3 ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ኣረኣእያ ምምዕባል።
ሎሚ ኩሉትና ኣብዛ ምውድዳርን ዝናን ዝበዛሓላ ዓለም ኢና ንንበር ዘሎና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ድማ ካብቲ ካልእ ብጻዩ በሊጹን ወቂቡን መታን ክርኣ እዚ ዘይበሃል ቃልሲ የካይድ። ሰብ ብተፈጥርኡ ናይ ካልእ ሰብ ሰናይ ናይ ምድላይ ብህሪኡ ኣዚዩ ዱርት እዩ። እዚ መንፈስ እዚ ከኣ ካብ ውደቀት ጀሚሩ ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ከምኡ ድማ ኣብ እቶም መንእሰያት ዝኰኑ ቃየልን ኣቤልን ዝተራእየ ሓቒ እዩ።
እዚ ዓይነት መንፈስ ካበይ እዩ ዝመጽእ እንተ ተባህለ ካብ ዱሩትነትካ ዘይምርዳእን ካብ ዘይምዕጋብን እዩ ዝነቅል። እዚ ዓይነት መንፈስ መንሽሮ ሕብረተሰብ ኰይኑ እንሆ ኣብዛ ዓልም ዘይፍትሐውነትን ጐነጽን ጐሉሑ ይረኣ ኣሎ። ቃየል ንኣቤል ክቐትሎ ከሎ ቀንዲ መበገሲኡ ሓው ልዕሊኡ መጐስ ስለ ዝረኸበ ጥራይ እዩ። ቃየል ኣብ ክንዲ ሓው ብከመይ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መጐስ ከምዝረኸብ ፈሊጡ ጌጉኡ ድማ ተኣሪሙ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ዝቐርብ። ደም ሓው ብምፍሳሱ መረገም ክዓጽድ ከሎ ኢና እንርኢ። ሰይጣን ኣብና መንእሰያት ከሕድሮ ህርዲግ ዝብል መንፈስ ድማ እዚ ንዓይ ጥራይ ዝብል መንፈስን ብዓውት ካልኦት ድማ ከይንሕጐስ ምግባር እዩ። ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ኣብ መንገድና ዘጋጥመና ውድቀት ሓደ መበገሲኡ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ጹቡቕ ዘይኰነ ስለ ዝዀነ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዓለም ትምህርካ ምህሮ እንተሃልዩ ውድድር እዩ የሱስ ዝሓደገልና ኣርኣያ ግና ንብጻይና ከም ነፍስና ምፍቃር እዩ። ናይ ዓለም ፍልስፍና ሓለፋ ሓውኻ በሊጽካ ክትርኣ ዝብል እንተኰይኑ ፍልስፍና የሱስ ግና ንብጻይካ ካባኻ ንላዕሊ ኣብሊጽካ ምርኣይ እዩ። ካብቲ ሓደ ዕውታት ኰይና ጉዑዘና ክንውድእ ዝገብረና ነጥቢ እምበኣር እዚ ኣብ ጻይና ዘሎና ኣወንታኢ ኣረኣእያ እዩ። ንሕና ብሰናይን ጽቡቕን ኣሕዋትና ባህ ዘይብለና ምስ እንኸውን ኣብ ጉዑዞ መንፈሳዊ ህይወትና ገለ ነገር ጐዲልና ከም ዘሎና መርኣያ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ሓደ ጊዜ ዝርኣኹዋ መንፈሳዊት ፊልም ኔራ። ንሳ ድማ ሓንቲ መሓዝኣ ጹቡቕ ዝረኸብት ሰብ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ንብጸይታ መዕረ እንዳ ጥንቆላ ብምኻድ ኣብ ሓዳራ ሕንፍሽፍሽ ኣእተወትላ ነታ ሰብ ኣምላኽ ረዲኢዋ ድሕሪ ብዙሕ መከራን ስቓይን ካብ እታ መሓዝኣ ዘጻወደትላ መፈንጥራ ሰይጣን ኣምሊጣ። መሓዝኣ ግና ኣብ መወዳእታ ሰናይ ኣይረከበትን። ኩብራት መንእሰያት ንሕና መንእሰያት ንየሱስ ክንመስል እምበር ኣንጻር እቶም ካባና ጸብለል ዝበሉ ሰባት ክንላዐል ኣይኰነን። እቲ ብዓወትን ሰናይ ካልኦት ዝቐንእ መንእሰይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ኩሉ ውድቀትን ስዕረትን ዝለማመድ ሰብ እዩ። ነቲ ካልኦት ዝበጽሕዎ ምብጻሕ ጐነጽን ሓይልን ቅንእን ምዝውታር ፋይድኡ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ። ኣሕዋት ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ሓዎም ማእልያ ዘይብሉ ኣደራዕ ክፍጹሙ ዝገበሮም ሓደ ቅኒኢ ወይ ድማ ሰናይ ናይ ዮሴፍ ስለ ዘይደለዩ ጥራይ እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንሕና እውን ከይተረፈ እንተ ብቕጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብሰንኪ ኣሕዋትና ዘለዎም ሰናይ ነገር ተደፋፍኢና። ብቕኒኢ ዝተላዕለ ኣብ ዓቢ ኣደራዕ ዘእተናዮም ኣሕዋት ሒደት ኣይኰነን። ዓውትን ሰናይን ኣሕዋትና ጥቕሙ ንዓና ምኻኑ ሳእኒ ዘይምርዳእና ዝኸሰርናዮ ክስራታት ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ውድቀት ሓውና ናይ በይኑ ጥራይ መሲልና ኣስናን ከፊትና ብሰሓቕ ዝሓጨጭናሉ ጊዝያት ግና ውሕድ ኣይከነን። እምበኣር ኩቡራት መንእሰያት ክርስትያናት እስከ ንገዛእ ርእስና ንፈትሽ። ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ ኰን ይመስል? ዓወት ሓውና ወይ ሓፍትና ንዓና እንታይ እዩ? " ሓንቲ እኳ ንዓይ ይጥዓመኒ ብምባል ንውዳሴ ከንቱ ኣይትግበሩ። ብትሕትናስ ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ኣይጠምት" ፊሊ 2።3-4። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኣኽቢሩን ኣማዕሪጉን እዩ ዝፈጠረና ስለዚ ነፍስ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣምላኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ይጠቅም እዩ። እምበኣር እቲ ዝዓበየ ጸሎትና ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ሰናይን ጹቡቕን ክገብሮ መታን ክኸውን ኣሎዎ። እቲ ዘገርም በረኸቱ እምብዛ ዝዓቢ ሰብ እቲ በረኸት ካልኦት ክዓቢ ከሎ ዝሕጐስን ዝፍሳህን ሰብ እዩ። ድሌት ጐይታን የሱስ ክርስቶስ ዓወት ባሮቱ ጥራይ ዘይከነስ ሰናይ ጸላእቱ ከይተረፉ ክርኢ እዩ ሃረር ዝብል ዝነበረ ። ኣብ ዘመን ህይወቶም ብሉጽ ነገር ረኺቦም ዝሓለፉ ሰባት እቶም ንብሉጹነት ካልኦት ዝተጋደሉ ሰባት ምዃኖም ንፍለጥ። ኣምላኽ ዘዕብዮም ሰባት ድማ ነቶም ዕቤት ካልኦት ክርእዩ ሃረር ዝብሉ ሰባት እዩ። እቶም ናተይ ኣገልግሎት ጥራይ ክረኣ ኣለዎ ዝብሉ መንእሰያት ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣገልጊሎም ሓሊፎም ኣይፈልጡን እዮም። ኩሉ ጊዜ እቲ ኣብ ህይወትና ክንርእዮ እንደሊ ሰናይ ነገር ኣብ ካልኦት ክኸውን ድማ ክንምነ ይግባኣና። ህይወት ክርስትና ንኣምላኽን ንኻልኦትን እትነብሮ ናብራ እምበር ንዓይ ይጥዓመኒ እናበልካ ትኸዶ መንገዲ ኣይኰነን። ሓደ ጊዜ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሙሴ ጌሩ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ጊዜ ። እቶም ቀረብኡ ዝዀኑ ኣሕዋቱ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኣንጻር ሙሴን ኣገልግሎትን ክላዓሉ ከለዉ ንርኢ። እግዜኣብሄር ብሙሴ ጥራይ ድዩ ዝጥቀም? ብኻልእ ኣዘራርባ ንሱ ካብ መን ይበልጽ እዮም ዝብሉ ዝነበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ድርኺቱ ኣዚዩ ሕማቕ ስለ ዝነበረ ኣምላኽ ብፍጹም ኣይተሓጐሰን። እዚ ዓይነት ሓደገኛ መንፈስ ሚርያምን ኣሮንን ድማ ኣብ እስራኤል ዓቢ ዝኰነ መርገም ኣምጺኡ። ሚርያምን ኣሮንን ብሰንኪ ኣምላኽ ብሙሴ ዝገብሮ ዝነበረ ሰናይ ነገር ዘይምሕጓሶም ብኢድ እጊዚኣብሄር ክቕጽዑ ከለዉ ንርኢ ብሰንኩ ድማ እስራኤላውያን ንሸውዓተ መዓልቲ ካብ ጉዕዞ ተጓናዲቦም። ኣሮንን ሚርያምን ዘየሰተውዓልዎ ነገር እንተ ኔሩ። ብሙሴ ዝግበር ዝነበረ ስርሓት ንጥቕሞምን ንበረኸቶም ምንባሩ ዘይምፍላጦም እዩ። ሎሚ ንሕና በቲ ኣምላኽ ኣብ ኣሕዋትና ዝገብሮ ስርሓት ዘይንሕጐስን ባህ ዘይብለናን እንተኰይኑ ብርግጽ ኣባናን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽን መረገም ከነመጽእ ስለ እንኽእል ኢድ ብኢድ ድማ ከይተቐጻዕና ከም ዘይንተርፍ ክንርዳእ ኣሎና። እቲ ኣዚዩ ዱኹም ሰብ መን እዩ እንተ ተባህለ እቲ ብሰናይ ናይ ኣሕዋቱ ባህ ዘይብሎ ሰብ ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስና ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ ንኻልኦት እምበር ንገዛእ ርእስና ከንቐድም ከም ዘይብልና ስለ ዝምህረና እዩ። የሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ከይዱ ኣሎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ብሰንኪ ኣብ ኣሕዋቶምን ፈተውቶም ዝርእዮዎ ሰናይ ነገር ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሰባት ማኣለያ የብሎምን። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ተንኰልን ሸርሕን ብምእታው መንፈሳውን ስጋውን ገበን ብምፍጻም ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ናይ መንፈሳዊ ውድቀት ይሽመሙ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክሓስብ ከለኹ ኣብ ኣእምሮይ ዝመጸኒ ሰብ ኣብርሃም እዩ። ኣብርሃም ኣብቲ ኣምላኽ ካብ ኣዝማዱን ቤተሰቡን ዓሌቱን ክወጽእ ኣብ ዝነገሮ እዋን ምስኡ ዝተማለኦ ሎጥ ዝበሃል ወዲ ሓዉ ኔርዎ። ጥሪት ክልቲኣቶም ምስ በዘሓ ድማ ይብለና ቃል ኣምላኽ ኣብ ምንጐ ጓሶት ክልቲኣቶም ባእሲ ኰነ። ኣብርሃም ነዚ ነገር እዚ መዕለቢ ክገብረሉ ስለ ዝደለየ ንወዲ ሓዉ ሎጥ ከምዚ በሎ "ኣብራም ከኣ ንሎጥ። ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃካ ኣብ መንጐይን ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ጓሰተይን ጓሰተካን ባኣሲ ኣይኹን። ኩላስ እዛ ምድሪ ዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን? ሕድርኻ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተበልካ ኣነ ድማ ናብ የማን እብል ናብ የማን እንተበልካ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም እብል" ዘፍ 13።8-9። ንርኢ ኣሎና ዶ? ኣብርሃም ንብጻዩ እምበር ንዓይ ኣይበለን። ኣብርሃም እዚ ዝገበረ ዘይግብኦ ስለ ዝዀነ ኰይኑ ዘይኰነስ ካብ ንዓይ ንብጻየይ ዝብል መንፈስ ስለ ዝነበሮ ጥራይ እዩ። ቀዳምነት ናይ ምምርጽ መስል ንኣብርሃም እኳ ይግባእ እንተዀነ እዚ ዓይነት ሓለፋታት ንሎጥ እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣይተጠቕመሉን። እቲ ሓለፋ ገዛእ ርእሱ ንኻልእ ሰናይ ዝሓስብ ሰብ ከምቲ ንኣብርሃም ዝበጽሖ ናይ በረኸት ዕጫ ክበጽሖ ናይ ግድን እዩ። በረኸት ካልኦት ዘይደልን ብበረኸት ካልኦት ድማ ዘይሕጐስን ሰብ በረኸት ክቕበል ዘይሕሰብ እዩ። እቲ በመንፈሳዊ ዕቤት ካልእት ዝሕጐስ ሰብ ጥራይ እዩ ኣብ ጉዕዞ መንፈሳዊ ህይወቱ ዓወትን ምጥሓስን ዝለማመድ። ብዙሕ ጊዜ እቲ ኣብ ስጋዊ ህይወቱ ከይተረፈ ዘትረፍረፍ በረኸትን ብልጽግናን ዝረክብ ሰብ እቲ በቶም ብስጋዊ ህይወቶምን ኢኮኖሚያዊ መዳያታም ንዝተዕወቱ ሰባት ብምርኣይ ባህ ዝብሎ ሰብ እዩ። ኣብ ግላዊ ዓወትን ረብሓን ዝኣምን ኣማኒ ገና ንኣምላኽ ኣይፈልጦን ዘሎ። ከምቲ ንሱ ዘለዎ ሰናይ ነገር ሓው ክህልዎ ዘይደሊ መንእሰይ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ካብ ኣምላኽ ሰናይ ክረክብ እየ ኢሉ ክጽበ የብሉን። ሕጊ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እዚ ኣዩ ከምቲ ንስኹም ክገበረልኩም ትደልዩ ካልኦት ድማ ከምኡ ክግበረሎም ድለዩ ዝብል እዩ። ሓደ ጊዜ ኣብ ዘመን ሙሴ ዝነበረ እያሱ ብዙሓት ክንበዩ ምስ ረኣየ ንጐይቱኡ ሙሴ መጺኡ ብዙሓት እምበር ይንበዩ ኣለዉ ምስ በሎ። ሙሴ ከኣ ንእያሱ ኣሸሎ ኩሎም ተንብዮም ብምባል ንእያሱ ገኒሕዎ። ሎሚ ኸ ንሕና ከምቲ ዘሎና ሰናይ ንገር ኣብ ካልኦት ምስ እንርኢ ብእኦም ዶ ባህ ይብልና ወይ ከይቅዱምና መታን ንምትዕንቓፎም ንጓየ? ሎሚ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ምስ ካልኦት ኰይና ንዕኡ ከነገልግል መታን እምበር ንኻልኦት እናጐዳእና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጸብለል ክንብል ክንብል ኣይኰናን ተጸዊዕና ዘሎና። ኣብ መንጐ ስኣልን ዳዊትን ዝነበረ ጽልኢ መበገሲኡ። ንጉስ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ዳዊት ኩቱር ቅንኢ ስለ ዝነበሮ እዩ። ንግስነት ሳኦል ብሰንኪ ዳዊት ዝገበሮ ቅያ ደው ኢላ ክነሳ ሓለፋ ሳኦል ዳዊት ስለ ዝተናእደ ጥራይ ግና ሳኦል ብጓሂ ጣዕ ኢሉ ኣንጻር ዳዊት ማኣለያ ዘይብሉ ሽርሕታትን ውዲታትን ክገብር ከሎ ንርእዩ። ሳኦል ዘይተረድኦ ነገር እንተኔር ግና ናይ ዳዊት ህላውነት ኣብ መንግስቲ ሳኣል ኣድላይን ዓብን ከምዝነበር ዘይምፍላጥ እዩ። ሳኦል ብሰንኪ ኣብ ዳዊት ዝነበሮ ሰናይ ናይ ዘይምምናይ መንፈስ ኣብ ጥዕኑኡ ከይተረፈ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኔርዎ። ንመንፈስ ሰይጣን ድማ ኣዚዩ ቁሉዕ ነበረ። ንሕና ድማ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ኣሉታዊ ምስ ዝኸውን ኣብቲ መንፈሳዊ ህይወትና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ስጋዊ ህይወትና ከይተረፈ ዓቢ ዝኰነ ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ዘለዎ። ኩሉ ጊዜ እቲ ሰናይ ኣሕዋቱን ዓወታት ብጻዩን ዘይሕጉሶን ባህ ዘይብሎን ሰብ ስነ ኣእምራዊ ቅሳነትን ሕልናዊ ዕረፍትን የብሉን ውጺት ናይዚ ድማ እናታይ ምዃኑ ንምትንታኑ ዘሸግር ኣይኰነን።ዮሴፍ ኣሕዋቱ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸምዎ በደል ዓቢ እኳ እንተነበር። ንሱ ግና ኣብ ክብሪ ምስ ተቐመጠ ኩፉኣ ናይ ኣሕዋቱ ክርኢ ኣይተመነየን። ብኣንጻሩ ናታቶም ኩቡርን ቡሉጽን ነገር ክርኢ እዩ ተጓይዩ። ብዙሕ ጊዜ እቲ ዓወትን ሰናይን ብጻዩ ዘየሕጉሶ ሰብ ኩሉ ጊዜ ኩፍእ ናይ ብጻዩ ዝረኣየሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ እዩ ዘመቻችእ። ኣይተረድኦን እምበር እዚ ናብ ዝገደደ ጥፋኣትን መርገምን እዩ ንዕኡ ዝመርሖ። ኣምላኽ ካብዚ ኸምዚ ይሰውረና። ኣግዚኣብሄር ኣብ ሓድሕድና ሰናይ ሕሊና ክንሕዝ እዩ ዝምዕደና። ኣብ ነሕድሕድና ሰናይ ሕልና እንተ ዘይብልና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንቀርብ ትብዓት ክህልወና ኣይክእልን እዩ። እታ ቐዳመይቲ ቤተክርስትያን ካብቲ ሓደ መሰረት ዕቤታ ኣብቶም ኣሕዋት ዝነበረ ኩቱር ናይ ምትሕልላይ መንፈስ ስለ ዝሐዞም ጥራይ እዮ። ኩሉ ጊዜ እቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣብሊጹ ሰናይ ነገር ኣብ ካልኦት ክርኢ ዝደሊ ሰብ ወትሩ ጐደሎ ኣሕዋቱ ክርኢ ከሎ ብስቡር ልቢ ስለ ኣሕዋቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቐርብ እምበር ናብ ምፍራድን ምትንዃልን ኣይቀዳደምን እዩ። ውድቀት ሓዉ ናቱ ውድቀት ምኳኑ ስለ ዝፈልጥ ወትሩ ኣብቲ ነቓዕ ሓው ምስ ቀመ እዩ። ሕፍረት ሓዉ ኣናራኣይ ልቡ ብሓጐስ ዝመልእን ዝሳሓቕን ሰብ ከምቲ ንካም ዝወረዶ ናይ ባርነት መረገም ከይተቐበለ ኣይተርፍን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኢፈሶን ክጽሕፈሎም ከሎ " ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተደናገጽትን ኳንኩም ይቕረ ተባሃሃሉ ይብል" ኤፍ 5።32። እምበኣር ንሕና ከም ሰዓብቲ ኣምላኽ ንኣሕዋትና ካብቲ ሓደ ድንጋጸን ምሕረትን ለውሃትን እነርእየሉ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዘሎና ሰናይ ዝኰነ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እዩ። ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ብሱሩ ናይ ሰይጣን እምበር ብሃሪ ደቂ ኣምላኽ ኣይኰነን። ካልእ ድማ እቲ ሰናይ ኣሕዋቱ ንምርኣይ ሃረር ዝብል ሰብ ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ እቶም ብጾቱ ዝረኸብዎ ሰናይ ነገር ንኣምላኽ ኣናመስገን መመሊሱ ክበዝሓሎምን ክስስነልዎም ይጽልን ይንምነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቶም ኣሕዋት ባህ ዘብል ነገር ክሪኢ እንከሎ ተቐዳዲሙ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ስሊኦም ንኣምላኽ ምምስጋን እዩ። ሎሚ እስከ ንገዛእ ርእስና ንፈተሽ ኣብ ኣሕዋትና ጹቡቕ ነገር ክንርኢ ከሎና ግብረ መልስና እንታይ እዩ? ስለ ኣሕዋትና ማለትና ኰይኑ ዶ ኣብ ኣምላኽ ቀሪብና ነመስግን ወይ ልብና ካባይ ንላዕሊ ነዚ እንዳበልና ነጉረምርም? ኣሕዋተይ ኣይንዓሹ እቲ እንዘርኦ ኢና ኩሉ ጊዜ ንዕኡ ኢና እንዓጽዶ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝዘራእናዮ ድማ ኢና እትዋት እንኣትዎ። ብልብኻ ኣብ ሓውኻ ሰናይ ዘይተድሊ እንተኸንካ ደኣ እሞ ከምይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ነገር ካብ ኣምላኽ ክትቅበል እትጽበ? ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ብዓወት ክትመላለስ ምስ እትደሊ እዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘሎካ ኣረኣእያ ሰናይ ክኸውን ኣሎዎ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ እዚ ሰብ ብገዛኣ ርእሱ ክገብሮ ከምዘይክእሎ ርድኡ እዩ። ይኹን እምበር ክንፈልጦ ዘሎና ድማ ዘይካኣል ድማ ኣይኰነን ከመይሲ ኣምላኽ ኣቦ ጐይትና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኹሉ ጸጋ ሓይሉን ክኣለትን ክህበና ይኽእል እዩ። ካባና ዝድለ ነገር እንተሃልዩ ድኻምና ተኣሚና ካብ ኣምላክ ጸጋ ክንረክብ ናብኡ ንቕረብ። መንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ብሰላምን ሓጐስን ዓወትን ክንመላለስ እምበኣር ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ኩሉ ኣወንታዊ ኰይኑ ናይ ኣሕዋትናን ሰናይ ንምርኣይ ክኸውን ኣሎዎ። ነዚ ድማ ፍቓደኛታት ምስ እንኸውን ኣምላኽ ከኽእለና እዩ። ኣምላኽ ኰታ እዚ ዓይነት ጹቡቕ መንፈስ ይሃበና።ኣምላኽ ኣቦና ድማ ብዛዕባ ኻልኦት ሰናይ ነገር ክንሓስብ ይርደኣና።
ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 3ይ ክፋል
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode