29
Mon, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

Message 3
Typography

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር እዩ። መንእሰይ ከኣ ብመንፈሳውን ሞራላውን መዳይ እንተ ተሃኒጹን ደልዲሉን ካብኡ ሓሊፍ ኣበርክትኡ እምብዛ ዓቢ እዩ። ኣብ ሓድ ሃገር ህንጸትን ዕንወትን ዝመጽእ ብመንእሰይ እዩ ተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን።

ብፍላይ እቲ ንኣምላኽ ዝፈልጥን ዝስዕብን መንእሰይ ከኣ ካብ ናይ ካልኦት ዝዓዘዘን ዝዓበየን ሓደራን ዕዮን ኣለዎ። ኣምላኽ ኣጸቢቑ እዩ ዝጥምቶ ኣዚዩ ኸኣ ይብህጎን ይደልዮን። ኣብ ታሪኽ ኩሉ እንተ ሪኢና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኽብሩን መንግስቱን ዝተጠቕመሎም መንእሰያት እዮም ገና ሕጂ እውን ዝጥቀመሎም ዘሎ መንእሰያት እዩ። ነዚ ፈሊጡ  ኸኣ እዩ እቲ ኣብ ልቢ መድሓኒና ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዝጽጋዕ ዝነበረ የውሃንስ “ኣቱም ኣጉባዝ ብርቱዓት ስለ ዝኾንኩም ቃል ኣምላኽ እውን ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎ ነቲ እኩይ እውን ሲዒርኩውሞ ኢኹም እሞ እጽሕፈሉም ኣለኹ” ይብል 1ዮው 2።14።


 

እቶም ኣብ ውሽጦም ቃል እቲ ልዕሉ ዘለዎም መንእሰያት እምበኣር እዚኣቶም እዮም። እንሳዓሩ ዝስዕሩ ምስቲ ጠሓሲ ኽኣ ዝጥሕሱ ኣብ ልዕሊ ፈተናን መከራን ከኣ ዝሕይሉን ዝብርትዑን። ኣብ በሪኽ ወጽእዮም ከኣ ክብሪ ወዲ ኣምላኽ ዘዝንትዉ። ኣምላኽ ንመንእሰያት ነዚ ከምዚ ጻዊዒት እዩ ጸዊዕዎን ሓርይዎምን። እሞኸ ደኣ ነቲ ኣምላኽ ንመንእሰይ ዝጸውዖም ጻዊዒት እሙናት ኮይኖም ደው ክብሉ ዕላምኡ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ንሱ እንታይ ክኾኑ ይደልዮም።ካብዚ ቐጺልና ገለ ኣርባዕተ ነጥብታት ክንሪኢ ኢና።

1 ኣምላኽ ንመንእሰይ ብንጽህና ክመላለሱ ይድልዮም

እግዚኣብሂኣር ኣምላኽ ቅዱስ እዩ እቶም ዝሓረዮም መንእሰያቱ ኸኣ ከምኡ ቕድስንኦም ከንጸባርቑ ይደልዮም። ኣነ ቁዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቁዱሳን ኩንለይ ይብል። ከመይ ተበልና ብዘይቅድስና ንኣምላኽ ክንርእዮ ስለ ዘይንኽእል። ሃውርያ ጳውሎስ ነቲ ፍቑር ወዱ ጢሞጢዎስ ክምዕዶ ከሎ “ብታህዋኽ ኣብ ሓድ እኳ ኢድካ ኣይተንብር ኣብ ሓጥያት ካልኦት እውን ኣይትጸመድ ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ” 1ጢሞ 5።22።

ንጽህና እዩ መልክዕ ሓደ መንእሰይ ኣማኒ። ንሱ ኸኣ እዩ እቲ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዝሃቦ ናይ ወንጌል ሓደራ ብዝግባእ ዝፍጽሞን ዝዓሞን። እዚ ከምዚ መንእሰይ እዚ ብቓልን ብግብርን ንወንጌል ክርስቶስ ስለ ዘንጸባርቖ ንብዙሓት ነብሳት ኣዩ ኣባል መንግስተ ሰማይ ክኾና ዝገብር። ደጊሙ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞጢዎስ ክምዕዶ ኸሎ “እዚ ኣዝዝን መሃርን ነቶም ኣመንቲ ብቓል በካይዳ ብፍቕሪ ብእምነት ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ” 1ጢሜ 4።11።

እወ ከምቲ ክንገልጾ ዝጸናሕና ክብሪ መንእሰይ ኣብ ቅድስና እዩ። ብዙሓት ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዘለዉ ጀጋኑ በዚ እዩ ተመስኪርሎም። እቲ ብቕድስና ዝመላለስ ንገዛእ ራሱ ኸኣ ብንጽህና ዝህሉ መንእሰይ ኩሉ ግዜ ካብ ኩሉ ጉርሕን ግብዝናን ኩሉ ሕሜትን ዝረሓቐ እዩ። እቲ ኣሰር ጽድቂ ዝስዕብ መንእሰይ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ምስ ተሃንጸ እዩ። እዚ ካብ ሓጥያት ዝተፈልየ መንእሰይ ኣካይድኡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ምስ ኣጸብቐ እዩ።

ኣምላኽ ከኣ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ከም በትሪ ሙሴ ጌሩ ክጥቀመሉ ኣይጽገመን እዩ። መንእሰያት ከምቲ ሓደ ግዜ ኣምላኽ ንኤፍሪም ኣይውዕይ ኣይዝሑል ምስ ኮኖ ዘይተገምጠለ ቕጫ ኢሉ ዝወቐሶ መንእሰይ ከኣ እዚ ክልተ ሓባራጅዋይ ህይወት ሒዙ ከይከይድ ይጠንቀቕ። ሓይሊ መንእሰይ ክብልዕ ዝደሊ ቡዙሑ እዩ እሞ። ሓይሊ እቲ ጅግና ኣማኒ ጓኖት ከይበልዕዎ ይጠንቐቕ። ኣምላኽ ናብኡ ዝቐርቡ መንእሰያት እቶም ልቢስ መንግስቲ ቅድስና ዝለበሱ እዮም ነዚ ኸኣ እዩ መንእሳያትካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ ዝተባህል።

ኣብዛ መንእሰያት ብርኽሰትን ሓጥያትን ዝመላለሱላ ዘለዉ ዓለም ከይተሳዓርናን ከይተንበርከኽና ነቲ እኩይ ሲዒርና ክነምላለሲ ቅድስናና ከም ዕጣቕ ንተዓጠቕ። ከም እንዳኒኤል ቅድስንኦም ሓልዮም ፈረድቲ ሃገር ኮይኖም ንብዘሎ ህዝቢ ዘድሕኑ ንሙኻን ከኣ ካብቲ ኣካይዳ ኣህዛብ ተፈሊኻ ርእስኻ ሓሊኻ ከይተረክስ ከኣ ሓሊንካ መንገዲ ጉዕዞ ኽርስትና ንምቕጻል ምውሳን እዩ። ኩቡራት ኣሕዋተይ መንእሰያት ንነገር ቅለትን ዕላል ኣንስትን ካባና ነርሕቆ ካብቲ ንስጋዊ ትምኒትና ዝፈታተን ንህደም። ኣምላኽ ከኣ ከም ልበይ ረኺበ ቢሉ ንጊጽ መንግስቱን ምስፋሕ ወንጌል ወዲ ኣምላኽን ክጥቀምልና እዩ። ዓስብና ኸኣ እምብዛ ክዓቢ እዩ።

2 ኣምላኽ ንኻሎት ተስፋን ሓገዝን ክትኮኖም ይደልየካ
 
እዛ ዘሎናያ ዓልም ዝበዝሕ ቁጽሪ ሒዛ ዘላ መንእሰያት እያ። ብኡ መጠን ከኣ ጸገምን ሕሰምን መንእሰያት እምብዛ ዕዙዙን ዓብን እዩ። ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ዓድታትን ብድሆ መንእሰያት ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ብፍላይ ኣብ ሃገርና እንተ መጺና ኣብ ታሪኽ ከምዚ እዋን እዚ ንመንእሰይ በዳሂ እዋን ኣይረኣናን።

መንእሰይ ሃገርና ብማሕበራዊ መንፈሳዊ ፖሎቲካውን ኢኮኖሚያዊ ነውጺ ኣዚዩ ይናወጽ ኣሎ። መጻኢ እንታይ ምኻኑ እኳ ክፈልጥ ኣይከኣለን። ኣብ ፈቐዶ ኸኣ ከም ደቂ ዛግራ ይበታተን ኣሎ። ገለ ካብዝሒ ተስፋ ምቑራጹ ዝተላዕለ እምብዛ ኸቢድዎ ክሳብ ገዛእ ርእሱ ምጥፋእ ዝበጽሐ መንእሰይ ሃገርና ብቑጽሪ ቀሊል ኣይኮነን። ብሓፈሻ መንእሰይ ወዲ ሃገር ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ። ነዚ መንእሰይ እዚ ከምዚ ኣብዚ እዋን እዚ ጌሩ ምጽንናዕን ተስፋን ዘድልየሉ እዋን የሎን። ስለዚ ንሕና ኣመንቲ መንእሰያት እዚ ናይ ምጽንናዕን ናይ ምብርታዕን ሓላፍነት ከም ዘሎና ክንዝክር ይግባኣና።
እግዚኣብሄር ብነቢይ እሴያስ ጌሩ ከምዚ ኽብል ተዛሪቡ ኣሎ “ንህዝበይ ኣጽናንዑ ኣጸናንዑ ይብል ኣምላኽኩም” እሰያስ 40፣1። ኣምላኽ እዚ እዩ ንመንእሰይ ዝጽበዮ። ኣብዛ መቐረት ዝገደላ ዓለም መቐረት ኮይኑ ንህይወት ቡዙሓት ከመቅርን ከጥዕምን። ነዚ ዶ ኣይኮነን ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም ዝበለ? እሞ ኸኣ ደኣ ኣምላኽ ጨው ምድሪ ካብ ገበረና ነቶም ኣብ ህይወቶም መቐረት ህይወት ስኢኖም ኣብ ዓቢ ተስፋ ቑርጸት ዘለዉ መንእሰያት መቐረት ክንኮኖም ብጸሎትን ብዘድሊ ኩሉ ክንጋደል ኣሎና።
ብርሃን ዓለም ምኻና ካብ ተነገርና ኸኣ ሃየ ደኣ ነታ ጸልሚታ ዘላ ህይወቶም ብርሃን ንዝርኣላ። እዚ ክንገብር ግና ነቲ ኣምላኽ ብርሃን ክንዕጠቖ ይግባእ። ነተን ወለል ዝበላ ኣእዳው ክነበርትዕ ነትን ሰንከልከል ዝብላ ዘለዋ ኣእጋር ከኣ ቀጥ ከነብል እዩ ጻዊዒት መንእሰያት ኣመንቲ።
ሎሚ ኣብ ዙርያና ንጠምት  መን እዩ ርእሱ ኣድኒኑ ዝኸይድ ዘሎ? እንታዋይ እዩ ንጽባሕ ዝጥምቶ ሲኢኑ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ዘሎ? መን ኮን ይኸውን በቃ ህይወት ይኣኸለኒ ኢሉ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስግሚ ክወስድ ተዳልዩ ዘሎ? ኣንታ ንኣምላኽ ትፈልጥ መንእሰይ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ተስፋ ከም ዘሎ በቲ ኣብ ህይወትካ ዘሎ ተስፋ ኽብሪ ኣርእዮም።
ነቶም ጸልማት ጥራይ ዝርኣዮም ብርሃን ከም ዘሎ ብቓልካን ግብርኻን ኣርእዮም። ነቶም ኣብ ሓዊ ነበልባል ሓዊ ዝጥበሱ ዘለዉ መንእሰያት መንጢልካ ኣውጻኣዮም። እቲ ዝዓበየ ጻዊዒት ኣምላኽ እዚ እዩ። እቲ ኣብ ጎይታና የሱሱ ዝነበረ መንፈስ እሞ ኸኣ ንእሱራት ሓራ ንሑዙናት ከኣ ዘጸናንዕ ንስቡራት ልቢ ኸኣ ዝዝንን ዝነበረ ኣባና እምብዛ ክዓዝዝ እሞ ናይ ምንጋፍን ሓርነትን ኣገልግሎት ንምግልጋል ምስ መንፈስ ኣምላኽ ጠቢቕና ንተጸዋዕናሉ ዓላማ ደው ንበል።

3 ኣምላኽ ንመንእሰይ እሙን ክኾኖ ይደልዮ።

ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ መንእሰይ ፈውሲ ሕብረተሰብ እንድዩ። ካብቲ ሓደ ፈውሱ ዘረጋግጸሉ መዳይ ከኣ ተኣማንነቱ ወይ እሙንነቱ እዩ። ኣምላኽ ንመንእሰያት ኣብ ኩሉ ወገን ህይወቶም እዩ እሙናት ክኾኑ ዝብህጎም። ኣብቲ መንፈሳዊ መዳይ እሙናት ኣብቲ ማሕበራዊ ኩነት እንተ ኾነ እውን ከምኡ። ኣብ መወዳእታ ተናኢዱ ዝወጽእ እቲ ኣምላኽ ዝንእዶ እዩ። እቲ ኣምላኽ ዝንእዶ ኸኣ እቲ እሙን እዩ። ኣንታ እሙን ባርያይ ኣብ ሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ቡዙሕ ክሽመካ እየ ከም ዝበለ። የሱሱ ሎሚ ኣብዛ ንፍርዲ ትሕሎ ዘላ ዓለም በቲ ኣምላኽ ዝሃበና እሙናት እንተ ኾይና ኢና ንሱ ኸኣ ካልእ ዝውስኸና። ሰባት ብዝብልዎ ዘይኮኑ ዝሙጎሱስ ብተኣማንነቶም እዮም ክብሪ ዝረኽቡ።
ምንልባት ኣብዛ ዓለም ኣሙናት ብምዃና ካብ ደቂ ዓለም ናእዳ ኣይንቕበልን ንኸውን ግናኸ እቲ ካብ ናእዳ ኹሉ ዝበለጸ ናእዳ ኣምላካዊ ሓበን ምርካብና ግና ኣይተርፍን እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኮነን ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ” ዘሁ12 7።
ኩቡራት መንእሰያ ንርኢ ዘሎና እሙን ሰብ ዘለዎ ዓቢ ምስክር ኣምላኽ። ኣሙን ሰብ ፍሪኡ ዓቢ በረኸቱ ቡዙሕ መድሃኒቱ ኸኣ ፉቱን እዩ ነዚ ኸኣ እዩ ኣብ ምሳሌ 13።17 “ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ” ሎሚ ግዜ ዘመን ካኣ እኮ መንፈሳዊ ጥዕና እዩ ዝድለ ዘሎ። እሞ እሙናት ንኹን። እሙን ሰብ ጥራይ ከኣ ኣዩ ኣዚዩ ዝባርኽ ከመይሲ በረኸት ኣምላኽ ነቶም ዘይዘርዉ እሙናት ስለ ዝኾን።
ሎሚ መንእሰያት በየናይ ሸነኽ ህይወትና ኮን ኢና እሙናት ዘይኮና ዝሎና? ቅድስናና ብዘይምሕላውና ዶ ኾን ንኸውን? ዝተቐበልናዮ ሓድራ ኣጽኒዕና ብዘይምሓዝና ዶ ኾን ይኸውን? ዝተዋህበናዮ ሚስጥራዊ መልእኽቲ ብምዝራውና ዶ ኾን ይኸውን?
ጎይታ ክዛረብ ከሎ “ እቲ ጐይትኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህብም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝሽሞ እሙን ኣስትውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ? ጎይትኡ ክመጽእ ከሎ ከምዚ እናገበረ ዝረኽቦ ባርያ ቡጹኡ እዩ። ኣብ ኩሉ ገንዘቡ ከም ዝሽሞ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ማቴ 24።45-46። ንሕና መንእሰያት ሰብ ሕድሪ ኢና እሞ ኣብ ብዙህ ከኣ ክንሽየም ብኹሉ እሙናት ንኹን እሞ ብድሕርዚ ካብ ኣምላኽ መጎስ ረኺብና ቡዙሓት እሙናት ከኣ ከነፍሪ ኢና።
4 ኣምላኽ ንመንእሰይ ኣብ እምነቱ ጹኑዕን ተባዕን ክኽውን ይደልዮ
ንመንእሰይ ዝፈታትንን ዝብድህን ነገር ማእለያ የብሉን። ብፍላይ ነቲ ሰዓቢ ኣምላኽ ብፈሪሓ ኣምላኽ ከኣ ዝመላለስ ካብ ሰይጣንን ዓለምን ስጋን ሰባትን ዘለዎ ፈተናታት ዕዙዙ እዩ። መንእሰይ ብኣምላኽን ብሰይጣንን እምብዛ እዩ ዝበሃግ እሞ ብኽልቲኦም ወገን ተድላዪ እዩ። ሰይጣን ኣብዚ እዋን እዚ ነዛ ዓለም ንኣእምሮ መንእሰያት ብምጥዋይ እዩ ዝመርሓ ዘሎ። ነቲ ኣብ ፍቕር ኣምላኽ ተተኺሉ ዘሎ ኣማኒ መንእሰይ ክፈሊ ኸኣ ገድሉ ካብ ማንም ጊዜ ኣዛይዱ ይርከብ።
ካብቲ ሓደ መንእሰይ ሰዕቢ ኣምላኽ ከጥርዮ ዘለዎ ባህሪ ኸኣ እምበኣር እዚ ናይ ጽንዓት መንፈስ እዩ።  ኣምላኽ ከኣ ነዚ ዝፈልጥ እዩ ኩሉ ግዜ ንባረቱ ጽንዑን ትብዑን እናበለ ዘጸናንዕ። ካብቲ ኣምላኽ ንባረቱ ዝበሎም ገለ ንምጥቃስ እንተ ኣድለየ እውን ንእያሱ ዝተዛረቦ ንርኣ “ጽናዕ ትባዕ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራህን ኣይትሸበረን ከኣ’ ኣያ 1።9
እዚ ቓል እዝ ኣብ ዘዳግም 31።6 ሙሴ ንእያሱ እውን ኢልዎ ኔሩ እዩ “ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እስራኤል በሎ ንስኻ ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ ንስኻ ድማ ክተረስትዮም ኢኻ እሞ ጽናዕ ትብዕ ኸኣ እቲ ቀቅድሜካ ዝኸይድ ከኣ እግዚኣብሄር እዩ። ንሱ ምስኻ ክኸውን ኣይጠልምካን ኣይሓደገካን ከኣ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ” ይብሎ።
ከም መንእሰያት ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢ በረኸትን ክብርን ኢና ንዳሎ ዘሎና ናብኡ ኸኣ ንገስግስ ግናኸ ተጻባእትን መፍራሕትን ከምኡ ኸኣ ወሓጥን እምብዛ ግዘፍቲ እዮም ግናኸ ኣብቲ ዘሎናዮ ደው ኢልና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝተገተረ ነገር ከይረኣና ንቕድሚት ንምኻድ ክንጸንዕን ክንተብዕን እምበር ክንጀጁ የብልናን። እቲ ዝዓበየ ናይ ጽንዓትና ምኽንያት ኣምላኽ ምሳና ምህላዉ እዩ። ነዚ ፈሊጥና ከኣ እዩ ኣምላኽ ክንጸንዕ ዝደልይና።
ኣያሱ ብኣምላኽን ብሙሴን ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣዚዩ ዓቢ እዩ ዘፍርሕ ከኣ እዩ። ሙሴ ንደቂ እስራኤል ክመርሖም ከሎ ዝረኸቦ መከራን ስቃይን ውርደትን እንታይ ምኻኑ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። ኣሽንካይዶ ንሱስ ሙሴ ኣኳ ምስ እዚ ኩሉ ዓቅሉ ብሰንኮም ተፈቲኑ ካብታ ናይ ተስፋ ሃገር ከም ዝተርፈ ይፈልጥ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ኣምላኽ ነዚ  ሓልፍነት ሂብዎ  ምስኡ ኸኣ ሓደ ተስፋ ኣትዩሉ ንሱ ኸኣ ምስኡ ምኻኑ ስለዚ ክትበዕን ክጸንዕን ከም ዘለዎ።
እያሱ ኸኣ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ክወጾ እቲ እንኮ ኣምራጺ ኣብ ኣምላኽ ምጽናዕ ምኻኑ ተርዲኡ ኣብኡ ደው ኢሉ ንሰላሳን ሓደን ንገስታት ስዒሩ ንደቂ እስራኤል ኣብቲ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ቦታ ኣብጺሑ ብዓወት ናይዚ ምድሪ ኣገልግለቱ ኣብ መብል 110 ዓመት ወዲኡ ሓሊፉ።
ንሕና ኸኣ መንእስያት ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዓቢ ዝምስል ሓላፍነት ብመንፈስን ሓይልን ኣምላኽ ክንዓሞ ከም እንኽእል ኣሚና ጎይታ ክንጸንዕ እዩ ዝደልየና። ጎይታና የሱሱ ክርቶስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ዘይጠቕሙ ዝመስሉ ደቂ መዛሙርቱ እቲ ናይ መወድእታ ተስፍኡ ኪዱ ወንጌል ስበኹ ጥራይ ኢሉ ዘይኮነ ሓዲግሞ ምስኡ ወሲኹ እውን ኣነ ምሳኹትም ኣለኹ ኢልዎም እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ከም ናተይ ሰዓብቲ ነዚ ሂበኩም ዘለኹ ሓደራ ወንጌል ከተብጽሑ ጽንዓትን ተባዓትን ኩኑ። ከመይሲ ኣነ ምሳኹም ኣሎኹ። መንእሰይ ከኣ ናይ ለውጢ ሞተር ስለ ዝኾነ ከም እቶም ንኡሳት ሃዋርያ ነዛ ዓለም ክስዕራን ብወንጌል ባርዕ ከኣ ከባርዓን ሎሚ ክጸንዕ ኣለዎ ከይፈረሓ  ክትብዕ ይግባእ።