07
Sun, Sep
0 New Articles

ግብረ ሰዶማዊ መውስቦ ሰብኣዊ መሰል ኣይኮነን

Social Issue
Typography
ብዙሐት ፖለቲከኛታት ንሕጋዊ መሰል ግብረ ሰደማውያን ምስ ናይ ጸለምቲ ኣንጻር ዐሌታውነት ዘካይድዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብምንጽጻር ሕጋውነት ከልብስዎ ክጽዕሩ ይርከቡ። እዚ ዘቕርብዎ ስነመጎት ግን ቅኑዕ መርትዖ የብሉን። 

ኣብ እዚ ዘሎናዮ እዋናት ኣብ ኣሜሪካ ሐደ ኣዝዩ ንምስማዑ ዘስደምም ነገር ይካየድ ኣሎ። እዚ ዘስደምም ነገር ድማ ንግብረ ሰዶማዊ መውስቦ ሕጋውነት ንምልባስ ኣበርቲዑ ዝዐይይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ምንቕስቓስ እዚ ስዉር ብልሐት ብምጥቓም ዝሐዞ ፖለቲካዊ ትልሚ ንምትግባር ንዝተፈላለየ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ፍልልይ ንዘለዎም ክፍሊ ማሕበረሰብ ብምጉስጓሱ ኣበርቲዑ ይሰርሐሉ ኣሎ። እዚ ምንቅስቓስ  ካብ እቲ ሐደ ኣዝዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ ብልሕታት ሐደ እቲ መሰረታዊ ትርጉም መውስቦ ንምቕያር ዘ ቕርቦ ዘሎ ሜላዊ ቃልሲ ምስ ናይ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ መሰል ዝቃለስ ምንቅስቓስ ባይታ ብምርካብን ብምምስሳልን እዩ።

 
እዚ ስልቲ እዚ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ዘለዉ  እቲ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ስነ ሐሳባዊ መትከል ከም መበገሲ ብምግባር ነፍስ ወከፍ ግዱስ ኣሜሪካዊ ኣቓልቦ ንኽስሕብ ብምግባር፡ ጽልዋ ንምሕዳግን ደገፍ ንምርካብን ዝዐለመ እዩ። መሰል ግብረሰዶማውያን ማዕረ ኣንጻር  ዐሌታውነት ዝካየድ ቃልሲ ቦታ ብምሀብ ሐያል ዝኾነ ጎስጓሳት የካይድ ኣሎ። እቲ ህቡብ ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተቓላሲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘካየዶ ኣንጻር ዐሌታውነት ስጉምቲ ከም መበገሲ ዝወስድዎ ዘለዎ ብ ሽሙ ብምሽቃጥ ክቃወም ወይ ከነቅፍ ዝኽእል ሰብ የልቦን ካብ ዝብል ጉርሒ እዩ።   ንግብረሰዶማዊ ስነምግባር ተሐለቕቲ ዘካይድዎ ኣጀንዳ ዝቃወም ትካል ወይ ባእታ ምስ ኣንጻር ዐሌታዊነት  ፍትሒ ማዕረ ስለ ዘወዳድርዎ ደፊሩ ነዚ ክቃወሞም ዝደፍር ውሑድ እዩ።
 
ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ኣመሪካውያን  ኣንጻር ዐሌታውነት ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ ዝገልጽ ታሪኻዊ መዝገብ ምስ እንምርምር እዞም ግብረ ሰዶማውያን ዘቕርብዎ ስነሞጎት ዝድግፍ መረጋገጺ ወይ ጭብጢ ሐንቲ እኳ ትኹን ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።
 
ኢውጂን ዲ. ገኖቨስ ዝተባህለ ፍሉጥ ናይ ታሪኽ ምሁር ን ኣስታት 30 ዐመታት መጽናዕቲ ጌሩ ከም ዝበጽሖ ገምጋም  ኣብ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝተፈጸመ ባርነትዊ መግዛእቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣዝዩ ፍሉይን ምስ ካልእ  ክነጻጸር ከምዘይክእልን እዩ ዝገልጽ። ርግጽ እዩ ኣብ ገለ ኣብ ገለ ዐሌታት ኣድልዎን ምፍልላይን ተራ እዩ እኳ እንተኾነ ምስ ናይ ጸለምቲ ባርባራዊ መግዛእቲ ግን ክወዳደር ኣይክ እልን እዩ።
ቃልሲ መሰረታዊ መበገሲ ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰል  ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ጸለምቲ ግብሪ ባርነት ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ጀሚሩ እዩ።  እዚ ምንቕሳቓስ፡ ሰባት ኣገዲድካ ብምምራኽ ሰብኣውነቶም ብምግሀስ፡ ቋንቛኦምን ባህሎምን ንኸይጥቐሙ ብምኽልካል ዝግበር ኩሉ ግፍዐዊ ሰነምግባር ንኸብቅዕ ዝተበገሰ እዩ። እዚ ኣብ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝተፈጸመ ባርነታዊ በደል ኣብ ሕልና ኣሜሪካዊ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ዝነብርን ዘሎን እዩ። መሰል ግብረሰዶማዊ መውስቦ ምስ መሰል ሰብኣዊ መሰልን ኣንጻር ባርነታዊ ቃልሲ ብምዝማድ ከም መርትዖ ዝጥቀምሉ ዘለዉ እምበኣር ኣብ እዚ ግሩህ ዝኾነ ማሕበረሰብ ኣሜሪካ ደገፍ ንምርካብ ዝዐለመ ሽርሐዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ እዩ።
 
እዚ ንሰዶማዊ መውስቦ ህጋውነቲ ንምልባስ ዝግበር ጎስጓስ ንጸዐዱ ፍሉይ ዝኾነ መሰል ከም ዝኾነ እዩ ዝጽቐጠሉ ዘሎ። ኣብ እዚ እዋን ንዕዘቦ ዘሎና ሐደ ጾታ ዘለዎም ሰባት ከም ስድራ ወይ ፋሚሊ ተፈልጥነት ክረኽቡ ይጽዐረሉ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮ ዝኾና ካብኤን ዝውለዱ ቆልዑ ምሉእ መሰል ናይ ብሕተን ኮይኑ ኣቦታት ህጻውንቲ ኣባታዊ መሰሎም ብምንጋፍ ብሕታዊ ዋንነት ንምልባስ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። እዚ ኹሉ ንኽከውን ዝጥለብ መጎተ ሰብኣዊ መሰል ከም መርትዖ ብምቕራብ እዩ።

እስኪ ብዛዕባ እዚ “ሰብኣዊ መሰል ” ዝብሀል ነገር ንዛረብ ። ንሽሕ ዐመታት ዐለምለኻዊ ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸንሔን ኣብ ኩሉ ማሕበረሰብ ዐለም ክ ኣ ተሰማሚ ዕሉ ዝነብር ዘሎ ግቡእ ሰብኣይን ሰበይትን መውስቦ፡ ኣብ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዘመን ብግብረሰዶማውያን ድሌትን ባህግን ክቕየር ዝድርኾ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ማሕበረሰብ ብግቡእ ንኽይፈርን ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ንከይበዝሕን፡ ዝውለዱ ቆልዑ ድማ ተወሊዶም ኣብ ውሑስን ሞራላዊ ስነምግባር ዘለዎ  ጥዑይ ሀዋውህ ንኸይዐብዩ፡  ዘይግቡእ ትርጉም ውውስቦ  ክቕየር ዝድለ ዘሎ ስለምንታይ እዩ?
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተኻየደ ናይ ክትዕ መድረኻት ኣብ ልዕሊ ግብረሰዶማውያን “ ኣድልዎ” ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝቀርብ። ነዚ ክትዕ ርትዐዊነት ንምልባስ ጌጋ መወከሲ እዩ ዝወሀብ። ንሱ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ኣሜሪካ ኣብ 20 ክፍለዘመን ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዐሌት መውስቦ ንኸይህሉ ዝኽልክል ዝነበረ ሕጊ እዮም ዝጠቅሱ።እዚ ሕጊ እዚ ንሰብ ኣዊ መሰል ዝጻረር ኮይኑ ስለዝተረኽበ ብሕጊ ካብ ፈረሰ ነዚ ግብረሰዶማዊ ጠለብ ድማ በዚ ዐይኒ ጠመተ ክር ኣ ይድለ ኣሎ።

 እዚ ሕጊ ብመሰረቱ ሰብኣዊ መሰል  ዝግህስ ርኡይ ሕጊ ደኣ እምበር ምስ መውስቦ ዘተኣሳስር ነገር ኣይነበሮን። ከመይ ሲ ክልተ ካብ ዝተፈላለየ ዐሌት ዝኾኑ  ሰብኣይን ሰበይትን መውስቦ ክገብሩ “ ሐደ ኣካል” ብሙኻን ፍረ ውላድ ክረኽቡን ውሉዶም ከዕብዩን ዝኽልክሎም ተፈጥሮኣዊን ሰነምግባርዊን ነገር የብሉን። ሕጊ መውስቦ ወይ ቃል ኪዳን ኣብ መሰረት ናይ ህይወት ምውህሀድ ማለት እዩ። እዚ ማለት ኣካላዊ ፡ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊን ስነ-ኣ እምሮኣውን እዩ። እዚ ኣብ ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሐባራዊ ህይወት፡ መውስቦ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰብ ኣይን ሰበይትን ጥራሕ እምበር ካብ እዚ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእል ብትኽኽል እዩ ዘርኢ። ትርጉም መውስቦ ንግብረሰዶማዊነት ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ጾታዊ ርኽክባት(polygyny,polyandry, polyamory) ከይተረፈ ዝኽልክል እዩ። ኣብ እዚ ግን ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ብዛዕባ እቲ ሕጋዊነት መውስቦ ድኣ ኢና ንዛረብ ዘሎና እምበር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማዕረ ክብርን ሰብኣዊ መሰልን ከምዘለዎ ክፍለጥ ኣገዳሲ እዩ።

ብናይ ሕጊ መሐውራት ግብረሰዶማውነት መውስቦ ሕጋውነት ዘይምልባስ ምግፋፍ መሰል ዘይኮነ ንማሕበረሰብ ዝጠቅምን ዘዋጽእን ግቡእ ድማ ስለዝኾነን እዩ። እዚ ድማ ጥዑይ ማሕበረሰብ ክህሉን ቆልዑት ተወሊዶም  ኣብ ውሕሰነት ዘለዎ ፍቕራዊ ምሕብሐብ ክዐብዩ ጥጡሕ ባይታ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ እዚ ሕጂ እዋን እቲ ቅኑዕ ንሰብኣዊ መሰል ቃልሲ ብጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣንጻር ዐሌታውነት ዝተኻየደ ቃልሲ  ኣንፈቱ ስሒቱ ናብ ዘይተደልየ ጠርዚ የምርሕ ስለዘሎ ዘሕዝን ዘተሐሳስብ ከነት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። 
ተቛም ሰብኣዊ መሰል ዝመርሑ መርገጾም ብምንጻርን ንጹር ቅርጺ ብምትሐዝን ሐዲስ መሪሕነት ከተኣታትዉ ዝድለየሉ ዘሎ እዋን እዩ። መራሕቲ ዝኾኑ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ብፍላይ እዚ ብሰብኣዊ መሰል ምኽንያት ኣሳቢብካ ግብረሰዶማዊ መውስቦ ንኽፍቀድ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ምክያድ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ፡  ኣንጻሩ ድምጾም ከስምዑን እዚ ኮንስትቲሽናዊ ዝኾነ ሕጊ ወውስቦ ንኸይቅየር ኣበርቲዖም ክቃለሱ ይግባእ። ነዚ ሕጋዊ መውስቦ ብምድጋፎም ምስ  ሊበራላውያን መሐዙቶም ከጻልኦም ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሐቂ ፈሪህካ ካብ ሐቂ ስለዘይህደም ንሐቒ ክብሉ ዋጋ  ክኸፍሉ ናይ ግድን እዩ።

ሎሚ ማሕበረሰብና ካብ ኩሉ ብዝያዳ  ጾታዊ ኣብዮት ዘተኣታተዎ  እኩይ ትምህርትን ልምምዳትን ኣዝዩ ተሀስዩ እዩ። እቲ መጽሐፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሕጊ ጾታዊ ርክብን ብምድርባይ ግዜ ዘምጽኦ ጎዳኢ ባህሊ ብዘካይዱ ባእታት ከቢድ  ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ኣዋልድናን ኣወዳትናን እዮም። እምበኣር መራሕቲ ማሕበረሰብና ሎሚ ኣዝዮም ክነቕሑን ነዚ ናብ ሀገርና  ዝፈተተን ዘሎ ዘይግቡእ ሞራላዊ ውደቀት ሳዕሪሩ ታሪኻዊ  ዕልወት ከየጋጥመናን ሎሚ ኣበርቲዖም ክነቕሑን ክቃለሱን ይግባእ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ኮነ ፈኔ ሉ ሀመር  ክቡር ህይወቶም ዝሀቡ ን ኣንጻር ዐሌእታዊ ፍልልይን ጭቖናን እምበር ነዚ ኣብ ጽላል ሰብኣዊ መሰል ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ተሐቢኡ  ነቲ ኣነዋሪ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ባህልታት ከስፍሕ ዝጽዕር ዘሎ ከምዘይነበረ ክፍለጥ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንደሊ።
 
ጸሐፍቲ ናይ እዚ ጽሑፍ
EUGENE F. RIVERS III is pastor of the Azusa Christian Community in Dorchester, Mass., and the founder of Seymour Institute for Advanced Christian Studies.
KENNETH D. JOHNSON is senior fellow for social policy and civil society at the Seymour Institute for Advanced Christian Studies
 
ትርጉም ፓ. ዮሴፍ ዮሃንስ