ኣብ ሃገረ ቱርኪ ድሕሪ ሰለስተ ክርስትያናት ብሰማእትነት ምሕላፎም እታ ኣብ ሃገረ ቱርኪ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ንብዘለዋ ኣብ ዓለም ዘለዋ ማሕበር ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ሃገር ጸሎት ክገብራ ጻዊዒት ኣቕሪባ፣
ብዕለት 18 ሚያዝያ ሓሙሽተ ተኸተልቲ ምስልምና ኣብ ደቡባዊ ምብራኽ ግዝኣት ማላትያ እትርከብ ናይ ክርስትያን ቤት ማሕተም ብምእታው ንሰለስተ ኣመንቲ ቀቲሎም፣ እቶም ክልተ ኣመንቲ ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ዝመጹ ደቂ ቱርኪ ኣመንቲ ክኾኑ ከለዉ። እቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ቱርኪ ንዓሰርተ ዓመት ዝተቐመጠ ጀርመናዊ እዩ፣ እቲ ዜና ከም ዝሕብሮ እቶም ኣርባዕተ ካብቶም ቀተልቲ እቲ ቕትለት ብናይ ሃገራውን ሃይማኖታውን ምልዕዓል ተበጊሶም ከም ዝቐተልዎም ተኣሚኖም ኣለዉ፣
እዚ ሲዒቡ ዝቐርብ ጸብጻብ ካብታ ኣብ ቱርኪ እትርከብ ማሕበር ናብ ድምጺ ሰማእታት እተላእኸ ደብዳቤ እዩ፣
ድምጺ ሰማእታት ድሮ ነቶም ስለ እምነቶም ብጅግንነት ብሰማእትነት ዝሓለፉ ስድራ ክሕግዞዎም ጀሚሩ ኣሎ፣ ንኹሉኻትኩም ከኣ ብሰንኪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ስድርኦም ኣብ ሓዘን ዘለዉ ስድራቤቶም ክትጽልዩን ሞቶም ከኣ ኣብ ብዘላ ቱርኪ ንምስፋሕ ወንጌል ክኸውን ብጸሎት ክትድግፍዎም ንምሕጸነኩም፣
“ናብ መልኣኽ ማሕበር ሰሚርናውን ጽሓፍ …ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ፣ እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፣ እቲ ዝስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይክጉዳእን እዩ፣”
ኣምላኽ ምስክርነት ናይቶም እሙናት ኣሕዋት ንምስፋሕ መንግስቱ ክጥቀመሉ ኣበርቲዕና ንጸሊ፣
ደብዳቤ ካብ ዓለም ለኻዊት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሰሚርና፣
እዚ ዝሓልፈ ሰሙን ኣዚዩ ሓዘን ዝመልኦ ሰሙን እዩ ኔሩ፣ ድሮ ኩሉኻትኩም ብዛዕባ እቲ ካብ ከተማ ኣንጾኪያ ማለት ካብታ ኣመንቲ ንፈለማ ግዜ ክርስትያናት ተባሂሎም ዝተጸዉዕላ (ግብ11።36) 300 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ማላይታ ግዝኣት ናይ ቱርኪ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ዜና ሰሚዕኩም ኣለኹም፣
ብሮቡዕ ሚያዝያ 18 2007 ወዲ 46 ዓመት ጀርመናዊ ክርስትያንን ኣብ ሰለስተ ቆልዑ ቲልማን ጀሰክ ናብ ኦፊሱ ክኸይድ ንሰበይቱን ንደቁን ሲዒሙን የፍቅረኩም ይፈትወኩምን እየ ኢሉ ናብ ስርሑ ወፈረ፣
ቲልማና ካብ ሓደ ዚርቨ ዝተባህላ ቤት ማሕተም ንቤት ጽሕፈት ዝኾኖ ቦታ ተኻረየ፣ ዚርቫ ብተወሳኺ ቦታ ናይታ ኣብ ማላትያ ዘላ ቤተክርስትያን ቤት ጽሕፈት እዩ፣ እዩ፣
ኣገልግሎት ናይታ ማሕበር ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዚርቫ ዝተሓትመ ክርስትያናዊ ጹሑፋት ኣብ ማላትያን ምብራቓዊ ቱሩኪ ዘለዋ ከተማታት ምዝርጋሕ እዩ፣
ኣብ ካልእ ክፋል እታ ኸተማ ኸኣ ወዲ 35 ዓመት ነካቲ ኣይዲን ዝተባህለ ኣቦ ክልተ ቖልዑ ጓሳ ማሕበር ንደቁን ሰበይቱን ቡሩኽ መዓልቲ ኢሉ ተፋንይዎም ከም ወትሩ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣምረሐ፣ ኩሉ ግዜ ካልኦት ሰባት ካብታ ኸተማ መጽዮም ዝሳተፍዎ ናይ ንግሆ ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስን ነበሮም፣ ዩጉር ዩክሰል ከኣ ናብቲ ዝነበረ ጸሎት ኣምረሐ፣
ካብ እዞም ሰለስተ ሰባት ሓደ እኳ ይኹን ኣብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓባራዊ ናይ ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስን ንእምነቶምን ንጽንዓቶምን ዝፍትን ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ናብ ክብሪ ኣቦኦም ብምኻድ ካብ ክርስቶስ እየሱስ ናይ ኣምነትን ጽድቅን ሰማእትነትን ኣክሊል ዝሽለሙሉን ዝወስድሉን ሰዓት ምዃኑን ብዘለዉ መልኣኽትን ቁዱሳንን ከኣ ብኽብሪ ዝቕበልዎም ሰዓት ይመጽእ ከም ዘሎ ማንም ዝፈለጠ ኣይነበረን፣
በቲ ሓደ ሸነኽ ናይታ ኸተማ ኸኣ ዓስርተ ትሕቲ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ እምነቶም ዘለዎም ጽንዓትን። ንኣላህ ዘለዎም ፍቕርን ከምኡ ኸኣ ኣንጻር እቶም ካብ ምስልምና ናብ ክርስትና ዝተለወጡ ኣምንቲ ሕነ ክፈድዩ ድሮ ምድላዋቶም ወዲኦም እዮም፣
ሰንበት መዓልቲ ሓሙሽተ ካብዞም መንእሰያት ናብቲ ፓስተር ነካቲ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ኣተዉ፣ ፓስተር ነካቲን እቶም ሰዓብቱን ኣብቲ ሆቴል ናይ መኣከቢ ስፍራ ኣዳሊዮም ነበሩ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቶም ኣምንቲ ገለ ነገር ዝደለዩ ወይ ጽምኣት ዘለዎም ሰባት እዩ መሲልዎም ዝነበረ፣ ወንጌል ምስ ሰምዑ ኣብ ልቢ እዞም ሰባት ዝተፈጸመ ነገር እንታይ ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን፣ ብመንፈስ ቁዱስ ድዮም ተተንኪፎም? ብሓጥያቶም ከ ተረቲዖም ድዮም? ብልቦም ድዮም ወንጌል ዝሰምዑ ኔሮም? ሎሚ እምበኣር እንሆ እቲ ታሪኽ ክቕላዕ እዩ፣
ሓደ ካብዞም መንእሰያት ወዲ ኣማሓዳሪ ናይታ ማላትያ ትበሃል ግዝኣት እዩ፣ ኣባል ናይቲ ታርኪት ወይ ከኣ እሙናት ኣመንቲ ምስልምና ዝበሃል ማሕበር እውን እዩ፣ ኣብ ምስልምና ኣባል ናይ ታርኪት ምዃን ዓቢ ክብሪ ዘለዎ እዩ፣ ኣባል ናይዚ ማሕበር ዘይኮነ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጉቡእ ኣገልግሎት ክረክብ ኣይኽእል እዩ፣ እዞም መንእሰያት ከኣ ኣብ ሓደ ኽፍሊ እናነበሩ ንናይ ዩኒቨርስቲ መሕለፊ ነጥቢ ክረኽቡ ዝዳለዉ ዝነበሩ እዮም፣
እዞም መንእሰያት ሸጓጉጥ። ብላሕቲ ካራታት። ኣግማድን ሽጎማኖን ሒዞም ነቲ ንመጨረሻ ነቲ ንሶም ኣላህ ዝብልዎ ኣገልግሎት ክህቡ ተዳልዮም እዮም፣ ኣዚዩ ብዙሕ ደም ከም ዝፈስስ ድሮ ፈሊጦም ኣለዉ፣ ልክዕ ሰዓት 10 ኸኣ ኣብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስ ዝግበረሉ ቦታ በጽሑ፣
ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድሮ እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስ ጀሚሩ ነበረ፣ ነካቲ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ሓደ ምዕራፍ ምስ ኣንበበ ድሮ ክጸርፍዎም ጀመሩ፣ እቶም ኣወዳት መንእሰያት ንኡጉር። ነካቲን ንቲልማና ኣእዳዎምን ኣእጋርሞን ኣብቲ ሰድያ ኣሲሮም ብሞባይሎም ጌሮም ክሰእልዎም ጀመሩ፣ ነቶም ኣሕዋትና ኸኣ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት ብኣዚዩ ዘስካሕኽሕን ዘዘግንን ኩነታት ኣሳቐይዎም፣
እቶም ጎረባብቲ ኣብቲ ጥቓ ስራሕ ዝነበሩ ዳሕራይ ከም ዝገለጽዎ ኣውያትን ጭድርታን ይሰምዑ ምንባሮም እዩ፣ እንተኾነ እቶም ዋናታት ከም ወትሩ ዘዕልሉን ዝካትዑን ዘለዉ ስለ ዝመሰሎም ምንም ግብረመልሲ ኣይሃቡን፣
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ጆካሃን ሰበይቱን ንግሆ ድቃስ ወሲድዎም ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ደቂሱ እሞ ቆሪሶም ሰዓት 12።30 ናብቲ ቤት ጽሕፈት መጹ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ብውሽጢ ተዕጽዩ ነበረ፣ እቲ ዝነበሮ መፍትሕ ከኣ ክሰርሕ ኣይከኣለን፣ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ሰብ ከይህሉ ብምባል ስልኪ ደወለ ግና ዘልዕሎ ማንም ኣይነበረን፣ ኣብ መወዳእታ ናብ ናይ ኡጉር ሞባይል ደወለ፣ ኡጉር ኸኣ እታ ስልኪ ኣልዒሊ ኣብ ኦፍፊስ ኣይኮናን ዘሎና ናብቲ ኣብ ሆቴል ዝግበር ዘሎ ኮንፍራንስ ናብኡ ኪድ ንሕና ኸኣ ከነርክበካ ኢና በሎ፣ ብኣዚዩ ቀስ ዝበለ ዘረባ እዩ ከምኡ ኢልዎ፣ ኡግሩ እናተዛረበ ከሎ ግና ጆካሃን ኣብቲ ተሌፎን ናይ ስቓይን ቃንዛን ድምጺ ይሰምዕ ነበረ፣
ብቑልጡፍ ከኣ ናብ ፖሊስ ደወለ፣ ካብቲ ጥቖኦም ዝነበረ ነቑጣ ኸኣ ድሕሪ ሓሙሽተ ድቓይቕ ፖሊስ መጽኡ፣ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ኳሕኩሕዎ፣ ፖሊስ ኢና ክፈትዎ ኢሎም ጨደሩ፣ ኣብቲ መጀመርያ እቶም ፖሊስ ዝሰምዕዎ ናይ ብኽያትን ቃንዛን ድምጺ ከም ሓደ ተራ ኩሉ ጊዜ ዝግበር ዕግርግር ጌሮም ወሲዶሞ ኔሮም፣ ኣብቲ ኣዚዩ ቃንዛን ስቓይን ዝሰምዕሉ ግዜ ግና እቶም ፖሊስ ሰባይ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣስተውዓሉ፣ እቶም ፖሊስ ድማ እናፋራርሑ ብረቶም እናወጣወጡ ማዕጾ ሴሮም ኣትዉ፣ ካብቶም ቐተልቲ ሓደ ዝፈረሐ ነቲ ማዕጾ ንፖሊስ ከፈተሉ፣ ኣዚዩ ዘስካሕኽ ኩነት ከኣ ተዓዘበ፣
ቲልማንን ነካቲን ክልቲኣቶም ተሓርዱ፣ ኡጉሩ ኸኣ ክሳዱ ተሓሪዱ ትንፋሱ ትልኽ ትብል ነበረት፣ ሰለሰት ካብቶም ቐተልቲ ኸኣ ኣብ ቕድሚ እቶም ፖሊስ ሸጋጉጦም ደርበዩ፣ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኸኣ ጆካን ሓደ ቡርትዕ ድምጺ ሰመዐ፣ ሓደ ሰባ ካብ ሳልሳይ ደርቢ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ ብጉያ ድማ ናብቲ ቦታ ኸደ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ረኸቦ፣ ዲሑሩ ኸኣ እቲ ሰብኣይ አመር ጉናይዲን ዝበሃል ሓደ ካብቶም ቐተልቲ ምኻኑ ፈለጦ፣ ኣብ ርእሱ ሓደ ዓቢ ሕበጥ ስለ ዝነበሮ ኣዚዩ ይሳቐ ነበረ፣ ካብቲ ዝፈጸምዎ ኩነታት ክሃድም ከኣ ብዝሑ ፈተነ እንተኾነ ሚዛን ስለ ዘይሓለወ ናብ ታሕቲ ጸደፈ፣ ሓደ ካብቶም ሓረድቲ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ተሓቢኡ ተረኽበ፣
ብፍላይ ቅዲም ሽዱሸት ዓመት ዝነበረ ኩነታት እንተ ተመሊስና፣ ብሚያዝያ 2001 ናይ ቱርኪ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ሚሊ ጉቨንሊ ኩሩሉ ወንጌላውያን ክርስትያናት ልክዕ ከም ኣልቃይዳን ፒከይከይን ንሃገራዊ ጸጥታና ኣዚዮም ሓደገኛታት እዮም ክብል ተዛሪቡ ኔይሩ፣ ብፍላይ ጋዜጠኛታት ድማ ናይቶም ፖሎቲካውያን ቃላት ኣብ ጹሑፋቶም እናስፈሩ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመንእስያትና ብገንዘብ ሃያማኖቶም ክልውጡ ይገብርዎም ኣለዉ ዝብልዎም ሚስዮናውያን ኩቱር ዝኾነ ጽልኢ የንጸባሩኹ ኔሮም፣
ድሕሪ ውሳኔ 2001 ከኣ ብርኡይ ኣንጻር ቤተክርስትያን። ፓስተራትን። መራሕትን ክርስትያናትን።ናይ ቦምቢ መጥቓዕቲን ዓመጽን ግፍዕን ይወርድ ኣሎ፣ ነዚ ንምፍጻም ዝጥቀምሉ ቀንዲ ኣጀንዳ ከኣ ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ፕሮፓጋንዳ ብምጥቃም እዩ፣
ካብ ታሕሳስ 2005 ጀሚሩ ብዛዕባ ኣብ ክርስትያናት ዝወርድ ዘሎ ምፍርራሕ ነዊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር፣ ናይ ቀደም ናይ ቱርኪ ቀዳማይ ሚኒተር ዝነበረ ባዕልቲ ቤቱ አስቪት። ናይ ታሪኽ ሙሁር ኢይበር ኦርታይሊ። ፕሮፌሰር ሓሰን ዩንሳል። ፖለቲከኛ ኣህመት ታን። ጸሓፋይን ፕሮፓጋንዲስትን እይቱንክ ኣልቲዳል ዝተባሁል ነፍስ ወከፎም በብመገዶም ኣንጻር ክርስትያናት ዓቢ ጎስጋስ ኣካይዶም እዮም፣ ካብ ቤተ ክርስትያን ሑቡእ ፊልምታት ብምቓዳሕ ብኣዚዩ ዘሸብርን ስሚዒታዊ ብዝኮነን መንገዲ ንህዝቢ ኣንጻር ክርስትያናት ኣላዓዒሎም እዮም፣
ብዛዕባ እቲ ኣብ ማላትያ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ግፍዒ ናይ ብዙሓት ሰባት ተቓውሞን ካልእን ምስ ተሰመዓ ናይ ቱርኪ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓላፊ <<ተስፋ ይገብር ተማሂርኩም ክትኮኑ ኣብዚ ዓዲ ክርስትያናት ከም ዘየድሉይና>> ክብል ካብ ኣንካራ ብተለቪዥን መደረ ኣስሚዑ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ከምቲ ብጥሪ 2007 ሓደ ዘይተፈልጠ ኣባል ናይ ታሪካት ዝኾነ መንእሰይ ንሓደ ሃራንት ዲንክ ዝተባህለ ዝቐተሎን ከሙኡ ኸኣ ብየካቲቲ 2006 ድሕሪ ሓደ ካህን ናይ ካቶሊክ ኣንድሬ ሳንቶሮ ምቕታሉ ልክዕ ከምኡ እዚ ናይ ሕጂ እውን ብውህደት ዝተገበረ እዩ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝግበር ቅትለትን ዓመጽን ንምዕጋት ዝተገብረ ጻዕሪ እውን የለን፣ እቶም ነዚ ዝፍጽሙ መንእሰያት ዝወሃቦም መቕጻዕቲ እውን ኣዚዩ ሒደት እዩ፣ ከመይሲ ካብቶም ህዝቢ ዝረኽብዎ ምድንጋጽ ኣዚዩ ዓቢ ስለ ዝኾነ፣ ወለዲ ናይዞም ከምዚ ዝገብሩ መንእሰያት ከይተረፉ ነዚ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝውሰድ ስጉምቲ ኣዚዮም እዮም ንዉሉዶም ዘተባብዕዎም፣ ወላዲቱ ናይቲ ወዲ 16 ዓመት ንናይ ካቶሊክ ካህን እንድሬ ሳንቶ ዝቐተለ መንእሰይ ተታሒዙ ናብ እስርቤት ክኸይድ ከሎ ብተለቪዥን ምስ ረኣየቶ <<ሕጂ እውን ገና ኣብቲ እስርቤት ንኣላህ ከገልግል እዩ>> ብማለት ብዛዕባ ወዳ ሕብንቲ ምኻና እያ ገሊጻ፣
እቶም ነዚ ቕትለት ዝፈጸሙ መንእሰያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ እስርቤት እዮም ዘለዉ፣ ብዘለዋ ማዕከናት ዜና ከም ግብረሽበራውያን እዮም ዝቖጽርኦም ዘለዋ፣ ዕድሜኦም እውን ካብ ከቢድ መቕጻዕቲ ምንም ክከላኸለሎም ኣይክእልን እዩ፣
ኤምረ ጉናይድን ኣብ ጹኑዕ ዝኾነ ክንክን እዩ ዘሎ፣ ምንልባት ምንም ከይተዛረብ ከይመውት ብምባል እቶም መርመርቲ እውን ይምርምርዎ ኣለዉ፣
እታ ኣብ ቱርኪ ዘላ ቤተክርስትያንን ብዙሓት ኣመንትን ንኣምላኽ ብዘኽብር መንገዲ ናብታ ሓደጋ ዝተፈጸመላ ንእሽቶይ ቤተክርስትያን ብምውሓዝ ነቶም ኣምነቲ የተባብዕዎምን ሕጋዊ ዝኾነ ስጉምቲ ብምውሳድን ናብ ዘሎ ማዕከናት ዜናታት ብዛዕባ እቲ ኩነት ብምዝርጋሕ ነቶም ኣመንቲ ደገፍ ይኾንዎም ኣለዉ፣
ሱሳና ንበዓል ቤታ ኣብ ማላትያ ክትቀብሮ ምስ ደለየት ብዙሕ ዝዓይነቱ መሰናኽላትን ሕልኽላኻትን እዩ ገጢምዋ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ንበዓል ቤታ ቲሊማን ኣብ ናይ ኣርመኒኣን መቓብር ብ20 ሚያዝያ ተቐቢሩ፣
ኡጉር ከኣ ኣብ ኢላዚግ ዝተባህለ ትውልዲ ሃገሩ ከም ስርዓትን ባህልን እቲ ቦታ ብወለዱ ተቐብረ፣ እታ ተፍቅሮ ሕጽይቱ ኸኣ ኣማኒት ስለ ዝኾነት ኣብቲ ናይ መቓብር ቦታ ከትመጽእ ስለ ዝተኸልከለት ብማዕዶ ኮይና እያ ኣፋንያቶ፣
ናይ ነካቲ ቐብሪ ኸኣ ኣብ ትውልዱ ዓዱ ኢዝሚር እዩ ተቐቢሩ፣ ነካቲ ኣብዚ ንብርሃን ዘይቅበል ቦታ እዩ ናብ እምነት ክርስትና መጺኡ፣ ምንም እኳ እቶም ኣመንቲ ብዛዕባ ነቲ ዝተፈጸመ ፍጻሜ ምሕረት እንተ ገበሩሎም ነቶም ክርስትያናት ግና ክኣምንዎም ኣይከኣሉን፣ እቲ ሬሳ ካብ ማላትያ ተጻዒኑ ክኸይድ ከሎ ኣብ ውሽጡ ቦምቢ ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ማእለያ ዘይብሉ ተፍትሽ እዩ ተኻይድሉ፣ እዚ ኸምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ናይ ምስልምና ብፉጹም ዘይግበር አዩ፣
ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ነካቲ ጉሩም ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ፣ ሰማያዊ ጣዕሚ ዝነበሮ እዩ ኔሩ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቱርካውያን ክርስትያናትን ሰራሕተኛታትን ንክርስቶስ ዘለዎም ፍቕርን ነቲ ስለ ክርስቶስ ክብል ዝሓለፈ መንእሰይን ክብሉ እዮም ናብቲ መቓብር ዊሒዞም፣ በዓልቲ ቤቱ ንነካቲ ሸምሳ ከምዚ ክትብል ንብዘሎ ዓለም ኣፍሊጣ << ሞቱ ኣዚዩ ፉሉይ ትርጉም ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ንክርስቶስ እዩ ሞይቱ ንዕኡ ኸኣ እዩ ዝነብር ኔሩ፣ ነካቲ ንዓይ ህያብ ኣምላኽ እዩ፣ ሰበይቱ ምኻነይ ከኣ ኩርዓት ይስመዓኒ፣ ኣዚዩ ዝኸበርኩ ከይነ ኸኣ ይስመዓኒ፣ ነዚ ኽብሪ ብቕዕቲ ምዃነይ ከኣ ሓበን ይስመዓኒ>>
እቶም ኣመንቲ ኸኣ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንኣምላኽ ደው ክብሉን ንዝመጾም ፈተናን ካልእን ከይፈርሑ ኸኣ ኣብ እምነት ደው ክብሉ ደጊሞም ውሳኔኦም ኣጽኒዖም፣ ከይተሓስበ ኸኣ እቶም ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾኑ ኣካል ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ሃዋህው ብምሉእ ብቪዲዮ ቐሪጸሞ፣ እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ቡካ ናይ መጥመቃውያን ቤተክርስትያን እዩ ተኻይዱ፣ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ናይ ክርስትያን መቓብር ካብ ኢይዝሚር ውጽእ ዝበልት ቦታ ተቐብረ፣
ክልተ ኣማሓደቲ ናይ ኣይዝምር ከኣ ካብ ድሕሪት ኮይኖም ነቲ ኩነታት ብጽሞና ይከታተልዎ ኔይሮም፣ ብደርዘናት ዝኹጸራ ናይ ማዕከን ዜናታት ከኣ ነቲ ኣጋጣሚ ብቐጥታዊ ስእልን ዜናን የመሓላልፋ ኔይረን፣ መን ይፈልጥ ነዚ ዝተፈጸመ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ብመራኸቢ ብዙሓን ክከታተልዎ ከለዉ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኮን የምጻሎም ይኸውን?
ኣብተን ዓበይቲ ናይ ቱርኪ ጋዜጣታት ከይተረፈ ብዓቢ ኣርእስትን ጹሑፍን ኣቃሌሐንኦ እየን፣ ሱሳን ጀሰክ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዝገበረቶ ቓለ መጠይቕ ነቶም ቀተልቲ ምሕረት ከም ዝገበረትሎምን ሕነ ክትፈዲ ድማ ፍጹም ድሌት ከም ዘይብላን ተዛሪባ፣ <<ነቶም ጋዜጠኛታት ከኣ ከምዚ ኢላቶም ኦ ኣምላኽይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ምሕረት ግበረሎም>> ከምዚ ብምባል ድማ ምስቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝተዛረቦ ምሉእ ብምሉእ ብልባ ተሰማመዓት፣ ሉቃ 23።24፣
ኣብታ ሕነ ምፍዳይን ደም ንዘፍሰሰ ኸኣ ደም ክፈስስ ኣለዎ ዝብል ቴማ ዘለዋን ቅትለት ንቡር ዝኾነላ ሃገር ብዙሓት ሪፖርተራትን ጋዜጠኛታትን ርእይቶን ዘረባን ጀስከ ኣተኩሮኦምኦም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ከም ዝውሰኸ ክገብር ከሎ ንብዝሑት ሰባት ከኣ ዓቢ ለውጢ እዩ፣ ሓደ ጸሓፋይ ከምዚ ኢሉ <<1000 ሚሶንያውያን ኣብ 1000 ዓመት ክዛረብዎ ዘይክእሉ ንሳ ግና ብሓንቲ ሓረግ ገሊጻቶ>>
ብዙሓት ወጻእተኛታት ብሰንኪ እቲ ዝተፈጸም ኩነትን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ምፍርራሕ ካብታ ከተማ ማለት ካብ ማላትያ ክወጹ ጀሚሮም ኣለዉ፣ እቶም ተሪፎም ዘለዉ 10 ኣመንቲ እውን ተሓቢኦም እዮም ዘለዉ፣ እታ ብርሃን ዝሓዘት ቤተክርስትያን ኣብዚ ጸልማት እንታይ ኮን ትገብር ትኸውን?
ርዱእ ነገር ግና ተሓቢኣ እያ ክትዓይን። ንጥፈታታ ከተካይድን፣ ኣምላኽ ነቶም ናይ ቱርኪ ኣሕዋት ጥበብ ክህቦም እሞ ዋላ ካብ ካልእ ከተማታት መጽዮም ነታ ብዘይ መራሒ ተሪፋ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ክመርሕዋ ንጸሊ፣ ብዛዕባ እታ ዓባይ ከተማ ካብ ጸጋማ ናብ የማና ዘይትፈልጥ ከተማ ማላትያ ዶ ግዲ የብልናን ዶ? ዮናስ 4።11
ሓው ፓስቶር ፊክረት ቦሰክ ምስ ኣሕዋት ሓቢሩ ቃሉ ክህብ ናብ ክፍሊ ጸጥታ ምስ ቀደ ብቐጥታ እዮም ናብ እቲ ጸረ ግብረ ሽበራ ዝብል ቦታ ወሲዶሞ፣ ኣብቲ ቦታ ነቲ መንደቕ ብምሉኡ ዝሸፈኖ ኣብ ኣይዝሚር ዝርከቡ ዝርዝር ግብረሽበራውያን ተለጢፉ ኣሎ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ እቲ መንደቕ ኣብ እይዝሚር ዝረከባ ወንጌላውያን ኣብያተክርስትያናት ከም ግብረ ሽበራ ተዘርዚረን ኣለዋ፣ እቲ ጸልማት ነቲ ብርሃን ክርድኦ ኣይኮነሉን እዩ፣ <<እዞም ንኹሉ ዓለም ዘናወጹስ ናብዚ ከኣ መጽዮም?>> ግብ 17።6
ብዛዕባ እታ ኣብ ቱርኪ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ኣበርቲዕኩም ጸልዩ፣ <<እቲ ስደት ደው ክብል ኣይትጸልዩ ኣብ እምነት ጸኒዕና ደው ክንብል ጸልዩልና>> ይብል ፓስትሮ ፊክረት ቦሰክ
እታ ማሕበር ቡሉጻት ኣሕዋት ሲኢና እያ፣ እቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ፍረን ምሕዳስ እምነትናን ብምስፋሕ ወንጌል ነቲ ኣብ ማላትያ ዘሎ ጸልማት ክንስዕሮ ከኽእለና እዩ፣
በቲ ዝሓለፈ ነገር ከኣ ብፉጹም ኣይንጠዓስን ኢና፣ ኣንጻር እቲ ብደገ ዝመጸና ፈተናታት ጸኒዕና ደው ክንብል ጸልዩልና፣ ብተወሳኺ እውን ነቲ ካብ ውሽጢ ዝመጽእ ናይ ሓጥያትን ዓለማውነትን ፈተና ክንስዕሮ እሞ ኸኣ ኣብ እምነት ደው ክንብል እውን ጸልዩልና፣
እዚ ንፈልጥ ኣሕዋትና ህይወቶም ንየሱስ ክህብዎ ከለዉ ንሱ ምስኣቶም ኔይሩ፣ ከምቲ እስቲፋኖስ ኣብ ቅድሚ ሳኦል በዓል ጠርሲስ ብእምኒ ክውገር ከሎ ዝነበረ ልክዕ ምስ ኣሕዋትና እውን ኔሩ እዩ፣
ሓንቲ መዓልቲ ኣማውቶኦም በቲ እቶም ቀተልቲ ዝተቐድሐ ምስ ወጸ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረኦም ጽንዓትን። ኣምላኽ ከኣ ከመይ ዝበለ ጸጋ ከም ዝሃቦምን ነታ ናይ መጨረሻ ጽዋእ መስቀል ክጻወርዋ ከመይ ሰላም ኣምላኽ ከም ዝበዝሓሎምን ኣጸቢቕና ክንሪኢ ኢና፣ ንሱ ከም ዘይሓደጎም ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፣
ኣብ ኣእምርኦም ነቲ ዝነበረ ኩነት ዝጻወርሉን ኣብ መንጎ እቲ ጸልማት ከኣ ወንጌል ዝነግርሉን ማእለያ ዘይብሉ ጥቕስታት ከም ዝነበረ ኣጸቢቕና ንፈልጥ፣ ብዝኾነ መንገዲ ብምርእእይ ኮነ ብቓላት ነሓድሕዶም ይበራትዑን ይጸናንዑን ከም ዝንበሩ ኣጽበቕና ንፈልጥ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምስ ክርስቶስ ክኾኑ ምዃኖም ከም ዝፈለጡ ንፈልጥ፣
ንሕና እንታይ ከም ዝኾነ ብዝርዝር ኣይንፈልጥን ኣብዛ ምድሪ እውን ፍትሒ ክብየን ድዩ ወይ ኣይብየንን ኣይንፈልጥን፣ ግና ንጽሊ ንዓኻትኩም ከኣ ክትጽልዩ ንምሕጸነኩም ንሱ ኸኣ ተወሓደ ሓደ ካብዞም ሓሙሽተ ቐተልቲ ብሰንኪ ምኽንያት ምስክርነት ቲልማን ጀሰክ ኣብ ምድሪ ቱርኪ ስለ ክርስቶስ ህይወቱ ዝሃበ፣ ምስክርነት ሞት እቶም ፈለማ ሰማእት ናይታ ኣብ ቱርኪ ዘላ ቤተ ክርስትያን ነካቲ ኣይዲንን ኡጉር ዩክሰልን ናብ ክርስቶስ ክመጹ ንጸሊ፣
መልእኽቲ እዚ ደብዳቤ እዚ ካብ ማዕከናት ዜናታትን ካብ ቐጥታዊ ቃለ መጠይቓትን ዝተረኽበ እዩ፣ ምርመራ ናይ ፖሊስ ግና ገና ኣይተቓልሐን ዘሎ፣
ብ ዳርለነ ኤን ቦሰክ ግንቦት
ትርጉም ባሩኽ
ኣብ ሃገረ ቱርኪ ድሕሪ ሰለስተ ክርስትያናት ብሰማእትነት ምሕላፎም
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode