03
Fri, May
0 New Articles

ሓድሽ ኪዳን፣ እቲ ዝበለጸ ኪዳን

Message 4
Typography
ሰባት ብናይ ብሉይ ኪዳን ኣነባብራ ንኣምላኽ ከሐጉስዎ ስለ ዘይከኣሉ ሓድሽ ኪዳን መጺኡ። “እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ንጥፍኣት ቀረባ” ስለ ዝኾነ ከኣ ካብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንናይ ሓድሽ ኪዳን ናብራ ዝድግፈና ትምህርትታት ክንመሃር እምበር ብመሰረት ብሉይ ኪዳን ክንነብር ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ጸጋን ሓቅን ብየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ። ሕጊ ኣይትቕተል፣ ኣይትዘሙ፣ ኣይትስረቕ፣ ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር ኢሉ። ንሰብ ብኢድካ ክሳዕ ዘይቀተልካዮ፣ ምስ ዘይሰብኣይካ (ዘይሰበይትኻ) ክሳዕ ዘይደቀስካን ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ክሳዕ ዘይመስከርካን ነዚ ትእዛዛት ሓሊኻዮ ኢኻ። ሓድሽ ኪዳን ግን ካብኡ ዝበለጸ እዩ ዝምህር።

ጎይታ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ “ነቶም ቀዳሞት (ነቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ኣመንቲ) . . . ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና (ንዓኻትኩም) . . . ” ብምባል ነቲ ናይ ብሉይ ኣዝዩ ዘደልድሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ትምህርቲ ምሂሩ። ብመሰረት ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን ንሓውካ ዘይምፍቃር፣ ምቑጣዕን ምጽራፍን ንሓዊ ገሃነም ዘፍርድ ከቢድ ሓጢኣት እዩ (ማቴ.5፣21-37)። ዝሙት ንምፍጻም ምስ ሰበይቲ (ሰብኣይ) ምድቃስ ኣየድልየካን እዩ፣ ብምብሃግ ጥራይ ክትዝሙ ትኽእል ኢኻ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣማኒ እንተ ኾንካ ብሓሶት ካብ ዘይምምስካር ሓሊፍካ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ክትዛረብ ኣሎካ። ብልብኻ ከይሓሰብካ ኣይትቐትልን ኢኻ፣ ብልብኻ ከይበሃግካ ብኣካላትካ ኣይትዝሙን ኢኻ፣ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ትዛረብ እንተ ኾንካ ድማ ብሓሶት ክትምስክር ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሉይ ኪዳን ብግዳማዊ ነገራት ስለ ዝግደስ ኣብ እንታይን ክንዲ ምንታይን ከተኩር ከሎ ሓድሽ ኪዳን ግን ስለምንታይ ጌርካዮ ይሓትት። ብሉይ ኪዳን ሃቐናኻ ብዘየገድስ ጽድቂ ክትገብር፣ ክትጽሊ፣ ክትጸውምን ምጽዋት ክትህብን ከም ዘሎካ ክምህር ከሎ ጎይታ ግን ሰባት ምእንቲ ክርእዩኻ ተባሂሉ ዝግበር ግብሪ ጽድቂ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋት ምሃብን ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ከም ዘይብሉ ምሂሩ (ማቴ.6፣1-18)። ብሉይ ኪዳን ብምኽንያት ትሪ ልቢ ሰባት ንዝተኣዘዙ በረኸት ንዘይተኣዘዙ ድማ መርገም (መቕጻዕቲ) ክምህር ከሎ (ዘዳ.28) ሓድሽ ኪዳን ግን ኩሉ ግብርና ብፍቕሪ ክግበር ከም ዘለዎን ብፍቕሪ ዘይተደረኸ ነገር ዋላ ሓንቲ ዋጋ ከም ዘይብሉን ምሂሩ። ብሉይ ኪዳን ገለ ካብ ናትካ ንኽትህብ ምሂሩ፣ ሓድሽ ኪዳን ግን ኩለንትናኻ ምሃብ ምሂሩ። ብሉይ ኪዳን ሓጢኣትካ ከም ዝስወረልካ ምሂሩ ሓድሽ ኪዳን ግን ሓጢኣትና ከም ዝተሓድገልና፣ ካብ ሓጢኣትና ከም ዝነጻህናን ሓጢኣት ከም ዘይመልከናን ይምህር።  ሓድሽ ኪዳን ጸጋን ሓቅን ዝተገልጸሉ ብሉጽ ኪዳን እዩ። ከም ኣመንቲ ጎይታ እምበኣር ብመሰረት እቲ ጎይታ የሱስ ዝመሃሮ ሓድሽ ኪዳን ክንነብር ይግብኣና። በዚ ብሉጽ ኪዳን ንምንባር ጸጋ ስለ ዘድሊ ከኣ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት ክንብልን ከም ፍቓዱ ንምንባር ዘኽእለና ጸጋ ክንልምንን ኣሎና። እቲ ንትሑታት ጸጋ ዝህቦም ኣምላኽ ጸጋ ከም ዝህበና ድማ ርግጽ እዩ።