08
Mon, Sep
0 New Articles

ማርዶካይ ጹኑዕ ሰብኣይ (Part 2)

Character Study
Typography

2 ማርዶካይ ንውዲት ጸላኢ ዘቃለዐ ሰብኣይ

ካልእ ማርዶካይ ሰብኣይ ዓላማ ዀይኑ ንምድሓን ህዝብ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ማሪኹ ዝወሰዶም ንጉስ ከይተረፈ እዩ ካብ ኢድ ጸላኢ ኣድሒንዎ። "በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽን፡ ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎ፡ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ። እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸአ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ። እቲ ዘረባ ኸአ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ።"


ማርዶካይ እዚ ከምዚ ዓይነት ሓብሬታ ከቕርብ እንከሎ ንኽብሪ ገዛእ ርእሱ ኢሉ ወይ ድማ ካብ ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ክሞልቕ ኢሉ ኣይኰነን ጌርዎ። ከምኡ ተተኽወን ኔሩ ብሃማን ዓቢ ውዲት ክፍጸመሉ ከሎ ኣብ ቕድሚ ንጉስ ቀሪቡ ኣነ እኳ ከምዚ ጌረ ኣድሒነካ እየ ኢሉ ክጣበቕ ምኸኣለ ኔሩ። ሓደ ግዜ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣምላኽ መጽሓፍ ዜና መዋእል ከፊቱ ታሪኹ ተነቢቡ ናብ ክብሪ ከም ዘምጾ ስለ ዝፈለጠ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ ነገር ጥራይ ንምግባር ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ነበረ። ንእግረ መንገድና ኣንገብሮ ዘበለ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ደኣ ንገብሮ ኣሎና እምበር ብሰብ ክንንኣድን ክንከብርን ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ቤትና እንገብሮ ዘበል ኹሉ ግቡእናን ሓለፍነትናን ምኻኑ ፈሊጥና ካብ ሓደ ክብርን ሞሳን ከይተቐበልና ንግበሮ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ክኽህሰና እዩ።

ማርዶካይ ንንጉስ ምድሓኑ ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ክግበር ዝሓሰበ እሞ ሰይጣን ድማ በዞም ሰባት ኣቢሉ ንዕላማ ኣምላኽ ክቐጽዮ ዝደለየ ነገር እዩ ኣፍሽልዎ። ዕላማ ሰይጣን ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ኣምላኽ ክገብሮ ዝሓሰበ እምበር ጥራይ ንንጉስ ኣሕሽዌሮስ ኣይኰነን ክቕንጽል ሓሲቡ። ነዚ ግና ማርዶካይ ነቒሒሉ።ሎሚ ሰይጣን ኣብ ቤትናን ኣብ መጻኢናን ዘጻውዶ ነቲ ኣምላኽ ብኣና ኣቢሉ ክፍጽሞ ዝሓሰቦ ንምትዕንቓፍ ወትሩ ምስ ተዓጥቀ እዩ። ነዚ እዩ ቓል ኣምላኽ ኣብ 1ጴጥሮስ 5፣8-9 "ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።" ይብልና። ሎሚ ነቲ ሰይጣንን ጭፍርኡን ዘሳበብዎ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤትና ክኣግድዎ ዝደልዩ ውዲት ንምቕልዑ ክነቅሕ ይግባኣና እዩ። ሰይጣን ኩሉግዜ ነቲ ብኣና ኣቢሉ ጐይታ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ከይተዓመ ኣጉል ሓዲግ መዲግ ተሪፉ ክርእዮ እዩ ዝደሊ። ነዚ ብዝግባእ ስለ ዘይንፈልጥ ኢና ብዙሑ ጌዜ ቤትና ንሰይጣን ጋህ ዝበለ ክፉት ንሓድጎ። እቲ ዘገርም ማርዶካዮ መዓስ እዩ ነቲ ውዲት ፈሊጦ እንድሕር ኢልና ኣብ ኣፈ እቲ ንጉስ ምስ ተቐመጠ እዩ። ንሕና ድማ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዝፋን እቲ ልዑል ጐይታ እንተ ተቐሚጥና ምስኡ እንተ ዀይና ነቲ ውዲት ጸላኢ ክንስሕቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋራያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ "ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡-ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና፡ ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።" ስለዚ ብዘሎ ኣጻዋር ኣምላኽ ለቢስና ነቲ ሰይጣን ኣኣብ ውሽጢ ቤትና ሰሊኹ ከትዎ ዝደሊ ዘበል ኩሉ ነላልዮ። ንሱ ሕንፍሽፍሽ እቱ ድሊቱ ስለ ዝኰነ ወትሩ ኣብቲ ኣምላኽ ዝተኸሎ ጹቡቅ ዘርኢ ክርዳድ ከእቱ ሃረርታኡ ስለ ዝዀነ ኩሉሳዕ ንውዲቱ ንምግጣም ከም ማርይም ኣብ ትሕቲ እግሪ መድሓኒ ንኹን።

ማርዶካይ ጹኑዕ ሰብኣይ (Part 1)

ይቕጽል !!!