07
Sun, Sep
0 New Articles

ዝኽትምና አንታይ'ዩ

Social Issue
Typography

መእተዊ

ኤርትራ ሓንቲ ካብ ኣብተን ቐርቲ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እያ። ብ1993 ድማ ወግዓዊ ናጽነታ ካብ ኢትዮጵያ ኣዊጃ።

ኤርትራ ብምብራቅ ብቀይሕ ባሕሪ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ሱዳን ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ጅቡትን ዳወብ። ጠቕላላ ስፍሓት ናይ ኤርትራ ድማ ኣስታት 125,000 ስኬር/ኪሎ ኣቢሉ ይኸውን። ጠቕላላ ህዝቢ ብዝሒ ኤርትራ ድማ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብ9 ብሄራት ዝቆመ ህዝቢ እዩ።



ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ክትመሓደር ዝጸንሐት ሃገር ኢያ። መግዛእታዊ ዘስዓቦ ኩናትን ደርቅን ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ መሕበራዊ ሽግራት'ዩ ኣስዒቡ።  ንኣብነት ብሰንኪ ኩናት ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ደርቅን ካልእ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ኮይኑ'ዩ። ብተወሳኺ ድማ ብዙሓት ወለዲ ህይወቶም ኣብ ኩናት ስለዝጠፍኡ ህጻናት ኤርትራ ኣደዳ ዝኽትምናን ካልኦት ማሕበራዊ ጸገማትን ተቓሊዖም።

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ብዛዕባ ዝኽትምና ሳዕቤናት ዝኽትምናን ኣተኣላልይኡን ክገልጽ እዩ።

ዝኽትምና አንታይ'ዩ

ብኣገላልጻ መንግስቲ ኤርትራ ህጻን ዝብሃል ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ፍጡር/ ሰብ ማለት እዩ። ዘኽታም ክብሃል ከሎ ከኣ ዝኾነ ህጻን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ኣብኡ/ኣዲኡ ከምኡ'ውን ክልቲኦም ወለዱ ምስ ዝስእን ዘኽታም ይብሃል። ዝኽትምና ኣብ ህጻናት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ መንገዲ እዩ ዘጋጥም። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ኩናት ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይልታት ቡዙሓት ህጻናት ወለዶም ስኢኖም ወይ ድማ ዘኽታማት ኮይኖም። ከምኡ'ውን ኩናት ዘስዓቦ ደርቕን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ንህጻናት ኤርትራ ካብቲ ናብ ዝኽትምና ክኣትዉ/ወይ ዘኽታማት ክኾኑ ቐንዲ ሮቓሒ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ከምተን ካልኦት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብፍላይ ከኣ ሃገራት ኣፍሪቓ HIV/AIDS ውን ሓደ ጠንቂ ዝኽትምና እዩ ክብሃል ይከኣል። ስለዚ እዘን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማትን ካብቲ ንህጻናት ኤርትራ ናብ ዝኽትምና ከእትዎም ዝኽእል ክጥቀስ ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ካብ 1992/93 ኣብ ዝተገብረ ዳህስሳዊ መጽናዕቲ ኣስታት 100,000 ዝኣኽሉ ዘኽታማት ህጻናት ከም ዘለዉ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ካብ ሚንስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ይሕብሩ። እዚ ቑጽሪ እዚ'ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ዘኽታማት 48% ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ እቶም ዝተረፉ 52% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣስታት 60. 5% ናይ ኣደ ዝኽትምና ዘጋጠሞም ክኾኑ ከለዉ ኣስታት 41 % ድማ ናይ ኣደ ዝኽትምና ዘጋጠሞም እዮም። እቶም ዝተረፉ 7.4% ድማ ኣብኦምን ኣዲኦምን ዝሰኣኑ እዮም። ብዕድመ መንጽር ክርአ ከሎ 41% ካብ 1-6 ዓመት ክኾኑ ከለዉ እቶም 59%  ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ 7-14 ይርከቡ።

ዝኽትምናን ሳዕቤናቱን

ዝኽትምና ከምቲ ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከውርዶ ዝኽእል ሃስያ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ሓደ ህጻን ሙሉእ ኮይኑ ክዓቢ ምህላዉ ወለዱ ኣገዳሲ እዩ። ዝኽትምና ብዙሕ ሳዕቤናት እካ እንተለዎ ኣብዚ ግን ብሕጽር ዝበለ ኣብ 3 ከፋፊልና ክንርእዮ እና።

ኣካላዊ ማህሰይቲ

ዘኽታማት ቆልዑ ዝያዳ ብዝተፈላለየ ኣካላዊ ማህሰይቲ ብዝያዳ ካብቶም ምስ ስድርኦም ዝነብሩ ህጻናት ይጥቅዑ።  ንኣብነት ሕጽረት መግቢ ወይ ድማ ኣድልዎ ኣብ ኣመጋግባ ከም ኣብነት ክንርኢ ንኽእል። ብሰንኪ ዘይምህላዊ biological  ኣደ ብዕድመ ኣዝዮም ናእሽቱ ህጻናት ብዝተፈላለየ immunization/ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቀዩ። ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሕማማት ይኾኑ ንኣብነት ዑረት, ፖልዮ, etc.

ኣእምሮኣዊ መህሰይቲ

ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ክበሃል ከሎ ምስ ምዕባይ ናይ ሓንጎል ወይ ድማ ኣተሓሳስባ ማለትና እዩ። ሓንጎላዊ ምዕባይ arithmetic, verbal,… etc. የጠቃልል። ብዙሓት ናይ ስነ ልቦና ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ዘኽታማት ቆልዑ ብተዘማዲ ኣብ ቓንቓ ኣዝዮም ትሑታት ምኻኖም ይትንትኑ። ከምኡ ውን ብተዛማዲ ኣብ ዝተፈላለየ Social skills ትሑታት ምኻኖም ይዛረቡ።

ብተወሳኺ ብዙሓት ዘኽታማት ቆልዑ እኹል ዝኾነ ትምህርታዊ ናውቲ ስለዘይረኽቡ ኣብ ትምህርቲ ውን ብዙሕ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም። ንኣቦነት ብተዛማዲ ኣብ ትምህርቶም ዝረኽብዎ ውጽኢት ትሑት እዩ። ከምኡ'ውን እኹል ዝኾነ መሳለጥያ ናውቲ ትምህርቲ ስለ ዝይረኽቡ ብዙሓት ድማ ኣብ መንጎ ትምህርቲ ይገድፍዎ።

ስብኣዊ ማህሰይቲ /Personality Development

ሓደ ህጻን ጡዑይ ሰብኣዊነት ንኽህልዎ ምህላዉ ወለዱ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ናይ ስነ ልቦና ኪኢላታት ከም ዝገልጽዎ ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት 5 ዓመታት ናይ ህጻንነት ጊዜ ምህላዉ biological ወለዲ ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ዘኽታማት ቆልዑ ግን ኣዚ ስለ ዝሕረሞም ኣደዳ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሳዕቤናት እዮም ዝኾኑ።
ንኣብነት ብዙሓት ተመራመርቲ ከም ዝሰማምዑሉ ብተዛማዲ ካብቶም ምስ ወለዶም ዝነበሩ ቆልዑ ዘኽታማት ቆልዑ ዘይንቡር ሰብኣውነት የማዕብሉ። Neurotic ዝዓይነቱ ባህሪ ማለት ንዝኾነ ሰብ ዘይምእማን ኣብ ገዛእ ርእስኻ እምነት ምጥፋእ ከምኡ'ውን ጭንቐት ፍሪሒ.. ወዘተ ብዙሕ ከም ዝርኣይ ብዙሓት ተመራመርቲ ይስማዕ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብዘይንቡር ፍርሒ (trauma) ይሳቀዩ። ማለት ወለዶም ብምስኣኖም ፍርሒ ዘይንቡር ድቓስ ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ወዘተ ዝኣመሰሉ ባህርያት ኣብ ዘኽታማት ህጻናት ጉኑናት እዮም።

ምህላዉ ወለዲ ኣብ Socialization ዝህልዎ ተራ'ውን ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ሓደ ቆልዓ ብሞራላዊ ስነ ምግባር ዝተኾስኮሰ ኮይኑ ንኽዓቢ ወለዲ ዓቢ ተራ እዩ ዘለዎም ዘኽታማት ህጻናት ግን እዚ ዕድል እዚ ስለ ዝሕረሞም ኣብ ሕብረተሰብ ማእከል ከመይ ጌሮም ክነብሩ ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዘኽታማት ቆልዑ ምስቶም ምስ ወለዶም ዝቕመጡ ቆልዑ ክወዳደሩ ከለው ኣብ ብዙሕ ብሕብረተሰብ ቕቡል ዘይኮነ ባህርያዊ ነገራት ይኣትዉ። ንኣብነት መስተ ምንዝርና ግዳም ሓዳርነት ወዘተ ዝኣመሰሉ ነገራት።

ኣተ ኣላልያ ዘኽታማት ህጻናት ኣብ ኤርትራ

መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኩነታትን ጸገማትን ዝኽትምና ኣብ ግምት ብምእታው ዘኽታማት ቆልዑ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ መገድታት ይጥቀሙ። ብሕጽር ዝበለ መልክዑ እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ነገራት ምዝርዛር ይከኣል።
          
1) ናብ ቤተሰብ ምውጋን ወይ ምጽንባር
 
2) ምስ ስድራ ቤቶም ምጽንባር ንዝተሓረሙ ቆልዑ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ይክተል

ሀ. Foster Home (ፎስተር ሆም)
ለ. Group home (ግሩፕሆም)
ሐ. Orphanage (ኦርፋን)

መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 206/(1) ኣቦን ኣደን ምስዝፋትሑ ነቲ ቆልዓ ሞግዚት ኮይኑ ክዕብዮ ዝኽእል ሰብ ብናይ ቤተሰብ ሽማግለ ይምረጽ። (2) ድሕሪ ፍትሕ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ምስ ዝሞቱ፡ ብህይወት ዘሎ ወላዲ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ኣቦ ወይ ኣደ ስልጣን ክሕዝ ኣይፍቀደሉን።

ኣብ ሕግታት ኤርትራ ንምውጋን ቆልዑ ዝምልከት ፍሉይ ዓንቀጻት የልቦን፡ ብሰንኪ'ቲ ዝነበረ ናይ ስላሳ ዓመት ኩናት ግን ብዙሓት ወለዶም ዝሞትዎምን ዝተውእዎምን ዘኽታማት ቆልዑ ስለዘለዉ፡ ምስ ኣዝማዶም ዝጽንበሩሉ ኩነታት ንምፍጣር ብበዓል መዚ ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብ 1992 ንምውጋን ዝምልከት ፖሊሲ ወጺኡ። በዚ ፖሊሲ እዚ ተመሪሑ ድማ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዕማማቱ የሰላስል ኣሎ። እቲ መደብ ምውጋን ንኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ቆልዑ ዝምልከት ጥራይ እዩ። ትሕዝቶ ናይቲ ፖሊሲ ከምዚ ይብል፡-

-    ዝቐረቡ ቤተሰብ ዘኽታም ተለልዮም ነቲ ስድርኡ ዝሰኣነ ቆልዓ ንምንባይ ቅሩባት ንዝኾኑ ኩነታት ሓዳርን ኣተኣላልያ ደቆምን ተገምጊሙ ብቕዓቶም ድሕሪ ምርግጋጽ ምስ ኣዝማድ ይራኸቡ።
-    ካብቶም ዘለዉ ኣዝማድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝቕመጡ ቀዳሞነት ይወሃብ። ኣብ ሕጊ እንዳባ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ ወለዶም ዝሞትዎም ቆልዑ ኣብ እንዳኣብኦም እንተኣልዮም መገበሮም ሒዞም ሓውበታቶም ይናብይዎም። ኣብ እንዳንኦም እንተኾይኑ ከኣ ከምኣ ገይሩ ኣኮኦም ይናብዮም። ዓባዮም እንተላ መሬቶም ሒዛ ትናብዮም ይብል።

እዚ ናይ ምስ ኣዝማድ ምጽንባር መደብ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጥጡሕ ባይታ እዩ ጸኒሕዎም፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ባህሊ (ልምዲ)ናይ ዝርጉሕ ስድራቤት ስለዘለዎ። ዘኽታም ቆልዓ ብቤተሰብ ምእላይ ልሙድ ተርእዮ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ነዚ ሰናይ ተግባር ከኣ ምዕቃቡ ከድሊ ኢዩ። ዘኽታም ምስ ቤተሰብ ምውጋን ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ተወሲዱ ኢዩ ዝስርሓሉ ዘሎ። እቲ ዝርጉሕ ስድራቤታዊ ምትእስሳር፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መደብ ምቹእ ባይጣ ፈጢሩሉ ኣሎ። መደብ ምስ ቤተሰብ ምውጋን ካብ ዝጅምር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዘኽታማት ቆልዑ ምስ ቤተሰብ ከምዝውንኑ ጌራ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዘምጽኦ ይግምገም። ኣብዚ ናይ ምውጋን መደብ ኣጠማምታ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ትሕዝቶ ናይ ኮንቨንሽን ዝቃዶ ኢዩ።

2. ምስ ስድራ ቤቶም ምንባር ዝተሓረሙ ቆልዑ
  (Children Deprived of Family Environment)

ስድራ ቤት እታ መሰረታዊት መዕበይትን ኣላይትን ናይ ቆልዓ ዝኾነት ትካል ኢያ። ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ከኣ ኢዩ ቆልዓ መዕቆቢ፡ ምቾት፡ መግቢ፡ ፍቅሪን ውሕስነትን ዝረክብ። ካብ ወለዱ ዝተፈለየ ቆልዓ ንኩሉ ዓይነት ጸገማትን ሓፈሻዊ ድሌታቱን ዘይምምላእን ዝተቓልዐ ኢዩ።

1.    ሓደ ቆልዓ ብግዚያውነት ይኹን ብቀጻሊ፡ ካብ ስድራቤቱ እንተተፈልዩ ንረብሕኡ ተባሂሉ ኣብቲ ቦታ ክነብር እንተዘይተፈቒድሉ፡ መንግስቲ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ይገብረሉ።

2.    ኣባል ሃገራት ብመሰረት ሃገራዊ ሕግታትን ንከምዚ ዓይነት ቆልዓ ዝተፈላለየ ናይ ምእላይ ኣመራጺ ዕድላት ይኸፍተሉ።

3.    ከምዚ ዓይነት ኣመራጺታት ብፍቓደኛታት ምእላይ (Foster home)  ካፋላ (እስላማዊ ሕጊ)፡ ወዲ ጡብ (Adoption) ኣድላይ እንተኾይኑ ከኣ ኣብ መናበይ ቆልዑ ምእታው የጠቓልል። ፍትሕ ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ድማ ግቡእ ኣተዓባብያ ኪግበረሉን ንሕቶ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ቓንቓ ባህልን ቆላሕታ ኪግበረሉ ይግባእ።

ኩነታት ናይቶም ብዘይ ወለዲ ተሪፎም ኣላይ ዝሰኣኑ ቆልዑ ኣብ ሜዳ ወይ ፖሊሲ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን (በዓል መዚ ማሕበራዊ ጉዳያት 1992) ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊርዎ ኣሎ።

መደብ ምዕባይ ዘኽታማት ምስ ፍቓደኛታት (Foster home)

እዚ መደብ እዚ ዘኽታም ቆልዓ ምስ ኪኣልይዎ ዝፈቐዱ ግን ናይ ስጋ ዝምድና ዘይብሎም ሰባት ዝዓብየሉ መደብ ኢዩ)።

-    ዘኽታም ንምዕባይ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ዜጋታት ኩነታቶም ተራእዩ ይፍቀደሎም፡ ናብረኦም ኣብ ግምት ኣትዩ ከኣ ሓገዝ ይግበረሎም።
-    ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝቕመጡ ዜጋታት ጥራይ ይፍቀደሎም።
-    ምዕባለ ቆልዓ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነት ጥራይ ይከታተል፡ ግቡእ ኣተኣላልያ ዘይረኸበ ከኣ ዝሓሸ ክረኽበሉ ሓላፍነት ኣለዎ።

ክንክን ጉጅለ ዘኽታማት (Group home)

-    ውሕዳት ዘኽታማት (10፥20) ዝቕመጠሉ ቤት ተጌሩሎም ብኣለይቲ ክንክን እናተገብረሎም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝዓብዩሉ ኩነት እዩ።
-    እዚ ኣገባብ ኣተኣላልያ እዚ ካብ መናበይ ዘኽታማት ዝሓሸ ኢዩ።
-    ክንክን ዘኽታማት ቆልዑ ጌና ክሳብ ሎሚ ኣብ ሃገርና ተግባራዊ ኣይኮነን። ክተኣታቶ ግን መደብ ኣሎ።

መናበይ ዘኽታማት (Orphanage)

-    ብዙሓት ዘኽታማት ተጠርኒፎም ዝእለይሉ ትካል ኢዩ።
-    በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣመራጺታት ናይ ኣተዓባብያ ዘኽታማት ክፍታሕ ምስ ዘይክእል ጥራይ ከም ናይ መወዳእታ መፍትሒ መናበይ ዘኽታማት ይቖማ።


ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ትካል መናበይ ዘኽታማት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ኮይኑ ይስርሓሉ ኣሎ። ኣብ ትካል መናበይ ዘኽታማት ዝዓብዩ ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቶም ብዙሕ ጸገማት ዘጋጥሞም ኢዩ። ገለ ካብቲ ጸገማት ንምጥቃስ :-

1.    ስሩዕ ኣተኣላልያ ስለዘለዎም መዓልታዊ ምንቅስቃሶም ምቁጽጻር ምስ ተገብረሉ ኢዩ።
2.    ኣብ ሓደ ትካል ተጠርኒፎም ስለዝነብሩ ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ናይ ምንባር ዕድሎም ጸቢብ ኢዩ።
3.    ዝኾነ ይኹን ነገር በቲ ትካል ስለዝቕረበሎም ኩሉ ግዜ ተጸበይቲ ይገብሮም።
4.    ብከምዚ ዝዓብዩ ቆልዑ ናይ መጻኢ ሂወቶም ናይ ምቅርራብ ጸገም የጋንፎም ወዘተ።

ነዚ ኣብ ትካላት ጌርካ ቆልዑ ናይ ምእላይ ንምጽባብ፡ ብዙሓት ኣብ መናበይ ዘኽታማት ዝነብሩ ቆልዑ፡ ቤተሰቦም ኣናዲኻ ብምርካብ ከም ዝውገኑ ተጌሩ ኣሎ። እዚ መስርሕ እዚ ብቀጻሊ ክስርሓሉ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘለዋ መናበይ ዘኽታማት ገለ ብመንግስቲ ገሊኤን ድማ ብብሕታውያን ማሕበራት ኢየን ዝካየዳ ዘለዋ። እንተኾነ ግን ኣብ ኣተሓሕአን ሓደ ንኹለን ዝጠምር መምርሒ የብለንን።

ኣብ ኤርትራ ዘለዋ መናበይ ዘኽታማት ገለ ብመንግስቲ ገሊኤን ብብሕታውያን ማሕበራት ኢየን ዝካየዳ ዘለዋ። እንተኾነ ግን ኣብ ኣተሓሕዝአን ሓደ ንኹለን ዝጠምር መምርሒ የብለንን። ዘኽታም ናብ ትካል መቐበሊን መውጽኢን ከምቲ ዝድለ ዝተማልአ ቅጥዕታት ስለዘየለ ኣብ ኣሰራርሓ ብዙሕ ሃጋፋት ኣሎ።

ታራ ቤ/ክ ኣብ ምእላይ ዘኽታማት


“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህን ርኽሰትን ዜብሉ ኣምልኾ እዚ'ዩ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከርኦምን ጸበብኦምን ምብጻሕ እዩ” ያቆ 1፡27።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ከም ዝረኣናዮ ዓለም ንዘኽታማት ቆልዑ ዘለዎ ርሕራሔ ዓቢ'ዩ። ነዚ'ውን ብውልቅን ብማሕበርን ትሰርሓሉ ዘላ። ተራ እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት'ከ እንታይ እዩ ክኸውን ዝግብኦ። መጽሓፍ ቅዱስ'ከ ብዛዕባ እዚ ነገር'ዚ እንታይ ይብል። ኣብ ያቆ 1፡27 ከም ዝተጠቕሰ ንጽህ ኣምልኾ ምእላይ ዘኽታማት'ውን ከም ዘጠቓልል'ዩ። እ/ሔር ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንዘኽታማትን መበለታትን ዘለዋ ኣተሃሕዛ ፍልይ ዝበለ እዩ።

ንኣብነት ብዙሕ ሻዕን ብብዙሕ መንገድን እ/ሔር ኣቦ ዘኽታማት ምኻኑ ርእሱ ገሊጹ ኣሎ። ኣቦይን እኖይን እካ እንተጠንጠኑኒ እ/ሔር ይእርንበኒ (መዝ.ታታ.10) ። እግዚኣብሔር'ውን ንዘኽታማት ፍትሒ የውጽእ እንጀራ ክዳንን ድማ ይህቦም። እዚ'ውን በታ ኣብዚ ምድሪ ዝገደፉ ቤተክርስትያን እዩ ዘፍጽም።

ስለምንታይ'ዩ እዩ እግ/ሕር ንዘኽታማት ዝሓልዮሎም ዘኽታማት ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ሕብረተሰብ ፍትሒ ስለ ዝሕረሞም እዩ። ንኣብነት ዘጽ 22፡ 22 እስራኤላውያን ንዘኽታማት ይገፍዑ ከም ዝነበሩ ክንርዳእ ንኽእል። ፍርዲ'ውን ይጠውዩ ከም ዝነበሩ ውን ኣብ ዘዳ 24፡17 ንርኢ ሑሉፍ ሓሊፎም'ውን ንዘኽታማት ይሓርዱ ከም ዝነበሩ ኣብ መዝሙር  94፡6 ክንርኢ ንኽእል። ስለዚ ድማ'ዩ እ/ሔር ንዘኽታማት መበለታትን ዘበሉ ኣይትግፍዓዮም ዝብል። ንዘኽታማትን መበለታትን ፍርዲ ኣይትጥወ ወዘተ እንዳ በለ ብዛዕባ ዘኽታማት ብዙሕ ጊዜ ዘጠንቅቆም ዝነበር።

ብተመሳሳሊ'ውን ብዝኽትምና ዝሓለፉ ዓበይቲ ናይ እ/ሔር ሰባት ዝኾኑ ክንጠቅስ ንክእል። ኣብነት ሙሴ ኣብ ቤት ፎርኦን ወዲ ጋል ፈርኦን እንዳተባህለ ከም ዝዓበየ ክንርኢ ንኽእል። ኣብ መወዳእታ ግን ብረዲኤት እ/ሔር ንእስራኤልውን ንምድሓን ምኽንያት ከም ዝኾነ'ውን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና። ከም'ኡውን ኣስቴር ኣቦኣ ኣዲኣን ምስ ሞቱ ማርያ ከም ጋሉ ጌሩ ከም ዘዕብያ ኣብ መወዳእታ ድማ ንእስራኤላውን ንበረኸትን ንምድሓንን ከም ዝኾነት ንርኢ ስለዚ እ/ሔር'ውን ንዘኽታማት ከምቲ ካልእ ሰብ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓን ምኽንያት ከም ዝገብሮ እዞም ክልተ ሰባት ምስክር እዮም።

ኣብ ቓል ኣምላኽ ብጀካ ጋል ፈርኦን ማርዶካይን ኣቦና እዮብ'ውን ንዘኽታማት ፍትሒ ብምግባርን ብምርዳእን ተመስከረሉ ሰብኣይ ከም ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።

ስለዚ ንሕና ውን እቶም ንርእስና ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት እንቁጸር እ/ሔር ንዘኽታማት ኣብ ምእላይ ጽድቅና ክንምልእ ብዙሕ ከም ዝጽበየና ክንርዳእ ይግባኣና። ብዘለና ዓቅሚ ብገንዘብ ይኹን ብንዋት ካብኡ ሓሊፉ'ውን እቶም ዓቅሚ ዘሎና ንሓደ ሓደ ዘኽታማት ምስ ስድራቤትና ብምንጽንባር ኣሰር ብዓል እዮብን ማርዶካይን ክንክተል ይግብኣና።