ያቆብ ድሉዱል መንእሰይ እዩ። ፈታዊ ሰብ ዓላ ድማ እዩ ዝነበረ፣ ኣብ ብዙሓት ሰባት መጐስ ዝነበሮ ፍትው ነበረ። ያቆብ ብዙሓት የዕሩኽቲ ስለ ዝነበሮዎ ክዘናጋዕ ብምባል ሓንሳብ ሓንሳብ ናብ ገዛ ኣምስዩ ይመጽእ ነበረ። ሓደ ጊዜ ከም ኣመሉ ምስ ኣዕርኹቱ ክዘናጋዕ ብምባል ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ኣመሰየ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ጐርዞ ተላለየ፣ ክልቴኣቶም ድማ ናይ ሌላ ብምባል መስተ ክሰትዩ ጀመሩ፣ እዚ ሃዋህው ከኣ ናብ ዘይተደልየ ነገር ይመርሖም ከም ዝነበረ እኳ ይፈልጡ እንተ ነበሩ በቲ ዝነበሮም ኩነት ንስሚዒቶም ክቆጻጸርዎ ስለ ዘይከኣሉ ናብ ዝሙት ኣምርሑ። ብዝገበርዎ ነገር እኳ ሕንከት እንተ ተሰመዖም ንጊዜኡ ዕግበት ስለ ዝረኸቡሉ ግና እምብዛ ኣይተዳህሉን። ብድሕርዚ ብቖጸራ ተፈላልዮም ናብ መመንገዶም ኣምርሑ። ብድሕርዚ ፍጻሜ እዚ ክልቴቶም ብፍጹም ተራኺቦም ኣይፈልጡን እዮም።
ስድራ ቤት ያቆብ ንወዶም ከምስልዎ ስለ ዝደልዩ ሓንቲ ጥቅውቲ ጓል ኣምጽሉ። ከም ስርዓትን ወግዒ እንዳባን ድማ ስነ ስርዓት መርዓ ተቖጽረ። ቅድሚኡ ግና ክግበር ዝግብኦ ሓደ ጉዳይ ኔሩ እዩ። ንሱ ድማ ክልቲኦም ናይ ኤችኣይቪ ምርመራ ክገብሩ ኔርዎም። ያቆብ እንትርፎ እታ ሓንቲ ጊዜ ዝፈጸማ ጾታዊ ርክብ ካልእ ዝፈጸሞ ርክብ ምስ ካልእ ስለ ዘይነበረ ብዙሕ ስኽፍ ኣይበሎን። እንተ ዀነ ውጺት ምርመርኦም ከም ዝተሓሰብ ኣይኰነን። ያቆብ ተሰካሚ እቲ ንዓለምና ዝቕዝፍ ዘሎ ሕማም ኰነ። እቲ ዝተሓስበ መርዓ ድማ ተረፈ።
እዚ ዛንታ እዚ ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ። እዚ ተርእዮ እዚ ግና ኣብ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሚልዮናት ሰባት ዝርኣ ዘሎ ፍጻሜ እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንብዙሓት ድማ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ዝኽትምናን ዝገብር ዘሎ ሕማም እዚ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ እዩ። እዚ ነገር እዚ ካብ ሕማም ንላዕሊ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሃገርን ኣህጉርን ዓቢ ቁጠባዊ መንፈሳዊ ፖሎቲካዊ ቅልውላው የስዕብ ኣሎ፣ ብዝሓት ቤተሰባት ድማ ኣብ ዓቢ ናይ ዝክትምና መፈንጥራ ወዲቐን ይርከባ፣ እዚ ዓቢ ብድሆ እዚ ድማ ንዓለምና ኣብ ክትወጸሉ ዘይትኽእል ዓቢ ድነ ይሸማ ኣሎ።
ምንም እኳ ብዝተፈላለየ ወገናት ማእለያ ዘይቡሉ ጐስጋስን ፕሮጀክትታትን እንተ ተገብረ እኳ እዚ ሕማም እዚ እንትርፎ ክገድድ ክንኪ ኣይተራየን፣ ብፍላይ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ እሞ ከም ንቡር ተወሲዱ ይርከብ ኣሎ። ሰባት ነቲ ትማሊ በዚ ከምዚ ሕማም ተቐዚፉ ዝሞተ ከምኦም ሰብ እናራኣዩ ክንሶም ካባኡ ዘይምምሃሮም ኣዚዩ እዩ ዘሕዝን።
ሎሚ ጊዜኡ ሓደገኛ ምዃኑ ፈሊጥና ንጠንቀቕ። ፍረ ሓጥያት ኩሉ ጊዜ መሪርን ሞትን እዩ። ኤይድስ ድማ ሓደ ናይዚ ፍረ ኣዩ። እዚ ክንብል እንከሎና ገለ ቁሩብ ግና ብሰንኪ ናይ ካልኦት ሓጥያት ዝተለከሙ ሰባት የለዉን ማለትና ኣይኮነን። ሰብ ንኣምላኽ እንተዘይፈርሑ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ፣ ንሰባት እንትርፎ ፈሪሓ ኣግዚኣብሄር ካልእ ካብዚ ዘሎ ናይ ዓለምና ኣሰቃቒ ዝኰነ ሕማም ዝገላግሎም የለን፣ ነዚ ድማ እዩ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ ጠቢብ ሰለሙን ከምዚ ኢሉ ዝምዕደና <<መጀመርያ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ። ካብ እከይ ምርሓቕ ድማ ምስትውዓል እዩ>>።
ሰብ ንኣምላኽ ክሳብ ኣብ ልቡ ሰፈር ሂቡ ምስኡ ሕብረት ዝገብር ካብቲ ንዓለም ኣንጸላሊዋ ዘሎ ግናይ ሕማም ከምልጥ ዘለዎ ተኽእሎ እምብዛ ጸቢብን ንእሱን እዩ። ኣብዚ ጊዜና ሰብ ከም ከልቢ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ምንዝርናን ዝሙትን ዝፍጽመሉ ዘመንን እዋንን ኢና በጺሕና ዘሎና። ነቲ ቐደም ነውሪ ኢልና እንሓንከሉ ዝነበርና እዋን ሎሚ ከም ንቡር ተወሲዱ ሰባት ከም ቅቡል ነገር ወሲዶም ክዛረቡሉ ክሳብ ዘይሓንኩ በጺሖም ኣለዉ።
ዝሙት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዚዩ ፍንፉንን ኣጸያፊን እዩ። ዊዒሉ ሓዲሩ ድማ ዋጋ ናይዚ ከይ ተዓጽደ ኣይተርፍን እዩ። ሰብ ድማ ኣብ ዘዘመኑ ነቲ ዝዘራኦ እዩ ዝዓጽዶ። ሎሚ ድማ ሰባት በዚ ሕማም እዚ ክጠፍኡ ምርኣይ ዘገርም ኣይከነን ከመይሲ እቲ ዝሙት ከመይ ዓብዩን ሰፊሑን ከም ዘሎ ብዓይንና እንርእዮን ንዕዘብን ስለ ዘሎና። ኩቡራት መንእሰያት ሎሚ ሞት ኣብ ቅድሜና ዓይና ኣፍጢጣ ትጥምተናን ትጽበየናን ኣላ እቲ ምርጫ ግና ኣብ ነፍሲ ወከፍና እዩ ዘሎ ስለዚ ምርጫና እንታይ እዩ? መንእሰያት ኣብ ፈቀዶ ቦታታት ብዝሙትን ርኽሰትን እናተጨማለቑ ኣደዳ ስቓይ ብምዃን ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ተስፋ ቑርጸት ወዲቖም ኣለዉ። ብሓዊ ምጽዋት ሓደገኛ እዩ፣ ዝሙት ድማ ከምኡ እዩ።
ነቲ ኣምላኽ በገባብን ብስርዓትን ኣብ ውሽጢ ቃል ኪዳን ክንጥቀመሉ ዝሃበና ሰባት ግና ነዚ ረሲዕም ብዘይኣግባብን ስነ ስርዓትን ይጥቀሙሉ ስለ ዘለዉ በቲ ባዕሎም ዘባርዕዎ ሓዊ ይልብለቡ ኣለዉ፣ እንተ ዘይተመሊሶምን ዘይተጠንቂቖምን ድማ ገና እናተለብልቡ ናብ ጋሃንም እሳት ገጾም ከምርሑ ናይ ግድን እዩ።
ሎሚ ሰኣን ምጥንቃቕ ጽባሕ ምጥዓስ ፋይዳ የብሉን ስለዚ ሎሚ ምጥንቃቕን ካብ እከይ ምርሓቕን ኣዚዩ ሰናይ እዩ፣ ትማሊ ሓሊፋ እዩ ሎሚ ግና ናትና እያ ኣምላኽ ድማ ብዛዕባ ሎሚ ሓሲብና ንጽባሕ መንገድና ከነዕሪ ዕድል ሂብና ኣሎ። ካብ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዘይንመሃር እንተዀይና እሞ ንሕና ድማ በቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ታሪኽ ክንእሰር ምዃና ዘይምዝንጋዕ።
ዝሙት ነውርን መንወርን እዩ። ንዓና ኣነዊሩ ድማ ኣብ ክንወጸሉ ዘይንኽእል ነውሪ ክሸመና እዩ። ንህደም ንህደም ንህደም። ኩቡራት መንእስያት ጽባሕ ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ከቢድ እዩ ስለዚ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ሓላፍነት ብዝግባእ ክንዋጻእ እንተ ዀይኑ ሎሚ ብዝግባኣ ኣካይዳና ከነጸብቕ ኣሎና፣ከምቲ ዝበልናዮ ብዝሓት ሰባት ብዚ ቀዛፊ ሕማም ተጠቒዖም ከመዘለዉ እዩ። እዚ ይኹን እምበር ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ። ሎሚ እቶም በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ሓድሽ ተስፋ ዘለዎ ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ እዮም።
ሓንሳብ ብዚ ሕማም ተለኺፍካ ማለት ኣኺልካ ማለት ኣይኰነን ከመይሲ ኣብዛ ምድሪ እንከሎኻ ልዕሊ እቶም ጥዕና ዘለዎም ሰባት ከይንካ ክትመላለስ ይከኣል እዩ። ሰብ ኣብዘን ምድሪ ዝንብረለን ዓመታት ውሱናት እየን። እዘን ዉስናት ዓመታት ወዲ ሰብ ዳራጋ መብዛሕተን ናይ ስቓይ ዓመታት እየን እንተ በልና ምግናን ኣይመስለንን። ሰብ ድማ ነዘን ዝተወሰናሉ ሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይከ’ነ ተፈጢሩስ ንዘልኣለማውነት እዩ ተዶኪኑ። ስለዚ ድማ እዩ በዘን ከምጽላሎት ተጠቕሊለን ዝሓልፋ ዓመታቱ ነቲ ዘይሓልፍ ዝሓሸን ዝበለጸን ቡሉጽ ዘልኣለማውነት ክመርጽ ብኣምላኽ ዓቢ ሓላፍነት ዝተዋህቦ።
ሎሚ ድማ ንስኻ ኩቡር ሰብ በዚ ሕማም ተለኺፍካ ዘለኻ እቲ ዝዓበየ ምርጫ ክትገብሮ ዝግበኣካ ነቲ ዝመጽኣ ናይ ዘልኣለማውነት ህይወት እዩ። ኣምላኽ ብዝገበርካዮ ሓጥያት ተኣሚንካ ምስ እትምለሶ ንሱ ብምሕረት ምሉኣ ስለ ዝኸነ ዓቢ ምሕረቱን ሳህሉን ከርኣየካን ነቲ ንደቂ ሰባት ብእኡ ዝኣመኑ ኣዳሊይዎ ዘሎ ዘልኣለማዊ ርስቲ ከውርሰካ እዩ።
ናይ ደቂ ሰባት እቲ ዝዓበየ ተስፋ ኣብ ዛምድሪ ምንባር ዘይኰነስ ኪኒኡ ዝሓልፍ ዘልኣለማውነት ኣዩ። ምናልባት መዓልታትካ ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ እናተጸንቀቓ ምኻደን ኣይተርፋንን እዩ። ንስኻ ግና ምስተን ዝሓልፋ መዓልታትካ ተስፋኻ ምስኣን ክጽንቀቕ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ነቲ ዝሕረ ዘልኣለማውነት መሪጽካ ናብቲ ኩቡር ርስቲ ሃረር እንበልካ ንምኻድ ክትናፍቕ ይግብኣካ። እዚ ክኸውን ግና ንስኻ ወይ ድማ ንስኺ ሎሚ ከይወዓልካ ከይወዕልኪ ውሳኔኹም ምስ ሉዕል ፈጣሪ ምስትኽኻል እዩ ዘዋጻኩም።
ኣምላኽ ናብቶም ናብኡ ዝመጹ ሰባት ኮታ ንወጻኢ ብፍጹም ኣይድርብዮምን እዩ። ንሱ ነቶም ተስፋ ዘይብሎም ተስፋ እዩ፣ ነቶም ብሕማም ዝተጠቕዑ ድማ ምድሃኒቶም እዩ። ንዓኻ ዝኸውን እቲ እንኮ ተስፋ ሓደ ጥራይ እዩ ንሱ ድማ እቲ ዘፍቀረካ በጃኻ ድማ ወዱ የሱስ ኣብ መስቀል ክምውት ዝገበሮ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ጥራይ ኣዩ። ኤች ኣይ ቪ ንስጋካ ክቐትሎ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ኣም ውሽጥኻ ዘሎ መንፈስ ግና ኣይትንክፎን እዩ። ስለዚ መንፈስካ ምስ ኣምላኽ እንተ ተዓሪቑ ንስኻ ኣብዛ ምድሪ ብተስፋ ብሓጎስ እናተመላለስካ ኣብቲ ዝመጽኣ ርስቲ ድማ ተኻፋሊ ዀይንካ ጉዕዞ ህይወትካ ብዓወት ክትድምድም ይከኣል እዩ።
እቲ ጸገም ናይ ብዙሓት በዚ ሕማም ዝተለክፉ ሰባት ኣብ ኣእምርኦም እዩ ዘሎ፣ እዚ ኣሮማይ በቃ ተስፋ የብለይን ዝብል መንፈስ ሰይጣን ንኣእምርኦም ይገዝኦ እሞ ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ታኼላ ተሸሚሞም ቀሊጥፎም ናብ ሞት ገጾም የምርሑ፣ እዚ ግና ክከውን ዝይግብኦ ነገር እዩ፣ ብርግጽ እዚ ሕማም እዚ ቀሊል ኣይኮነን ናብ ሞት ድማ እዩ ዝመርሓካ እንተ ዀነ እቲ በዚ ሕማም ተለኺፉ ትውክልቱ ግና ኣብ ፈጣሪ ዝገበር ሰብ ወትሩ ብተስፋ ተመሊኡ ናብቲ ዘልኣለማውነት ህይወት ኣናማዕደወ ስለ ዝኸይድ ንዝመጾ ናይ ተስፋ ምቕራጽ መንፈስ ሲዒሩ ወትሩ ብዓወት ምስ ተመላለስ እዩ።
ሎሚ ሰባት ፈንፊኖምኻ ይዀኑ። ካብ ቤተሰብካ ድማ ተነጺልካ ትኸውን። ዓለም ኣንጻርካ ተሽካዕልል ትኸውን። እዚ ክኸውን ግና ግድነት እዩ። ከመይሲ ካብ ሰብን ዓለምን እትረኽቦ ተስፋ ኣዚዩ ሒደት እዩ፣ ኣብ ኣምላኽ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ንሱ ንዓኻ የፍቅረካ እዩ። ብዛዕባኻ ይግደስ እዩ። ሓድሽ ናይ ህይወት ምዕራፍ ድማ ክኸፍተልካ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኸበርካ ፍጥረት ኢኻ። ኣብዛ ዓለም ንዓኻ ዝኸውን ቦታ ተተሳእነ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ግና ዓቢ ቦታ ኣለካ።
በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ እምበር መታን ከይጠፍእሲ ኣምላክ ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ንዓለም ክሳብ ክንድዚ ኣፍቀራ እዩ ዝብል እቲ ቕዱስ ጹሑፍ። ሎሚ ነዚ ህይወትን ነዚ ፍቕርን ክትቅበል ፍቓደኛ ዲኻ? ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣንተ ተመሊስካ ጥራይ ኢኻ ዘሎካ ጾር ናብኡ ብምድርባይ ብሓርነትን ብናጽነትን ክትመላልስ ትኽእል።
ወዲ ሰብ መንፈሱ ሓራ ክሳብ ዘይወጸ ጊዜ ሓራ ኰይኑ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ኣይክእልን እዩ፣ ንስኻ ድማ ምናልባት በዚ ሕማም እዚ ተለኪፍካ ስጋኻ ብሰንኪ እዚ ሕማም እናማሰነ ይኸይድ ይህሉ፣ ይኹን እምበር ንስኻ እምንቶኻ ኩሉ ኣብቲ ልዑል ኣምላኽ ምስ እትገብር ልዕሊ እዚ ጸገም ክትመላለስ ከም እትኽእል ተረዳእ። ስለዚ ሎሚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ጾርካ ሒዝካ ናብ ኣምላኽ ተመልስ ንሱ ድማ ናባኻ ክምለስ እዩ፣ ተስፋኻ ኰይኑ ድማ ብተስፋ ከምላልሰካ እዩ።
ባሩኽ