07
Sun, Sep
0 New Articles

ውሻጠ ማሕነቕቲ !

Social Issue
Typography
ኣዲኡ ንኦዶልፍ ሂትለር:  ቅድሚ ምላዳ ነጲላቶ (ሰዲዳቶ) ነይራ እንተትኸውን: ሞት 6000000 ኣይህዳውያንን: ካልኦት ሚልዮናት ሂወት ህዝቢ ዓለምን ብቢልዮናት ዝቑጰር ንብረት ዝዓነወሉ: ካልኣይ ውግእ ዓለም ምተኻየደ'ዶ ነይሩ? መራሒ ሰውራ ሩስያ: ቪላድሚር ለሊን: ተነጲሉ ኔሩ እንተዝኸውን: ሕብረትሶቭየትን ስርዓት ዴሰነትን ምሃለወ'ዶ ነይሩ? ስታሊን እዉን ከምኡ ተነጺሉ ነይሩ እንተ ዝነብር: ምጽናት ኣሸሓት ሩስውያን ምተፈጸመ'ዶ ነይሩ::

ኮነርየል: መንጉሰቱ ሃይለማርያም: በቖልዕኡ ኸሎ: ሞይቱ እንተዝነብር: ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምተኸሰተ'ዶ ነይሩ:: ኣብ ኣወንታዊ መዳይ ምስ እንርኢ ኸኣ: ኣልበርት ኣንስታይን ናይ ምንባር ዕድል እንተዘይረክብ: 'ተዛማድነት' ዝብሃል ሓሳብ ምሃለዎ'ዶ ነይሩ? ማርኮኒ: ረድዮ እንተ ዘይምህዝ: ረድዮ ትብሃል ኣብ ዓለም መሃለወት'ዶ ነይራ........ወዘተ:: ንኹሉ ዓውደ ፍልጠትን ስነ-ፍልጠታውያንን እንተ እናበልካ: ክትገልጵ ምፍታን: ናይ ሓሳብ ህውተታ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ: ካብቲ ሰጢምካሉ ዘለኻ ኩነተ-ኣእምሮ ምብርባር የድሊ::

ካብ ዓለማዊ ፍለጠትን ትንታነን ሃዲምካ: ናብ መንፈሳዊ ዓለም እንተኸድካ'ውን: እቲ ወጣሪ ሕቶ ይኽተለካ:: ንኣብነት: ፎርኦን ከም ነኹሎም ህጻናት ይሁዳ: ንሙሴ ቐቲልዎ: ነይረሩ እንተ ዝነብር: ምድሓን እሰራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ኣይምተፈጰመን ኔሩ ማለት ድዩ? ኖህ: ጳድቕ ኮይኑ እንተ ዘይርከብ: ደቁ እውን እንተ ዘይየእትዋኦ: ወሎዶ ሰብ ብኸመይ ምቐጰለ? ድንግል ማርያም: ንዕሸል የሱሰ: ነጲላቶ እንተ ትነብር: ምድሓን ፍጥረት ሰብ እንታይ ምኾነ? ነዚ እንተታት እዚ ዘራጉድ: ብዙሕ ሕቶታት ከተመንጩ ዝክኣል እዩ:: ንኣብነት: መላእኽቲ ኣምላኽ ክንደይ እዮም? ስፍሓትን ሚዛንን እግዚኣብሄር ክንደይ እዩ? ሕብሪ ሰብ ኣብ መንግሰተ-ሰማያት እንታይ ክመስል እዩ? ኣብ ሰማይ እንታይ ዓይነት ቛንቋ ኢና ክንዛረብ.....ወዘተ:: እዝን ካልእ እንተታትን: ኣእምሮ ሰብ ክምልሶ ብቕዓት ዘይብሉ: ንኣእምሮኸ ምሕታት: ብልሒ ዘይኮነሰ: ሰብ ምዃንካ ምርሳዕ እዩ:: ብቐንዱ እውን ምጉርጓር ሓሳብ እቲ ሞሎኮታዊ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ: ድፍረት ጥራይ ዘይኮነሰ ሓጥያት እውን እዩ::

ኣብዞም ናይ ኣእምሮ ትንግርቲ ዝኾኑ ሕቶታት: ሓደ ውዱእ ሓቂ: ንኹሉ ግሉጵ ዝኾነ ኣሎ:: እዞም ኩሎም ከም ኣብነት ዝጠቐስናዮም ሰባት: ተወሊዶም ሰለ ዝዓበዩ: ብኣወንታ ድዩ ኣሉታ ኣብ ታሪኽ ዘበኖም ለውጢ ኣምጲኦም:: ምሰዚ ክውን ሓቂ: ግን ጉኒ ንጎኑ ዝኽተል ሕቶ ኣሎ:: ምኽንያቱሰ: ዋላ ንኽብርን ፍልጠት ኣምላኽን ናይ ዘይምድፍር ውሳኔ እንተ ሃለወ:: ሕቶ ግን: ፍቓድ ሰብ ዘይሓትት: ኣብ ኣእምሮ ዝፍጰም ሰርሒት እዩ:: እቲ ጰገም ነቲ ዝሐድረካ ሕቶ ተቐቢልካ: ክትምጉተሉን ክትደርቕን ከለኻ እዩ:: ናብቶም ታሪኽ ዘበኖም ዝለወጡ ሰባት ምሰ እንምለስ: እታ ሓንቲ ሕቶ መልክዓ ቐይራ ትኽሰተካ:: ንሳ ኸኣ: ኣብ ታሪኽ ፍጥረት ሰብ: ብዙሕ ተርኡዮታት ክኸውን ዝነበሮ:  ግን ብዙሓት ህጳናት ብንእስነቶም ሰለ ዝሞቱ: ወይ እተነጰሉ: ካብ ምዃን በርዒኑ ማለት ድዩ? ሃንዳሲ ታሪኽ አግዚኣብሄር እዩ:: ምኽንያቱ ንሱ ጎይታ ታሪኸ ሰለ ዝኾነ:: ፈጻሚኡ ግን ስብ! መን እዩ ሰብ ዝብሃል?  እቲ ህውተታ ሓሳብ ዶብ የብሉን:: ብርግጽ: ባዕልኻ ሓቲትካ: ባዕልኻ ኣይምለስን እዩ:: እቲ መልሲ: ስብ ዝብሃል: ብአእምሮ ሰብ ምሉእ ክግለጵ ዘይከኣል ማዕሙቕ ዝምሰጢሩ: ውጲኢት ሞሎኮታዊ ዕዩ እዩ:: ክግለጵ ዘይከኣል እዩ ኢልካ: ምርሓቕ ንዕንደራ ሓሳብ ጠጠው ኣቢሉ ዘርግእ ኣይኮነን::  እቲ ሕቶ ዕረፍቲ ዝኸልእ ተመላላሲ እዩ!

ንኽትፈትሖ ዘይካኣልካ ግድል: ሰለ ዝሃደምካሉ ፍታሕ ረኺብካሉ ማለት ኣይኮነን:: ብርግጵ: ብዙሓት ሕቶታት ኣብ ሂወት: ኣኣምሮ ሰብ ክምልሶም ከም ዘይክእል ምፍላጥ ሙሉእ ፍታሕ ናይቲ ግድል እዩ:: ሓደ ካብቶም መደምደምታ ዘይተረኸቦም ግድላት: መን እዩ ሰብ ዝብል እዩ:: እቲ ሕቶ ንሰፊሕ መንነት አብ ዘምልክት ሰለ ዝኾነ: እቲ ቀጲሉ ብሰፊሑ ዝገለጵ ሓሳብ ግን ኣብ እምነ ኩርናዕ ሕቶ  ሞቦቆል ሰብን ሞራልን ዘተኮረ ክኽውን እዩ:: ሰባት ዝብሃሉ:  ክውለዱ ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘለዉን: ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለውን ድዮም? ሂወት: ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ ምሰ ጰደቐት: ኣብ ማህጰን ድያ ትጅምር: ወይሲ ድሕሪ ዕለተ-ልደት? ነዘን ክልተ ሕቶታት ምምላስ ማለት: ነዚ ዓቢ ዛዕባ ናይ ዓለምና ኾይኑ ዘሎ: ምንጳል ጥንሲ: ማለት ሞራላዊ ድዩ ኢሞራለዊ ዝብል ሕቶ ምምላሰ ማለት እዩ:: እዚ ዓቢ ዛዕባ እዚ: ከምቶም በዙሓት ሕቶታት ትንግርቲ ወይ ምሰጢር ተባሂሉ ተጎስዮ ዝሕለፉ  ኣይኮነን:: ከም ሪኢቶኻ ተባሂሉ: ንወለንታ ዝሐደግ ኣይኮነን:: ደምዳሚ መልሲ ኣለዎ:: መጵሓፍ ቅዱሰ: ሰነ-ፍጠት: ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ እዚ ዝብለዎ ኣለዎም:: ቀድሚ ዝተፈላለየ ሪኢቶ: ኣብ ምንጳል ጥንሲ ዘሎ መርኣይና: ግን ታሪኻዊ ኣመጻጵኣ ምንጻል ጥንሲ ምድህሳስ ኣገዳሲ እዩ::

ምንጳል ጥንሲ: ነዊሕ ታሪኽ እዩ ዘለዎ:: ብ476 ቅ.ል.ክ: እዚ ተግባር አዚ ይፍጰም ነይሩ:: ቅድሚ ማእከላይ ዘመን: ስርጰ ምንጳል ጥንሲ: (induced abortIon) ብበሊሕ ዕንጰይቲ: መርዛማት ኣቑጵልቲ: ምጵቓጥ ከብዲ: ፍሉይ ዓይነት ምንቅሰቓስ ኣካላትን ካልእ ሜላታትን ብምጥቃም: እተን ደቂ ኣንሰትዮ: ጥንሲ ይንጵላ ከም ዝነበራ ሰነ-ሰብ ጆርጅ ደቨረኩሰ (Anthropologist George Devereux) ይገልጱ:: እዚ ተግባር ኣብ ጥንታውያን ስልጣነታትን ጥንታውያን ነገስታትን እንርእዮ ንኽእል:: ኣብ ባህሊ ጰርኢ (ግሪኽ): ምንጳል ጥንሲ ኣገዳሲ ተግባር: ኣብ ምዕቃብ ሩጉእ (stable) ሕብረተስብ ኣገዳሲ ረቋሒ ከም ዝኾነ ጌሮም  ይወሰድዎ ነይሮም:: ኣብ ሮማውያን እውን ነጳ እዩ ነይሩ:: ወራሲ ምሰ ዘይህሉ ግን እቲ ተግባር እጉድ ይኸውን:: እቶም ቀዳሞት ክርሰትያናት: ነቲ ተግባር ብኣወንታ ዝምልከትዎ እኳ እንተዘይነበሩ:  ኣብ ሓጥያት ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ኣፍልጦኦም ድሩት እዩ ነይሩ:: ነታ ቤተክርተያን ዘገድሳ ጰገም እውን ኣይነበረነን:: ኣረኣእያ: እታ ጥንታዊት ቤተክርሰያን: ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል ነፍሲ የብሉን: ምሰ ተወለደ: ወዲ ኣብ 40 መዓልቲ: ጓል ከኣ ኣብ 80 መዓልቲ ነፍሲ ይረኽቡ ኢሎም ይኣምኑ ከም ዝነበሩ: ቅዱሰ ኣጎሰጢን ኣብ ጵሑፋቱ ኣስፊርዎ ኣሎ:: ኣብ ሰልጣነታት: ኣሶራውያንን ሳምራውያን ባቢሎናውያን ግን ንምንጳል ጥንሲ ዝኽልክል ሕጊ ከም ዝነበሮም ክፍለጥ ኣገዳሲ እዩ::

እቲ ተግባርን ንዕኡ ዝምልከት ሕጊ ከም ዝነበረ ድሮ ተገሊጱ ኣሎ:: እንተኾነ ግና: ኣብቲ ጥንታውን ዘመናውን ታሪኽ ወደ-ሰብ: ምንጳል ጥንሲ ሳሕቲ እዩ: ከም ኣርእሰቲ ተወሲዲ ዝዘረበሉ ነይሩ:: ኣብ ዓንኬል ክርሰትና እሞ ኸኣ ቁቡል ኮይኑ ኣይፈልጥን:: ዋላ እኳ ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል: ነፍሲ የብሉን ዝብል ኣፍልጦ እንተነበሮም:: ድርኽት እቲ ሪኢቶ ግን ኣብ ጥምቀት ዝጰቐጠ ድኣ እንበር: ነቲ ኣብ ዘበና ዘሎ ካልኣይ ሪኢቶ (ብሰፊሑ ሲዒቡ ክግለጵ እዩ) ዝደገፈ ኣይነበረን::  እቲ ኣብ እምነት ክርሰትና ሃጓፍ ፈጢሩ ዝነበረ: ኣረኣእያ: ነቲ ክቀላቐል ኣብ ምጅማሩ ዝነበረ: ሕቶ ምንጳል ጥንሲ መብርሂ ንምሃብ: ብ1869 ዓ.ም.ፈ: ካተሊካዊት ቤተክርሰትያን ዕሸል ኣብ ማህጰን ኣዲኡ ኸሎ: ነፍሲ ከም ዝረክብ ብወግዒ መግለጲ ሂባ እያ:: 

ምንጳል ጥንሲ: ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሕቶታት 20 ክ.ዘ እዩ:: እዚ ኣርእስቲ እዚ: ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዓለም ሩሱን ክትዕ ፈጢሩ እዩ:: አረ ኣብ ገለ ሃገራት'ዚ: ጠንቂ ጎንጲ ኮይኑ እዩ:: ረስኒ እቲ ክትዕ መመሊሱ ድኣ ይጉህር ኣሎ እንበር: ዛጊት ማዓልቦ ዘይተረኸቦ: ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓቢ ሕቶ ሞራል እዩ:: ንሕብረተሰብ ዓለም ክኣ ኣብ ክልተ ደንበ ሪኢቶታት ገዚዕዋ ይርከብ:: ገለ ወገን ምንጳል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኸለዉ: እቲ ኻልኣይ ወገን ክኣ ይቃወም:: ሰለምንታይ እዮም ሊቃውንቲ ዓለም ነዚ ሕቶ እዚ ዓቢ ግምት ሂቦም: ኣቃልቦኦም ኣውዲቖምሉ ዘለዉ? ሞራለዊ: ጥዕናዊ: ቁጦባዊ...ወዘተ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ ድዩ? ህሉው ኩነታት ምነጳል ጥንሲ እንታይ ይመስል?

መጵናዕታዊ ጵሑፋት ከም ዝገልጵሉልና: ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም: ኣብ መዓልቲ 126000 ኣዴታት ጥንሲ ይንጵላ:: እተን ዝበዝሓ ነዚ ተግባር ዝፍጵማ መንእሰያት እየን:: 52%: ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚአን ክኾና ከለዋ: 19% ጎራዙት (ቲን አጀርስ) እየን:: ብፍላይ ደቂ 18 ን 19  ብብዝሒ ግዳይ ምንጳል ጥንሲ እየን:: ንኣብነት: ኣብ ዓመተ 1992: ብሮሾ እንተሪኢናዮ: ካብ 1000 እተን 52 ኣብዚ ክልል እተጠቕሰ ዕድመ ነይረን:: ኣብ 54 ሃገራት: 61% ህዝቢ ዓለም ዘጠቓለለ: ምንጳል ጥንሲ ሕጋዊ እዩ:: ከምኡ ኽኣ: ኣብ 97 ሃገራት: 37% ካብ ህዝቢ ዓለም: ምንጳል ጥንሲ ዘይሕጋዊ እዩ:: ብደረጃ ዓለም: እዚ  ምሰ እንርአዮ: ኣብ ዓመት 46 ምልዮን: ኣዴታት ጥንሲ ይንጵላ:: 20 ሚልዮን ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ብዘይሕጊ ዝፍጰም እዩ:: ሓያሉ ኻብኡ: ብቑንጣሮ ኣፍልጦ ሕክምና ዘለዎም: ሰብ ሞያ ጥዕና ዘይኮኑ ክፍጰም ከሎ:  ገለ ኸኣ ብሃውሪ ነጰልቲ ከኒታታትን መራፍእን ብምውሳድ ይካየድ:: ብገመድ ኢንፍጅንን: ቆጰለመጵሊ ዝሰተዩን: ካልእ መሳርሕን ጌርካ ዝካየድ: ኣካል ናይዚ ኣሰቃቒ ተግባር:  ሰቱር ዘይሕጋዊ ምንጳል ጥንሲ እዩ:: ገለ ኸኣ ብኽኢላታት ሕክምና ግና ሰቱር: ወለድን መንግስትን ዘይፈልጥዎ እዩ:: ብኣጠቓላሊ: ሰቱር ምንጳል ጥንሲ (Clandestine Abortions): ኣብ ዓመት ካብ 10-22 ሚልዮን ይበጵሑ:: እታ ንመጀመርታ ምንጳል ጥንሲ: ሕጋዊት ዝገበረት ሃገር: ሕብረት ሶብየት ነበር: ብ1920 ብመሪሕነት ቪላድሚር ለሊን እያ::

    ምንጳል ጥንሲ ብዓይኒ ሕብረተብ ኤርትራ ኣዝዩ ጵዩፍ ተግባር እዩ:: ሓንቲ ኣብዚ ተግባር እዚ ዝተረኸበት ጓል-ኣንሰተይቲ ዝወርዳ ሕሜትን ተነጵሎን ኣዝዩ ልዑል እዩ:: ዛጊት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጳር እዚ ተግባር እዚ: ጵኑዕ መርገጵ ኣለዎ:: ኣብዚ ተግባር እዚ ዝተረኸበ ሰብ፡ ክሳዕ ሓምሽተ ዓመት ማእሰርቲ ይብየነሉ። ብፍላይ እቲ ሰብ፡ ነመኽሰብ ወይ ከም ልሙድ ስራሕ ጌሩ ዘዘውተሮ፡  እቲ ምቕጳዕቲ ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳዕ 10 ዓመት ክብ ይብል:: ጵኑዕ ማእሰርትን ክፍሊትን ይብየነሉ:: ክሳዕ ምእጋድ ሞይኡ እውን ይቕጵል እዩ:: ከምኡ'ወን እታ ኣደ፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ጳዕሪ ነቲ ጥንሲ ተነጲላቶ፡ እቲ ተግባር ካብ 3 ወርሒ ክሳዕ 5 ዓመት የፍርዳ:: እንተኾነ ግና፡ ድርኽት እቲ ምንጳል ጥንሲ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእሙራውን ጵቕጢ ዘሰዓቦ፡ ማለት ምግሳስ : ሕሉፍ ድኽነት.....ወዘተ እንተኾይኑ፡ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝወሃበሉ ኣብ ግምት ይኣትዉ እዮም:: እዚ ገበናዊ ሕጊ እዚ፡ ብ1957 ብመንግሰቲ ኢትዮጵያ ዝወጰ፡ ሕጂ እውን ብመነግሰቲ ኤርትራ ዘሰረሓሉ ዘሎ፡ ኣንጳር ምንጳል ጥንሲ ተሪር መርገጵ ኣለዎ:: እንተኸነ ግና፡ ምሰ ምሰፍሕፋሕ ኣመንዝራነትን ዝቃላቐሉ ዘለዉ፡ ንምንጳል ጥንሲ ዝድግፉ ርኢቶታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ሕጊ ከይፈርሰ ዘስግእ እዩ::

ምንጳል ጥንሲ: ጉሁር ኣርእሰቲ ክትዕ ኮይኑ ከም ዘሎ: ድሮ ተገሊጱ ኣሎ:: ንድምጲ ብዙሓት ፖሎቲከኛታት: ሓኻይም: ኪኢላታት ስነ-ስድራቤት: ሰባኻቲ-ወንጌል: መግለጲ ኣብያታቶኦምን ኣውያቶምን ጥሒሱ: ኣብ ሕገ--መንግሰቲ ሓያለ ሃገራት ቦትኡ የረጋግጵ ኣሎ:: ቁጵሪ ደገፍቱ: እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ማሕበራት ክርሰትና ሶሊኹ ብምእታው: ገለ መራሕተን ተወላዋሊ መርገጵ እንኪህልዎም: ገለ ኽኣ ብጉህዶ ደገፎም ነቲ ተግባር ክገልጱ ጀሚሮም ኣለዉ::

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ: ምንጳል ጥንሲ ንሊቃውንቲ ዓለም ኣብ ክልተ ገዚዕዎም ይርከብ:: እቲ ዋና በዳሂ ሕቶ: ኣብ ማህጰን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል (fetus) ሰብ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እዩ:: ናይቲ ሓደ ወገን ኣረኣእያ: ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ: እንቛቚሖ ጓል ኣንሰተይትን: ኣብ ማህጰን ምሰ ተራኸቡ: ድሕሪ 72 ሰዓታት: ማለት 3 መዓልቲ ድቂ ይምሰረት:: ነዚ ድቂ እዚ ምንጳል: ሂወት ምቕታል እዩ ዝበል ኣረኣእያ ዘለዎም: ተጣባቕቲ ወይ ደገፍቲ ሂወት (pro-life) ይበሃሉ:: እቶም ካልኣይ ወገን ክኣ: ጥንሲ ዘይፍጱም ትሕዝቶ (Imperfect substance) እዩ:: ድሕሪ ምላዱ ጥራይ እዩ: ዕሸል: ሰብ ምዃን ዝጅምር:: ክትወልድ እንድሕር ዘይደለኻ: ነቲ ጥንሲ ክትንጵሎ ነጳ ኢኻ ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎም ከኣ ደገፍቲ-ምርጫ (Pro-choice) ይብሃሉ:: እምብኣር እዞም ክልተ ኣረኣእያታት: ንኣጀማምራ ሂወት ብኸመይ ከም ዝትንትንዎን ካብ መጵሓፍ ቅዱሰ ዝጠቕሰዎ: ቅዱሰ ጵሑፋትን ከም መርትዖ ዘቕርብዎ ሰነ-ፍልጠታዊ ሓቅታትን: ጠንቂ ምንጳል ጥንሲ ኣብ ሕብረተሰብን ኣስፊሕካ: ምርኣይ: ኣብ እንወሰዶ መርገጲ: ንጵሩን ዘየዋላውልን ክኽወን ሓጋዝቲ እዩም:: ምንጳል ጥንሲ ሞራላዊ እንተ ዀይኑ: ሕጋዊ ክኽውን ኣለዎ:: ኢሞራላዊ እንተ ኾይኑ ኸኣ ክእገድ ኣለዎ: ዝብል ክልተ በዳህቲ ሕቶታት ምላሸ ክንህበለን ከኽእለና እዩ::{mospagebreak}

ደገፍቲ-ምርጫ: ምንጳል ጥንሲ: ምቕታል ሰብ ሰለ ዘይኮነ ምሰ ሞራል ዘተሓሕዝ የብሉን: ብምባል ርኢቶኦም ይጅምሩ:: ቅድሚ ዝርዝር መግለጲኦም ምሃብ: ንመዝሙር (ዳዊት 139:13-16) እዮም ዝትንትንዋ:: ''ንኾላሊተይ ንስኻ ፈጠርካየን: ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ: መሰተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ:: ግብርታትካ መስተንክር እዩ:: ነፍሰይውን ኣጰቢቓ ትፈልጦ:: ብሕቡእ ምሰ ተፈጠርኩ: ኣብ ከርሲ ምድሪ ምሰ ተኣለምኩ: ኣዕጵምተይ ኣይተኸወላኻን:: ኣዒንትኻ:  ድቂ ኸሎኹ: ረኣያኒ: እተን ምዱባት መዓልትታተይ: ሓንቲ እኳ ኽይነበረት: ኩለን ኣብ መጵሓፍካ ተጳሕፉ::'' መግለጲኦም ብምጅማር: እዘን ጥቕሰታት ብኣፍ ዳዊት ዝተባህላ: ሂወት ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ እንበር ኣብ ማህጰን ከምዘይጅምር ብግልጲ የዛረባ:: ጰረ-ምንጳል ጥንሲ ማለት ደግፍቲ-ሂወት: ነዛ ጥቕሲ እዚአ ከም መወከሲ ክጥቀመላ ክትርኢ: ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ: ብምባል: ሓቂ ከም እተዛብዐ እሞ: ነቲ ሓቂ ንምንጳር: ሓሳቦም የፍስሱ::

እዘን: ኣብ መዝሙር 139 ዘለዋ ጥቕስታት ንጥንሰ-ሓሳብ እግዚኣብሄር እየን ዘመልክታ:: ኣብዚ ምግለጲ: ሰብ ቅድሚ ምውላዱ: ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሰእላዊ ማሕተም ወይ ውጥን  (blue Print) ኔሩ:: ነዚ ውጥን እዚ እግዚኣብሄር ኣብ ምግባር ኣካላት ሰብ ተጠቒምሉ:: ካብዚ እዩ ኸኣ እቲ ቕርጲ ሰብ ኮይኑ:: እንበኣር እቲ መዝሙር: ብዛዕባ ፍጱም ሰብ ዘይኮነ ዘዘንቱሰ: ነቲ መርሰርሕ እዩ ዝገልጶ:: ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል ሰብ ዘይኮነሰ: ዘይፍጱም ትሕዝቶ (imperfect Substance): ሰብ ንኽኸውን: ኣብ መንገዲ ዘሎ እዩ::

መስርሕ ኣፈጣጥራ ሰብ: ኣብ (ዘፍጥረት2:7) ኢና ብንጱር ንርእዮ:: ''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ:: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋሰ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኾነ::'' ነዛ ጥቕሲ ብዑምቕ ዝበለ ግንዛቤ ንርኣያ:: ቀዳማይ: እግዚኣብሄር ንኣዳም: 'ቀሪጵዎ': ''ካብ ሓመድ ምድሪ'':: እዚ ማለት እቲ ሓመድ ዝብል ትርጉሙ: ስጋን ደምን ኣካላትን እዩ:: ቀጲሉ: 'ኡፍ' በለሉ:: ድሕሪኡ ህያው ነፍሲ ኾይኑ:: ኣብ (ዘፍ.1:26): ''ኣምላኽ ከኣ: ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር...በለ::'' ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ሰብ: ኣብ ሓሳብ እዩ ኔሩ እንበር: ህያው ፍጥረት ኣይነበረን:: ካብ ሓመድ ምሰ ተገበረ እውን ሰብ ኣይነበረን:: ግን ቅርጲ ሰብ ኔርዎ:: እግዚኣብሄር: ኡፍ ምሰ በለሉ ግን ህያው ነፍሲ ኾይኑ:: እምብኣር እንቛቑሖ ጓል-ኣንስተይትን: ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን: ተራኦም: ኣብ ምዃን ኣካላት ሰብ እንበር: ምሰ ነፍሲ ምትሕሓዝ የብሉን:: ኣብ ምፍጣር ነፍሲ: ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተራ ከም ዘለዎ ጌርካ ምእማንን ምግላጵን: ሓጥያት እዩ: ልዕልና እግዚኣብሄር ዝኽሕድ:: እምብኣር: ኩሉ መሰርሓት ግብረ-ሰጋ ካብ ሰብኣዊ ምዃን ሓሊፉ: ንምስጢራዊ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ምፍጣር ሰብ ዝተፍእ ክኸውን ኣይግባእን::

ምንጳል ጥንሲ: ምቕታል ነፍሲ ከም ዘይኮነ: ደገፍቲ ምርጫ: ካልእ ተወሳኺ ጵሑፋት ካብ ምጵሓፍ ቅዱስ ዝጠስዎ:  ትንቢት (ህዝቂኤል 37:7-10) እያ: ''....እንሆ ኸኣ: ፍኒሕኒሕ ኮነ: እቲ ዓጳጲምቲ'ውን ዓጵሚ ኣብ ዓጵሙ ተቓራረበ:: እንሆ ኸኣ: ጅማውትን ሰጋን ኪወጶም: ቆርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ:: ትንፋሰ ግና ኣይነበሮምን::.....ትንፋስ ድማ ኣተዎም:: ህያዋን ኮኑ: በእጋሮም ከኣ ቖሙ....''ኣብዘን ጥቕስታት ዘሎ ታሪኽ: በመጀመርታ ዓጳጵምቲ ኔሮም: ኡፍ ምሰ በለሎም: ህያው ነፍሲ ኾይኖም:: ልክዕ ከም መሰርሕ ኣፈጣጥራ ኣዳም: ማለት ቅድሚ ነፍሲ ምህላዉ: ኣካላት ነይርዎ:: ልክዕ ከኣ ከምኡ: ኣብ ማህጰን ዘሎ ዕሸል (fetus): ቅድም: ጅማት: ሰጋ..ወዘተ ይህልዎ: ምሰ ተወለደ ደማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኡፍ ይብለሉ እሞ: ህያው ነፍሲ ይኸውን::

(ንኦሪት ዘህልቁ 5:27) እውን: ደገፍቲ ምርጫ: ተጠኒሱ ዘሎ ዕሸል ሰብ ከም ዘይኮነ ከም መርትዖ የቕርብዋ እዮም:: ''ነቲ ማይ ምሰ ኣሰተያ ኸኣ: ኪኸውን እዩ: ንሳ ረኺሳ: ንሰብኣያ ድማ ዓጊባቶ እንተ ኾይና: እቲ መርገም ዜምጵእ ማይ ኣትዩ ኺመራ እዩ:: ከብዳ ኻኣ ይንፋሕ: ሰለፋውን ይወድቕ:: እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን::'' እቲ 'ሰለፋ ይወድቃ' ማለት: ጥንሲ ይኻዳ እዩ ትርጉሙ:: ሰለዚ: እግዚኣብሄር: ዘይፍትሓዊ ምቕታል ነፍሲ ይገብር ኣሎ ማለት ድዩ? ብምባል ሕጨጫዊ ሕቶ ይሐቱ::

ደገፍቲ-ምርጫ: ዕሸል: ክሳዕ ዝውለድ ኣካል ኣዲኡ እምበር: በገዛእ ርእሱ ህያው ከም ዘይኮነ: ንመርገጶም ንምጉላሕ: ከም መረዳእታ ዝጥቀሙላ: መላእ ላም እያ:: ሓንቲ መላእ ላም: ምሰ ተሸጠት: ትወልድ:: እቲ ሸያጢ ንዋንነት እቲ ምራኽዶ ይሓትት እዩ? ምላሾም: ኣይሓትትን እዩ:: ሰለዚ: ዕሸል ክኣ ከምኡ ኣካል ኣዲኡ እዩ: ብምባል: ምሰ ባሀሊ ኣይሁድ ብምትሕሓዝ መብርሂ ይህቡ::

ደገፍቲ ምርጫ: ተግባር ምንጳል ጥንሲ: ምግሃሰ ነቲ ዓቢ ሞራል ከምዘይኮነ: ከም መርትዖ ዘቕርብዋ ጥቕሲ: (ዘጵ. 21:22-24) እያ:: ''ሰባት እንተተባእሱ: እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተደፍኡ: ጥንሳ ድማ እንተኸዳ: ከልእ ጉድኣት እንተ ዘይኮነ: ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጵዓኖ ኻሕሳ ይኽሓስ: ፈራዲ ኸም ዝመደብሉ ኸኣ ይዕደ:: ጉድኣት እንተ ኾነ ግና: ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ:: ኣብ ክንዲ ዓይኒ: ዓይኒ....ኣብ ክንዲ ሕበጥ: ሕበጥ::'' ዘይተወልደ ዕሸል: ሰብ ሰለ ዘይኮነ: ማዕረ ሰብ ዘቐተለ ተወሲዱ: ተኸሳሲ ናይ ሞት ብይን ይብየነሉ ኣይነበረን:: ቐጲሎም: ኣብ ግዜ የሱሰ ክርስቶስን ሃዋርያትን: ምንጳል ጥንሲ ኔሩ እኮ እዩ: እንተኾነ ግና: ምሰ ሞራል ምትሕሓዝ ሰለ ዘይብሉ: ጠሪሶም ኣይጠቐሰዎን: ብምባል: መርገጶም መጵሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ከም ዘሎዎ ጌሮም: ይገልጱ::

ደገፍቲ ምርጫ: ምንጳል ጥንሲ ብመንጵር ዘኸትሎ ማሕበራዊ ጰገማትን ድንጋጰን ርእዮም: ምንጳል ጥንሲ ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ይምጉቱ:: በዛዕባ ሳዕቤን ምንጳል ጥንሲ ክገልጱ ከለዉ: ኣብዚ ግዜና: ኣብ ውሸጢ 3 ደቕቕ ሓንቲ ኣደ: ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምንጳል ጥንሲ ተመውት:: ድኻታት ኣዴታትን: መንእሰያትን ቀንዲ ግዳያት እየን:: እተን ሃብታማት ደቂ-ኣንሰትዮ: ግን ገንዘበን ከፊለን: ሱቱር ምንጳል ጥንስን: ብቑዕ ምክትታል ሓኪምን መድሃኒትን ይረኽባ:: እተን ድኻታት ኣዴታትን: ልቢ ዘይቆጰራ ጉራዙትን: ብርቱዕ ፍርሂ ዘኸተሎ: ብኣሸባሸብ ንኽገላገላ ዘይገብሮኦ የብለንን::  ባህላዊ ፈውሰን: ብሃውሪ ዘመናዊ ነጰልቲ መድሃኒታትን ይወሰዳ እሞ: ኣደዳ መድመይትን: ምቕዳድ ማህጰንን ካልእ ኣካላዊ መጉዳእትን: ምምካንን ሞትን ይኾና::

ንምንጳል ጥንሲ ዘይሕጋዊ ምግባር: ኣብ ሕብረተሰብ ዘኸትሎ ሳዕቤን: ንሕብራት ምንግስታት ኣመርካ ከም ኣብነት ምውሳድ ጵቡቕ መረዳእታ ክኾነና ይኽእል እዩ:: ኣብታ ሃገር ምንጳል ጥንሲ ዘይሕጋዊ ኸሎ: ቀንዲ ዝጉድኣ ዝነበራ እተን ጰለምቲ ደቂ ኣንሰትዮ እየን:: እተን ጳዓዱ ግን ገንዘበን ከፊለን ድልየታተን የማልኣ ነየረን:: ሰለዚ ምእጋድ ምንጳል ጥንሲ: ዓሌታውን ምዝንባል ትሑት መነባብሮ ዘለወን ኣካላት እቲ ሕብረተሰብ እየን:: ብተወሳኺ: ንሸየጥቲ መድሃኒትን: ኣብዚ ጲሊም ሰራሕ እተዋፈሩ: ዘይብቑዓት ሞያውያን መንጨ ኣታዊታቶም ዘኻዕብትሉ: መንገዲ ምጥጣሕ ማለት እዩ: ይበሉ::


ብተወሳኺ: ዘቕርብዎ መርትዖ: መሰል ጓል ኣንሰተይትን ርህራሀን እዩ:: ሰለምንታይ: ሓንቲ ጎርዞ መንእሰይ ወይ ኣደ: ብሰንኪ ምግሳስ ወይ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጌጋ: ስርሓ: ጥዕናኣ: ምጳኢኣ: ሂወታ ትጎናድብ! ሰብኡት ግን ንዓና ብቐዳምነት ሰለ ዘይጰልወና: ስቓይ ኣሓትና ሰኣን ምርዳእ ክወልደኦ ነገድደን ኣለና:: እዚ ማለት ግና: ኣሓትናን ደቅናን እኳ እነተኾና: እቲ ኣደራዕን ሶቖቓን ክንድአን ንዓና ኣይጰልወናን እዩ:: እቲ ልዕሊ ኹሉ ዘሕዝንን: ዘገርምን ግና: ገለ ካብቶም ዓው ኢሎም: ጰረ እቲ ተግባር ዝጉስጉሱ: ኣብ ደቆም ምሰ ወረደ ግና: ሰቱር ምንጳር ጥንሲ ክረኽቡ ገልታዕታዕ ዝብሉ ምዃኖም እዩ:: ሰለዚ: ንዘይተግባራዊ ኣንጳር ምንጳር ጥንሲ ጎቦ ልብኻ ኸለኻ: ኣቕዋም ምውሳድ: ኸፊላዊ ርትዒ ድኣ እንበር ምልእ ብምሉእ ኣይኮነን:: ስለዚ ግብዝና እውን እዩ::

ኣብ መደምደምታ ርእይቶ: ደገፍቲ-ምርጫ (pro-choice) ንደገፍቲ-ሂወት (Pro-life) ዘቕርብዎ ወቐሳ ኣሎ:: ዘይተወልደ ዕሸል: ንሂወት ኣደ ሞት ዘኸትል: ሓደጋ ዘስዕበላ እንተኾይኑ: ምንጳሉ ፍትሓዊ ምንጳል ጥንሲ (justified abortion) እዩ ይብሉ:: ሰለምንታይ: እቲ ምቕታል ዕሸል: ሕጂ ፍትሓዊ ኾይኑ? ሂወት ኣጥፊእካ ሂወት ምዕቃብ ብምባል: ኣትሪሮም ይኸሱ:: ቀጲሎም: ንናጵነትን ካብ ወራሪ ምክልኻልን ምቅትታል ፍትሓዊ ኵናት  (Justified war) ካብ ኮነ: ዘይደለኻዮ ጥንሲ ምውጋድ ፍትሓዊ ዘይኮነሉ እንታይ ኣሎ? ብምባል: መርገጶም ሞራላዊ ምኻኑ በዓውታ ይገልጱ:: 

እቶም: ካልኣይ ጉጅለ: ምንጳል ጥንሲ ምቕታል ነፍሲ ስለ ዝኾነ: ኢሞራላውን ምግሃስ ሕግን እዩ: ኢሎም ዝጣበቑ: ደገፍቲ-ሂወት (Pro-life) ይብሃሉ:: እዚ ርኢይቶ እዚ ብዓብላሊ ድምጲ: ኩሉን ማሕበራት ክርስትና ይድገፍ:: ምስ ምስፍሕፋሕ ሊበራሊዝም (liberalism) ማለት ወንጌል የሱስ ክርስቶሰ ብግብረ-ሰናይን (Humanism): መሰል ሰብን ዝብሉ ርኢቶታት: ኣብ ዝትክኣሉ  ዘሎ ግዜ: እቲ ኣረኣእያ: ይልሕልሕ የለን ክትብሎ ዝከኣል ኣይኮነን:: እዚ ርእይቶ እዚ ዘለዎም ሰባት ማለት ደገፍቲ ሂወት: ምንጳል ጥንሲ: ምቕታል ነፍሲ እዩ:: ምግሃስ እቲ ዓቢ ሞራል: ሰለ ዝኾነ: ሓጥያት እዩ: ብምባል: ካብ መጵሓፍ ቅዱስን: ውጵኢት  ሰነ-ፍልጠትን ይጠቕሱ:: ንመርገጲኦም ከኣ: