07
Sun, Sep
0 New Articles

ከም ምዕባዮም ይዓብዩ!

Social Issue
Typography
ትራጀዲ እዩ! እወ ዘስካሕክሕ ትራጀዲ! ኣብ ቅድሚ ኣሸሓት የዒንቲ ሊቃውንቲ ዓለም: ዝፍጰም ምርኢት:: ገለ ኪኢላታት ጥዕና: ኣካላት ወዲ-ስብ ከዳቕሉ ኣብ ፍጥረት ሰብ መቐይሮ ከምጽኡ: የዒንቶም ሰለም ከየብሉ ዝሓድሩ:: ገለኸኣ: ኣብ ክንዲ ምዕሩይ ዝርጋሐ ተፈጥሮ ሃብቲ: ንኹሉ ዜጋ ዝቕይሱ: ካብ ኣፍ ድኻታት መንዚዖም: ጅቧታት ሰብ ርእሰ-ማል ዘሕብጡ: ኪኢላታት ሰነ-ቁጦባ:: ገለ ካብኦም ካኣ: የዒንቶም ዝተደፍነ: ስለ ፍትሒ ዓው ኢሎም ክዛረቡ ዘይክእሉ: ኣቃጠርቲ ሰበኽቲ ወንጌል ኢና በሃልቲ እዮም:: ኮታ እቲ ምርኢት: ካብ መጋባእያ ቤተ-መንግሰቲ: ፕሮፌሰራት ልዑል ትምርቲ: ክሳዕ እቲ ዓዃይ ምሰ ድንኩል ዝቃለስ: ጉሉሕ ተንቀሳቓሲ ፍሊም እዩ:: ገበንን ኣድልዎን: ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሕብረተ-ስብ እኳ እንተ ሃለወ: ኣብ ልዕሊ ሀጻናት ዝፍጰም ዘሎ ገበን ግን: መዳርግቲ የብሉን:: ብሓቂ ዘሰካሕክሕ ትራጀዲ እዩ::

 
እቲ ዕሸል: በዳሊ ኾይኑ ከይርከብ ኣበይ እሞ ኔሩ:: ትሸዓተ ወርሒ ኣብ ማህጸን ተጠኒሱ: ግዚኡ ሓልዩ ናብዛ ዓለም ይውለድ:: ንምይሰል ይዕለለሉ:: ወይ ክቡር ዕንባባ ይልገሰሉ:: ኣብ ክንዲ ሕንቃቐ ወለዱ እናስተማቐረ ዓብዩ መጻኢ ሂወት ዝጥምት: እቲ ድናሰ ኣብ ዕሸልነቱ ኸሎ ይጅምሮ:: ዕድመ መዋእሉ ኣዋርሕ እዩ:: ዕድለኛ እንተ ኾይኑ ኸኣ: ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት እባ ይልቅብ:: ብኣግኡ ዕርቃን ኣካላቱ ይገሃድ: መሰናግለ ኣካላቱ ክፍቀዱ ይጅምሩ:: ዕንዱ: ከይሕቆፍ: ከይሕዘል: ከይሰራሰር ኣበይ ኣሎ ኣካላት: ፈሩሱ እንድዩ! ምሰ ፍርናሸ መሰተላግበ: መፈላልዮ የብሉን:: ከምኡ ኢሉ ኸኣ: ብጎደና መቕዘፍቲ: ናብ መቓብር ይምርሸ:: እንታይ ክገብር ዕንዱ: ማህጰን: ብዘይምሕር ሕማም ለኺፋ እንድያ ኣፋንያቶ:: ወዳጀ ዕንዱ: ንሂወት ማንካ ከየልዓለላ: ተራእዩ ጠፊኡ:: ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ዘጥሕለካ: ኣብ ውሸጢ ሂወት ዝፍጰም ተዋስኦ እዩ::

ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት: ምሰ ከምኡ መዛንኡ ዘወን ክብል ይውዕል:: ናይ ዕለት እንጌራኡ ክምእርር: ካብ ሓደ ቤት-መስተ: ናብ ካልእ ቤት-መሰተ: ኣብያተ ቤት-መግቢ: ካልእ ትካላትን: ሸጋራ: ማሰቲካ: ሶፍት:.....ወዘተ እናሸጠ ኮሎል ክብል ይውዕል:: ርእሱ ዘንብረላ ጎጆ የብሉን! መሬት ዓይኒ ምሰ ሓዘት: ምሰ ካልኦት ብጾቱ ኣረጊት ገዛውቲ: ብሕት ዝበሉ ገበላታት: ባጎኒ ባቡራት: የናድይ:: ነቲ ቐዝሒ ቁሪ: ርእሱ ኣብ ወሸጢ ብጅልጃል ጎልፍኡ ኣእትዩ: ኣብ ገለ ክፋል ኣካላት መዳቕሰቱ: ተሰዅዑ: ሓኽፍ እናበለ: ነታ ለይቲ ይሓልፋ:: ቀትሪ ብሞቐት ጸሓይ: ለይቲ በሳሒታ ቁሪ እናተገርፈ: ዓመታት ይሓልፍ:: ድበልዖን ዝኸደኖን ዘጽልለሉን ዘይረኸበዶ: ብዛዕባ ትምሀርቲ: ሰልጣኔ ክሓስብ:: ምስኪናይ! ኣንፈት ጉዕዙኡ ዘይፈልጥ: ተጓዓዛይ! ዘገርም ትራጀዲ! ብዘይ ኣቦን ኣደን ዝስራሕ ካአ እዚ ካልእ ተዋሰኦ:: ንኹሉ እቲ ምርኢት ሓደ ኢልካ ክትገልጶ: መደምደምታ ዘይብሉ መግለጲ ስለ ዝኸውን: ብዝሕ እዩ እልና ከነሕጵሮ::

ናብዛ ዓለም ክውለድ ይደሊ ድዩ ኣይደልን: ተሓቲቱ ዝመጸ ህጻን የልቦን:: ናይ መርጫ መሰል ኣይተዋህቦን:: እንዳ ቤተ-ሰብ መን ክትውለድ ትደሊ? ተባሂሉ ምርጫ ኣቐዲምካ ዝወሃብ ኔሩ እንተዝኸውን: ሓያለ ህጻናት: እንዳ ሰድራ-ቤት ሉኡል ቻርለስ ዓዲ-እንግሊዝ: ኣሚር ሱዑድያ ወይ ኩዌት: ወዲ ወይ ጓል ኣመሪካዊ ብልገይት: ወናኒ ትካል ማይክሮሶፍት: ኮይኖም ክውለዱ ምመረጹ:: ርሑቕ ከይከድና: ካብ ገለ ሃብታማት ኤርትራ: ክውለዱ ምደለዩ:: ኣይፋል! ንተፎጥሮኻ እናረገምካ: ጽሑፍተይ እንድዩ: እናበለካ ኣብ መንነታዊ ቅልውላው ተሸሚምካ: ርእስኻ ርገጽ ኣይኮነን: ሃቐና እዚ መግለጺ:: እኳ ድኣ: እግዚኣብሄር: ብማዕረ ዓቕሚ: ንኹሉ ዓይነታት ሰብ: ጸሊም ይኹን ጻዕዳ: ብማዕረ እዩ ፈጢርዎ:: ኣብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ምዝንባላት: ሓጥያት ሰብ ዝፈጠሮ ድኣ እንበር: ኣብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣድልዎ ሃልዩ ኣይኮን:: እቲ መግለጺ: ነቶም ኣቦን ኣደን መሪጾም (ውጺኢት ግብረሰጋ: ጥንሲ ምዃኑ ዘይፈልጥ: ስብ ሰለ ዘየለ): ዝወለድዎ ህጻን: ክሳብ ነብሱ ኪኢሉ: ምርጫኡ ዝገብር: በጽቡቕ ድዩ ሕማቕ ተሓተትቲ እሶም: ወለዲ ምዃኖም ንምብራህ እዩ::

እንበኣር: ኣብዛ ሓላፍነት ዝጎደሎም ወለዲ ዝመልአት ዓለም: ኣበየናይ ሰድራ-ቤት ትውለድ: ቀዲምካ ዝፍለጥ ኔሩ እንተ ዝኽውን: ዕጭ ሓንፈፍኩ: ኣይውለድን እየ: ዝብል ብኽያት: ህጻናት መሰረት ምድሪ መንቀጥቀጠ ኔሩ:: ከመኡ'ውን: ''ሓላፍነተይ ክትወስዱ ዘይብቑዓት እንተኾይንኩም: ስለምንታይ ወሊድኩምኒ?'' ዝብል መጋባእያ: እንተዝህሉ: ዕድመ ልክዕ ክሕበሱ: ወይ ካልእ ፍርድታት ክብየነሎም ዝኽእል ወለዲ: ብኣሸሓት ምተረኽቡ ኔሮም::

እሞ: ከም ምዕባዮም ይዓብዩ: ጥራይ ይወለዱ:: እምነት: እምነት እንዳበልና: ግን ዘይእምነት: ባዶሸ: ማይ እተዕሙኽ: ክንዩ ሓሳብ ኣማላኽ: ተጠቢርና: ገበን ክንፍጽም'ዶ ንንበር? ያእ ኣይፋልናን! ብመደብ ተቐይድና: ዓቕምና ወሊድና: ብእምነት ድኣ ነዕብዮም:: ጨው ምድሪ ኾይኖም ሓሊፎም: መንግስቲ ኣምላኽ ዝወርሱ ቆልዑ ድኣ ንውለድ:: እንበኣር: ብመደብ ክትወልድ ርትዓዊ ካብ ኮነ: ኣፍሉጠና ኣብ ውጥን ሰድራ-ቤት: ማለት ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ: ሓጥያት ድዩ ኣይኮነን: ድርኺት ብዘይወጥን ምውላድ (ማሕበራውን ፓሎቲካውን): ምቁጵጳር ጥንሲ ኣብ ታሪኽ ክርስትና:.....ወዘተ: ዕሙቕ ዝበለ ግንዛበ ክህልወና: ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ:: መከላኸሊ ጥንሲ: ኣጠቓቕማኡን: ንዝርዝራዊ መግለጺኡን: ብቐንዱ: ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝሐደግ እኳ እንተኾነ: ሓፈሻዊ ድህሰሳ ምግባር: ነቲ ብመደብ ምላድ ዝብል ርትዒ ሓጋዚ እዩ::
''ምቁጽጻር ጥንሲ (birth control):'' ዝኾነ ኣገባብ ወይ መንገዲ: ንባህርያዊ ኩነት ናይ ፍርያምነት: ምልዋጥ ወይ ምውጋድ የመልክት:: እዚ ማለት: ምኽልካል ወይ ምጉዳል ተኽእሎ ጥንሲ: ካብ ስጋዊ ርክብ ከይተሓረምካ እዩ:: እቲ ቃል (ምቁጽጻር ጥንሲ) እንሓንሳእ: ንምንጻል ጥንሲ (abortion): ባህርያዊ ውጥን ስድራቤት (natural family planning) ኣጣቓሊሉ የመልክት እዩ:: ውጥን ስድራ-ቤት: ተመሳሳሊ መግለጺ ናይ ምቁጸጻር ጥንሲ: እዩ:'' ብምባል (the free encyclopedia) ይገልጰልና:: ከምኡ'ውን ''ኣብ ግዜ ሰጋዊ ርክብ: ብተክኒካዊ መንገዲ ተጠቒምካ: መኽልካል ጥንሲ: ጰረ-ጥነሲ (contraception) ይብሃል'' ብምባል ይነግረና::

ብስነ-ፍልጠታዊ መግለጺ: ካብ ማሕደረ-እንቛቚሖ (Ovary): ሓንቲ ዕውቲ እንቛቑሖ: ምሰ ሓንቲ ዕውቲ ዘርኢ-ተባዕታይ (Sperm) ምሰተሓዋወሳ: ድሕሪ 72 ሰዓታት: ኣብ ማሀጰን ድቂ ይፍጠር:: ድሕሪ እተን ተጠቕሳ ሰዓታት: ማለት 3 መዓልቲ: ፍጥረት ሰብ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ:: እንበኣር ምቁጽጻር ጥንሲ: ዝተፈላለየ ኣገባባት ተጠቒምካ: ተባዕታዊ ዘርእን እንቛቚሖ ጓልኣንስተይትን ተሓዋዊሶም ናብ ፍጥረት ሰብ ከይቅየሩ ዝግበር መሰርሕ እዩ:: ምንጻል ጥንሲ: ካልእ ዓቢ ዛዕባ ሰለ ዝኾነ: ምሰዚ ንዛረበሉ ዘለና ኣርእሰቲ ክደናገር ኣይግባእን::

ወዲ-ሰብ: ካብ ኣሉታዊ ሃቐና ድዩ ኣወንታዊ: ዝብል ሕቶ ጎሲና ሓሊፍና: ዘይተደለየ ጥንሲ ከወግድ ካብ ዝጅምር ነዊሕ መዋእል ሓሊፉ ኣሎ:: ፈይቶታት (prostitutes) ኣቦኡ ዘይፍለጥ ዕሸል ከይወልዳ ጥንሲ ይከላኸላ:: ካብ ሓዳር ወጻኢ ምውላድ ካኣ ንማሕበራዊ ክበሪ ዝግህሰ ሰለ ዝኾነ: ፍንው ኣወላልዳ ዘይቁቡል ይገብሮ:: ኣብ መዝገብ ታሪኽ ግብጳውያን ሰፊሩ ከም እንረኽቦ: ኣሲዳዊ ትሕዝቶ (substance) ዘለዎ: ጥረ-ነገር (ቀልቀል ሓርገጵ ይግመት): ብመዓር ወይ ዘይቲ ተለኽዩ: ኣብ ብልዕቲ ጓል-ኣንስተይቲ ይሰኳዕ (a viginal suppository) እሞ: ከም መከላኸሊ ጥንሲ የገልግል ኔሩ:: እዚ እተጠቕሰ መስርሕ: ምናልባት ኣብ ምቕታል ዘርኢ ተባዕታይ: ብቛዓት ኔርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ:: እንተኾን ግን: ወሃዮ-ዘርኢ ተባዕታይ (sperm cell): ክሳዕ መወዳእታ 17 ክፍለ ዘመን: ኣንቶን ቫን ሊኦወን ሆክ: (Anton Van Leeuwen Hoek): ማይከሮስኮብ ዝምህዝ: ከምዘይፍለጥ ዝነበረ ከስትውዓል ኣገዳሲ እዩ:: ሰለዚ ከልከልቲ ኣገባባት (barries Meothod) ከይጥቀሙ: ቅድሚቲ ዝተጠቕስ ዘመን: ዝርዝራዊ ኣፍለጦ ብዛዕባ ጥንሲ ኣይነበሮምን::

ደቂ-ኣንስትዮ ምብራቕ (Oriental women): ምናልባት ብዘይቲ ዝተቐብአ ወረቐት ከም ቆብዐ ድብኦ (cervical cup) እንኪጥቀማ: ኤውሮጳውያን ከኣ ስምዒ: ንምክልኻል ጥንሲ: ይጥቀማ ኔረን ይኾና: ዝብል ግምት ሙሁራት ኣሎ:: ኮንዶም ግን ኣብ 17 ክ|ዘ እዩ: ተቐልቒሉ:: ኣብ መባእታ ኣጀማምራኡ: ካብ መዓንጣ እንስሳታት: እዩ ኔሩ: ንጥንስን ሕማም ፍንጣጣ ንምምካት ይጥቀምሉ ኔሮም:: ስዒቡ ግን ፕላስቲካዊ ቅርጲ ሒዙ ማዕቢሉ::
ብኣጠቓላሊ: እቶም ዝነውሐ ዕደመ ዘለዎም ኣገባባት ጰረ-ጥንሲ: ከም ምኽዓው ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ንግዳም (Coitus interruptus): ዓገቲ ነገራት (ፍሕኛ: መዓንጣ): ቆጽለ መጽሊ (a herbal abortifcients): ፍርያምነት እታ ኣደ ነጻ ኣብ እትኾነሉ: ስጋዊ ርክብ ክትፍጵም ምፍታን እዮም:: ከምኡውን ኣፈታሪኽ (colloquially) ከም ዝብሎ: ረምታዊ ኣገባብ (Rhythem method) ይጥቀሙ ኔሮም እዮም:: ዋላ እኳ እቲ ረምታዊ ኣገባብ: ጵቡቕ ኣመራጲ እንተነበረ: ሰነ-ፍልጠታወያን: ንዑደት ወርሓዊ ጵግያት ጓል- ኣንስተይቲ: ብዝረዝር ክሳዕ 20 ክ/ዘ ይፈልጥዎ ኣይነበሩን:: ግትኣተ-ሰጋ: (celibacy): ኣብ ወጳኢ ካብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ (outer course)ን ዘይንቡር ግብረ-ሰጋ (anal Sex) ምፍጳም: ኣካል ናይቶም ዝተጠቕሱ: ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎም ባህላዊ ምቁጵጳር ጥንሲ ምኻኖም: ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጵሑፋት ይገልጹልና::

ንግዳም ምፍሳሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን: ቀልጢፍካ ምሐጻብ ብልዕቲ ጓል ኣንሰተይቲን ምሉእ ብምሉእ ዘተኣማምኑ መንገዲ ኣይኮኑን:: ምኽንያቱ: ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ: ቅድሚ ተባዕታዊ ዘርኢ ምፍሳሱ: ዘሎ ጰረርታ: (pre-ejaculate or cowper’s fluid): ዘርኢ ክሕዝ ሰለ ዝኽእል: ድቂ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣሎ:: ሰለዚ እዞም ክልቲኦም ኣገባባት: ዘይብቑዓት ዝኾኑሉ ምኽንያት: ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዘፍሰሰሉ ግዜ: ብገምጋም: 5 ሚ.ሊ (1 ማንካ ሻሂ) ፈሳሲ: 400,000,000 ተባዕታዊ ዘርኢ ትሕዝ:: ካብዞም ኩሎም ሓንቲ ጥራይ እያ እትዕወት:: ከምኡ'ውን ንጣብ ጸረርታ: ልዕሊ 30,000 ተባዕታዊ ዘርኢ ኣለዋ:: ስለዚ: ድቂ ናይ ምምሰራት ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ:: ካብዘይ ምህላው ግን እቲ ምቁራጵ ኣብ ግዜ ሰጋዊ ርክብ ከም ኣማራጲ: ይውሰድ እዩ::
ኣብ'ዚ እዋን'ዚ: ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ: እተፈላለዩ ኣገባባት መቆጳጰሪ ጥንሲ ከም ዘለዉ: ኣብታ: ''ትምህርቲ ጶታ'' እትብል መጽሓፎም: ዶክተር ምሰማይ ገብርሂወት ጠቒሶም ኣለዉ:: ዶክተር ደቪድ ፒተርሰ (Dr. David Peters): ከኣ ኣብታ ጠቕላላ ጥዕና (total Health) እትብለ መጵሓፎም: ንምቁጵጳር ጥንሲ: ኣብ ዓበይቲ 5 ክፋለት መቐሎም ይገልጵዎ:-

ሀ. ዓገቲ ኣገባባት (Barrier methods)
ኮንዶም: 2. ቆብዕ ማሀጸን (ዲያፍራም): 3. ደብኣዊ ቆብዕ (Cervical cap) 4. ሰፍነጋዊ (Sponge)::
ለ .ሆርሞናዊ ኣገባብ (Hormonal Method):
ብኣፍ ዝውሰዱ ከኒናታት: መርፍእ...ወዘተ::
ሐ. ኣብ ውሸጢ ማህጰን ዝንበር መከላኸሊ ጥንሲ (Intrauterine devices, IUD and IUS)::
መ. ምምካን::
1. ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን:: 2. ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ
ሰ. ባህርያዊ ውጥን ሰድራቤት:-
ዑደተ ጽግያት (ረምታ): 2. ምቖት ሰብነት: 3. ምልላይ ልፋጭ ክሳድ ማህጸን: 4. ሙቐት ሰብነትን ካልኦት ሓበሬታታት: 5. ጸባ ጡብ ኣደ እዮም::

ኣብዚ ግዜና: ንገለ ቑንጣሮ: ''ባዕሉ እግዚኣብሄር: ካብ ምውላድ ጠጠው እንተዘይኣቢልና: ኣበደን ጠጠው ኣበልና'' ብምባል: ከም ምዕባዮም ዝዓብዩ ቖልዑ: ዝድርድሩ: ደረቐኛታት ሞጎቲ ሓዲግካ: ዳርጋ መብዛሕትኡ ሰብ: ኣብ ምክልኻል ዝብል ኣምር ይሰምር እዩ:: እቲ ፍልልይ: ባህርያዊ'ዶ ዋላስ ዘመናዊ መንገዲ ምጥቃም ዝብል እዩ::
እቶም: ባህርያዊ መንገዲ ዝብል መርገጲ ዘለዎም: ኩውንነታውያን ሰለዘይኮኑ: ዘይተደለየ ጥንሲ ብዙሕ ግዜ የጋጥሞም:: ሰለዚ ብተግባር: ጸረ-ምቁጽጻር ጥንሲ እዮም::

ኣብዞም ክለተ ኣረኣእያታት: ሕቶ ሞራል እዚዩ ኣገዳሲ እዩ:: እቶም ባሀርያዊ መንገዲ ዝብለ መርገጵ ዘለዎም: ዘመናዊ ብልሓታት መከላኸሊ ጥንሲ: ኢሞራላዊ ምዃኑ: ኣትሪሮም ይገልጱ:: እነተኾነ ግን: ክልቲኦም ኣብዚ መዳይ እዚ ፍልልይ የብሎምን:: ማዕረ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም:: ምኽንያቱ: ዘመናዊ መንገዲ ምክልኻል ጥንሲ ኢሞራላዊ እነተኾየኑ: ንተኸላኸልቲ በህርያዊ መንገዲ: ክሕተት ዝግባእ ኣገዳሲ ሕቶ አሎ: ንሱኸኣ: ''ኣብቲ ሃቐናኹም: ቆልዓ ዘይምድላይ ምርጫ ኣለኩም:: ብተግባር ከኣ ንባህርያዊ ኣገባባት ትዓይሉ:: እንታይ እዩ እቲ ምኸንያት: ዘመናዊ መንገዲ ዘየጠቅመኩም? ያኢ: እግዚኣብሄር ተሸኪዕኩም ቖልዓ ክትሓቚፉ: ነቒሕኩም: እንተተኻታቲለኩም: ከኣ ንመደብ ኣምላኽ ከተበርዕኑ ማለት ድዩ?" ወዳጀ ሽክዕ! ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ግን: ኣብቲ ሃቐና (Motive) ድኣ እንበር: ኣብቲ ተግባር ኣይኮንን:: ምኽንያቱ: ዘመናዊ መንገዲ: መደብ ኣምላኽ ዘጎናድብ: ሐጥያት እነተኾይኑ: ባህርያዊ መንገዲ እውን ካልእ ኣጎናዳቢ ራቛሒ ማለት እዩ:: እንተኾነ ግን: መደብ እግዚኣብሄር: ኣብ ስባት ብመኸይ ከምዝፍጰም: ልዒሊ ምሰትውዓል ኣእምሮ ወዲሰብ: ምሰጢር እዩ:: መደብ ኣምላኽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ስብ ብምእታውና: ልዑላውነት (sovereignty) እግዚኣብሄር: ብምኽሓድና: ምግሃስ ዓቢ ስነ-መሎኮታዊ ሓቂ እዩ::

ገለ ቅኑዓት ክርስትያናት: ኣብዚ ክልቲኡ ኣረኣእያታት: ዘየለዉ: 12-13 ኣረ ልዕሊኡ ወሊዶም: ንደቆም ብመንፈሳውን ንዋታውን ኮታ ኩለንትናዊ ቀረብ ጌሮም: ደቆም ዘዕብዩ: ጠርሾም የለውን ማለት ኣይኮነን:: ነዞም ሒደት ጉሩሃት ሓዲግካ: ጸረ-ውጥን ሰድራ-ቤት ጠጠው ምባል: ሕቶ ሞራል ዘይኮነስ: ካልእ ረቖሒታት ማለት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ድርኺት ዘለዎ እዩ::

ብውጥን ክትወልድ ዘይምድላይ: ብዙሓት ቆልዑ ተወሊዶም: ግስጋሰ ብዝሒ እቲ ሕብረተሰብ ነኺቕጽል እዩ:: ስለምንታይ ምብዛሕ ተደለየ? ኣብ ሳልሳይ ዓለም: ብፍላይ ካኣ ኣህጉር ኣፍሪቃ: ሓንቲ ቀቢላ ወይ ሰድራ-ቤት ተሓፊራ ክትነብር ብዝሒ ኣገዳሲ እዩ:: ኣብ ማሕረስን መጎሰን ዝነብር ሕብረተ-ሰብ: ንሕርሻዊ ንጥፈት: ዓቕሚ ሰብ ተደላይ እዩ:: ኣብ ምዕራብ ዓለም: ብፍላይ ከኣ ኣውሮጳ: ምሰ ኣተሓሳስባ ውልቃውነትን: (Individualism) ጵዑቕ መዳባት ስራሕን: ብዙሓት ቆልዑ ናይ ዘይምድላይ ምርጫ ዓብሊሉ ይርከብ:: እቶም ቀንዲ ደቀባት: ቁጽሮም: እናንቆልቆለ: ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይኸይድ ሰለ ዘሎ: ብወጻእተኛታት ሰፋሮ ከይዕብለሉ ይሰግኡ:: ሰለዚ: ንወሊድ ከተባብዑ ኣለዎም::

ኣብ ምትብባዕ ወሊድ: ኣገዳሲ ሮቋሒ ከኣ: ዓለምና: ምሰቲ ዝጎጻጉጻ ዘሎ: ነጻ ዕዳጋ: ዓውለማ (Globization) እዩ:: ብዝሒ ህዝቢ: ንሑሱር ጉልበትን ሃልኪ ዕዳጋን ኣገዳሲ ሰለ ዝኾነ: ኣብዚ ብርቱዕ ጥምጥም ናይ ሸቐጥ: ብዝሒ ኣገዳሰነቱ ኣዝዩ ልዑል እዩ:: ልዕሉ ኹሉ ኻኣ: ኣብቲ ዘይጥፍእ ባርዕ ኵናት ዘለዎ ከባቢ: ብፍላይ ኣህጉርና ኣፍሪቃን: ማእከላይ ምብርቕን: ንሃገራዊ ምክልኻልን ክተትን ብዝሒ ወሳኒ ተራ ኣለዎ:: እዚ ዝተጠቕሰ ሓሳባት: ዓለማዊ ድርኺት ዘለዎ: ብዘይወጥን ቆልዑት ተወሊዶም መገባብሮ ኣብምትግባር ሰነ-ሓሳብን ግርጭታትን ንኸገልገሉ እዮ:: ኣብ ሃይማኖታዊ ዓለም ብሓፈሻ: ኣብ ገለ ማሕበራት ክርሰትና ኸኣ ብፍላይ: እንታይ እዩ: እቲ ስቱር ድሕረ-ድርኺት: ምቅዋም ብውጥን ምላድ?

መጵሓፍ ቅዱሰ: ሰብ ክበዝሕ ከምደለዎ ሰለ ዝጠቅሰ: ኣምላኻዊ ትእዛዝ ከም ምዃኑ: ተቓወምቲ ምቁጵጳር ጥንሲ ይጠቕሱ:: ''ብዝሑን ተባዝሑን ንዓለም ምልእአዋ.....:'' (ዘፍ.1:28):: እዚ ትእዛዝ እዚ ተፈጺሙስ: ዓለም መሊኣስ: ኣረ ገለ ከባቢታት ዓለም'ሲ: ብምዕልቕላቕ ህዝቢ ይሳቐ ኣሎ:: ኣይፋል! ዓለም ኣይመለአትን: ምድረበዳ ሰሃራን: ካልሃርን: ጫፍ ሚናዊ ንፍቀ ምድሪ....ወዘተ: ነበርቲ የብሉን ወይ ሰሓዊ ነበርቲ ኣለዎ:: እዚ እንተኾይኑ መልሲ መጎትኦም: ቅድም ምሰማዖም የድሊ:: ካልኣይ: መጵሓፍ ቅዱሰ ኣይድግፎን እዩ: ይብሉ:: ከም መወከሲት ጥቐሲ ዝጥቀሙላ ከኣ: ሓጥያት ኣኖን: (ዘፍ.38:8-10) እዩ:: ነዛ ጥቕሲ እዚኣ: ቆሪሰካ ወሲድካ: ምሰ ምቁጵጳር ጥንሲ ኣዛሚድካ: ኣብ መደምደምታ ቅድሚ ምብጳሕ: ቅድሚኣን ድሕሪኣን ዘለዋ ጥቕስታት ኣንቢብካ: ሕንብርቲ መልእኽቲ: እታ ጥቕሲ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ:: ድምር: ብውጥን ምውላድ መቅዋም እንበኣር: ቁጵሪ መእመናንካ ክብ ኣቢልካ: ጰብለልታኻ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ምርግጋጵ ዝሃቀነ እዩ እዩ እምበር: ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምፍጳም ኣይኮነን:: ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ክለተ ሰለሰተ ክህልወካ ምድላይ'ውን: እቲ ሕንጰ ሓሳቡ: ልዕሊ ስሚዒት ናይ ዝሙት ምኸሪ ድያብሎሰ: ነዚ ውጥን እዚ ንምትግባር ዝዓለመ እዩ::

ኣብ ዓንኬል ክርሰትና: ንብውጥን ምላድ ምቅዋም: ዲኖሚነሸናዊ ላዕለዋይ ኢድ ጨቢጠካ: ናይ ዕብለላ ሰምዒትካ ክውን ምግባር እዩ:: ግን: ኣብዚ እቲ ቐንዲ ክፍለጥ ዝግብኦ: ንእግዚኣብሄር ዘገድሶ: ቡዙሓት ብየሱሰ ኣሚኖም: ካልኣይ እተወልዱ: ናይ ሓቂ መንፈሳውያን ድኣ እንበር: ብስም ክርስትና ዝተሰመዩ ባህላውያን ወይ ስማውያን ክርስትያናት ኣይኮኑን:: አረ: ብዓይኒ እግዚኣብሄር'ሲ: ኣዝዩ ሕሱር ድርኺት: ልቡ ድሰብሮ እዩ:: ምኽንያቱ ንሱ: ''ሞት ሓደ ረሲእ እውን ኣይፈቱን:'' እዩ:: በጃነት መሰቀል ዘይፈልጥ ጭፍራ ህዝቢ መዋዳእትኡ ናበይ ከም ምዃኑ ሰለ ዝፈልጥ:: እንባኣር: እቲ ሕቶ ክለተ ተጻመድቲ ምሰ መንፈስ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክምልስዎ ዝግባእ: ውልቃዊ ሕቶ እዩ እንበር: ከም ሓደ ሰረተ-እምነት ኮይኑ: ውሳኔ: ማሕበር ዘድልዮ ኣይኮነን:: ካብኡ ሓሊፉ: ተጣባቒ ሰነ-ሂወት ክትመስል: ኣንጻር ምቁጵጳር ጥንሲ ምጉሰጓስ: ክንዩ ግብዝና: ካልእ መንፈሳዊ ኣሰተዋጵኦ የብሉን:: በዳሂት ሕቶ ንወለዲ: ''ንመንግሰቲ ኣምላኽ ዲኹም ትወልዱ: ንመንግሰቲ ሰይጣን?'' ንሰኹም: ኣቦን ኣደን እትምልሰዎ ድኣ እንበር: ጀምላዊ ሕቶ ዘይኮነሰ: ወልቃዊ እዩ: እቲ ግብረመሲ ኽኣ ንሰኻትኩም ጥራይ እዩ: ክትህብሉ ዝግባእ::

ከምተወሳኺ: መራጎዲ ክኾኖም: ድኹም መርትዖ ዘቕርብዎ: ተቓወምቲ ብውጥን ምላድ: ''ጰረ-ጥንሲ: መድሃኒታት: ጎናዊ ሳዕቤን ኣለዎ'' ዝብል እዩ:: እዚ ግን መዳኽርቲ ሓሳባት እንበር: ዑቱብ መሰረት የብሉን:: ምኽንያቱሰ: ብሒደት ድዩ: ብብዙሕ ጎናዊ ሳዕቤን ዘይብሉ መድሃኒት ድኸ ኣሎ እዩ:: ሰለዝስ: ድኾነ ዓይነት መድሃኒት ክውሰድ ኣይግባእን ማለት እዩ:: እንታይ ዓይነት ጸረ-ጥነሲ ትጥቀም: ምኣስን: ካልእን ዝብል ሕቶታት: በቐንዱ ንሰብ ሞያ ጥዕና ዝሕደግ እዩ:: ኣብዚ ሕቶ እዚ: ካልእ ተዋሳኺ: ከም ኣማራጲ ዘቕርብዎ: ምሕራም (abstinence): ካብ ስጋዊ ርክብ እዩ:: ምሕራም ግን ዓንቃፊ ንነጻ ምግላጽ ስጋዊ ስምዒትን ሰብኣዊ ባህርያዊ ድፍኢትን (instincts) ሰለ ዝኾነ: ብቐሊሉ እዩ ዝግሃስ: ዘይተደለየ ጥንሲ ኸኣ የኸትል:: ሰለዚ ተግባራዊ ኣማራጺ ኣይኮነን::

እቲ ኻልኣይ ርኢቶ: ባህርያዊ ድዩ: ዘማናዊ መንገዲ ተጠቒምካ: ዓቕምኻ ቆልዑት ምውላድ ቅዱስን ሓላፍነታውን እዩ ይብል:: እዚ ርኢቶ እዚ: ኣዝዩ ርትዓዊ እኳ እንተኾነ: ብመጠኑ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል ውልቃውነት: ቆልዑት ዘይብሉ ሓዳር ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ: ሕጵረታት የብሉን ማለት ኣይኮነን:: ይኹን ድኣ እንበር: ካብ ሰናይ ሕልና: ዓቕምኻ ዝፎቖዶ ቖልዑት ክህልውኻ ምድላይ ጵቡቕ ኣተሓሳስባ እዩ:: ገለ ካብቲ ኣውንታውነቱ: ምግላጵ: ንኣረኣእያና ኣብ ምቁጵጳር ጥንሲ ኣብ ምርጋእ ሓጋዚ እዩ::

ብውጥን ምውላድ: መንፈሳውን ማሕበራውን ቁጦባውን ጥቕሚ ኣለዎ:: ቆልዓ ተወሊዱ ክሳዕ ዝዓቢ: ክንክን ጥዕና: ትምህርቲ: ኣድለይቲ ነገራት: (መኣዛዊ መግቢ: መዛናጊዒ: ክዳውንቲ: ፍሉይ ክፍሊ:.....ወዘተ) የድልይዎ:: ዓቕሚ ኣታዊ ሓንቲ ሰድራ-ቤት: ኣብዚ ግዜ እዚ: ንጠለባት: ብዙሓት: ቖልዑ: ይጻወር ድዩ? ኣይፋል! ዘይዓቕምኻ ቆልዑት ምላድ: ሳዕቤኑ: ብትሕዝቶ ወዲ\ጓል ጎሮቤቶም እናቐንኡ: ብምሰትመሳል ዛዓብዩ እሞ: ምሉእ ሂወቶም ግዳይ ናይ ትሕተ-ስምዒት (Inforiority complextity) ዝኾኑ: ዉሉድ ምህላው ማለት እዩ:: እቶም ጠሪሶም ጉስነት ኣቦን ኣደን ዝተሓረሞም: ኣብ ጎደናታት ክዓብዩ ዝተወፈዩ: እሞ ኽኣ: መወዳእታኦም: ማሕበራዊ ፍንጮ ኾይኖም: ትዕድልቶም: ኣልኮል: ሽጋራ: ዕጸ-ፋርሰ.....ወዘተ እዩ:: ሞያ ሰለ ዘይብሎም: ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ኣልቦነት ይነብሩ:: ድኽነትን ከርፋሕ መነባብሮን ዝፈጠሮ ገበን ክፍጽሙ: ድሕር ኣይብሉን:: ዘበኖም ምሉእ መንድዓት ሕብረተሰብ ኮይኖም ይነብሩ::

ቆልዓ: ካብ ዝውለድ ጀሚሩ: ሓለፋ ኹሉ ፍቕሪ ሰድራ-ቤት የድልዮ:: ፍቕሪ ማለት: ኣቃልቦ: ግዜ ምሃብ: ዲሲፕሊን: ሓለፍ ኹሉ ኸኣ: መንፈሳዊ ሰነ-ምግባር ማለት እዩ:: ዓቕሚ ኣቦን ኣደን ናይ ብዝሑት ቖልዑ: ምንቅሰቓሳቶም ኣመት ክገብሩ: ቀሊል ኣይኮነን:: ኣብዚ መዳይ እዚ: ነደቆም እንተኸሲሮሞም: ድርብ ክሳራ እዩ:: ኣበዚ ሂወት እዝን: ዘልኣለምነትን::

ኣብዚ ግዜ'ዚ: መሰል ዝብሃል: ግን ፋሉልነት: ሕገ-መንግስቲ ሃገራት ከነቓንቕ ንርእን ንሰምዕን ኣለና:: ማሕበራዊ ክብርታት ሕብረተሰብን ሕጊ ተፈጥሮን ዝግህሰ:: ካብ ቤተ-መንግስቲ ሓሊፉ: መበረኺ ሰብከታት: ቤተክርሰትያናት ክቆጳጰር ፊሑኽ ይብል: ኣሎ:: ንሱ ኸኣ: መሰል ግብረ-ሰዶምን ለዝብያንን እዩ:: ብንእሰነቶም: በሰንኪ ድኽነት: ገለ ኣታዊ ንምርካብ: ገዛእ-ርእሶም ዝሸጡ:: ገለ ኻኣ ካብ ዓርከ-መሰታ ዝለመድዎ: ዘይተፈጠሮኣዊ ግዕዘይ ተግባር: ብዘይ ኣምላኻዊ ሓይሊ: ነቲ ኣመል ክሓድግዎ ኣብ ዝፍትኑ: ደይካኣል የኾኖም እሞ: ኣካል ተፈጥሮኦም ኮምዝኾነ: ከእምኑ ሒኽ ክብሉ ንሰምዖም ኣለና:: ኣረ: ንተግባራቶም: ድሮ መጳሓፍ ቅዱሰ ኮኒንዎ ኮሎ: (ሮሜ. 1:26-27): ካብቲ ቅዱሰ ጹሑፍ: ጭብጢ ከቕርቡ ጥቕሲ: ክልሓጱ: ቃላት ክጨፋልቑ: ታሪኽ ከዛብዑ ሒኽ ይብሉ ኣለዉ:: ግን: ኣብቲ ሱር ሓጥያቶም: ወለዶም ተኻፈልቲ ምዃኖም ክሰሓት ኣይግባእን! ምሰ መዕበይኻ ጥፋእ ዝብል ምሰላ ኣቦታትና! ከምዚ እዩ::

ኣብ ዓለም: ንመዓልቲ 126,000: ኣብ ዓመት ከኣ: ብገምጋም: 46 ሚልዮን ምንጳል ጥንሲ ይካየድ:: ንኣብነት: ሃገር ኣመሪካ ተወሲድና: ኣብ ዓመት:1,370,000 ደቂ-ኣንስትዮ: ጥንሲ ከም ድሰዳ: ትካል ኣላን ጉትማኸር (Alan Guttmacher Institute) ዘጊቡ:: ሳዕቤን ምንጳል ጥንሲ: ዘኸትሎ: ኣካላዊ ሞግዳእትን ሰነኣእምራውን: መንፈሳውን ናይ ሕልና ገበንን: ዳሓን: ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮን:: ግቡእ ምቁጵጳር ጥንሲ እንተዝግበር: እዚ ፍጳሜ እዚ ኣይምተፈጰመን:: ግን: ብዓቢኡ ፍኑወ ግብረ-ሰጋ ክግታእ ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኮነን::

ኣብ ዓለምና: ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝፍጰም ዘሎ: በደላት ኣስፍሕካ ምርኣይ ንግንዛቤና ኣብ ውላድ ዘለና ሓላፍነት ንምራህ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ:: ኣቦ ወይ ኣደ ዘይብሉ ቆልዓ የልቦን:: ግን እቶም መሪጶም ዝወለድዎ ወለዲ: ኣብዛ ፈትሒ ዘይብላ ዓለም: ሑቖኦም ይህብዎም:: ኣየገርምን'ዶ: መዓንጣ ዘይቆጰሩ: ቆልዑ: ካብታ ብቑመት ካብኦም ትዓቢ: ካላሽንኮፍ: ወይ ካልእ ብረት: ዓጢቖም ኣብ ዓወደ-ኵናት ከም ዝገጥሙ! ይደምዩ: ይስንኩሉ: ይሞቱ: ኣብ ዕሽል ዕድሚኦም:: ክንደይ ቆልዑ እዮም: ካብ ጎደናታት ተጨውዮም: ተሸይጦም: መፈተኒ ምርምር መድሃኒት ዝኾኑ: ክፋል ኣካላቶም ዝሸየጥ? ልዕሊ ኹሉ ግን: ኣብ ብዕሉግ ስእልታት (pornography): ዝተዋፈሩ ቆልዑት ምርኣይ: ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ:: ብዛዕባ ኣረሜናዊ ተግባራት: ግብረ-ሰጋ ኣብ ልዕሊ ቆልዑት ዝፍጰም ዘሎ: ዘርዚርካ ምርኣይ ዘስካሕክሕ እዩ::

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም: ኣሽሓት ቖልዑ: ከም ንግብረስጋ እተፈጥሩ: ብጃምላ ናብ ማእከላት ፎይቶትነት (brothels) ብኮትሮባነድ ይሸየጡ:: ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ: ቀንዲ መዋዓዊዒ ናይዚ ትካላት እየን:: ካብ ዝተፈላlልየ: ሕማም መውሰቦ: ብፍላይ ከኣ: ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረሰ (HIV-virus) ነጳ እየን ዝብል እምነት ሰለ ዘሎ: ጎሓሉ ሸቃጦን: ካልኦት ዓማዊል ፎይቶትን: ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14,15,16 ዓመት ጓል-ኣንሰተይቲ: ሸሸ ክብሉ: ምራቕ ኣፎም የንጠብጥብ:: ያኢ: ነቲ ሞሎኮታዊ ማሕተም ንጵህና: ምግሃስ: ጅግንነት ተወሲዱ: ኣበይ ኣላ ድንግል ጓል ኢልካ: ሃርገፍገፍ:: ወዳጃ ጀጋኑ: ፎይተትነት!

ኣብዚ እንሰሳዊ ተግባር: ዓመጳ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ: ከም ኣብነት ንምጥቃሰ: ኣሸሓት ትሐተ-ዕደመ ደቂ-ኣንሰትዮ: ካብ ማያምር (Myammer): ንማእከላት ፎይቶትነት ታይላነድ: በመንገዲ ኮትሮባንድ ይውሕዛ:: ብመጠን መልክዐን ድንግልናን: ዕድመን ከም ኣቕሓ ብኣቕሓ ይብደላ:: ፎይቶትነት: ኣብዚ ሃገር እዚ: ከም ሓውሲ ጵላት ናይ ቱሪዝም እዩ:: 75% ሰብኡት ታይላንድ: ምሰ ፎይቶት ዝምድና ኣለዎም:: ኣብዚ ዘይምችኡነት: ማሕበረ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር: ካብ ትሩዝም ጥራይ: (ግብረ-ሰጋ ቀንድን ዕዙዝን ተራ ዘለዎ) ኣብ ዓመት ከባቢ 4 ቢለዮን ዶላር ኣታዊ ከምዘለዋ: ጰብጳባት ይገልጱልና::

ኣብ ቻይናውያን ምሰ ድንግል መንእሰይ: ግብረ-ሰጋ ምፍጳም: ኣብ ንግዲ ዓለም ኣሳልጦን: ናብ መንእሰይ ምቕያር ሓይሊ ይህብ: ዝብል ማሪታዊ እምነት ኣለዎም:: ቡዙሓት ዓበይቲ ሸቃጦ ቻይና: ተዋሐደ ኣብ ዓመት: ሓደ ግዜ ድንግል ጓል ክትፈልጥ ኣለካ ብምባል ከም መደብ ተታሒዘሞ ኣለዉ:: ዉሑሰ-ግብረ ሰጋን ድንግልናን ክረኽቡ: ናበቲ ትሕቲ 14 ዓመት ኣዋልድ: ዝምንዝራሉ: ኣብታ ሃገር ፎይቶትነት ቆልዓ (Child prostitution): እናተባህለ ዝጵዋዕ ይዝንብዩ:: እንተኾነ ግን: ኣብ ምትሕልላፍ ጶታዊ ሕማማት: ቆልዑ ወሑሳት እዮም ዝብል ኣረኣእያ: ጉጉይ ምጉት እዩ:: በንጳሩ: ኣብዚ ግዜና ንቖልዑት: ድበዝሐ ሓደጋ የንጰላልዎም ኣሎ:: ምኽንያቱ እተን ደቂ ኣንሰትዮ: ብልዕተን: እቶም ደቂተባዕትዮ ኸኣ: መሃንትሶም ብቐሊሉ ብጎንጲ ሰለ ዝቕደድ: ንኹሎም ሕማማት መውስቦ: ቁሉዓት እዮም::

ካብ 1985 ዓ/ም: ፎይቶትነት ቆልዓ: ብዘገርም ፍጥነት: ዕብየቱ ሰማይ ዓሪጉ:: ንኣብነት: ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት: ኣብ ታይላንድ ላዕሊ 800,000: ህንዲ 400,000: ብራዚል 250,000: ፍሊፕን 250,000 ....ወዘተ: ፎይቶት ቆልዑ ይርከቡ:: ሓደስቲ ዓለም-ለኻዊ ናይ ቆልዑት ፎይቶትነት ቦታ ኮይነን ዘለዋ ኸኣ: ቬትናም: ኮምቦድያ: ላኦስ: ቻይናን ዲሞኒካን ሪፓፕሊክ እየን:: ድሕሪ'ዚ ኹሉ ጰብጳባትን ኣሃዛትን: ንሓንቲ ሕቶ ኣጉሊሕካ ንምርኣይ እዩ:: ''ሰለምንታይ ሓላፍነቱ ዘይትወስድ ወላድ ትወልድ?'' ንምብራህ እዩ::

ኣብ ሃይማኖት ክርሰትና: ኣብ ምቁጵጳር ጥንሲ ዝተሓዋወሰ ሪኢቶ እዩ ጰኒሑ:: እቲ ዘሕደሮ ጵልዋ: ንዓመታት ኣብ ሕብረተ-ሰባት ሰሪጱ ይርከብ:: ቅድሚ 1930 ታት: ምቁጵጳር ጥንሲ: ብሓፈሻ ብኹሉን: ጨንፈራት ክርስትና ኩኑን ኔሩ:: እቶም ዓበይቲ ጰገንቲ ቤተክርሰትያን: ማርቲን ሉተር: ጆን ካልቨን.....ወዘተ: ከይተረፉ: ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኔርዎም:: ድሕሪ'ቲ ዝተጠቕሰ ዓመታት ግን: ኣብ ኮንፈረንስ ለምባዝ (Lambeth conference): ብኢፒሰኮፓልያን ቤተ-ክርስትያን: እቲ ኩነኔ: ዘሊቑ:: ቀጲለን: ዳርጋ ኩለን ማሕበራት ክርስትና (ኣብ ካልኣይ ምላድ ዝኣምና): ነቲ ውሳኔ ርዒመን ተኸቲለንኦ:: ግን ገለ ውሕዳት ኣባላተን: ተፍጥሮዊ ኣገባብ እንተዘይኮይኑ: ንዘመናዊ ምክልኻል ጥንሲ ከምዘይቅበልዎ: ምፍላጥ የድሊ::

መጵሓፍ-ቅዱሰ: ንመቁጵጳር ጥንሲ ይቃወሞ ድዩ? ያእ ኣይፋል! (ዘፍ.38:10): ብዙሕ ግዜ: ነምቁጵጳር ጥንሲ ዝቃወሙ ኣካላት: ከም መርትዖ የቕርብዋ:: ግን ጌጋ መግለጲ እዩ:: እቲ ሓጥያት: ናይ ኦናሰ: ወለዳዊ ዘርኢ ንኽይቅጵል ዝነበሮ ዘይቅዱሰ ሃቐና እዩ:: ነቲ ከኸትል ዝኽእል: ህዝባዊ ውርደት ዕሽሸ ኢሉ: ንመበለት ሰይቲ ሓዉ: ናይ ምውራስ ግቡኡ ኣየማልአን: (ዘዳ.25:5-10):: እቲ ሓጥያት: ስስዐን ትዕቢትን ድኣ እንበር: ምቁጵጳር ጥንሲ ወይ ግብረ-ሕቡእ (Masterbution): ኣይነበረን:: ብሓደጋ: መንጰልቲ ጥንሲ ምሰ ዘኽትል: መቕጳዕቲ ተበይንሉ ኣሎ: (ዘጵ.21:22):: ከምኡ'ውን: ምኻድ ጥንስን (Miscarriage): ብዘይፍቓድካ ዝንጵል ጥንስን መምከንትን: ከም ሞሎኮታዊ መቕጳዕቲ ኣብ: (ሆሴ 9:14) ተጠቒሱ ኣሎ:: ምሰ መቁጵጳር ጥንሲ ግን ዋላ ሓንቲ ዘተሓሕዝ የብሉን::

እኳ ድኣ: ''..ብምኽንያት እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዝሎ ጭንቂ...'': ክትወልድ ዘይምድላይ: ካብ ሰናይ ሃቐና: ጥዕና ኣደ: ዕደመ ኣደ: ኣድለይቲ መሰረታውያን ነገራት ከተማልእ: ኮታ ብሱል ግዜ ተቛሚትካ ምላድ: መጵሓፍ ቅዱሰ ዝእምቶ ሓቂ እዩ: (1ቆሮ.7:26):: ነገራትካ: ብርትዓዊ መንገዲ ሪኢኻ: ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሕካ ምውሳን እዩ:: መንፈሳወነት: ብሰለት: ቁጠባ.......ወዘተ: ገለ ካብቶም ዓበይቲ ቅደመ-ኩነት መርዓ: ቀጲልካ ክኣ ውላድ እዮም: (ምሳ. 24:27):: ሊቃውንቲ መጵሓፍ ቅዱስን: ኪኢላታት ስነ-ስድራቤትን: ምሰ ተመርዓኻ: ንሓደ ዓመት ወይ ገለ ዓመታት ከይወለድካ ምጵናሕ: ንብሰለት እቶም ተጳመድቲ ሰለ ዘበርትዕ: ብሰንኪ ቆሉዑት ክመጵእ ዝኽእል: ጰቕጢ ኣእመሮ: ብ50% ክጳወርዎ ከም ዘኽእሎም ይነጉርና:: እቲ ዝተረፈ 50% ኽኣ: ግዜን ተሞክሮን ሰለ ዝምህሮም: ንዕንቅፋት ሓዳር እናወገዱ: ብጰጋ ኣምላኽ ዕዉት ሓዳር ክምስርቱ የኽእሎም:: ዕዉት ሓዳር ካኣ: ንኣምላኽ ዘኽብር ምድራዊ ገነት እዩ:: እምነት: ነጻ ፍቓድ ወረቐት ክምድሌትካ ክትዎልድ እትህብ ኣይኮነትን:: እምነት: መተካእታ መንፈሳዊ ሉባናን ክትገብሮ ዝግብኣካ ዕዩን እውን ኣይኮነትን::

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ: ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ከም ምዕባዮም ይዓበዩ እዩ: እቲ ተርእዮ:: ዓቕሞም ሪኦም ዝወልዱ ስድራ-ቤት ሒደት እዮም:: ብተዛማዲ ካልኦት ሃገራት ሪኢኻ: ዝጋነን ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ቖልዑት የልቦን:: ግን ኣብ ከተማታት: ኣቦታት: ኣብ ቤት-መሰተ ተኣሊኾም ዝሓድሩ: ውሑዳት ኣይኮኑን:: ኣደታት ከኣ: ኣመት ደቀን ዘይብለን: ድልውቲ ነጰልእን: ዘይትዓርፍ እግሪ ዘላተን ቡዙሓት እየን:: ብሕጵረት ዓቕሚ: ''ጰጵቡቑ ንህጳናት'' ዝብል መፈክርሲ ደሓን ይትረፎም: መሰረታዊ ነገራት ዝተነፍጎም: ካብ ንእስነቶም: ጭራ ኣብታይ: ጤለበጊዕ: ዝኽተሉ: ካልእ ኣህላኺ ሰራሕ ገጠር ዝትዕድልቶም ቆልዑ: ሒደት ኣይኮኑን:: ንቕሓተ-ሕልና እቲ ሕብረተሰብ: ኣብ ኣረኣእያ ህጳናት ክዓቢ ከም ዘለዎ ዘማትእ ሕቶ ኣይኮነን:: ብሰንኪ ፍኑው ኣወላልዳ: ክንደይ ቆሉዑት ኤርትራ: ኣብ ምንዝርና: ግዳም ሓደር: ጥዕና ጉድለት: መሃይማት....ወዘተ: ከም ዘለዉ ቀጻሊ መጵናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ:: ኣብ መዳይ ሞራላዊ ጥዕና (ኣማላኽ ዝሰረቱ) ሕብረተስብ: ቤተ-ክርሰትያን ቅደመ-ግንባር ክትስራዕ ይግባእ:: ካብ መንግሰትን: ካልኦት ጉዱሳት ማሕበራትን: ብቐንዱ እዚ ዕማም እዚ ጉዳያ እዩ:: ብፍላይ: ብውጥን ምላድ ካብ ድኾነ ኣካል ንላዕሊ: ክትመክር ይግባእ::

ኣብ መደምደምታ: ''ውላድ ህያብ ኣምላኽ እዩ'':: ግን እቲ ህያብ ተሓታትነት ኣለዎ:: ቆልዓ: የዕቢኻ: መወዳእትኡ: ገሃነብ ክኽወን: ያእ ኣይፋል!! ብፍላይ ኣደ: 9 ወርሒ ኣብ ማህጰንኪ: 2 ዓመት ሓዚልኪ: መወዳእትኡ ጥፍኣት ክኸውን: ብቛንቛ ስብ ክግለጵ ዘይካኣል: ናይ ሂወት ክሳራ እዩ:: ብርግጵ: እቶም: ግቡኦምን ዝካኣሎምን ዝገብሩ ወለዲ: ጰጋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ዕዙዝ እዩ:: ነቲ ዝሓልፍዎ: ሓጲር መንፈሳዊ ሓጎጵጎጵ ምስ ደቆም: መዋዳእትኡ ሙሉእ በረኸት እዩ:: እንተዘይኮነ ኽኣ: ካብኦም ዝድለ ሰለ ዝገበሩ: እቲ ተሓታትነት ነቶም ውሉድ ዝምልከት እዩ:: እምባኣር ምላድ: ኣዝዩ ዘሐጉሰ እዩ! እተን: ልዑል ትምህረቲ ዘጠናቐቓ: ሞያ ዘጥረያ: ልዑል ዝና ዝገበራ: ገንዘብ ዝደለባ...ወዘተ: ግን መዋእል ፍርያምነተን ዘሕለፋ: ማህጰነን ዕሽል ሰለ ዘይሓለፎ: ሓቚፈን ሰለ ዘየጥቦባ: ሂወት ንዐአን ፍራርቖ እያ:: ወሊደካ ምዕባይ እምባር ዓቢ ሞሎኮታዊ ምሰጢር ኣለዎ:: ግን ሓላፍነቶም ዝሰሓቱ ወለዲ: እንታይ ይገብሩ: ከም ዘለዉ ዘለዉ ዘይፈልጡ: ኣብ ጰጵባሕ ቆልዓ ጥብ: ጥብ ዘብሉ: ኣይፋልኩምን: ማሕፉዳ ገሃነብ ኣይተግፉሑ!!!!!!!
ዳዊት ዘወልዲ