24
Wed, Apr
0 New Articles

ስለምንታይ እየ ክርስትያን ኮይነ?

Message 4
Typography

1--ንናይ ህይወት ሕቶታት መልሲ ስለ ዝደሊ።
• ነየናይ መልሲ? ኢልካ ትሓትት ትኸዉን።እቶም ክትትክዝ ከለኻ እትሓቶም ሕቶታት እዮም።
• ንሳቶም ከኣ--
• ኣነ መን እየ እየ?ንምንታይ ኣብዚ ኣለኩ?ናበይ እየ ዝኸይድ ዘለኹ?ከመይ ኢለ ከ እየ ኣብኡ ዝበጽሕ?ብዛዕባ ናይ መጻኢ ከኒ ከመይ ኢለ እየ ርግጸኛ ክኸዉን ይኽእል?
• ኣብ ገለ ምዕራፍ ናይ ህይወት ዝኾነ ሰብ ነዘን ሕቶታት ይሓተን እዩ።ቅኑዓትን ኣገደስትን ሕቶታት ከኣ እየን።ስለዚ ድማ ርግጽ መልሲ ክረኽባ ኣለወን።
• የሱስ ክርስቶስ መልሲ ናይ ህይወት ሕቶታት እዩ።
• የሱስ ክርስቶስ መንገዲ ዩ፣ብዘይ ብእኡ ሰባት ይጠፍኡ።
• የሱስ ክርስቶስ ህይወት ዩ፣ብዘይ ብእኡ ሰባት ተስፋ የብሎምን።
• የሱስ ክርስቶስ ማእከል ናይ ህላዉነትና ዩ፣ብዘይ ብእኡ ህይወት ትርጉም የብላን።
• የሱስ ክርስቶስ መፍቀሪ ሰብ ዩ፣ ሰባት ብዘይ ብእኡን ከንቱ ይነብሩ።
• የሱስ ክርስቶስ ተኽሊ ወይኒ ዩ፣ብዘይ ብእኡ ህይወት ደረቕን ምዉትን እያ።
• የሱስ ክርስቶስ ማይ ህይወት ዩ፣ብዘይ ብእኡ ህይወት ትቕሕትው።
• የሱስ ክርስቶስ ኣልፋ ዩ፣ንሱ መጀመርታን ምንጪ ኩሉን እዩ።
• የሱስ ክርስቶስ ኦሜጋ ዩ፣ንሱ መወዳእታን መዛዘሚ ኩሉ ይዩ።
• የሱስ ክርስቶስ ተስፋ ዓለም ዩ፣ብዘይ ብእኡ ተስፋ የሎን።
- ክርስቶስ ጎይታ ምስ ረኸብኩ ሕቶታት ናይ ህይወተይ መልሲ ረኸብክሎም።
- ትርጉምን ቁምነገርን ናይ ህይወተይ እንታይ ዩ ኢለ ምስ ዝሓትት ናብቲ ጽኑዕ መሰረት ዝኮነ ክርስቶስ እመጽእ።
- ብማዕበላት ናይ ህይወት ምስ ዝዉሓጥ ናብቲ ጽኑዕ ከዉሒ ክርስቶስ እጥምት።
-ስለዚ ናይ ህይወተይ መልሲ ክርስቶስ ጥራይ ዩ።
በ ታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።ዮሃ7,37-38
"የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን"።ዮሃ14,6

2--ንናይ ህይወተይ ጌጋታት ሕድገት ስለ ዝደሊ።

• ኣብ ህይወቱ ጌጋ ዘይፈጸመ ሰብ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ካብ ክዉንነት ዝራሓቀ ዩ።ግጉይ ኣረኣእያ፣ሕማቕ ዘረባ፣ዘጉሂ ግብረ መልሲ፣ ተዳማሞሮም ንህይወትና ከቢድ ጾር ይኾንዋ።
• ሓጥኣት ትዕበ ትንኣስ ይቕሬታ ክንረኽበላ ኣሎና።ከም ሓቂ ንጌጋና ይቕረ ዝብለልና ጥራይ ኣይኮነን ዘድልየና፣ንወቐሳን ኩነኔን ዉን ዝኣልየልና የድልየና።
• ሓጥኣት እግዚኣብሄር ዝፈትሖ ቁጻር ዩ።
• ሓጥኣት ኣብ ህይወትካ ሕልኽላኻት ይገድፍ ዩ።ሓጥኣት መጻኢኻ የባላሹ።ዕድሜኻ የሕጽር።ጥዕናኻ የዕኑ.....ወዘተ
• ኣምላኽ ግና ፍቃደኛታት ኮይን ና ተቀረብናዮ ብፍቅሩ ሓጥያትና ይሓድገልና፣ካብ ኩሉ ዓመጻና ዉን የንጻሃና ዩ።
• ኣነ ክርስትያን ዝኾንኩ ሓጥኣተይ ዝሓድገለይ፣ካብ ኩሉ ኩነኔ ሓራ ዝገብረኒ ስለ ዝደለኹ እየ።ኣምላኽ ደኣ ባዕሉ በቲ ንኩሉ ኣበሳ ዘንጽህ ሓይሊ ዘለዎ ደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ሓጥ ኣተይ ኣርሓቐለይ እምበር፣ኣነስ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኩን ኩነታት ባዕለይ ንሓጥኣተይ ከርሕቆ ኣይምኻኣልኩን ነይረ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኪብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።1ዮሃ1,9

3--ንናይ ህይወተይ ጸገማት ሓገዝ ስለ ዝደለኩ።

• ህይወት ዓባይ ሓላፍነት እያ።ዝነወሐ እንተነበርካያ ሓላፍነትካ ዝዓበየ ይከዉን።
• ናይ ቤተሰብ፣ስራሕ፣ምምሕዳር ገንዘብን ኣዕሩኽን...ወዘተ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
• ዝሓየልና ተሓየልና ሃደ መዓልቲ ሕጽረታት ከም ዘለዎ ድኹም ምዃኑ ዝፈልተሉ ጊዜ ኣሎ።ኣብዚ ጊዜ ንሓገዝ ንመን ክጽዉዕ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ኣለዎ።
• ኣነ ናብ ሓደ ካባይ ዝዓቢ ክጽጋዕ ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ።ክወድቕ ከለኩ ከልዕለኒ ዝኽእል ሓያል፣ኣብቲ ረዴት ዝሳኣንክሉ ዓርኪ ኣድሉዩኒ፣ቤተሰብን ኣዕሩኽን ኣብ ዝሓደጉኒ ዉን ዘይጥንጥን ዓርኪ ከም ዘድልየኒ ተረዳእኩ።እዚ ኩሉ ክርስቶስ ኮይኑ ረኸብክዎ።
• ናይ የሱስ ፍቕሪ ጥራይ ዩ ናይ ዘልኣለም ፍቕሪ።ክርስቶስ ክጠልመና ኣይክእልን ዩ፣ምክንያቱ ኣንጻር ባህሪኡ ዩ።
• እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እዩ።ፍቕሩ ኣየቛርጽን ዩ።ጸግኡ ኣይዉዳእን ዩ።ኣነ ንዕ ኡ ጥራይ እየ ዝደሊ።ዕጋበተይ፣ትርጉም ምንባረይ፣ዕላማይን ዝላዓለ ሓጎሰይን ንሱ ዩ።
• ኣነ ሓደ ካብቶም ደቁ ምዃነይ ይፈልጥ፣ንኩሉ ጊዜ ዉን ወዱ እየ።ንሱ ከም ዘፍወረኒ ምሉእ እምነት ኣሎኒ።ንሱ ኣዙዩ የፍቅረኒ ዩ።

4--ንናይ ህይወት መወዳእታ ትብዓት ስለዝደሊ።

• ክርስትያን ዝኾንኩ ምእንቲ ንሞት ድልዉ ክኸዉን ዩ።ብጌጋ ኣይትረዱኡኒ።ንኽመዉት ሃንቀው እብል ማለት ኣይኮንኩን።ግን ስጋዊ ሞት ንኩሉ ሰብ ዘይተርፎ ግደ ዩ።እብ9,27
• ነፍሲ ወከፍና ኣብ መወዳእታ ነዛ መዓልቲ ቆጸራ ክንበጽሓ ኢና።ኩልና ክንመዉት ኢና።
• ሃብታም ኩን ድኻ፣በዓል ምሉእ ጥዕና ኮነ ዝሓመመ ክትመዉት ኢኻ።ዝናን ህቡብነትን ካብ ሞት ኣየትሩፉኻን እዮም።
• ኣብታ ናይ መወዳእታ ህይወት ሃብትን ንብረትንንሞት ጉቦ ሂቦም ከናጉፉኻ ኣይክእሉን እዮ።
• ኣብ ህይወትና ዝኾነ ነገር ንዳለወሉ ኢና።ብዘይ ምድላው ንገብሮ ነገር የለን።
• ሎሚ ሞት ማዕጾኻ እንተዝኹሕኩሕ ተዳሊኻ ዶ ኣለኻ?ንሞት ብከመይ ንጽበያ ንህሉ?
• ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ በለ
“ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ።ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን”።2ጢሞ4,6-8
• እዚ ሃዋርያ እዚ ኣብ ዝኮነ ይኩን ሰዓት ንሞት ድልዉ ነበረ።
• ነዛ መልእኽቲ ተንብብ ዘለኻ ኣንባቢ፣ ልብኻ መርምር፣ንብስኻት ሕተት።ንሞት ብሓቂ ዶ ድልው እየ?።ኣንተዘይኮንካ ሕጂ ምስ ኣምላኽ ሰላም ብምግባር፣የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ዉልቂ ጎይታኻን መድሓኒኻን ብምቕባል ድልው ክትከዉን ትኽእል ኢካ።ድሕርዚ ነዚ መዋቲ ስጋኻን፣ንኩሉ ጌጋታት ናይ ህይወትን ንድሕሪት ገዲፍካ፣ናብቲ ናይ ዘል ኣለም ክብሪ ምስ የሱስ ክርስቶስ ክትስጉም ክትክእል ኢኻ።

5--ንመጻኢየይ መንግስተ ሰማያት ስለ ዝደሊ።

• ኣብ መወዳእታ፣ክርስትያን ዝኮንኩ ድሕሪ ሞት ህይወት ከም ዘሎ ስለዝኣመንኩ እየ።ምስ ሞትኩ መንግስተ ሰማያት ከም ዝኣቱ ርግጸኛ ክኸዉን እደሊ።ነቲ ጉዕዞ ከይወዳእኩ ዘል ኣለማዊ መዓልቦይ ክዉስን እደሊ።
• መንግስተ ሰማይ ስለ ዝመረጽክዋ ዘይኮነስ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመረጽክዎ እየ ዝኣትዋ።
• የሱስ ክርስቶስ ናብ ዘል ኣለም ህይወት ዝወስድ መገዲ እዩ።ብዘይ ብእኡ ተስፋ መንግስተ ሰማያት ኣይምሃለወንን ነይሩ።
• መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ናብ መንግሰተ ሰማያት ዘይኣትዉ፣ንሲኦል ከም ዘምርሑ የጠንቅቕ።
• ሲኦል ሰፈር ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ከም ዝኮነ ይዛረብ።ማቴ13,42
• ሲኦል ከም ናይ ጸልማትን መሳቐይን ቦታ፣
• ሲኦል ከም ናይ ሓዉን ዲንን ቦታ፣
• ሲኦል ምስ ኣምላኽ ንሓዋሩ ዚፈላሊ ቦታ እዩ።
• ሓንጎል ወዲ ሰብ ዘልኣለማዉነት ክርድኦ የጸግሞ እዩ።ክሳዕ መዓስ እዩ ሓደ ዘይዉዳእ ነገር ከመይ ጌርና ክንቀርጾ ንኽእል ይብል ዩ።
• ግናኸ ንዘልኣለማዊነት ወያብ መንግስተ ሰማያት ወይ ኣብ ሲኦል ክትነብር ኢኻ።
• በረኸት ወይ መርገም፣ህይወት ወይ ሞት ኣሎ።ግን ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ ነዛ ዉሳኔ ክትዉስና ትኽእል።
• ናይ መንግስተ ሰማያት መሕለፊ ፍቓድ የድልየካ ።ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ዩ።
• ፓስፖርትኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ክትፈልጦ ክትኣምኖ ክትእመኖ የድልየካ።
• መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣
“ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን”።ግብ4,32
• የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ግብሪ ምድሓን መልሲ ንሕቶይ፣ይቕሬታ ንሓጥኣተይ፣ሓገዝ ንጸገመይ፣ትብዓት ንፍርሃተይ፣ዉሕስነት ንዘልኣለምን ኮነኒ።ስለዚ እየ ክርስትያን ኮይነ።
ትርጉም ብማራናታ