18
Thu, Apr
0 New Articles

ኩለንትናኻ ንኣምላኽ ምውፋይ

Message 1
Typography
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 12። ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ተዛሪቡ ኣሎ። “እምበኣርሲ ኣሕዋተየ። ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ። ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ፣ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ፣ እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ክትምርምሩስ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር። ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ፣” ሮሜ.12።1-2፣ ብጎይታ ምስ ኣመንና እቲ ቅድሚ ናብኡ ምምጻእና ዝነበረ ኣተሓሳስባና ብቅጽበት ስለዘይድምሰስን ስለዘይቅየርን ከምቲ ኣብ ዓለም ከሎና ንሓስቦ ዝነበርና ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እናሓሰብና ክንነብር ንኽእል ኢና፣ ሕጂ ግን ዘይከምቲ ቅድሚ ምእማንና ዝነበርናዮ ገለ ከይተሰምዓና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣

ህይወትና ከኣ ነቲ ኣብ ሮሜ 7 ዘሎ ኣንጻር እቲ ዝደልዮ ዝገብር ሰብ ትመስል፣ እምበኣርከስ ካብዚ ምእንቲ ክንገላገል ስጋናን ነፍስናን ንጎይታ ከነወፊ ከምዘሎና ይምዕደና፣ ስጋኻ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ ናትና ፍቓድ ዝሓትት ተግባር ስለዝኾነ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ማዕዳ ጌሩ ኣቕሪቡልና፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምሕረት እዩ ዝምዕደና ዘሎ፣ ጎይታ ዝገበረልና ምሕረት ከነስተንትን ከሎና ብዙሕ ነገር ክንገብረሉ ንደሊን ንመባጻዕን ኢና። ንሱ ግን ከምቲ ብዘመን ብሉይ መስዋእቲ ምሕራር ዘቕርቡሉ ዝነበሩ ስጋና ህያውን ቅዱስን ንእኡ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርና ከነቕርበሉ ይደሊ፣ ቅድሚ ገንዘብና። መዝሙርና። ስብከትና . . . ስጋና ህያው መስዋእቲ ጌርና ከነቕርበሉ ይደልየና፣ እተን ድላየን ዝርእያ ዝነበራ ኣዒንትና። ድላየን ዝገብራ ዝነበራ ኣእዳውና። ዘየድልየን ዝሰምዓ ዝነበራ ኣእዛንና። ናብ ዘይግቡእ ቦታ ንኸደለን ዝነበርና ኣእጋርና።

ንብዙሓት ዘነኣኣስናላን ዝዘለፍናላን ልሳንና ፈቒድናን ወሲንናን ንጎይታ ክንህቦ ከሎና ስጋና መስዋእቲ ጌርና ንጎይታ ኣቕሪብናሉ ይበሃል፣ ስጋና ንኣምላኽ መስዋእቲ ጌርና ከነቕርበሉ ከሎና ኣካላትና ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ንገብር ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ነቲ ኣረጊት ሰብና ዘበራትዕ ነገራትውን ስለንሕሎ ነቲ ኣረጊት ሰብና ኣብ ጸጽባሕ ንምስቃሉ ይቐለልና፣ ኣካላትና ንጎይታ ምስ ወፈና ቃሉ ብምንባብ። ብምስትንታንን ብምእዛዝን እናወሰኽና ስለንኸይድ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ንዓቢ ብኣተሓሳስባና ንምልዋጥ ከኣ ድሉዋት ንኸውን፣ ኣብ ጥቕሲ ክልተ ድሕሪ ስጋና ህያው መስዋእቲ ጌርና ምቕራብና ኣተሓሳስባና ክልወጥ ከምዘለዎን ካብ ዓለም ክንፍለ ከምዘሎናን ይመኽረና፣ ዓለማውነት ናይ ኣተሓሳስባ ነገር እምበር ደጋዊ ትርኢት ኣይኮነን። ሓሳብና ከኣ ብዘይካናን ብዘይካ እግዚኣብሄርን ዝፈልጦ ስለዘየለ ብደገና ካልእ እናመሰልና ብውሽጥና ግን ዝወጸሎም ዓለማውያን ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ዓለማውነት ኣከዳድና። ኣመሻሽጣ። ብዙሕ ገንዘብ ምህላው . . . ኣይኮነን፣ ካብቲ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎ እቲ ዘይብሉ ገንዘብ ክምነ ዝውዕልን ዝሓድርን እንተኾይኑ እቲ ሃብታም ዘይኮነስ እቲ ድኻ እዩ ዓለማዊ። ምኽንያቱ ዓለማውነት ኣብ ደጋዊ ትርኢት ዘይኮነስ ኣብ ኣተሓሳስባና እዩ፣ ስለዚ እዩ ድማ ‘ተለወጡ እምበር ኣይትምሰሉ’ ዝብል መልእኽቲ ተዋሂቡና፣ ካብዚ ጥቕሲ እንተዘይጠለዊጥካ ትመስል እንተተለዊጥካ ድማ ኣይትመስልን ዝብል ሓሳብ ክንወስድ ንኽእል፣ ኣተሓሳስባና ብቃል ኣምላኽ እንተዘይተለዊጡ ከምቲ ናይታ ወጺእናላ እንብላ ዓለም ኮይኑ ክነብር እዩ። ነቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጦን ክንምርምሮን ኣይንኽእልን ኢና፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣብ ከምዚ ናትና ዓይነት ጸጋ ኣምላኽ ብምልኣት ዝተገልጸሉ ዘመን ስለዘይነበሩ ብኣተሓሳስባኦም ናይ ምልዋጥ ዕድል ኣይነበሮምን፣ ኣምላኽ ከም መጠን ፍቓዱ ኣብ ህይወቶም ንኽዓዩ ግን ንድምጹ ብተወፋይነት ይእዘዙ ኔሮም፣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግን እቲ ምልኣት ስለዝመጸ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ስለዝተገልጸትን ምሕረቱ ብዝተረድኣናን ሞሳ ክንመልስ ብዝደለናን መጠን ስጋና ህያው መስዋእቲ ጌርና ከነቕርቦ ተማዒድና፣ ስጋና ከም መስዋእቲ ምቕራብ ንምልዋጥ ኣተሓሳስባና ወሳኒ እዩ፣ ዓይንና ቃል ኣምላኽ እንተኣንቢቡ። እዝንና ቃሉ እንተሰሚዑን ኣእምሮና ቃሉ እንተ ኣስተንቲኑን ሽዑ ልሳንና ንሰባት ዝሃንጽ ዘረባ ጸጋ ከተውስእ እያ። ኣእዳውና ዕዮ ኣምላኽ ክዓያ እየን። ኣእጋርና ድማ ናብቲ ኣምላኽና ዝደልዮ ከቕንዓ እየን፣ ሎሚ ናይ ብዙሓት ኣመንቲ ሽግር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም እንታይ ከምዝኾነ ዘይምፍላጥ እዩ፣ እንታይ ክኾኑ ከምዘለዎም። ኣበይ ክኾኑ ከምዘለዎም። ምስ መን ክምርዓዉ ከምዘለዎም። ዝፈልጡ ኣዝዮም ሒደት እዮም። ብውሁብ ኩነት ወይ ድማ ብዕድል ከኣ ይነብሩ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ምምርማርን ምፍላጥን ከቢድ ኣይኮነን።

እንተኾነ ግን ካብቲ መጀመሪኡ ክትጅምሮ የድሊ፣ ስጋኻ ህያው መስዋእቲ ጌርካ ከየቕረብካ ኣተሓሳስባኻ ክልወጥ ኣይክእልን እዩ። ኣተሓሳስባኻ ከይተለወጠ ከኣ እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ ክትፈልጥ ኣይከኣልን እዩ፣ ካብ ሎጥ ከይተፈለኻ ደቅኻ ዝርስተይዎ ቦታ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብእስማኤል ዘርኢ ክጽውዓልካ እናተጸበኻ ድማ ይስሃቕ ኣይመጽእን እዩ፣ ይስሃቕ ዝመጽእ ካብ ሎጥ ምስ ተፈለኻን ብእስማኤል ተስፋ ምግባር ምስ ሓደግካዮን እግዚኣብሄር እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጥካ ኣብ ቅድሚኡ ፍጹም ክትከውን ምስ ወሰንካን እዩ፣ ኣብ ዘፍ.19 ኣብርሃም ሕሉፍ ድኻሙ ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍጹም ኮይኑ ክመላለስ ምስ ወሰነ እዩ ናይ ውሉድ ተስፋ ተሓዲሱሉ፣ ልክዕ ከምዚ ናይ ኣብርሃም ድማ ብዙሕ ሓዲግና ክነስና ገለ ከም መስዋእቲ ጌርና ዘየቕረብናዮ ኣካላት ስጋና እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ብምሕዳስ ሓሳብና ኣብ ምልዋጥን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍላጥን ክዕንቅፈናን ከደናጉየናን ይኽእል እዩ፣ ኣብርሃም ንሎጥ ዝተማልኦ ወይ ብዘይ ምስትውዓል ወይ ከኣ ብዝነበሮም ፍሉይ ምቅርራብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዝተረፎ እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ይዓቢ ኔሩ፣ ንሕና ድማ ቅድሚ ንጎይታ ምፍላጥና ህያው መስዋእቲ ኮይኑ ዝቐረበ ክፍሊ ኣካል ከምዘይነበረናን ከምዘይብልንና ክንዝክር ይግባኣና፣ ንስጋና ህያው መስዋእቲ ጌርና ከነቕርቦ ከሎና ከምቲ መስዋእቲ ምሕራር ከቕርቡ ከለዉ በብክፍሉ ቆራሪጾም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ንኩሉ ኣካላት ስጋና በብክፍሉ ፈሊና ናብ ጎይታ ከነቕርቦ ይግባእ፣ ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ይወርድ እሞ ነቲ መስዋእቲ ንክብሩ ዝተቐደሰ ኣቕሓ ክብሪ ብምግባር ንዕዮ ኣምላኽ ብቑዕ ይገብሮ፣