ዓለም-ለኻዊ ጻዊዒት ጾምን ጸሎትን ንኤርትራ
“ኣቱም ንእግዚኣቢሄር እተዘክርዎ፣ ኣይትዕረፉ” ኢሳ 62፣6
ንሕና ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንርከብ ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ጾር ዘለናን ዋጋ ኣብ ምክፋል ንርከብ ዘለና ኣመንቲ ክርስቶስ ን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርኸቡ ኣመንቲ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቅዱሳንን ህጹጽን ዘየባትኽን ጸሎት ክግበር ንጽውዕ። ናይ እግዚኣቢሄር መንፈስ ካብ ዝሓለፈ ግዚያት ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ርዝነት ብዘለዎ መልእኽቲ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ብርቱዕ ጾምን ጸሎትን ክግበር ኣዚዙ ኣሎ።
1. ኣብ ኤርትራ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ ንህዝቢ ኤርትራን ንቅዱሳንን ኣዝዩ ኣስጋኢ ከም ዝኸውንን እንዳበርትዐ ከም ዝመጽእን ብምሕባር ብርቱዕ ጸሎት ብምክያድ ክዕሰርን ክወድቕን ሓቢሩ።
2. ኣብ ምድርና ንብዙሓት ኣገልገልቲ ካብዚ ምድሪ ለቒቖም ንክወጹ ዝገብር ዘሎ ናይ Iዛቤልን ናይ ጥንቑልናን መናፍስቲ ንክውቅዕ ምጽላይ።
3. ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ መእመን ንከይጽልዩን ንከይዓዩን ብብዙሕ ምድሃልን ምስንባድን ዝዋጋእ ዘሎ መንፈስ ክውቓዕ ምጽላይ።
4. ብርቱዕ ስደትን ጸበባን ንክልዓል ዝገብር ዘሎ ናይ ጸልማት መንፈስ ክውቓዕን ክእሰርን ምጽላይ ።
5. ነቲ እግዚኣቢሄር ጎይታ ሰራዊት ብዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ባሮቱ ጌይሩ ዝዛረቦ ዘሎ መለኮታዊ ምብጻሕ እዛ ምድሪ ንክፍጸምን ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኣመንቲ ከምቲ እግዚኣቢሄር ዝደልዮም ክኾኑ ምጽላይ፣፣
መተሓሳሰቢ
• ኩሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ መእመን ብሕብረት መታን ክጽልይ ወትሩ ዓርቢ ብፍሉይ ናይ ጾምን ጸሎትን መዓልቲ ክትከውን ተኣውጁ ኣሎ።
• እዚ ጻውዒት ጸሎት ኣብ ምሉእ ዓለም መታን ክካየድ ነፍሲ ወከፍ እዛ ጻውዒት ዝበጽሓቶ ኣማኒ ብዝተፈላለየ መንገድታት ተጠቒሙ ኣብ ብዘሎ ዓለም ንክዝርግሓ ክትሓባበር ብምሕረት ጎይታ ንሓትት።
እግዚኣቢሄር ጎይታ ሰራዊት ይባርኽኩም
“ እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቑመካ እየ፣…..” ህዝ 33፣7