19
Fri, Apr
0 New Articles

ለበዋ ኤሪ ወንጌል ን2008 (ሳልሳይ ክፋል)

Message 1
Typography

ህድእ ምባል መገዲ ክብሪ ኣምላኽ ምዃኑ ምርዳእ

ኩቡራትን ፍትዋትን ተኸታተልቲ ኤሪ ወንጌል ኣብዚ ቕንያት እዚ ነዚ ዓመት ዝኸውን ለበዋ ወይ ማዕዳ ነቕርበልኩም ኣሎና፣ ብዛዕባ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽዱቁን ምድላይን ንኣምላኽ ምፍራህን ዝብል ሪኢና ኔርና ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ ህድእ ምባል መንገዲ ክብሪ ኣምላኽ ምኳኑ ዘተንብህ ለበዋ ከነመሓላልፍ ኢና፣

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓደ ጊዜ ንህዝቡ ደቂ እስራኤል ብነቢዪ ኢሰያስ ጌሩ ክዛረበም ከሎ ከምዚ ይብሎም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ክኸውን እዩ ግናኼ ኣቤኹም” ኢሰያስ 30።15፣ ዳዊት እውን ኣብ መዝሙር 46።10 “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምኳነይ ኣስተብህሉ” ዝብል ጥቕሲ ኣንቢሩልና ኣሎ፣

ሎሚ ኣብዛ ህድኣት ዘይብላ ዓለም ሃዲእካ ንኣምላኽ እናተጸበኻ ምንባር ናይ በረኸታት እቲ ዝዓበየ በረኸት እዩ፣ ህድኣት ዘለዎ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንኣምላኽ ምጽባይ ፍጹም ኣይጽግሞን እዩ የዒንቱ ኸኣ ወትሩ ናብ ፈጣሪ እዩ፣ ብህድኣት ጥራይ ከኣ እዩ ናብ ዓወትን በረኸትን ዝብጻሕ፣

 ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙር 147።10-11 “ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን በእጋር ሰብ ኣይሕጎስን እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎን ንጸግኡ ዚጽበዩ ይሕጎስ” ኢሉ ብምዝማሩ ባህታ ኣምላኽ ኣብቶም ንዕኡ ብህድኣት ዝጽበዩ ሰባት ምዃኑ ገሊጹን ኣተንቢሁን ኣሎ፣ እዛ ዓመት እዚኣ ብኸመይ ኮን የሕሊፍናያ ንኸውን? ብዝተፈጥረ ኩነታት ኣብ ከመይ ዓይነት ሸበድበድ ኮን ኣቲና ንኸውን? እስከ ንገዛእ ርእስና ንፈትሽ እሞ እዛ ትመጽእ ዘላ ዓመት ካብታ ዝሓለፍናያ ዓመት ፍልይቲ ክትኮነልና መታን ንኣምላኽ ብህድኣት ንምጽባይ ንወስን፣

ኣብ ታሪኽ ንኣምላኽ ብሰንኪ ህድእ ኢሎም ዘይምጽባዮም ዝኸሰሩ ማለያ የብሎምን ከምኡ ኸኣ ንኣምላኽ ብህድኣት ብምጽባዮም ክብሪ ኣምላኽ ዝረኣዩ ሰባት ኣዚዮም ብዙሓት ሰባት እዮም ሎሚ ንሕና ካበየኖት ወገን ኮን ንኸውን? ሓደ ጊዜ ኣምላኽ ንኤልያስ ኣምላኽ ኣምላኽ ህድኣት ምኻኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹሉ ኣሎ “ንሱ ኽኣ ወጺእኻ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሀር ደው በል በሎ፣ እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሓለፈ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዚዩ ቡርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን፣ ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሓዊ ነበረ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቁሩብ ደሃይ መጸ ኮነ ኸኣ ኢልያስ እዚ ምስ ሰመዔ ገጹ ብባርኖስ ኸደነ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ፣ እንሆ ድማ ድምጺ ናብኡ መጺኡ ኣታ ኢልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ በሎ>> 1ነገ 19።11-13፣ እዚ ጽሑፍ እዚ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲ ንዓና ኣለዎ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ኣብቲ ህድኣት ዘለዎ ከም ዝርከብ እዩ፣

ብዙሕ ግዜ ናብትን ናብትን እናበልና ጸፋዕፋዕ ኢልና ኢና ገና ግና መፍቲሒ ኣይረኸብናን ዘሎና ንጸገምና ዝኸውን መውጺእ እውን ገና ኣይረኣና ዘሎና ናይዚ ኹሉ ሳዕቤን ከኣ ኣነ ንስካትኩምን ንኣምላኽ ብህድኣት ስለ ዘይተጸበናዮ ኢና፣ ኣምላኽ ክንጎየሉ ዘይኮነስ ህድእ ክንብለሉ እዩ ዝደሊ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድእ ዝብል ኩሉ ጊዜ ሚስጥር ኣምላኽ ኣብ ዱንኳኑ እዩ ዝሓድር፣ እቲ ህድእ ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ ንኣምላኽ ምጽባይ ዝፈልጥን ዝኽእልን፣ እቲ ንኣምላኽ ብህድኣት ዝጸባበዮ ሰብ ከኣ እዩ ጊዜ ኣምላኽን ዘመኑን ዘለሊ፣ ኣምላኽ ህድእ ኢልና ንሱ መን ምዃኑ ከነስተውዕልን ክንፈልጥን ይደልየና ኣሎ፣

ኣቦታትና ሃዲኦምን ተጸብዮምን እዮም ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወሎም ክብርን ብጽእናን ወሪሶም፣ ሓያል ሰብ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝብለና ኩሉ ዝኽእል ወይ ዝፈልጥ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድኣ ዝብል ሰብ እዩ ኣምላክ ከኣ ከይባረኾ ከምዘይሓልፍ ርዱእ እዩ፣

ነዛ ድሕሪ ቑሩብ መዓልታት እንኣትዋ ዓመት ናይ ህድኣት ዓመት ክትኮነልና ኣዚና ክንጽሊ ይግባኣና፣ ከመይ እንተበልና እቶም ብህድኣት ኣብ ዘመናት ኩሉ ንኣምላኽ ዝጽበዩ ሰባት ጥራይ እዮም ንኣምላክ ዝርእይዎን ዘስተብህሉሉን፣

ኣብ 2007 ዝሓለፍናዮ ናይ ሸበድበድን ሸገርገርን እዋን ኣብዚ 2008 ከኣ መታን ከይድገም ኣዚና ንጠንቀቕን ንፍራሕና፣ ብርግጽ ንሕና ኣመንቲ ካብ ፈተና ኣብ ዝኾነ ዓመትን ጊዜን ነጻ ኣይንኸውንን ኢና፣ መልኽዕ ፈተና ይቀያየረ እምበር ኣይተርፍን እዩ፣ እዚ ኣቐዲሙ ብመድሓኒና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ተነጊሩና እዩ፣ ነዚ ኣብ በብዓመቱ ብዝተፈላለየ ዓይነት መልኽዕ ዝመጸና ፈተና ክንሰግሮ ግና ናይ ግድን ወትሩ ኩሉ ጊዜን እዋንን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድእ ንበል፣

ኣብቲ ባሕሪ ብቕድሚት ፈርኦን ከኣ ብድሕሪት ኮይኑ ንደቂ እስራኤል ኣብ ዘሸብረሉ ጊዜ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድእ ብምባል እዩ ነቶም ጭፍራ ዝሰዓሮም ንሕና ከኣ ካብኡ ብዘይፍለ እኳ ደኣ ብዝበለጸ ኣብ ልዕሎ ተጻረርትና በሊጽና ክንወጽእ ህድእ ንበል፣

ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ እዋና ናይ ሸበድበድ ጊዜ እዩ እሞ ንጠንቀቐሉ ደኣ፣ ሃዋርያት ህድኣ ኢሎም ንኣምላክ ስለ ዝተጸበዩ እዮም ሓይሊ መንፈስ ቁዱስ ዝረኸቡ እሞ ንሕና ኸኣ ነት ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኩሉ ኩነታት ክንሰግሮ ህድኣ ኢልና ካብ ኣምላኽ ሓይሊ ንቀበል፣

ኣብርሃም ህድኣ ስለ ዝበለ ኣብ መውዳእታ ሰሓቕ ዓጺዱ እዩ እሞ ንሕና ኸኣ መወዳታ እንዳእቲ ሓጎስ ከነኣቱስ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ጎይታ የሱስ ህድእ ንበል፣ ዳዊትን ዮሴፍን ብህድኣት ክብሪ ጨቢጦም እዮም እሞ ንሕና ከኣ ክብሪ ወዲ ኣምላኽ ክንርኢን ክንውንንን ሎሚ ብዝመጸና ዋዒ ከይስንበድና ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ህድእ ንበል፣ ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ዝፋኑ ኣሎ ነቶም ብህዳት ዝጽበይዎ ኸኣ ኣይሕፍሮምን እዩ ስለዚ ነዛ ትመጸና ዘላ ዓመት ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ህድእ ንብለላ ዓመት ኣምላኽ ይግበረልና፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድእ ምባል እምበኣር መገዲ ክብሪ ኣምላኽ እዩ፣