08
Mon, Sep
0 New Articles

ምዕራፍ 1 (ልሳንካ ፈዊሲ ይድልያ ዾ ?)

Books
Typography

1. ሞት ዶ ህይወት

ነዚ ቐጺልና ንርእዮ መጽናዕቲ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ﷽ልሳንኻ ፈውሲ የድልያ ዶ?﻾ ዝብል ሕቶ'ዩ። ትምህርትና እናገፍሔ ኪከይድ ከሎ ገለገለ ዘገርሙ ነገራት ከጋጥሙና እዮም።



ንመጽናዕትና፡ ፈጣሪ ንርእሲ ሰብ ከመይ ገይሩ ከምዝሰርሖ ንዘርእየና ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ ብምምልካት ክጅምር እየ። ንነፍስ ወከፍና ኣብ ሽክና ርእስና ሸውዓት ቐዳዳት ኣለውና። እዚ ቑጽሪ ሸውዓተ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን  ንምልኣት የመልክት። ሰለስተ ጽምዲ ቀዳዳት ኣለውና። ክልተ ዓይኒ፣ክልተ እዝኒ፣ክልተ ናይ ኣፍንጫ ቀዳድ። ፈጣሪ ነቲ ሻብዓይ ቀዳድ(ኣፍ) ግና ብሓደ ቀዳድ ጥራይ ወሲንዎ ይርከብ።
ብዙሕ ጊዜ ንሰባት ነዚ ዚስዕብ ሕቶ ይሓቶም „..ክንደየኖት ኢኹም ካብ ሓደ ኣፍ ንላዕሊ ክህልወኩም ትደልዩ?“ እቲ ዘገርም ሓደ እኳ „..ካብ ሓደ ኣፍ ንላዕሊ ኣፍ እደሊ“ ዚብል ፍጹም ኣይገጠመኒን። መብዛሕትና እቲ ዘሎና ሓደ ኣፍ ንዘድልየና ኩሉ ነገራት ብኣገባብ ክንጥቐመሉ እኩል ዀይኑ ኢና ረኺብናዮ። ይኹን ደኣ እምበር እዚ በዓል ሓደ ቀዳድ(ኣፍ) ካብቶም ሽዱሽተ ቀዳዳት(ዓይኒ፡እዝኒ፡ኣፍንጫ) ንላዕሊ ንብዙሕ ሽግር ምክንያት ይኰነና።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮንኮርዳንስ ብምውሳድ ምስዚ ሓደ ቃል(መልሓስ) ዚዛመዱ ከም እኒ ኣፍ፣ልሳን፣ከናፍር፣ዘረባ፣ቃላት...ወዘተ ምስ እንምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም ነገራት ክሳዕ ክንደይ ከምዚዛረብ ነስተውዕል እሞ ብጣዕሚ ንግረም። እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ጽቡቕ ምክንያት ኣለዎ። ካብ ባህርያትና ከም ኣፍን ልሳንን ምስ ሓፈሻዊ ኩነታትና ወይ ከኣ ህይወትና ቀጥታዊ ርኽብ ዘለዎ ክፍሊ የብልናን።

በዚ መጽናዕቲ ኣቐዲመ ብዛዕባ ኣፍን ልሳንን ጥቕሚ ኣጸቢቆም ካብ ዚዛረቡ ብዝሕ ዝበሉ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከካፍል እደሊ። ኣስዒበውን ኣብቶም ብተከታታሊ ዚቐርቡ ክፍልታት ብዛዕባ ኣፍን ልሳንን ዝምልከት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተመስረተ ሕጋጋት(ስርዓታት) ከቕርብ እየ።

ብመጀመርታ ነቲ ኣብ መዝ34፡11-13 ዘሎ ጽሑፍ ንርኤ፡-
„..ደቀየ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ ንዑ ስምዑኒ። ህይወት ዚፈቱ፡ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን ኣሎ? መልሓስካ ኻብ እከይ፡ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ።“

ቃል ኣምላኽ ደቂ ኣምላኽ ከም ምዃና መጠን እቲ መለኰታዊ ዝኰነ ናይ እግዚኣብሄር ፍርሃት ክህልወና ይምህረና።ምብራኽ፣ዕውት ምዃን፣ፍረ ዘለዎ ህይወት ምሓዝ፣ርጉጽነት...ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ነገራት ንላዕሊ ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዝተኣሳሰሩ ከምዝዀኑ ብተከታታሊ ዝገበርኩወም ዝርርባት የረጋግጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኪዛረብ ከሎ ነቲ ዘለዓለማዊ ዓስቢ ዘለዎ ነገር ከምዝዋሃበና ከነስተውዕል ይግባኣና። እቲ ዘማራይውን ብዛዕባዚ ነገር ኪዛረብ ከሎ „ህይወትን ነዊሕ ዕድመ ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይኸዱ“ ይብል።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ምልኣት ህይወትን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ኣብ ዝኾነ እዋን ሓቢሮም ከምዝከዱ ንርኢ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሓቐኛ ህይወት እነሕልፎ ሓጎስ ድማ ዝልካእ ወይ ከኣ ዝዕቀ) ብመጠን እቲ  ዘሎና ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ።

ካብቲ ጭቡጥ ነገር ንበገስ እሞ ንምዃኑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ዝጅመር ካበይ እዩ? እዚ ብጣዕሚ ንጹር ነገር እዩ። ዘማራይ „.መልሓስኻ ኻብ እከይ፡ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልማት ሓሉ።“ ይብል። ብካልእ ኣዘራርባ ፍርሃት እግዚኣብሄር ብተግባር ዝግለጸሉ ናይ ህይወትና ቐንዲ ክፍሊ መልሓስናን ከናፍርናን እዩ። ንመልሓስና ካብ እከይ ምዝራብ፣ንከናፍርናውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ክንሕሉ እንተድኣ ክኢልና ናብ ምልኣት ፍርሃት እግዚኣብሄር ክንዓቢ ንኽእል ኢና። ከም ዓስቢ ንእግዚኣብሄር ምፍርሃና ከኣ ህይወትን ጽቡቕ መዓልታትን ይስዕቡና።

ፍርሃት እግዚኣብሄር፣ህይወት፣ጽቡቕ መዓልታትን መልሓስኻን ከናፍርኻን ተቖጻጺርካ ብግቡእ ምጥቃም ብሓደ ዝተሓሓዙ(ዝተኣሳሰሩ) እዮም። መልሓስናን ከናፍርናን  ክንቆጻጸሮም እንተድኣ ዘይክኢልና ብርግጽ ጽቡቕ ህይወት ክህልወና ኣይኽእልን እዩ።

ኣፉ ዚሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡
ከናፍሩ ጋህ ዜብል ግና ጥፍኣት ይረኽቦ

ነፍስኻ ነቲ ናትኻ ሓፈሻዊ መንነት ዝሓዘት እያ። እቲ ሓቐኛ ናትኻ መንነት ወይ ከኣ ስብእና ኣብኣ እዩ ዘሎ። ድኻምካ ዝግለጸሉ ናይ መጀመርታ ክፍሊ ነፍስኻ እያ። ጸላኢውን ነቲ ናይ መጀመርታ መእተዊ ደገ ዝረኽበሉ ክፍሊ ነፍሲ እያ። ስለዚ ነፍስኻ ክትሕሉ እንተድኣ ደሊኻ ከናፍርኻ ክትሕሉ ይግባኣኻ። ግናኸ ከናፍርኻ ብታህዋኽ ጋህ እንተበልካ ናብ ጥፍኣት(ውድቐት) ትበጽሕ።

እቲ ኣማራጺ ግሉጽ እዩ። ከናፍርኻ እንተተቆጻጺርኻ ህይወትኻ ሓለዋ ይህልዋ፡ ብኣንጻሩ  መልሓስኻ ዘይትገዝእ፣ኣዘራርባኻ ዘይትመልኽ ሰብ ምስእትኸውን ግና መወዳእታኻ ጥፍኣት (ውድቐት) ይኸውን። እዚ ካልእ መብርሂ ዘየድልዮ ግሉጽ መልእኽቲ እዩ።

መጽሓፈ ምሳሌ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ በዘን ስርዓታት ዝተመልኤ እዩ። ንኣብነት ምሳ 21፡23 ክንርኢ ንኽእል።﷽.እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።﻾  ከምቲ ቃል ኣምላኽ ደጊሙ ዚብሎ እቲ ክትሕልዎ ዚግባኣኻ ክፍሊ ኣፍኻን መልሓስኻን እዩ። ሕጂውን እቲ ምርጫ ካልእ ኣማራጺታት ዘይብሉ ግሉጽ ነገር እዩ። ንሱ ከኣ ኣፍኻን መልሓስኻን እንተ ሓሎኻ ንነፍስኻን ህይወትኻን ትሕሉ። በዚ ከኣ ርእስኻ ተድሕን። ነዚ ምግባር(ምፍጻም) እንተሰኣንኻ ግና እቲ ምርጫ ኣብ ጸበባ ምውዳቕ ወይ ከኣ መቅሰፍት(ቀሽባሽmቕtኅ) እዩ። መቅሰፍቲ(ቀሽባሽmቕtኅ) ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕላማ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ሓያልን ተሪርን ቃል እዩ። መልሓስናን ኣፍናን ክንሕሉ ዘይምኽኣልና ናብቲ ዘይተፍር ጸበባ የምጽኣና።

ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብዛዕባ መልሓስ ዚዛረቡ ካልኦት ክልተ ኣገደስቲ ክፍልታት ኣለውና። ﷽.ልዝብቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ይሰብሮ።﻾ ምሳ15፡4 እዚ ቃል እዚ ኣብቲ ብኪንግ ጀምስ(በቖቾ) ዝፍለጥ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ። ﷽.ጥዕይቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን ልሳን ግና ኣብ ውሽጢ መንፈስ ከምዘፈስስ ቀዳድ እያ።﻾

እዛ ኣብ ኪንግ ጀምስ ትርጉም „.ጥዕና ዘለዋ ልሳን“ ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ ቃል ኣብቲ ናይ እብራይስጥ መጽሓፍ ቅዱስ(በኹሪ ጽሑፍ) „.ዝተፈወሰት ልሳን“(ሩhቅ hቅሽባቕቦዋ ተቆ thቅ tተቦዋችቅ) ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። እዚ ቃል እዚ ኣነጺሩ ዘርእየና መልሓስና(ልሳንና) ፈውሲ ከምዘድልዮ እዩ። ናይ ዝኾነ ሓጥእ ልሳን ፈውሲ ከምዘድልዮ ይኣምን እየ። ልሳን ኣብ ናይ ማንም ህይወት እትርኸብ መግለጺት ሓጢኣት ዝኾነት ክፍሊ እያ። ሓደ ሓጥእ ኩሉ ሳዕ ከሕርቑ(ከበሳጭዉ) ዝክእሉ ክፍልታት ከይህልውዎ ይኽእል እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ልሳን ኣብ ዝኾነ ሓጥእ ኣብ ግብሪ ወይ ከኣ ጥቕሚ ክትውዕል እንከላ ዘሕርቕ ኩነታት ስለዝፍጠር ልሳን ሓጥእ ክትፍወስ ይግባእ።

„..ዝተፈወሰት ልሳን ኦም ህይወት እያ።“ ኣብ ሞንጎ ህይወትን ንልሳልኻ ብግቡእ ምጥቃምን ዘሎ ርኽብ ደጊምካ ዘኽር። እቲ ምርጫ „ንልሳንኻ ብዘይግቡእ(ብግጉይ መገዲ) ምጥቃም ኣብ ውሽጢ መንፈስ ዘፍስስ ቀዳድ እዩ።“ ቄናን ልሳን ማለት ንልሳንኻ ብዘይ ግቡእ፣ብግጉይ መገዲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት እዩ። ንልሳን ብግጉይ መገዲ ምጥቓም ድማ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትኻ ቀዳድ(ነዃል) ፈጢርኻ ምፍሳስ እዩ።

ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ይዝኸረኒ ሓደ ኪበጽሕ ዝመጸ ወንጌላዊ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ „ዎ ጐይታ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ብመንፈስኻ ምልኣያ።“ ኢሉ ጸለየ። እቲ ነዛ ሰበይቲ ዝፈልጣ ጓሳ ማሕበር(ፓስተር) ግና „ዎ ጐይታ ተፍስስ እያ እሞ ኣይትምልኣያ“ በለ። ብዙሓት ካባታትና ንምላእን ንባረኽን ኢና፡ ግናኸ ብመገዲ ልሳንና ነቲ ዝተመላእናዮ ነፍስሶ። ንበረኸት ኣምላኽ ክትሕዞን ኣብ ውሽጥኻ ክትዐቑሮን ትደሊ እንተድኣ ዀይንካ ልሳንኻ ኣጽኒዕኻ ሓሉ። ምብራኽ ሓደ ነገር እዩ። ንበረከትኻ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ድማ ካልእ ነገር እዩ።

ዝተፈወሰት ልሳን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ትሰርሕ፡ ንርእስና ይኹን ንካልኦት ህይወት እተምጽእ ኦም ህይወት እያ። „ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዜፍቕራ ኸኣ ፍሬኣ ኺበልዕ እዩ።“ ምሳ18፡21 እቲ ምርጫ ኣብ ዝኾነ እዋን ግሉጽ እዩ። ንሱ ከኣ ሞት ወይስ ህይወት ዝብል እዩ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ስልጣን መልሓስ እዮም። ንልሳንና ብግቡእ እንተድኣ ተጠቒምናላ ኦም ህይወት ትዀነልና። ብኣንጻሩ ንልሳንና ብዘይግቡእ እንተድኣ ተጠቒምናላ ግና እቲ ውጽኢት ሞት ይኸውን።

ንልሳንና በቲ ዝደለናዮ መገዲ ንጠቐመላ፡ ፍሬኣ ክንበልዕ ምዃንና ግና ርግጸኛታት ክንኸውን ኣሎና። እቲ ፍረ ጽቡቕ(ምቑር) ምስዝኸውን ምቑር ፍረ ንበልዕ። እቲ ፍረ ብኣንጻሩ መሪር ምስዝኸውን ድማ ነቲ መሪር ፍረ ንበልዕ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ከምኡ ክኸውን ስለዝወሰነ እዩ። ስለዚ ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን ስለዘለው ልሳን እታ ወሳኒት ክፍሊ እያ።
ይቕጽል።

ካብ ልሳንካ ፈዊሲ ይድልያ ዾ? ትብል መጽሓፍ ዝተተርጎመ።

(ምዕራፍ 2 ከተንብብ ኣብዚ ሊንክ ጠዉቅ)