08
Mon, Sep
0 New Articles

ማርዶካይ ጹኑዕ ሰብኣይ (Part 1)

Character Study
Typography

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት ኣምላኽ መሊኦም ኣብ እምነት ጸኒዖም ብሕጋግቱ ተመሪሖም ንፍቓዱ ነቢሮም ንኽብሩ ደው ኢሎም ብመከራ ተፈቲኖም ነቲ ዝተጸውዕሉ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ጺሖም ኣብ ፍቕሩ ጢሒሎም  ኣብ ግዜ ድኻሞም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚኖም ኣብ እዋን ውድቀት ሓጥያቶም ብንስሓ ናብ ፈጣሪ ዝተመላለሱ ሰባት እዮም። ታሪኽ እዞም ናይ እምነት ሰባት ኣብቲ ቑዱስ ጹሑፍና ጋህ ኢሉ ተቐሊዑ ኣሎ። ንሎሚ እምብኣር ከም ኣብነት እሞ ድማ ንቤተሰብና ዓቢ ኣርእያ ዝዀነና ብዛዕባ ማርዶካይ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

 

ማርዶካይ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ተማሪኹ ካብ ሃገሩ ናብታ ብንጉስ ኣሕሽዌርስ ትግዛእ ዝነበረት ምድር ናብ ሱሳን ዝኣተወ ሰብኣይ ኣዩ። ማርዶካይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ምድሪ ስደት ንበረኸትን ንታሪኽን ኰይኑ ዝሓለፈ ብርቱዕ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። እዚ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝወጸ ንኣምላኽ ጥራይ ዝነብር ዝነበር ማርዶካዮ ኣብዚ ዘመን እዚ ንዓና ንቤተሰብ ኰነ ንኻልእ ዘመሓላልፎ ሓደ ረዚንን ከቢድን ዝኰነ መልኣኽቲ ኣለዎ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ዝጽዋዓሉ ነገር ኣሎ እዩ። እዚ ሰብ ዝዝከረሉ ኩሉ ሓደ መዓልቲ ነበረያ ነበረ ክኸውን ከሎ ንኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ዘበለ ኩሉ ግና ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ እዩ  ዝጸሓፍ። ነዚ እዩ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ ኣምላኽ ድማ ኣብ መዘከርታ መጽሓፍ ጸሐፎ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ። ሎሚ ባህጊ ድሌትናን ጸሎት ልማኖናን ኣብዛ ምድሪ ከሎና ንኣምላኽ ዝኸነ ታሪኽ ሰሪሒና ምሕላፍ ክኸውን ኣሎዎ። እምብኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ብምቕጻል ካብ ህይወት ማርዶካይ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና። 

1 ማርዶካይ ብዕላማ ዝነብር ሰብ 

ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ ማርዶካይ ተሰዲዱ ዘይኮነ ብጸላኢቲ ተማሪኹ እዩ ኣብ ዓዲ ጓና ዝቕመጥ ዘሎ። ህይወት ሓደ ምሩኽ ክሳብ ክንደይ ኩፍኡ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ብገዛእ ርእሱን ፍቓዱን ህይወቱ ንምምራሕ ዘለዎ ተኽእሎ ዳራጋ የሎን ተበልን ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ማእከል ጸላእቲ ዀንካ ክትነብር ዘሎ ዓጎጽጎጽን ተስፋ ምቑራጽን እምብዛ ከቢድ ኣዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ውርደት ዝመልኦ ናብራ ህይወት ብዕላማ ክትመላለስ ራኢ ሒዝካ ክትጋዓዝ ከቢድ እዩ። መብዛሕቱ እዋን እውን ዘይከኣል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ህሞት ተዓዊቶም ዝወጹ ሰባት ክትርኢ ኸሎኻ ብርቂ ነገር እዩ ዝዀነካ። መብዛሕቶም እቶም ኣብ ልቦም ንኣምላኽ ዘንገሱ ሰባት ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣዚዩ ጹንኩር እዋን ኣብ ዘይኰን ቦታ ኣብ ቦታ ኽብሪ ትቐሚጦም ዓቢ ዕዮ ኣምላኽ ሰሪሖም ንበረኸት ኰይኖም ዝሓለፉ ባሮት ኣምላኽ ሒደት ኣይኰኑን። ካብ ዮሴፍ ጀሚርካ ንባርነት ብኣሕዋቱ ዝተሸጠ እሞ ድማ ንህዝቡን ግብጺን ንዓቢ ምድሓን ዝዀነ ፣ እኒ ዳኒኤል ኣብ ግዝኣት ባቢልዮን ንስም ኣምላኽ ዘሰምዩ ወሲኽካ ማርዶካይ እውን ኣሰሮም ብምስዓብ ናይ ዕላማ ሰብ ኰይኑ ሓሊፉ።

ብኸመይ ኢና ግና ማርዶካይ ናይ ዕላማ ሰብኣይ ንብሎ ዘሎና። ማርዳካይ ሓንቲ ኣስቴር እትብሃል ዘኽታም ጓል ሓወብኡ ኔራቶ። ማርዶካይ ነዛ ኣዚያ መልከዔኛ ዝኰነት ዘመዱ ሓላፍነት ወሲዱ ከም ጓሉ የዕብያ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሕሼዌሮስ ንግሽቲ ዋሽቲ ሰበይቱ ንንጉስ ምዃና እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ስለ ዝገበረት ካብ ስልጣን ተኣልያ ነበረት። ንንጉስ እቲኸውን ሰበይቲ ድማ ትድለ ነበረት። ማርዶካይ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። ከምይሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ብዕላም ኣሪሒቕ ዝርኣዮ ራእይ ስለ ዝነበረ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ንኣስቴር ኣብ ኢድ እቲ ሓላዊ ኣንስቲ ዝንበረ ንሃጋይይ አሒሊፉ ዝሃባ። እቲ ዘገርም እዚ ኣብ ምድሪ ሰደት ኰይኑ ንሩሑቕ ገጹ ዝጥምት ዝነብረ ማርዶካይ። ኣብ ኢድ እቲ ሓላፊ ኣንስቲ ሂቡ ጥራይ ኣይኰነን ስቕ ኢሉ።

ዕላማን ራእን ዘለዎ ንሓደ ነገር ድማ ኣብ መዕረፊኡ ከብጽሕ ዝጋደል ሰብ ስቕ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣይጽበን እዩ። ነዚ ድማ እዩ እቲ ቓል “ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።” ማርዶካይ ንኣስቴር ኣብ ምድሪ ጸላኢ ንዓቢ ስራሕ ኣምላክ እዩ ዘዳልዋ ዘሎ። ነዚ ዝከውን መምርሒ ሓሳብ ድማ የስንቓ ነበረ። “ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ። ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። ነዚ ኰይከነ ኣይተርፍን ህዝቡ ኣብ ዓቢ ጸባብን መከራን ምስ ወደቐ ንኣስቴር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድሓን መጺኺ ተዀንኪ መን ይፈልጥ ብምባል ዝተዛረባ። ብርግጽ ኣስቴር ነቲ ኣምላኽ ብማርዶካይ ኣቢሉ ዘዳለዋ ዓለማ ኣብ ሸቱኡ ኣብጺሕቶ። ማርዶካይ እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ እሞ ኸኣ ካብ ካልእ ዓሌት ማለት ኣይሁድ ምኻኑ እንተ ተፈሊጡ ዘኽፍሎ ዋጋክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ግና ኸኣ ነቲ ኣርሒቑ ዝረኣዮ ክብሪ ክብል ክኸፍሎ ድልዊ ነበረ።

ሎሚ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዕብዮም ዉሉድ እንታይ ዓይነት ዓላማ ወይ ራኢ ኣሎና ንምንታይ ነዳልዎም ኣሎና? ንሕና ኸ ከም ማርዶካይ ሰብ ዓላማ ኰይና ብዓላማን ራእን እናተመላለስና ኣሪሒቕና ንምርኣያ ኣዒንትና ብመንፈስ ኣምላኽ ኩሑላት ዲየን? ከምቲ ማርድኰዮ ክንይ እቲ ዘለዎ ኩነታት ሓሊፉ ካልእ ብሉጽ ነገር ርእዩ ንምድሓንን ክብርን ዝጠመተ ንሕናኸ እዚ ዓይነት መንፈስ ኣውሽጥና ኣእቲና ክንዮ እቲ ዘይክየድ ዝመስል ክንዮ እቲ ዘይብጻሕን ዘይስገርን ዝመስል ሃዋህው ኣርሒቕና ክንከይድ ሎሚ ብዓላምን ብራእን ንመላለስ ዶ? ኣብቲ ዝነብረ ህልው ኩነታት ቤተሰብ ማርዶካይ እታ ምርኽቲ ከም ጓሉ ዘዕበያ ኣስቴር ናብ ንግስነትሲ ክትመጽእ ይትረፍ ገረድ ንጉስ እኳ ንምኻን ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ። ግና ምስ ኣምላኽ ዀንካ ዘይብጻሕን ዘይከኣለን ነገር ስለ ዘየለ እዚ ኩነት ክውን ኰይኑ ማርዶካይ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ዕላማ ነቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣስቴር ድማ እቲ ክገብሮ ዝግባእ ኩሉ ጌሩ። 

ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ስድራናን ቤተሰብናን ክንበጽሖ ዘሎና ክቡር ነገር ንምብጻሕ ነዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ከይረኣና ብዕላማን ብራእን ንመላለስ ዶ? ምናልባት ኩነታት ገዛና ክንርኢ ከሎና እቲ ባይታ ካልእ ክከውን ይኽእል እዩ። ግና ኣምላኽ ንቤትና ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓንን ንበረኸትን የዳልዋ ከም ዘሎ ነስተውዕል። ኣምላኽ ሓደ ግዜ ደገ ክኸፍትለና እንተደልዩ ሎሚ እዩ ዘዳልወና ስለዚ ከም ማርዶካይ ብዓላም ዀይና ብራኢ ተሰኒናን ንኹነታትና ከይጠመትና ንቤትና ንኹቡር ምድሓን ኣምላኽ ነዳልዋ።


ይቅጽል !