ኣምላኽ ንደቁ ካብቲ ዝሃቦም ኣዚዩ ብሉጹ በረኸት ቃሉ እዩ። እቲ ሰባት ክዀንዎን ክፈልጥዎን ዝግባእ ኩሉ ኣብ ቃሉ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ማንም ይኹን ምንም ኣምላኽ ኣይተዛረበንን ስለዚ ኸኣ ኣይገበርኩን ዝብል ኣካል የሎን። ኣምላኽ እቲ ንዓና ዝኸውን እኹሉ ድምጹ ኣብ ውሽጡ ቓሉ ኣቐሚጥሉና ኣሎ። ንገዛእ ርእስና ክንጥብር እንተ ዘይደሊና ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወትና ከይተዛርበና ኣይውዕልን እዩ። እዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጹሑፍ ንምንታይ ከም ዝጠቅም ሃዋርያ ጳዎልሶ ክዛረብ ከሎ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” 2ጢሞ 3፣16-17 እምብኣር እዚ ቃል እዚ እዩ ነቲ ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥና ብሰናይ መሊእና ሰናይን ጹቡቕን ፍረ ክንፈሪ ዝገብረና። ብተወሳኺ እውን ናብ ፍጽምና ናብ ምስሊ ኣርኣያ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ዝወስደና። እዚ ንእግርና መብራህቲ ንመገድና ብርሃን ዝዀነ ቃል ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይወሃበና ኔሩ ከምታ ኮምፓስ ዘይብላ መርከብ ምዀና ኔርና። ነዚ ኹሉ ዘምጻኽዎ ንትምርትና ዝዀነና ንዓና ንመለበሚ ድማ ዝተጻሕፈልና ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክንርኢ ደልየ ስለ ዘለኹ እዩ።
ኩቡራት ሰማዕቲ ሎሚ ብዛዕባ ነቢይ ዮናስ ክንርኢ ኢና። ዮናስ ወዲ ኣሚታይ ኣምላኽ ዝጸውዖ ነቢይ እዩ። ኣገልግሎት ነቢዪ ዮናስ ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ነገር ንኣህዛብ ንንስሓ ክጽውዕ ካብ ጥፍኣት መንገዶም ድማ ክምለሱ ክእውጅ ዝተላእክ ነቢይ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ዮናስ ጎሊሑ ዝረኣ ነገር ምሕረት ኣምላኽን ባህሪ ሰብን እዩ። ልቢ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ምስቶም ንሱ ዝፈጠሮም ህዝቢ ምኻኑ ድማ ኣግሊሑ ዘርኢ መጽሓፍ እዩ። ነዚ እዩ ኣብቲ መወዳእታ ምዕራፍ ናይ ትንቢት ዮናስ ከምዚ ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ “ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ።” ብምባል ፍቕሪ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምኻኑ ንግንዘብ። እስከ በሉ ሓደ ብሓደ ብዛዕባ ናይ ዮናስ ባህሪ ክንሪኢ ኢና። ኣብ ክልተ ክንከፍሎ ኢና ኣሉታዊን ኣውንታዊ ባህሪ ዮናስ ክንዕዘብ ኢና።
1 ካብ ኣምላኽ ዝተሓብኣ ነቢዩ
“ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዩቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻራ አውጅ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ። ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፡ ናብ ያፋ ኸአ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፡ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከአ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ አተወ።” ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ልቢ ኣምላኽ ብፍቕሪ ምሉእ ስለ ዝዀነ ብሞትን ጥፍኣትን ሓደ ሓጥእ ከኣ ባህ ስለ ዘይብሎ ነዞም ናብ ጥፍኣት ዝኸዱ ዘለዉ ሰብ ነነዌ ድማ ንምድሓኖም ስለ ዝደሊ፣ ኣምላኽ ድማ ፍቓዱ ዀይኑ ነዚ ኸምዚ ዕዮ እዚ ብሰብ ስለ ዝጥቅመ፣ አዚ ኣገልግሎት ንምፍጻም ብኣምላኽ ዝተመርጸን መጐስ ዝረኸብን ሰብ ድማ ዮናስ ኰይኑ። ዮናስ እዚ ጻዊዒት እዚ ምስ መጻሉ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይተጠራጠረን ግና ንምፍጻሙ ኣይደለየን። ነዚ ነገር እዚ ከይገብር ድማ ካብ ኣምላኽ ንምሕባእ ብመርከብ ተሰቒሉ ናብ ተርሲስ ነቐለ። እቲ ዘገርም ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ስፍራ ኣብ ኩሉ ቦታ ከም ዘሎ ዮናስ ዝዘንገዐ ይመስል። ብዙሕ ግዜ ንድምጺ ኣምላኽ ንኸይንሰምዕ ኣእዛና እንተ ዓጽዩና እንወስዶ ስጉምቲ ኩሉ ግዜ ናይ ዕሽነት ስጉምቲ እዩ።
ዮናስ ኣብዚ ነቲ ኣዳም ዘንጸባረቖ መንፈስ እዩ ዘንጸባርቕ ዘሎ። ኣዳም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ በደለ እቲ መጀመርያ ዝገበሮ ነገር ካብ ኣምላኽ ምሕባእ እዩ። ዳዊት እውን ሓደ ግዜ ዓመጽን በደልን ምስ ፍጸመ ነቲ ዝገበሮ ጉድ ካብ ኣምላኽ ክሓብኦ ንሱ እውን ካብ ኣምላኽ ክሕባእ ብዙሕ ምስ ጸዓረ እሞ ኣደዳ ክሳራን ጥፍኣትን ምስ ኰነ ከምዚ ብምባ ዘሚሩ ኣሎ “ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፣ ንሰማይ እንተ ደየብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ።ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ።ጸልማት ይኽውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይት ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልምት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ብምባል ካብ ኣምላኽ ምሕባእ ከም ዘይከኣል ይነግር። ዮናስ ካብ ኣምላኽ ተሓቢኡ ምኻዱ ዘጋጠሞ ክሳራ እንታይ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። እታ ዮናስ ተሰቒልዋ ዝነበረ መረከብ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተናወጸትን ዘለዎም ንብረት ብምእሉ ከም ዝጠፈኣን ክንደይ ክሳራ ከም ዝወረዶምን ኣብቲ ቐዳማይ ሞራፍ ነነብብ።
ኩሉ ግዜ ካብ ድምጺ ኣምላኽ ምህዳም ማለት ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ነውጽን ኣብ ክሳራን ምሻምም ማለት ኣዩ። ኣምላኽ ክጽውዕ ከሎ ኣብ ክእለቱን ዓቑምን ተወኪሉ እምበር ኣብቶም ዝጽውዖም ዘሎ ሰባት ኣይኰኑን። ሎሚ ኣምላኽ ንሓደ ነገር ክጽዋዓና ከሎ ግብረ መልስና እንታይ እዩ? እቲ ዝዓበየ ክስራ ናይ ኣማኒ ካብ ጻዊዒት ኣምላኽ ወይ ድማ ካብ ድምጺ ኣምላኽ ተሓቢኡ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ ዘይኰነስ እቲ ቓሕታ ልቡ ዝኣዘዞ ክገብር እንከሎ እዩ። ብዙሕ ግዜ ካብቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዝኣዘዘና እንሃድም እቲ ምኽንያት ኣምላኽ ነቲ ዝኣዘዘና ትእዛዝ ክንገብሮ ሓይልን ትብዓትን ከም ዝህበና ስለ ዘይንኣምን ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ንጻዊዒቱ ዝእዘዝ ልቢ ይሃበና።
ይቅጽል !
ዮናስ ነቢዩ ኣምላኽ (Part 1)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode