07
Sun, Sep
0 New Articles

ንመንእሰይ ዕውታት ዝገብርዎ ባእታታት 1ይ ክፋል

Social Issue
Typography
ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ኣዳም ኣብዛ ምድሪ ክነብር እንከሎ ዝምንዮ ትምኒትን ዝብህጐ ባህጊ እንተሃልዩ ኣብ ዘመን ህይወቱ ሕጉስን ዕውትን ኰይኑ መታን ክሓልፍ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ብዝከኣሎ ኩሉን። ብዘሎዎ ዘበለን ሓርከትኰት እናበለ ዝቃለስ። እዚ ይኹን እቲ ኣብዛ ኣሻኽ ዓለም ንዘሎካ ትምኒትን ሕልምን ብቕልል ዝበለ መንገዲ ክውን ክትገብሮ ብፍጹም ኣይካኣልን እዩ።

ገለ ሰባት ዘትረፍርፍ ሃብትን ዝናን መታን ኽረኹቡ ብኡ ኣቢሎም ድማ ሰላም ህይወትን ውሑስ ናብራ ክነብሩ። ዘይተኣደነ ጻዕሪ ይገብሩ ምስ ረኸብዎ ግና እቲ ሕልምን ክውንነትን በበይኑ ይኸውን አሞ ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ጭንቀት ይኣትዉ። ገለ ድማ ስኣን ዓቕሚ ምስኣን ንሕልሞምን ትምኒይቶምን ክውን ክገብርዎ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ኣናነብሩ ብምጉርምራምን ብርእሰ ምትሐትን ይሳቐዩ። ኣብዚ ክመጽእ ዝግብኦ ሓደ ሕቶ ኣሎ ንሱ ድማ መሰረት ዓወት ሰብ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ኣብ ምዃንን ዘይምኻንን ዝተመርኮሰ ድዩ?

ብፍላይ ኣብዚ ምዕቡል ኩሉ ዘለዎ ዝመስል ዓለም ዝርኣ ዘሎ ዓቢ ብድሆ ሓደ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት ዝረኣ ዘሎ ኩቱር ጭንቀትን ሻቑሎት ናይ ምንባር ህይወትን እዩ። ብፍለይ ድማ እቲ ምዕባለ ዓለምና ዝኸነ መንእሰይ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ናይ ህይወት መሰናኽልን። ተስፋ ምቑራስን ኣብ ህይወቱ ጐሊሑ ይርኣ ኣሎ። ኣብዚ ክመጽኣ ዘለዎ ሓደ ዓቢ ሕቶ ኣሎ ንሕና ነዚ ድኒ ተፈጢርና? ሕጂ ነዚ ኣይከንኩን ክምልስ ደሊየ ዘለኹ እንታይ ደኣ ከም መንእሰይ ካብ ጭንቀትና ክንገላገለኡ እንኽእል ካብቲ ናይ ህይወት መምርሒ ዝዀነ መጽሓፍ ቁዱስ ገለ ምኽሪ ወስ ከብል ስለ ዝደለኹ ጥራይ እየ።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣባዛ ገጽ ምድሪ ዝነብር መንእሰይ ጽቡቕ ዓላማን ብሉጽ ዝኸነ ክብርን እዩ ዘለዎ። እዚ ይኹን እምበር። ነዚ ዓላማ ኣምላኽ ተረዲኡ ብውሽጣዊ ቅሳነትን ዕረፍትን ናይ ምምልላስ መሰል ግና ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ምርጫ መንእሰይ እዩ ዘሎ። ዘመና ሓደገኛ እዩ። ብፍላይ ሰይጣን ንመንእሰያት ዓትዒቱ ብምሓዝ ኣደዳ ስቓይን ውርደትን ይገብሮም ኣሎ። እዛ ጊዚያዊት ዝኸነት ዓለምና ብጊዚያዊ ዝዀነ ባእታት እናታለለት ንመንእሰያት ኣብ ክወጽሉ ዘይክእሉ ኣደራዕ ትሸሞም ኣላ። ጊዚያዊ ባህታ ንመጻኢኻ ንኸይትርኢ ዓትዒቱ ዝሕዘካ መፈንጥራ እቶም ሩኹሳት መናፍስቲ እዩ። በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ገሃንም ዝተደርበያ ህይወት መንእሰያት ቆጻሪኤን ይኹጸረን። ሎሚ ከመንእሰይ ናይዛ ሕጂ ዓለም ዘይኰነስ ናይታ ትመጽእ ዓለም እናሓሰብካ ጉዕዘካ ክትምርሽ እንተ ተደልዩ። እቲ እንኰ ኣማራጺ ምስ ኣምላኽ ዘለኻ መንገዲ ምስትኽኻል እዩ።

ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ዘይሓልፍ ነገር የለን። ንስኻ እውን ወትሩ መንእሰይ ኰይንካ ኣይትነብርን ኢኻ። እንተዀነ ኣብ ጊዜ ንእስነትካ ዘጥረኻዮ ባይታ ጽባሕ ንግሆ ወይ ንህይወት ወይ ድማ ንሞት ከምዝዀነካ ግና ዘይምዝንጋዕ። ሎሚ ንብላዕ ንጻወት ጥራይ ዘይከነ ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብ ኣዚዩ ዓቢ ብልሕነትን ክብርን ምዃኑ ተረዳእ። ኣምላኽ ንመንእሰይ ኣዚዩ ክጥቀመሉ እኳ እንተደለየ ብኡ መጠን ድማ ሰይጣን ንመንእሰይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ክእትዎ እንሆ ካብ ቀደም ብዝበለጽ ይጽዕርን ይጋደልን ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና እንተ ርኢና እቲ ንመድሕን እስራኤላውያን ዝተሕርየ ሲምሶን ብሰንኪ እቲ ዝነበሮ ሸለልትነትን ቅብኣቱ ዘይምሕላውን ንዕኡን ንህዝቡን ኣብ ዓቢ ውድቀት ክሸምም ከሎ ንርኢ። ብኣንጻሩ ድማ እቲ ንጊዝያዊ ርወይት ከይንብርኸኽን ንኣምላኽ ክፈርሕ ዝወሰነን የሴፍ ድማ ንህዝቢ እስራኤልን ንግብጽን ንብዘለ ዓለምን ንበረኸትን ንምድሓንን ክኸውን ከሎ ንዕዝበ።

ንስኻ ሎሚ ካበየናይ ወገን ኢኻ? ካብ ወገን ሲምሶም ዶ ወይ ዮሴፍ? ሲምሶን ንጊዝያዊ ስሚዒት ተንበርኪኹ ዝወደቕ መንእሰይ እዩ። ዮሴፍ ካብ ግዚያዊ ስሚዒት ሃዲሙ ንበረኸት ዝዀነ መንእሰይ እዩ። ሲምሶን ብሰንኪ ሸለልትነት ውርደት ዝተቐበለ መንእሰይ እዩ። ዮሴፍ ብሰንኪ እሙንነት ክብሪ ዝተጓናጸፈ መንእሰይ እዩ። ሲምሶን ብሰንኪ ተንበርካኽነቱ ንድሊላ መሳሓቒ ዝኰነ መንእሰይ እዩ። ዮሴፍ ግና ብሰንኪ ጽንዓቱ ባርኖስ ክብሪ ዝለበሰ መንእሰይ እዩ። ስለዚ ሎሚ ከም መንእሰይ እንታይ ትሓሪ? ሰይጣን ኣንጻርካ ምኻኑ ፍለጥ። ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝዀንካ መንእሰይ። እቲ ኣብ ዘመን ሲምሶን ንደሊላ ዝጥቀም ዝነበረ ሰይጣን ሎሚ ድማ ብልሓቱ ቀይሩ ኣብ ዙርይና ማእለያ ዘይብለን ደሊላታት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ። ሸይጣን ወትሩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኣብ ዙርያና ምስ ጋዘም እዩ እሞ ንጠንቀቕ።

ብፍላይ ሰይጣን ኣብዚ ዘመን እዚ ንዓና ንመንእሰያት ብጭንቀትን ወጥርን ብሸለልትነትን ብእንታይ ኣለዎ መንፈስን ክወቕዓና ወትሩ ምስ ተጋደለ እዩ። ስለዚ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝተባህለና ንኹን። ኣንቱም ኣጉባዝ ቡርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ነቲ እኩይ ድማ ሲዒርኩሞ ኢኹም እሞ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ስለዚ ንሕና መንእሰያት ብርቱዓት ዝገብረና ነገር እንታይ እዩ እንድሕር ተባሂሉ ከምቲ ሃዋርያ ዮውሃንስ ዝበሎ ቃል ኣምላኽ ኣባና ምስ ዝሓድር ጥራይ እዩ። እዚ ቓል እዚ ጥራይ እዩ ንዕና ናብ ዓወትን ምጥሓስን ክመርሕና ዝኽእል። ዳዊት ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ንጐልያድ ዝገጠሞ በዚ ቓል እዚ እዩ። ዳዊት ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ንኣምላኽ ፈሪሑ ዝተመላለሰ ነዚ ቓል እዚ ኣብ ልቡ ስለ ዝዓቖረ ጥራይ እዩ። ዳዊት ኣብ ናይ መከራን ስቓይን ጊዜኡ እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ ኢሉ። ኣብ እዋን ጸልማት ብብርሃን ዝተመላለሰ ነዚ ቃል ኢዚ ስለ ዝዓትዓቶ ጥራይ እዩ። ዳዊት ኣብ ጊዜ ድኻሙ ብርተዓ ረኺቡ በደሉ ክእመን ዝገበሮ እቲ ናይቲ ቡሩኽ መድሓኒ ቃል ጥራይ እዩ።

ኩቡራት መንእሰያት እምበኣር ንዓና መንእሰያት ዝዀውን መምርሒ ኣብዚ ቃል እዚ እዩ ዘሎ። መንገዲ ዓወት ዘርእይና ባና ብርሃን ድማ ዘብርሃልና ፍልስፍና ናይ ዓለምን ካልእን ዘይኰነስ እዚ ቃል እዚ ጥራይ እዩ። ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ካብዚ ቀጺልና ኣምበኣር ኣብ ጉዕዞ ህይወትን ዕውታት ክንከውን ዝሕጉዝና ነጥብታት ክንርኢ ኢና

 

1 ዝዀንካዮ ምዃን።

 ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ክፈጥሮ ከሎ ኣወቂቡን ኣማዕሪጉን እዩ ፈጢርዎ። ምንም እዃ ብሰንኪ ምትእትታው ሰይጣን ኣብ ደቂ ሰባት ፍጥረት እንተ ተበላሸወ ኣምላኽ ግና ንወዱ ጐይትና የሱስ ክርስቶስ ብምልኣኽ ንሰብ ናብቲ ዝነበሮ ክብሪ መሊስዎ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ንጐይትና የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒ ተቀቢሉ ምስኡ ብሕብረት ክነብር ዝተሰማመዐ ሰብ እዚ ክብሪ እዚ ብጐይትና የሱስ ናቱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣማኒ መንእሰይ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ኰይኑ ክመላለስ ዝግብኣ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 12፣3 ክዛረብ እንከሎ "ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዐደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ድኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይሕሰብ እምበር ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓሰብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብል ኣለኹ።" ብፍላይ ንሰብ ኣዚዩ ዘሸግሮ ነገር ንገዛእ ርእሱ ተቐቢሉ ከምቲ ዝተባህሎን ዝዀኖን ኰይኑ ክመላለስ ከሎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ዝምዕድና ዘሎ  ክልተ ነገር እዩ።  ንሱ ድማ ሓለፋ ዘሎናን ዝዀናዮን ነገር ከይንሓስብ። ብኣንጻሩ ድማ ትሕቲ ዝዀናዮ ነገር ከይንሓስብ እዩ። ሰብ ኣብ ህይወቱ ናብ ውድቀት ገጸን ዘምርሕኦ እዘን ነገራት እዚ ኣተን እየን። ሰይጣን እውን እንተዀነ ናብ ውድቀትን ሰፈሩ ድማ ጋሃንም እሳት ክኸውን ዝተወሰነሉ ቀንዲ ምኽንያት ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሉዑል ክመስል ስለ ዝደለየን ጥራይ እዩ። ሎሚ ንገዛእ ርእስካ ልዕሊ ካልኦት በሊጻ መታን ክትርኣ ብምባል ዘይዀንካዮ ትኸውን እንድሕር ሃሊኻ ናብ ውድቀትን ዕንወትን ገጽካ ተምርሕ ምህላውካ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።

ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ እምበር ንኻልኦት ክንመስል ወይ ድማ ሓለፍኦም ጸብለል ኢልና ክንወጽእ ብፍጹም ኣይጸዋዓናን። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ናብ ጉጉይ ኣንፈትን ናብ ውድድርን ጥራይ እዩ ዘምርሕ። ብፍላይ ኩሉ ጊዜ ሓለፋ ዝዀናዮን ንኻልኦት ንኸነርከብን ንጓየ እንድሕር ኰይና ኣብ ህይወትና ዝረኣያ ክልተ ኣሸገርቲ ባህሪያት ኣለዋ ንሳተን ድማ ዘይምዕጋብን ምቕናእን እየን። ኣመንቲ ዕጋበትና የሱስ ክከውን ኢና ተጸዊዕና ይኹን እምበር ነዚ ገዲፍና ሓለፋ ዝኰናዮ ነገር ንመጣጠር እንድሕር ኰይና ሳዕቤኑ ዘይምዕጋብ እዩ። ውጺት ናይዚ ድማ ኣብ ጭንቀትን ወጥርን ክንኣቱ ባህርያዊ እዩ። በቲ ዘሎና መመስገንቲ ክንዲ ምዃን እቲ ዘይብልና እናረኣና በቶም ካልኦት ድማ ኣናቐናእና መጉረምረምቲ ኢና ንኸውን።

ብፍላይ መንእሰያት ሓደ ዓቢ ነገር ኽንጥንቀቐሉ ዝግብኣ ነገር እንተሃልዩ ብሰንኪ ብጐይታና የሱስ ዘሎና ክብሪ ዘይምርዳኣ ውሕስነትን ክብርን ክንረክብ ኢልና ነቲ ዝዀናዮ ጓሲና መዛግብቲ ልባትና ኣብዛ ምድሪ ከይነቐምጥ እዩ። ካልኣቶ ዝበጽሕዎ ምብጻሕ ሓጥያት ኣይከነን ምምንዩ ድማ በደል ኣይከነን የግዳስ ንስኻ ገለ ከምዘይከነካ ኰይኑ እናተሰማዓካ ነቲ ናትካ እናናኣኣሰካ ናብቲ ናይ ካልኣኦት ምምጥጣር ግና ነቲ ንዓኻ ኣወቂቢ ዝፈጠረካ ኣምላኽ ኢዱ ምስባር እዩ።

ካልእ እቲ ዝዓበየ ፈተና ድማ ንገዛእ ርእስካ ገለ ከምዘይብልካ ምቑጻር እዩ እዚ ብስሩ ሰይጣናዊ እዩ። መምዘኒና ገንዘብን ክዳንን ደጋዊ መልክዕን ካልእን ዘይኰነስ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ድማ ንዓን ብየዒንቱ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እምበር ብኻልእ ኣይጥምተናን እዩ። ንስኻ ንገዛእ ርእስካ ገለ ከምዘይብላ ትቆጽራ እንተዀይንካ ገለ ነገር ዘይምግባርካ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ከም መንእሰይ ኩሉ ጊዘ ሓለፋ ዝዀንካዮን ትሕቲ ዝኸንካዮን ከይትሓስብ ተጠንቀቕ። ንስኻ ከምቲ ኣምላኽ ዝበለካ ኢኻ። የሱስ ኣብ ቅድሚ የዒንተይ ኩቡር ኢካ እንተኢልካ ስለምንታይ ነቲ ካብዚ ዘይበልጽ ነገር ክትከውን ትጋደል።ዘይቦትኻ ምድላይ መዘዙ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

ሐደ ጊዜ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ወዲ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሰሎም ብሰንኪ ንግስነት ኣቡኡ ምድላዩ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ኣደራዕ እንታይ ምዃኑ ኣንቢብኩም ትዀኑ። ኣቤሰሎም ብሰንኪ ንግስነት ኣብኡ ምድላዩ ኣብ ህይወቱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዘላ ሃገር እስራኤል ዘእተዎ ሕንፍሽፍሽ ኣዚዩ ክቢድ ከም ዝነበር እቲ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ይነግረና። ሎሚ መንእሰይት እቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም ነገር ጥራይ እዩ ንዓኹም እኹል። ኣብቲ ዘይተዋህብኩሞ ቦታ ክትኣትዉ ምምጥጣር ግና ንዓኹም ጥራይ ዘይኰነስ ንህዝቢ ኣምላኽ ከይተረፈ ጋህሲ ክትኰኑዎም ምዃንኩም ኣይትረሱዕ። ደቂ ኤሊ ዝግብኦም ቦታ ሓዲጎም ኣብ ዘይቦቶኦምን ዘይኰንዎን ምስ ኰኑ ኣብ ብዘላ እስራኤል ክሳብ ታቦት ኣምላኽ ዝማረኽ ንመርገምን ስቓይን ዝኰኑ። ሎሚ ሓፍ ሓፍ ምባልካ ዘይከነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዘንእደካስ ኣብቲ ዝግባኣካ ስፍራ ምቕማጥ እዩ መጐስ ዘምጻልካ። ኩሉ ጊዜ እቲ ሓለፋ ርእሱ ዝሓስብን ትሕቲ ዝግቦኣ ድማ ዝሓሰብ ሰብን ኣብ ህይወቱ ዘንጸባርቕ ነገር እንተሃልዩ ርእሰ ምትሓትን ትዕቢትን እዩ። ርእሰ ምትሓት ሰለዎ ሰብ ኩሉጊዜ ኣብ ወጥርን ጭንቀትን ምስ ተሸመ እዩ። ዝገብሮ ኩሉ ድማ ብማንታ ልቢ ስለ ዝዀነ ብፍጹም ኣይሰልጦን እዩ። ውሕስነት ድማ የብሉን። ስለዚ ኸኣ እዩ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ካልእ መጸጊዒ ዘናዲ።

እቲ ሓለፋ ገዛእ ርእሱ ዝሓስብ ሰብ መን ከማይ ባሃሊ ስለ ዝዀነ ወትሩ ብትዕቢት ምስ ዘቕበበ እዩ። ብመሰረት ምሳሌ ድማ ትዕቢት ንውድቀት ትቕድማ ስለ ዝዀነት ኣውዳድቕኡ ኣዚዩ ኩፉእ እዩ ዝከውን። ከመይ ጌርና ኢና ከምቲ ዝተባህልናዮ ንኸውን ወይ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኢኹም ዝበለና ነገር ክንቅበል እንኽእል? ናይዚ መልሲ ኣብ ሮሜ 12 1-3 ተጠቂሱ ኣሎ። "እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ንስጋኹም ህያውን ቁዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን ወስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ሙሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዎ"። ኩብራት መንእሰያት ኣብዘን ሕጥቦ ዝሑፋት ክልተ ነገራት ተጠቂሰን ኣለዋ።ንሳተን ድማ ተውፋይነትን ኣእምሮኻ ምሕዳስን እዩ።

ዘይኮናዮ ክንከውን ወይ ድማ ሓለፋ ዝዀናዮ ክንከውን ለይትን መዓልትን ኣንጻርና ዝላዓል ሰይጣን ኰይኑ ነቲ ብእኡ ጌሩ ዝቃለሰና ስጋና ወትሩ ኣብ መሰቀል ክርስቶስ ክንድርብዮ ይግባኣና። ንሕና ናትና ኣይከናን ናይ ኣምላኽ ኢና ብዛዕባና ሓላፍነት ዝወስድ ድማ ባዕሉ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ንስጋና ክመልኽ ዝኽእል ድማ መንፈስ ቁዱስ እዩ እሞ ገዛእር ርእስና ንኣምላኽ ንወፊ። እቲ ዝበለጸ ኣገልግሎት ንኣምላኽ ገዛእ ርእስካ ምውፋይ እዩ። እቲ ገዛእ ርእሱ ንየሱስ ዝወፈየ ሰብ ብዘዕባ ገዛእ ርእሱ ኣይጭነቕን እዩ።

ሰባት እኰ ልዕሊ ዓቕሞም ዝሓስቡ ወይ ድማ ትሕቲ ዝግብኦም ዝኸኑ እቲ ሚስጥር ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እምብዛ ስለ ዝሓስቡ እዮም። እቶም ንገዛእ ስግኦም ንኣምላኽ ዝወፈዩ ሰባት ግና  ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎም እናተመላለሱ ይነብሩ እምበር እንታይ ክኸውን እየ ናበይ ክከይድ እዩ ኢሎም ኣብ ወጥርን ሓሳብን ኣይሽመሙን እዮም።

እታ ኻለኣይቲ ኣብዚ ተጻሒፋ ዘላ ድማ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰሉ ትብል እያ። ዓለም ኩሉ ጊዜ ብጊዝያዊ ነገር ሓባቢላ ነቲ ዝሓለፍ ነገር ክንመጣጠር እያ ትገብረና። በዚ ከምዚ ኣንተ ተወቒዕና ድማ ኩሉ ጊዜ ነቲ ዘሎና ዘይከነ ወይ ድማ ነቲ ዝዀናዮ ዘይከነ ኣስር ኣሰር ፍትወት ዓለማውነትን ኢና ንሓስብ በዚ ከምዚ ድማ ኣብ ዘይንኸእሎ ውድድር እቲና ኣደዳ ጭንቀትን ስቓይን ንኸውን ሰላምና ውሑድ ዕግበትና ድማ ዱሩት ይከውን። ሓሳብና ግና ናይ ላዕሊ ጥራይ እንተኰይኑ ዓላማ ኣምላኽ ኣባና እንታይ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ ብዝኸናዮ እናተሓጐስና ንነብር እንበር እቲ ዘይብልናን ዘይኰናዮን እናሓሰብና ብፍጹም ኣይንጭነቕን። እምበኣር ከም መንእሰይ ናብ ጐደና ዓወት ዝመርሓካ መንገዲ እቲ ሐደ ከምቲ ኣምላኽ ዝበለካ ኰይንካ ምምልላስ እዩ።