24
Wed, Apr
0 New Articles

ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ

Message 4
Typography

“ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።“(2ቆረ2,17)
=====
• እዚ ቃል እዚ ጳዉሎስ ኣብ ካልኣይ መልእኽቱ ንሰብ ቆረንቶስ ኣብ ዝጻሓፎ እዩ ዘሎ።
• ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቃል ወይ ጥቕሲ ዓዉደ ንባቡ ምስ ንነብብን ነስተዉዕልን፣
• ጳዉሎስ ናብ ቆረንቶስ ብሓጓስ እምበር ብጓሂ ክመጽእ ከም ዘይደለየ፣ከምቲ ዝጽበዮም ኮይኖም ክጸንሕዎ ይጽሕፈሎም ኣሎ።
• ምስኡዉን ካብ ቁጽሪ5-11 ዝዛረበሉ ሰብ ነቲ ኣብ (1ቆረ5,1-5) ዘሎ ሰበይቲ ኣቡኡ ዘእተወ ሰብ ኣመልኪቱ ድዩ ወይስ ንካልእ ሓዉ ርግጸኛታት እኳ እንተዘይኮና ግን ብዛዕባ ሓደ ዝበደለ ሓዉ ይዛረብ ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኢና።ነዚ ሰብ ግና ብብዙሕ ጓሂ ምእንቲ ከይዋሓጥ ይቕረ ክብልሉን ከጻናንዕዎን ክመኽሮም ንዕዘብ።እዚ ብምግባሮም ድማ ሰይጣን ዝብለጸሉ ዉዲት ምፍሻሎም ምዃኑ ይገልጸሎም።
• 12-16 ብኣገልግሎት ኣብ ዝዘረሉ ቦታታት ድማ ብክርስቶስ ናብ ዓወት ዘበለ ከም ዝመርሖምን መኣዛ ፍልጠቱ ከም ዝገልጽን ይዛረብ፣ንዝድሕኑ ኮነ ንዝጠፍኡ ሽታ ክርስቶስ ከም ዝኾና ምስ ተዛረበ እዩ ናብዛ ቁጽሪ 17 በጺሑ።
• ጳዉሎስ ንርእሱን መተዓይይቱን ብምዉካል ምስቶም ቃል ሓቂ ዝሓዋዉሱ ሃዋርያት ሓሶት እናኣነጻጸረ እዩ ክዛረብ ንርእዮ ዘሎና።
• እዛ “ዚሓዋዉሱ“እትብል ቃል ብቋንቋ ግሪኽ ( ካፔሉዎ) (καπηλεύω ) እያ እትብል።ትርጉሙ ድማ፣
1)ቸርቸርቲ (to be a retailer) ፣እናዘሩ ዝሸጡ (to be peddle)
2)ሓደ ነገር ብምሻጥ ገንዘብ ምግባር (To make money by selling)

• ነዛ ካልኣይቲ ሓሳብ ብልክዕ ንምርዳእ ነዘን ዝስዕብ መግለጺ ምርኣይ የድሊ።

ሀ) ስለ ረብሓ ርእስኻ ኢልካ ሓደ ነገር ምግባር (to do a thing for base gain)

ለ) ብቃል ኣምላኽ ምንጋድ (to trade in the word of God) ፣ነቲ ኣምላኻዊ ሓቂ፣ንረብሓ ገዛእ ርእስኻን ፣ገንዘብ ንምእካብን ንምርካብን ኢልካ ምምሃር።

ሓ) ከም ተወሳኺ፣እቲ ናይ ግሪኽ ቃል“ኮራፕት“ ምግባር(corrupt) ዝብል ትርጉም ድማ ኣለዎ።=እዚ ኮራፕት(Corrupt) ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል፣ብቋንቋ ትግርኛ ነዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህበና;
• ብኩል፣ዘይስነምግባራዊ፣ዘይጽፉፍ፣ብዕሉግ ብዝብሉ ቃላት ይትርጓም።
• ካልእ ከኣ “ኣዳልትሬት“ ምግባር (to adulterate) ዝብል ዉን ኣለዎ።
• ኣዳልትሬት (adulterate) ማለት ኣመራሰሐ፣ኣባላሸወ፣ጸየቐ ማለት እዩ።
• ብሓፈሻ ቸርቸርቲ ንረብሓኦም ክብሉ ዝገብርዎ ሓደ ልማድ ወይ ወልፊ(Habit) ኣለዎም።ንሱ ከኣ ነቲ ኣቑሑት ኣዳልትሬት ምግባር እዩ።
• “ኣዳልትሬት“ ምግባር ማለት ንሓደ ጽሩይ ዝኾነ ኣቕሓ ካልእ ሕሱርን ትሑትን ዋጋ ዘለዎ ብምሕዋስ ንጽህንኡ፣ ጽርየቱ፣ጽፈቱ፣ክብረቱ ምብልሻዉ፣ሕሱር ምግባርን ምርካስን ማለት እዩ።
• ንኣብነት=ወይኒ ብማይ ምዝላል፣ኣብ ጽሩይ ማዓር ሽኮር ምሕዋስ፣ ኣብ ናይ ላም ጸባ ሓርጭ ጸባ ምሕዋስ ማለት እዩ።
• ከምዚ ዝዓይነቱ ምትሕዉዋስ ከኣ ክልተ ገጽ ኣለዎ።ንሱ ድማ ነቶም ሸቀጥቲ የኽስቦም፣ነቶም ዓደግቲ ግና የኽስሮም።
• መኽሰብ ሸቀጥቲ=እቶም ሸቀጥቲ ነቲ ብዉሑድ ወይ ብሕስር ዝበለ ክሽየጥ ዝግባኦ ነገር ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸነሖ ዋጋ ካልእ ተወሳኺ ዋጋ ብምግባር ብኽቡር ክሸጥዎ ከለዉ እዩ።
• ክሳራ ዓደግቲ=እቲ ሕሱር፣እተሓዋወሰ፣ እተቃጠነ ነገር ብክቡር ዋጋ ክገዝእዎ ከለዉ እዩ።
• ሸቃጦ መብዛሕትኡ ጊዜ ክልተ ሜላታት ይጥቀሙ።
1) ብምዉሳኽ 2) ብምቕናስ
• ዝዉስኹ ሸቀጥቲ-ንወይኒ ብማይ ዝዝልሉን ዘቃጥኑን እዮም።
• ቀነስቲ ሸቀጥቲ- ድማ ንኣብነት ካብ ጸባ እቲ ፋት የዉጹኡዎ እሞ ቅብኣቱ ዝወጻሉ ጸባ (Fat free ወይ Skim Milk) ኢሎም ንዓዳጊ የቕርብሉ።
• እቲ ጸባ እቲ ልክዕ ጸባ ኣይኮነን ግን ዓዳጊ ኣለዎ።መንነትን ትሕዝቶን እቲ ጸባ ኮነ እቲ ወይኒ ተለዊጡ ኣሎ።
• ንሸቃጦ ምዉሳኽ የኽስቦም፣ምቕናስ ዉን የኽስቦም።
• ግናኸ እቲ እተዘለለ ኮነ እተሓዋወሰ ልክዕ ከምቲ መንነቱን ትሕዝቶኡን ዘይምዃኑ ነቶም ኣቐዲሞም ጣዕሚ ዘይተዘለለን ዘይተሓዋወሰን ወይኒ ኮነ ጸባ ኣጸቢቖም ዘስተማቓሩ ሰባት ንምፍላዩ ኣይጽገሙን እዮም።
• ዝሳሓተ፣እተበረዘ፣እተሓዋወሰ ትምህርትን ልምምድን ንምፍላይ ድማ እቲ ቀንዲ ነገር እቲ ሓቂ ዘይተሻቓቐጠ ምህሮ ምፍላጥ እዩ።
• ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝዛረበሎም ዘሎ ብቁጽሪ ብዙሓት ዝኾኑ ሰባት ድማ ልክዕ ከምዞም ሸቀጥቲ፣ ነቲ ንጹህ ቃል፣ ነቲ ፍጹም ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፣ነቲ ብዘይ ምሕዋስን ምብራዝን ምቅጣንን ብርእሱ ብቑዕ ዝኾነ መልእኽቲ ሓቂ፣ንረብሓኦም ክብሉ ዝሓዋዉሱ ዝቕንሱ ዝብርዙ እዮም ነይሮም።
• ነዚኣቶም ድማ ኣብ (2ቆረ11,13)“ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም።“ኢልዎም ኣሎ።
• በቲ ቃል ኣምላኽ ይነግዱ።ነቲ ቃል ኣብ ዘይማዓልኡ እናኣዉዓሉ ይሽቅጥሉ።
• እዚ ከኣ ነቲ ቃል ሓቂ ምብልሻዉ ኮራፕት(corrupt) ምግባር እዩ።
• እዚ ማለት ድማ ነቲ ቃል ሓቂ ኣዳልትሬት (adulterate) ምግባር ምምርሳሕ፣ምጽያቕ እዩ።
• ሃዋርያት ሓሶት ክነሶም ሃዋርያት ክርስቶስ የምስሉ፣ዚጥብሩ ዓየይቲ ክነሶምሓቂ ዝምህሩ ከምስሉ ጥዑም ዘረባን ምርቓን እናገበሩ ልቢ ገርህታት ዘስሕቱ ነበሩ።
• ንወንጌል ወንጌል ዘብሎ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ካብ ዉሽጡ እናዉጽኡ፣ትሕዝቶን ሓይልን ወንጌል ይልዉጥዎ።
• ናይ ጎይታ የሱስ ሞትን ትንሳኤን ኣምላኽነት ካብ ወንጌል ምዉጻእ ማለት ከኣ ወንጌል ምቕታል ማለት እዩ።
• እቲ ንወንጌል ወንጌል ዘብሎ ቀንዲ ትሕዝቶ ካብ ዉሽጡ እንተወጹ፣እቲ ወንጌል ከመይ ኢሉ ወንጌል ይኸዉን?
• እቶም ሃዋርያት ሓሶት ግና--ጸጋ ብገንዘብ ይልዉጥዎ፣ብጸጋ ይነግዱ፣ብኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝድረኹ ብጥቅሚ ይድረኩ፣ኣብ ክንዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቅንዕና ዝምህሩ ይሓዋዉሱን ልቢ ሰባት ብምሕጓስ ከንቱ ረብሓ ንምርካብ ይዓዩ፣ኣብ ክንዲ ብክርስቶስ ኮይኖም ንክርስቶስን ዝሰብኩ ብርእሶም ኮይኖም ንርእሶም ይሰብኩ የዋዕዉዑ።
• ካብ መልእኽታቶም ዝተላዕለ ድማ እታ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ጥራይ ተሓልያ ክትነብር ዘለዋ ማሕበሩ የባላሽዉዋን ይጎድእዋን።ካብቲ ክርስቶስ ዝጽበያ ወጻኢ ይገብርዋ።
• የሱስ ይሰብኩ ግን ካልእ የሱስ፣መንፈስ ዝብልዎ ኣለዎም ግን ካልእ መንፈስ፣ወንጌል ይብሉ ግን እተለወጠ ወንጌል እዩ።
• ስለዚ እዩ ጳዉሎስ ከምዚ ዝበሎም፣
“ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ።ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም።“(2ቆረ11,2-4)
• ብመሰረት (ኤፌ5፣25-27) ክርስቶስ ነታ ርእሱ በጃ ብምሃብ ዘጥረያ ማሕበሩ ብምሕጻብ ማይ ብምጽራይ ምእንቲ ክቕድሳ፣እዚ ማለት ከኣ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዝመስል ዜብላ፣ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ፡ነዚ ፍሉይ ተልእኾን ዕዮን እዚ ፣ በቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ናይ ሰማይ ቃሉ ገይሩ እዩ ዝፍጽሞ።
• በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ጳዉሎስ ካብቲ (2ቆረ2,17) ተዛሪቡሉ ዘሎ ሓሳብ ብምዉሓዝ ናብቲ ናይ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ሕመረት ዝኾነ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣተወ።ንሱ ድማ ኣገልግሎት መንፈስ ዝብል እዩ።
• እዚ ሓሳብ ከኣ ካብ (2ቆረ 2,12--2ቆረ7,16)- ኢና ንረኽቦ።
• ኣብዚ ክፍሊ እዚ ጳዉሎስ ብዛዕባ ሰለስተ ኣዕኑድን ኣዝዮም ኣገደስቲ ሓሳባት እዩ ዝዛረብ።
• ቅድም ነተን ክልተ ኣዕኑድ ሓሳባት ንርአ።ንሳተን ከኣ

1) እታ ኣገልግሎት ሓድሽ ኪዳን==(2ቆረ2,12-3,11) ንረክቦ።

2) እቶም ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን==(2ቆረ3,12-7,16) ንረኽቦ።

• ናይዘን ክልተ ኣዕኑድ ሓሳባት ኣትኩሮ ፣ “ኣገልግሎት መንፈስ“ ዝብል እዩ።
• ማለት እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ናይ ኣገልግሎት ኣትክሮ ኣብቲ መንፈስ እዩ ፣ እቶም ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይቲ መንፈስ ኣገልገልቲ እዮም።
• ኣገልገልቲ መንፈስ ክንብል ከሎና ግና ከነነጽሮ ዝግባኣና ሓቂ ኣሎ።ንሱ ድማ *መንፈስ*መንፈስ*መንፈስ* እናበልካ ዘይጭበጥ ዘይታሓዝ ቀይዲ ዘይብሉ፣ ስርዓት ኣልቦ ራእይ ኣልቦ፣ሽቶ ኣልቦ፣ትርጉም ኣልቦ ምንፍሳና ወይ መንፈሳዉነት ማለትና ኣይኮነን።
• እቶም ናይ ሓቂ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣገልገልቲ (ኣገልገልቲ መንፈስ) እቲ ፍሉይ ሽቶ ዘለዎ፣ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ቃል ክርስቶስ እዮም ዘገልግሉ ።በዚ ከኣ እዮም *ኣገልገልቲ መንፈስ* ዝባሃሉ።
• ንኣብነት=ጎይታና የሱስ ኣብ (ዮሃ6,63)“…እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።“ኢሉ ኣሎ።
• ጎይታና የሱስ ድማ እቲ ሓደ ፍጹም ኣብነት (ሞዴል) ናይቲ *ኣገልግሎት መንፈስ* ዝኾነ ሓድሽ ኪዳን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።
• እሞ የሱስ ኣገልጋሊ መንፈስ እዩ ነይሩ ክንብል ከሎና፣ኣንፈት ኣልቦ፣ራእይ ኣልቦ፣ ዝተሓዋወሰ ዘረባ ይዛረብ ነይሩ ማለት ድዩ? ያእ ኣይፋሉን።
• ኣብዚ ንጹር ፣ ግን ከኣ ናይ መንፈስ ኣገልግሎት ዝኾነ ሓድሽ ኪዳን፣ ቅዱስ ቃሉ ንረብሓ ኢልካ ምትሕዉዋስ፣ ቀይዲ በተኽነት፣ፍርሃት ኣምላኽ ኣልቦነት፣ራእይ ኣምላኽ ኣልቦነት፣ልቢ ኣምላኽ ኣልቦነት እዩ።
• ክርስቶስ ካብ ርእሱ ከም ዘይተዛረበን ንርእሱ ክብሪ ከም ዘይሃበን፣እታ ሓንቲ ፍጽምቲ ፍቓድ ኣቡኡ ጥራይ ከም ዝተዛረበን ከም ዝሰበኸን፣ከም ዝገበረን ዝፈጸመን እቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ብግልጺ ዘጊቡልና ኣሎ።
• ነታ ፍጽምቲ ንጽርቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክዛረበላ ከሎ ከኣ *ትምህርተይ* ኢሉ ይጽዉዓ።
“ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።“(ዮሃ7,16-17)
• እምበኣር ካብቲ ፍጹም ኣብነትና ዝኾነ ክርስቶስ ከም ንርእዮ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን (ኣገልገልቲ መንፈስ) ምኳን ማለት ኣገልገልቲ እቲ ንጹርን ጽሩይን ዘይልወጥን ትምህርቲ ክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ።
• ኣብዚ ደጊምና ክንርእዮ ዘሎና፣እቲ ፈጺሙ ካብ ርእሱ ዘይዛረብሲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሓቂ መንፈስ ዉን እዩ።
• ክርስቶስ ካብ ርእሱ ከም ዘይተዛረበን፣ነታ ሓንቲ ናይ ኣቦ ትምህርቲ ከም ዝማሃረን፣
• እቲ ብስሙ ዝመጸ መንፈስ ድማ ካብ ርእሱ ዘይኮነስ ካብ ክርስቶስ ወሲዱ እዩ ዝዛረብ።እዚ ከኣ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዛረቦ ዝነበረ እንኮ ፍቓድ ኣቦ፣እታ እንኮ ትምህርቲ ኣቦ፣ንዓኣ እዩ ደጊሙ ነቲ መንፈስ ዝዛረቦ።(ዮሃ16,13-14) (ዮሃ14-16)
• እቲ መንፈስ ከ? =ንሱ ዉን ነዛ ሓንቲ ሓቂ እዩ ነቶም *ኣገልገልቲ መንፈስ* ደጊሙ ዝዛረቦም።
• ስለዚ ከኣ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ኮነ ኣብቲ መንፈስ ሓድሽ ኪዳን እተሓዋወሰ፣ብብዙሕ ነገራት ኣዳልትሬት ዝኾነ እተባለሸወ ዘረባ ፣እተባለሸወ ስብከት ኮነ ምህሮ ፈጺሙ ዘየለ።
• እዚ ኣገዳሲ ሓሳብ ድማ ናብታ ሳልሰይቲ ዓንዲ ዝኾነት ነጥቢ ይወስደና።ንሳ ከኣ
3) ናብ ፍጹም መልክዕ ወዲ ኣምላኽ ምልዋጥ እትብል እያ።==(2ቆረ3,18)
“ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።“ይብል።
• ኣብ (ሮሜ 8,29) ከኣ “ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።“ ይብል።
• ናይቲ ኣብዚ ምሉእ ኣድማስ ዘሎ ኣዎንታዊ ዕዮታት ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ እታ ብደሙ ዘጥረያ ማሕበሩ እቲ ዝላዓለን ናይ መወዳእታ ሽቶ ናብ ፍጹምን ምሉእን ምስሊ እቲ በኹሪ ወዲ ኣምላኽ ምልዋጥ እዩ።እዚ ከኣ ክሳዕ ዳግም ምጻኣቱ ክፍጸም ዘለዎ ዝላዓለ ተልእኮ ኣምላኽ እዩ።(ኤፌ4,13)
• ነስተብህል ፍቁራት!
• ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሰለስተ ኣዕኑድ ሓቅታት፣ማለት
1-እቲ ሓድሽ ኪዳን
2-እቶም ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን
3-እቲ መንፈስ ሓድሽ ኪዳን (ኣገልግሎት መንፈስ) እታ ሓንትን ንጽርትን ፍልይትን ናይ መወዳእታን ሽቶ *ነታ ማሕበር ናብቲ ፍጹም ምስሊ ወዲ ኣምላኽ ንምልዋጥ ምግልጋልን ምድላዉን እዩ።
• እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ=ትምህርትን ዕዮን ዕላማን እቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ንቃል ኣምላኽ ዝሓዋዉሱ ዓየይቲ ግና ኣንጻር እዚ ካብ ጸሓይ ዝደመቐ ንጹር ናይ ሰማይ ራእይን ሽቶን እዩ።
• እቶም ሃዋርያት ክርስቶስ ግና ብኣምላኽ ይድረኹ እምበር ረብሓ ርእሶም ኣይድርኾምን።
• ብገርህነት ወይ ብቅንዕና ደኣ ይምህሩ እምበር ኣይሓዋዉሱን።
• ቅንዕና ከኣ ንጹህ ወይ ግልጺ ምዃን ማለት እዩ።በቲ ቃል ኣይነግዱን፣ንረብሓ ክብሉ ነቲ ቃል ኮራፕት(corrupt) ኣይገብርዎን።ማለት ነቲ ጽፉፍ ዘይጽፉፍ፣ነቲ ቅዱስ ዘይቅዱስ ኣይገብርዎን።ኣዳልትሬት (adulterate) ኣይገብርዎን።ማለት ኣየማራስሕዎን ንጥቕሞም ክብሉ ነቲ ቃል ኣብ ዘይማዓልኡ ኣየዉዕልዎን።
• ብክርስቶስ፣ካብ ክርስቶስ ኣብ ክርስቶስ ኮይኖም ብዛዕባ ክርስቶስ ብሓርነትን ብምልኣትን ነቲ ንጹር ሓቂ የገልግሉን ብከምኡ እተዋህቦም ብከምኡ ይህቡን ።
• ስለዚ እቲ ምሉእን ፍጹምን ናይ ክርስቶስ ቃል ኣይቀነሶ ኣይወሰኮ።
• ካብ ሸቀጥቲ ዓየይትን፣ ካብ እተሸቀጠ ወንጌልን ካልእ ምህሮታትን ርእስና እናሓለና፣ነታ ብደሙ ዘጥረያ ማሕበሩ ክሳዕ ደግም ምጻኣት የሱስ ክርስቶስ ክንሕልዋ ሓላፍነት ኣሎና።
• ኣምላኽ ካብ እተቀነሰ ሓቅን ካብ እተወሰኸ ሓሶትን ንበኹራቱ ይሓሉ።
ኣሜን ጎይታ የሱስ ንዓ።ማራንኣታ!!