08
Mon, Sep
0 New Articles

ዮሴፍ ጻድቕ ሰብኣይ

Character Study
Typography

እቲ ትኹል ዝዀነ ናይ ኣምላኽና ቃል ክዛረብ ከሎ "ኩሎም ደቅኺ ካብ እግዚኣብሄር ዝተማህሩ ክዀኑ እዮም ሰላም ደቅኺ ድማ ክዓቢ እዩ" ይብለና። ብርግጽ ኣምላኽ ዝምህረካ ነታ ትኸደላ መንገዲ ድማ ዘርኣያ ንዓኻ ዝጠቅም ዘበለ ከኣ ዝህበካ መታን ሰላምካ ዓብዩ ምስኡ ጥቡቕ ዝምድና መስሪትካ በቲ ናቱ ሕጊ ተመላሊስካ ኣብዛ ምድርን ኣብታ ትመጽእን ሰላምካ በዚሑ ክትነብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ንኩሉ ዝኸውን መመርሒን ስርዓትን ኣለዎ። ሓለፋ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ቃሉ ክመርሓና ክዛረበና ከቕንዓና ከጸናንዓና ዝኽእል ካልእ ብፍጹም የሎን። እንተደለና እውን ኣይንረክብን ኢና። ኩሉ ኣብዚ ቁዱስ ጹሑፍ ተጻሒፉ ዘሎ ድማ ንዓና ንመለበሚናን መምዓዲናን ዝተጻሕፈ ጹሑፍ እዩ። ነዚ ኢና ወትሩ ምስ እዚ ናይ ኣምላኽ ቃል ብእምነት ክንሓብር ዘድልየና። ብእምነት ምሳና ክሳብ ዘይተወሃሃደ ሰዓት ኣይጠቕመናን እዩ። ፊድል ኰይኑ ከይቀትለና እሞ ድሓርያ ፈራዲና ኰይኑ ከይርከብ ንጠንቅቕ ደኣ። እምብኣር ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ቤተሰባዊ ህይወትና ዝጠቕመና ብዛዕባ ዛንታ ሑጹይ ማርያም ዝነበረ ዮሴፍ ክንርኢ ኢና።

ዮሴፍ ንማርያም ሑጹያ ከም ዝንበረ ቃል ኣምላኽ ይነግረና "ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡" ማቴ 1፣18። ታሪኽ ዮሴፍ እምብዛ ዘገርምን ባህ ዘብልን እዩ ቀጺልና ብዛዕብኡ ሓደ ሓደ ነጥብታት ንረኣ።

1 ዮሴፍ ቅድስንኡ ዝሓለወ ሰብኣይ

"ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ" ዮሴፍ ምስ ኣምላኽ ዝመላለስ ዝነበረ ልቡ ፍርሓት ኣምላኽ ዝገዝኣ ሰብኣይ ኔሩ። እዚ ቕድስንኡ ሓሊዩ ዝነብር ዝነበር ዮሴፍ ኣብ ዘመን ህይወቱ ንኣምላኽ ርእይዎን ኣስሚርዎን ሓሊፉ። ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን ብዘይቅድስና ንኣምላኽ ዝርኣዮ ሓደኳ የሎን ይብል። ቅድስና ማለት ከኣ ንኣምላኽ ንበይኑ ክትከውን ምፍላይ ማለት እዩ። ዮሴፍ ኣብ ልቡ ዝገዝኦ ዘይብሉ ንኣምላኽ ተፈልዩ ይመላለስ ኔሩ። ሓይሊ ዮሴፍ ቅድስንኡ እዩ ኔሩ። ሎሚ ንሕና ከም ቤትሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንፍለጠሉ ኣፍልጦ ቕድስናና ክኸውን ኣለዎ። ቅድስና ምስ ግበር ኣይትግበር ወይስ ምስ ተንኪ ኣይቲተንኪ ዝብል ዝተተሓሓዘ ኣይኰነን። ቅድስና ክንዮ እዚ ዝሓልፍ ንኣምላኽ ንበይኑ ምፍላይ ማለት እዩ። ኣብዚ ቤተሰብ ካብ ኣምላኽ ሪሒቕኻ ከም ቃሕታ ልባ ትመላለሰሉ እዋን ንዕኡ ተፈሊና ብጽድቅን ቕንዕናን ክንመላለስ ድሌት ኣምላኽ እዩ።

ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ቤትና ክብሩ ክገልጽ እንተ ዀይኑ ንዕኡ ዝተፈልየ ህይወት ክነብር ኣሎና። ኣምላኽ ኣብ ዘመናት ኩሉ ንዕኡ ዝተፈልየት ስድራ እዩ ዝደሊ። ካብ ኣዳምን ሂዋንን ጀሚርና እንተ ሪእና ንዕኡ ዝዀና ቤተሰብ እዩ ዘቕም ዝነበረ። እቶም ንዕኡ ንበይኑ ዝተፈልዩ ስድራ ከኣ ኣብ ዘመናት ኩሉ ንኽብሩ ኣንጸባሪቖም ንብረኸት ኰይኖም ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣስፊሕም ዝሓለፉ እዮም።

ሎሚ ስድራና ኣሰር ኣሰር ኣካይዳ ኣቦና ዮሴፍ ክትከይድ ይድለያ ኣሎ። ንኣምላኽ ብቕድስን ዝተፈለና ንኹን ክንብል ከሎና ኣብ ውሽጢ ገዛና እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መጀመርያ ጥበብ ዝዀነ ፍርሓት ኣምላኽ ነነግስ ማለትና እዩ። ካብቲ ቐንዲ ጸገም ሃናንያን ሰጲራን ዝነበረ እዚ እዩ፣ ሃናንያን ሰጲራን ንኣምላኽ ክንስዕብ ብምባል ዝተፈልዩ ስድራ እዮም። ቅድስንኦምን ንኣምላኽ ምፍላዮምን ግና ምሉእ ኣይነበረን። ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ዝገዝኦም ናይ ገንዘብ ፍቕሪ ኔሩ። መወዳእትእም ድማ ጹቡቕ ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ኣብ ቤትና ሓጥእያት ስፍራ እንተ ረኺቡ ንውሻጠ ደንበና እንዳበልዖ እዩ ዝኸይድ። ንፍቕሪ ቤትና ዘላሕልሖ ሓድነትና ዘፍርሶ እዚ ኣበሳ እዚ እዩ። ብፍላይ ተዓዚብና እንተ ኰይና ብጹቡቕን ግሩምን ሓዳር ዝመስረታ ቤተሰብ ዳሕራይ ኣብ ዘይተደልየ ሓጥኣያትን ስስዐን ከኣትዋ ከለዋ ዝመጽእ ሕንፍሽፍሽ ብዙሕ እዩ። ንቤት ፍቕሪ ገንዘብ እንተ ገዚእዋ፣ ንቤት ንኣምላኽ ዘይኽብር ሃተውተው እንተ መሊኽዋ፣ ቤት ንኣምላኽ ቀዳምነታት ምሃብ እንተ ኣቃሪጻ እቲ ዕንወት ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ኣምላኽ ካብዚ ከምዚ ክንሕሎ ንሓይልና ኣጋይሽ ከይበልዖ ድኻም ኣሰኒፉና ንኣምላኽ ሸለል ከይንብሎ ንኣምላኽ ዝተፈለና ንኹን። ዮሴፍ ብጽድቅን ቅድስናን ይነብር ስለ ዝንበረ ኣምላኽ ቀረብኡ ኔሩ ሚስጥራቱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይዓርፍ ኔሩ። እቶም ቅድስንኦም ዝሓለዉ ቤተሰብ ንኣምላኽ ኣብ ኩሉ እዋን ብኹሉ ሸነኻት ህይወቶም ክርእይዎ ናይ ግድን እዩ።

2 ዮሴፍ ንነገራት ዘየዋዓውዕ

"ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19- ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሐሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን።" ማርያም ሕጺቲ ዮሴፍ እያ። ገና ኣብ መርዓ ኣይበጽሑን። ብሕጊ ኣይሁድ ድማ ሓንቲ ቕድሚ መርዓኣ ጠኒሳ ዝተረኽበት ድንግል ጓል ብዳርባ እምኒ ክትጭፍለቕ እያ ዘለዋ። ብፍላይ ዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ማርያም ዝንበሮ ፍቕሪ ዓቢ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ጠኒሳ ይርእያ ኣሎ። ክሳብ እቲ ኣምላኽ ዝገለጸሉ ኣነ ዝፈልጦ ምንም ነገር ኣይነበረን። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ናይ ሕነ ምፍዳይ ክወስድ ዝነበረ ቀዳማይ ኣካል እውን ንሱ እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ከዋዓውዕ ኣይተረኽበን። ከም ሰብ ዮሴፍ ከይተሰምዖ ኣይተርፍን እዩ። ግና ንማርያም የሕሊፉ ክህባ ኣይደለይን። ኣብዚ ኩርቱ ሓልዮትን ፍቕርን ዮሴፍ ኢና ንርኢ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት ከዋዕውዖ ኣይንርእን። እዚ እቲ ኣወንታኢ ናይ ዮሴፍ ባህሪ እዩ። ብዙሕ ግዜ እዚ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ምምዕባል ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ። ህድእ ክትብል ይገብረካ እዩ። ዮሴፍ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ግና ዘይፈልጦ ነገር ኣብ ሕሜትን ወረን ክኣቱ ከሎ ኣይተራእየን።

ሎሚ ኣብ ውሽጢ ቤትና ብዝፍጠር ዘበል ሃውህው ናብ ደገ ከንውጾ ብወረ ክንዘሮ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ናይ ብዙሓት ኣባይቲ በዚ ኸምዚ መንፈስ ተበላሺዩ እዩ። ሎሚ ክንዲ ህድእ ኢልና ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ እሞ ኸኣ ዘይተረዳእናዮ ነገር ክንዲ ህድእ ኢልና ንምርምር ናብ ሕሜትን ገበረንን ገበረትንን ዝብል ኣመር እንተ ኸይድና ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ነቓዕ ክንፈጥር ከም እንኽእል ኣይንዘንግዕ። እቲ ዘሕዝን ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ዝዀነ ዓይነት ኣሉታዊ ዝመል ነገር ዝተማለኣ ጭብጢ ከይሓዝና ኢና ኣብ ፍርድን ኩነኔን ንኣቱ። ዮሴፍ ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት ክንዮ እቲ ዝፈልጦን ዝስምዖን ክዛረብ ኣይንርእዮን። ንማርያም የሕሊፉ ክህባ ኣይንርእዮን ብኣንጻሩ ብስቕታ ንንገራት ክሓልፎ ከሎ ንዕዘብ። ሎሚ ንነግራት ከነዋዕውዖም ኣብ እንጅመረሉ መጠን ንዕና እውን ብኡ መጠን ተጠቃዕቲ ምዃና ኣይንረስዕ። እንታይ ንገብር መዓስ ንገብር ኣበይ ንገብር ዝብል ሕቶታት ኩሉ ቕድሚ ዝዀነ ስጉምቲ ምውሳድና ክንፈልጥን ከነስተውዕልን ይግብኣና።

ዮሴፍ ብዛዕባ ንማርያም ኣጋጢምዋ ዘሎ ኩነት ወረ ተትነዝሕ ኔሩ እቲ ቐዳማይ ዳርባ እምኒ ዘውድቐላ ንሱ ምዀነ ኔሩ። ንሱ ግና ክገልጻ ኣይፈተወን። ማርያም እቲ ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቁዱስ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ። ግና በቲ ገጢምዋ ዘሎ ኩነት ኣይኰነናን። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ቤትና ገለ ነገር ምስ ዝፍጥረ ናብዚ ዀነ ኣካል ተሓታቲ ክኸውን ኣይንፍቀድ የሕሊፍና ኣይንሃብ ኣይንዀንን። ዮሴፍ ተቐዳዲሙ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ኣምላኽ ናብ ዝሓይሽን ዝበለጽን መንገዲ መሪሒዎ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ቁኑዓትን ገርህታትን ከም ዝሕልዎም ድማ ኣብዚ ናይ ዮሴፍ ህይወት ተራእዩ። ኣምላኽ እዚ ክመዚ ዝዓይነቱ መንፈስ ኣባና ክዓዝዝ ይደግፈና።

3 ቐልጢፉ ናብ ፍቓድ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ ዝምለስ ሰብኣይ

"ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዂሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።" ዮሴፍ ብዛዕባ ማርያም ኣብ ከምዚ ሓሳብን ወጥርን እንከሎ ኣምላኽ ትገሊጽሉ። ካብ ማርያም ክትሕባእ ወይ ድማ ክትሓግዳ ኣይድልየካን እዩ። እዚ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ካብ ኣምላኽ ብመንፈስ ቁዱስ እዩ ኢልዎ። እቲ ዘገርም ነዚ ክንዮ ኣእምሮ ሰባት ንምርድኡ ድማ ዘጸግም መልእኽቲ ዮሴፍ ኣይተጠራጠሮን። እቲ ዘገርም ዮሴፍ ኣብ ታሪኽ ድንግል ብዘይሰብኣይ ክትጠንስእ ርእዩ ሰሚዑ ተጸበዩ እውን ኣይፈልጥን እዩ ግና ነዚ ነገር እዚ ከምቲ ማርያም ኣሜን ዝበለቶ ንሱ እውን ብእምነት ኣሜን ኢልዎ። ነቲ ኣምላኽ ዝበሎ ከም ዘለዎ ከይወሰኸ ከይመርመር ተቐቢልዎ። እዚ ጉዳይ እዚ ንዮሴፍ ዘኽፍሎ መሳእቲ ክንድምንታይ ከቢድ ምኻኑ ኣይስሓቶን ግና ንፍቓድን ሓሳብን ኣምላኽ ንምቕባልን ናብኡ ንምምላስን ቐሪጹ ብእምነት ተንሲኡ።

ከም ቤተሰብ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ፍቓዱ ክንኣቱን ናብኡ ክንምለሰን እዩ ዝደልየና። ብዙሕ ግዜ በቲ ንዓና ዝመስለለና እሞ ኸኣ ቁኑዕ ኰይኑ ዝተራእየና መንገዲ ክንከይድ ከሎና ኣምላኽ ኣብዚ እዋን ጣልቃ ኣትዩ ተመለሱ እንድሕር ኢልና ክንምለስ እዩ ዘሎና። ዮሴፍ ከምዚ እዩ ጌሩ፣ ኣብቲ መጀመርያ ናቱ መንገዲ ክሕዝ ደልዩ ኣምላኽ ግና ኣይፋልካን ኢልዎ ሰሚዕዎ ድማ ተመሊሱ። ሎሚ ስድራና ከምቲ ኣምላኽ ዝበላ ንምንባር ልባ ከተንቅሕን ከተዳልዉን ኣለዋ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝበልካ ምንባር ጥዑምን ግሩምን እዩ። ናብነት ኣጋር ግዝኣቲ ሳራ ምስ ጠነስተ ንእመቤታ ሳራ ኣቃለለታ ብትዕቢት ተነፊሓ ኸኣ ምስኣ ተባእሰት። ሳራ በዚ ከምዚ ሓሪቓ ንገረዳ ሰጎገታ ኣጋር ድማ ካብ ቤት ሳራ ሃዲማ ክትክይድ ከላ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራኸባ ከምዚ ድማ በላ "መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዚእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ ኣሎኺ በላ። ንሳ ኽኣ፡ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም ኣለኹ በለት። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ክቑጸር ክሳዕ ዘይክእል ፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ ፡ በላ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ፡ እንሆ ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኽኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።" ኣብዚ እቲ ዘሕጉስ ኣጋር ናብቲ ዝመጸቶ ቦታ ተመሊሳ ብኡ ጌራ ኣይቀጸለትን። ኣምላኽ ከም እንጋገ ይፈልጥ እዩ ወይ ድማ ናትና ዝዀነ ውሳኔ ከም እንወስድ ይፈልጥ እዩ ግና ክንምለስ ይደልየና። ኣብቲ ዝሓዝናዮ ክንጸንዕ ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኰነን ኣብቲ ኣምላኽ ዝደልየና ቦታ ክንከውን እዩ ፍቓዱ።

ካልእ ኣብ ውሽጢ ስድራና ንሓሳብ ኣምላኽ ብእምነት ክንቅበሎ ይግብኣና። ናይ ኣምላኽ ነገር ብስጋ ክትቀበሎ ይኸብደካ እዩ። ከምይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ንኣእምሮና ክገዞ ይኽእል እዩ ግና እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ንኣምላኽ ግና ቀሊል ምኻኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ዮሴፍ ነቲ ሓሳብ ኣምላኽ ክቕበል ኣይተጠራጠረን። ዘካርያስ እቲ ጻድቕ ሰበይትኻ ክትወልድ እያ ምስ ትባህለ ተጠራጢሩ ንኣምላኽ በዚ ከምዚ ባህ ኣይበሎን። ማርያምን ዮሴፍን ግና ከም ቃል ይኹነልና ምባሎም ተኸፈልቲ ምድሓን ኣምላኽ ኰይኖም። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ስድራና ዘይከውን ዝመስል ዝኸብድ ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ። ንልብና ብሕቶ ዘዋጠሮ ጸር ዝዀነና ኣይፍታሕን እዩ ዝበልናዮ ቤተሰባዊ ጸገም ክህልወና ይኽእል እዩ ምስ እዚ ኹሉ ግና ሓሳብ ኣምላኽን ፍቓዱን ጥራይ ኣባና ከምዝፍጸም ኣይንጠራጠር። ብርግጽ ንሓሳብ ኣምላኽ ምቕባልና ኣብኡ ምጽናዕና እንኸፍሎ መስዋእቲ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ዮሴፍ ሓሳብ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ ዝኸፍሎ መስዋእትነት ኔሩ እዩ። ሄርዶስ እኳ ነቲ ህጻን ክቐትሎ ብምድላዩ ናብ ግብጺ ክኸዱ ተነጊርዎም። ብሰንኪ እዚ ናብ ስደት እዮም ኣምሪሖም። ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኩነት ካብ ምኽፍኡ ዝተላዕለ እቲ ቐታሊ እኳ ምስ ሞተ የሴፍ ንምምላስ ፈሪሑ እዩ ነዚ እዩ መልኣኽ ክልተ ግዜ ተገሊጹ ክኸይድ ዝተዛረቦ።

ፍቓድ ኣምላኽን ሓስባን ክሳብ ክንደይ ዋጋ የኽፍለና እምበር ብዘይዓስብን ፍረን ግና ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሓት ቤተሰብ ንፍቓድ ኣምላኽ ክብላ ዝኽፍልኦ ዘለዋ መስዋእትንተ ብቐሊል ዝግመት ኣይኰነን ኣምላኽ ግና ነቶም ዘገለገልዎ ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኰነን ኣብ ግዚኡን ሰዓትን ክርደኦም ናይ ግድን እዩ ነዚ እዩ ጻድቕ ፍረ ኣእዳው ክበልዕ እዩ እሞ ተዓዊትካ በልዎ ዝተባህለ። ኣምላኽ ኩሉሳዕ ምስ ዓስቡ እዩ ናብ ቁዱሳኑ ዝመጽእ። ስለዚ እቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለኩም ቤተስባዊ ሓልፍነት ሓለፍኡ ስለ ሓሳብ ኣምላኽን ፍቓዱን ክትብሉ መስዋእትነት ትኸፍሉ ዘለኹም ኣቦታትን ኣዴታትን ኣምላኽ ኮርፈኩም ዝመጸሉ እዋን ሩሑቕ ኣይኰነን ንሱ ዝገበርክዎ ዝርስዕ ኣይኰነን። ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ዉሉድን ስለ ፍቃር መድሓኒ ክብሉ ጸኒዖም ዋጋ ብምኽፋሎም ከሲቦም እምበር ኣይከሰሩን ከቢሮም እምበር ኣይሓሰሩን ደልዲሎም እምበር ኣኣይወደቑን።

እምብኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ሰላምና መላኽትና ንምጥቕላል ከም ኣቦና ዮሴፍ ቕድስናን ጽድቕን ቤትና ሓሊና ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣብ ቤትና ንርኣዮ። ከም ዮሴፍ ሓልዮትን ፍቕርን መሊእና ነቲ ዝተፈጥረ ኩነት ከነትሃዳድኦ እምበር ብወረን ቤላቤልወን ኣይንዝረዎ። ናብ ሓሳብ ኣምላኽ ተመሊስና ኣብ ከኣልንተ ኣምላኽ ተወኪልና ኣብ ውሽጡ ፍቓዱ ብምእታው ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከፊልና ነቲ ግሩም ዓስቢ ኣምላኽ ንጸባበ።