08
Mon, Sep
0 New Articles

ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ

Books
Typography
ዎችማን

መእተዊ

መጀመርታ ናይዚ መጽሓፍ እዚ እቲ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1940 ኣብ ሃርደን ሮድ እተብህለ ቦታ ኣብ ከተማ ሻንግሃይ በቲ ነባሪ ኸተማ ፉቾው ዝኾነ ቶሸንግ (ዎችማን ) ንቻይናውያን ክርስትያን እተዋህበ ተኸታታሊ ትምህርትታት እዩ። ነቲ ትምህርታት ብኸምዚ ሕጂ ቀሪብዎ ዘሎ ከይተሸገርኩ ንኼዳልዎ ንዝሓገዘኒ ሓደ ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ትምህርታት ብቛንቋ እንግዚዘኛ ዝመዝገበ ብጻየይ ምስጋናይ ኤቕርብ።

ደራሲ፡ ንዛንታ ቀዳሞት ኣቦታት ብምዝርዛር፡ ምስኡ ብምንጽጻር ድማ፡ ንክርስትያናዊ ግድላትና ዚኸውን መፍትሕታት እናኣመልከተ ብዛዕባ እቲ ንሰብኣዊ ውድቀት ኬሕዊ ዚኽእል ምልኣት ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ይምህረና። ገለ ኣንበብቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ብዙሕ ከም ዚሰምዑ ዘኪሮም እዚ መፍትሕታት እዚ ኣብ ግብሪ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ኪሓቱ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር ናብቲ ደራሲ ካብ ግብራዊ ተሞክሮታት ናይ ኣቦታት ተበጊሱ ኣምላኽ ነቲ ንእኡ እተወፈየ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዚዕድሎ መሰረታዊ ለውጢ ዚምህረሉ ዚስዕብ ምዕራፋት ብሓጐስ ኤሰጋግረኩም። እዘን ምዕራፋት እዚኤን ንምርዳእ እቲ ኣምላኽ ኣብቶም ናቱ ዘበሉ ዚመላለሰሉ መገድታት ንምርዳእ ዕዙዛት ሓገዝ ምዃነን እኣምን።

 

ኣግነስ ኣይ. ኪን

 

 

ምዕራፍ ሓደ

 

ሰለስተ ኣገደስቲ ሰባት

 

ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣምላኽ ብፍሉይ መገዲ ካብ ባርነት ምሉእ ሓርነት ወጺኡ ንእኡ እተፈልየ ህዝቢ ኪእክብ ምእንቲ ኣብታ እትነድድ ቈጥቋጥ ንሙሴ መጀመርታ ኪረኣዮ ኸሎ ኸምዚ እናበለ ከም ስሉስ-መፈለጥታ ዘለዎ ጐይታ ንርእሱ ምግላጹ ዜገርም እዩ፤ "ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ኣነ እየ" (ዘጻ. 36) ናብ እስራኤላውያን ኣሕዋቱ ኸይዱ ንመደብ ኣምላኽ ኪነግሮም ንሙሴ ኪእዝዞ ኸሎ ድማ፡ ከም ዚደጋገም ዘረባ፡ መሊሱ ነዚ ስሉሳዊ መግለጺ ስሙ ኸምዚ እናበለ ይሰምዮ፤ "... ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፤ ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።  ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ" (. 15-16)

እምበኣር ሕጂ፤ ስለምንታይ እዚ ስሉሳዊ መግለጺ ይደጋገም ብዚብል ሕቶ ክንደናገር የብልናን፡ ከመይሲ ጐይታና የሱስ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ወንጌላት ተመዝጊባ ኣብ እትርከብ ዘረባኡ ኸምዚ ይብል፤ "ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን? እግዚኣብሄርከስ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን" (ማቴ. 2231-32) እምበኣር፡ እግዚኣብሄር ርእሱ ንሰባት ኪገልጽ ከሎ ስለምንታይ እዩ ነዚ ስሉሳዊ መግለጺ ዚመርጽ ኢልና ኽንሓትት ንደሊ ኢና። ንኣና ንደቁኸ ናይዘን ዝደጋገማ ስማት ኣገዳስነት እንታይ እዩ?

ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘሎ ዘበለ ንትምህርትና ኸም እተጻሕፈ የረጋግጸልና። እምበኣር እንሆ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳውንቲ ኣቓልቦና ኺስሕብ ዚክእል ሓደ ትምህርቲ ረኺብና ኣሎና። ኣብ ክልቴኡ ኪዳውንቲ ብሓደ መግለጺ ምምዝጋቡ ድማ ኣምላኽ ኣብቲ ዘመን ብሉይ ኪዳንን ኣብዚ ሓድሽን ብተመሳሳሊ መገዲ ይሰርሕ ምዃኑ ኼፍልጠና ኢሉ እዩ። ኣብቲ ብሉይ፡ እስራኤል ህዝቡ ምእንቲ ኺኾኑ ኢሉ ኻብ ግብጺ ኼውጽኦም ኣምላኽ ንሙሴ ተራእዮ። ኣብዚ ሓድሽ ድማ፡ የሱስ ክርስቶስ ብትንሳኤኡ ንሕመረት ናይቶም ናቱ ኪኾኑ ኢሉ ዝሓረዮም ህዝቢ ተራእየ። እምበኣር እዞም ሕጂ ብጸጋኡ ዚደሓንና ዘበልና ካብዞም ህዝቢ እዚኦም ምዃንና ካብ ፈለጥናስ፡ ብምሉእ ምትእምማን ኣምላኽ ናብዚ ልዕል ኪብል እተጠቕሰ መገዲ ምሳና ይሰርሕ ምህላዉዶ ኽንፈልጥ ኣይግባእን?

ከም ብሓድሽ፡ ኣምላኽ ሎሚ፡ ብዛዕባ š"እስራኤልí" ኺዛረብ ኪሎ እንታይ ማለቱ እዩ? እዚ ቓል እዚ ካብቲ ኣብ ገጺ ዘሎ ትርጉሙ ዚዓሙቝ መልእኽቲ ኣለዎዶ? ንመልሲ ኪዀነና ኣብ መወዳእታ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ኰነ ጽርኣዊ ዜብሉ፡ ግናኸ ኵላቶም ሕብረቶም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ዚረኽቡሉ ሓድሽ ፍጥረት ዚጸሓፎ ንርኤ። ጳውሎስ፡ ነቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ሰላምን ምሕረትን ኪወርዶም እናተመነየ፡ ነዞም ሰባት ብዜገርም ሓረግ ይሰምዮም፥ "ናይ ኣምላኽ እስራኤል"! (the Israel of God) እዞም ብጐይታ የሱስ ዝኣመንና ዘበልና ንኣምላኽ እስራኤሉን ካብታ ሓቀኛ እስራኤል ድማ ተፈሊና ዘይንርኤ ህዝቡ ምዃንናን እነግረኩም ኣሎኹ።

ወሲኽና እምበኣር፡ ኣምላኽ ናቱ ኽንከውን ካብ ሓረየናስ ኸምዚ ዝበለ ህዝቢ ምእንቲ ኽንከውን ኣብ ትሕቲ ኣእዳዉ ኽንሓልፎ ዘሎና ታሪኽ ክንፈልጥ ምሕታትና ቕኑዕ እዩ።  ብርግጽ ታሪኽ ህይወትን ተመኵሮታትን ናይዞም ሰለስተ ኣገደስቲ ሰባት ምስ እነጽንዕ እዩ መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ዚወሃበና። እዚ ድማ ኣብርሃምን፡ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መደብ ኣምላኽ ንኻልኦት ዘይተዋህበ ደረጃ ሂዞም ስለ ዘለዉ እዩ። ኣብ ህይወት እዞም ሰባት እዚኦም ኣምላኽ ንኣና ብፍሉይ መገዲ ንምምራሕ ዝመደቦ ሓለፋ ተነጊሩ ኣሎ።

ስለዚ እስከ ናብ መጀመርታ ንመለስ። ኵላትና ኣጸቢቕና ከም እንፈልጦ፡ ኣዳም ንፍቕሪ ኣምላኽ ብምጥርጣር ርእሱ ንፈተና ብምሃቡ ካብቲ ልዑል ዕድሎቱ ናብ ኵነኔን ሞትን ወረደ። ኣብዚ ዝሓረዮ መገዲ ድማ ብዘይካ ኖህ ንዅሎም ወለዶታቱ ምስኡ ወሰደ። ኖህ ግና ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ እሞ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ።

ኖህ ሓደን በይኑን ኣብ ርእስï ምንባሩ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ኣምላኽ ንኖህ ናብቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽእተመላለሰሉ ደረጃ ኼብጽሖ እንታይ ከም ዝገበረሉ ገለ ኣመት ኣይተወሃብናን። ኖህ ብሓቂ ጻድቕ ነበረ፡ ግናኸ ኣምላኽ ፈልዩ ሓርዩዎ እንተ ዀነ ወይውን ጻድቕ ምእንቲ ኺገብሮ ኸመይ ገይሩ ከም ዝዓየዮ ኣይተነገርናን። ዋላኳ ካብ ታሪኽ ኖህ ንኣና ዚኸውን ብዙሕ ትምህርቲ እንተሎ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ግን ኖህ ብዙሕ ዚምህረና የብሉን።

ግናኸ ኣብ ታሪኽ ኣብርሃም ምስ እንበጽሕ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ብኣምላኽ እተሓርየ ሰብ ንረክብ። ኣብርሃም ሰጋድ-ጣኦት እዩ ዝነበረ፤ "... ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም፡ ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ። ነቦኹም ኣብርሃም ድማ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕክዎ" (እያ. 242,3) ብርግጽ ኣምላኽ ነዚ ሰጋድ-ጣኦት ሓርዩ ኣጽኒዑ ሓዞ፡ ናተይ እዩድማ በሎ፡ እወ ብፍቓዱ ሓረዮ፡ ኵሎም ውሉድ ኣምላኽ ድማ ሎሚ ኸምኡ እዮም። ንፍቕሩ ምላሽ ምስ ሃቡ ምድሓኑ ጥዒሞም ነፍሳቶም ሕሩያቱ ምዃነን ፈለጡ። ኣምላኽ ነቶም መጀመርታኦም ሕርየቱ ዚዀነ ህዝቢ እዩ ዚሕዝ።

ኣብርሃም ኰነ ይስሃቅ ኰነ ያእቆብ፡ ያእቆብ እስራኤልኽሳዕ ዚኸውን ገና ሓደ ህዝቢ ኣይነበሩን። እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ተጽውዑ ግና፡ ኣምላኽ ናተይ ዚብሎ ሓደ ህዝቢ ገበረ። እምበኣር ህዝቢ ኣምላኽ ክልተ መጀመርታ ነበሮም ኪብሃል ይከኣል እዩ፥ ኣብርሃም እቲ ሰብኣይን እስራኤል እቲ ህዝብን። መጀመርታ እቶም ናይ እምነት ሰባት መጹ፡ ስዒባ ድማ መንግስቲ እስራኤል ምስ ምልኣታ መጸት። እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣብርሃምን ወዱን ወዲ ወዱን ዝፈጸሞ ዕዮ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ከም ዚከኣል ገበረ። እምበኣር እታ ስዒባ ዝመጸት መንግስቲ ኣብዞም ቀዳሞት ሰለስተ እተሃንጸት እያ ኽንብል ንኽእል ኢና። እቲ ኣብዛ ምድሪ ህዝቢ ኣምላኽ ዚኽተልዎ መገዲ ድማ ድምር ተመኵሮ ናይዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም እዩ።

በቲ ንኣብርሃም፡ ይስሃቅን ያእቆብን እተዋህበ ፍሉይ ቦታ ትግረምዶ? እወ ብርግጽ እዚ ነገር እዚ ምስ ስም እግዚኣብሄርን ባህርይኡን ገለ ምትእስሳር ኣለዎ፥ ንሱ ኣምላኾም ኮይኑ ደገጊሙ ከምኡ እናበለ ንሰባት ይግለጸሎም። የሱስውን ከም መርትዖ ናይ ትንሳኤ ምዉታት ክሰምዮም ከሎ ርኢና ኣሎና፥ ጐይታና ወሲኹ ኣብ ሉቃ. 1328 ከምዚ ይብል፤"ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡..." እምበኣር ሕጂውን ብስሞም እተፈልዩ እዞም ሰለስተ እዮም፡ ኵሉ ነገር ኣብ ዙርያኦም እዩ ዘሎ። ግን ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዘመሰለ ቦታ ተውሂብዎም?

ብዓይኒ ታሪኽ እንተ ርኤናዮ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ እዞም ሰባት እዚኦም እዚ መዓርግ እዚ ዝሓዙ ኣምላኽ ንእኡ ዚኸውን ሓደ ህዝቢ ደልዩ ስለ ዚነበረ እዩ። ሎሚ እንተ ዀነ ድማ፡ እዞም ሰባት እዚኦ ነዚ መዓርግ እዚ ዚዕቅብዎ ኣምላኽ እቲ ናይ ቀደም መደቡ ኣብ ቦታኡ ስለ ዘሎ እዩ፥ ማለት፡ ካብ ማእከል ኣህዛብ ንስሙ ዚኸውን ህዝቢ ምእንቲ ኺገብር (ግብ. 1514) ናይዚ ህዝቢ እዚ ታሪኽ ድማ ብኣብርሃም እዩ ዚጅምር፡ ከመይሲ ኣምላኽ ስርሑ ኣብ ኣብርሃም ስለ ዚጀመረ። ኣምላኽ ኣብ ህይወት እቲ ሰብኣይ እቲ ስርሑ ዝጀመረ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ንተመኵሮታቱ ናብቲ ህዝቢ ኬሕልፍ ስለ ዝነበሮ እዩ፥ ኣብ ይስሃቅን ያእቆብን እንተ ዀነውን ከምኡ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ብሓደ ዕላማ እዩ ተመላሊሱ - ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ፍሉይ ተመኵሮ ናብ ህዝቦም ኼመሓላልፉ።

ዋላኳ እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ናይ ምግባር ስራሕ ብኣብርሃም ምጅማሩ ሓቂ እንተ ዀነ፡ ታሪኽ ናይ ያእቆብ ተወዲኡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ኽሳዕ ዝመጹ ግን ነዚ ህዝቢ እዚ ገና ኣይወነኖን ነይሩ። ስለዚ ድምር ናይቲ ሰለስቴኦም ዝሓለፍዎ እዩ መንፈሳው ተመኵሮ ናይ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፥ ታሪኽ ናይ ሓደ ወይ ክልተ ካብዞም ሰለስተ ሰባት እኹል ኣይኰነን፡ ብሓደ ወገኑ ጥራይ እተራእየ ታሪኽ ነቲ መለኰታዊ ቅጥዕታት ኬማልእ እኹል ኣይኰነን እሞ ብኸፊላዊ ሓጎስ ጥራይ ንነፍስና ኼነዕግባ ኣይግባእን።  ንኣምላኽ እስራኤሉ (the Israel of God) ከም ምዃንና መጠን ብንእሽቶ ዓቐን እንተ ዀነ እኳ ምሉእ ተመኵሮ ናይ ሰለስቲኦም ኪህልወና ይግባእ። መደብ ኣምላኽሲ ኵሎም ናይ ሓቂ ህዝቡ ዘበሉ፡ ንሱ ንኣይ ኣምላኽ ኣብርሃምን፡ ይስሃቅን ያእቆብን እዩንኺብሉ እዩ እሞ ካብዚ ንድሕሪት ደው ክንብል ኣይግባእን። ብርግጽ እስማኤል ኣምላኽ ኣብርሃም ኪብሎ ይኽእል እዩ፡ ኤሳውውን እንተ ዀነ ኣምላኽ ይስሃቅ ኪብሎ ይኽእል እዩ፥ መንፈሳዊ ተመኵሮ ግና ኣብ ኣብርሃምን ይስሃቅን ዚድመር ኣይኰነን፡ ስም ያእቆብውን ኪሕወሶ ኣለዎ። ናይ ሓቂ እስራኤል ንምዃን ንሱ ኣምላኽ ናይዞም ሰለስተ ኣቦታት ኪኸውን ኣለዎ።

ብዙሓት ውሉድ ኣምላኽ፡ ገለ ጉድለት ኣሎኒ፡ ስለ ገለ ድሌትውን ነቒሔ ኣሎኹ፡ እንታይ ምዃኑ ግን ገና ኣይፈለጥኩንይብሉ እዮም። ብርግጽ ኣብ ገለ ክፋል ናይ ታሪኽና፡ ዋላኳ እንታይ ማለትና ምዃንና ንጹር እንተ ዘይኰነልና፡ ካብ ኣምላኽ ካልኣይ በረኸትንደሊ ኢና። ግናኸ ሰለስተ እምበር ሓንቲ ጥራይ ዘይኰነስ ሰለስተ ኽም ዘድልየና ደኣ ክነግረኩም። ኣብቲ ዚቕጽል ገጻት እምበኣር ካብ ታሪኽ ናይዞም ሰለስተ ቀዳሞት ኣቦታት ኣምላኽ ንህዝቡ ዘዳለዎ ስሉሳዊ በረኸት ክንገልጽ ክንፍትን ኢና።

እግዚኣብሄር፡ ኵሉ ሓድሽ ፍጥረቱ ኻብኡ ዚምንጩ ናይ ሓቂ ጀማሪ ንሱ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዚስዕብ ቃላት ናይ ጐይታ የሱስ ክንልቃሕ ንኽእል ኢና፤ "ኣቦይ ኽሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፡ ኣነውን እዓዪ።" እቲ ኻብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ ድማ ወላሓደ ነገር ከነመንጩ ኸም ዘይንኽእል እዩ። ኣምላኽ በይኑ እዩ ንዅሉ ነገር ኪጅምር ዚኽእል (ዘፍ. 11, 1ጴጥ. 13-5) ዋላኳ እዚ ንኣነነትና ዚትንክፍ እንተ መሰለ፡ እታ እዚ ሓቂ እዚ እተብርሃልና መዓልቲ ግን መዓልቲ ፍስሃና እያ፥ ማለት በታ መዓልቲ እቲኣ ንናይ ዘለኣለም ክብርታት ኣብ ዝምልከት ዘበለ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲእና ኣሎና ማለት እዩ።

ኣብርሃም ብገለ ወገን ቕሩብ ከም ኖህ ኣይነበረን። ኖህ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ከም ጻድቕ ተፈልዩ ዝነበረ ይመስል፥ ኣብርሃም ግና ልክዕ ከም ጐረባብቱ መምለኽ ጣኦታት ነበረ። ኣምላኽ ንኣብርሃም - ነቲ ናቱ መጀመርታ ዘይነበሮ ሰብኣይ - ካብ ማእከል ነዚ ዚመስል ኵነታት ሓረዮ፡ ነቲ ተበግሶ ዝወሰደ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ካብ ሉኣላውነት ኣምላኽ ዚኸብር ነገር የልቦን። ኣብርሃም ፈጺሙ ንኸነኣን ከም ዕላማኡ ኣየቋጸራን፡ ግናኸ ንጽውዓ ኣምላኽ ምላሽ ብምሃብ ናበይ ምዃኑ ከይፈለጠ ካብ ዓዱ ወጸ።

እቲ ዘይፈልጥ ሰብ ብጹእ እዩ! እዚ ሰብኣይ እዚ ናበይ ይኸይድ ምንባሩ ኸይፈለጠወጸ። ኣብቲ ኣብ ህይወት ዘገድስ ዘበለ ዅሉ ኣምላኽ ባዕሉ መጀመርታ ምዃኑ ብርግጽ ምስ እንርዳእ፡ ደጊም ብዛዕባ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ርእሰ-ምትእምማን ዜብልና ኢና እንኸውን። ብሓጐስ ድማ፡ "ጐይታ እንተ ፈቐዶ" ንብል።

ወዲ ኣብርሃም እንተ ዀነውን ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጸ። ካብ ኣብርሃም ዝመጸ ዘበለ፡ ዋላውን እቲ ኻልኣይ ወዱ እስማኤል፡ ንኣምላኽ ኪኸውን ብቑዕ ኣይነበረን። ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ኣቦ፡ ምንጭን ዓይኒ ማይን ናይ ኵሉ ምዃኑ ተማህረ፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዝኾነ ዚጠቅም የልቦን፡ ኣምላኽ ገለ እንተ ዘይገበረ ሓንቲ እኳ ኸነስልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ምስ እንመሃር ህዝቢ ኣምላኽኽንከውን ንጅምር።

ይስሃቅ ብቐንዱ እቲ ውሉድ እዩ፡ ብዘገርም መገዲ ነቲ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዜብርህ። እዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ፡ ንይስሃቅ፡ እቲ ወራሲ፡ ብናይ መንፈስእተወልደ፡ ነቶም ናይ ክርስቶስ ዘበልና ድማ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ እናበለ ብዚገልጾ መብርሂ ግልጺ ይዀነልና (ገላ. 429, 329) ደጊሙውን፡ "ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻይጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።" ይብል (ገላ. 44-6)

ኣብርሃም በቲ ዝገበሮን በቲ ኣብኡ ዚጀመረ ዓበይቲ ጕዕዞታትን እዩ ዚፍለጥ፡ ያእቆብ ድማ በቲ ዘሕለፎ ብዙሕ መከራታት እዩ ዚልለ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዓበይቲ ሰባት ግና ሓደ ተራ (ordinary) ሰብኣይ - ይስሃቅ - ኣሎ፡ ተራ ብምንባሩ እምበር ብኻልእ ዘይፍለጥ ሰብኣይ። መጽሓፍ ኦሪት ዘፍትረት ምስ እተንብብ ይስሃቅ ዚስመየሉ ዓብዪ ነገር ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እስከ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት ተመልከት። ኣብርሃም እምበር ይስሃቅ ዘይኮነ ብዙሕ ሃብቲ ከም ዝደለበ ተነጊርና ኣሎና፡ ይስሃቅ ብዘይካ ተቐባል እዚ ውርሻ ምዃኑ ነዚ ሃብቲ እዚ ንምምጻእ ዝዀነ ነገር ኣይገበረን። እንታይ ደኣ ገበረ? ገለ ዔላታት ከም ዚዀዓተ ኣንቢብና ኣሎና፡ ነቲ ኣብ ዘፍ. 26 ዘሎ ታሪኽ ምስ እነንብብ ግን እተን ዜዀዓተን ዔላታት ናይ ኣቦኡ ነይረንሲ ሓመድ እተደብያ እየን ነይረን።

እምበኣር እቲ ይስሃቅ ዚምህረና ትምህርቲ እንታይ እዩ? እቲ ትምህርቲ እዚ እዩ - ማለት ዘይተወሃብናዮ ነገር ኸም ዜልቦ። ባዕለይ ዚጅምሮ ነገር እንተ ዜልቦ፡ ባዕለይ ዚረኽቦ ነገርውን የብለይን። ኸምቲ ጳውሎስ "እንታይከ ኣሎ ዘይተቐበልኩምዎ" ዚብሎ እዩ፥ እቲ ኣምላኽ ኣቦና ምዃኑን ንኣናን ድማ ምንጪ ዅሉ ነገር ምዃኑን እንመሃረሉ ተመኵሮ ኣብርሃም ንኣና ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ግናኸ ተመኵሮ ኣብርሃም ብዘይ ተመኵሮ ይስሃቅ እኹል ኣይኰነን። ኣምላኽ፡ ወድን ወሃብን ድማ እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ሕድገት ሓጢኣት ኰነ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ ውህበት ምዃኑ እንፈልጦ ፍልጠት እዩ። ካብቲ ምሳና ዘሎ ዘበለ ውህበት ኣምላኽ ዘይኰነ የልቦን። ስለዚ እዩ ኸኣ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ዝሃቦ ዘበለ ዅሉ ንይስሃቅ ተስፋ ዝኣተወሉ።     (ዘፍ. 263-5)

ይስሃቅ ንሃብቲ እዩ ተወሊዱ። ንሕናውን ናብ ሃብቲ ኢና እንውለድ እምበር ናብኡ ገጽና ኣይንዓብን ወይ ኣይንግስግስን። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከም ክርስትያን መጠን እንሓልፎ መንፈሳዊ ተመኵሮ ሓቂ እዩ። ንኣብነት እቲ ኻብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትንሓራ ዘውጽኣኒ ሕጊ መንፈስ ህይወት ኣብ ክርስቶስ ዘሎኒ እምበር ኣባይ ዘሎ ኣይኰነን፡ ባዕለይ ከም ዝረኸብክዎ ናተይ ዝብሎ ዘይኰነስ እተቐበክዎ ነገር እዩ። እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣዕዋፍ ሓይሊ ስሕበት መሬት ብምንጻግ ዚበራሉ ትእምርቲ ፍጥረት እዩ፡ እዚ ሕጊ መንፈስ ህይወት እዚ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺገብረና እተወጠነ ካብ ኣምላኽ ንኣና ዚዀነ ውህበት እዩ። ግናኸ ክንደይ ካባና ክርስትያን ኢና ነዚ ምስጢር እንፈልጦ?

እቲ ኣብ ህይወት ይስሃቅ እንርእዮ ስርዓት፡ ስርዓት ምቕባል እዩ። እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣንስቲ እዞም ሰለስተ ሰባት ክበርሃልና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ንኣብርሃም በቦኡ ሓብቱ ምንባራ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሳራ መን ምዃናን ካበይ ከም ዝመጸትን ኣይንፈልጥን ኢና - ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ምስኡ ከም እተማልኣ እንተ ዘይኮይኑ። ያእቆብ እንተ ዀነ ኸኣ ብዛዕባ ዅሉ ነገር - ብዛዕባ ሰበይቱ ኸይተረፈ - ዚዋገ ሰብኣይ ነበረ። ያእቆብ ናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ዚገብር ሰብ ነበረ። ይስሃቅ ግና ንሰበይቱ ርብቃ ቅድሚ ምሕራያ ፈጺሙ ኣይረኣያን። ኣቦኡ ደኣ እዩ መን ክትከውን ከም ዘለዋ ዝሓበረ፡ ፈልዩ ዝሓረያን ገዝማ ዝኸፈለን። ከም መጠን ውሉድ፡ ይስሃቅ ንኹሉ ነገር ተቐበለ፥ ንሕናውን ከምኡ ውህበት ኣምላኽ ዘይኰነ ወላሓደ ነገር ኣይንውንንን።

ድሕርዚ እምበኣር ናብ ያእቆብ ንመጽእ። እዚ ሰብ እዚ ኣምላኽ ኣብ ደቁ ዝዓዮ ካልእ ኣገዳሲ ነገር ይምህረና። መብዛሕትና ኣምላኽ ምንጪ ዅሉ ነገር ምዃኑ ንርኢ ኢና፡ ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ደረጃ ድማ ኵሉ ነገር ኻብኡ ክንቅበል ከም ዘሎና ንቕበሎ ኢና። ስለምንታይ ደኣ ኢና እሞ መብዛሕትና ነቲ ውህበት ዘይንቕበሎ፡ ኤረ ክንረኽቦ እንጋደል? መልሲ ናይዚ ኣብ ሕጊ መምርሒ ህይወት ያእቆብ ንረኽቦ፡ ማለት እቲ ዚዕብልለና ባህርያዊ ክእለትና። ኵልና ነቲ ናይ ኣምላኽ ዕላማ ብጻዕርና ክንረኽቦ ኢልና ኣዚና ንተኣማመን ኢና።

ስለዚ እዩ ድማ ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ወይውን ሓቅታት ቅድስና ዚምህር ዝዀነ ትምህርቲ ብዛዕባ ሓይሊ ተፈጥሮኣዊ ሓይልና እንተ ዘይሓዊሱ ምሉእ ኪኸውን ዘይክእል። ብዘይ እዚ ኣገዳሲ ሓሳብ እዚ እቲ ውጽኢታት ግዜያዊ ጥራይ እዩ ዚኸውን።

እዞም ናይ ክርስቶስ ዘበልና ዅልና ናይ ለበዋ ወረስቲ ኢና። ግናኸ እቲ ብወዲ (የሱስ) ኣቢልና እንቕበሎ ውርስን እቲ ኣምላኽ ነዚ ውርሲ እዚ ምእንቲ ከነስተማቕሮ ክንከደሉ ዝደልየና መገድን ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሓይልና ዝገብሮ ዕዮ እዩ ዚምርኰስ። ያእቆብ ኣዝዩ በሊሕን ክኢላን ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፡ ኺገብሮ ዘይክእል ነገርውን ኣይነበረን። ንሓዉ ኣታለለ፡ ንኣቦኡ ኣደናገረ፡ ኵሉ ንብረት ኣኮኡ ንምውሳድ ድማ ተንኰለ። እዚ ብልሕን   ንርእሰ-ብልጽግና ዚኸውን መንፋዕትን ግን ኣብ ፍቓድን መደብን ኣምላኽ ገለ ቦታ ኣይነበሮን።

እዚ ዅሉ ክእለት እዚ ናብ ባዶነት ኪመጽእ ኣለዎ፡ ነዚ ንምግባር እተሰግረ ተመኵሮታት ያእቆብ ድማ ነቲ ዲሲፕሊናዊ ዕዮ ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዘብርሃልና።

ያእቆብ ኢዱ ዘንበረሉ ዘበለ ዅሉ  - ኤረ ካብ ልደቱ ጀሚሩ - ተበላሽዩ እዩ። እቶም ማናቱ (ያእቆብን ኤሳውን) ኺውለዱ ኸለዉ፡ ዋላኳ በዅሪ ዀይኑ እንተ ዘይተወልደ፡ ያእቆብ ኵርዅረ ሓዉ ሒዙ ኸም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ብተንኰል ብዅርና ኺወስድ እንተ ደለየኳ ካብ ቤቱ ወጺኡ ኺሃድም ዝነበሮስ ንሱ ደኣ ነበረ። መርዓቱ ኽትኮኖ ልቡ ኣብ ራሄል ኣውደቐ፡ ግናኸ መጀመርታ    እተመርዓዋስ ንልያ ደኣ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ጳዳን-ኣራም ምስ ብዙሕ ሃብቲ ወጸ - መብዛሕቱ ብዜታሓታትት መገድ እተደለበ - ግናኸ ናብ  ዓዱ እናተመልሰ ኸሎስ ህይወቱ ንምድሓን ነዚ ዅሉ ሃብቲ ንሓዉ ኤሳው ኺገድፈሉ ድልዊ ነበረ። እዚ እዩ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዲሲፕሊን ዝበልናዮ። ኣብቲ ያእቆብ ኣብ ጕርሑ ተወኪሉ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኢድ ኣምላኽ ብፍርዲ ነበረት። በላሕቲ ዘበሉ ዅሎም ሰባት፡ እንተ ኣድለየ ብመከራ ሓሊፎም፡ ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ ብእግዚኣብሄር ከም እንነብር ኺፈልጡ ኣለዎም።

ያእቆብ ዘለዎ ዅሉን፡ ዝኣከቦን ዝዓይየሉን ዘበለን ድማ ኣብ ምስኣን ምስ ተገማገመ፡ ሓደ ዓብዪ ትምህርቲ ተማህረ። ሓደ ለይቲ ንሰብ (ንሓዉ ኤሳው) ከመይ ገይሩ ከም ዚረኽቦን ብኸመይ ዝበለ መገዲ ድማ ንሓዉ ኣህዲኡ ነዛ ትንፋሱ ከም ዜትርፍ እናሓሰበ ብኣምሳያኡ ንኣምላኽ ረኸበ። ንኣምላኽ ረኸበ እሞ ሓንከሰ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ንያእቆብ ተንከፎ። ኽሳዕ እታ መዓልቲ ብተንኰል ዚምንዝዕሰብ ነበረ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ግን እስራኤል - ምስ ኣምላኽ ዚዀነ መስፍን - ተሰምየ። እዚ ድማ መጀመርታ ናይታ መንግስቲ ነበረ። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ፍሉይ ሰብ ነበረ ኽንብል ከሎና ነቲ ሓቅታት ኣየጋነንናን፥ እቲ ንኻልኦት ዜታልል ዚነበረ ሕጂ ብኻልኦት - ብገዛእ ደቁውን ከይተረፈ - ኺታለል ተራእየ። እቲ ኣረጊት ጐራሕ ያእቆብ ነዚ ጕርሕታት ብቐሊሉ ኼስተውዕሎ ይኽእል ነበረ፥ እዚ ሓድሽ ያእቆብ ግን ብቐሊሉ ኣመኖም እሞ እናበኸየ፡ "እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ" በለ።

ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ እምበኣር ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ማለት ምስባር እቲ ባህርያዊ ሓይሊ፡ እዮም ኪበጽሑ ዘለዎም። "ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ ተቓለሶ" ለይቲ ብመላኣ ብደሓን እንተ ኣሕለፍናያ እኳ ብርሃን ኣምላኽ ግና መወዳእታና እዩ፡ ማለት መወዳእታ ናትና። እዚ እዩ እቲ ናይ መንፈስ ዲሲፕሊን።

ኣብርሃም ንኣምላኽ ከም ኣቦ ረኸቦ እሞ ምንጪ ዅሉ ነገር ምዃኑ ኣግሃዶ። ካብ ኣምላኽ እተመደበልና ውህበት ምቕባል ዚባርኽ እዩ እሞ፡ ይስሃቅ ድማ ከም ውሉድ ኰይኑ ነቲ ውርሲ ተቐበሎ። ግናኸ ነቲ እተቐበልናዮ ከነበላሽዎ ንኽእል ኢና። ያእቆብ ነዚ ኺገብር ፈተነ እሞ ካብ ሳዕቤኑ በቲ ኣብ ንባህርያዊ ሓይሉ ንምጥፋእ እተገብረ ስራሕ ጥራይ ደሓነ። ኣብ ሓንቲ ካብ ዕለታት ተመኵሮታትና ኸምዚ ኪህሉ ብግዲ ኼድልየና እዩ። መፈለጥታ ናይቶም ንኣምላኽ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ሰባት ኣብ ብቕዓቶም ዘይተኣማመኑን ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይውከሉን ምዃኖም እዩ። ድሕርቲ ያእቆብ ነዚ ምምሃሩ፡ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ እስራኤል (the Israel of God) ኪኸውን ጀመረ።

ንመረጋገጺ ዚኸውን ገለ ነገር ኽብለኩም። ኣምላኽ ነቶም ነቶም ብተፈትሮኦም ብርቱዓትስለ ዚዀኑ ዕዮኡ ኣብ ልዕሊኦም ዘይደልዩ ሰባት  - ኪረኽቦም ስለ ዘይክእል - ኺሓሪ ኣይኰነን ዝጽበ ዘሎ። ከማይን ከማኹምን ዘመሰሉ ውህበት ጸጋኡ ካብኡ ኪቕበሉን እቲ ውህበት ምእንቲ ኸይበላሾ ድማ ነዚ ዲሲፕሊን እዚ ርእሶም ኪህቡ ፍቓደኛታት ዚዀኑን ተራ ሰባት እዩ ዝመርጽ። ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ ንኣና ንሓጥኣን ዝሓርየሉ ስርዓት ይውክል። ይስሃቅ ነቲ ብውህበት ወዱ ንኣና እተዳለወ ህይወት ኣምላኽ የርእየና። ያእቆብ ድማ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንውህበት ኣምላኽ ኪዕቅበልናን ኬስፍሓልናን ኣባና ዘለዎ ኣተሓሕዛ የብርህ። መንፈስ ቅዱስ እቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሓድሽ ፍጥረትና ምስ ኣምላኽ ሓቢሩ ምእንቲ ኺዓዪ ነቲ ኣረጊትን ኣነነት ዝመልኦ ባህርይና ይቘርጾ። እምበኣር እቲ መንፈስ ኣምላኽ ብመገዱ ንዕላማኡ ኣባና ኺፍጽሞ ምእንቲ እዩ ኣባና ዚመላለስ። እዚ ድማ ዕላማ ናይቲ ኣምላኽ ኣብቶም ናቱ ዘበሉ ዚዓዮ ግብሪ እዩ።