18
Thu, Apr
0 New Articles

እግዚኣብሄር.......!

Poems and Poetry
Typography
ትትንስእ እሞ ዓውታ ተህድእ፡
ትለዓል እሞ ነውጺ ተርግእ፡
ንሰይጣን ንስኻ ኢኻ እተፍርሆ
ንሕሩይካ ብሰይፍኻ ትባልሆ፡
ብምምጻእ ወድኻ ንትሑታት ዘከርካዮም

ክሳዕ ከተማ ህያዋን ከረን ጽዮን ኣብጻሕካዮም፡

ንዝሰለለ ቅልጽም ኢድ ተበርትዕ
 
በይንኻ ምጕት ዓለውቲ ትረትዕ፡              እግዚኣብሄር
ንጸልማት ዝሰደዶ ብርሃን
ንዅሉ ዓለም ዘብርሆ መብራህቲ፡
ዘይነቓነቕ መሰረት
ዘይፈርስ መንደቕ፡
ዘይትስበር መርከብ
ዘይስረቕ ማህደር፡
ዘይነጽፍ ዔላ
ዘይርብርብ ቅልጽም፡
ሰናይ ኣርዑት
ፈኲስ ጾር፡                                እግዚኣብሄር
ገጽ ግቡዛት እተዋርድ ክቡር
ብዕቡያት ዘይትድፈር ሕፉር፡
ምኽሪ ፈላጣት እተጥፍእ ምሁር
ብሓይሊ ሰብ ዘይትግረም ምኵር፡
ንመጺጽ እተጥፍእ ምቍር
ሃሰስ ዘይትብል ከም ዕዉር፡
ካብ ጥንቲ እተወርየልካ ንቡር
የውጣ ዘይትጋገ ትኵር፡
ማዕዳ ዘይትደሊ ምኹር
ምሳና ዚዀንካ ሕቡር፡                       እግዚኣብሄር
መስመስታ በርቂ ክንደይ ዜሸብር እዩ?
ዜሸብርሲ እቲ ንመባርቕ ዜርዕዶም እዩ፡
ድምጺ ማዕበል ክንደይ ዜፍርህ እዩ?
ዜፍርህሲ እቲ ንማዕበል ዜጠንቅቖ እዩ፡
ስርዓት ከዋኽብቲ ክንደይ መንክር እዩ?
መንክርሲ እቲ ንከዋኽብቲ ኣብ ህዋ ዜንጠልጠለ እዩ፡
ምድማቕ ጸሓይ ክንደይ ብርቱዕ እዩ?
ብርቱዕሲ እቲ ንጸሓይ ብርሃን ዝዓደላ እዩ፡
መልክዕ ዕምባባታት ክንደይ ማራኺ እዩ?
ማራኽሲ እቲ ኣቦ መልክዓት እዩ፡
ግርማ መላእኽቲ ክንደይ ዜደስት እዩ?
ዜደስትሲ እቲ ለኣኽ መላእኽቲ እዩ፡
ብዝሒ ማያት ክንደይ ዘይውዳእ እዩ?
ዘይውዳእሲ እቲ ንማያት ብሕፍኑ ዚሰፍሮም እዩ፡
ዕዮ ኣካላት ሰብ ክንደይ ዕፁብ እዩ?
ዕፁብሲ እቲ ኻብ ጭቃ ነዚ ዚገበረ እዩ፡
ምንዋሕ እምባታት፡ ዕምቈት ቀላያት ክንደይ ዜስደምም እዩ?
ዜስደምምሲ እቲ እምባታት ምስ ቀላያት ዜንቀጥቅጡሉ እዩ፡ እግዚኣብሄር
ብረድኤትካ ዘክረና
ብጕልድባኻ ኸውለና፡
ብመጐስካ ሕሰበና
ብምሕረትካ ኣናሕስየልና፡
ብሰላምካ ተዛወረና
ብክብርኻ ኣጽልለና፡
ብስልጣንካ ዘምብየና
ብዓቕልካ እለየና፡
ብግርማኻ ልገበና
ብፍቕርኻ ኣልዕለና፡
ብኣእዳውካ ሕጸበና
ብሓይልኻ ኣደልድለና፡
ብመንፈስካ ኣለብመና
ብወድኻ ኣንብረና፡                    እግዚኣብሄር
ትዕግስትኻ ንሓጥኣን ይጸውር
ጽላልካ ንፍርሃት የባርር፡
ጸዳልካ ንተረርቲ ይልውጥ
ኵራኻ ንነገስታት የንቀጥቅጥ፡
ትምህርትኻ ንደናቝር የልዕል
እስትንፋስካ ንባሕሪ ይመቅል፡
ኣሰርካ ንምድረበዳ የሳግር
ግርማኻ ንእኩይኳ የስተንክር፡
ዓቕልኻ ንኣና ይምዕድ
ምምጻእካ ንሰይጣን የሰምብድ፡
ፍልጠትካ ንስዉር የቃልዕ
ብርሃንካ ንጸልማት ይዅልዕ፡
ትሕትናኻ ንትዕቢት የናውጽ
ኣእምሮኻ ንምስጢራት ይገልጽ፡
እንግድዓኻ ንድኻታት ይስከም
ጌጽካ ንዘኽታማት ይስልም፡
ዘይትኻ ንቑሱላት ይዝንን
ሓይልኻ ንእምባታት የድንን፡            እግዚኣብሄር
ኣብ ምርኮ ዝፈጠነ መድሕን
ኣብ ማእሰርቲ ዝበረቐ መስፍን፡
ኣብ በረኻ እተረኽበ ቐላይ
ኣብ ምድረበዳ ዝነትዔ ዓይኒ ማይ፡
ኣብ እርጋን ዘብረየ ምርኩስ
ኣብ ባርነት ዝረድኤ ንጉስ፡
ኣብ ሓዘን ዘጸናንዔ ብጻይ
ኣብ ውግእ ዝደገፈ ዘራይ፡
ኣብ ስደት እተጋህደ ዑቕባ
ኣብ ሽግር እተገልጸ እምባ፡
ኣብ ከበባ ዝሓገዘ ሰይፊ
ኣብ ድርቂ ዝሓረሰ ዕርፊ፡        እግዚኣብሄር
ዘርሖኻዮ    ኣይዕጾን
ዝዓጾኻዮ     ኣይክፈትን፡
ዘስቴኻዮ     ኣይጸምእን
ዝመገብካዮ   ኣይጠምን፡
ዘዕቘብካዮ    ኣይፈርህን
ዝመራሕካዮ  ኣይሽበርን፡
ዘህዳእካዮ    ኣይናወጽን
ዝገሰጽካዮ    ኣይጋገን፡
ዘለበምካዮ    ኣይዕሹን
ዝጓሴኻዮ    ኣይጠፍእን፡
ዘብራህካዮ   ኣይጽልምትን
ዝሓሎኻዮ   ኣይስከፍን፡         እግዚኣብሄር
ፈጣር ኣዳም፡ ሓገዝ ህዝቅያስ
ዓይኒ በርጢሜዎስ፡ ኣፍ ዘካርያስ
ፈታው ኣብርሃም፡ ንብዓት ኤርምያስ
መራሕ ዮሴፍ፡ ሓይሊ ኤልያስ፡
በትሪ ሙሴ፡ ዘንጊ ኣሮን
ስላዕ ሻምጋር፡ ዓንዲ ሲምሶን
ወንጭፍ ዳዊት፡ ጥበብ ሰሎሞን
መርከብ ኖህ፡ ሴፍ ጊዴዎን፡
ጽንዓት እያሱ፡ ትንቢት ዲቦራ
ትእምርቲ ኤልሳእ፡ ጽልጽለ ጺጶራ
ትግሃት ነህምያ፡ ማሕጸን ሳራ
እምነት ካሌብ፡ ተስፋ ማራ፡ 
ትዕግስቲ እዮብ፡ ፍልጠት ዳንኤል
በረኸት ይስሃቅ፡ ስልጣን ሳሙኤል
መላስ ጴጥሮስ፡ ራእይ ህዝቅኤል
ኣምላኽ ጳውሎስ፡ ኣቦ ኣማኑኤል፡ እግዚኣብሄር
ዘይጠልም ቀስቲ         
ዘይውዳእ ርስቲ፡         
ዘይነቅጽ ሳዕሪ           
ዘይዓፍር ባሕሪ፡          
ዘይረስሕ ዛራ
ዘይመጽጽ ማራ፡
ዘይኣርግ ዓለባ
ዘይድፈር እምባ፡
ዘይደክም ሓይሊ
ዘይነቅዝ እኽሊ፡
ዘይትነቅዕ ናሕሲ
ዘይትቕደድ ማእሲ፡
ዘይትነጽፍ ቀላይ
ዘይትዓርብ ጸሓይ፡
ዘይትጐድም ሴፍ
ዘይትዕበስ ኣፍ፡
ዘይትዓውር ዓይኒ
ዘይትጸምም እዝኒ፡
ዘይትቓድር ግራት
ዘይትስበር ዓራት፡               እግዚኣብሄር
ከይለመንካ ትቕበል
ከይተሓባእኻ ትኽወል፡
ከይተዋጋእኻ ትማርኽ
ከይረብረብካ ትባርኽ፡
ከይተሓገዝካ ትመርሕ
ከይተኸፈልካ ትሰርሕ፡
ከይተነገርካ ትፈልጥ
ከይተርኤኻ ትምስጥ፡
ከይተሓበርካ ትኸይድ
ከይተረታዕካ ትፈርድ፡
ከይተሓለልካ ትመክር
ከይተጸላእካ ትነብር፡             እግዚኣብሄር 
ከይጐየኻ ትቕድም
ከይተጸቤኻ ትፍጽም
ከይተኸፈልካ ትስልም፡
ከይሓዀርካ ትድይብ
ከይወዳእካ ትምግብ
ከይበተንካ ትእክብ፡
ከይተማጐትካ ትረትዕ
ከይተጸነንካ ትሰምዕ
ከይተነገርካ ትቐልዕ፡
ከይሓምበስካ ትሰግር
ከይዓቀንካ ትስድር
ከይተቓለስካ ትስዕር፡            እግዚኣብሄር
ኣዳራሽካ ሰፊሕ
ደምቤኻ ሰፊሕ
ጭማራኻ በሊሕ
ዓመታትካ ነዊሕ
ኣሰርካ መሪሕ፡
ሻኻኻ ልሙዕ
ምህሮኻ ስሩዕ
ግልያኻ ጽኑዕ
ግብርኻ ቕሉዕ
ሓሽከርካ ንፉዕ፡
ምህላውካ ጥዑም
ትርኢትካ ግሩም
ዚስዕበካ እሩም
መቕደስካ ስሉም
ሰራዊትካ ዕሉም፡                እግዚኣብሄር
ሓሳብካ ጀማሪ
ዝባንካ ጸዋሪ
ክንፍኻ ሰዋሪ
ዝኽርኻ ነባሪ
ሓይልኻ ገባሪ፡
ጸላኢኻ ሓሳዊ
መንፈስካ ሓላዊ
ወድኻ ጸጋዊ
ተጻራሪኻ ዓላዊ
ደፋሪኻ ጃጃዊ፡
ለውሃትካ ናባዪ
ባህርይካ ጓሳዪ
ምሕረትካ ሓላዪ
እምንነትካ ኣላዪ
ወንጌልካ ፈራዪ፡               እግዚኣብሄር
ካብ ጸልማት ብርሃን ዝገበርካ
ካብ ሓመድ ሰብ ዝሰራሕካ
ካብ ከውሒ ማይ ዘፈልፈልካ፡
ካብ መኻን ሾብዓተ ደቂ ዘውጻእካ
ካብ መቓብር ህያው ሰብ ዝጸዋዕካ
ካብ ኣፍ ኣድጊ ቃላት ሰብ ዘስማዕካ፡
ካብ ኣጋንእ ማይ ወይኒ ዘቕዳሕካ
ካብ ጽላል ሰብ ፈውሲ ዝሃብካ
ካብ ክንዲ ኢድ ደበና ሸምቦባ ዘውጻእካ፡  እግዚኣብሄር
ፍቕርኻ     ኣይጐደለንሞ
ምሕረትካ    ኣይነጸፈንሞ
ሳህልኻ      ኣይተወድኤንሞ፡
ሓይልኻ     ኣይደኸመንሞ
ርህራሄኻ    ኣይተለወጠንሞ
በረኸትካ     ኣይነቐጸንሞ፡
ልብኻ       ኣይጨከነንሞ
መንፈስካ    ኣይተሓለለንሞ
ወድኻ       ኣይሓመቐንሞ፡                 ኣሎና ብህይወት፡ እግዚኣብሄር
 
ኣብ ኣፍ ወታእ ቃል ተስፋ ዘስፈርካ
ኣብ ጸጕሪ ናዝራዊ ሓይሊ ዘንበርካ፡
ኣብ ሓንቲ በትሪ ፍርዲ ሃገር ዘቐመጥካ
ኣብ መኣረምያ ሰብ ስልጣን ሰማይ ዘርኤኻ፡
ኣብ ልሳን ገርሂ ሰብ ጥበብ ዘንጠብጠብካ
ኣብ ልቢ ሓለቓ ተገውቲ ምሕረትካ ዘፍሰስካ፡
ኣብ ኣእምሮ ሰጓግ ባሮትካ ወንጌልካ ዝሓተምካ
ኣብ ማሕጸን ሓንቲ ድንግል ንወድኻ ዘሕደርካ፡        እግዚኣብሄር 
 
ኣብ ጸልማት ንእተሰወረ መን ይርእዮ?
ንኽርዳድከ ኻብ ስርናይ መን ይፈልዮ?
ንባርያ ወዲ ኣምላኽሲ መን ይሓርዮ?
ንትሑት ግልያ ጐይታኸ መን ይኣልዮ?
ልቢ ንዜትረረ ደፋር መን ይገንሖ?
ኣእዳዉ ንዜልዓለ መስኪንከ መን ይመርሖ?
ካብ ብርሃን ንእተኸወለ ሓሳዊ መን የፈድሖ?
ነቲ መፈራርሂ ሰብ ድያብሎስከ መን የፍርሖ?              እግዚኣብሄር
ዓለም ንዜኽፍኣትሉ ስድራ እትኾኖ
ፍርሃት ሞት ንዜሰምበዶ እትከናኸኖ፡
ግፍዒ ንዚጸገበ ብተስፋ እተሕድሮ
ሰብ ንዜርሓቖ ዓብዪ ጥበብ እትመኽሮ፡
ዕረፍቲ ንዚሰኣነ ብለይቲ እትዛረቦ
ብራዕዲ ንእተጨቈነ ብሰላምካ እትኸቦ፡
ገጽ ሰብ ንዚኸበዶ ¬"ናባይ ጥራይ§" እትብሎ
ኣብ በረኻ ንዚዀብለለ ብሳህሊ እተጽልሎ፡
በይኑ ንዚመስሎ ጭፍራ ሓለውቲ እተርእዮ
ጉባኤ ንዚፈንፈኖ ኣብ ምዅብላሉ እትኣልዮ፡
ኣብ ዓይንኻ ንዚኸበረ ካብ ከይሲ እተናግፎ
ስለ ስምካ ንዚሓሰረ ካብ ድጕዓ እተዕርፎ፡
መስቀል ወድኻ ንዚጾረ ንወድኻ እተምስሎ
ንእተኣመነካውን ናብ ክብሪ መንግስትኻ እትቕበሎ          እግዚኣብሄር 
ሰብ እንተ ሓየለ፡ ስልጣንካዶ ኸይሰዓር?
ሓጥእ እንተ ደፈረ፡ ስምካዶ ኸይሓስር?
ዓማጺ እንተ በርትዔ፡ ግርማኻዶ ኸይድፈር?
ሓሶት እንተ ዓምበበ፡ ሓቅኻዶ ኸይስወር?
ጻድቕ እንተ ወደቐ፡ ምሕረትካዶ  ኸይነጽፍ? 
ባርያኻ እንተ ተሓለለ፡ ምድጋፍካዶ ኸየዕርፍ?
ምሕባእካ እንተ በዝሔ፡ ምግሃድካዶ ኸይተርፍ?
ወጋሕታ እንተ ደንጐየ፡ ምግላጽካዶ ኸይሓልፍ?             እግዚኣብሄር 
ከይንሕለል እሞ ኸይንጠልመካስ
ከይንደክም እሞ ኸይንጠፍኣክስ፡
ብምሕረት እተቓባበልካና
ብፍቕሪ እተላሌኻና፡
ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና
ኣብ ልብና እትሓድር መድሕንና፡
ስለ ሰላምና እትነቅሕ ጓሳይና
ስለ ዓወትና እትምጕት ዘራዪና፡
ካብ ድነ ፍርሃት ዘምለቝካና መራሒና
ካብ መንጋጋ ሞት ዘውጻእካና በጃና፡
ቅልጽም ሰይጣን ዝሰዓርካልና ሓላዊና
ምጕት ጸላኢና ዘዕረፍካልና ጠበቓና፡                      እግዚኣብሄር።
ኽንድ}ዚ እተፍቅረናስ እንታይ ስለ ዚዀንና?
ማዕረ}ዚ እትሕልወናስ እንታይ ስለ ዘሎና?
መላእኽትኻ ዚሕልዉናስ ክንደይ ድዩ ኽብረትና?
መንፈስካ ዝሕብሕበናኸ ክንደይ ድዩ ዋጋና?
ንስኻ ዝለገብካናስ ስለየናይ ጽድቅና?
ወድኻ እተገርፈልናስ ስለየናይ ዓስብና?
ቐደም ዝፈለጥካናስ ሓሲብናካ ዲና?
ሽዓ ዝጸዋዕካናኸ ኣድሂናካ ዲና?
ፍቕርኻ ዘይስፈር
ምሕረትካ ዘይውዳእ፡
ሰላማዊ ኣምላኽ
ዓቃል መምህር፡
ካብ ዘይውዳእ ዝመቅል
ናብ ዘይነጽፍ ዝመርሕ፡
ናይ ሰማይ መኰንን
ናይ ምድሪ ንጉስ፡                                      እግዚኣብሄር።
ሰላም፡ ኣበይ ቦታኺ?
ፍቕሪኸ፡ ኣበዩ ማሕደርኪ?
ምሕረት፡ ካበይ ትመጺ?
ጥበብከ፡ ካብ መን ትወጺ?
ርህራሄ፡ ኣበይ ክረኽበኪ?
ኬርነትከ፡ ኣብ መን ክደልየኪ?
ተስፋ፡ ምስ መንዩ ወገንኪ?
ለውሃትከ፡ ኣብ መን ትውልድኺ?
በረኸት፡ ምንጨይ ካብ መን ትብሊ?
ህይወትከ፡ ምስጢረይ መንዩ ትብሊ?                       እግዚኣብሄር።
ካብ ሓሙሽተ ጎጎ፡ መሶባት ኣየትረፍካንዶ?
ብኽልተ ዓሳኸ፡ ሕልፊ ሓሙሽተ ሽሕ ኣይመገብካንዶ?
ብሓንቲ በትሪ፡ መንግስቲ ኣየውደቕካንዶ?
ብጫፍ ባርኖስከ፡ ርባ ኣይመቐልካንዶ?
ካብ ሓንቲ መኻን፡ ህዝብታት ኣየውጻእካንዶ?
ብኣፍ ሓደ ወታእከ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣይተዛረብካንዶ?
ኣእዛን ጽሙማን ኣብ ርሑቕ ቀስ ኢልካ ክትዛረብ ይሰምዓኻ፡ 
ኣዒንቲ ዕዉራትውን ኣብ ቅድሚኤን ደው ኢልካ ይርእያኻ፡
ልሳናውቲ ዓባሳት ዓው ኢለን ብዜማ ንምስጋናኻ የድህያ፡
ኣእጋር ሓንካሳትውን ቕድሚ ዅሉ ጐየን ንዜናኻ የውርያ፡          እግዚኣብሄር።
ኣብ ሓይልኻ ምድካም የልቦን፡
ኣብ ምህሮኻ ምስሓት የልቦን፡
ኣብ ምኽርኻ ምጕዳል የልቦን፡
ኣብ ዑቕባኻ ምፍራህ የልቦን፡
ብዘይ ማዕዳኻ ዝሰለጠ የልቦን፡
ብዘይ ህላዌኻ ዝሰመረ የልቦን፡
ብዘይ ደገፍካ ዝቐንዔ የልቦን፡
ብዘይ ሓለዋኻ ዝሃድኤ የልቦን፡
ቅድሜኻ     ማንም ኣይነበረን
ድሕሬኻውን ሓደ ኣይመጽእን፡
መጠንካ     ማንም ኣይዕቅኖን
ደረትካውን   ሓደ ኣይፈለጦን፡
ዶባትካ      ማንም ኣይበጽሖን
ዕምቈትካውን ሓደ ኣይረኣዮን፡
ንመንፈስካ   ሓደ ኣይሰዓሮን፡
ንወድኻውን ማንም ኣይሓየሎን፡              እግዚኣብሄር።     
ኣብርሃም እቲ ፈሳስ
ኣልኣዛርውን እቲ ነዳይ፡ ኣብ ገነትካ ኣሕበርካዮም
ዳንኤል ዘርኢ ንጉስ
ኣሞጽውን ኣራይ ዳዕሮ፡ ናትካ ነብያት ገበርካዮም
ኣሮን ዘረባ ኽእለቱ
ሙሴውን ወታእ ኣፉ፡ ቃላት ስልጣን መላእካዮም
ናይታ ድኻ ክልተ ሳንቲም
ናይ ዘኬዎስ ፍርቂ ሃብቲ፡ ከም መስዋእቲ ርኤኻሎም
ንጴጥሮስ ዘይተማህረ፡
ንጳውሎስውን ስሙይ ምሁር፡ ሃዋርያነት ሰራዕካሎም
ንዳዊት እቲ ንጉስ፡
ገሓዚውን እቲ ሓሽከር፡ ምስ በደሉ ዘለፍካዮም              እግዚኣብሄር።
 
ባሕሪ ከም መንደቕ ደው ኢሉ፡
ዕጨይቲ ጥሒሉ ሓጺን ኣጽባህሊሉ፡
ዓሳ ሰብ ተፊኡ፡
ካብ ከብዱ ነብዪ ወጺኡ፡
ከውሒ ተሃሪማ ማይ ነቲዓ
ኣድጊ ተዛሪባ ንጐይታኣ ረቲዓ፡
ሓዊ ወሪዱ ንማይ ልሒሱ
ብምንፋሕ መለኸት ቀጽሪ ፈሪሱ፡
በትሪ ንባሕሪ ቐዲዳ
ባርኖስውን ንርባ ጨዲዳ፡
ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ
ረሲእ በዚ ድሒኑ፡                    እግዚኣብሄር።
ኣብ ሰማይ ብዘይካኻ ዘየልቦ
ንኣኻ ምስ ረኸብና...
ኣብ ምሕረትካ ኣጽሊልና
ኣብ ልግስኻ ተመርኲስና፡
ካብ ሪቕካ ተመቒልና
ካብ ማሕደርካ ተዓዲልና፡
ከይንሕለል ወድኻ ኣሎና
ከይንድፈር መንፈስካ ምሳና፡
ኣገልገልትኻ ደጊፎምና
መላእኽትኻ ሓልዮምና፡
ነቲ እኩይ ሰጒግካልና
ንሰይጣን ኣርሒቕካልና፡
ደቅኻ ንሕና
ንስኻ ኣቦና፡
እዚ ኹሉ ካብ ገበርካልና
ኣብ ምድሪ ንደልዮ ነይብልና፡           እግዚኣብሄር።
 
ክቡር መዝገብ
ብሉጽ ኣኽሊል፡
ዓሚቝ ጥበብ
ሰናይ ምኽሪ፡
ጽኑዕ ግምቢ
ምቹእ ከውሊ፡
ተስፋ ጻድቃን
ሓጐስ ካህናት፡
ምስጢር ህይወት
ምንጪ እምነት፡
ብኹሉ ጀማሪ
ንኹሉ ፈጻሚ፡                                   እግዚኣብሄር።     
ድምጽኻ ነኽራናት ይጨድድ
ንኣና ግን ብቐስታ ይምዕድ፡
ንስኻ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ትነብር
ንኣና ግን ኣብ ማእከልና ትሰፍር፡
ጸዳልካ ኪሩቤል የፍርሕ 
ንኣና ግን ብህድኣት ይመርሕ፡
ነእዳውካ ብበርቂ ትስውረን
ንኣና ግን ትስከመለን፡
ነኽናፍካ ብሃልሃልታ ትኸበን
ንኣና ግን ትስከመለን፡
በትርኻ ነጋንንቲ ትገርፈላ
ንኣና ግን ትጓስየላ፡
ነድርኻ ንሰይጣን ተህድመሉ
ንኣና ግን ተለብመሉ፡
      ስምካ ንመልእኽቲ ረዓዶም እዩ
      ንኣና ግን መጸውዒና}ዩ   
ወድኻ ንፍጥረታት ፈራዲኦም እዩ
ንኣና ግን ጠበቓና}ዩ፡
መንፈስካ ኣብ ኣርያም ፍሩህ}ዩ
ንኣና ግን መጸናንዒና}ዩ፡              እግዚኣብሄር።
ኣብ ግዝኣትካ ራዕድን ሓጐስን ኣሎ፡
ኣብ ፍርድኻ ምሕረትን ግርፈትን ኣሎ፡
ኣብ ኣርያምካ በረድን ሓውን ኣሎ፡
ኣብ ህዝብኻ መስቀልን ኣኽሊልን ኣሎ
ኣብ ባህርይካ ለውሃትን ቅጽዓትን ይርከብ፡
ኣብ ደፍተርካ ምርን ምርቓን ይምዝገብ፡
ኣብ መኣድኻ ባርያን መስፍንን ይቕመጡ፡
ኣብ ዝኽርኻ ነዳይን ፈሳስን ይፍለጡ፡
ኣብ ወድኻ ጥበብን ግርህናን ረኺብና
ኣብ ነብያትካ መግናሕትን ተስፋን ኣሎና እግዚኣብሄር።
_