08
Mon, Sep
0 New Articles

ማርዶካይ ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ኣቦ (Part 3)

Character Study
Typography

ማርዶካይ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ማእከል እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡን ክብሪ ዘይህቡን እሞ ኸኣ ጣኦታትን ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ዘምልኹ ህዝብን እዩ ዝነብር ኔሩ። ኣብቲ ዉዕዉዕ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ከም ዝግባእ ዝገዝኣሉ ስፍራ ንኣምላኽ ምምላኽ እምብዛ ከይከብድ ኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ድንቁርና ዝነገሰሉን ዝዓበየሉን ሞራልዊ ውድቀት ዝበዝሓሉ ሃዳርን ቤተሰብን ትርጉም ዝሰኣነሉ ስፍራ ዀንካ ግና ንኣምላኽ በይኑ ክትነብር ምውሳን ዘኽፍለካ መስዋኣትነት ቀሊል ኣይኰነን።


ማርዶካይ ግና ኣብዚ ከምዚ ዛኣመሰለ ኣዋን ንሱን ቤትሰቡን ንእምነት ሓሊዋ ሰናይ ገድሊ ኣምነት ተጋዲሉ ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣስሚሩ ሓሊፉ። እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ንሃማን ኣጋጋዊ ክብ ኣቢልዎ ነብረ። ፍጡሩ ኩሉ ድማ ይንብርከኸሉን ይሰግደሉን ነበረ።

እዚ ብሰይጣን ዝተገዝኣ ኣምልኾ ድም ዝደሊ ዝነበረ ሃማን ማርዶካይ ከም ዘይካልኦት ክሰግደሉ ዘይምርኣዩ ክሩኡ እምብዛ እዩ ነዲዱ። እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ "እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ። ኮነ ኸአ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ፡ ብቑጥዓ መልኤ።" ማርዶካይ ክሰገድሉ ዝተኣዘዘ ንኣምላኽ ሰማይን ምድርን ጥራይ እዩ ማርዶካይ ከኣ ዋላ ሞት ይኩን እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን እዩ። ነዚ ሓቒ እዚ እዩ እምባኣር ክነብረሉ ወሲኑ። ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕደጋ ኣየኣትዎን። ክሳብ እቲ ዝኽፈል ክኸፍል ተዳሊዩ። ከም ብጸቱ ሲድራቕ ሚሳቕ ዓብ ድኔጐ ንኣምላኽ እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን ብምባል ጸኒዑ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ቅድሚኡ ፈተና መከራ ሞት እዩ ተደቂኑ። ሃማን ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጽንት ብዝከኣሎ ኩሉ ተዳልዩ። የግዳስ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ክብሩ ብኣስቴርን ብማርዶካየን ገሊጹ። እቲ ሓደ ግዜ ሓዘንን ጋህን ዝዀነ እዋን ኣምላኽ ብእልልታን ሓጐስን ቀይርዎ።

ሎሚ ናብ ገዛኣ ርእስንን ቤትናን ንምጻእ። ኣነን ቤተይን ንኣምላኽ ኢና እነገልግል ክንብል ኣንከሎና። ብካልእ ኣዘራርባ ኣንትርፎ ንዓኻ ንኻልእ ኣይሰግድን ኣይንብርከኽን ኢና ንብል ዘሎና። ሎሚ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ነገራት ክንሰግድሎም እሞ ካብታ ኣብ ቤትና ዝኣተወት ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዩና ዝጋደሉ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ዓቕልና ዘጽቡቡልና ክንምብርከኸሎም ይደልዩናን ይብህጉን። ኣብዚ እዋን እዚ ግብረ መልስና ከም ግብረ መልሲ ማርዶካይ ክኸውን ይግብኦ። ብሰንኪ ዘይምስጋድናን ዘይምብርኻክናን ንቤትና ንግዚኡ ዝደቀኖ ፈተና ክህሉ ይኽእል እዩ ግና እዚ ንግዜኡ እዩ ደሓር ግና ንዓቢ ኽብሪ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ዝእምንዎ ኣሓፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ነቶም ንዕኡ ጥራይ ዝሰግዱ ኣኪብርዎም እምበር ኣሕሲርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ዋጋ ኽብሪ ንኣምላኽ በይኑ ምግዛእ እዩ።

ሎሚ ንኣምላኽ ጥራይ ክንሰግድ ስለ ዝበልክም ቤትኩም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘላ ኣጆኹም ኣምላኽ ገፋዒ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ መሳኹቲ ሰማይ ንዓኩም ኩፉት እዩ ታሪኹም ኩሉ ኣብ መዝገብ ኣምላኽ ጹሑፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ተጻረርቲ ተኣሚንክምዎ ኢኹም እሞ ከምቲ ማርዶካይ ብሃማን በቲ ጸላኢኡ ዝኸበረ ኣብ ድካ እግሩ ድማ ዝሰገደ እዚ ታሪኽ እዚ ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ምስ ከፈቶ ኣባኹም ክውን ክኸውን እዩ። ኩቡራት ሰብ ሓዳር ሰማዕቲ ሰላምና ቤትና ንኣምላ ንበይኑ ትገዛእ። ኩሉ ንሃማን ክሰግድ ይኽእል እዩ ንሕና ግና ንኣምላኽ ደኣ ንንበር። ንሱ ዘይጠልም መንበሪ እዩ።

ቤትናን ስድራናን ንዓላማ ኣምላኽ እናነበረት ራእይ ዝተሓንገጠ ትኹን። ንውዲት ጸላኢ ንምልላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤትና ኣትዩ ነገር ዝጽሕትር ንምእላይ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዱካ ንጉስ ጐይታና የሱስ ንኹን። ክብሪ ኣምላኽ ኣብና ክግለጽ ብገደና መከራን ስቓይን ሓሊፍና ናብ ዓቢ ዓወት ንምስጋር ሎሚ ንኣምላኽ ሰማይ ጥራይ ንስገድ ንሃማን እምቢ ኣይሰግድን ንበሎ ኣምላኽ ብነገር ኩሉ ኣብ ኩሉ እዋን ጸግኡን ሓይሉን የብዝሓልና እዚ ናይ ማርዶካይ ናብራ ህይወት ክንለማመድ ጸግኡ ይሃበና።


ተፈጸመ።

ማርዶካይ ጹኑዕ ሰብኣይ (Part 1)

ማርዶካይ ጹኑዕ ሰብኣይ (Part 2)