20
Sat, Apr
0 New Articles

ንኪመውት እተወልደ

Message 3
Typography

"ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።" (2ይ ቈረንቶስ 9:15) ቅድሜ ሓደ ወርሒ ናይ 2013ን 'ክርስትማስ'(Christmas) ጊዜ እዩ ነይሩ። እዚ እዋን እዚ ብትኽክለኛ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢት ድዩ ዋላስ ከም ልምድን ከም ናይ ሰብ ባህልን፡

ብግምት ዳርጋ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ህዝቢ ዓለም ውህብት 'ክርስትማስ' ካብ ንሕድሕዶም ብምቅብባል ዓቢዪ ሓጎስ ኪሕጐሱ ዚፍትንሉ ጊዜ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ በዚ እዋናት እዚ ብዙሓት ነፍሲ ቅጥለት ብምፍጻም ህይወቶም ዘጥፍኡሉ ጊዜ እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ ብሕታዊነት ዘስዓቦ ትስፋ ምቑራጽን ፍጹም ናይ ህይወት ትርጉም ኣልቦነትን እዩ። እዚ ማለት "ንኣይ ውህበት 'ክርስትማስ'

ኪበኒ ዝኽእል ናይ ቀረባ ሰብ የብለይን፡ ደጊም ንዓይ ምንባር ትርጉም የብሉን፣ህይወት ትርጉም የብሉን. . . ወዘተ" ዚብል።

እዚ ድማ ናብ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ የምጽኣና። ንሱ ከኣ ብዙሓት ደቂ ሰባት፡ እዚ ማለት እቶም ውህብት 'ክርስትማስ' ካብ ንሕድሕዶም ብምቅብባል ዓቢዪ ሓጎስ ኪሕጐሱ ዚፍትኑ ሰባት ኩሎምን እቶም በዚ እዋን 'ክርስትማስ' ውህበት ስለ ዘይተቀበሉ ብምኽንያት ዓሚቕ ብሕታውነት ብዝመጽእ ተስፋ ምቑራጽ ነፍሲ ቅጥለት ብምፍጻም ህይወቶም ዘጥፍኡ ሰባት ኩሎም፡ ብትኽክል ዘይተገልጸሎምን ኣብ ህይወቶም ብፍሉይ መገዲ ዘይተቀበልዎ ሓደ ፍሉይ፣መሰረታዊ፣ ዘለኣለማዊ ፣ሰማያውን ዘይንገር ውህበት ኣምላኽ (Unique, Crucial, Eternal, Heavenly and Indescribable Gift Of God) ከም ዘሎ እዩ።

እቲ ኣብ ምሉእ ፍጥረት ኣምላኽን ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰባትን ካብ እተራእዩ እተፈላለዩ ኣዎንታዊ ውህበታት ኣምላኽ እቲ ዚዓበየ፣ ዚለዓለ፣ ዚበለጸ፣ዚኸበረ፣ እተፈልየ፣ካብ ኩሉ ነገር እተመርጸ፣ መወዳድርትን ብቑዕ መግለጺ ቃልን ዘይርከቦ ውህብት ኣምላኽ እንታይ ምዃኑስ ንፈልጥዶ፧

"እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።" (2:11)

ስለምንታይ እዚ መልኣኽ ንልደት ጐይታና የሱስ "ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ" ኢሉ ሰምይዎ፧ ስለምንታይከ ነዚ ኩሉ ዚኽእልን ፈጣሪ ኩሉ ዚዀነ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከም ሰብ ኰይኑ ኪውለድ ኣድለዮ፧ ንሱ እኮ ኩሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ንምንታይ ናብ ማህጸን ሓንቲ ድንግል ከይኣተወ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ኣርያም ኣብቲ ዘገርም ናይ ክብሪ ዝፋኑ ኰይኑ፡ በቲ ንኩሉ ኪመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ ገይሩ( ምስ ፊሊጲ 3:21 ኣነጻጽር)፣ ሰብ ኰይኑ ብምላድ ዘይኰነስ ብካልእ መገዲ "ንዂሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ" ዘየምጸአ?

ናብቲ ፍጹም ውስንነት ደቂ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ብምእታው ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኪውልድ ዘድለዮ መሰረታዊ ረቛሒ እንታይ እዩ?

እቲ መልሲ ሓጥኣት እዩ!

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዚፈጠሮ ፍጥረታት ኩሉ ባዕሉ ዚፋኑ ሓዲጉ ምምጻእ ከየድለዮ ኬዕርዮ፣ ኪጽግኖን ናብቲ መጀመርታ ዚነበሮ ክብሩ ኪመልሶን ኪሕድሶን ኪኢሉ እዩ፡ ኣጸቢቁ ይኽእል እዩ ድማ። ንኣብነት ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ከም እንሪኦ፡ ነታ በረኻን ጥራያን ዚነበረት ምድሪ ናይ ስልጣን ቃሉ ብምዝራብ ከመይ ከም ዘጸበቓ ነንብብ። ነቲ ድቕድቅ ጸልማትውን "ብርሃን ይብራህ" ብዝብል ናይ ስልጣን ቃሉ ኣወጊድዎ። ኣብ ሰማይውን ንጸሓይ፣ንወርሒ፣ ንከዋኽብቲ ብዘይ ምቁራጽ ብርሃን ንኪህቡ ብስልጣን ቃሉ ኣዚዝዎም። እምባኣር እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዓለም እንተ ተበላሽያ ብስልጣን ቃሉ ይጽግና፣ ሰብ እንተ ሓሚሙ በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ይፍውሶ። መገዲ እንተ ተጋጊዩውን ናብቲ ትኽክለኛ ናይ ጥንቲ ጐደናታት ህይወት ይመልሶ።

ሰብ ሓጢኣት ምስ ገበረ ግና፡ ነቲ ናይ ሰብ ሓጢኣት ፍጹም ብዚዀነ መገዲን ምሉእ ብምሉእን ኬርሕቅ ዚኽእል ኣካል ካብ ዘርኢ ሰብ፣ ካብ መላእኽቲ ኰነ ካብ ካልእ ዚዀነ ፍጥረት ኣይተረኽብን ፈጺሙ! ኣምላኽውን ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋኑ ጥራይ ብምዃን ፍታሕ ኪረኽበሉ ኣይከኣለን ፈጺሙ።

ደቂ ሰባት ንሓጢኣት ካሎኦት ናይ ምብጃው ክእለት ብፍጹም የብሎምን። ስለ ምንታይ? ምኽንያቱ ካብ ደቂ ኣዳም ኩሎም ካብ ሓጢኣት ነጻ ዚዀነ ሰብ ዋላ ሓደ የለን።

ኣብ ሮሜ 3:9-18 ጳውሎስ ብዛዕባ ኩሉም ደቂ ሰባት እዚ ዚስዕብ ዘገርም ሓቂ ይገልጽ፡ "እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሐቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። ኣፎም መርገምን" ምርን ምሉእ እዩ። ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።"

ቀጺሉ ኣብ 3:23 እውን ከምዚ ይብል፡ "ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።" ብምቅጻል ኣብ ሮሜ 6:23 ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ "ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡"

እምብኣር ደቂ ሰባት ኩሎም ሓጢኣተኛታት ስለ ዚዀኑ፡ ብምኽንያት ነናይ ገዛእ-ርእሶም ሓጢኣት ድማ ኩላቶም ንዘለኣለማዊ ሞት እተፈርዱ ስለ ዚዀኑ ንሓጢኣት ገዛእ-ርእሶም ኰነ ንሓጢኣት ካሎኦት ሰባት ምትዕራቅን ምብጃውን ኬምጽኡ ዚኽእሉ ኣይኰኑን ፈጺሞም!

መላእኽቲ ንሓጢኣት ደቂ ሰባት ምትዕራቅ ዜምጽእ ምብጃው ኬምጽኡ ኣይክእሉን ፈጺሞም። ስለ ምንታይ? ብኽልተ ፍሉያት ምኽንያት፥

ቀዳማይ መላእኽቲ ስጋ ኪለብሱ እዚ ማለት ሰብ ኪዀኑ ኣይክእሉን ፈጺሞም፥ ምኽንያቱ ድማ መላእኽቲ ፍጡራት ማለት ፍጥረት ኣምላኽ ስለ ዚዀኑ ኩሉ ዚኽእሉ ኣይኰኑን። እወ መላእኽቲ ኩሉ ኪገብሩ ዚኽእሉን ኩሉ ኪዀኑ ዚኽእሉን ኣይኰኑን ፈጺሞም። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኩሉ ዚኽእል! ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኩሉ ኪገብን ኩሉ ኪኸውንን ዚኽእል። እታ ካልኣይቲ ምኽንያት፡ መላእኽቲ ስጋ ኪለብሱ ስለ ዘይክእሉ ስለ ካልኦት ብምሟት ደሞም ኬፍስሱ ኣይክእሉን ፈጺሞም።

ክርስቶስ ኩሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። እዚ ስለ ዚዀነ ድማ ስለ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ብምሟ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብደሙ መእታን ኪብጀወናን ንዘለኣለም ገንዘቡ ኪንከውን ብኽቡር ዋጋ ንዘይሓልፍ ዘይረክስ ዘይጽምሉ ዘይጠፍእ ክቡር ህይወት ምንእንቲ ኪዕድገና ፍጹም ሰብ ንምዃን ካብ ድንግል ተወሊዱ!

"ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።" (ወንጌል ዮሃንስ 1:1-3)። "እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።" ((ወንጌል ዮሃንስ 1:14)

እዚ ማለት እቲ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 7:14 "ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።" ዚብል ዘይሓልፍ ትንቢት ተፈጺሙ ማለት እዩ።

ኣብ ማቴዎስ 1:20-23 እውን "ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21 - ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። 22 - እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ 23 - እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ።" ይብል።

እምባኣር ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ናይ ምላዱ መሰረታዊ ዕላማ እንታይ እዩ? ንኩሉ ሓጢኣተይ፣ሓጢኣትካ፣ሓጢኣትኩም፣ ንኩሉ ሓጢኣት ዓለም ምንእንቲ ኼርሕቕ ነቶም ብስሙ ዚኣመንና ዘብልና ኩላህና ድማ በቲ ክቡር ደሙ ዓዲጉ ንቦኡ ንዘለኣለም መንግስትን ካህናትን ምእንቲ ኪገብረና። "ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።" (ራእይ ዮሃንስ 1:5-6)

"ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።" (((ወንጌል ዮሃንስ 1:29)

እዚ ገንሸል ኣምላኽ እዚ ሓጢኣትና ዜርሕቖ ብኸመይ መገዲ እዩ? ኣብ መስቀል ብምሟት! እምባኣር በዚ ምኽንያት ኢና ነዚ ትምህርትና 'ንኪመውት እተወልደ መድሓኒ' ዝብል ኣርእስቲ ሂብናዮ ዘለና።

"ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ 5 - ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። 6 - እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዂሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈለጦንውን። 7 - ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8 - ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ።" (1ይ ዮሃንስ 3:4-8)

"እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና። 15 - ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዂላቶም ሞተ። 16 - ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። 17 - ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኲሉ ሓድሽ ኰይኑ። 18 - እዚ ዂሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዐርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሀበና ኣምላኽ እዩ። 19 - ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።" 20 ፡ 21 - ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።" (2ይ ቘረንቶስ 5:13-21)

ሎሚ ዝዀንና እንተ ዀንና ካብቲ ጳውሎስ ቅድሚ ምልዋጡን ንክርስቶስ ምስዓቡን ዚነበሮ ቅናኣት ንኣምላኽ፣ ናይ ሃይማኖት ጽድቂ፣እተፈላለየ ናይ ስጋ ትምኽሕቲ ዚበለጸ ነገር ዘለዎም ኪንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ ብዛባ እቲ ቅድሚ ክርስቶስ ኣብ መገዲ ደማስቆ ተራኺብዎ ምልዋጡ (ግብሪ ሃዋሪያት 9 ኣንብቡ) ዚነብሮ ናይ ሃይማኖት ትምኽሕቲ ኪገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፥ "ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ 4 - ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዚእመኑሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ ኣሎኒ። 5 - ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ 6 - ብቕንኣት ስጓጒ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ። 7 - እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። 8፡9 - ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዂሉ እተወጻዕኩ፡ ኲሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ።" (ፊሊጲ 3:3-9)

እዚ ኣዚዩ ፍሉይ ስጋዊ፣ዓሌታዊ፣ሃገራዊ፣ፖሎትካዊ፣ሃይማኖታዊ፣ ትምኽሕቲ ተጠፍጢፉ ዚነበረ ጐብዝ መንእሰይ ጳውሎስ ብኸመይ መገዲ ካብዚ ዘይጠቅም ካብ ትሕቲ ሰማይ ዘይሓልፍ ትምኽሕትታቱ ኪገላግልን ኪናገፍ ከኣለ? ንርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዚዩ ብምትሓት!

"ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዂሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።" (1ይ ጢሞቴዎስ 1:15-17)

ያእቆብ ሓው ጐይታና የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፥ "ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። 7 - እምብኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ። 8 - ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእድውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ። 9 - ተሸገሩን ጒሀዩን ብኸዩን። ስሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። 10 - ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።" (ያእቆብ 4:6-10)

ሎሚ ነዚ ጐይታዚ ኣብ ህይወትኩም ኪመጽእ እንተደኣ ብሓቂን ብጽሩይ ልብን ጸዊዕኩምዎ ሕጂ ብቅጽበት ኣብ ውሽጢ ልብኹም ከም ዚኣቱ ቃል ኣምላኽ ካብቲ ኣዚዩ ብርቱዕ ናይ ጸሓይ ብርሃን ብዚሓየለ መገዲ ከም ዘረጋግጸልኩም እምስክረልኩም ኣለኹ።

እዚ ኣዚዩ ክቡርን ኣዚዩ ፍሉይን ክርስቶስ እዚ ኣብ ህይወትኩም እንተ ኣትዩ ድማ ሎሚ ነቲ ኣብ ምሉእ ፍጥረት ኣምላኽን ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰባትን ካብ እተራእዩ እተፈላለዩ ኣዎንታዊ ውህበታት ኣምላኽ እቲ ዚዓበየ፣ ዚለዓለ፣ ዚበለጸ፣ዚኸበረ፣ እተፈልየ፣ካብ ኩሉ ነገር እተመርጸ፣ መወዳድርትን ብቑዕ መግለጺ ቃልን ዘይርከቦ ውህብት ኣምላኽ ተቀቢልኩም ከም ዘለኹም የረጋግጸልኩም ኣለኹ!

ድሕሪ እዛ ሰዓትዚ ኣምላኽ ካብኹም ዚደልያ ሓንቲ ነገር እንተላ ኣብ ኩለን መዓልትታትኩም "ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ" ብፍሉይ መገዲ እና ኣመስገንኩም(2ይ ቈረንቶስ 9:15) ንእኡ ጥራይ ዘኽብር ህይወት ሕዝኩም ክትመላለሱ!

ሰላም ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን! ኣሜን!

ሓዉኹም ኣሸር ሰመረ