ነጻነት ወይ ሓርነት ዝብሎ ኣእምራት ተማሳሰልቲ ኢዮም። ኣብ ጽሑፈይ ከም ሓደ ትርጉም ዘሎዎም ጌረ ክጥቀመሎም እየ።
ነጻነት ኣምር'ዩ፡ ዝጭበጥን ዝድህሰስን ኣይኮነን፡ ስለዚ ክኣ ከም ካልኦት ኣምራት ሰባት ዝተፈላለየ መግለጺ ክህብዎ ግድን'ዩ። ካብ ቡዙሕ ድማ ነዞም ዝስአቡ የካትት:-
- ንሓደ ነገር ከም ቃሕታካ ወይ ድላይካን፣ ብፍቃድካን ምዉሳን ምፍጻም
- እትገብሮን እትፍጽሞን ስርሓት ድማ ብዘይ ጸቅጢ (ድላትነት) ምስዝኸዉን
- ዝመስለካን ዝተሰመዓካን ሓሳባት ምዝራብ፡ ምግላጽ ወዘተ
ኣብዛ ንነብረላ ምድሪ ግን ሙሉእ ነጻነት ኣሎዶ?
እግዚኣብሄር ሰብ ምስ ፈጠሮ፡ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደለኻ ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣዘዞ (ዘፍ.2፡16-17) ። እዚ ዘመልክት ናይ ኣዳምን ሄዋንን ፍቓድ (will) ከምዝነበረ፡ ካብ ኩሉ ብልዑ እንተዝብሎም ምርጫ ኣይምነበሮምን፡ ምርጫ ኣብ ዘይብሉ ድማ ነጻነት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ
ምንጪ ሙሉእ ነጻነት እቲ ሰማይን ምድርን ኩሉ ኣብኡ ዘሎን ዝገበረ ልዑል ኣምላኽ ኢዩ። ንሱ ፈጣሪና ክነሱ፡ ብሙሉእ ፍታውናን ፍቓድናን እንተዘይኮይኑ፡ ክንስዕቦን ከነምልኾ ኣየገድደናን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንነጻነት ብዙሕ ቢሂግዋን ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ድማ ሰሪሑን ተቓሊሱን። ናይ ህዝብናን ሰራዊትን ኣበርክቶ ልዕዙዝ ምንባሩ ንማንም ግሁድ'ዩ ወሳኒ ግን ኣይነበረን። እቲ ምንታይ፦
እግዚኣብሄር ንቤት እንተዘይሃነጻ
ሃነጽቲ ንከንቱ ይጽዕሩ
እግዚኣብሄር ንከተማ እንተዘይሓለዋ
ሓለውቲ ንከንቱ ይነቕሑ (መዝ.127፡1)
ናይ ነጻነትና ወይ መሬትና ካብ ገዛእቲ ስርዓታት ሓራ ምዅን ምኽንያት ግን ዓቕምናን ክእለትናን ድዩ? ናይዛ ሕቶ'ዚኣ መልሲ ናይ በረኸትን መርገምን ምርጫ እዩ። ናይ ጽሑፈይ ኣርእስቲ ድማ እያ። ስለዚ ኣስፊሐ ኣብ ታሕቲ ክገልጾ ክፍትን እየ። ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብለና ኩሉ ብኡኡ ኮነ፡ ብዘይ ብኡኡ፡ እግዚኣብሄር ማለት'ዩ ዝኾነ ሓደ ነገር የልቦን። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይትረፍ'ዶ 3 ሚልዮን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ህዝቢ፡ እንስሳታት እኵ ከይተረፈ ቁጹራትን ሕሱባትን እዮም። ንኣብነት ኣምላኽ ንኖህ በሎ፡ ምሳኻ ዘሎ ኩሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣእዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ክስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይብዝሑን (ዘፍ.8፡17) ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ጎይታ የሱስ ንሃዋርያት ብቃሉ ከተባብዖም ከሎ፡ ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኮናን፡ ሓንቲ ካባታተን ብዘይፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጉሪ ርእስኹም ኩለን እኵ ቁጹራት እየን(ማቴ. 10፡29-30) ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕሱብ ስለዝኾነ፡ እቲ መከራን ጸበባን ሕሰምን ህዝቡ ዝሰምዕ (ዘጽ.3:7-8) ጸግኡን ምሕረቱን በዚሑልና ብ24 ግንቦት 1991 "ነጻነት" ብተኣምር ረኺብና። ኣብዚ ክጸቕጠሉ ዝደሊ ቀንዲ ነጥቢ እግዚኣብሄር ስለዝፈቐዶ ጥራይ መሬትና ካብ ባዕዳውያን ነጻ ኮይኑ፡ ሉላውነትና ረኺብና፡ ከም ሃገርን ህዝብን ድማ ቍምና። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ኩሉ ጽቡቕ ውህበትና ሙሉእ ውህበትና ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ (ያቆ.1፡17) ።
እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ፡ ነዚ ዝተገበረልና ዓቢ ውዕለት ሞሳ፡ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ሂብናዶ? ቅድሚ እዚ ሕቶ'ዚ ምምላስና ክልተ ገጻት ናይ ሃገራዊ ሓርነት (Aspects of national indepedence) ንርአ፡-
1. ነጻነት ናይ ግዝኣተ መሬት፡
ሃገርና ኤርትራ ብ1991 ካብ ግዛት ኢትዮጵያ ነጻ ኮይና፡ ብ1993 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና፡ ከም ነጻን ሉኡላዊት ሃገር ድማ ተፈሊጣ፡ ናትና ባንዴራ፡ ባጤራ ካልእን ጌርና፡ ቁጽሮም ውሑድ ዘይኮነ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መደበራት ጥዕናን ሆስፒታላትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ድማ ኣብ ኩሉ ክፋላት ናይ ሃገርና ተሃኒጾም ጽቡቕ፡ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ነጻነት ናይ ግዝኣተ መሬት እዮ። ኮይኑ ግን እዚ ዝተገብረ እኹል ድዩ? በዚ ዝተገብረ'ኸ ህዝብና ዕጉብ ድዩ ወይ ከም ትጽቢቱ ረኺቡ'ዶ?... ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ብዙሕ ክሸመካ እየ (ማቴ.25፡21,23) ። ንዝተገብረሉ ዘመስግን ይውሰኽ፡ እቲ ሞሳ ዘይመልስ ግና፡ እታ ዘላቶ እኵ እንተዘይተወስደት ህላውነታ ትርጉም ዘይብሉ፡ ዘይትፈሪ ትኸውን።
2. ፖለቲካዊ ሓርነት (Political Liberation)
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ፖለቲካዊ ሓርነት ናይ ኣእምሮ ሓርነት'ዩ። ሰባት ብግዝኣተ-ሕጊ ክምርሑ ከለው፡ ብነጻን ብዘይ ጸቕጥን መራሕቶም ክመርጹ ምስ ዝኽእሉ፡ ብነጻነት ንዝመረጽዎ ክኣምኑን ከምልኹን ምስዝኽእሉ፡ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ኣብ ሓንቲ ሃገር ፍትሒ፡ ሰላም ብልጽግናን ምስ ዝዓስል ብምድራዊ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ሓርነት፡ ከም መቐጸላታ ናይቲ ቀዳማይ ዓይነት ነጻነት፡ ኣሎ ንብል። እዚ ኩሉ ኣብ ምድሪ ኣሎዶ? ንምንታ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተሪኢና ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ህውከትን፡ ዕግርግርን፡ ምፍሳስ ደምን ከምዘምጽእ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ (ዘፍ.6፡13፣ ህዝ.7፡23-24, 12፡19-20) ። ነጻነትና ከይባረኽን ህዝብና ካብ ደም ምፍሳስ፡ ድኽነት፡ ጥሜት ስደት ከይላቐቕ፡ እኵ ደኣ ኣብ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ ብዝኸፈአን ብዝዛየደን መልክዑ ምቕጻሉ ኣብእ ኹሉ ናይ ጸልማት ዘመናት ክመላለስን፡ ጠንቂ ዝኾኑ ካብ ቡዙሓት ውሑዳት፡ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ክጠቕሶ ክፍትን እየ ።
1. ነቲ ንጉስ ክብሪ ዝግበኦ ክብሪ ዘይምሃብ
ብቓል ኮነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ብስም ጎይታና ግበርዎ። ብእኡ ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ (ቆሎ.3፡17) ኮይኑ ግን እቲ ንናጽነትና ምኽንምያት ዝኾነ ኣቦ ተኣምራት ዝግበኦ ክብርን ምስጋናን ኣይተዋህቦን፡ ባንጻሩ ጕይላን ዳንኬራን እንዳገበርካ ምስ መናፍስቲ ድያብሎስ ምስዕሳእን ምዝላልን እቲ ልሚድ (ዓመታዊ) ኣበዓዕላ መዓልቲ ነጻነት ኮይኑ ንሪኦ ኣሎና። ጕይላ ካብ ካልኦት እኩያት ተግባራት ከም እኒ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቆላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅኒ፡ ቁጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለትን ስኽራንን ዘይፍለ ፍረ ሓጢኣት ምዅኑ ቓል ኣምላኽ ይነግረና (ገላ.5፡20-21) ። እዚ ቀንዲ መሳርሒ ድያብሎስ ማዕረ ክንደይ ኣብ ደም ህዝብና ሰሪጹ፡ ክብሪ ኣምላኽ ሰሪቑ ከም ዘሎ ንርአ። ሞኣባውያን ሞኣብ ፍረ ሓጢያት ማለት እዩ። ኩመሽ ንኒ ዝተወልዱ ደቆም ብሴፍ እናሓረዶም ከሎ ብጕይላ ይውድስዎ ነበሩ። እዚ ናይ ኩመሽ መንፈስ ማዕረ ክንደይ ኣብ ህዝብና ሰሪጹ፡ ምስትውዓል ኣደንዚዙ ከምዘሎ ንማንም ግሁድ እዩ። ገለ ንምጥቃስ ኣብ መርዓ፡ ስምቍ ስዋ፡ ጥምቀት ቆልዓ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ዓመት ቆልዓ ካልእ ዝተረኽበ ኣጋጣሚ እንዳፈጠርካ፡ ባንዲ ዝበሃሉ ናይ ዘመና ሸቀጥቲ ኣሽሓት እንዳከፈልካ፡ ንኸብድኻ ዘየዓንገልካ፡ እቲ ፍረ መርገም ጌርካ ነብስኻ ምድዕዓስ ግኑን መለለዩ ባህልና ኮይኑ ኣሎ። ካብ ናይ ሞኣባውያን ታሪኽ ብዘይፍለ፡ ደቅኻ ናብ ኩናት እናኸዱ፡ ኣብ ክንዲ
ብምህለላን እዝግዮን፡ ብሳዕሲዒትን ብጕይላን ምፍናው። እቲ ጠባሪ ናይ ምድዕዓስ ኣብዚ ኣየብቐዔን፡ ኣብ ሰነ 2003 ኣስማት ስውኣት ኣብ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን ኣዴታት ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሬሳ (ደም) ደቀን ይስዕሳዓ ነይረን። ይቕጽላ'ውን ኣለዋ። ጎይታ ይቕረ ይበለልና። ብዘይካ ኣብ ክርስቶስ ሓርነት የልቦን (ቲቶ.3፡1-7) ፡ ድያብሎስ አቲ ትጸልኦ እኵ ከይተረፈ ኣገዲዱን ተገዛኢኡን ይገብረካ። ከም ውጽኢት ብዙሕ ክፋል ናይ ሕብረተሰብና፡ ብኣሃዝ ክገልጾ ኣይክእልን፡ ተገዛኢ ናይዚ ረብሓ ዘይብሉን ሕሱርን ነገረኣት ኮይኑ ኣሎ።
2. ትምክሕትን ጃህራን
ካብ ቀዳማይ ነጥቢ ብዘይፍለ፡ እቲ ክብርን ሞጎስን ንኣምላኽ ምሃብ ተሪፉስ፡ ንነብስና ከም ፍሉያት ህዝቢ ጌርና ዝተፈላለዩ ናይ መርገም ቃላት ምዝራእ። ንኣብነት፡-
- መን ከምዚ ህዝቢ - ምስጋና ንኣምላኽ፡ ዝኽሪ ድማ ንሰማእታትና ምባል ተሪፉስ፡ ክብርን
ሞጎስን ንስውኣትና/ ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡
- መራኸቢ ብዙሃንን ደረፍትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ብምውሳድ . . . ይከኣሎ (ገባር ተኣምራት)፡ ኻብ ምድረበዳ ማይ ዘዛሪ ወዘተ.
- ብተደጋጋሚ ብመራሕትና ዝወሃብ መግለጺታት ንኣብነት ከም ካልኦት ህዝብታት ነጻነትና ኣይተተኾበልናን፡ ብድርድር ኣየምጻእናዮን ብሓይልናን ብቅልጽምናን እምበር እናተባህለ ቀጻሊ ዝዝረብ ናይ ጃህራን ትምክሕትን ቃላት ንምድርና መርገም እምበር በረኽት ክኾኖ ኣይረኣናን። ኩሉ ዝኽእል ተኣምራት ድማ ዝገብር ብዘይካ እግዚኣብሄር የልቦን። ንምጥቕላል ጕይላ፡ ትምክሕቲ ፡ጃህራ፡ ኣንነት ዝኣመሰሉን ንስምዒት ደቂ ሰባት ቀስቂሶም፡ ምስትውኣሎም ኣደንዚዞም፡ ንህላውነት እግዚኣብሄር ዘኽሕዱ ቀንዲ መሳርሒ ኮሚንስታውያን ኢዮም። ኩሉ ጊዜ ስምኢት ኣብ ዚዕብልለሉ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ምስትውዓልን ምሕሳብን ኣቕሞም ይደክም።
3. ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ቀዳማይ ትእዛዝ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልውኻ። ካብዚ ከምንርድኦ ሰብ ብምሉእ ሓይሉ፡ ዓቕሙ፡ ኣተሓሳስብኡ፡ ኣካይድኡ፡ ተግባራቱ ወይ ነቲ ህያው ኣምላኽ ኣምላኹ ጌሩ ይስዕቦ፡ የምልኾ፡ የገልግሎ፡ ወይ'ውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንኣብነት ንምስሊ፡ ንእንስሳታት፡ ንገንዘብ፡ ንመራሕቲ፡ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዲያብሎስ ኮይኖም፡ ሃሙን ቀልቡን ኣውዲቑ የምልኾን የገልግሎን። ንኣብነት ኣብ ማቴ. 6፡24 ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ ንኽልተ ጎይተት ኪግዛእ ዝኽእል የልቦን፡ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንእቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኮነልኩምን እዩ።
ገደብ ዘይብሉ ትውክልቲ ህዝብና ኣብ መራሕትና፡ ከምዘይጋገዩ ፍጡራት ጌርካ ምርኣዮም፡ ማዕረ ክንደይ ኣምልኾ ኣምላኽ ሰሪቑ ከምዝነበረን፡ ሕጂ'ውን ብመጠኑ፡ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እቲ ሓቂ ግና ኩሎም ነገስታት ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ከምዘይብሎም ቓል ኣምላኽ ኣነጺሩ ይነግረና (ኢሳ. 40፡23, መዝ. 63፡9)። ዘገርም'ዩ፡ ነቲ በታ ሓያል ቅልጽሙ ዝረድኣና፡ ንጸላእትና'ውን ኣሕሊፉ ዝሃበና ኣምላኽ ሞሳ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ነቶም ስራሓት ኣእዳው ዝኾኑ ደቂ ሰባት ልዕሊኡ ጌርና ምርኣይ (ምምላኽ) ኣይንረብሓና ኣይንረብሓ ሃገርና።
እግዚኣብሄር ድማ ይብል፡ ኣነ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንሱ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ ንኻልእ ኣማልኽቲ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝጠቐስክዎም ኣይትስገድ (ዘጽ.20፡5, 34፡14)። ከም ኣምላኽነቱ ኣሚኑ ክብሪ ዘይሃበ ኣምልኾ ንካልኦት ኣማልኽቲ ዝሃበ፡ ነቲ ዘላለማዊ ምሕረት እግዚኣብሄር ዕሽሽ ዝበለ፡ ሰብ ይኹን ህዝቢ፡ ይቀልጥፍ ይደንጉ፡ ካብ መትዓ ወይ ፍርዲ ኣየምልጥን ኢዩ። መዛግብቲ ታሪኽ ሕብረት ሶቭየት ነበር ናይ ቀረባ ምስክር እዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ኩሉ መዓልተይ ናብ ልብኻን ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ (ዘጽ.9፡14) ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዙርያ ቤት መንግስቲ ወይ ምኽሪ፡ ጥበብ፡ ምስትውኣል ኣምላኽ ይዓዝዝ፡ ወይ ድማ መናፍትን ጠንቆልትን ኣእምሮ ንጉስን መኵንንትን ይቆጻጸርዎ። ስለዚ መራሒ ሃገር ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምርሒት ኣምላኽ ወይ ልኡኻት መናፍስቲ እከይ ይኸውን። ከም ኣብነት እንተ ወሲድና ፎርኦን ሕልሚ ሓሊመ፡ ምስ ወግሐ ድማ ንኹሎም ጠቢባን ግብጽን ኹሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ኩሎም ምፍትሑ ምስ ሰኣኑ ድማ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዮሴፍ ሕልሙ ፈትሓሉ። ፎርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ ንዓኻ እዚ ኩሉ ካብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውልዓን ፈላጥን የልቦን። ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ካባኻ ዝዓቢ በሎ (ዘፍ.41፡1) ። ካልእ ኣብነት ሙሴን ኣሮንን ኣብ ፎርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትዮም፡ በትሮም ደርብዮም፡ ተኣምራት ምስ ኣርኣይዎ፡ ንሱድማ ነቶም ጠቢባንን ሰረይትን ጸውዖም (ዘጽ.7፡9-11) ። ኣብ ዙርያ ቤት መንግስቲ ሃገርና'ኸ መን'ዩ ዘሎ?
ሸኽ ሑሰን በዓል ብኮ (ከባቢ ኣውጋሮን ሃለቃ በርሀ በዓል ዓዲ ያቆብን ኣዕሩኽ መራሕትና ምዅኖም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዚ ምዕቡል እዋን ኣማኸርቲ መንግስቲ ኤርትራ ምሁራት ስነ ቁጠባን ሳይንቲስትን ዘይኮኑ እዞም ዝተጠቕሱን መሰልቶምን መሳርሒ መናፍስቲ እከይ እዮም። ሓደ ነገር ኣርጊጽና ክንፈልጦ ዘሎና ወይ ኣብ ዝበሃል ክልተ ነገራት ክህልው ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ምስ ሓጥያት ሕብረት ስለዘይብሉ እዚ ንሪኦ ዘሎና፡ ፍረ ዘይምእዛዝና፡ ዕንወትን ዕግርግርን ኮይኑ ዕጫ ምድርና። በዚ ኣይኣኸለን እዞም ከም ኣብነት ኣስማቶም ዝገለጽክዎም ጠንቆልትን ካልኦት ኣብ መላእ ሃገር ተዘሪኦም ዘለው መሰልቶምን፡ በረኸት ህዝብና ዓጽዮም ዘለው፡ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ብዘይ ፍላጥ (ሆሴ.4፡6) ከም ፈወስቲ ቆጺሩ ክበጽሖም ይውዕል ኣሎ። እሞ'ኸ ድኣ? ኣይፋልናን ንመለስ!
ኩራኡ ቀልጡፉ ይነድድ እሞ፡ ከይኹሪ፡
ኣብ መንገዲ ከሎኹም ከይትጠፉስ፡
ንወዱ ሰዓምዎ (መዝ. 2፡12, ፊሊ. 2፡9-11)
ክልተ ነገራት ክንፈላሊ ይግበኣና፡ ኣነ ኣባል ተቓዋሚ ውድብ (Potical Organization) ኣይኮንኩን እኵ ድኣ ተጋዳላይ ህግሓኤ፡ ናይ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኮይነ እጃመይ ኣብርኪተ፡ ልክዕ ከም መብዛሕቲኡ ኤርትራዊ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት ናይ ትምክሕቲ መንፈስ ተላዕጢጠ መን ከም ኤርትራዊ ጎብለል ናይ ኣፍሪቓ፡ ተጋዳላይ ድማ ዝስዕሮ ከም ዘየሎን ካልእን፡ ምስቲ ዝነበረኒ ንኡስ ዕድመ ተደማሚሩ፡ ዝብል ትሑትን
ሕሱርን ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ሒዘ ይጎዓዝ ኔረ። ብተወሳኺ ይከኣሎ እንዳበልኩ ሳዕሲዔን ጨፊረን፡ ዓቢ ክሳራ እዩ፡ እንቍዕ ጥራይ ኣብኡ ጥሒለ ኣይተረፍኩ። ይከኣሎ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ሕጂ'ውን ብኤርትራውነተይ ዕሕበን እየ መንነተይ ስለዝኾነ ግን ኣይምካሕን። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓደ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝምካሕሲ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ። ክብሪ ነቲ ብምሕረቱ ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ይኹን። ኩሉ ዓቕመይ ክሳብ ዝጽንቀቕ ብዓቕሊ ተጸብዩ፡ ምስትውዓል ኣብዚሑ እንሆ ሰዓብን ገልጋልን ወዱ ክኾኖ ስለዘብቐዓ ፡ ኣነስ ዝምከሓሉ የሱስ ረኺበየ።
ናብቲ ላዕለዋይ ነጥቢ ክምለስ... ተቓዋሚ መንግስቲ ኣይኮንኩን፡ ተቓዋሚ ድያብሎስ ግን እየ። ንሕና ሰኣብቲ ክርስቶስ ዝያዳ ኩሉ ንናይ ምድሪ መኵንንትናን መራሕትናን ክንእዘዝን (ሮሜ13፡1) ብህድኣት መታን ክንነብር ድማ ስሌኦም ክንጽሊ (1ጢሜ. 2፡1-2) ከምዝግበኣና ቃል ኣምላኽ ይነግረና። ግናኸ እቲ ካብኦም ዝወጽእ ናይ መርገም ትምኽሕቲ ቃላት ንህዝብናን ንመሬትናን ንጥፍኣትን ዕንወትን ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ኣለሊና ክንግስጾን ክንዋግኦን መነፈሳዊ ግዴታና'ዩ። ….ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና….(2ቆረ. 2፡10) ስለዚ ውግእና ምስ ስጋን ደምን ዘይኮነ፡ እቲ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን፡ ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን፡ ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ክትክእሉስ፡ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ (ኤፍ. 6፡11-12) ።
ንምጥቕላል ህልው ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ፖለቲካውን ስነኣእምራውን ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ስደት፡ ሕማም፡ ጥሜት፡ ምዝንባል፡ ጭንቀት፡ ምፍልላይ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ወለዶም ዝሰኣኑ ቆልዑት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ምጥልላም፡ ምዕማጽ፡ ብልሽውና ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እሞ ኮይኑና ድዩ ኣብቲ ሕሰምን መከራን፡ ባርነትን፡ ጭንቀትን፡ ህውከትን፡ ስእነትን መዋእልና ክንሕንብስ? ያእ! ኣይፋልናን! ኩልና ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ተፈቲኑ'ዩ፡ መፍትሒ ግን ኣይኮነን ወይ ክኾን ኣይረኣናን። ኣሎ ንምድርና ዓቢ ተስፋ ካብቲ መስፍን ሰላም (ኢሳ.9፡6) እቲ እንኮን መወዳድርቲ ዘይብሉን መፍትሒ ነቲ ንዘመናት ዘሳቐየና፡ ፈውሲ ንምድርና፡ በረኸት ንወለዶናን መጻእን፡-
. . . . ትሕት እንተበለ፡ እንተለመነ፡ ገጸይውን እንተደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ'ውን እንተተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ካብ ሰማይ ክሰምዕ እየ….ሓጥያቶም ይቕረ ክብለሎም፡ ምድሮም'ውን ክፍውሰሎም እየ (2ዜና. 7፡14)
. . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እየ (ራኢ.21፡4, ዘጽ. 15፡26, 23፡25) ።እቲ ንዘመናት ኣየራትና፡ ቤተ መንግስትን፡ ኣእምሮ መራሕትናን ህዝብናን ሰሪቑ (ወኒኑ) ዝጸንሐ ሰራቒ፡ ቀታሊ፡ መታለሊ ምስ ጭፍርኡ ካብ ምድርና ምስጕግ እዩ፡ ብኸመይ? ወንጌል ክርስቶስ ብምስባኽ! ጎይታ የሱስ ንሃዋርያት ወንጌል ሰቢኾም ምስ መጹ ጸብጻብ ክህቦም ከሎ በሎም . . . ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወድቕ ርኤኽዎ።
ስለዚ ከም ውልቀ ሰብን ሃገርን ንዓና ክሕሸና መሰረትና ነጸብቕ። ንሱ ድማ ምንጪ ኩሉ ሰላም፡ ዕረፍቲ፡ ህድኣት ከምእ'ውን ብልጽግናን፡ ኩለን ምዕቡላት ሃገራት እኵ እንተራና ወንጌል የሱስ እዩ'ሞ፡ ንዕኡ ነንግሶ ኣብ ሕይወትና ኣብ ምድርና (ማቴ.7፡24-27, ዘሌ. 25፡18-19) ።
ኽብርን ሞጎስን ነቲ ልዑል ኣምላኽ!
እግዚኣብሄር ሃገርና ኤርትራን ንጻነትናን ይባርኽ!!!
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ፖለቲካዊ ሓርነት ናይ ኣእምሮ ሓርነት'ዩ። ሰባት ብግዝኣተ-ሕጊ ክምርሑ ከለው፡ ብነጻን ብዘይ ጸቕጥን መራሕቶም ክመርጹ ምስ ዝኽእሉ፡ ብነጻነት ንዝመረጽዎ ክኣምኑን ከምልኹን ምስዝኽእሉ፡ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ኣብ ሓንቲ ሃገር ፍትሒ፡ ሰላም ብልጽግናን ምስ ዝዓስል ብምድራዊ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ሓርነት፡ ከም መቐጸላታ ናይቲ ቀዳማይ ዓይነት ነጻነት፡ ኣሎ ንብል። እዚ ኩሉ ኣብ ምድሪ ኣሎዶ? ንምንታ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተሪኢና ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ፡ ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ህውከትን፡ ዕግርግርን፡ ምፍሳስ ደምን ከምዘምጽእ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ (ዘፍ.6፡13፣ ህዝ.7፡23-24, 12፡19-20) ። ነጻነትና ከይባረኽን ህዝብና ካብ ደም ምፍሳስ፡ ድኽነት፡ ጥሜት ስደት ከይላቐቕ፡ እኵ ደኣ ኣብ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ ብዝኸፈአን ብዝዛየደን መልክዑ ምቕጻሉ ኣብእ ኹሉ ናይ ጸልማት ዘመናት ክመላለስን፡ ጠንቂ ዝኾኑ ካብ ቡዙሓት ውሑዳት፡ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ክጠቕሶ ክፍትን እየ ።