ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ኣብ ሆስፒታል ተመዲበ እሰርሕ ነይረ። ሓደ ጊዜ ኣብ ውሽጢ በረኻ ዝርኸብ ሕክምና ብውጽኣት ዝሓመሙ ሕሙማት ክቕበል ስራሕ ተዋሂቡኒ ነይሩ።ኩሉ ጊዜ ንግሆ ናይ ስራሕ ሓላፊየይ ዝኾነ ዶክተር ይጽውዓኒ እሞ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሑጻ ኣብ ቃሬዛ(እስትሬቸር) ዝደቐሱ ሕሙማት ንርእዮም። ኣብቲ ነቶም ሕሙማት ንበጽሓሉ እዋናት እቲ ዶክተር ክልተ ምሉእ ሓሳባት(ዘቅቦtቅቦቀቅ) ጥራይ ብምዝራብ ሰላምታ ከምዝህቦም ተገንዘብኩ። እቲ መጀመሪያ ዝዛረቦ „ከመይ ሓዲርኩም?“ ዚብል ኪኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ „መልሓስኻ ኣርእየኒ“ ዚብል እዩ ነይሩ።
እቲ ዶክተር ነታ „ከመይ ሓዲርኩም?“ ትብል ሕቶኡ(ሰላምታኡ) መልሲ ክረኽብ ብዙሕ ከምዘይጽበ ዝተገንዘብኩ ኣብ ቐረባ እዩ። ንሱ ኩሉ ሳዕ ናብታ „መልሓስኻ ኣርእየኒ“ ትብል ካልኣይቲ ሕቶ ብቕልጡፍ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ።እቲ ሕሙም መልሓሱ ኣውጺኡ ነቲ ዶ/ር ከርእዮ ከሎ እቲ ዶ/ር ነታ መልሓስ ብጥንቃቐ ይምልከታ። በዚ ከኣ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ሕሙም „ከመይ ሓዲርኻ?“ ኢሉ ካብ ዝረኽቦ መልሲ ንላዕሊ መልሓስ እቲ ሕሙም ብምርኣይ ክርዳእ ይኽእል ነይሩ።
እቲ ኩነታት ንኣይ ብጣዕሚ እዩ ዝደንቐኒ። ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ኣገልግሎት ጐይታ ምስኣተኹ እግዚኣብሄርውን ምሳና ከምቲ እቲ ዶ/ር ምስቶም ሕሙማት ዝገብሮ ከምዝገብር ብዙሕ ጊዜ ኣጋጢሙኒ ኣሎ። እግዚኣብሄር „ከመይ ኣሎኹም?“ ኢሉ ክሓተና ይኽእል እዩ። ንሕናውን ስለ ገዛእ ርእስና ኩነታት ዘሎና ግምት ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ከም ንኣይ ዝርድኣኒ ግና እግዚኣብሄር ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣስዒቡ ዝዛረበና „መልሓስኻ ኣርእየኒ“ ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር መልሓስና ክዕዘብ ከሎ ብዛዕባ እቲ ዘሎናዮ መንፈሳዊ ህይወት ሓቐኛ ነገር ይርዳእ። ናይ ልሳንና ኩነታት ነቲ ዘሎናዮ ደረጃ መንፈሳውነት ርጉጽ መለክዒ እዩ።
እስከ ብዛዕባ እዚ ንብሎ ዘሎና ካብ ቃል ኣምላኽ ንመልከት። ኣብ መንጎ ልብናን መልሓስናን ቐጥታዊ ርኽብ ከምዘሎ ዘርእዩና ብዙሕ ክፍልታት(ንባባት) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ጎይታ የሱስ ኣብ ማቴ12፡33-37 ነዚ ዚስዕብ ተዛሪቡ ኣሎ።
„..ኦም ካብ ፍሪኡ የፍልጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ ፍሪኡ ድማ ክፉእ።ኣቱም ውሉድ ኣትማን ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ ክፉኣት ክነስኹምከ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትኹነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኩሉ ቃል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም እብለኩም ኣሎኹ።“ ጎይታ የሱስ ኣብዚ ቃል እዚ ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሙ ኣብ መንጎ ልብን ኣፍን ዘሎ ቐጥታዊ ርኽብ የርእየና። ንልቢ ከም ኦም ኪምስሎ ከሎ ነቲ ብኣፍ ዝወጽእ ቃል ድማ ፍረ ከምዝዀነ የርእየና። እቶም ካብ ኣፍኻ ዝወጹ ቃላት ንኩነታት ልብኻ ብግልጺ ዘርእዩ እዮም። ኣብቲ ምስላ ጎይታ የሱስ ከምዚ ይብል „እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።“
ጎይታ የሱስ ነቲ „ጽቡቕ“ ዝብል ቃል ሰለስተ ጊዜ ነቲ „ክፉእ“ ዚብል ቃል ድማ ሰለስተ ጊዜ ከምተጠቅመሉ ነስተውዕል። ልቢ ጽቡቕ ምስዝኸውን ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ጽቡቕ ይኸውን። ልቢ ክፉእ ምስዝኸውን ግና እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ክፉእ ይኸውን።
ብተመሳሳሊ ኣዘራርባ ጎይታ የሱስ ኣብ ማቴ7፡17-18 ከምዚ ይብል
„እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኪፈሪ ኣይኰነሉን እዩ።“ ተፈጥሮ(ባህርይ) ናይቲ ኦም ብዘይጥርጥር ንዓይነት እቲ ዝፈርዮ ፍረ ይውስኖ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ነቲ ፍረ ኦም ምስእንርኢ ነቲ ተፈጥሮ ወይ ከኣ ባህርይ እቲ ኦም ብቐሊሉ ንፈልጦ። እቲ ኦም ልቢ ኪኸውን ከሎ እቲ ፍረ ከኣ ኣፍ እዩ። ልቢ ጽቡቕ ምስዝኸውን እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ቃል ጽቡቕ ይኸውን። እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ክፉእ ምስዝኸውን ግና እቲ ልቢ ክፉእ ከምዝዀነ ንርዳእ።
ካብ ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ካብ ክፉእ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ኣይርከብን። ኣብ መንጎ ልብናን መልሓስናን ክልወጥ ወይ ድማ ክሽፈን ዘይክእል ዝተረጋገጸ ቐጥታዊ ርኽብ ኣሎ። ብዛዕባ ኩነታት ልብና ናይ ገዛእ ርእስና ሰናይነት፣ንጽህናን ቅድስናን ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምዝራብ ገዛእ ርእስና ነታልል ንኸውን ኢና። እቲ ዘየጠራጥር ሓሶት ድማ ኪኸውን ዘይክእል መረጋገጺ ግና እቲ ካብ ኣፍና ዝወጽእ ነገር ዝተበላሸወ ምስዝኸውን ኩነታት ልብና ዝተበላሸወ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝተፈለየ ኣባሃህላ ከነምጽእ ኣይንኽእልን።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሞያ መምህርነት ንሓሙሽተ ዓመት ሰሪሔ ኣሎኹ። ካብቶም መሳርሕተይ ሓደ ዓሌቱ ማሪጎሊ ነይሩ። ኣብዚ ዓሌት እዚ ብዝርኸብ ቛንቛ ልብን ድምጽን ኣብ ውሽጢ ሓደ ቃል ተጠቃሊሎም ብምርካበይ(ብሓደ ቃል ስለዝተገልጹ) ብጣዕሚ እየ ተገሪመ። እቲ ዚዛረብ ሰብ ነየናይ ቃል(ንልቢ ወይስ ንድምጺ) ኪዛረብ ከምዝደለየ ከመይ ገይሩ ከምዝውስን ይገርመኒ ነይሩ። ነቲ ነገር እናስተውዓልክዎ ምስከድኩ ግና ኣብ ኣጠቃቅማ እቲ ቛንቛ ዝርኸብ ሓቐኛ ነገር እናተገንዘብክዎ መጺኤ። ከምቲ ሓቒ እንተድኣ ዀይኑ ድምጺ ወይ ከኣ እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ንኩነታት ልብና ይገልጽ እዩ። እዚ ምስቲ ጐይታ የሱስ ዝተዛረቦ ዝመሳሰል ሓቒ እዩ። „ካብ ጽቡቕ ልቢ ክፉእ ቃል ከተውጽእ ኣይከኣልን። ካብ ክፉእ ልቢ ድማ ጽቡቕ ቃላት ክትረኽብ ኣይትኽእልን።“
ነቲ ንሕና ኣሎና ኢልና እንግምቶ መንፈሳዊ መርገጺ ሒዝና ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ እንመጸሉ እዋን እቲ ዝወሃበና ግብረ መልሲ ከምቲ እቲ ዶክተር ኣብ በረኻ ዝርኸቡ ሕሙማት ውጽኣት ዝሓቶ ዝነበረ ሕቶ እዩ። „..ዎ ኣምላኽ ኣነ ናብ ቤተክርስቲያን ኣዘውቲረ ዝኸይድ ንኣኻ ድማ ብርግጽ ዘፍቅር ጽቡቕ ክርስቲያን እየ።“ ኢልኻ ትዛረብ ትኸውን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ „መልሓስኻ ኣርእየኒ፡ መልሓስኻ እንተድኣ ሪኤ ልብኻ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከምዘሎ ክፈልጦ እየ።“ ይብለኻ።
ነዚ ሓሳብ እዚ ካብ ብሉይ ኪዳን ክልተ ትንቢታዊ ቃላት ወሲደ ከብርሆ እደሊ። እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ እቲ መድሓኒ ዝኾነ ጎይታ የሱስ ክከውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብዛዕባ እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤ/ክ እዩ። ኣብዚኤን እንርእየን ክልተ ቃላት ብዛዕባ ከናፍርን ኣፍን ዕምቆት ዘለዎ መግለጺ ተዋሂቡ ከምዘሎ ኣስተውዕል።
መዝ45፡1-2 ብዛዕባ እቲ መሲሕ(ክርስቶስ የሱስ) ግሩም ዝዀነ ትንቢታዊ መግለጺ ተዋሂቡ ይርኸብ። „ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፡ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ እብል፡ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ። ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ ውቃበ(ኣብ ሞሕራ ጸጋ) ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፡ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።“
ኣብዚ ቃል እዚ ናይቲ መሲሕ ጸጋ፣ጽባቐን ንጽህናን ተገሊጹ ኢና ንርኢ። ካብ ጽባቄኡ ዝተገልጸ ቀዳማይ ክፍሊ እንታይ እዩ? ከናፍሩ እዩ። እቲ ቃል „ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ“ ይብል። ኣስዒቡ ከኣ „ስለዚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።“ ይብል።
ኣብ ውሽጢ እዚ ቃል እዚ ክልተ ኣገደስቲ ስርዓታትን መምርሒታትን ይርኸቡ። እቲ ቀዳማይ ናይቲ መሲሕ ጸጋ ቅድሚ ኩሉ ዝተገልጸ ኣብ ከናፍሩ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ካብቲ ካብ ከናፍሩ ዝፈሰሰ ጸጋ ዝተላዕለ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ባረኾ። ጎይታ የሱስ ከም ሰብ ኣብ ምድሪ ኣብ ተመላለሱሉ እዋን ንክሕዝዎ ተላኢኾም ከይሓዝዎ ዝተመልሱ ሰባት „ስለምንታይ ኢኹም ዘይሓዝኩምዎ?“ ተባሂሎም ብሓለፍቶም ምስተሓታቱ ዝሃብዎ ምላሽ „ከምዚ ሰብኣይ ገይሩ ዝተዛረበ ሓደ እኳ የሎን።“ ዝብል ነይሩ። እቲ ኣብ ከናፍሩ ዝፈሰሰ ጸጋ መሲሕ ምዃኑ ይምስክር ነይሩ።
ኣብ ናይ ሰሎሙን ዝማሬ ናይ ክርስቶስን መርዓቱን ከምኡውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርኽብ ብትንቢታዊ ስዕሊ በሪሀé(ተገሊጹ) ይርኸብ። መሃልየ.መሃልይ 4፡3 ብዛዕባ እታ መርዓት ከምዚ ይብል፡-
„ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡
መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጉልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።“
ኣብዚ ቃል እዚ እቲ ብቀዳምነት ተገሊጹ ዘሎ ከናፍር እታ መርዓት እዩ። „ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ።“ እቲ „ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ“ ዝብል ቃል ብደም የሱስ ክርስቶስ ከምዝነጽሄት እዩ ዜመልክት። ከናፍራ በቲ ቅዱስ ደም ተተንኪፈን ኣለዋ፣ ስለዚ ከኣ ኣፋ ጽቡቕ እዩ። ገጻ ኣብ ውሽጢ መጐልበቢኣ ዝተሓብኤ ምዃኑ ኣስተውዕል። „መላትሕኪ.... ኸም ምቓል ሮማን እዩ።“ እንተዀነ ግና ኣብ ውሽጢ መጎልበቢኣ እያ ከምኡ። ከምዚ ኢላ እንከላ ግና ድምጻ ነቲ መጐልበቢኣ ሓሊፉ ይስማዕ ነይሩ። ኩሉ ጽባቔኣ ተሓቢኡ ኣሎ፣ጽባቐ ድምጻ ግና ንመጐልበቢኣ ሓሊፉ ይስማዕ።
ካብ ኹሉ ደሚቑ ዝተገልጸ ድምጻ እዩ። ኣብኡ ኣብቲ ምዕራፍ ኣብ ጥቕሲ 11 „መርዓተየ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፡ ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።“ ዝብል ቃል ኣሎ። ኣብዛ ፍቕዲ ንመግለጺ ከናፍር እታ መርዓት ዝወዓሉ ክልተ ፍሉያት ቃላት ንረኽብ። ንሳቶም ከኣ መዓርን ጸባን እዮም። እዞም ቃላት እዚኣቶም ብዛዕባ እታ ናይ ተስፋ ምድሪ(ከንኣን) እግዚኣብሄር መግለጺ ዝተጠቀመለን ቃላት እየን። ናይታ ናይ ተስፋ ምድሪ ጽባቐ ኣብ ውሽጢ እዛ መርዓት ይርኤ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መልሓሳን ከናፍራን።
ምስቲ ግሩም ዝዀነ ከናፍራ እቲ ምኡዝ ሽታ ዘለዎ ሽቱ ንመሸፈኒኣ(መጐልበቢኣ) ሰንጢቑ ይወጽእ። ከናፍራ ከም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እዩ። ኣፋውን ጽቡቕ እዩ። ከም መጠን ናይ ጐይታ ምዃንና እዚ ቃል እዚ ኣባይን ኣባኻን ሓቂ ዶ ይህሉ? ነዚ ሕቶ እዚ ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ይግባእ።
(ምዕራፍ 1 ከተንብብ ኣብዚ ሊንክ ጠዉቅ)