08
Mon, Sep
0 New Articles

ንክብረት ምንባር

Books
Typography

1. መእተዊ፡

ህይወት ናይ ሰባት ኣዝዩ ተለዋዋጢ እዩ፡፡ ካብ ግዜ ቁልዕነትና ጀሚርና ክሳብ እዋን ሞትና እነርእዮ ለውጢ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ኩሉ ኣካይዳናን ኣተሓሳስባናንውን ብኡ መጠን ከም ሰባት ክቀያየር እንከሎ ንርእዮ ኢና፡፡ ብፍላይ ሰባት ነቲ እሙን ዓርኮም፡ ንወለዶም፡ ንኣሕዋቶም፡ ንቤተሰቦም፡ ንከባቢኦም ዚቕየርሉ እዋንውም ኣሎ፡፡ እዚ ኣብ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ኣብ ዓበይቲ፡  ናይ ጸጋታት ዕድመ ዝደለቡውን ይርኣ እዩ፡፡ ትዕዝብትና ትኽክል እንተደኣ ኮይኑ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ ዚህብዎ ንእኡ የኽብርዎ፡ ነቲ ካብ ልቦም ዘውጽእዎን ሸለል ዚብልዎን ድማ ይንዕቅዎ፡ ብኹሉ ነገራቶም ይቕየርዎ፡ ስለዝኮነ ድማ ክብረቶም ይቕንስ፡ ግዜ ድማ ኣይህብዎን፡፡ ምናምባትውን  ኣብ ተመኩሮ ህይወትኩም እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ብምባል ዘስደመመኩም ተርእዮታት ኪህሉ ይክእል እዩ፡፡ ገለገለ
ሰባት ኪቕየሩ እንከለው፡

  • ሓድሽ ስራሕ፡ ብሉጽ ዙብልዎ ስራሕ፡ ብርክት ዝበለ ደሞዝ ወዘተ. ምስ ዝሕዙ፡ ፈኽነን ይብሉ ኣካይድኦም ይቕየር፡ መሓዙት ይቕይሩ፡ ኣብ ብጾቶምን ካልኦትን ዝነበሮም ኣረኣእያ ይልወጥ፡ ካልእውን፡፡
  •  ፈለማ ፍቕሪ ኪሕዞም እንከሎ፡ ምስ ሓንቲ ዝፈትውዋ ጓለንስተይቲ ኣካይዳ ኪጅምሩ እንከለው፡ ሓዳስ መርዓት ምስ ኣእተው ፡ ሓድሽ ሓዳር ምስ መስረቱ ፡ ምውቕ ቤት ምስ ኣጥረዩ ወዘተ. ተቕይሮምኹêም ዶዀን ይፈልጡ ይኮኑ? ንኣኻትኩም ዝነበሮም ቦታን ኣኽብሮትን ኩሉ ተቐይሩኩምዶ? ምናልባት ገለገሌናውን፡ ብፍላይ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ በዚ ዓይነት ተራዮታት እዚ ተጎዲእና ንኸውን፡ ህይወትናውን ድሕሪ ደጊም! ኢላ ትኸውን እያ፡፡

  • ደረጃ ትምህርቶም ብምውሳኽ፡ ኩሉ ኣከዳድንኦምን ናብርኦምን ብምቕያሩ፡ ኣረ መኪና ምስገዝኡ፡ ክቡር ገዛ ምስ ኣጥረዩ፡ ዘይተኣደነ ንብረትን ኣብ ባንክ ዚውህለል ገንዘብ ምስወነኑ፡ ደቆም ምጭዋትን ጽቡቓትን፡ ወናኒ ምህርቲ ብዓልቲ ቤት ምስ ኰኑ ካባኹም ዚርሓቑ፡ ኣብ ቤትኩም ዚውዕሉ ዚነበሩ ነዛ ነዛ ኽርእይኹም ዚጸልኡኹም ይኰኑ፡፡ ሕሉፍ ታሪኽ ንእስነቶም ዚርስዑ፡ ብኸመይ ኩነታት ከም ዚዓበዩ ካብ ኣእምሮኦም ዚሓኽኽዎ፡ እዚ ፈጺሙ ኪልዓል ዘይደልይዎን ሰባት ብምርኣይ ዝተቖጣዕኩምሉ እዋን፡ ከይሃለወ ኣይተርፍን እዩ፡፡

  • መኣስ እዚ ጥራይ፡ ወጻኢ ብምኻድ፡ ካብ ሃገሮምን ህዝቦምን ርሒቖም ንሓያል ዓመታት ብምጽናሕ፡ ሸውሃት ናይ ሃገሮምንን ህዝቦምን፡ ቤተሰቦምን ዓሌቶምን፡ ወዘተ. ጠሪሶም ዘጥፍኡ፡ ኣረ እንታይ ክበሃል፡ መበቆሎም ዚርስዑ፡ ከምዚ ኢኻ ንኽበሃሉ ዘሕፍሮምን ዘሕንኾምን፡ ስለ ዝዀነ ካብ ብጾቶም ዚሃድሙውን ኣለው፡፡

እዚ ኹሉ ክንጠቕሶ ዚጸንሓና ጉዳይ፡ ፡ ሰኣን ምፍላጥ ይኹን፡ ሸለል ብምባል፡ ወይ ድማ ኣብ ልቦም ዓቢ ቦታ ብዘይምሃቦም ይኹን፡ ካልእ ምክንያትዉን እንተኰነ፡ እቲ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት ዚኰነ ክርስቶስ፡ ንብዙሓት ንዓብዩ ዘልኣለማዊ ድራር ዓዲምዎም ከብቅዕ፡ ግራት ዓዲገ ኣለኹ፡ ኣብዑር ዓዲገ ኣለኹ፡ ሰበይቲ ኣእትየ ኣኣለኹ ብምባል፡ ናብቲ ድራር ንኸይመጹ ተሓሲሞም እዮም(ሉቃ 14፡ 15-20)።

ክቡር ኣንባቢ፡ እዚ ኣብ ህይወትካ እንተ ኣጋጠመካ ኣይተገረም፡ ኣብ ብዙሓት እንተ ርኣኻዮዉን ሓድሽ ናገር ኣይኹንካ፡፡ ንጐይታ ዘጋጠሞ ነገር፡ ክኸውንን ኪኽሰትን ዚግብኦ ትሑዝ ነገር ምኻኑ ፈሊጥካ ሸለል ደኣ በሎ ፡፡ ግናኸ ጸበሎም ከይለኽየካ ካብቲ ማይ ብሑቖም ንኽትሕሎ ድኣ ተጋደል፡፡ ዘጉሂ ንኸብድኻ ዚቐርጽን ነገር እንተሎ ግና፡ ኣመንተንñ ደቂ ጐይታን ክንሶም ብኸምዚ ዝበለ ዓይነት ኣካይዳ ክምርሹ ዚርኣዩ ዘይምስእኖም እዩ፡፡ ስለ ዝኰነ ድማ፡ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ጎዳኢ ለውጥታት፡ ቀይዲ ናይ ሓጢኣትን ማእሰርቲ ናይ ዲያብሎስን ከጋጥሞም እንከሎ ይርኣዩ፡፡ ኣሕዋተየ፡ ንሕናኸ ካብ ከምዚ ዝበለ ሽግር ነጻዶ ንኸውን? ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከተንብብዋ እንከለኹም፡ ጐይታ በዚ ጸሓፋይ}ዚ ገይሩ ንኣይ እዩ ዝዛረበኒ ዘሎ ብምባል፡ ኣእዳውኩም ካብ ምውጥዋጥ ተመሊስኩም፡ ንህይወትኩም ብምምርማር፡ ንገዛእ ርእስኹም ብምዕራይ፡ ትሕት ኢልኩም መገድኹም ንኸተስተኻኽሉ ኪዳን እተው፡ ገይታ ድማ ንኽሕግዘኹም ጸልዩ።፡ እንተ ኰነ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ሰባት ብምዝታይ፡ ከም ሕሜትን ሕሹኽሹኽታን ኣብ ማእከልከም ከይስልጥን እሞ፡ ሳዕሪሩ ናብ ዝገደደ ሓጢኣት ከየእትወኩም ጸሎተይ እዩ፡፡ ጐይታ ድማ፡ ንዘንበብኩምዎ፡ ንበረኸት እምበር ንመርገም ዘይኰ፡ ኣብ ህወትኩም ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጥቀመላ እምነየልኩም፡፡

ኣቦታት ክምስሉ እንከለው፡ ﷽ክቡርሲ ብመጠን ገዛእ ርእሱ የኽብረካ﷽ ይብሉ፡፡ እቲ ክቡር ሰብ ትሕት ብምባሉ፡ ንኻልኦት ምኽባሩ ሕላገቱ እዩ።፡ ዝኰነ ነገር ድማ ኪልውጦ ኣይርአን፡፡ እቲ መሪሕን፡ መልህቅን ኣመንቲ ዚኰነ ቃል ኣምላኽ ድማ፡ ብዛዕባ ክብረት ብዚምልከት፡ ትኹል መምርሒ ሂቡና ኣሎ፡፡ ዘየማትእ፡ ንጹር፡ ንወለዶታት ዚኸውን፡ መተካእታ ዘይብሉ፡ ስልጣኔ፡ ትምህርቲ፡ ዘመናትን ዘይልውጦ፡ እዋን ዘይሓልፎ፡ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ፡ ንኹላትና ዚኸውን መምርሒ እዩ እሞ፡ ክንጥቀመሉ ይመኽረና። ነብይ ኢሰያስ ኣብ 32፡ 8 ከምዚ ይብለና፡ ﷽ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ﷽፡፡ ኣብ ክቡር ህይወት ንምንባር ኽክኣለና፡ ቅድም ክቡር ሓሳብ ዚሓስብ ኣእምሮ፡ ክቡር ነገራት ዚመልኣ ልቦና፡ ክቡር ነገራት ዚሓልምን ዚርእን ህይወት ከነጥሪ ኣሎና፡፡ ንልብና፡ ቀልብናን ንኹለንትናናን ዚመልእ ክቡር ሓሳብ ክህልወና ይግባእ፡፡ ድሕሪ}ዚ ድማ፡ ህይወትና ኣብ ክቡር ነገራት ክትመላለስ፡ ኣብ ክቡር ህይወት ክትጸንዕ፡ ኣብ ብዙሓት ድማ ንበረኸት፡ ንህይወት፡ ንምጽንናዕ፡ ንደገፍ፡ ንተስፋ፡ ንምሕዳስ፡ ንምድሓን፡ ንምብጃው፡ ንናእዳ፡ ንተግሳጽ፡ ንምኽሪ፡ ንምትብባዕ፡ ንሓይሊ፡ ንዓወት እትበቅዕ ኰይና እያ እትርከብ፡፡ ኣሕዋተየ፡ ጐይታ ይርድኣና፡ ብፍላይ ኣብዚ ምክብባር ዘይብሉ ዘመን፡ ዓበይቲ ብቆልዑ ዚዝንጠሉሉ ዘመን፡ ክብሪ ውዲ ሰብ ዝወሓደሉ ዘመን፡ ኣረ ህይወት ወዲ ሰብ ከም ሃመማ እኳ ዘይትቍጸረሉ ዘመን፡ ልብና ኣርኒብና፡ ህይወትና ቐጺዕና፡ ርእስና ኣድኒንና፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ ኣርዑት ተቆሪና፡ ክሳብ መወዳታ ብትዕግስቲ፡ ብትሕትና፡ ብህድኣት፡ ብዓቕሊ፡ ወዘተ. ንምጉዓዝ፡ ንቓል ኣምላ መምርሒና ንግበር፡ ንመንፈስ ቅዱስ መራሒና ንግበሮ፡ ንክርስቶስ ርእሲ ህይወትና ንግበሮ፡ ካብዚ ንጸጋም ኰነ ንየማን ከየግልሰና፡ ምስ እንጎዓዝ ዘማትእ ኣይኰነን፡ መወዳእታና ክብረት ኪኸውን እዩ፡፡ እቲ ኣብ ሮሜ 8፡29-30 ተጸሒፉ ዘሎ ﷽ነቶም ቀደም ዚፈለጦም . . .  ንምስሊ ወዱ ንኽመስሉ ቐደም መዲቦም፡፡ ነቶም ቀደም ዚመደቦም ንኣታቶም ድማ ኣጽደቆም ፡፡ ነቶም ዘጽደቖም ንኣታቶምውን ኣኽበሮም”። ነዚ ወነንቱን ፡ ኣምላኽ ዘኽብረናን ሰባት ኰይና ክንርከብ ኢና፡፡ ስለዝኮነ ክቡራት ኣንበብቲ ነዚ ነገር እዚ ርእስêም ምሉእ ብምሉእ ንምውፋይ ጐይታ ንኽሕግዘኩም እናጸሌኹም ኣንብብዋ፡፡

2. ብቓል ኣምላኽ መሰረት ንመን ኢና እነኽብር?

ንሕና ኣመንቲ ተባሂልና ንጽዋዕ ፡ ቃል ኣምላኽ ኪንፍጽሞ ዚደልየና ንጹር መምርሒታት ሂቡና ኣሎ፡፡ ነዚ ድማ ብዘይ ዋጋ ዕዳጋ ክንእዘዞን ክንነብረሉን ጥራይ እዩ ዘድልየና፡፡ ብፍላይ ንገዛእ ርእስና ምንባር ሓዲግና ንኣምላኽ ንነብር ሰባት እንተደኣ ኰይንና፡ ነቲ ጐይታና ዚበሎ ቃል ክንነብረሉ ይግባእ፡፡ ﷽ እቲ ትእዛዘይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ ﷽ ( ዩሃ 14፡21) ዚብል ቃል ኣባና ደኣ ይፈጸም፡፡

ካብ መንጎ እንተቃል ኣምላኽ ንኽእዘዘንን ክንፍጽመንን ዚደልየና፡ ኣዝየን ኣገደስቲ፡ ኪተርፋ ዘይግብኤን ነገራት፡ ገለ ካባታተን ንመልከት፡-

  • 2.1. ብቐዳምነት ደረጃ ንኣምላኽ ዚግብኦ ክብሪ ንሃቦ ﷽
  • . . . ንእዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ. . . ﷽ (ሉቃ 10፡27)። ﷽ ኩሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኸኽብሮ. . . ﷽ (ዮሃ 5፡23) ከም ዚብል፡ ንኣምላኽ ከነኽብሮ ናይ ግድን እዩ፡፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ህይወትና ከነርእሶ፡ ንሱ ወናኒ ናይ ህይወትና ስለዝኰነ መዘወር ህይወትና ከነትሕዞ፡ ዙፋን ልብና ንሱ በይኑ ክቕመጦ ኪንገብር ሓላፍነት ኣሎና፡፡ ስለ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ህይወትና ይኸብር፡፡ ኣብ መነናብሮና ይኸብር፡﷽ እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝኮነ ይኹን እንተ ገበርኩም ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎÈ” ዚብል ቃል ኣብ ህይወትና ይፈጸም(1ቈረ 10፡3)፡፡ ክንባረኽ እንተ ደኣ ኰይና፡ ነዚ ዕላማ እዚ ቀዳምነት ሂብና ንምንባር ክንቃለስ ኣሎና፡፡ ጐይታ ኸኣ ነዚ ብምፍጻምና፡ ብኹሉ መዳይ ኪባርኸናን ምሳና ኪወጽእን እዩ፡፡

  • 2.2. ንወለድና ነኸብር፡-

  • ﷽ኣቱም ውሉድ እዚ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም፡ ኣቦኻን ኣዴካን ኣኽብር ጽቡቕ ኪኰነልካ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቀዳማይ ትእዛዝ እዩ﷽ (ኤፌ 6፡  1-3)። ንወለድና ብጐይታ ክንእዘዞም ቅኑዕ እዩ። ነቦኻን ነዴኻን ብምኽባር ጽቡቕ ንኺኾነልካ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዕድሜኻ ኺነውሕን፡ ተስፋ ዘለዎን እዩ እሞ ብሓቂ ንወለድና ግቡእ ክብሪ እንህብን እንእዘዝን ክንከውን ኣሎና፡፡ ንኣምላኽ ብምፍራህ ድማ፡ ንወለድና ጽን ክንብሎም፡ ክንእዘዞም፡ ከነፍቅሮም፡ ኣሰሮም ብጐይታ ከንስዕብ፡ ግዜ ክንህቦም፡ ኣብ ቅድሚኦም ብስርዓትን በገባብን ክንመላለስ ይግብኣና፡፡ ስለዚ እቲ ዝሕሸና እንታይ ምኻኑ ብምምርማር፡ ምስ ስድራቤትና ከምቲ ጐይታ ዚደልየና ኰይና ክንመላለስ ርእስና ንወፊ፡፡

  • 2.3. ንመራሕትን ኣገልገልትን ቤተክርስትያን ነኽብር፡-

  • ነቶም ኣብ ማሕበር ጐይታ ኣምላኽ ዝሸሞም፡ ንሕና ምእንቲ ክንርብሕ፡ ንኽንዓቢ፡ ንኽንበስል፡ ኣምላኽ ድማ ብኣና ምእንቲ ክኸብር፡ ናብ ተምሳል ወዱ የሱሱ ክርስቶስ ምእንቲ ክንቅየር ስሌና ዚተግሁ ብዙሓት እዮም፡፡ ሃውርያ ጳውሎስ ኣብ 1ተሰ 5፡ 12-14 ﷽ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኽትኩም ዝጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕድኹምን፡ ክትፈልሕዎም ንምዕደኩም ኣሎና ﷽ይብል፡፡ እዚ ማለቱ ድማ፡ ኣኽብርዎም፡ ተኣዘዝዎም፡ ስምዕዎም፡ ደድሕሪኦም ሰዕቡ፡ ምሰልዎም፡ ኣብ ቅድሚኦም ብትሕትና ኣገልግሉ ማለቱ እዩ፡፡ ﷽ሳሙኤል እቲ ቖልዓ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ﷽ (1ሳሙ 3፡1) ዚብሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቶም ክመርሑና ዚህበና ኣገልገልቲ፡ መራሕቲ ቤተክርስትያን፡ ቅቡል ብዚኰነ መገዲ፡ እግዚእብሄር ብዚፈትዎ መገዲ፡ ንኸነገልግል ጐይታ ይሓግዘን፡፡

  • 2.4. ኣብ ስራሕ ንኣሕሉቕና ከነኽብር ይግባእ፡-

  • ኣምላኽ ኣብ ዝሃበና ስራሕ ኩሉ፡ ካብ መንጎ እቶም መሳርሕትና፡ ብፍሉይ መገዲ እንልለ፡ ትሕትናና፡ ኣካይዳና፡ ምእታውና፡ ምውጽእና፡ ግዜ ምሕላውና፡ ምስ መሳርሕትናን ሓለፍቲ ስራሕናን ዘሎና ርክብ ፍሉይ ክኸውን ይግባእ፡፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነቶም ኣብ ዘመኑ ዝነበሩ ሰብውዕለት ከምዚ ክብል ጽሒፉሎም ኣሎ፡ 1ጢሞ 6፡1 ï“እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለው ኹሎም በሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ከምዝግብኦም ይቍጸርዎምÈ” ፡፡ ቲቶስ 2፡9-10 ድማ፡ ﷽ ግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽሽለምዎ፡ ብኹሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰነ፡ê ንጐይተቶም ዝግዝኡ፡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብኹሉ ባህ ዜብሉ ኪኰኑ ምዓዶም¬” ይብል፡፡

ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብ ዕዮናን ስራሕናን ምስ ኣመንቲ ንኹን ምስ ዘይኣመንቲ፡ ምስ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ይኹኑ ምስ ዘይፈርሁ፡ ኣብ ኩሉ መዳያትና፡ ስም ኣምላኽን እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ትምህርቲ ቃል ምላኽን ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ እዙዛት፡ ክብሪ እንህብ፡ ብተግባራትና ንእምነትና እነርእዮ፡ ከምቶም ሕሱማት ዓየይቲ ዘይኰነስ ከምባሮት ኣምላኽ፡ ብኹሉ መንገድታትና ንኣምላኽን ነቶም ኣሕሉቕናን ባህ እነብል ኰይና ንኽንርኸብ፡ ሓላፍነት ኣሎና፡፡ በዚ ኹሉ ድማ፡ ኣምላኽ ብኣና ስሙ ንኽጽዋዕ፡ ዚከኣለና ንግበር፡፡

መኣስ እዚ ጥራይ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስውን ብወገኑ፡ ኣብ 1 ጴጥ 2፡18 ﷽ኣቱም ግዙኣት ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዛዝዎም ﷽፡፡ እዚ ማለት፡ ኣምላኽ ኣቲ ዚህበና ዕዮ፡ ወይ ድማ ስራሕ፡ ጥዑማትን ሕያዎትን ይህልው፡ ከምኡድማ ሕሱማትን ዓመጽትን ኸጋጥሙና ይኽእሉ እዮም፡፡ ግናኸ ከም ኣመንቲ፡ ህይወትና ከይበላሾ፡ ኣካይዳና፡ ኣዘራርባናን ከይበላሾ፡ ብጥንቃቐን ብኽብረትን ክንመላለስ ጐይታ ይደልየና እዩ፡፡
  • 2.5. ንመራሕቲ ሃገር ከነኽብር ይግባእ

  • '.... ንኣምላኽ ፍርህዎ ንንጉስ ኣኽብርዎ፡ '' (1ጴጥ 2፡17) ﷽ ወደየ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር፡﷽(ምሳ 24፡21) ዚብል ቃል ኣምላኽ ኣሎና፡፡ ንንጉስ ንኻልኦት መራሕቲ ሃገር፡ ንሕጊ፡ ከምኡውን ከም ሰባት ብእኡ ኽንምራሕን ኽንሕልዎን ዚግብኣና መምርሒታት ክንክተሎ፡ ግድነት እዩ፡፡ እዚ ኩሉ ኽንገብሮ ዚግብኣና፡ እቲ እዚ ኪኸውን ዚፈቐደ፡ ስልጣን ዚሃበ፡ ሽመት ዝዓደለ፡ እቲ ንሕና እንሰግደሉን እነምልኾን ኣምላኽ እዩ፡፡ ኩሉውን ንሱእዩ ዝገዝኦ እሞ፡ ንኣምላኽ ፈሪህና ንኽሪêሉ ስልጣናት ኪንግዝኦ ይግበኣና፡፡ እዚ ቃል ኣምላኽ ዝምህሮ ሐቂ እዩ እሞ፡ ብዝኰነ ሓሳባትና ፍልይ ዝብል እንተ መሰለ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብምትሓት፡ ክንምርምሮን ኣምላኽ ዚብለና ኺንገብርን ኣገዳሲ እዩ፡፡ እዚ ንምግባር ድማ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 13፡8 ዚብለና ﷽ እምበኣርሲ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ክብረት፡ ንኹሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ፡፡﷽ ነዚ ንምግባር ድማ፡ ሕልናን ልቦናን፡ ጥብርብን ዚመልኣ ኣካይዳ ኸድልየና እዩ እሞ፡ ምርሒት ኣምላኽ ኣዝዩ ከምዘድልየና ፈሊጥና ምስዓቡ ኣገዳሲ እዩ፡፡

2.6. ቃል ኪዳን ከነኽብር ኣሎና

ሓዳርናን ስድራቤትናን፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዚእዝዞ መሰረት፡ ኣምላኽ ዚርኣየሉ፡ ፍቕሪ ዝዓዘዞ፡ ሰላምን ሓጐስን ዚሰፈኖ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚተመስረተ ኰይኑ ንኽርከብ ግቡእና ክንፍጽም፡ ሓላፍነትና እንዋጻእ ኰይና ክንርከብ ይግባእ፡፡

'' ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኩሉ ክቡር፡ እቲ መደቀሲ ኣሚን ከኣ ዘይረክስ ይኹን'' እብ 13፡4 ይብለና እዩ እሞ፡ ንኪዳና ብኽብሪ ክንሕዞ ኣሎና፡፡ ኪዳን ሓንሳብ ንሓዋሩ፡ ምስ ኣቶኻዮ ንድሕሪት ዘይትብለሉ፡ እንታይ ኣለዎ ዘይብሃሎ፡ መተካእታ ዘይርከቦ ብምኻኑ፡ ብፍቕርን ብሓልዮትን፡ ብጸሎትን ብምርድዳእን እናኰስኮስና፡ ዘይምኖ፡ ኩሉእዋን ዚኹêላዕ ጌርና ንኽንሕዞ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ክንከናኸኖን ክንጥንቀቐሉን ይግብአና፡፡

ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ኣብ ቲቶስ 2፡4-5 ተጽሒፉ ዘሎ ንክትንመላለሳ ነዚ ነገር እዚ ርእስኽን ክንውፍያ ﷽ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ እቲ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ከይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ፡ ንጹሃት፡ ቤተን ዝኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪኰና ኸለብምኤን ምዓደን﷽። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም፡ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንኽትእዘዝዎ ሓላፍነትኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ 1ጴጥ 3፡7 ዚበሎ ድማ ንመልከት፡ ﷽ኣቱም ሰብኡት ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከምመዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩêም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ፡፡

ሰብኣይን ሰበይትን ብኸምዚ ዚበለ ኣካይዳን ኣምርን ኣምርን ንምራሕ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርን ንገዛዛእን እንተድኣ ኰይና፡ ብሓቂ ውሉድና ብሩኻት፡ ቤትና ብሩኽ፡ ኩሉ እንገብሮ ድማ ንኣምላኽ ባህ ዜብልን ዘሓጉስን ኢና እንኸውን እሞ፡ ኣሕዋተየ ንኣምላኽ ኣብ ቤትና ንቐድሶ፡፡

2.7. ንመበለታት ነኽብረን

ነተን ብጐይታ ጸኒዔን፡ ሓዳረን ብግቡእ ኣልየን፡ ሰብኡተን ንዚተፈልይወን ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ፍሉይ ክብሪ እዩ ዚህበን። ብፍላይ ድማ ነተን ጠሪሰን ውሉድ ዘይብለን፡ ኣእጋር ቅዱሳን ዚሓጸባ፡ ቀልባዕባዕ ዘይበላን ንጐይታ ብኹሉ ዚሰዓብኦን ዓበይቲ ኣንስቲ፡ ብሉጽ ክብሪ ከምዚግብኤን ቃል ኣምላኽ ኣነጺሩልና ኣሎ፡፡ ስለዝኰነ ድማ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ጢሞ 5፡3 ከምዚ ይብል፡ ﷽ ነተን መበለታት ብሓቂ መበለታት ዝኰና ኣኽብረን፡﷽ ስለዚ ማሕበር ኣምላኽ ብሓባር፡ ከምኡውን ኣመንትን ስድራቤታትን ብውልቆም፡ ንኸምዚኣን ዚበላ ኣንስቲ ፍሉይ ቆላሕታ፡ ፍሉይ ክንክን፡ ፍሉይ ጉስነት ብምግባር፡ ንጐይታ ብጸሎት ንኸገልግልኦ ምትብብዓን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ነተን ምስእሽቱ ኣንስቲውን፡ ከም ኣዴታተን ንኸለብምኤን ዘከእኣል ዕቑር ተመኩሮን ብስለትን ስለዘለወን፡ ንምኽሪ፡ ንተግሳጽ፡ ንምዕዶ፡ ብኹሉ ሸነኽ ኣዝየን ጠቐምቲ እየን እሞ፡ ክንጥቀመለን ምእንቲ ብቓል ኣምላኽ መሰረት ኣኽቢርና ድኣ ንሓዘን፡፡  

2.8. ነቶም ድኹማት ከኣ ንከናኸኖም

ኣብ ቤት ኣምላኽ ይኹን ኣብ ማሕበረሰብ፡ ዓቕሚ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ መዕቀኒታት ይፈላለ እዩ፡፡ ስለኰነ፡ ብርቱዓትን ድኹማትን፡ ህውኻትን ዓቃላትን፡ ሃብታማትን ድኻታትን ወዘተ. ንኺህልው ግድነት እዩ፡፡ እዚ ስለዝኰነ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ ነቶም ድኹምት፡ ዓቕሚ ዝውሕዶም፡ ኣምላኽ ድማ በቶም ብርቱዓት፡ በቶም ሰብ ጸጋ፡ ኺእለዩ ዚደልዮም ሒደት ኣይኰኑን፡፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ፡ ጸጸግኡ ስለዘለዎ፡ ነዞም ከምዚኦም ዚበሉ ንምግልጋል ኣምላኽ ጸጋ ዝዓደለና ሰባት፡ ቆላሕታ ኽንገብረሎምን ከይንርዖምን እሞ ኣምላኽ ከይፈርደልና ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ተሰ 5፡14 ክዛረብ ንከሎ ከምዚ ይብል፡ ﷽ኣቱም ኣሕዋትና …… ነቶም ሕልነኦም ዝዕረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንኹላቶም ተዕገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ሎና\። ንድኹማት ምድጋፍ፡ ምዕጋስ እምብኣር፡ ሐደ ካብቲ ብህይወት እንከሎና ክንፍጽሞ ዝግብኣና ተግባራት ምዃኑ ፈሊጥና፡ ግቡእ ክብሪ ብምሃብ ከነገልግሎም ጐይታ ይደልየና ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ከኣ፡ ናይ ግብሪ ኣገልግሎት ስለዝኰ፡ነ ትዕግስትኻ ዝጽንቅቕ፡   ዓቕሊ ዝሕትት፡ ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ፡ ገንዘብካን ጉልበትካን ዝጠልብውን ብምዃኑ፡ ትዕግስቲ ዘለዎ ኣካይዳ ብምኻድ ንኽንፍጽሞ ጐይታ ይሓግዘና። ብርክና ክንውስኸሉ እንተዘይክኢልና ከኣ፡ ኣዝዩ ደባሪ፡ ተስፍ ዘቑርጽ እዩ ዚኸውን እሞ፡ እቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት እንሳተፍ፡ ኣሕዋትና ብጸሎት ንኽሕጉዙና፡ ብድሕሬና ደው ንኽብሉ፡ ኩሉ እዋን ምዝኽኻሮም ኣይንሕደግ።

2.9 ንኹሉ ሰብ ነኽብርኣብ

ማሕበር ኣምላኽ፡ ኣብ ቤት፡ ኣብ ከባቢናን ማሕበረሰብናን፡ከም ኣመንቲ፡ ከምደቂ ጐይታ ምእንቲ ክንፍለጥ፡ ብትሕትናና፡ ብፍቕርና፡ ብሕውነትና፡ ብግቡእ ብምምልላስና፡ ቅኑዕ ዘበለ ብምፍትውና፡ ግቡእ ኣነባብራ ብምዝውታርና፡ ንኣምላኽ ምፍራህናን ካልእን፡ ሕላገት ህይወትና ኰይኑዶ በዚ ንፈልጥ ንኽውን? እዚ ምእንቲ ክኸውን እምብኣር፡ ቃል ኣምላኽ ﷽… ንኹሉ ሰብ ኣኽብሩ…\ ይብልና (1 ጴጥ 3፡ 16-17)። እዚ እቲ ኣምላኽ ንሰባት ክንህቦም ዝግብኣና ኩሉ ዓይነት ክብረት፡ ስለ ክርስቶስ ኢልና ክንህብ እዩ ዝድርኸና። ሃዋርያ ጵውሎስውን ኣብ ሮሜ 12፡10 ﷽ ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቐዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ\ይብለና።ኣሕዋተይ፡ እቲ ምክብባር ኣብ ሓድሕድና፡ ኣብ ውሽጥና ክጅምርን ክንለማመዶን ዝግባእ እዩ። ሽዑ ድማ ሒዝናዮ ንደገ ክንወጽእ  ቀሊል ይኸውን እሞ፡ ዝያዳ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ምክብባር፡ ምትሕልላይ፡ ፍቕሪ፡ ወዘተ. ቦታ እንተሃብናዮ፡ እዚñ ኸኣ ብተዓጻጻፊ ኣብ መጐ ሰባት ኣዚና  ክንከብር ዘኽእለና ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።

2.10. ንተጻረርትናውን ከይተረፈ እዚ ነርእዮም

ኣብ መንጎ ኣሕዋትናን ብጾትናን፡ ኣብ መንጎ ህዝብናን ከባቢናን፡ ከም ኣመንቲ ኣብ እንመልለሰሉ እዋናት፡ ምናልባት ከማታቶም ስለ ዘይንሰቲ፡ ዘይንሰክር፡ ዘይንዓብድ፡ ነቲ ክፉእ ስለ ዘይንሓብሮ፡ ኣብቲ ስራሕ እከይ ስለዘይንጽንበር፡ ሰባት ኪጸልኡና ይከኣል እዩ፡፡ ካብ እምነትና ዝተላዕለ ድማ፡ ብብዙሕ መንገዲ ፈተና ከስዕቡልና፡ ኣንጻርና ክጉስጉሱን ኪዛረቡን፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉድይ ኣትዮም ዘይምልከቶም ነገራት ኪፍጽሙ፡ ከሕርቑናን ከበሳጭውናን ዚፍትኑ ኣይሰኣኑን እዮም፡፡

ኣብ ከምዚ ዚበለ ኩነታት እምበኣር፡ ኣካይዳና፡ ኣዘራርብና፡ ርክባትና፡ ግብረመልስና፡ እንታይ ኰን ይመስል ይኸውን? ቃል ኣምላኽ፡ ምስ ከምዚኦም ዚበሉ ሰባት ከይተረፈ፡ ብኸመይ ክንመላለስ ከምዘሎና ኣነጺሩ መምርሒ ሂቡና ኣሎ፡፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ 1ይጴጥ 3፡16-17 ከምዚ ይብለና፡ ﷽ . . . እቶም ነቲ ብኽርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣካይድኹም ዚጸርፉ፡ በቲ ዚሓምዩኹም ምእንቲ ክሓፍሩ፡ ሰናይ ሕልና ይሃልኹም﷽ ፡፡ ከምኡውን ሃዋርያ ጵውሎስ ንቲቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ቲቶ 2፡7-8 ﷽ ካብቶም ተቓናቐንቲ፡ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ሲኢኑ ምእንቲ ኽሕፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእስኻ ኣርኣያ ግበር﷽ ይብለና፡፡ ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት እምበኣር፡ ዘረባና፡ ተግባራትና፡ ትምህርትና ኩሉ፡ ሰናይ ኰይኑ ንኺርከብ፡ እሞ ድማ ነቶም ተጻረርቲ ስለ ኣምልኽ ክንብል፡ ሰናይ ጥራይ ብምርኣይ፡ ብርዝነት ኣብ ቅድሚኦም ክንመላለስ፡ ዘይግብኦም እኳ እንተኰነ፡ ብኽብሪ ክንጥምቶም ቃል ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ነገር ብምዃኑ፡ በዚ ኣካይዳና ከነጸብቕ ይግበኣና እዩ፡፡ እቲ ቐንዲ ጸላኢና፡ ንስጋን ደምን ኣዋዲዱ ዚመጽእ፡ ንት ተሸፉኑ፡ ብድሕሪ ደቂ ሰባት ኰይኑ ዚዓዩ ዲያብሎስ ምኻኑ ብምስትውዓል፡ ካብ መንፈስዊ መስመር ወጺእና፡ ናብ ህልኽን ስጋውነትን፡ ናብ ህውከትን ባእስን፡ እሞ ድማ ተጣዒስና ክንእርሞ ኣብዘይንኽእለሉ ደረጃ ከይንሰጥም፡ ንኣምላኽዉን ከይነጉህዮ፡ ኣሰር ክርስቶስ ንምስዓብ ደኣ ንጋደል፡፡

እዘን ዝርኤናየን ዓሰርተ ነጥብታት፡ ካብ ቃል ኣምላኽ እንተነበርናለን፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንተሰዓብናየን፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ዝሕጐሰለን፡ ኣብ መንጎ ህዝብናን ማሕበረሰብናን ድማ እንዳረዘና ንኽንኸይድ፡ ክብረትና እንዳሓደረ ዝውስኽ ኰይኑ ክንረኽቦ ኢና፡፡ ሰባት ድማ፡ ነቲ ጽቡቕ፡ ንጹህ፡ ረዚን፡ ሰናይ ዝኰነ ኣካይድና ብምርኣይ፡ ብዙሓት ንኣምላኽ ከመስግኑ፡ ሓያለውን በቲ ህይወትና ተስሒቦም ናብ ጐይት ክመጹ እዮም፡፡ ስለዚ ኣሕዋተይ፡ ንሰባት ዘሎና ኽብሪ፡ ብመንጽር ቃል ኣምላኽ ጥራይ ብምርኣይ፡ ኣሰር ክርስቶስ ብምኽታል ክንስዕብ፡ ኣምላኽ ድማ ብኣና ከቢሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤቱ፡ ስለ እቲ ኹሉ ዚፈጸምናዮ፡ ዚተዓገስናዮ፡ ዝሓለፍናዮ፡ ስለስሙ ክንብል ዚኸፈልናዮ ዋጋ፡ ዓስብና ኪህበና ምዃኑ ፈሊጥና ንቕድሚት ገጽና ንድፋእ፡፡


3. ንኽብረት መለክዒኡ እንታይ እዩ? 

ንሰባት ምኽባር ማለት፡ ንዘለዎም ብዋጋ ክትመን ዘይክእል ክብረት፡ ልዕልና፡ ኣምላኽ ዝሃቦም ሰብኣውነት፡ ከምዝግባእ ምቕብል ማለት እዩ፡፡ ከምቲ ኣብ ሉቃስ 10፡16 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ﷽ ንኣኻትኩም ዝሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕሕ ድማ ንኣይ ይንዕሕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቕ﷽ ዚብለና፡ ንሰባት ምንዓቕና፡ ነቲ ድንቂ ጌሩ ብዘገርም መንገዲ ዚፈጠሮም ኣምላኽ፡ ንተግባር ኣእዳው ምስትንዓቕን ምዝላፍን ምዃኑዶ ዀን ነስተውዕሎ ንኸውን?

ንሰባት ከምቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮም ጌርና ክብሪ ነፍሲወከፍ ንሕሉ እንተድኣ ኰይና፡ ንኣምላኽ ጥራይ ኣይኰናን ነኽብር፡ እንታይ ድኣ ንገዛእ ርእስናውን፡ ብኸመይ ዝበሉ ክቡራት ሰባት ዝተኸበብና ምዃና ብምንጋር፡ ክብረት ገዛእ ርእስና ኢና እንገልጽ፡፡ ንሰባት ዚግብኦም ክብሪ ካብዘይምሃብናን፡ ብንዕቀትን ትዕቢትን ተመሊእና ብነዋዶም መጠን ድማ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ኣይኰናን ዘይነኽብር፡ ንሕና ባዕልናውን፡ ብኸመይ ዝበሉ ዘይጠቕሙ ሰባት ተኸቢብና ምህልውናን፡ ንባዕልናውን ዘይንጠቅም ሰባት ምዃናን ኢና እንገልጽ፡፡

ኣብዚ ዘመን እዚውን ማሕበረሰባትና፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዚብሎ፡ ተሪር ወለዶ፡ ሕሱም ህዝቢ፡ ጃህራን ምፍኽናንን ዚበዚሖ፡ ፍቕሪ ቤተሰብ ዘይፈልጥ፡ ንገንዘብ ዚፈቱ፡ ብኹሉ ሸነኻቱ ድማ ንኣይ ይጥዓመኒ ጥርይ ዝብል ስለዝኰነ፡ ብዛዕባ ብጻዩ ዘይግድሶ ብኹሉ መለክዒታት ከምዚ እንከሎ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ውድቀት ዝተቖማጥዔ፡ ካብምዃኑ ዝተላዕለ ድማ፡ ንክርስትና ክብረት ዘይህብ፡ ንቓል ኪዳን ክብረት ዘይህብ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ፡ ሕሱም ወለዶ ኣብዝገነነሉ ኢና ዘሎና፡፡

እዚ ከምዚ ዝበለ ክብረት፡ ኣብ ማሕበረሰብና እናተባሕጎገ ኣብ ዝመጸሉ፡ ዘረጋግጸልና ሓደ ነገር እዩ። ንሱ ድማ፡ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን፡ ብዛዕባ ካልኦትን ዘሎና ሓቀኛ ስእሊ፡ ዝተበላሸወ፡ ዘይቅኑዕ፡ መኣዝኑ ዝሰሓተ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ምኻኑ እዩ፡፡ ስለዚ ሓቐኛ ክብረት ንሰባት ኣብ እንህበሉ ደረጃ እንተሎና፡ ነቲ ሓቐኛ ኣምላኽ ግቡእ ክብሪ እንህብ፡ ሰብ ድማ ከመይ ዝበለ ፍጡር ምኻኑ፡ ሓቀኛ ስእሊ ናይ ገዛእ ርእስናን ናይ ሰባትን ዘጥረና ምስ እንኸውን እዩ፡፡ ነቲ ፈጣሪ ዚዀነ ኣምላኽ፡ ክብረቱን ልዕልንኡን ዘይንፈልጥ፡ ዋጋ ሰባት ድማ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ዘይነስተውዕልን፡ ሓቀኛ ስእሊ ዘይብልናን እንኰና ድማ፡ ብኡ መጠን ነዋርዶም፡ ነሕስሮም፡ ንገዛእ ርእስና ድማ ድርቡያትን፡ ካብ ኣምላኽ ክብረት ዘይትረክብን ጌርና ኢና እነቁማ፡፡ ክቡራት ኣሕዋት፡ እቲ ንሰባት እንህቦ ኽብሪ። ነጸብርቕ ሓቀኛ ስእሊ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን እዩ እሞ፡ ሓቀኛ ስእሊ ምእንቲ ከነጥሪ፡ ብኡ መጠን ድማ ንሰባት ከነኽብሮም ምእንቲ፡ ዓቢ ጥንቃቐ ክንወስድ ይግብኣና እዩ፡፡

ኣረ ክብረት ናይ ሰባትከ ብምንታይ ኢና ንልክዖ? ክብረት ናይ ሰባት ክንመዝነሎም እንኽእል፡ ሰለስተ መገድታት ኣለው፡ ግናኸ ኣብ ኣጠቓቕማኦም ሓቀኛ ሚዛንን ጥንቓቐን። ከምኡውን ትሕትና ከምዘድልየና ክንዝንግዕ የብልናን፡፡
 

3.1. ውሽጣዊ ክብረት ናይ ሰባት

ኣምላኽ ብመጀመርታ ንሰባት ኪፈጥረና እንከሎ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ ዝብሎ፡ ﷽ ብመልክዕና፡ ከም ምስልና፡ ሰብ ንግበር﷽ (ዘፍ 1፡26)። ብመልክዕን ተምሳልን ኣምልኽ ዚተፈጥረ፡ ንኹሉ ፍጥረት ኪገዝእ ምእንቲ፡ ግርማ፡ ስልጣን፡ ሓይሊ ዝተዓደሎ እዩ፡፡ ነዚ ብምዝካር፡ ንዝኰነ ኣዳማዊ ፍጡር፡ ነዊሕ ይኹን ሕ፷ïïር፡ ጸሊም ይኹን ቀይሕ፡ ድኻ ይኹን ሃብታም፡ ዘይተማህረ ይኹን ምሁር፡ ወዘተ. ብዘየገድስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ክብርን ግርማን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግቡእ ክብሪ ክንህቦ ኣሎና፡፡ ልክዕ ከምቲ ወርቂ ይኰላዕ ይርሳሕ፡ ብሓዊ ይሕለፍ፡ ብሞዶሻ ይቀጥቀጥ ብዘየገድስ፡ ወርቂ ምዃኑ ዘይተርፎ፡ ክቡር ተብሂሉ ድማ ዝጽዋዕ፡ ሰብውን በቲ ኣምላኽ ዝዓደሎ ግርማን ክብርን፡ እጽቡን ድንቅን ኰይኑ ዝተፈጥረ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ግቡእ ክብረት ክንህቦ ይግበኣና እዩ፡፡

ኣብ ግብ 9፡ 13-16 እንተተመልከትና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሃናንያ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ምግላጽö ሂብዎ፡ ሃናንያ ግና ንቕዱሳንካ ክንደይ ክፉእ ከምዝገበሮም ሰሚዔ ኣለኹ፡ ሕጂ ድማ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዘለው ቅዱሳን ንክኣስር እዩ መጺኡ ዘሎ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ኣእምርኡ ዝነበረ ሕማቕ ስእሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምትንታን ንጐይታ ቐሪብዎ። ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታት፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን፡ ንስመይ ክጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ሓሳረ መከራ ክጸውር ከምዝግብኦ ከርእዮ እየ። ዝለዚ ኺድ ኣብቲ ቀራና ርኸቦ ኢልዎ።

ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ንሰባት በቲ ኣብ ኣእምሮና ዝተቀርጸ ሕማቕ ስእሊ፡ ብሰማዒት እዝኒ ዝሰማዕናዮ ሕማቕ ወረ፡ ካብ ጐይታ ብዘይኰነ ሕማቕ ሰእሊ፡ ሕሉፍ ታሪኽ፡ ኣረጊት ታሪኽ፡ ዘካተተ ሕማቕ ሰእሊ ዶኰን ንፈርዶም ንህሉ? ካብ ጐይታ ብዘይኰነ መለክዒ ተጠቒñምና ነዋርዶም፡ ንስሞም ንብልሎ፡ ንህሉ ንኸውን? ኣይንዓሹ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብረት ኣይንኸልኣዮም፡ ቅኑዕ ስእሊ ካብ ጐይታ ንምጥራይ ምቅላስ፡ ንኹሉ እቲ ዘዝግብኦ ክብሪ ንምሃብ ድኣ ንቃለስ።

3.2 ባህርይ ናይ ሰባት

 እዚ ዓይነት ሚዛን እዚ፡ ንሞራላዊ ትሕዝቶ፡ ጠባይ፡ ኣካይዳ፡ ልምዲ፡ መምርሒ ህይወት ናይ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሰባት ከነኽብሮም ወይ ድማ ክብረቶም ነኸነጉድለሎም ንጥቀመሉ ሜላ እዩ። እቲ ባህርያቱ ምስ ናትና ዝሰማማዕ፡ ወይ ድማ ነቲ ኣካይዳናን መምሪሒ ህይወትናን ዝመሳሰል፡ ንኣና ዝድግፍ፡ ዝሰማማዓና እንተድኣ ኰይኑ፡ ክሳብ ምሳና ዝኸደ እዋን፡ ኣብ ህይወትና ክብሪ፡ ሞጐስ፡ ናእዳ ይረክብ። ካብቲ ናትና መለክዒታት ወጻኢ ኰይኑ ምስዝርከብ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ክብሪ ውርደት ኢና ኣነሰክሞ።

ባህርይ ናይ ሰብ፡ ብቐሊሉ ዘይፍለጥ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ክትፈልጦ ዘይትኽእል፡ ምስ ሰባት ነዊሕ እዋናት ብምጉዓዝ ዝጥረ፡ ልዕሊ እቲ ብቐሊሉ ክርኣን፡ ክልለን፡ ክነጽርን ዝኽእል ክእለት ናይ ሰባት፡ ልዕሊ ህያብን ኣገልግሎትን ናይ ሰባት ዝርኣ እዩ። ስለዝኰነ ድማ፡ ልዕሊ እቲ ቀልጢፍና ብደገ ክንርእዮ ንኽእል ነገር፡ ብቐሊሉ ክንፈርዶ እንኽእል፡ እዃ ደኣ እናሓደረ ዝኩላዕ፡ ነባርን ዘይሃስስን፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ድማ ዝገሃድን እዩ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እቲ እንህቦ ክብረት፡ ብቐሊሉ ክውሃብን ኪጎድልን ዘይክእል እዩ። ምናልባትውን ገለገለ ሰባት፡ ነቲ ደግኣዊ ብምርኣይ ጥራይ ንሰብ ቀልጢፎም ላዕሊ ይሰቕልዎ እሞ፡ ውሽጡ ምስ ፈለጡ ድማ ቀልጢፎም ዘዋርድዎ ከይኰነና፡ እዚ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምልላይን ምፍላጥን እዋን፡ ልቢ ንልቢ ምስተወሃሽብካ፡ ናይ ውሽጥኻ ምስተፈላለጥካ፡ ክንጥቀመሉ ዝግብኣና ኰይኑ ይስምዓኒ። ስለዚ ከይንጋገ እሞ፡ ንሰባት ጎዲእና ንገዛእ ርእስናውን ከይንጎድእ፡ ሓያል ጥንቃቐ ከድልየና እዩ።

ኣብ 1ይሳሙ 16፡17 ﷽እግዚኣብሄ ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁሞቱን ኣይትጠምት፡ እግዚኣብሄር ሰብ ከምዝርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዝርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ በሎ﷽። ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣዒንትና  ንደገ፡ ጊዝያዊ ነጸብራቕ ድኣ እምበር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝርኣዮ፡ ናይ ልቢ፡ ናይ ውሽጢ፡ ውቃበን ባህርያትን ንምርኣይ ሽግር ስለዘለዎ፡ ከም እኒ ኤልያብ፡ኣብ ህይወትና፡ ኣብ ጉዕዞና፡ ኣብ ኩሉ መገድና ክብ ንምባር  ኢና እንህንደድ። ዳዊት እቲ ብሓቂ ኣምላኽ ዘኽበሮ፡ ጐይታ ዚቐብኦ፡ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፡ ቀስ ኢሉ እዩ ኣብ ዝፋኑ ዝድይብ እሞ፡ ኣሕዋተይ ብስጋ ተመሪሕና፡ ብፍላይ ኣብ ቤት ኣምላኽ እንወስዶ ናይ ክብ ምባልን ለጥቕ ምባልን ስጉምትታት፡ ሓደገኛ ምኻኑን፡ ሳዕቤናትዉን ከኸትል ከምዝኽእል ፈሊጥና፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ክንደልን፡ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ፡ ንኹሉ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክንገብሮን ይግባእ። እንተዘይኰነ፡ ሓንሳብ ንኤልያብ፡ ብጽባቔõኡ፡ ብቑመቱ፡ ብኽእለት ዘረብኡ፡ ወዘተ. ልዕል ምስ ኣበልናዮ፡ መከራና ከጽግበና ምዃኑ ኣይንረስዕ፡ ድምጺ ኣምላኽ ንዒቕና እንገብሮ ኩሉ ድማ፡ ፍዳና ከርእየና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ስለዚ፡ ነዚ ሜላ እዚ እትጥቀሙ እንተድኣ ኰይንኩም፡ ግዜ ውሰዱ፡ ምስ ኣምላኽ ተማኸሩ፡ ተቐላጢፍኩም ብታህዋኽ ኣይትፍረዱ፡ ብዘስድዕ ዘረባ፡ ንልቢ ብዝማርኽ ቅብጥሮት ኣቤሰሎም ኣይትስድዑ፡ ግዜ ንኹሉ ይመምዮ እዩ እሞ፡ ጊዜ ወሲድኩም ምስ ጐይታ ብምምኽኻር ድኣ ግበርዎ፡  ኣምላኽ ድማ በዚ ክባርኸኩም እዩ።
 

3.3 ሰባት ዘመዝግብዎ ዓወታት

 ገለገለ እዋናት ከኣ፡ ንሰባት እንህቦም ክብረት፡ ብዙሕ ንዝጸዓሩ፡ ብዙሕ ንዝጎየዩ፡ ብዙሕ ዓወታት ንዘመዝገቡ፡ ርኡይ ውጺኢታት ንዘርኣዩ ጥራይ ይኸውን። ብሓቂ ዘድምዕ፡ ርኡይ ውጽኢታትን ፍረን ዘለዎ ኣገልግሎት ንዘበርከቱ ሰባት፡ ዝያዳ ክብረት ክንህቦም ኣገዳስነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ምትብባዕ ንባዕሉ ተወሳኺ ሓይሊ ብምዃኑን፡ በቲ ዘለዎም ናህርን ተወፋይነትን ንኽቕጽሉ ምድጋፎም ኣገዳሲ ስለዝዀነን።

ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ 1ጢሜ 5፡ 17-18 ከምዚ ይብል፡ ﷽. . . ነቶም ጽቡቕ ዘገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዝጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ﷽። እወ ነዞም ብሓቂ ዘገልግሉ፡ ህይወቶም፡ ገንዘቦም፡ ንብረቶም፡ ስድራቤቶም፡ ካልእ ዘለዎም ኩሉን ዝወፈዩ ኣገልገልቲ፡ ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦም እዩ። ኣብ ህይወትና ተቐባልነት ክረኽቡ፡ ኣብ ኣገልግሎትናን ቤትናን ክብሪ ክረኽቡ ይግብኦም። እዚ ግና ብሓቂ ነቶም ዝግብኦም ዘበሉ ክውሃብ ኣለዎ። ብሓቂ እንተድኣ ንጐይታን ንመንግስቱን ዝተወፈዩ ኰይኖም፡ ብብዙሕ መስዋእቲ፡ ብብዙሕ መከራን ሓሳርን፡ አረ ክግለጽ ብዘይክእል መገድን ምሕምሻሽን፡ ምእዛዝን ምስ ሓለፉ እዮም ዝኸብሩ። እዚ ድማ ጐይታ ባዕሉ ክብ ዘብሎም፡ ዝሸሞም እምበር፡ ሰባት ፈትዮም ኣይህብዎምን እዮም። ስለዚ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ባሮት ኣምላኽ፡ ከምቲ ቃሉ ድርብ ክብሪ ንሃቦም። ሓደ ሓደ ጊዜ ግና፡ ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ፡ ﷽ ካብ ዘገልገለስ ዘውደልደለ﷽ ዝብሃል ይበጽሓና እዩ። ንጥቕምናን ሓቢርና ምሳታቶም ክብ ንምባልን ኢልና እንወስዶ ስጉምተ፡ ንሂወትና ሃሳዪ፡ ንማሕበር ኣምላኽ ድማ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ ዝኸውን እሞ፡ ኣሕዋተይ ሕኸኸኒ እሞ ኽሓከካ ከይኰነና፡ እዚ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ኣብ መንፈሳዊ ስልጣን ዕድመ የብሉን፡ መወዳእታና ከይከፍእን ኣይበላሾን፡ ከምቲ ንጉስ ሄðሮዶስ ንኣምላኽ ክብሪ ስለዘይሃቦ፡ ንገዛእ ርእሱ ክብ ብምባሉ ሓሲኹ ዝሞተን፡ መወዳእታና ሕማቕ ከይኸውን ንጠንቀቕ ድኣ (ግብ 12፡23)።

መኣስ እዚ ጥራይ፡ መንፈሳዊ ዓወት፡ መንፈሳዊ ተበጃውነት፡ መንፈሳዊ ኣድማዕነት ድማ ንኽትመዝኖ እዝዩ ኣሸገሪ እዩ። እቶም ዘይርኣ ሕቡእ ኣገልግሎት፡ መንፈሳዊ ውግእ፡ ኣብ ዕርዲ ጸሎት ተገቲሮም ዝዋደቑ ቅዱሳን፡ ብኸመይ ኢና እንመዝኖም? ኣብ መድረኽ ዝርኣ ሰባኻይ፡ መልእኽተኛ፡ ነብይ ጥራይ ድዩ ዝሙገስ? ከምዚኣቶም ዝበሉ ክብረቶም ንኸይጎድል፡ መንፈሳዊ  ኣዒንትና ክኽፈትን፡ ብኹሉ መገዲ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ዝኰኑ፡ ምኡ ጌርና ብሓቀኛ ሚዛን ክብ ከነብሎም ልዑል ጥንቃቐ የድልየና። ከምብዓል ኤጳፍራስ፡ ﷽ ምሉኣትን ብኹሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኰይንኩም ደው ክትብሉ፡ ኩሉሳዕ ብጸሎት ዝጋደለልኩም﷽(ቆሎ 4፡12) ባሮት ኣምላኽ ከኣ፡ ዕጽፊ ክብሪ ይግብኦም እዩ እሞ ነዚኣቶም ኣስተብህልሎም ደኣ።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ካብ እዘን ዝርኣናየን ሰለስተ ዓይነት መምዘኒታት ክብረት፡ እቲ ኣዝዩ ከገድሰና ዝግባእ መምዘኒ፡ ውሽጣዊ ክብረት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ህይወት ነፍስወከፍና ክሰርጽ ይግብኦ። እዚ ዓይነት ሓቀኛ ሚዛን እዚ፡ ኣብ ህይወትና ምስ ዝጎድል ድማ፡ ጉድለትን ውድቀትን ኣብ ህይወትና እናጎልሐ እዩ ዝመጽእ። እዚ ሓቀኛ መምዘኒ እዚ ከይሓዝና ድማ፡ እቶም ካልኦት ክልተ መምዘኒታት ባህርይን ዓወትን፡  ብትኽክል ኣብ መዓላ ክውዕሉ ዘይክኣል እዩ። እዃ ድኣ፡ ኣድልዎን ዘይርትዓውን ኣካይዳ ብምሓዝ ናብ ዝገደደ ሽግር እዮም ዝሸሙና፡ ስለዝኰነ ክንጥንቀቐሎም ይግብኣና። ከምኡ ድማ፡ እዘን ሰለስተ መምዘኒታት እዚኣተን፡ ነናተን ግዜ፡ ቦታን ክብርን ክህልወን ስለዝኽእል፡ ኣዝየን ድማ ረቀቕቲ ስለዝኰናን፡ ክንጥቀመለን እንከሎና ንኸይተሓዋወሳና፡ ብርቱዕ ጥንቃቐ ክንገብረለን ኣገዳስነት ኣለዎ።

ውሽጣዊ ክብረት ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ ከይሓዘ ምስዝተርፍ፡ ኣድህቦና ብምሉኡ ኣብ ተግባራትን ዓወታትን ጥራይ ከምዝን ዚከኣል እዩ። ብፍላይ ድማ፡ ዓወታት ከነመዝግበሉ ኣብዘይንኽእል፡ ውጥረት ዝዓዘዞ፡ ውግእ ዝበዝሖ ህይወት ኣብዝገጥመና፡ ብዙሕ ሳዕ ውድቀትን ፍሽለትን ይስምዓና። እዚ እናበርትዐ ኣብዝኸደሉ መጠን ድማ፡ ውድቀትና ናብ ፍሽለት፡ ናብ ጸቕጢ፡ ለማስ ህይወት፡ ግጉይ ቅርጺ ገዛእ ርእስና፡ ምምህማን ውሽጣዊ ትብዓትናን ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነትናን፡ ክብረት ገዛእ ርእስናን ከነምርሕ ይገብረና እዩ።

ሓደሓደ ጊዜውን፡ ንዘይምዕዋት ከም ዓቢ ነገር፡ ከም መወዳእታ ኩሉ ነገር ጌርካ ምርኣይ፡ ብምግናን ድማ ነቲ ንእሽቶ ነገር ኣጉሊሕካ ብምቕራብ ዝግበር ወቐሳታት፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርይ ናይ ሰባት ክጎድእን፡ ንሰባት ድማ ኣብ ሓደጋ ክእትዎምን ይኽእል እዩ። በቲ ካልኣይ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ዓወታት ናይ ሰብ ንኣና ብዝርኣየና ጥራይ ኣልዒልካ ምግናን፡ ነቲ ሕማቕ ባህርያቱ ሓቢእካ፡ ነቲ ሰብ ንኸይማሓየሽ፡ ምስ ጐይታ ጽቡቕ ከየሎ ከም ጽቡቕ ጌሩ ኣቕርብ ስለዝርኣ ኣዝዩ ሃሳይ ክኸውን ይኽእል እዩ እሞ፡ ነዚውን ሚዛን ክሕለወሉ ይግባእ። ብተወሳኺውን፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርይ ናይ ሰብ ርኢኻ ጥራይ ንኸየማሓይሽ ሸለል ምባልውን ከስዕብ ከምዝኽእል ፈሊጥካ፡ ሸለል ዘይምባል ከድልየና እዩ።

ኣሕዋተየ፡ እዚ ኩሉ ብጸሎት፡ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽን ክፍጸም ዝግብኦ ምዃኑ ኣስተብሂልክምሙሉ ንኽትኰኑ ተስፋ እገብር። ስለዝኰነ ድማ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ኣብ 1ይ ተሰ 3፡7 ﷽ ኣብ ማእከልኩምሲ ከምታ ውሉዳ እትሓቁፍ መጥበዊት ኰይና እኳ ደኣ ርሕሩሓት ነበርና﷽። 1ይ ተሰ 3፡ 11-12 ﷽. . . ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝጽውዓኩም ኣምላኽ፡ ብቑዓት ኰይንኩም ክትመላለሱ ንነፍስወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፡ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና፡﷽ ዚብሎ፡ ከም ኣደን ከም ኣቦን ርሕራሐ ብሓደ ሸነኽ፡ ተግሳጽን መቕጻዕትን ድማ በቲ ካልእ ከየጉደልና፡ ንኣምላኽ ዚበቅዕ ህይወትን ኣገልግሎትን ንኸነማዕብል ሚዛን ዝሓለወ ኣካይዳን፡ ኣብ ቤትናን ኣብ ማሕበር ኣምላኽን ንኽህልወና ንጋደል።

_ይቅጽል !!!