19
Fri, Apr
0 New Articles

እቲ ሰራቒ ኣብቲ ሓደ መስቀል

Literature
Typography

ኣነ ኣብዚ ቦታ እዚ ክኸውን ፈጺሙ እዩ ዘይግብኣኒ፣ እዚ ኹሉ ኣጸያፊ ስራሕ ሰሪሔ። መወዳእታይ ኣብ መንግስተ ሰማይ ክኸውን እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፣ ግና ከመይ ጌረ ኣብዚ ቦታ ከም ዝመጻኹ ክነግረኩም እየ፣ እቲ ሰራቒ ኣብቲ ሓደ መስቀል ኣነ ኣብዚ ቦታ እዚ ክኸውን ፈጺሙ እዩ ዘይግብኣኒ፣ እዚ ኹሉ ኣጸያፊ ስራሕ ሰሪሔ። መወዳእታይ ኣብ መንግስተ ሰማይ ክኸውን እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፣ ግና ከመይ ጌረ ኣብዚ ቦታ ከም ዝመጻኹ ክነግረኩም እየ፣ ኣነ ኣጽዋር ዝተዓጠቕኩ ሽፍታ እየ ኔረ፣ ኣነን እቶም ከማይ ዝበሉ ብጾተይን ኣብ ብዓትታት ይሁዳ ኣብ ጥቓ መንገዲ ዮርሳሌምን ያሪኮን ኢና እንነብር፣ 

 ናብራና ኹሉ ንሰባት ምዝራፍን ምቕታልን እዩ ዝነበረ፣ ሰባት ሓቢሮም ክጓዓዙ ከለዉ ኣይንዝምቶምን ኢና፣ ግና ቁሩብ ኮይኖም በቲ መንገዲ ክሓልፉ ኸለዉ ሽዑ ኢና መፈንጥራና እነጻውደሎም፣ መቸም ዓሻ እንተ ዘይኰይኑ በቲ ንሕና እንቕመጦ ስፍራ ደፊሩ በይኑ ዝጓዓዝ የልቦን፣ ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ወተሃደር ዝሰረቕክዋ ካራ ነበረትኒ እሞ። በዛ ኻራ እዚ ጌር እየ ነቶም ክንሰርቆም እንደሊ ሰባት ነፈራረሖም ዝነበርና፣ ከምዚ ክንገብር ከሎና ኸኣ እቶም ሰባት ኣዚዮም ስለ ዝፈርሑ ዝበልናዮም ክገብሩ እንተ ዘይኰይኑ ምንም ናይ ባእሲ ምልክት ከይረኣዩ እዮም ንብረቶም ኣራጊፎም ዝኸዱ፣ ሰባት እንተ ደኣ ኣጸቢቖም ኣደንጊጾምኒ ቡዙሕ ኣይጎድኦምን እየ፣ ብፍላይ ንቖልዕቱን ንኣንስትን ይድንግጸሎም እየ፣ ምህራም እንተ ዘይኰይኑ ሰባት ቀቲለ ኣይፈልጥን እየ፣ ነቶም ሰባት ምስ ሃረምናዮምን ምስ ዘረፍናዮምን ኣነ ብጾተይን ከይንርከብ ኣብቲ ኸባቢ ነዊሒ ኣይንጸንሕን ኢና፣ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ሰባት ከኣ ንፈልጦ የብልናን ስለዚ ሃሪመዮም ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፣ ንሕና ኣብቲ ጎቦታት ጥቓቶም ቐናኣት ኣይሁድ ዝበሃሉ ንመንግስቲ ሮማ ኸኣ ከዓልዉ ዝጋደሉ ዝነበሩ ሰባት ኢና ንነብር ዝንበረና፣ ሓቂ ንምዝራብ እውን ንገለ ስርሒት ምስኦም ቁሩብ መዓልታት ተዋሲእና ኢና፣ 
 
ንፈላማ ግዜ እየ ካብ ሓደ ዓርከይ ብዛዕባ የሱሱ ዝበሃል ከም ዘሎ ዝሰማዕኩ፣ ሓደ ካብቶም ምስቶም ቐናእት ኣይሁድ ዝቃለስ ቤን ራባህ ዝበሃል ንሓደ ስምኦን ውአዲ መዝሙር የሱስ  ማለት እቲ ጴጥሮስ ዘይኮነ ስምኦን ይፈልጦ ነበረ፣ እዚ ስምኦን ዝበሃል ወዲ መዝሙር የሱሱ ሓደ ካብቶም ቀናእት ኣይሁድ እዩ ዝነበረ፣ የሱስ ናብ ያሪኮ መጺኡ ኣሎ ምስ ሰማዕና ኸኣ። ኣነን ንሱን ተተሓሒዝና  ኸድና፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ቡዙሕ ሰብ ስለ ዝነበረ ኸኣ። ነዚ ዕድል እዚ ከምልጠኒ ኣይደለኹን፣ ሰባት ኩላቶም ተመሲጦም ይሰምዑ  ስለ ዝነበሩ ንዓይ ጹቡቕ ኣጋጣሚ ነበረ፣ ጁባ ቡዙሓት ከኣ ክፍትሽ ጀመርኩ፣ ኣብ ዓቢ ምምሳጥ ስለ ዝነበሩ ኸኣ ምንም እኳ እይተፈለጦምን፣ የሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ምስ ወደኣ ኸኣ ቤን ራሃብ ዓርከይ ንዓርኩ ስምኦን ቀናእ ክረኽቦ ምስኡ ወሰደኒ፣ ስምኦን ቀናእ ብዓዱ ኸኣ ምስቲ መምህር ኣፋለጠና፣ ሰላም ተበሃሃልና፣ የሱሱ ንነዊሒ እዋን ኣተኪሩ ጠመተኒ፣  ኣጠማምትኡ ኸኣ እቲ ዝገበርክዎ ኩሉ ዘፍለጠኒ መሰለኒ፣ “ትፈልጥ ዶ” በለኒ ” ኣብ መንግስተይ ንዓኻ ዝኸውን ምሕረት ኣሎ ኣንታይ ይመስለካ?”  ምንም ርእይቶ ከይሃብኩ ኣዒንተይ ካብኡ መለስኩ፣  ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ ተጸንበርኩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግና ኣብ ናይ ስርቂ ስራሕ ኣይተዋፈርኩን፣ የስሱ ከኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ፍረ ኣድሪ እናወዳደረ ይዛረብ ነበረ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ናብኡ ከይደ ምሕረቱ ክቕበል ደለኹ ግና ከምኡ ክገብር ከኣ ፍቓደኛ ኣይነበርኩን፣ ነዊሕ ከይጸናሕና ኣነን እቲ ምሳይ ኣብ መስቀል ዝተሰቐለ ጃከ ዝበሃል ዓርከይ ብወተሃደራት ሮማውያን ብምሸት ተታሓዝና፣ እቶም ካልኦት ክህድሙ ከለዉ ኣነ ዓርከይን ጥራይ ተታሓዝና፣ ናብ የርሳሌም ከኣ ወሰዱና ኣብ ሓደ ኣዚዩ ሕማቕ ቤት ማሕቡስ ከኣ ኣእተውና፣ ደጊም መወዳእታና ኣኺሉ፣ ንጽባሒቱ የሱስ ክስቀል ተፈርደ፣ ንዓይን ንያእቆብ ዓርከይን ከኣ ምስኡ ክንስቀል ተፈረድና፣ ብየማንን ጸጋምን ከኣ ተሰቐልና፣ እዚ መዓልቲ እዚ ብሰንኪ ስቕለት የሱሱ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ እዩ ነቲ ፍጻሜ ክዕዘቦ መጺዩ፣ ተራ መዓልቲ ኣይነበረን፣ እቶም ኣብ ጽድቂ ገዛእ ርእሶም ዝውከሉ ዝነበሩ ጨካናት ፈርሳውያን ኣብቲ ቦታ መጽዮም ንየሱሱ የባጭውሉን የሽካዕልልሉን ነበሩ፣ “እንተ ደኣ መሲሒ ኰይንካ እስከ ሕጂ ውረድ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን እንበሉ ዘረበኦም ቀጸሉ፣
 
እቲ ምሳይ ተሰቒሉ ዘሎ ያእቆብ እውን ናታቶም ቃላት ክደግሞ ጀመረ፣  “ኣንታ ሩኹስ ንኣምላኽ ኣይትፈርሕን ዲኻ? ንሕና እውን እኰ ሕጂ ምስኡ ክንመዉት ኢና? ቁርብ ዒብ ኣይትገብርን? ንሕና እቲ ዝግብኣና መቕጻዕቲ ኢና ረኺብና ንሱ ግና ምንም ኣይበደለን፣  ድሕሪ እዚ እቲ ምሳይ ተሰቂሉ ዘሎ ያእቆብ ስቕ በለ፣ እቶም ፈሳውያን ከኣ ዝነበሮም ተጋዳስነት ኩሉ ኣጥፍኡ.፣ ኣነ ግና ኣእምሮይ ካብ ያሪኮ ክወጽእ ኣይከኣለን፣ ንየዒንቲ የሱስ ክርስዐን ኣይከኣልኩን፣ እቲ ዝገበረለይ ናይ ምሕረት ጻዊዒት ክመላለሰኒ ጀመረ፣ ምንም እኳ ምስቲ ዝነበረኒ ቃንዛ ክጽውዖን ክዛረቦን ዓቕሚ እንተ ዘይሃለወኒ ብሓይሊ ግና  የሱስ! ርእሱ ናባይ ገጹ ኣቕነዐ፣ “የሱስ ትዝክረኒ ዶ ስምኦን ቀናእ ብሃገሩ ኣብ ያሪኮ ኣፋሊጥና ኔሩ” ንቑሩብ ሰከንድታት ኣተኪሩ ጠመተኒ ከም ዝፈልጠኒ ኸኣ ርእሱ ነቓነቐለይ፣ “እቲ ሹዑ ዝተዛረብካኒ ፈጺመ ኣይርስዕን እየ ሓራይ እውን ክብለካ ደሊየ ኔረ ግና ኣይከኣልኩን ሕጂ ግና ረኣየኒ ንኹላትና ረኣየና!” ትርኢቱ ኹሉ ተደዊኑ እዩ፣ ብድኻም ተዘሪሩ እቲ ዝነበሮ ብዝሒ ቃንዛ ኸኣ ዓቢ ምንባሩ ግሁድ እዩ ዝነበረ፣ ኣካላቱ ኩሉ ተበሳሲዑ እዩ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ከም ዝመዉት ፉሉጥ ነበረ፣ ኣነ ግና ክንዮ እዚ እየ ዝርኢ ዝነበረኩ፣ ብዘየገድስ ካህናትን ፈርሳውያንን  ሮማውያንን ይቕተልዎን ይስቀልዎን የሱስ ግና መሲሕ እዩ፣ ዋላ ይሙት እኳ ምስ ኣብኡ ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ከም ዝኸውን ኣርጊጸ ይፈልጥ እየ በልኩ፣ ደሓን ድሕሪ ኩሩብ ግዜ ከምቲ ዝበለና ኣብ ግዝኣቱን ንግስነቱን ምስ ጨበጠ ሕነ ከም ዝፈዲ ኣይጠራጠርን እየ፣ “የሱስ” ኢለ  ብትሑት ድምጺ ጸዋዕክዎ፣ ደጊሙ ሕጂ እውን ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ረኣየኒ፣ ሕጂ እውን ናይ ፍቕሪን ቅንዕናን  ቆላሕታ፣ “የሱስ” በልክዎ “ ኣብ መንግስትኻ ምስ እትመጽእ እባ በጃኻ ዘክረኒ”  ቃላቱ ብሓይሊ እዩ ዝወጽእ ዝነበረ፣ ቀስ ኢሉ እዩ ተዛሪቡኒ ኣነ ግና ብንጹር እየ ሰሚዔዮ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በለኒ፣ የዒንቱ ካባይ መለሰን ትንፋሱ ኸኣ ወጸት፣ ኣነ ግና ኣሚነዮ፣ ኣነ ናብቲ ንሱ ዝኸዱ ክኸይድ ቁሩብ ደቓይቕ ተረፋኒ፣ ሮማውያን መጽዮም ኣእጋረይ ሰበርኑ ቀተሉኒ እውን፣ ግና ነቲ መድሓኒ ኣዚየ ኣመንክዋ፣ ብድሕሪ እዚ ኸኣ ንነፍሰይ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ረኸብክዋ፣ ኣብዚ በታ እዚ ክኸውን ኣይግብኣንን እዩ ግና ኣብዚ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለኹ፣ እዚ ዝኸነ ኸኣ ናይቲ ንጉስ ምሕረት ስለ ዝተቐበለኩ ጥራይ እዩ፣