2 ብዝመጸካ ብድሆ ኣይትሰንብድ
ዘመን ህይወት ሰብ ሰልፊ ምዃኑ እዮብ ባርያ ኣምላኽ ይዛረብ። ብርግጽ ሰብ ዘለዎ ብድሆ ኣብዚ ዘመን ብፍላይ ኣዚዩ ብዙሑን መሸገርን ምዃኑ ኣዚዩ ርግጽ ኰይኑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዘጋጥሙና ስነ ኣእምራዊ፣ መንፈሳዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ካልእን ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ንሕና ባዕላትና ንሓልፎ ዘሎና ጐደና ስለ ዝኸነ ሕጂ ንምትንታኑ ኣድላዪ ኣይመስለንን።ሓደ ኩላትና ክንፈልጦ ዘሎና ሓቂ ግና ኣሎ ኣብ ዘለና ንሃሉ ካብ ፈተናን ብድሆታትን ነጻ ክንከውን ዘይንኽእል ምዃና እዩ። ይብዛሕ ይውሓድ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ነናቱ ዘዀነ ብድሆን ፈተናን ኣለዎ። እቲ ሕቶ ብዝገጥመካ ፈተና ትሰዓር ዶ ወይ ድማ ኪኒኡ ሓሊፍካ ነቲ ኣምላኽ ክትኮኖ ዝፈጠረካ ዓላማ ደው ትብል ዝብል እዩ።
ኣብ ዓለም እቶም ኣዚዮም ሕጉሳት ሰባት እቶም ካብ ፈተና ነጻ ዝዀኑ ሰባት ዘይኰኑስ እቶም ልዕሊ ፈተንኦም ዝመላለሱ ሰባት እዮም። ኣብ ታሪኽ እንተ ርኢና ድማ እቶም ኣብ ዓለም ዓቢይ ቕያ ሰሪሖም ዝሓለፉ በዓል መን እዮም እንተ ተባህለ እቶም ኣብ ዘመን ህይወቶም ብመከራን ስቓይን ዝተፈተኑ ሰባት እዮም። ኣብ ዘመን ህይወትና ክንፈልጦ ዘለና ጉዳይ ከመይ ጌርና ካብ ፈተና ንሃድም ዘይኰነስ ብኸመይ ንፈተናን ብድሆን ንጋፈጦን ንገጥሞን ክኸውን ይግባእ። ብፍላይ እቶም ንኣምላኽ እንፈርሕ መንእሰያት ኣብ መንገድና ዝገጥመና ፈተናን ማሕለኻን ኣዚዩ ብዙሕ እዩ።
ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣዚዩ ኣዚዩ ሰፊሕን ዓብን ስለዝዀነ ሰይጣን እቲ ጸላኢ ጽድቂ ግና ነዚ ዓላማ እዚ ተግባራዊ መታን ከይከውን ብምባል ዝከኣሎ ጻዕሪ ካብ ምክያድ ከም ዘይቁጠብ ፉሉጥ እዩ። ሎሚ ከም መንእሰይት ብድሆን ፈተናን ክገጥመና እንከሎ ግብረ መልስና እንታይ እዩ? መንእሰያት ብሩትዓት ምዃኖም ቃል ኣምላኽ ብግልጺ እዩ ዝምህረና። ብርተዐና ግና ኣብ ምንታይ እዩ? ንዝገጥመና ፈተናን ናይ ንእስነት ሕልኽላኻትን ብሓይልና ክንሰግሮ ዶ ይካኣል ድዩ? ወይ ድማ ንዝመጹና ፈተናታት ብዘሎና ክእለትን ትሕዝቶንከ ክንሓልፎ ይካኣል ድዩ? መጽሓፍ ቁዱስ ከ እንታይ እዩ ዝምህረና?
ኣብ ህይወትና ዝመጽእ ፈተና ንዓና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጸሓና እምበር ንውድቀትና ኣይኰነን ዝመጽእ። ስለዚ መንእሰይ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብዝመጾ ብድሆ ሰንቢዱ ንድሕርት ክምለስ ዘይኰነስ። ነዚ ነገር እዚ ሓሊፋ ናብቲ ዝተዳለወሉ ክብሪ ክኣቱ ከሎ እዩ ህይወቱ መቐረት ዝህልዋ። ህይወት መቐረታ ንዕርፊ ሒዛ ንቕድሚት ክትሕንበብ እንከለ እምበር ተሰኒፋ ንድሕሪት ክትምለስ ከላ ኣይኰነን። እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ምስቲ ደጋፊኣ ሰይጣን ኰይና ካብቲ ኣእጋርና ተቐሚጥዎ ዘሎ መስመር ዓወት ከተዝብለና እንሆ ካብ ቀደም ብዝበለጸ ሕጂ ተደልያ ኣላ። ንሕና ድማ ከምቲ ጹሑፍ ዝብሎ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣባና ዘሎ ስለ ዝዓቢ ክንገጥመላ ድልዋት ንኹን።
መንእሰያት ሕልምና ኣብ ዝለዓለ ቦታን ክብርን ንምብጻሕ ዘሎና ባህጊ ኩቱር እዩ። ይኹን እምበር እዚ ብዘይ ገለ ዋጋ ክርከብ ብፍጹም ኣይከኣለን እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዝሰናኸሉ ክብሪ እምበር ዋጋ ክኸፍሉ ዘይምድላዮም እዩ። ማእለያ ዘይብሉ ክብሪ ማእለያ ዘይብሉ ዋጋ ከፊልካ ኢኻ ትረክቦ። ኣብ ጉዕዞና ዘጋጥሙና ሰልፊ፣ ነቲ ዝመጽእ ክብሪ ስለ ዘይወዳደሮ ንዕኡ እናራኣና ክንጓዓዝ እምበር በዚ ጊዚያዊ ዋዒ ተሰናቢድና ንድሕሪት ክንምለስ ኣይግባኣን። ንሕና መንእሰያት ኣመንቲ ንሓደ ዓቢ ኩቡር ነገር ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ዝተጸዋዕናሉ ዕላማ ድማ ኣብ ሸቱኡ መታን ከንበጽሖ ድማ ንቕድሚት ምጉዓዝ ከድልየና እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ከመና መንእሰያት ነቲ ዝገጥሞም ብድሆ። ፈተና። ሰጊሮም። ኣብቲ ክበጽሕዎ ዘለዎም ደረጃ ዝበጽሑ ማእለያ የብሎም። ምናልባት ሎሚ ተስፋ ቖሪጽካ ትማሊ ዝሓለፍካዮ ናይ ውድቀት ጐደና እናዘከርካ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ትህሉ ትከውን ግና ኣጆካ ከመይሲ የሱስ ምሳኻ ስለ ዘሎ። እት ሕቶ ንስኻ ምስቲ ሰዓሪ የሱስ ኰይንካ ዶ ንዝመጸካ ፈተናታት ክትገጥሞ ድልዊ ዶ ኣለኻ ዝብል እዩ? ሕልናና በቲ ዝመጸና ፈተና ክዓርቦ ኣይግባኣን። ብኣንጻሩ ናብ ዝበለጽ ክብሪ ህይወት ይመርሕና ከምዘሎ ተገንዚብ።ና በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንኹሉ እኽእሎ እየ ቢልና። ንሰይጣን ዕድል ከይከፈትና። ንክርስቶስ የሱስ ብምሓዝ ዝተሓንጸጸልና መንገዲ ክንውድኣ እጅገና ሰብሲብና ማዕናጡና ተዓጢቕና ንመርሽ።
መንእሰይ ኣማኒ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘሎካ ከይዘንጋዕካ። የዒንትኻ ከፍቲካ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ክብሪ ተመልከት። ኣስተውዕል ፈተና ናብ ዝበለጸ መንገዲ ዓወት እዩ ዝመርሓና። ብርግጽ ኣብ መንገዲ ጉዕዞና ዘጋጥሙና ድኻምን ፈተናን ውድቀትን ከምዘሎ ዘይንኽሕዶ ሓቂ እዩ። እዚ ግና መወዳእታ ዕጫና ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ኣሎና። ሰይጣን ትማሊ ኰነ ሎሚ ዝሓለፍናዮን ዘሎናን ውድቀት እናምጽኣ ኣብቲ ክንበጽሖ ዘሎና ናይ ዓወት ጐደና ከይንበጽሕ ካብ ምፍታናን፣ ካብ ምኽሳናን ኣይሓርፍን እዩ። ይኹን እምበር ካብ ኣምላኽ ከንዕወትሉ እንኽእል ኩሉ ጸጋ ከም ተዋህበና ተረዲኢና በዚ ምጉብዕባዕ ሰይጣን ክንሰናበድ ኣይድልን እዩ። ንሕና መንእሰያት ኣብ ትማሊ ክንበር ዘይኰነስ ኣብ ሎሚ ከይና ንጽባሕ ከነማዕዱ ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና።
እቶም መጽሓፍ ቁዱስና ንምጻኢ እናማዕደዉ ዝተጓዕዙ መንእሰያት ኣብ ዝበለጸ ናይ ክብሪ ቦታ ከም ዝበጽሑ ብግልጺ ይነግረና እዩ። እቲ ዕውት መንእሰይ ኩሉ ዝመላኣሉ ወይ ድማ ናይ ስም ዝና ዝረኸበ ዘይኰነስ፣ እቲ ንዕላማ ኣምላኽ ክውን ንምግባር ዝጋደልን። ነቲ ናይ መጻኢ ክብሪ እናጠመተ ድማ ንዝገጥሞ ናይ ህይወት ሕልኽላኻት ሰጊሩ ዝጓዓዝ እዩ።
ሓደ ጊዜ ሓደ ወትሃደር ኣሜሪካ ንባዓልቲ ቤቱ ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ኣጻምእ ምድረበዳ ካሊፎርኒያ ምስኡ ንኽትነብር ወሰዳ። ሰበይቱ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ነቲ ቦታ ኣዚያ ጸልኣቶ። ነዲኣ ድማ ኣነ እዚ ዘለኽዎ ቦታ እምብዛ ጸሌኤዩ ኣለኹ። ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ድማ ናብቲ ምቹእ ቦታይ ክመጽኣ እየ ኢላ ጸሓፈትላ። ኣዲኣ ድማ ከምዚ ኢላ መሊሳትላ። ጓለይ ሓደ ጊዜ ክልተ እስራት ነብሩ እቲ ሓደ እሱር በታ ተሓይርላ ዝነበር ምስኰት ጭቓ ክሪኢ ከሎ እቲ ሓደ ግና ኣብ ሰማይ ዝነበራ ከዋኽብቲ ይዕዝበ ነበረ ቢላ ጸሓፈትላ። ጓላ ነዛ መልእኽቲ ምስ ተቐበለት ብናይ ህይወት ብድሆታት ከይተሰናበደት ናብራኣ ክትመርሕ ጀመርት እሞ፣ ኣብ ዓለም ድማ እታ ዝበለጸት ደራሲ ኰነት። ሎሚ ኸ ንሕና ኪንዮ ብድሆና እናረኣና ነቲ ዝመጽእ ክብሪ ዶ ንርኢ ኣሎና ወይሲ ካብ ብዝሒ መከራና ዝተላዕለ ቦታና ክንሓድግ ንደናደን ኣሎና?
ብርግጽ ናይ ህይወት ብድሆ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምኡ ድማ ካብ ቦታ ናቦታ ይፈላለ እዩ። ናይ ገለ ጽንኩር ናይ ገለ ድማ ቅልል ዝበለ። እቲ ኰይኑ እቲ ግና ነፈስ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ክጸንዕ ብጸጋ ኣምላኽ ግዱድ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ ተማቓሊ ዓውትን ክብርን ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ንሕና መንእሰያት በቲ ኣብ ህይወት ክገጥመና ዝኽእል ብድሆታት ህይወት ተሰናቢድና ተስፋ ብምቑራጽን ብምሓላልን ንድሕሪት ምጥማትን ዘይከነስ። እንታይ ድኣ ጽባሕ ብርሃን ከምዘሎ ፈሊጥና ብምጽናዕን ናብ ኣምላኽ ብምጥማትን ክንጸንዕ እዩ ዝግባእ።
ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረበና እንኰሎ ህይወት ምሳይ ብዘይ ፈተናን ጥጥሕትን እያ ኣይበለናን። ብኣንጻሩ ተማሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልጽን እዩ ስለዚ ኣብ ዓለም ብድሆ ህይወትን ፈተናን ኣለኩም ግና ኣጀኹም። ኣነ ንዓለም ሲዒረያ እየ እዩ ዝበለ። ንሱ ንፈተናን መውጺኢ ዝኸውን ደኣ እዩ ዘዳልወልና እምበር ካብ ፈተና ሓራ ኣይገብረናን እዩ። ብብዝሒ ተስፋ ዝቖርጹ ሰባት እቶም ብፈተና ተሰኒፎም ንድሕሪት ዝምለሱ ሰባት እምበር እቶም ፈተና ዝበርትዕም ሰባት ኣይኰኑን።
ሎሚ ዘለካ ጽንኩር ኩነታት ነቲ ዝመጽኣ ናይ ዘልኣለም ክብርን ከምኡ ድማ ነዚ ኣብዝ ምድሪ ዝረከብ በረከትን ድማ የዳልወካ ከምዘሎ ፍለጥ። ሓቂ እዩ ብከመዚ ዝዓይነቱ ጹሑፍ ኣቢልካ ብዛዕባ ብድሆታት ህይወት ክትዛረብ እምብዛ ቀሊል እዩ። እቲ ኽብደቱ ክትሓልፎ ከለኻ እዩ። እዚ ዀይኑ እቲ ግና ኣብ ኣምላኽ ምጽናዕን። ነቲ ንሱ ዘዳለወልና ዓወት ንምውራስን ቃልሲ ከድልየና እዩ። ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ኣጀኹም ተባሂሉ ከምተጻሕፈ። ብኣምላኽ ተስፋ እናገበርና ኣብቲ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ንጸጋዕ።
ሓደ ጸሓፋይ ክዛረብ እንከሎ መቐረት ህይወት ኣብ ፈተና እምበር ኣብ ጣዕሚ ጥራይ ኣኰነን ኢሉ። ካብዚ ጸሓፋይ ንላዕሊ ግና የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያ ጳውሎስን እቶም ዝሓለፉ ኣቦታትና ነዚ ገሊጾሞ እዮም። ድሕሪ ብኽያት ሰሓቕ ኣሎ። ድሕሪ ውድቀት ድማ ምትንሳእ ኣሎ። ድሕሪ ጸልማት ድማ ብርሃን ኣሎ። ነዚ ዝዝክር መንእሰይ ድማ ወትሩ ብጐደና ዓወትን ሰላም ህይወትን ምስ ተመላለስ እዩ። ኩቡራት ኣሕዋት ከምቲ ዝበልናዮ መጽሓፍ ቁዱሳና ኣብነት ብዙሓት መንእሰያት ስለ ዘለዎ ገለ ካብቲ ንዓና ንትምህርቲ ክኾነና ዝተጻሕፈ ክንርኢ ኢና።
ዮሴፍ
መቸም እንተ ብብዙሕ ወይ ሒደት ኩላትና ዛንታ ዮሴፍ ኣንቢብና ወይ ሰሚዕና ኣሎና። ዮሴፍ ገና መንእሰይ እንከሎ እዩ ናይ ህይወት ውጻእ ውረድ ክሓልፍ ጀሚሩ። እዚ ካብ ንእሰንቱ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዳኣ መንሰይ። ብድሆ ህይወት ኣብ ውሽጢ ቤቱ እዩ ጀሚርዎ።
ዮሴፍ ኣብ ቤቱ ብጽፈትን ብስነ ስርዓትን ይመላለስ ስለ ዝነበረ ነዚ ዘይፈተዉ ኣሕዋቱ ግና በይንነትን ተንጸሎን መታን ከጥቅዖ ብምባል ነጺሎሞ እዮም። ብርግጽ ተንጽሎ ቀሊል ኣይኰነን። ብፍላይ ድማ እቶም ቀረባኻ ናትካ ትብሎም ካብ እኩይ መንፈስ ተላዒሎም ክፈልዩኻ ከለዉ ዝወርደካ መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ተንጽሎ ዓቢ እዩ።
እንሓንሳብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈተና ንኽትጸሮ እምብዛ ከቢድ እዩ። ዮሴፍ ግና ካብ ኣሕዋቱ ብዝወርዶ ዝነበረ ተንጽሎ ተስናቢዱ ምስኦም ብፍጹም ክደናገጽ ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ ነዚ ብዲሁ ጉዕዞ እምነቱ ክቕጽል ከሎ እዩ ተራእዩ። ንሕና መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ብሰንኪ እንክተሎ መንገዲ እምነት ካብ ቤትናን ጎረባብትናን መቕርብና ንዝወርደና ተንጽሎ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ገለ ነዚ ሰጊሮም ደው ክብሉ ከለዉ ገለ ግና ካብ ተንጽሎ ንምህዳም ንእምነቶም ንድሕሪት ዝጐቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።
ሰባት ክሓድጉኻ ምስኻ ድማ ምድንጋጽ ከቋሩጹ ይከኣል እዩ። ከምዚ ስለ ዝዀነ ግና ንስኻ ክትስናበድ የብልካን ከመይሲ እቲ ዘይንጽልን ዘይርሕርሕን ኣምላኽ ምሳኻ ስለ ዘሎ። ዮሴፍ ገና ኣብ ንእሱ ዕድሚኡ ከምዚ ዝዓይነቱ ተነጽሎ ክገጥሞ እንከሎ መዓረ ኽንደይ ከቢድዎ ከምዝነበረ ርድኡ እዩ። ወትሩ ኣብ ገዛ መጺኡ ዝተጸወጋ ገጻት ኣሕዋቱ ክርኢ እንከሎ ቀሊል ኣይኰነን። ንሱ እውን ሰብ ስለ ዝዀነስ ፍቕሪ የድልዮ እዩ። ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ኣንጻር ሓጥያት ዝነበሮ መርገጺ። ነዚ ሕውነታዊ ቤተሰባዊ ፍቕሪ ከም ዝግባእ ኣየሰተማቖሮን። ዮሴፍ ግና ውሕስነት ህይወቱ ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣብ ጉዑዞ ህይወቱ ኣይከሰረን።
ንሕና ኣብዛ ጸልማት ዝኸብባ ዓለም ንነብር ስለ ዘሎና። ብቕድስናን ንጽህናን ክንመላለስ እንከሎና ናይ ግድን እዩ ካብዛ ፍትሓዊት ዘይኰነት ዓለም ኣድልዎን ግፍዕን ክበጽሓና። እንሓንሳብ ድማ ይግባኣና እኳ ክነሱ ብሰንኪ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት መሰልና ዝግፈፍ እዋን ብዙሕ ጊዜ አዩ። ብርግጽ እዚ ከቢድ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ግና በዚ ተሰናብድና ስፍራና ክንሕድግ የብልናን።
ዮሴፍ ኣብ ቤቱ እቲ ዝግብኦ ኩሉ እናገበር ክነሱ እዩ ዝገብኣ ዘይረኸበ። ይኹን እምበር በዚ ሰንቢዱ ዕርፉ ኣይደርበየን። ሎሚ ንሕና ንገብሮ ዘበል ኩሉ ካብ ሰባት ናእዳን ክብርን ክንረክብ ዘይኰነስ ካብቲ ኩሉ ዝኽእል ዓስቢ ንምርካብ እዩ። እቲ ቑዱስ ጹሑፍ እውን ክንግረና ከሎ ትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ ግበርዎ እዩ ዝብል።
ኩቡራት መንእሰያት እዚ ሕጂ ብሰንኪ ኣብ ጐይታ ዘሎና ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ካልኦት ዝበጽሓና ተነጽሎን ዘይፍትሓውንውትን ነቲ ኣብ ዝመጽእ እንረኽቦ ዓቢ ክብሪ ብፍጹም ከምዘይማዓራረዮ ፈሊጥና ወትሩ የዒንትና ናብቲ ከኣሊ ኣምላኽ ንጠመት። ንዮሴፍ ፈተና ወይ ብድሆ ግና ተነጽሎ ጥራይ ኣይነበረን። ካብኡ ብዝገደደ ኣብ ህይወቱ ካብ ኣሕወቱ ዓቢ ኽሕደት እዩ ገጢምዎ። ኣምላኽ ኢዱ እንተ ዘየኣቱ ኔሩ ንሞት እዮም ፈርዶሞ።
ዮሴፍ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ ተሸይጡ እቲ ኣዚዩ ብሉጽ ዝዀነ ዓላማ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን። ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቃረጸን። ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ። በዚ ብድሆ እዚ ድማ ኣይተሳዕረን።
ፈተና ክመጸና እንኰሎ ክንፈልጦን ክንስሕቶን ዘይብልና ሓደ ሓቂ መስዋእትነት ንምኽፋል ንሕተት ከም ዘሎና ምርዳእ እዩ። የሴፍ እንተዀነ እውን ነዚ ዝገጥሞ ዓቢ ብድሆ ምስ ሃደመሉ ናእዳ ብዙሓት ዘይኰነስ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ መከራ እዩ ገጢምዎ። እንሓንሳብ ብዓወት ንዝሰገርካዮ ፈተና ንኻብኡ ዝገደደ ፈተናን ብድሆን የዳልወካ ምኻኑ ምዝካር ሰናይ እዩ።
ካብቲ ዘገርም ዮሴፍ ነቲ ኣዚዩ ምውቕ ዝመስል ፍቕሪ ናይ ሰይቲ ጶጢፋር ኣይተቐበሎን ብጊዚያዊ ጣዕሚ ኣይተሓበለን ንሕና ኸ? ሎሚ ዘመን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዘዛሕትሎ ዘሎ ጊዝያውነት ዓለም እዩ። እዚ ድማ ንብዝሓት ካባታትና ዘይስገር ዓቢ ዓቐብ ኰይኑና ኣሎ። ግና ንዘክር ዓለም ሓላፊት እያ ፍትወታ ከኣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘልኣለም ክነብር እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንመንእሰይ ብዘመጾ ዓለማዊ ዕድመን ምድራዊ ፈተናን ከይተበደሀ ንኣምላኽ ክነብር እንከሎ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላክ ይካኣል እዩ።
ዓለም ሰይጣን ስጋ ኣጽዋሮም ኣንጻርና ክዝርጉሑ ናይ ግድን እዩ። ንዓና ከውድቑና ብኹሉ ሓይሎም ክትንስኡ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተኸነ ንሕና በዚ ናታቶም ከይተዳሃልና ጉዕዘና ንቐጽል። ዮሴፍ ንሓጢያት ኣይተንበርከኸን። ብዝገበርካዮ ተኸሲስካ ገበነኛ ኢካ ክትበሃል ንቡር እዩ። ብዘይገበርካዮ ገበን ገበነኛ ክትበሃል ግና ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ንዮሴፍ ድማ እዚ ብድሆ እዚ እዩ ገጢምዎ።
ዮሴፍ ንዝነበሮ ንጽህና ዝርዳኣሉ ሰብ ብፍጹም ኣይነበረን። ንሱ እዉን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክማጐተሉ ዝኽእል ዓቅሚ ስለ ዘይነብሮ ድማ ከምታ ንማሕረዲ ተጐቲታ ትኸይድ በጊዕ ብስቕታ እዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐነ። ዮሴፍ ግና በዚ ርዒዱ። ንዝሓዞ ዕላማን ንዝተቐበሎ ተስፋን ኣይደርበዮን ኣብቲ ምድብ ጊዜኡ ድማ እቲ ንብድሆታት ሰጊሩ ንኣምላኽ ዝተኣመነ ዮሴፍ ብዘደንቕ ክብሪ ከቢሩ።
ኩቡር መንእሰይ ንሕና መንእሰያት ድማ ንኣምላኽ ተኣሚና ብዝመጸና ብድሆ ከይሰንበድና። ኣብቲ ዘፍቅረና ኣምላኽ እንተ ጸኒዕና ክንዕወት ናይ ግድን እዩ። ዮሴፍ ብዝገጥሞ ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ከይተሰነፈ ዝረዀቦ ክብሪ ሎሚ ድማ ናትና ክኸውን ምጥማትና ናብ ኣምላኽ ይኹን።
ምስ ኣምላኽ ምኳን ንዕኡ ምግልጋልን ጡዑምን ጉሩምን እኳ እንተዀነ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ክንርዳ እከሎና ንባዕሉ ሓደ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ንረዳእ። ዮሴፍ ግና ነቲ ዝነብሮ ናይ መከራ ብድሆ ጥራይ ኣይኰነን ብዓወት ሰጊርዎ እንታይ ድኣ ብተወሳኺውን በቲ ዝነበሮ ጣዕምን ምቸትን ከይተዓሸወ ምስክርነት ህይወቱ ከየባለሸወ ሓሊፉ።
ኣብ ጊዜ መከራን ስቓይን ሽም ኣምላኽ ምጽውዕ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ። ኣብቲ መከራኻ ተወድኡ ኣብ ጐደና ዓወት ኣብ ትመላለሰሉ ጊዜያት ግና ንኣምላኽ ምእማን ብዓወትካ ዘይምዝንጋዕ ካብቲ ቀድማይ ዝረኸብካዮ ዓወት ዝበለጸ ዓወት እዩ።
ብዙሕ ጊዜ ኣብ እዋን ምቾትን በረከት ንኣምላኽ ዘሎና ምእማን ንባዕሉ ኣዚዩ ከቢድ ብድሆ እዩ። ነዚ ንምስጋሩ ድማ ካብ ኣምላኽ ምስትውዓል ክንቅበል ከድልየና እዩ። ኩሉ ጊዜ ንዝመጸና ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ብድሆታት ክንሰግሮም ክንክእል መታን ወትሩ ናይ ውሳኔ መንፈስ ክህልወና ይግብኦ። እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ስለ ዝዀነ ድማ ምሱኡ ጊዜ ክንወስድ ከድልየና እዩ። ኩቡራት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ናይ መከራናን ፈተናን እዋናትና ሓደ ዓቢ ክንዝክሮ ዝግባኣና ነጥቢ እንተሃልዩ ከኣልነትን ብርተዐ ኣምላኽን እዩ። ንሱ ከቶ ኣይሓድገናን ኣይክጥንጥነና እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከምኽሩ ድማ ዝተጸውዑ ኩሉ ነገር ንሰናዮም ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ተባሂሉ ኣሎ እሞ። ኣብ ውሽጢ ጸልማትና ብርሃን ከምዘሎ ፈሊጥና ንጽናዕን ንትባዕን።
ኣምላኽ ዘሕልፍና ናይ ብድሆ ጐደና ጸሊእና ዘይኰነስ። ካባና ኩቡር ነገር ከውጽእ ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ። ከምቲ ፍረ ስርናይ ከይሞተተ ብዙሕ ዘይትፈሪ ናትና ናይ ክርስትና ህይወት ድማ ከምኡ ስለ ዝኸነ እንሓልፎ ኩሉ ናይ ሞት ጐደና ንቡዙሕ ፍረን በረኸትን ምዃኑ ንዘክር። ከምቲ ዮሴፍ ከም ብሓዊ ዝሓለፈ ወርቂ ምስ ተዀለዐ። ኣብ ዓቢ ክብሪ ዝኣተወ ንዓና ድማ እዚ ሽዓ ዝሓልፍ ቀሊል መከራና ማእለያ ዘይቡሉ ቡሉጽ ሃብቲ ኣምላኽ የዳልወና ከምዘሎ ፈሊጥና ንጽናዕ።
ብድሆን መከራን ናብቲ ዝመጽእ ከብሪ ዘሰጋግር ሓደ ዓቢ ድልድል ምኻኑ ንረዳእ። ሰይጣን ዓለም ስጋ ዘምጽኣዎን ዘቕርብዎን ማኣዲ ምትላልን ምንዋጽን ከይተቐበልና ጉዕዞ ክርስትናን ንመርሽ። ኣብቲ መወዳእታ ድማ ኣምላኽ ንፍቑራቱ ዘዳለዎ ኣክሊል ህይወት ክንቅበል ኢና። ኩቡራት መንእሰያት እምበኣር ኣስር እቲ ኣርኣያ ዝሓደገልና ዮሴፍ ኣናረኣና ብዝኰነ ዓይነት ብድሆ ከተሰናበድና ናብ የሱሱ እቲ ዝዓበየ ሊቀ ካህናትና ንጉየይ። ኣምላኽ ሰማይ ድማ ክሳብ ምጻተ ዓለም ምሳና እዩ። ንሱ ድማ ኣ ጊዜ እቲ በዳሂ እዋና ዘድልየና ጸጋን ሓይልን ኩሉ ክህበና እዩ
"ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል እቲ ዝደኰነካ ከምዚ ይብል ተበጀየካ እየ እሞ ኣይትፍራህ ብስምካ ጸዋዕኩካ ንስካ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ ትሓልፍ ምሳኻ ክከውን እየ። ብውሒዝ ምስ ትሳገር ኣይኬጥሕለካን እየ።ብሓዊ ምስ እትኸይድ ኣይክትነድድን ኢኻ። ሃልሃልታ ሓዊ እውን ኣይክህምኸካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ መድሓኒኻ እየ እሞ። ንግብጺ በጃኻ ንኢትዮጵያን ስባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ ኣብ ኣዒንተይ ቡሉጽን ክቡርን ስለ ዝኰንካ ስለ ዘፍቀርኩኻን ኣብ ክንዳካ ሰባት ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ" ኢሰ 43። 1-5።
ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 2ይ ክፋል
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode