4. ስእሊ ገዛእ ር?ስናን ካልኦትን ብኸመይ ይግምገም
ቀዳማይ ክፋል ንምንባብ ኣብዚ ሊንክ ህረም >>!
ሰባር እንመላለስ ኰይና እንርከብን ንኻልኦትዉን ከነኽብር ዘይከኣል እዩ። ክቡር ሓሳብ እንተ እጥረና እቲ ሓቀኛ ስእሊ ገዛእ ርእስናን ሓቀኛ ስእሊ ካልኦትን ንምጥራይ ንበቅዕ። ሓለፋ ኩሉ ነዚ ዝሕግዘና ድማ? መንነትና ብክርስቶስ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝምህረና ጌርና እንተሓዝናዮ ጥራይ እዩ። መንነትና ብክርስቶስ ዘይንፈልጥ ሰባት እንተ??ና ግና እቲ እነጥርዮ ስእሊ፡ ሓንሳብ ጽቡቕ ኰይኑ ይርኣየና፡ ገለገለ ጊዜ ከኣ ኣዝዩ ክፉእ ይኸውን። እዚ ድማ፡ ምስ ዓወት እነመዝግበሉ፡ እንስዕረሉ፡ ጽቡቕ እንኸደሉ መዓልትታት፡ ጽቡቕ ስእሊ ንሕዝ። ኣብ ውድቀትና፡ ሽግር መከራና፡ ወዘተ. ኸኣ ተስፋ ካብ ምቑራጽና ዝተላዕለ፡ ሕማቕ ስእሊ ገዛኣ ርእስና ንሕዝ።
ኣብ ኩነታትና ብምሙርኳስ ኣብ ኣእምሮና ንቐርጾ ስእሊ ገዛእ ርእስና፡ ሓንሳብ ከም ቅዱሳት፡ ብርቱዓት፡ ሓያላት፡ ገለገለ እዋን ከኣ ከም ርኹሳት፡ ክፉኣት፡ ዝተሳዕሩን ዚወደቑን፡ ኪኸዉን ዚከኣል እዩ። ስእልኹም ከመይ ይመስል ይኸዉን።ስለዚ ስእሊ ገዛእ ርእስና ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ከምክቡራት ሰባት ጌርና ነስፍሮ፡ ካልእ ጊዜ ከኣ ከም መሃነኖም ዚጠፍኦም፡ ኣሰር ናይ ሰብ ዘይብሎም ሰባት ጌርና ነቐምጦ። እዚ ንኸይከውን እምብኣር፡ መንነትና ብኽርስቶስ ኣዝዩ ክርድኣና ምእንቲ፡ ንቓል ኣምላኽ ኣዕሚቑና ክንማሃሮን መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣብ ህይወትና ኣዕዚዙ ንኸዓይን ክንፈቕደሉ ይግብኣና። ሓቀኛ ስእሊ ገዛእ ርእስና ድማ፡ በዚ ኣብህይወትና ጸኒዑ፡ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋታት ኰይና ንኽንግስግስ የብቅዓና እዩ። ከምቲ ኣብ ሮሜ 5፡2 ዝብለና ﷽ ንእኡ፡ ብሳልኡ፡ ካብኡ ዝተላዕለ፡ ናብዚ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት ኣቶና፡﷽ ዚብል ኣብ ህይወትና ዓቢ ቦታ ክረክብ ኣለዎ። ስለዚ ዘለናዮ፡ ዚበጻሕናዮ፡ እዚ ደረጃ እዚ ብሳላ ክርስቶስ እዩ፡ ምባል ክንክእል ኣሎና። እንተዘይኰነ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ፡ እቲ ኣምላኽ ዝዓደለና ጸጋ፡ በረኸት፡ ክእለት፡ ውህበት፡ ከምቲ ሰይጣን ኣነ ዝበለ እሞ ዝወደቐ፡ ናብ ትዕቢት ገጹ ኸየጽድፈና ንጠንቐቕ ድኣ። እንገብሮ ኩሉ፡ ብሳልኡ ምዃኑ ንዘክር። ንገዛእ ርእስና ልዕል ኣቢልና፡ ካብቲ ክንሓስቦ ዚግብኣና ንላዕሊ ከይንሓስብ፡ ሰይጣን ከይብለጸልና ውዲቱ ኣይንስሓቶ ድኣ።
ንገዛእ ርእስና ዘይክዉን ስእልን ልዕልናን ብምሃብ፡ ካብ ጸጋ ኣምላኽ ንኸይንወድቕ ምእንቲ፡ ኣተሓሳስባና ብልክዕ ቃል ኣምላኽ ድኣ ይኹን። ምናልባት ሰይጣንዉን ንስኻ እኮ ከምዚ፡ ከምቲ ኢኻ ብምባል ብትዕቢት ንኸይውጥራና ንልብና ድኣ ንሓልዎ። ኣብ ኣእምሮና ዘይኰናዮ፡ ዘይንነብረሉ ስእሊ ሒዝና ከይንርከብ ርእስና ንሓሉ ድኣ።እዚ ንሰባት ንኸይንቕበሎም፡ ብዛዕባ ሰባት ዝህልወና ስእልን ኣረኣእያን ኣዝዩ ትሑት፡ ንገዛእ ርእሱና ኸኣ ሰማይ ዝስቅል፡ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ባህርያትና ምስ ሰባት ዘይላገብ፡ ኣነ ጥራይ ክንብል፡ ኣዚና ኣሸገርቲ፡ ብዘይብኣይ ዝኰነ ነገር ክግበር የብሉን እንብል ኢና እንኸውን እሞ፡ ኣሕዋተይ ካብ ከምዚ ዚበለ ህይወት ጐይታ ይሰውረና። ንገዛእ ርእስና ሓሳብ ክርስቶስ፡ ናይ ትሕትና ሓሳብ እነለማመድ፡ ንኻልኦት ንምቕባልን ዝግብኦም ክብሪ ንምሽብን ድማ ኣእዳውና ዝርጉሕ ይኹን።
ሓደ ኤሪክ ቤርነ (ላቶቕቀ ህቅቶቦቅ) ዝተባህለ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ ኣረኣእያ ሰባት፡ ኣብልዕሊ ገዛእ ርእሶምን ካልኦትን፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጽናዕትን ተምኩሮን፡ ኣርባዕተ ደርጃታት ናይ ህይትወት ኣለዋ ኪብል ጽሒፉ። እዘን ደረጃራታት እዚኣተን ድማ፡ ስእሊ ገዛእ ርእስናን ስእሊ ኻልኦትን ዚገልጻ፡ ኣዝየን ኣገደስቲ እየን። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ተቐባልነት ገዛእ ርእስናን ካልኦትን፡ ወይ ድማ ዘይምቕባል ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ተበጊስና ንሓድሕድና ዝህልወና ዝምድናን ክብርን ብኡ መጠን ክውስኽን ክጎድልን ከምዝኽእል እዩ ዘብርህ። ንሳተን ድማ፡-
ምናልባት እዘን ደረጃታት እዚኤን፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደ ግዜ ኩላተን እንተዘይተራእያ እኳ፡ ብደረጃታት ግና ክግለጻ ዝከኣል እዩ። ኣብ ህይወት ነፍስወከፍና ኸኣ፡ ግድነት ሓንቲ፡ እንተዘይኰነ ከኣ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ካባታተን ተሞኪርናየን ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብሕባር ከነጽንዓን እንከሎና ከኣ፡ እዚኣስ ህይወት እገለ ወይ እገሊት ከምዘላታ እያ ክንብል ዘይኰነስ፡ ድኻምና ርኢና፡ ድኻም ኣሕዋትናውን ብኡ እንተተገልጸልና፡ ብኸመይ ኢና ናብ እቲ ዝሐሸ ዝምድና ህይወት ኽንብጽሕ ንኽእል ክንሕልን ይግበኣና፡፡ እንተዘይኰነ፡ ንሕባôôት፡ ንወቐሳ፡ ንምቁንጻብ፡ ርእስናውን ክብ ንምባል፡ ኣፍደገ ፈተና ዚኸፍት ንኸይከውን ብጸሎት ክንብድሆ እምሕጸነኹም፡፡
4.1. ኣነ ደሓን ኣይኰንኩን ንስኻ ግና ደሓን ኢኻ፡- ዚብል ኣረኣእያ ህይወት ሒዙ ዝጉዓዝ ሰብ፡ ቅኑዕ ስእሊ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ስለዘይብሉ፡ ንገዛእ ርእሱ ዘይቕበል፡ ብኣካል ይኹን ብስምዒት ካብ ካልኦት ናይምንጻል ባህርይ ዘጥቕዖ፡ ርእሰ ተኣማንነት ስለዘይብሉ ንርእሱ የቆናጽብ፡ ጭንቀትን ጸቕጥን ዝበዝሖ ይኸዉን፡፡ ሰባት ብዛዕብኡ ሕማቕ ሓሳብ ጥራይ ዘለዎም ዚመስሎ፡ ዘይደልይዎ ዓቕሚ ዘይብሉ መሲሉ ስለዝስምዖ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምዝራብ ዘሸግሮ፡ ሓናኽ፡ ጽቡቕ ክዓዩ ዝኽእል ስለዘይመስሎ፡ ምስ ሰባት ንምውሳእ፡ ሓቢርካ ንምዕያይ፡ ኣዝዩ ዘጸግሞ ሰብ ኰይኑ ንረኽቦ፡፡
ኣብ ዘሁል 13፡ 33 እቶም ክስልዩ ብሙሴ ዝተላእኩ ገሊኦም ከምዚ ኢሎም፡ ﷽ኣብኡ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት ፡ ንጉዓት ደቂ ዓናሕ ርኤና፡፡ ንሕና ኣብ ዓይንና ከም ኣንበጣ ኰንና ኣብ ኣዒንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና﷽፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ከንኣን ዝነበረ ጽቡቕ ነገር ክርእዩ ኣይኸኣሉን፡ ዝተራእዮም ዚውሕጥ ነገር፡ ዚበልዕ ነገር፡ ዘጥፍእ ነገር፡ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር ጥራይ። ጸላእቶም ከኣ ሓያላትን ነዋሕትን፡ ኣብ ቅድሚኦም ክርኣዩ ከለው ከምኣንበጣ ኰይኖም ተሰሚዕዎም፡ እቶም ጸላእቶምውን ከይተረፈ፡ ከምቲ ንኣታቶም ኣንበጣ ኰይኑ ዝተሰምዖም ከምኡ ገይሮም ዝጥምትዎም ከምዘለው ኰይኑ ተረዲእዎም። ኣሕዋተይ እዚ፡ ናይ ስዕረትን ፍሽለትን መጀመርያ እዩ፡ መንነትና ብክርስቶም ዘይምፍላጥ፡ እቲ ዓቢ ኣምላኽ ምሳና ምህላው ዘይምፍላጥ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ህይወትን ኣረኣእያን ከምርሓና ዚኽእል እዩ፡፡ ስለዚ፡ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ኤልሳእ ባርያ፡ ኸነእዊ እንከሎና፡ ጠፋእኩ ኽንብል እንከሎና፡ ኣዒንትና ከፊቱ ሰረገላታት ሓዊ ከርእየና፡ ካብቲ ምሳታቶም ዘሎስ እቲ ምሳና ዘሎ ይዓቢ ንኽንብል ጐይታ ይሓግዘና፡፡
4.2. ኣነ ደሓን ኣይኰንኩን፡ ንስኻውን ደሓን ኣይኰንካን።- ኣብዚ ደረጃ ህይወት እዚ ዝበጽሑ ሰባት፡ ፍጹም ቅኑዕ ዝበሃል ስእሊ ገዛእ ርእሶም ኰነ ካልኦት ስለዘይብሎም፡ ንገዛእ ርእሶም ይኹêን ንኻልኦት ናይ ምቕባል ዓቕሚ የብሎምን፡ ንሳቶም ይኹኑ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድኹማት፡ ሕሉላት፡ ዝወደቐ፡ë ቁምነገር ዘይብሎም፡ ኣእዳዎም ንጸላኢ ዘረከቡ፡ ተስፋ ዘይብሎም ኰይኑ ይርኣዮም። በኣዒንቶም፡ ዓለም ኣብ ግብ ዝበለት ጸልማት፡ ብርሃን ዘይብላ፡ ሲïኦ፡ል ወሓጢት፡ ተስፋ ዘይብላ፡ እንትርፎ ምረት፡ ህውከት፡ ጭንቀት፡ ራህዋ ዘይርከባ ጌሮም ይስእልዋ። ስለዝኰነ፡ ኩልእዋን ኣብ ጸቕጢ፡ ኣብ ምሕላል፡ ትርጉም ህይወት ኣብ ዘይብሉ ህሞት እዮም ዝነብሩ ፡፡ ከቢድ ጸቕጢ ስለዘለዎም ድማ፡ በይኖም ዝዛረቡ፡ ዓጀውጀው ዚብሉ፡ ብዛዕባ ስራሕ፡ ናብራ፡ ህይወት፡ ሕውነት፡ ዕርክነት፡ ወዘተ. ትርጉም ዘይህቦም፡ ንጹላት ይኰኑ፡፡ ሓደ ሓደ ከኣ፡ ካብ ተስፋ ቕብጸት ዝተላዕለ፡ ኣጥፊኦም ንኽጠፍኡውን ይለዓሉ እዮም፡፡
እቲ ንእግዚኣብሄር ብጸሎት ሓዊ ካብ ሰማይ ከወርድ ዝገበረ፡ ንሰማያት ንሰለስተ ዓመታት ማይ ከምዘይዘንም ዝገበረ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ድማ ጸልዩ ማይ ዘዝነመ ኤልያስ፡ ብመንፈስ ኢíዛቤል ምስተናወጸ፡ ህይወቱ ንኸድሕን ድማ ዝሃደመ፡ ኣብ 1ነገስ 19፡4 ﷽ ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኽሕልዓው መጺኡ ኮፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ ንነፍሰይ ውሰዳ በለ﷽ ይብለና፡፡እቲ ብክርስቶስ ዘመዝገብናዮ ዓወት፡ እቲ ትማሊ ካብ ሽግር ዘውጽኣና ኣምላክ፡ ዘይንዝክር እንተደኣኰይና፡ ብሓቂ ክንጭነቕን፡ ዝጎደለና ዘይብልና ዓቕሊ ከነጽብብን፡ ትርጉም ህይወት ክንስእንን፡ ንሞት ክንምነያን፡ ተስፋና ክጽንቀቕን ይክእል እዩ። ግናኸ ኤልያስ፡ ኣምላኽ ዝሓልየሉ፡ ዝምግቦን፡ ጸኒሑውን ብሰረገላታት ሓዊ ሞት ከይረኣየ ናብ ሰማይ ዘዕረጎን፡ ምስ ሙሴን ክርስቶስን ድማ ኣብ ከረን ምግላጽ ብኽብሪ ዝተገለጸ እዩ። ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ብዙሕ ስዕረትን ዓወትን ድሐሪ ምምዝጋብ፡ ጸላኢ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ክብሪ፡ መጎስን ካልእ ጽቡቕ ነገራትን ንኸይንበጽሖ፡ ብኸብዚ ከሕልፈና ክፍትን እንከሎ፡ ንክርስቶስን ንሓይሉን፡ ንስዕረቱን ዓወቱን ንዘክር፡ ንሱ ከምዘይሓድገና ድማ ነስተውዕል እሞ፡ ጐይታ ኸኣ ኣዝዩ ኺባርኸና እዩ።
4.3. ኣነ ደሓን እየ፡ ንስኻ ግና ደሓን ኣይኰንካን፡- እዚ ዓይነት ስእሊ ናይ ህይወት ዝሓዘ ሰብ፡ ብዘይካ ናቱ ጥራይ እምበር፡ ናይ ካልኦት ሰባት ቅኑዕ ስእሊ የብሉን። ኣብ ዓለም ንበይኑ ምሁር፡ ፈላጥ፡ ብርቱዕ፡ ሓቀኛ፡ እሙን፡ ጌጋ ዘይርከቦ፡ ወዘተ. ገይሩ ንርእሱ ይቆጽራ። ካልኦት ሰባት ድማ፡ ዘይጠቕሙ፡ ፈርሃት፡ ቁምነገር ዘይብሎም፡ እምነት ዝጎደሎም፡ ክንዲ ሕጻብ እግሩ ዘይመጹ ገይሩ ይወስዶም። ዘረብኡ ኩሉ፡ ነኣ ጥራይ ዝብል፡ ንስእሱ ዝውድስ፡ ንፍርዲ ካልኦት ዚጎዪ፡ ዘቆናጽብ፡ ዝድህል፡ ብዛዕባ ካልኦት ጽቡቕ ዘይዛረብ፡ ምስ ኩሉ ዚጋጮ፡ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ጸብለልትነት ዝስምዖ፡ መን ከማይ በሃሊ፡ ምስ ዝኰነ ሰብ ክሰማማዕን ክዓይን ዘይክእል፡ መናው ዓይነት ሰብ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ሉቃስ 18፡ 11-12 ዘሎ ኣንተተመልከትና ከምዚ ይብል፡ ﷽እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ፡ ብልቡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እጸውም፡ ካብ ኩሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ ኣሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመ፷öተ፡ññ ዘመውተ፡ñ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለዘይኰንኩ ኤመስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ፡፡ ነዚ ፈሪሳዊ ሰብኣይ እዚ ተመልከትዎ እሞ፡ ንኣምላኽ ኣነ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኩሉ ገንዘብይ ዕሽር እህብ፡ ጽድቂ እፍጽም፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ፡ እትሕጐሰሉን ኩሉ እገብር፡ ከምቶም ካልኦት ፍንፉናትን ጽዩፋትን ሰባት፡ ዘይገንዘቦም ዚደልዩ፡ ከተርቲ፡ ዓመ፷ööቲ፡ ብብዕልግና ተመሊኦም ኪዝምዉ ኪበላሽው፡ ሕማቕ ተግባራት ኪገብሩ ዚውዕሉ ኣይኰንኩን። ከምዚ ተጋዊ እዚ፡ መጠፋፍኢ፡ ግቦ ዚቕበል፡ ሰራቒ፡ ወዘተ. ኣይኰንኩን። ስለዚ ምስጋና ንኣኻ ይኹን፡ ብምባል ጸሎቱ ወዲእዎ፡፡ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ኣብ ክንዲ ምልማን፡ ንኣምላኽ ከማይ ዝበለ የልቦን ብምባል፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ምምላኽን ምድናቕን ንገዛእ ርእሱ ብምውዳስ፡ ስለ ኻልኦት ስለ ጥፉኣትና፡ ኣብ ክንዲዘማልድን ምሕረት ዝልምነሎምን፡ ንኣታቶም ኪኸስስ፡ ብዛዕባ ክፍኣቶም ንኣምላኽ ብምንጋርን ጸሎቱ ወዲእዎ። ክቡራት ኣሕዋተይ፡ እዚ ግብዝና ዝመልኦ ህይወት እዚ፡ ብትዕቢት ተነፊሕና ንኸነውድቅ ዚገብረና፡ ህይወት ኣብዛ መሬት እዚኣ ሓጸርን ዘይትድገምን ዃና ብዘይምስትውዓልና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ተቐባልነት ዘይብሉ ህይወት ሒዝና ምኻድ ከምዘይጠቐመና ፈሊጥና፡ ክንምለስ ይግብኣና፡፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ሕጂውን እንተኰነ፡ እዚ ዓይነት ህይወት እዚ፡ ኩሰቶ ዚነበሮ ዓይነት እዩ፡ ናተይ ኣይኰነን ብምባል፡ ንገዛእ ርእስና ትሕት ካብ ምባል ንከይንመልሳ እሞ፡ ግብዝና ዚመልኦ ህይወት ምእንቲ ኸይነሕልፍ ርእስና ድኣ ነመርምር፡ ጐይታ ድማ ክሕግዘና እዩ፡፡
4.4 ኣነ ደሓን እየ፡ ንስኻ ድማ ደሓን ኢኻ፡- እዚ ዓይነት ኣረኣእያ ህይወት ዘለዎ ሰብ፡ ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ እጹብን ድንቅን ገይሩ ከም ዝፈጠሮም ዚቕበል፡ ቅኑዕ ስእሊ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ዘለዎ፡ ንገዛእ ርእሱን ንህይወት ካልኦትን ዝቕበልን ዘኽብርን ዓይነት ሰብ እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘይውከል፡ ኣብ ህይወቱ፡ ካልኦት ሰባት ኣድለይትን ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ዝኣምንን ዝቕበልን፡ ምስ ካልኦት ብምትሕግጋዝ ጥራይ ኪነብር ከምዝኽእል ዝፈልጥን እዩ። ስለዝኰነ ድማ፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ ንምቕባልን ንኻልኦት ድማ ሓገዝ ምሃብን ከምዘይሽግሮ፡ ኩሉ ሳዕ ብተስፋ ተመሊኡ ዚጉዓዝ፡ ንጹር ዕላማ ህይወት ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ድማ ሕጉስን ዕዉትን ኰይኑ ይመላላስ።
ኣብ ዘህሉ 14፡ 6-10 ዘሎ እንተተመልከትና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ከምዚ ኢሎም ተዘራረቡ፡ ﷽. . . እታ ክንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ከእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዓምጹ፡ ንሳቶም እንገራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ነቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኣይትፍርህዎም። እቲ ዘጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁ ﷽ ኢሎሞም።
ኩቡራት ኣሕዋት፡ እያሱን ካሌብን፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ንበይኖም ሓቀኛ ስእሊ ብዛዕባ እግዚኣብሄር፡ ብዛዕባ ከንኣን፡ ብዛዕባ ጸላእቶም፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ህዝቦምን ዘጥረዩ ነይሮም። ስለዝኰነ፡ ኣብክንዲ ኣብ ብርታዐኦም፡ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ህላውነት ኣምላኽ ምሳታቶም ምኻኑ፡ እቲ ዘፍርህ ጸላኢኣኦም ድማ፡ ኣማልኽቱ ስለ ዝሓደግዎ ብሓይሊ ኣምላኽ ከም እንጌራ ክንበልዖ ኢና፡ ዝዓግተና ሓይሊ የልቦን፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትብከዩ፡ ኣጆኹም ጐይታ ምሳና እዩ ኢሎም። ዝሕጉሱ እዮም፡ እቶም ሓቀኛ ስእሊ እግዚኣብሄር ዘለዎምን፡ ብጐይታ ዘለዎም ክብርን መጎስን ዝርድኡ፡ ኣብ ጐይታ ብኽልተ እግሮmዘ ዚረግጹ ጥራይ እዮም ኣብ ህይወት ዝዕወቱ፡ ንኻልኦት ድማ ናብ ህይወት ዘብጽሑ፡ ንዮርዳኖስ ንባዕሎም ተሳጊሮም ንኻልኦት ከኣ ከሰጋግሩ ዚኽእሉ፡ ስለዚ ኣሕዋተይ ከምዚ ዝበለ ህይወት ንምጥራይ ንቃለስ ድኣ።
ኣብ እዞም ዝርኣናዮም ኣርባዕተ ኣረኣእያ ህይወት፡ ብዘይካ አቲ ኣነ ደሓን እየ፡ ንስኻ ከኣ ደሓን ኢኻ ዚብል፡ ካልእ ሽግር ዘለዎ። ጉድለት ዚመልኦ፡ ብሓቂ ንርእሱ ኰይኑ፡ ንኻልኦት ኪኸውን ዚኽእል ህይወት ዘይብሉ እዩ። ናብ ከምዚ ዝበለ እንኮ ሓቀኛ ህይወት ንኽንበጽሕ ድማ ሎሚ ናብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንመለስ። ኣቐዲምና ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ኣምላኽ ንክኸውን ክንቃለስ፡ ንቃል ኣምላኽ ክንምገቦ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክገልጸልና ክንመሕጸኖ የድልየና። ብፍላይ ኣብቲ ሓቀኛ ስእሊ ህይወት ዘየለና እንተድኣ ኰይንና፡ ብንስሓ ከም ኣቦና ኢዮብ ናብ እግዚኣብሄር ክንምለስ ይግብኣና። ኢዮ 42፡ 3-6 ﷽ ኣነ ነቲ ዘየስተውዓልክዎ፡ ንዓይ እምብዛ ዘገርም ዝኰነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ። . . . ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ። ስለዚ ርእሰይ እፍንፍን ኣለኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓሙኽሽትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣለኹ። ኣሕዋተይ ናብ እዚ ደረጃ እዚ ተመሊስና፡ ርእስና ብምምርማርን ሓጢኣትናን በደልናን ብምንሳሕ፡ ነዒንትና ቅኑዕ ስእሊ ኣምላኽ፡ ቅኑዕ ስእሊ ገዛእ ርእስና ከነርእያን እንተዘይኪኢልና፡ ብዛዕባ ካልኦት ቅኑዕ ስእልን ክብረትን ክህልወና ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኣብ ቅድሚኡ ብነስሓ ወዲቕና ንመለስ። ጐይታ ድማ ክባርኸና እዩ። ነቲ ኣብ ማቴ 7፡ 1-5 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ኣብ ህይወትና ነውዕሎ እሞ፡ ሽዑ ብኹሉ ጥዑያት ክንከውን ኢና። እዚ ድማ፡ ﷽ ብዚፈረደኩምዎ ፍርዲ ኪፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ? ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውኻ በሰር ከውጻልካስ ሕደገኒ ትብሎ፡ እንሆ ጉንዲ ኣብ ዓይንኻ ኣሎ። ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጉንዲ ኣውጽእ፡ ሽዑ ካብ ዓይኒ ሓውኻ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ﷽።
ክቡራት ኣሕዋት፡ እዚ ትኹል ቃል፡ ሓቀኛ ቃል እዩ እሞ፡ ትሕት ኢልና ርእስና ንኽንምርምር እዕድመኩም። ስእሊ ገዛእ ርእስና ከመይ ይመስል? ብዛዕባ ኣሕዋትና ዘሎና ስእሊ ከመይ ይመስል? ነዚ ናብቲ ቅኑዕ ቦትኡ ንምምላስ፡ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፡ ኣዒንትና ዘይዖረ፡ ንሕና ጥራይ ቅኑዓት ዘሎና ኣምሲሉ ዘርእየና ነዓርዮ። ምናልባትውን፡ ኣብ ተስፋ ቁርጸትን ምሕላልን ዝበጻሕና፡ ትርጉም ህይወት ዝጠፍኣና እንተሎና፡ ነዚውን መፍቲሒኡ ናብ ጐይታ ምምጻእ እዩ። ብሓቂ ከምቲ ደጉዓ ኤር 3፡40 ﷽መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ ዚብለና፡ ሎሚ እዚ ዕድል እዚ ኣይነሕልፎ፡ መገድና ብምምርማርን ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ። ንእግዚኣብሄር ሓቀኛ ስእሊ፡ ሓቀኛ ምክብባር ምእንቲ ክህበና ናብኡ ንውደቕ።
ንክብረት ምንባር (2 ክፋል ምዕራፍ 4)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode