23
Mon, Jun
0 New Articles

ኤርትራውያን ኣመንቲ ዝወርዶም ዘሎ ስቓይ ኣቓሊሖም

News
Typography
ሓሙስ 27 መስከረም 2007
ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ መሬት ኣደቂሶም ብኸብዱ በጥ ኣቢሎም ኣእጋሩን ኣእዳውን ምስ ሕቑኡ ኣልጋኢቦም ንድሕሪት ኣሲሮም ከም ዘሳቐይዎ ገሊጹ። እዚ ጳዎሎስ ዝተባህለ ስደተኛ እቲ ዝወረዶ ስቓይ ብኣጸዋውዓ ወተሃደራዊ ሄሊኮብተር ከም ዝበሃል ገሊጹ። እሱ እቲ ስቓይ ከመይ ከም ዝኾነ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ፣ ጳውሎስ ብከመዚ ዓይነት ኣተኣሳስራ እምነቱ መታን ክኽሕድ ተባሂሉ ንኣስታት 136 ሰዓታት ከም ዝኣሰርዎ ገሊጹ።
ደጋጊሞም ይብል ጳውሎስ “እምነተይ ክኽሕድን ኣብ ዝኾነ ክርስትያናዊ ንጥፈተት ከይሳተፍን ከይሰብኽን እዚ እንተ ጌረ ኽኣ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከም ዝልቀቕ ይሓቱኒ ኔሮም”።

ጳውሎስ ኣባል ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ካብታ ንእሸተይ ሃገር ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ እምነቶምን ካልእ ፖሎቲካዊ ጸገምን ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት እዩ።
ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እትርከብ ሽመልባ እትበሃል ኣብ ግዝኣት ኢትዮጵያ እትርከብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቂቦምላ ዘለዉ ዓዲ እዩ ዝነበር ዘሎ። ኣባል እታ ኤብን ኤዘር እትብሃል ቤተክርስትያን ኮይኑ ኣብ ዓዱ ዘይረኸቦ ነጻነት ኣብዚ መዕቖቢ ስደተኛታት ግና ብናጽነት የምልኽ ኣሎ።
ማእሰርቲ
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትያናት ዘውርዶ ዘሎ ስቓይን ኣደራዕን መዘና ኣልቦን ዘስካሕክሕን እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ኣባላት ወንጌላውያንን ፔንተኮስታልን ዝወርድ መከራ ዓቢ እዩ።
ፖሊስ ኤርትራ ኣብ መርዓ ጥምቀት ቤተክርስትያናዊ ንጥፈታት ብሓይልን ብጎነጽን ብምእታው ንብዙሓት ኣሲሩን ኣከላቢቱን እዩ። ብዙሓት ከኣ ናብ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ቦታ ተወሲዶምን ይውሰዱን ኣለዉ።
ብመሰረት ኮምፓስ ዳይረክት ዝተባሀ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እምነቶም ልዕሊ ኣስታት 2000 ዝኾነ ኣመንቲ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ እዩ ዝጽብጽብ።
ካብ ግንቦት 2002 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እተን ንኡሳት ክፋላት ዝበሃላ ኣብያተክርስትያን ናይ ምዕጻው ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ንዳሓር እንተርፎ ኣርቶዶክሳዊት ካቶሊካዊትን ሉቶራዊት ቤተክርስትያን ከምኡ ከኣ ምስልምና እንተ ዘይኮይኑ ካልእ እምነታት ብናጽነት ክመላለስ ኣይክእልን እዩ።
ማህረምቲ
ብዙሓት ናይ ወንጌላውያን ክርስትያናት እምነቶም ክኽሕዱ ብጹኑዕ ይኽትከቱን ኣብ ኮንቴኔራት ከኣ ይእሰሩ። ኣብቲ ቦታ ምግቢ ምስኣንን ሕክምናዊ ክንክን ዘይምርካብን ማህረምትን ንቡር እዩ።
ሳሚኤል (ሓቀኛ ሱሙ ኣይኮነን) ወዲ 24 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርስቲይ እዩ፣ ኣብ 2005 ኣብ መርዓ ዓርኩ እዩ ተኣሲሩ። ን12 ኣዋርሕ ከኣ ተኣስሩን ኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ናይ ጉልበት ስራሕ ከኣ ክሰርሕ ተገዲዱ።
ሓደ መዓልቲ ይብል ሳሚኤል ተምሰላ ስቕለት ኢሎም ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ገረበ ኣንጠልጢሎም ከም ዝኣሰርዎ ይዛረብ፣ እምነቱ ክኽሕድ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ጸቕጢ ይገብሩ ኔሮም።
“ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ኸኣ እምነተይ ክኽሕድ ብተደጋጋሚ ጸቕጢ ይገብሩለይ ኔሮም” ይብል ሳሚኤል፣ ካልኦት የዕርኹቱ ግና እቲ ማህረምትን ስቓይን ስለ ዝበዝሖም እምነቶም ክኽሕዱ ከም ዝተገደዱ ይሕብር።
ሳሚኤልን ጳውሎስን ብተደጋጋሚ ምስ ናይ ኣሜሪካ ወንጌላውያንን ፔንትኮስታላትን ዘለዎም ርክብ ከመይ ከም ዝመስል ክሳብ ክንደይ ከም እትሕግዞም እዮም ጸቕጢ ዝፈጥርሎም፣ እዘን ኣብያተክርስትያናት እዚኤን ብገዛእ ርእሰን እየን ዝመሓደራን ወጻኢታተን ከኣ ዝሽፍናን።
ኣሜሪካ ንኤርትራ ድሮ ሓንቲ ካብ ሃገራት ግብረሽበራውያን ምኻና ካብ ትጠቅስ ንደሓር ፕሬስደንት ኢሰያስ ኣፎዎርቂ ምስቲ ዘለዎ ማርክሳዊ ሊንናዊ ኣተሓሳስባ ብግልጺ ኣንጻር ኣሜርካ ዘለዎ መርገጺ ይገልጽ ኣሎ።
ዋላ እቶም ብመንግስቲ ወግዓውያን ዝኾና ኣብያተክርስትያን እውን ካብ ናይ መንግስቲ ምትእትታው ኣየምለጣን።
ሓላፊ እቶም 40% ሰዓቢት ዘለውዋ እርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቁዱስ ፓትራርይክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ እርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ መሓዩር ናይ ገዛ እዮም ዘለዉ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ እዞም ወዲ 80 ዓመት ኣቡን ብሕማም ሽኾር ዝሳቐዩ ዘለዉ ናብ ሓደ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወስዱ እዩ ዝሕበር፣ ብዛዕባ ምስዋሮም ከኣ ዝተዋህበ ምንም ሓበሬታ የለን፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ግና ብሰንኪ ኣብ መድሃኒኣለም ቤትክርስትያን ዝግበር ዝነበረ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት እዚ ብውሑዳት ደገፍ ናይ ኦርቶድክሳዊያን ካህናትን ብምትእትታው መንግስትን ሓድሽ ፓትራሪክ ተሸሞም። በታ ናይ ኣልክሳንደርያ ግብጺ ቤተ ክርስትያን ግና ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣቡን ሰራፊም  ርእሰ ሊቀ ካህናት ናይ ዓባይ ብሪጣንያ እርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣንጻር እቲ ዝተገብረ ምርጫን ማእሰርትን ተቓምዎ ከስምዑ ብመርበብ ሓበሬታ ጻዊዒት ጌሮም ኔሮም። ኣቡን ሰራፊም “ብዛዕባ ፓትራሪክ ምንም ሓበሬት የብልና ብዛዕባ ሃለዋቶም ከኣ ክንፈልጥ ኣይከኣልን” ብምባል ተዛሪቦም።
ብመሰረት ኣምበሳደር ቤልጂም ኣቶ ግርማ ኣስመሮም “እቶም ኣቡን ኣብ ርሑቕ ቦታ ኸይዶም ይጽልዩ ከም ዘለዎ እዩ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ፣ ወሲኾም ኣምበሳደር ግርማ ኣስመሮም ኣብ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ናጸነት ኣሎ ብምባል ነቲ ዘሎ ህልውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቅን ኣይተቐበልዎን።
ካብ ኤርትራ ሰባት ካብ መጠን ንላዕሊ ብብዝሒ ይስደዱ ኣለዉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ጥራይ ናብ ላዕለዋይ ኾሚሽን ስደተኛታትን ናብ ምዕራብን ዝመጹን ዘመልክቱን ዘለዉ ስደተኛታት ብ57% ወሲኹ ከም ዘሎን ብመሰረት ጸብጻብ ስደተኛታት ሑቡራት ሃገራት ከኣ ኣብ ዓለም ተረእዩ ብዘይፈልጥ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ብፍላይ ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎዎርቂ “ኣሜሪካ ነዞም ጉጅለታት ሃይማኖት ትድግፎም እያ” ምስ በለ ኣብ ክርስትያናት ኤርትራ ዝወርድ ዝሎ ግፍዒ ኣዚይ ይዓዝዝ ከም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ።
“ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ወተሃደራዊ ክፍልታትን ኣብ እስርቤታትን ኣዚዩ ብዙሕ ስቓይ ይወርዶም ኣሎ ንኤርትራውያን ክርስትያናት ንጸልየሎም ንእስራት ኤርትራውያንን ቤተሰቦምን ንጸልየሎም”።

ምንጪ BBC