና እንፈልጦ ታሪኽ እዩ። እዞም ስድራ ኣብ ሓሓዲኦም ወጊኖም ነበሩ። ኢሳቕ ምስ ኤሳው ርብቃ ድማ ምስ ያእቆብ። ባህሪ ናይዞም ክልተ ዉሉድ መጽሓፍ ቁዱስና ክገልጸልና ከሎ “እቶም ቖልዑ ድማ ዐበዩ፡ ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኮነ። ያቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኮነ።  ይስሃቅ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።” ዘፍጥረት 25፣27-28። ኢሳቕን ርብቃን ኣብ ልዕሊ ውሉዶም ዝነበሮም ምቅርራብን ፍትወትን ኣብቲ ንሶም ዝፈትውዎን ዝደልይዎን ድሌት ዝተመርኮሰ እዩ ዝነበረ። እዚ ኣብቲ ቤተሰብ ዘይተደልየ ባእስን ሕንፍሽፍሽን ኣምጺኡ። ኣብ መንጐ ኤሳውን ያቅብን ዝነበረ ምትፍናና ድማ ክዓቢ ጌርዎ። እቲ ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ኣሕዋት ዝነበር ህልኽ ክዓቢ ምኽንያት ዝዀነ እምብኣር ኣብ መንጐ ወለዶም ዝተርኣያ ምክፍፋል እዩ።

ኣምላኽ ውሉድ ክህበና እንከሎ ብቐንዱ ሓላፍነት ይህበና ከም ዘሎ ምስትውዓል ክንክእል ኣሎና። ንዉሉድና በቲ ንሕና ኣብኦም ዝረኣናዮ ደስ ዘብል ባህሪ ተሳሒብና ወገና ክንገብሮም ዘይከነስ ኣብቲ ኣምላኽ ክመላለስሉ ዝግባእ ዕላማ ንኸነብጽሖም ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር እዩ ዝድለየና። ዉሉድ እንሕበነሎም ክዀኑ ብመንገዲ ኣምላኽ ከነመላልስም ክንክእል ከሎና እዩ እምበር ካብ መንጐ ዉሉድና እቲ ዘሕጉስናን ባህ ዘብሉናን ሓለፋ እናረኣና ናብቲ ንሕና ክበጽሕዎ ዝደለናዮ ጐደና ምውሳድ ኣይኰነን። ዕጫ ደቅና ንኹሎም ብማዕረ ኣብ ዝበለጸ ቦታ ክበጽሑ እምበር እቶም ባህ ዘብሉና ዕወቱ እቶም ዘይሕጉስና ዉሉድ ድማ ታሕት ኸይዶም ክጸድፉ ክኸውን የብሉን። እቲ ኣብ ስድራ ኢሳቕን ርብቃን ዝተርኣየ እዚ እዩ። ኢሳቕ ኤሳው ጥራይ ክባረኸሉ ደሊዩ ርብቃ ድማ ያቆብ። ክልቲኣቶም ኣብ ልዕሊ ዉሉዶም ዝነበሮም ኣርኣእያ ኣብ ድሌትን ጥቕሚ ገዛእ ርእሶምን ዝተሞርከሰ እዩ ኔሩ። እዚ ድማ እዩ ኣብ ዝይተደልየ ህልኽን ኣበሳን ኣውዲቕዎም። ወለዲ ኣብ ውሽጢ ስድራ ከምዚ ዝዓይነቱ ወገንነትን ምፍልላይን ምስ ዝምዕብል ብቐንዱ ዝሃሲ ነቶም ዉሉድ እዩ። ኣብ መንጐኦም ከኣ ዘይትምትእምማን ይፍጠር። ዳሓር ከኣ ቅሳነት ዘይብሉ ናብራን ሓዳርን ከምኡ ኸኣ ዘይዕሩፋት ዉሉድ ክህልውና ይገብር።

ኣቦን ኣደን ኣብ ልዕሊ ውሉዶም ዘርእይዎ ኣርኣእያ ኩሉ ብማዕረ ሓላፍ ዘላፍ ዘይብሉ ኣብ ቅንዕና ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባእ። ኣደ ናታ ደገፍቲ ኣቦ ናቱ ደገፍቲ ንምግባር ዝጽዕሩ ምስ ዝዀኑ ኣብ ውሽጢ ቤትም ብገዛእ ኣእዳዎም ዕንወት ይፍጽሙ ምህላዎም ኣይንዘንግዕ። ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዝዓየቱ ወገንነት ወይ ምጉጅጃል ዝምስረት ብሃንደበት ኣይኰነን ብሸለልትነት ቀስ ብቐስ ዝመጽእ ሳዕቤን እዩ። እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይዚ ድማ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ንጹርን ቁሉዕን ዝዀነ ርክብ እንተ ዘይማዕቢሉ ኣብ ዉሉዶም ዝህልዎም ሓባራዊ ርድኢት ከኣ ምስ ዝፈላለ እዩ። ስድራ ንውሉዶም ዘይኩነታዊ ዝዀነ ፍቕሪ ከርእይዎም እዩ ፍቓድ ኣምላኽ። ሓቒ እዩ ሓደ ዱኹም ሓደ ብርቱዕ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ኸምዚ እዋን ወለዲ ነቲ ዱኹም ዝድግፍሉን ዝሽከምሉን ሜላታት ከናድዩ ይግባእ ከምይሲ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር ብዓቢኡ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤት ጉጅለታት ክፍጠራ ከለዋ ማለት ኣቦ ናቱ ኤሳዋት ኣደ ድማ ናታ ያቆባት ክትገብር ከላ ስዒቡ ዝመጽእ ፍረ ኩሉ ሓዘንን ጐሃን እዩ ነዚ ድማ እዩ እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ “ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ ድማ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ ሔታውን ንበስማት ጓል ኤሎን ሔታውን ኣንስቲ ኣእትወ።  እዚኣተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ኾንኦም” ዘፍ 26፣35 ኣብ ካልእ ድማ  “ርብቃ ክኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ኾይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት ኣነብር በለቶ።” ይብለና ኣብ ዘፍ 27፣46። እዚ ጥራይ ኣይኰነን ግና ውጺቱ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ መንፈስ ተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ዉሉድ ተመሳሳሊ ዝዀነ ታሪኽ ክደግሙ እዩ ዝገብር። እምብኣር ኩሉ ግዜ ጉጀላዊ ዝዀነ ኣተዓባብያ እንተሎና ኸይኑ ውጺቱ እዚ ሕጂ ዝረኣናዮ ካብ ኰነ ጥንቃቐ ዝመልኦ ህይወት ክንመርሕ ኣምላኽ ይደግፈና። 

3 ጉቡእ ዝኰነ መቕጻዕቲ ዘይምሃብ

ካብቲ ሓደ ባህ ዘብል ባህሪ እግዚኣብሄር እሞ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘፍቅሮም ዉሉድ ዘርእዮ ጉቡእ ዝዀነ መቕጻዕቲ እዩ። ኣምላኽ ስዲ ክንከይድ ስለ ዘይደልየና ኩሉ ሳዕ መስመር ከትሕዘና ኢሉ ይቐጽዓና እዩ። መቕጻዕቲ ኣምላኽ ከኣ ወትሩ ናብ ክብርን መጐሰን እዩ ዝወስደካ። ነዚ እዩ ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ “ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዖ፡ ከምኡ ኸኣአ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ አይተመረር።” ምሳሌ 3፣11-12 ዕላማ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ንኽብሪ እምብኣር ንምረት ኣይኰነን። ንሕና ወለዲ ድማ ኣብ ልዕሊ ዉሉድና እንርእዮ መቕጻዕቲ ንምረት ዘይኰነ ንኽብርን ንስራሕ ኣምላኽ ንምድላው ክኸውን ኣለዎ። መቕጻዕቲ ጋሂ ከምጽእ ይክእል እዩ ግና ንዝበለጸ ደረጃ ስለ ዝዀነ ዳሕራዩ ዘሕጉስ እዩ። ኣምላኻዊ መቕጻዕቲ ውሽጣዊ ምረት የብሉን። ነዚ እዩ ኣብ መቕጻዕትን ንደቅና ከንምርሮም ከምዘይብልና ቃሉ ዝነግረና “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።” እምብኣር ኩሉ ግዜ ተግሳጽናን መቕጻዕትናን ሕልና ዘዕርብ ዘዀሪ ዘምርር ክኸውን ኣይግባኣን።

ብኣንጻሩ ንውሉድካ ሕሉፍ ሕንቃቐን ዘይምቕጻዕን ኣምላኽ ዝፍንፍኖን ባህ ዘይብሎን ነገር እዩ። እቲ ንደቁ ስዲ ክኸዱ ዝሓድጐም ወላዲ ኣብ ገዛእ ርእሱ መርገም ይእክብ ከምዘሎ ክፈልጥ ይግባእ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ኣባይቲ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ተራእዩ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቤት ኤሊ እንተ ርኢና ንደቁ ግቡእ ዝዀነ መቕጻዕቲ ዘይምሃቡ ደቁ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓቢ ጸበባ የትዮሞ። ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ምቕጻዕ ዝሓደግሉ እዋን እዩ። ሰብኣዊ መስለ ቆልዑት እናተባህለ ዝኽየድ ዘሎ ዘይሚዛናዊ ኣመልካኻታ ኣንፈትና ከስሕተና ይኽእል እዩ። ስለዚ ንዉሉድና ከከም ዝግብኦምን ዕድሜኦምን ክንቀጽዖም ይግባኣና።

መቕጻዕቲ ማለት ሻቦጥ ሒዝካ ምግርፋ ጥራይ ኣይኰነን። ወይ ብቓላትካ ምፍርራህ እውን ኣይኰነን። ብዙሕ ዝዓይነቱ ሜላታት መቅጻዕቲ እዩ ዘሎ። ካብኡ ሓደ ምስ ዉሉድካ ግዜ ምሕላፍ እዩ። ንባዕሉ ምስ ደቅኻ ጉቡእ ዝዀነ ሰዓት ዘይምሕላፍ ጉቡእ ዝኰነ መቕጻዕቲ ዘይምሃብ እዩ። ንኣብነት ነቢዪ ሳሚኤል ኣብ ኣገልግሎት ጹሙድ ዝነበረ ዀይኑ ይስማዓካ ነዚ ድማ ምስ ዉሉዱ ግዜ ዘይምሕላፉ ደቁ ናቱ መንገድን ንጹር መምርሕን ክሕዙ ኣይኰሉን ኣብ ብልሽውና ከኣ ክኣትዉ ከለዉ ንርእዮም። እምብኣር ኣብ ዝውዓልካ ዊዒልካ ጉቡእ ዝኰነ እዋን ምስ ዉሉድካ ዘይብልካ ክነሱ መጺኻ ከተጋጥጠሎምን በዚ ውጻእ በዚ ኺድ ክትብሎም ኣይምሕርን እዩ። ሚዛናዊ ዝኰነ ኣቐጻጽዓ ዉሉድ ዝፈልጥ ስድራ ምስኦም ግዜ ዘሕልፍ እዩ። በየን ጐዲሎም በየናይ ሓሚቖም ስለ ዝፈልጥ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣበየናይ እዋንን ቦታን መቕጻዕቲ ከም ዝግብኦም ይፈልጥ እዩ።

ስለዚ ኩብራት ወለዲ ሰማዕቲ ሰላምና እዙዛት ዉሉድ ክህልውና እዙዙ ዝዀነ ምስ ኣምላኽ ዝተመዓራረየ ህይወት ይሃልወና። ሓድነት ዘይብላ ቤት ትፈርስ እያ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤትና ጉጅለ ኣይንፍጠር። ጉቡእ ቕጽዓት ንምሃብ ድልዋት ኰይና ምስ ዉሉድና ግዜ ነሕለፍ። ኣምላኽ ይደግፈና።