19
Fri, Apr
0 New Articles

እየሱስ!

Poems and Poetry
Typography
ኣምላኽዩ ማዕረ ማዕረ
ከም ባርያ ርእሱ ኣሕሰረ
ኣባይ ጽድቂ ኣብኡ ሓጥያት
ተሰኪሙ ከይዱ ናብ ሞት
ንኽህብትም ዝደኸየ
ንኽጸግብ ዝጠመየ

ንኽብርትዕ ዝደኸመ
ንኽባረኽ .....ተረገመ
ንኽጥዕይ ዝሓመመ
ንጸበባይ .....ዝዛዘመ

ንኽዕረቕ ዝተባእሰ
ንኣበሳይ ዝደምሰሰ

ንኸይጠፍእ ዝደንገጸ
ንምሕምሻሽ ዝመረጸ
ንጸልማተይ ዝቐንጠጠ
ንታሪኸይ ......ዝለወጠ

ተጨኒቑ ንኸይሓስብ
ቀምሲሉለይ ንኽዕምብብ
ዝወረደ ናብ መቓብር
ኣነ ኣብ ሲኦል ንኸይነብር

ጸላእተይ ባህ ምስበሎም
ዝተዓወቱ ምስ መሰሎም
ገፊፍዎም ስልጣን ኩሉ
ኣሕፊርዎም መናጢሉ

ሓይሊ ኣይብሉን ብዘይ ሓሶት
ኣይስሕቶን}የ ናቱ ........ውዲት
ባህ ኣይበልካ ጽላእ ጽድቂ
በሪህለይ}ዩ እቲ ..........ሓቂ

መንደኣሉ ዝኸሰኒ
የሱስ ኩሉ ካብ ኮነኒ
                    ሎሚ ኣነ ንዝነብሮ
ክርስቶስ}ዩ ዝገበሮ

ባህ ኢሉኒ ኣብ ሕቕፍኡ
ክነብር}የ ኣነውን .....ንዕኡ

EMNET july 2007
_