18
Thu, Apr
0 New Articles

እቲ ማዕጾ ክፈትሉ

Literature
Typography
ንሕና ኤርትራውያን ንጋሻ ዘሎና ኣኽብሮትን ኣቀባብላን ኣዚዩ ፉሉይን ባህ ዘብልን እዩ። ንኽብሪ ጋሻ እንገብሮ መስተንግዶን ምድላውን ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። ገዛና መጺኡ እውን ጸጊቡን ረውዩን ዝኸይድ ኣይመስለናን። እዚ ኣዚዩ ባህ ዘብል ባህልን ክቕጽል ዘለዎ ባህሪ ከኣ እዩ። ሎሚ ሓደ ጋሻ ሒዘልኩም መጽየ ኣለኹም ክትቅበልዎን ከተተኣናገድዎን ድልዋት ዲኹም? ተስፋ ይገብር መልስኹም ኣውንታዊ ክኸውን።


እዚ ጋሻ እዚ ዲግሪ ዘይብሉ ጉሩም መምህር። ናይ ሕክምና ወረቐት ዘይብሉ ፈዋሲ ዶክተር ገጽ ሰብ ዘየዳሉ ንኹል ዝሓቁፍ። ዓቢ ክነሱ ዘይንዕቕ። ንጉስ ክነሱ ትሑት ዝኾነ ጋሻ እዩ። እንተቐሪብካዮ ዝያዳኻ ዝቐርበካ እንተ ጸዊዕካዮ ቐልጢፉ ኣቤት ዝብለካ እንተ ለመንካዮ ብልግሲ ዝህበካ እንተበደልካዮ ዘይጸባጸበካ ዓቢ ጋሻ እኮ እዩ። ገሪሙኩም ዶ መን እዩ ዶ ትብሉ ኣለኹም? እዚ ጋሻ ኣብ ጸልማት ብርሃን ኣብ ተስፋ ዝተቐብጽ ተስፋ ኣብ ሓዘን ምጽንናዕ ዝኸውን እዩ።

እዚ ሕጂ ከፋልጠኩም ደልየ ዘለኹ ጋሻ መርሖ ሞትን ሲኦልን ህይወትን መንግስተሰማይን ዝሓዘ የሱሱ ክርስቶስ ይብሃል። እዚ ጋሻ እዚ እዩ ሎሚ ኣብቲ ሃገርገር ዝብል ወይ ከኣ ጸቢብ ቤትኩም ዘይኮነ ክኣቱ ደልዩ ዘሎ ዘይኮነስ ደገ ልብኹም ክትከፍትሉ ክትዕድምዎ ጽብቕ ጌርኩም ከተስተናገድዎ ይደሊ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል "ኣነ ኣብ ኣፍደገ ኾይነ ኳሕካሕ የብል ኣለኹ ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ እንተ ኸፈተለይ ምስኡ ክኣቱ እየ እሱውን ምሳይ ድራር ክበልዕ እዩ" እዩ ዝበል። ሎሚ ንሱ ናባኻሙ ክመጽእ ደልዩ ኣለ እሞ ሃየ ደኣ ድሕር ሕር እይትበሉ ከመይሲ ንሱ ህይወት ምስ ትረፉ ክህበኩም ድልዊ ስለ ዝኾነ። እስከ ናብ ሓደ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኩቡር ጋሻ ኣብ ልቡ ንዝዓደሞ ሰብ ክወስደኩም ሓቢርና ኸኣ ታሪኹ ንከታተል።

ሓደ ምሸት ይብል እቲ ሰብ ንየሱስ ኣብ ልበይ ክኣቱ ዓደምክዎ ንሱ እውን ዕድመይ ከይነዓቐ ኣብ ልበይ ኣተወ። ኣብ ልበይ ምስ ኣተወኸኣ መሰረተይ ንኹሉ ኣነቓነቖ ኩለመናይ ኣናወጾ ንኣንነተይ እውን ኣነቓነቖ። ኣብ ውሽጠይ ከኣ ሓደ ደስ ዘብል ኩነት ተሰማዓኒ። መስርዕ ህይወተይ ከኣ ተስተኻኸለ። ትርጉም ህይወተይ ኩሉ ተለዊጡ። እዚ ለውጢ እዚ ብደገ ጥራይ ዝረኣ ደጋዊ ወይ ስሚዒታዊ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓቂ ዝጭበጥን ርግጽነት ዝመልኦ ለውጢ እዩ ዝነበረ።

ነቲ በቲ ጎደና ጸልማት ዝመላለስ ዝነበረ ህይወተይ ብርሃን ኣብርሃሉ። እቲ ብናይ  ብውሽጣዊ ቁሪ በይንነት ዝሳቐ ንዝነበረ ውሽጠይ ሓዊ ወልዓሉ። ነቲ ብምጉርምራውን ምረትን ተዓጽዩ ዝነበረ ኣፈይ ብመዝሙር መልኦ። እቲ ብባዶነት ዘስቆርቁር ዝነበረ ልበይ ብፍቕሩ መልኦ። ደስ ኢሉኒ ተሓጊሰ። ምስኡ ኸኣ ሓደ ጉሩርም ዝኾነ ሕብረት ጀመርና። ደገ ልበይ ንክርስቶስ ስለ ዝኸፈትክሉ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ተጣዒሰ ኣይፈልጥን።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩቱር ሓጎስ ከለኹ ሓንቲ መዓልቲ ንጎይታ የሱስ "ጎይታይ እዚ ኣካላተይ ናትካ መንበሪ ክኸውን እደሊ እየ ከምድላይካ ኮንካ ክትነብረሉ ፈቒደልካ ኣለኹ። ዘሎኒ ኹሉ ንዓኻ እዩ እሞ እስከ ናብ ክፍሊ ልበይ ኩሉ ክወስደካን ከርእየካን" በልክዎ' እሱ ኸኣ ሓራይ ኢሉ ደደሕረይ ሰዓበ።

ናይ መንበቢ ክፍለይ

እቲ መጀመርያ ዘርኣኻዎ ናይ ቤት ንባበይ ክፍሊ እዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተይ እዛ ኽፍሊ ኣእምሮ ትብሃል። ብጣዕሚ ንእሽቶይ ትኹን እምበር ግና ኣዚያ ኣዳላይት ክፍሊ እያ ዝነበረት። ንበዘሎ ገዛይ በዛ ገዛይ እያ ዝቆጻጸራ ዝነበርኩ። ምሳይ ናብቲ ክፍሊ ኣተወ እሞ ኣብቲ ጣውላ ዝተደርደሩ ማእለያ ዘይብሎም መጽሓፍትን መጺሄታትን ተደርዲሮም ረኣየ ኣዒንቱ ኣተኪረ ተራኣኹዎን ግና ኣብ ውሽጠይ ደስ ዝብል ስሚዒት ኣይተሰማዓንን። እቲ ዘገርም ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዝዓይነቱ ወቐሳ ኣብ ውሽጠይ ተሰሚዒኒ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣብታ መዓልቲ ግና ኣድልይቲ ዘይኮኑ መጽሓፍትን መጺሄታትን ኣብታ ኽፍለይ ምርኣዩ ኣዚዩ ኣሕፈረኒ። ኣብታ ኽፍሊ ንዝነበሩ ጹሑፋት ኩሎም ንምርኣይ ኣዒንቱ ክፍታትን ቁዱሳትን ነበራ። ኣብቲ ጣውላ ናቱ ዓሪኪ ዝኾነ ሰብ ከንብቦም ዘይግባእ መጽሓፍቲ ነበሩ። ብፍላይ ኣብቲ መንደቕ ተሰቒሎም ዝነበሩ ስእልታት ተጸጊዑ ምስ ረኣዮም ኣዚዮም ዘሕፍሩ ነበሩ።

ብሕፍረት ገጹ እናረኣኹ ናብኡ ቐሪበ "ጎይታይ ኣብዚ ኽፍሊ ክጸርዩን ክርሕቑን ዝግብኦም ነገራት ከም ዘለዎ ፈሊተ ኣለኹ ከመይ ከምዝገብር ዶ ምሓገዝካኒ" ኢለ ሓተትክዎ። "ደስ ይብለኒ" ኢሉ ብፍሽኽታ መለሰለይ "መጀመርያ ነቶም ሓቅን ንጽህናን ዘይብሎም ነገራት ኩሎም ኣውጺኻ ደርብዮም እዚ ምስ ግበርካ ከብሕካ ብቑዱሳት መጽሓፍቲ ምልኣዮም። ነዞም መጽሓፍቲ ለይትን መዓልትን እናንበብካ ኸኣ ኣስተንትን።

ኣብ ኣእምሮኻ ክሰኣሉ ዘለዎም ስእልታት ባዕለይ ክህበካ እየ" እሉ ሙሉኡ ዝኾነ ናቱ ምስሊ ሃበኒ "እዚ ናተይ ምስሊ እዚ ኣብቲ ማእከላይ መንደቕ ናይ ኣእምሮኻ ስቐሎ" በለኒ ኣበ ኸኣ ከምዝበለኒ ገበርኩ። ብርግጽ ሓሳበይ ኩሉ በቲ ናቱ ምስሊ መሊኤ ኣብኡ ከተኩር ምስ ጀመርኩ ርኹሳት ሓሳባት ናብ ኣእምሮይ ምምጻኣ ኣቃረጹ። በዚ መንገዲ ኣተሓሳስባይ ኩሉ ንሱ ተቖጻጸሮ።

ሎሚ ኸ ንኣእምሮኹም እንታይ ኮን ተቖጻጺርዎ ይኸውን? ኣምላኽ ኣእምሮኹም እንተዝፍትሾ እንታይ ዓይነት መጽሓፍቲ ኾነ መንበበ? ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእምሮኹም ኮይኑ ዘጨንቐኩም ዘሎ ሩኹስን ኣምላኻዊ ዘይኮነ ሓሳብት ኣምላኽ ክገዝኦ ደገ ኣእምሮኹም ንየሱስ ክፈትሉ።

ሎሚ እቲ ንኣእምሮኹም ገዚኡ ዘሎ ዓለማዊን ሩኹስን ሓሳባት ሓደ ግዜ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ጸብጻብ ክትህብሉ ኢኹም። መደምደምታ እዚ ኸኣ ጥፍኣት እዩ ስለዚ ሎሚ ነቲ ኣእምሮኹም ሒዙ ዘሎ ሩኹስ ነገራትን ሃቐናታትን ካብኻም ክእለ ነቲ ጎይታ ኽብሪ ንኣእምሮኹም ኩሉ ክገዝኦ ፍቓደኛ ኹኑ' ዎ ኣምላኽ ንኣእምሮይ ግዝኣዮ በልዎ።

ካልእ ኸኣ እቲ ኣብ ኣእምሮኹም መኢእኩምዎ ዘለኹም ፍልጠት ኩሉ ብዘይ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እኹል ከም ዘይኮነ ፍለጡ። ፍልጠት ይነፍሕ እዩ ፍቕሪ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ሃቁን ጥራይ እዩ ሓርነትን ህየወትን ዝህብ እሞ ንመድሓኒና ደጊምኩም ናብ ኣእምሮ ክፍሊ ገዛኹም ምርሕዎ። እስከ ናብቲ ተራኺ ንመለስ

ናብ መመገቢ ክፍሊ

ካብ ናይ ንባብ ክፍሊ ተተሓሒዝና ናብ ዝምገበሉ ክፍሊ ኢና ኣምሪሕና። ነዚ ኽፍሊ ናይ ጽጋብን ዕጋበትን ክፍለይ ኢለ እየ ዝንየተሉ። ድሌትይ ኩሉ ባህገይ ብምልኡ ከርዊ ክሳብ ዝደክም ብዘሎ ጊዜይ ኣብዚ ክፍሊ ኣየ ዘጥፍኦ። ናብኡ እናጠመትኩ ኸኣ ጎይታይ "እዚ ኽፍሊ እዚ ካብ ማንም ክፍሊ ንላዕሊ እየ ዝፈትዎ በልክዎ" "እሞ ናይ ሎሚ ምግብና እንታይ እዩ" ኢሉ ተመሊሱ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ እቶም ዝፈትዎም ናይ ምግቢ ዓይነታት ዘርዘርኩሉ። እቲ ቐንዲ ምግበይ ገንዘብ ክኸውን ከሎ ቀጺሉ ክቐርበለይ ዝደሊ ኸኣ ዝናን ተፈላጥነትን እዩ በልክዎ።

እዞም ዓይነታት ምግቢ ንዓይ ዝሰማምዑኒ ስለ ዝኾነ ኣዚየ እየ ዝፈትዎም። እቲ መኣዲ ምግቢ ምስ ተቐረበልና ኸኣ ኣነ ክብልዕ ጀመርኩ ናብኡ ገጸይ እንተጠመትኩ ግና ንሱ ብፉጹም ነቲ ምግቢ ከምዘይቀረቦ ኣስተውዓልኩ። "ጎይታይ ነዚ ዓይነት ምግቢ ኣይትፈትዎን ዲኻ? ወይ ኣይጠመኻን ዲኻ ስለምንታይ ኢኻ ዘይትበልዕ" ኢለ ሓተትክዎ። እሱ ክምልሰለይ ከሎ ኸኣ "ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓይነት ምግቢ ኣሎኒ ዘዕግበካ ምግቢ ክትበልዕ እንተ ደሊኻ ፍቓድ ኣቦይ ግበር" በለኒ "ገዛእ ርእስኻ ካብ ምሑጋስን ንርእስኻ ካብ ምንባርን ንላዕሊ ንኣምላኽ ኣቦ ከተሕጉሶ ተጋደል እዚ ምግቢ እዚ ብርግጽ ከዕግበካ እዩ" በለኒ። ኣብኡ ኮፍ ምስ በልና ኸኣ ንእሽቶይ ካብቲ ናቱ ምግቢ ኣጥዓመኒ። ኣቤት ማእዝኡ ክጥዕም ኢድካ እዩ ዘቖርጥም። ከምዚ ዓይነት ምግቢ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘርካ ከምዘይርከብ ርግጸኛ እየ። ጣዕሙ ጥራይ ዘይኮነ ኣዚዩ እዩ ዘዕግበካ።

እዚ ስእላዊ ኣገላልጻ ናይዚ ተራኺ ኣቕሊብክምሉ ዶ? ቃል ኣምላኽ ክዛረብ እንከሎ ዓለምን ክብራን ከምዝሓልፍ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘልኣለም ከምዝነብር እዩ ዝምህረና ዘሎ። ሎሚ በዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓላፊ ዓለም ክትጸግቡን ክትዓግቡን ምግዳልኩም እቲ መወዳእቱኡ ጥፍኣት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣምላኽ ንሰብ ኣብዛ ምድሪ ክገብሮ ኸሎ ፍቓዱን ሓሳቡን ክገብርን እዩ ፈጢርዎ። ሎሚ እውን ንሕና ፍቓድ ኣምላኽ ሓለፋ ኹሉ ነገር ኣብ ህይወትና ክንሰርዕ ይግብኣና።

እዚ ሎሚ ሒዝናዮ ዘሎና ክብሪ ገንዘብ ዝና ተፈላጥነትን ካልእ ዓለማዊ ነገርን ሓደ መዓልቲ ከምዘይነበረ ኾይኑ ሓዲግና ክኸይድ እዩ። ንሕና ኸኣ ምስኡ ተለኺምና ሰፈርና ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ከይከውን ክብርናን ዝናና ሓዲግና ናብቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምጻእ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ማለት ከኣ ዘለካ ኹሉ ንኣምላኽ ምሃብ ማለት እዩ። እቲ ሎሚ ከዕግበንን ዕረፍቲ እውን ክህበኒ እዩ ኢልኩም ሒዝክምዎ ዘለኹም ዘልኣለማውነት የብሉን ሎሚ ንየሱሱ ናብቲ ቐንዲ መመገቢ ክፍልኹም ማለት ናብ ክብርኹምን ድሌትኩምን ክትመርሕዎ ፍቓደኛታት ዲኹም? በሉ ንቐጽል ሕጂ እውን እቲ ሰብ ንየሱስ ሕጂ እውን ናበይ ከም ዝመርሖ።

ሳሎን

ካብ መመገቢ ክፍሊ ወጺና ናብ ሳሎን ኢና ኣመሪሕና። እዚ ኽፍሊ እዚ ነቲ ገዛ ገዛ ዘምስሎ ዕብይ ኢሉ ምቾት ዝመልኦ ቤት እዩ። ኣብዚ እናመጻኹ ግዜ ምሕላፍ ኣዚየ እየ ዝፈቱ። መሞቒ ሓዊ ኣለዎ። ልስሉሳት ወናብርን ሶፋን ኣብዙርያ እቲ ቤት ከቢቦም ኣለዉ። ካብ ካልኦይ ክፍሊ ንላዕሊ ጸጥታ ዝሰፈኖ እዩ። ጎይታ ደማ ነቲ ክፍሊ ረኣዮ እሞ "እዚ ኣዚዩ ደስ ዘብል ቦታ እዩ። እስከ ኣብዚ ቦታ ቡዙሕ ጊዜ ንራኸብ። ካብ ካልኦት ክፍሊ ፍልይ ዝበለ ጸጥታ ስለ ዘለዎ ሓቢርና ጊዜ ንሕልፍ ኣብዚ ሓቢርና ክነብር ዝጥዕም እዩ" በለኒ። ኣነ ኸኣ ደስ ኢሉኒ ብሓሳቡ ተሰማማዕኩ። ምስኡ ካብ ምኻን ንላዕሊ ዝምቀን ዝጥዕምን እንታይ ኣሎ ድዩ? እሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ሃረርታ ርእዩ "ኩሉ ጊዜ ንግሆ ንግሆፕ ወጋሕታ ክመጽእ እየ ንስኻ ንግሆ ወጋሕታ ተጸበየኒ ኣብዚ ተራኺብና ነቲ መዓልቲ ብሓባር ክንጅምሮ ኢና" ኢሉ ቓል ኣተወለይ።

ካብታ መዓልቲ ጀሚረ ንግሆ ንግሆ ናብታ ሳሎን ክመጽእ ጀመርኩ። እሱ ኸኣ ከም ቃሉ ኩሉ ጊዜ ኣቐዲሙ ኣብኡ ይጸንሓኒ ካብ ቁድሳት ጹሑፋት ከኣ ሓቢርና ነንብብ ብድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ጉርም ዝኾነ ናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ስራሕ ብግልጺ የርኣየኒ። ንዓይ ዘለዎ ፍቕርን ዕሙቀት ጸጉኡን ክነግረኒ ኸሎ ልበይ ሓጎስ ይመልእ እሞ ኣፈይ ኩሉ መዝሙርን ምስጋና ይመልእ። ኣብቲ ሳሎን ኣዚዩ ጉሩምን ደስ ዘብልን ሕብረት እዩ ኔሩና። ግና ቀስ ብቐስ ስራሕ እንዳበዛሓኒ ሓላፍነት እውን እናኸበደኒ ምስ ከድ ነቲ ግዜ ከሕጽሮ ጀመርኩ። ሓደ ሓደ ግዜ እውን ክትረፍ ጀመርኩ። ሃንደበት ሓደ ጉዳይ ይመጸኒ እሞ ምስ ጎይታ ዝነበረኒ ሕብረት ከየኽብር ይዓግተኒ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኩነት ኣዚዩ ተደጋገመ።

ሓደ መዓልቲ ትዝ ይብለኒ። ንግሆ ካብ ዓራተይ ተሲኢ ናብ ደገ ክወጽእ ክብል ቁሊሕ ተበልኩ ጎይታ የሱስ በይኑ ኣብቲ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ረኣኽዎ። ብድሕሪ እዚ ንገዛእ ርእሰይ ብምዕዛብ "እሱ ኩቡር ጋሻይ እዩ ናብ ገዛይ ዝጸዋዕክዎ ባዕለይ እየ ዓርከይ ክኸውን ጻዊዒተይ ተቐቢሉ ኣትዩ። ሕጂ ግና ኣነ ሸለል እብሎ ኣለኹ" ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ወቐስኩ።

ካብ ዝነበረኒ ታህዋኽ ህድእ ኢለ ናብቲ ክፍሊ ሳሎን ኣተኹ። ካብ ሕፍረት ዝተላዕለ መሬት መሬት እንዳረኣኹ "ጎይታየ ምሕረት ግበረለይ ንምኻኑ ሰሙን ምሉኡ ብዘይምቁራጽ ክትመጽእ ቀኒኻ?" እለ ሓተትክዎ "እወ" ወደይ "ንግሆ ንግሆ ክመጸካ እየ ኢለ ቃል ኣትየካ ኣይነበርኩን ድየ? ኣነ እኰ ቃለይ ኣይዓጽፍን እየ። እንደገና ኸኣ ብጣዕሚ እኰ እየ ዝፈትወካ። ንስኻ ዓርከይ ክትከውን ዝኸፈልክዎ ዋጋ እኮ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ምስኻ ንዘሎኒ ሕብረት እኮ ዓቢ ቦታ እየ ዝህቦ። ስለዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዝህልወና ሕብረት ንዓኻ ኢላካ እኮ ክትሕልዎ እንተዘይከኣልካ ንዓይ ክትብል ሓልዎ በጃኻ" ኢሉ ብፍቕሪ ተማሕጸነኒ። ጎይታ ምሳይ ክኸውን ዘለዎ ድሌት ምፍላጠይ ኣነ ኸኣ ምስኡ ክኸውን ምድላዩ ምርድኣይ ንግሆ ንግሆ ብዘይምቁራጽ ከምዝጽበየኒ ምፍላጠይ ኣብ ህይወተይ ዘይጠፍእ ምልክት ሓደገለይ። ስለዚ ኸኣ ምስኡ ሕብረት ክህልወኒ ክናፍቕ ጀመርኩ።

ኣምላኽ ምስኡ ክንከውንን ግዜ ከነሕልፍን እዩ ዝደልየና። ክንደይ ግዜ ኢና ኾን ዋኒን ገዛእ ርእስና ዓጢጥና ጉዳይና ኸኣ ዓዚዝና ካብ ግዜና ንኣምላኽ ዝነፈግናዮ። ንሱ ወትሩ ምስኡ ክንከውን እዩ ዝደልየና። ሕብርትና ምስኡ ከመይ ኣሎ ንፈትሾ እስከ። ኣምላኽ ድምጽና ክሰምዕ ይደሊ ሕቶና ክንገሮ ይብህግ ድሌትና ክነግሮ ኸ ይጽበ። ንሱ ሓንሳብ ምስ ቀረበካ ኣይርሕቐካን እዩ። እተን ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ወትሩ ምስ ተዘርገሓ እየን። ሎሚ ልብና ብኻልእ ስለ ዝተተሕዘን ዝኸበደን ንኣምላኽ ዘሎና ግዜ ኣዝዩ ዉሑድ እዩ። መድሓኒና የሱስ ግና ምሳና ናይ ጹመና ግዜ ይደሊ እዩ። ሎሚ ንኣምላኽ ዝኸውን ግዜ እንተ ዘይብልና ንሱ እውን ዳሕራይ ዘመን ምስ ተወደኣ ንዓና ዝኸውን ግዜ የብሉን እሞ እንሆ ሕጂ ዕድል ተዋሂብና ኸሎ ምስኡ ግዜ ነሕልፍ። በሉ ናብቲ ተራኻይ ንኺድ ሕጂ ኸ ናበይ ኮን ይመርሖ ይኸውን?

ናብ ዝሰርሓሉ ኽፍለይ

ቡዙሕ ከይጸናሕና ኸኣ ሓደ ሕቶ ክሓተኒ ጀመረ "ብእዳውካ ገለ ገለ ነገር እትሰርሓሉ ክፍሊ ኣለካ ዶ?' በለኒ። ምስቲ ጋራጅ ሓቢሩ ዝተሰርሕ ብኢደይ ዝሰርሓሉ ክፍሊ ኣሎኒ በልክዎ። ንስራሕ ዘገልግል ጣውላን ገለ ገለ ንስራሕ ዘድልዩ ኣቑሑት እውን ኣለዉዎ። ብዙሕ ግና ተጠቂመሎም ኣይፈልጥን እየ። ሓደ ሓደ ጊዜ ስራሕ ዘይብለይ ክኸን ከለኹ ኣብኡ ኣትየ ገለ አለ ይፍትን እየ። ዝጠቅም ነገር ግና ሰሪሄ ኣይፈልጥን እየ። ኣነ እናዳ መራሕክዎ እሱ እንዳ ተኸተለኒ ናብቲ ጋራጅ ገጽና ኣመራሕና። ዝሰራሕክዎ ጣውላ ረኣየ እሞ "ኣብዚ ብዙሕ ስራሕ ክስራሓሉ ዝኽእል ስፍራ እዩ ንምኻኑ ኣብዚ ኽፍሊ ኮይና ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝጠቅም እንታይ ሰሪሕካ? ኢሉ ሓተተኒ ክሰርሖም ዝጀመርኩ ግና ኸኣ ኣብ መንጎ ዘቋረጽክዎም ስርሓት ተዓዘበ እሞ "ኣብ ህይወትካ ንኻልኦት ሰባት ተርእዮም ስርሓት ከምዚኣቶም ጥራይ ድዮም" ኢሉ ሓተተኒ።

ኣነ ኸኣ ድፍር ኢለ "ጎይታይ እዚ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ስራሕ ምዃኑ ይፈልጥ እየ' ካብዚ ዝበለጸን ዝዓበየን ስራሕ ክሰርሕ ይደሊ እየ ነገር ግን ዓቕሚ ፍልጠት ጥበብ ግዜ የብለይን" ኢለ ብግልጺ ነገርክዎ።

"ብርግጽ ካብዚ ንላዕሊ ክትሰርሕ ትደሊ ኢኻ?" ኢሉ ኣጥቢቑ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ እወ ኢለ ብምሉኡ ልበይ መለስክሉ። እሱ ኸኣ "በል ኣእዳውካ ሃበኒ እሞ ኣነ ክሕዞም ብድሕሪኡ ንስኻ ተዛነ መንፈሰይ ኣብ ውሽጥካ ክሰርሕ ፍቐደሉ እወ እፈልጥ እየ ብዙሕ ጥበብ የብልካን ነገራት ዘይሳኹዑልካ ነገራት ዝደናገርኹ ምኻኖም ይፈልጥ ጹቡቕ ጌረ እፈልጥ እየ። መንፈሰይ ግና ኣብ ልብኻን ኣእዳውካን ክኸውን እንተፈቒድካሉ ኣብ ውሽጥካ ክሰርሕ እዩ። ኢሉ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ ንብዘሎ ኢደይ ሕዙ ወሓጦ። እንዳተዘናኹ ከኣ ኣእዳወይ ኩሉ ክጥቀመሉ ብዝፈቐድኩሉ መጠን ዝስርሖ ስራሕ ኩሉ እንዳበለጸን እናደወቀበን ክኸይድ ጅመረ።

እዚ ስእላዊ መግለጽ እዩ። ሎሚ ኣብ ህይወትኩም ዘይተስተኻከለ ነገር እንታይ ኣሎ? ወይ ገለ ሰናይ ነገር ጀሚርኩም ኣፍጻመ ከይበጽሕ ዝተኾልፈኩም ከ እንታይ ኣሎ? ኣብ መንግዲ ጉዕዘኹም ምስላጥን ምቕንዕን ዝኣበየኩም ከ ኣሎ ዶ? ሎሚ ትሕዝቶ ኣእዳውኩም በረኸት ስእኑ ዘሎ ኸ? መፍቲሒ እዚ ኹሉ ሓደ እዩ ንሱ ኸኣ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ መንገድኻ ክሉ ንዕኡ ኣማዕቁቡ ሹዑ ክሰልጠካ እዩ ዝብል እቲ ህያው ቃል ኣምላኽ። ሎሚ ሓለፋ ጥበብካ ጥበብ ኣምላኽ ይበልጽ ሓለፋ ሓይልኻ ሓይሊ ኣምላኽ ይዓቢ ስለዚ ኣብኡ ተወከል ንሱ ነገርካ ከስልጠልካ እዩ።

ዕዮ ኣእዳውካ ዘስልጥ ነገርካ ዘቕንዕ ኣምላኽ እዩ እሞ ሎሚ ኩልንትናኻ ንኣምላኽ ወፍዮ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻ ክሰርሕ ኣፍቅደሉ ጽምኣትካ ኩሉ ንዑኡ ይኹን ኣእዳውካ ናብኡ ዘርግሕ ሽዑ በረኸት ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ክተማመድ ኢኻ። በሉ ናብቲ ዛንታ ንቕጽል።

ናብ መዘናግዕ ክፍሊ

ንጸወታን ሰሓቕን ወረን ንእከበላ ሓንቲ ናይ መዘናጊዒ ክፍሊ ነበረትኒ። ብዛዕባ እዛ ኽፍሊ እዚኣ እንተ ዘይሓተኒ ሰናይ ኔሩ ከኣ በልኩ ብልበይ። ናተይ ናይ በይነይ ዝኾኑ ኣዕሩኽ ነበሩኒ ገለ ገለ ነገር ክንገብር ከሎና ኸኣ ኣባታ ክፍሊ ኢና ንጥቐም ዝነበርና። ሓደ ምሸት ምስ ቁሩብ ኣዕሩኽተይ ኮይና ንምዝንጋዕ እንዳወጻና ኸሎና ረኣየና እሞ "ናብ ደገ ትኸዱ እንተ ኾይንኩም ምሳኹም ዶ ክኸይድ' በለኒ። ኣነ ኸኣ "ጎይታይ ኣይፋል እቲ ንኸዶ ቦታ ንስኻ ትፈትዎ ኣይመስለንን። ኣነን ንስኻን ጽባሕ ብሓንሳብ ክንከይድ ኢና ሎሚ ግና ካልእ ቆጸራ ኣሎኒ" በልክዎ "ኣነ ዝመሰለኒ እኰ ኣብ ልብኻ ተእተኻንስ ኩሉ ሓቢርና ብሓንሳብ ንገብሮ እኮ እዩ ዝመስለኒ ኔሩ ኣነ ኸኣ ዘሎና ምሕዝነትን ዕርክነትን መታን ክድልድል መታን ክትፈልጥ ደልየ እየ እምበር ከገድደካ ደልየ ኣይኮንኩን" በለኒ "ኣወ ደሓን ጽባሕ ሓንሳብ ከነምሲ ኢና" ኢለ ካልኣይ ዕድል ከይሃብክዎ ማዕጾ ረጊጠ ተዓዘርኩ።

በታ ምሸት ብሓሳበይ ዝተሳቐኽዎ ስቓይ ክነግረኩም ኣይክእልን እየ። ፍትወት ርእሰይ ኣዚዩ ኣሕፈረኒ። ብዘይረብሑ ነገር ምምራኸይ ከኣ ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ትዕዝብቲ ኣእተወኒ። ከመይ ዓይነት ዓርኪ ምዃነይ ኣስተንከረኒ። ህይወተይ ሂበካ እናበክዎ ካብኡ ዝርሕቕ። እሱ ዘይፈትዎ ነገር ይገብር። ኣብቲ ክኸዶ ዘይደልየኒ ቦታ ይኸይድ። ከመይ ዓይነ ቁም ነገር ዝጎደለኒ ሰብ እየ?

ምሸት ተመሊሰ ምስ መጻኹ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ክፍሊ መብራህቲ ተወሊዑ ስለ ዝነበረ ከዘራርቦ ከድኩ። "ጎይታይ ብጣዕሚ እየ ዝሓዝን። ካብኻ ወጻኢ ኩሉ ከም ዘይጥዕመኒ ፈሊጠ ኣለኹ። ካብ ሎሚ ጀሚረ ግና ኩሉ ነገር ብሓንሳብ ክንገብሮ ወሲነ ኣለኹ" በልክዎ። ካብኡ ተተሓሒዝና ናብቲ መዘናጊዒ ክፍሊ ኣመራሕና። ናይቲ ክፍሊ ኣቐማምጣ ተቐይሩ ሓደሽቲ መሓዙት መጽዮም ከኣ ይዘናግዑ ኣለዉ። እቲ ኩነት ማለት እቲ ሳሓቕ ጸወታ ኣዚዩ ደስ ዘብል እዩ ካብ ሓቂ ዝነቐለ ምኻኑ ከኣ ይርደኣካ። እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ልስሉስ  ሙዚቃ ኩሉ ንህይወትካ ዘሕድስ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሰላም ከኣ ሓንበስኩ "ምዝናይ ማለት እዚ እዩ" በልኩ ብልበይ።

ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኩሉ የሕጉስን ሰላም ድማ ይህብን እዩ እንብሎ ኹሉ ግዚያዊ እዩ። ብሓጥያት ዝርከብ ሰላምን ምዝንጋዕን የሎን። ሎሚ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ሰላም ንምርካብ እትገብሮ ንጥፈታት ኣብ ህይወትካ ዘጣዕስ በሰላ እምበር ካልእ ፋይዳ ኣየምጻልካን እዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዘይብሉ ቦታ ኣብኡ ሰላም ዕረፍቲ ቅሳነት የለን። እዚ ዝረኣናዮ ሰብ ካብ የሱስ ወጻኢ ሓጎስ ክረክብ እኳ እንተ ፈተነ ጸምጻሉ ነገር ግና ናይ ኣምእምሮ ወቐሳ ጥራይ እዩ። አምኡ እውን ንኣምላኽ ይፈልጥ እየ ትብል ሓደ ነገር ክምዕደካ ኣበይ ትውዕል ምስ መን ትኸይድ ከተስተውዕል ኣለካ። ኣብቲ ኣምላኽ ክትህልወሉ ዘይግብኣካ ቦታ እንተ ለኻ ተመልሰ። እቲ ኣምላኽ ክትገብሮ ዘይግብኣካ ነገር ትገብር እንተለኻ እውን ሕጂ ንዕኡ ሓዲካ ናብ ኣምላኽ ተመለስ። ካብቲ ንግዚኡ ቅድስናኻ ኣርኪሱ ዘሕጉሰካ ነገር ተፈለ ኣምላኽ ከኣ ክባርኸካ እዩ። ሎሚ ግዚያዊ ሓጥያት ጊዚያዊ ዝኾነ ባህታ እኳ እንተ ኣለዎ መወዳእቱ ግና ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፋኣት እዩ ዝሸመካ እሞ ሎሚ እቲ ግዜ ከይተወደኣ ከሎ ሰዓት ምምላስ ከኣ ከየብቀዐ ናብቲ ሓቐኛ ናይ ውሽጢ ምዝናይ ዝህብ ኣምላኽ ንዓ። እስከ ናብቲ ተራኪ ንኺድ።

እታ ንእሽቶይ ኣጉዶይ

ሓደ መዓልቲ ካብ ደገ እናመጻኹ ከለኹ ኣብ ኣፍደገ ኮይኑ ክጽበየኒ ተዓዘብኩዎ። ኣጠማምትኡ ኣዚዩ ማራኺ ነበረ። ብድሕሪ እዚ "ኣብዚ ገዛ ሓደ ሕማቕ ሽታ ኣሎ ዝኾነ ዝበስበሰን ዝሞተን ነገር ኣሎ እቲ ሽታ ዝመጽእ ዘሎ ኸኣ ካብታ ኣቑሑት ዝቕመጠሉ ንእሽተይ ገዛ እዩ" በለኒ ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ ብዛዕባ ምንታይ ይዛረበኒ ከምዘሎ ተረዳኣኒ። ኣባዛ ንእሽቶይ ኣግዶይ ተዓጽዮም ዝተቐመጡ ሓደ ሐደ ካብቲ ናይ ቀደም ህይወተይ ሓደ መዓልቲ የድልዩኒ ይኾኑ እዮም ኢለ ዘቐመጥክዎም ነገራት ኣለዉ። ክትቐመሎም ግና ድሌት ኣይነብረንን። እንዳ ተሰማዓኒ ኸኣ ናብታ ንእሽቶይ ገዛ ኸድኩ። ናብቲ ገዛ ብዝተጸጋዕና መጠን እቲ ሽታ እናሓየለ መጸ።

ኣብቲ ጥቓ ምስ በጽሕና ኣእዳው ናብታ ገዛ ኣመልከተለይ። ኣነ ኸኣ ብውሽጠይ ኣዚየ ተናደድኩ "መመገቢ ክፍለይ ሰቕለዮ ሳሎነይ ሂበዮ እደ ስርሓት ዝሰርሓሉ ጋራጀይ ሓዲገሉ መዘናጊዒ ክፍለይ ሂበዮ። ሕጂ ኸ ነዛ ንእሽቶይ ገዛይ እንታይ ክትገብረሉ እያ?" እቶም ኣባኡ ዘቐመጥክዎም ኣቑሑተይከ ኣበይ ከቐምጦም እየ? መቸም እዞም ኣብዛ ገዛይ ቕቀሚጠዮም ዘለኹ ኣቕሑተይ ንመዘከርታ እምበር ክጥቀመሎም ከም ዘይኮንኩ ይፈልጥ እዩ። ሰብ ብግሉ ገለ ነገር ክውንን መሰል የብሉን ድዩ? ሕጅስ ኣብዚሕዎ። ናይታ ንእሽተይ ኣዚየ ዝፈትዋ ገዛይ መፍትሕ ብፉጹም ኣይህቦን እየ" ኢለ ብልበይ ደምደምክዎ። ሓሳበይ ዘስተውዓለ ክመስል "እዚ ኣብዚ ቤት ዘሎ ሽታ ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሕ እንተ መሲልካ ትጋገ ኣለኻ። ሕጂ ንዓናይ ናብቲ በርንዳ ኣብኡ ክናፈስ ደልየ ኣለኹ" በለኒ እሞ ካብቲ ገዛ ወጻና።

ሰብ እቲ ሓቐኛ ዝኾነ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ እንድሕር ሃልይዎ ኣብ ውሽጡ ክርስቶስ ይጉህይን ይሕጎስን ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። ኣነ ኸኣ ቀልጢፈ ተረታዕኩ "ንስኻ ባዕልኻ ከፊትካ እቶ እሞ ውሽጠይ ኣጽርዮ ኣነ እዚ ክገብር ሓይሊ ትብዓት ብርተዐ የብለይን ንቡዙሕ ግዜ ኣብ ውሽጠይ ዘቐመጥክዎም ነገራት ብሓንሳብ ክድርብዮም ኣይኮነለይን እዩ" በልክዎ። ንሱ ኸኣ ጥራይ እቲ መፍትሕ ሃበኒ ከጽርዮ ኸኣ ፍቐደለይ ኣነ እንተ ተንኬዮ ንጹህ ክኸውን እዩ" በለኒ ኣእዳወይ እናተንቐጥቀጠ የዒንተይ ሸፊነ ነቲ መፍትሕ ኣረከብክዎ። እሱ ኸኣ ተቐበለኒ ንውሻጠይ ከኣ ከፊቱ ኣተወ። ነቲ ኣብ ውሻጠይ ዝነበረ ዝሞተን ዝበስበሰን ነገር ኣውጺኡ ከጽርዮን ከንጽሆን ምንም ጊዜ ኣይወሰደሉን። እቲ ዝሞተ ነገረይ ካብ ውሽጥይ ክወጽእ ከሎ ዝተሰማዓኒ ዓወትን ሓጎስን ክገልጾ ኣይክእልን እየ።

ኩቡራት ኣሕዋት ሎሚ ኸ ኣብ ውሽጢ ስፍራ ቤት ልቡኹም ዝበስበሰን ዝሞተን ነገር ክንደይ እዩ? ኣብ ህይወትኩም ትፍንፍንዎ ነገር ናብራኹም ከኣ ዝበከለ ግና ኸ ንዕኡ ንምእላይ ዓቕሚ ዝሰኣንኩም ሰባት ከ? ኣብ ኣእዳውኩም ኣምላኽ ዘይፈትዎ ነገር ሒዝክም ክነስኹም ንስኹም እውን እናተረዳኣኩም ክነሱ ግናኽ ንምድርባዩ ዝሓንገድኩም ከ? ሕጂ ነቲ ስለኹም ክብል ዝሞተ የሱስ እቲ መፍትሕ ልብኹምን ውሻጠኩምን ኣረክብዎ ንሱ ከመይ ጌሩ ከምዘጽርዮን ከም ዘንጽሆን ክትርኢዩ ኢኹም።

ንሱ ንዝሞተ ከመይ ጌሩ ህያው አምዝገብሮ ይፈልጥ እዩ። ጥራይ ዝሞተክም ሒዝኩም ናብኡ ምጹ። ኣብ ህይወትኩም ተረፉ ዘሎ ካብ ዓለም ከኣ ሂዝክምዎ ዝመጻኹም ባህሪ ክልውጦ ይኽእል እዩ እዚ ነገር እዚ ከይተኣለየ ኸኣ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱም ዓወት ክትለማመዱ ኣይከኣልን እዩ። ንእሽቶ ጽንጽያ ንብዘሎ ሽቶ እዩ ዝብክሎ እሞ ኩሉ ነገርኩም ንክርስቶስ ኣረኪብክም እንተ መስለኩም ኣብ ህይወትኩም ንዕኡ ዘይሃብክምዎ ንሽቶይ ነገር ከይህሉ ኣስተውዕሉ ከመይሲ ንብዘሎ ህይወትኩም መሪር ሱር ሰዲዱ ከየጨንቐኩም።

ብዘሎ ቤተይ ኣረኪበዮ

ሓደ ሓሳብ መጻለይ "ጎይታይ ንብዘሎ ቤተይ ሙሉኡ ብሙሉኡ ባዕልኻ ኣማሓዳድረለይ ተበልኩኻ ድፍረት ኣይትቐጽረለይን ትኸውን" ኢለ ሓተትክዎ። ገጹ ብሓጎስ እናኣንጸባረቐ "ደስ ይብለኒ ካብ መጀመርያ ክገብሮ ዝደለኹ እውን እዚ እኮ እዩ። ብናትካ ብልሓትን ሓይልን ጥበብን ናይ ዓወት ናብራ ክትለማመድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣነ ኣብ ውሽጥኻ ክነብር ከለኹ ጥራይ እዩ ዝከኣል። ነገር ግና እዚ ኣስተውዕል ኣነ ጋሻ እየ። እዚ ንብረት ናተይ ስለ ዘይኮነ ምንም ስልጣን የብለይን" በለኒ። ኣነ ኸኣ ብብርከይ ተንበርኪኸ "ጎይታይ ክሳብ ሕጂ ንስኻ ጋሻ ኣነ ኸኣ ዋና ኾይነ ጸኒሕና። ካብ ሎሚ ጀሚረ ግና ኣነ ባርያ ንስኻ ኸኣ ጎይታይ ክትከውን ፈቒደልካ ኣለኹ" ኢለ ነገርክዎ። ዋንነተ ናይ ገዛይ ኣውጼ ኸኣ "ዘሎኒ እዚ እዩ እዚ ዋንነት ንዓኻ ክህበካ እደሊ ኣለኹ" ኢለ እቲ ዋንነት ናይ ገዛይ ንዕኡ ኣመሓላለፍክዎ። ጎይታ የሱሱ ወናኒ ናይ ህይወተይ ክኸውን ምስ ጀመረ ኸኣ ነገራት ኩሎም ብብማዕዝኖም ክልዎጡ ጀመሩ። እሱ ንዓይ ሰናይን ጉሩምን ዓላማ ኣብ ህይወተይ ኣለዎ።

እዛ ዛናታ ቐንዲ ሕመረት ስእላዊ መግለጺ ኮይና ኩለመናና ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከነግዝእ ከምዘሎና እያ ትምህር' ሎሚ ኸ ህይወትና ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከነረክብ ፍቓደኛታት ዲና? ናይ ህይወትና ዋንነት ሒዙ ዘሎ መን እዩ? ጎይታ ኣብ ህይወትና ጋሻ ድዩ ወይ ወናኒ። ንሱ ዝዳፋእ ጎይታ ኣይኮነን እሞ ኣብ ህይወትና ብፍቓድና ጎይታና ክኸውን ንፍቀደሉ። ንሱ ገዛኢናን መላኺናን እንተኾይኑ ጥራይ እዩ ህይወት ኣብዛ ምድርን ዳሕራይን ዝጥዕመልና። ሎሚ እምበኣር ቁልፊ ናይ ኩሉ ንብረትናን ህይወትናን ከነረክቦ ይደልየና ኣሎ እዚ ኸኣ በረኸትና ክዓብን ከንጀርብብን ክገብሮ እዩ። ነዚ ክትገብሩ ክንደይ ኮን ኢኹም ፍቓደኛታት። የሱስ መራሒና ጎይታና ኣምላኽና እንተ ኾይኑ ኸኣ ኣዩ ማዕዝናት ህይወትና ተር ኢሉ ብግሩም መስርዕ ክኸይድ ዝኽእል። እሞ ሕጂ ዋንነትኩም ናብኡ ከተመሓላልፉ ፍቓደኛታት ዶ ትኾኑ?