ኣብርሃም - መለኰታዊ ሕርየት
ምዕራፍ ክልተ
ናይ ሕውየት መጀመርታ
እቲ መለኰታዊ መደብ ናይ ምድሓን ብእኡ ስለ ዚጅምር ንሕናውን መጽናዕትና ብኣብርሃም ኢና ኽንጅምር። ሓድሽ ኪዳን እንተ ኸፈትና መጀመርታ እነንብቦ ቓላት ኸምዚ ዚብል እዩ፡ "መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም።"ብኡብኡ ድማ እቲ ምቝጻረ ወለዶታት ይጅምር፡ "ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ።" እምበኣር ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣብርሃም ገለ ዜጠራጥር የልቦን። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ጐይታ የሱስ ልዕሊ ዅሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ሰባት ኺስመ እንረኽቦ ሰብኣይ ድማ ንሱ እዩ። "ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሓጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ" ፡ "ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።" (ዮሃ. 8፡56,58)
ኵሉ ነገር ኣብ ኣብርሃም እዩ ዝጀመረ፡ ንሱ ናይ ኣብ ምድሓንን መደብ ኣምላኽን ዘሎ ዅሉ መጀመሪ ነጥቢ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብርሃም ኣቦ ዅሎም እቶም ኣመንቲምዃኑ ይነግረና። (ሮሜ 4፡11) ኣብርሃም እምበር ኣዳም ኣይኰነን፡ ኸመይሲ ኣዳም መጀመርታ ኣበሳ ሰባት ስለ ዚዀነን ካብ መዓልቱ ጀሚሩ ሓጢኣት ስለ ዝመለኸን።
ብርግጽ ካብ መንጎ እቶም ካብ ኣዳም ዝወጹ ኣብቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ጸልማት እቲ ዘመን ከም ብርሃናት ዜንጸባርቑ ነይሮም እዮም። ኣቤል ሰናይ ሰብ እዩ ዝነበረ እሞ ከም ፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረበ፡ ግናኸ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ እዩ ዝሰውኤ። ንዕላማ ኣምላኽ ኣብ ዚምልከት ተፈልዩ ኣይተሓርየን፡ ድልዊውን ኣይነበረን። ሄኖክውን ምስ ኣምላኽ ዚመላለስ ዝነበረ ግለሰብ ነበረ፡ ኖህውን ከምኡ። ወላሓደ ኻብዞም ሰለስተ ንምምላስ እቲ ብኣዳም ዝጠፍኤ ኣብ ዝምልከት መደብ ተፈልዩ ኣይተጸውዔን።
ኣቤል፡ ሄኖክን ኖህን ንኣምላኽ እዮም ዜምልኹ ዚነበሩ፡ ኣብርሃም ግን ጣኦታት። ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኰነ ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ሰባት መምለኽቲ ጣኦት ኽሳዕ ዚዀኑ ነገራት ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ እናተቐየሩ ኸዱ። ኣብርሃም፡ ናሆርን ኣቦኦም ታራን ድማ ካብዚ እተፈልዩ ኣይነበሩን፡ "ንኻልኦት ኣማልኽቲ የገልግሉ ነበሩ።" (እያ. 24፡2) ብገዛእ ርእሱ ኣብርሃም ካብቶም ቅድሜኡ ዝሓለፉ ኣቤል፡ ሄኖክን ኖህን ብሞራል ኣይመዛዘኖምን እዩ። ብባህርዩ ማዕረ እቲ ዝወደቐ ኣዳም ወይውን ከም ቃየል እዩ ዝነበረ። ግናኸ ነጥበ-መጀመሪ ናይቲ መለኰታዊ ሕውየት ንሱ ዀነ። ኣምላኽ ብወላሓደ ኻብቶም ንኣብርሃም ዝቐደሙ ገይሩ ነቲ ብሓጢኣት እተፈጥረ ዅነታት ኪፈትሕ ርእሱ ኣይሃበን። ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ ብእኡ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣብርሃም ነበረ።
ኣብ መንጎ ኣዳምን ኣብርሃምን ኣምላኽ ንሰባት በብግሎም እዩ ዚሰርሖም ዝነበረ። ኣብ ኣብርሃም ግን ኣምላኽ ንኣበሳ ዘርኢ ሰብ ኣብ ዝምልከት ሕቶ ብምውሳእ ዕዮኡ ኣግፍሔ እሞ ንውጽኢት ምውዳቕ ኣዳም ንኼጥፍእ ኪንቀሳቐስ ጀመረ።
ምድሓን ኣብ ክርስቶስ እዩ እተፈጸመን ምሉእ ዚዀነን፡ መጀመርታኡ ግን ኣብ ኣብርሃም ነበረ። ክርስቶስ ሕምብርቲ ናይቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ዕላማ ነበረ። ክርስቶስ ማእከላይ ነጥቢ ናይቲ ምልኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዝመወዳእታኡን ኣብርሃም ዝመጀመርያኡን መስመር ምድሓን ኣምላኽ እዩ። ኸመይሲ ኣብርሃም ስለ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ ስለ ዘርኡ እዩ ተጸዊዑን ተሓርዩን። ንሱ ነቲ ኣምላኽ ንዜሕዝን ኵነታት ንምፍታሕ ዝመደቦ መደብ ዚጠቅም ኣቕሓ እምበር ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኪቕበል ኣይኰነን ተሓርዩ። ጸጋ ምቕባልን ጸጋ ምትሕልላፍን ክልተ በበይኖም ነገራት እዮም።
ሰባት ምስ ወደቑ፡ ኣምላኽ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይወሰደን። ኣብ ዘመን ኖህ ንዓለም ፈረዳ እምበር ንምድሓና ዚኸውን ገለ ነገር ኣይገነረን። ነቲ ዅነታት ኣብርሃም ክሳዕ ዝመጽእ ገና ኣይተንከፎን ነበረ፡ ኣብርሃም እተጸውዔ ኣምላኽ ብእኡ ገይሩ ነቲ ዜስካሕክሕ ሽግር ናይ ሓጢኣት ምእንቲ ኺፈትሖ እዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝነበረ መደብ ኣምላኽ ገና ኣብ መጀመርታ ጽውዓ ኣብርሃም ተጠቒሱ ኢና እንረኽቦ፡ "እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውም ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።" (ዘፍ. 12፡1-3) ኣብርሃም ንውርሲ - እዚ ድማ መሬት - እዩ ተጸዊዑ። ብተወሳኺ ድማ ዓብዪ ሃገር - እዚ ድማ ህዝቢ - ኪኸውን ተጸውዔ።
ኵሉ ስራሕ ኣምላኽ ኣብ ህዝቡ ምስ መሬት እተተሓሓዘ እዩ፥ እሙናት እንተ ዀኑ ይውንንዋ፡ እሙናት እንተ ዘይኮኑ ድማ ይስእንዋ። ኵሎም ጸላእቲ እዚ ህዝቢ ካብታ ምድሪ ይስጐጉ እሞ እዚ ህዝቢ እዚ ድማ ይሰፍራ። ኣምላኽ ናቱ ዝዀነ ምድሪ እዩ ዝደሊ፡ እቲ ሕቶ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ኣብ እዋን ምውዳቕ ኣዳም ዝሰኣና ዓለም ኣይኰነን። ዋላኳ ኣብ ሰማይ ሽግር እንተ ዘይነበረ ብዛዕባ ሰማይውን ኣይነበረን። ኣምላኽ ንዅላ ዓለም ኺመልስ ይደሊ እዩ፡ እዚ ድማ ብምልኣት መንግስቱ ምስ መጸ ኺፍጸም እዩ። ኽሳዕ እታ መዓልቲ ግን ኣምላኽ ከም ናቱ ገይሩ ዚቘመላ ገለ መሬት ይደሊ እዩ፡ እዛ መሬት ድማ ናቱ ትኸውን። እዛ ቦታ እዚኣ ኣምላኽ ርእሱ ዚገልጸላ ፡ ዚስምዓላ፡ ዝረኣየልን ሕጉ ዚህበላን ትኸውን። ነዛ ቦታ እዚኣ ምስ ሓዘ ኸኣ ንዅላ ዓለም ይሕዝ።
ሎሚውን እንተ ዀነ ኣምላኽ መሬትኣለዎ፡ ዋላኳ ኣብ ገለ ፍሉይ ቦታ ዘላ እንተ ዘይኰነት። ቐደም ሓንቲ ግዝኣት ማለት መንግስቲ እስራኤል እያ ነይራ፡ ሎሚ ግን እዛ መሬትእዚኣ ቤተ ክርስትያን እያ፥ ናይ ኣንጾክያ ትኹን ናይ ተሰሎንቄ ትኹን ናይ ኤፌሶን። ስጋ ክርስቶስ ኣብኣ ስለ ዚሓድር መሬትእያ። ናይ ኣምላኽ ስራሕ ምሕዳስ መሬት ብምሓዝ እዩ ዚጅምር እሞ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብቲ ዝነብረሉን ዝሰርሓሉን ንኣምላኽን ንፍቓድ ኣምላኽን ደው ኪብልን፡ ነታ ዘለዋ ስፍራ ንኣምላኽ ኪሓዝኣን ይኽእል እዩ።
ምምላስ ኵላ ዓለም ኣብ ምምላስ እዞም ክልተ ኽፋላት እተመርኰሰ ነበረ። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ ምድሪ ኽሳዕ ዝነበሩ፡ እግዚኣብሄር ወናኒ ሰማይን ምድርንይብሃል ነበረ። ነታ ምድሪ እንተ ሰኣንዋ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይይብሃል። ኣብርሃም ምስቶም ንሎጥ ዝማረኽዎ ነገስታት ተዋጊኡ ምስ ተመልሰ እሞ ንመልከጼዴቅ ድማ ምስ ረኸቦ ኣብታ ምድሪ ስለ ዝነበረ ነቲ ንጉስ ሶዶም፡ "ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር፡ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ኣልዓልኩ፡" ኪብሎ ኸኣለ (ዘፍ. 14፡22) ። ግናኸ እስራኤል ነታ ምድሪ ዝስእኑሉ ግዜ መጸ እሞ ነህምያ፡ "ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ።" ኺብል ጸሓፈ (ነህ. 1፡4)። ነታ ምድሪ ስለ ዚሓደጉ፡ ዓለም ድማ ኣብ ኣምላኽ ተኸስረት።
እምበኣር ኣምላኽ ብዛዕባ ዓበይቲ ነገራት ይሓስብ ብምህላዉ፡ እታ ምድሪ ንርእሳ መፈጸምታ ኣይኰነትን። የሱስ፡ "ዓቃላት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም" ኢሉ ኣሎ። እዛ ኣብ መወዳእታ እዚ ዘመን እዚ ናብ ኣምላኽ እትምለስ ዓለም ሎሚ ብዓቃላት ትውረስ ኣላ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ምድሪ እስራኤል ምልክት ናይቲ ኣምላኽ ንዅላ ዓለም ኺውንን ዝነበሮ መደብ ከም ዝነበረት፡ ሎሚ ድማ፡ እቲ ደቁ ስሌኡ ኢሎም ደው ዚብሉሉ ዘበለ በበይኑ ክፋላት ምልክት ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ዓለም ዘለዎ ሉኣላዊ መሰል እዩ። ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ወንጌል ክንሰብኽን ንማሕበሩ ድማ ክንተክልን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዛ ዓለም ንእኡ ደው ክንብልን ድማ ይደልየና።
ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ መሰታ እዛ ምድሪ፡ እቲ መንግስቲ ኣምላኽእንብሎ ሓረግ እዩ። እታ ምድሪ ሕጊ ኣምላኽ ዝዓየላ፡ ሓይሉ ድማ ዜስልጠላ ቦታ ነበረት። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ልክዕ ኸምኡ ዝበለ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ ዜስልጠሉ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቲ ሎሚ ዚሕተት ዘሎ ሕቶ ግና ሰማይ ንማሕበር ኣምላኽ ይመልካዶ ኣሎ ዚብል እዩ።
ኣብዚ ሓሳብ እዚ ዅልና ንሰማማዕ ዀይኑ ይስምዓኒ። ውሉድ ኣምላኽ ዘበሉ፡ ኣምላኽ ብእኦም ኣቢሉ ሓይሉ ኣብ ስፍራኦም ምእንቲ ኺተክልሲ ኣብ ዘዘለዉዎ ገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ደው ኪብሉ እጽውዕ። እቲ ሕቶ ብዛዕባ ወንጌል ምንጋር ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ህላወ እታ መንግስቲ እውን እዩ። ወንጌል ጸጋ ምእንቲ ምድሓን ሓጥኣን እዩ ዝመጸ፡ ወንጌል መንግስቲ ግና ነታ መሰል ኣምላኽ ዚዀነት ዓለም ናብ ኣምላኽ ንምምላስ እዩ ዝመጸ። ዕዮና ብኸምዚ መገዲ ንዓለም እንተ ዘይጸለዋስ ካብቲ መደብ ኣምላኽ ገለ የጕድል ኣሎ ማለት እዩ።
ኣምላኽ ንኣብርሃም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ንኪተኽሎ ብዙሕ ግዜ እዩ ወሲዱ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነታ ምድሪ ዝሓደገሉ እዋናት፡ ኣብርሃም ኣብ ናይ ሞራል ስዕረት ይወድቕ ነበረ። ካብ መገሻታት ኣብርሃም ብዛዕባ መገዲ ኣብርሃም ምስ ኣምላኽ ገለ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክንመሃር ንኽእል ኢና። እዚ እናገበርና ግና ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ከየስተውዓንናሉ ክንሓልፍ ንኽእል ኢና። እቲ ትምህርቲ ድማ ኣምላኽ ነታ ምድሪ ዝደለያ ንብዘላ ዓለም ስለ ዝደለየ እዩ፡ ዚብል እዩ።
ናብቲ ኻልኣይ ወገን ምስ እንሓልፍ ድማ፡ ጽውዓ ኣብርሃም ብዛዕባ መሬት ዘይኰነስ እንተላይ ብዛዕባ ህዝቢውን እዩ ነይሩ፥ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየከም ዚበሎ። ናይቲ ኣምላኽ ነዚ ሰብኣይ እዚ ካብ ናይ መምለኽቲ ጣኦት ዓለም ዝጸውዓሉ ጽውዓ ዕላማ እዚ ነበረ።
ድሕሪ መዓልትታት ኣዳም ኵነታት ኣዝዩ ተቐያዪሩ ነበረ። ኣዳም ተፈሪዱን ተቐጺዑን፡ ከምቲ ዝበልናዮ ድማ ብዛዕባ ዅላ ዓለም ኣብ ዝምልከት መደብ ተወጊዱን ነበረ። ኣብ ዘመኑ ካብ ብሰባት ክትማላእ እትድለ ጠለብ ግላዊ ቕድስና እያ ዝነበረት እሞ ሰባት ወይ ንኣምላኽ ይደልይዎ ወይውን ኣይደልይዎን ነበሩ። ኣብ ዘመን ኖህ ግና ሓደ ፍሉይ ነገር፡ ማለት ሕጊ፡ ናብ ዓለም ተኣታተወ። (ዘፍ. 9፡ 3-6) ደቂ ሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣምላኽ ኪጥርነፉ ዝደልዩ እንተ ዀይኖም ወይስ ካብኡ ንኺፍለዩ ኪሓብሩ ምርጫ ተዋህቦም። ካብታ ሰዓት እቲኣ ሰብ ክፋል ናይ ጥርኑፍ ህይወት ኪኸውን ጀመረ። ባቤል (ዘፍ. 11፡ 1-9)፡ ዓብዪ ውጽኢት ናይ ሕብረት ሰባት እዩ፡ ካብ ባቤል ድማ እታ ትምየና (counterfeit) ናይ ኣካል ክርስቶስ ዝዀነት ባቢሎን ወጸት። ድሕርዚ ድማ፡ ሎሚ ፈሊጥናዮ ከም ዘሎና፡ ኣብ መጀመርታ እዋናት ናይ ዓለም ኣምላኽ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኪእክብ ኢሉ ንኣብርሃም ሓረዮ።
ኣብ ግዜ ኣዳምን ኖህን ኣምላኽ ጕዳዩ ምስ ዓለም ፈጺሙ ነበረ። ኵሉ ወዲ ሰብ ኣብ ኣዳም ኰይኑ ካብ ኤድን ወጸ፡ ኣብ እዋን ማይ ኣይሂ ድማ ኵላ ዓለም ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣተወት። እዚ ኽልቴኡ ድማ ውጽኢት ናይ ምውዳቕ ኣዳመ-ሄዋን ነበረ። ናብ ግዜ ኣብርሃም ምስ እንኣቱ ድማ ኣምላኽ ንውጽኢታት ምውዳቕ ኣዳመ-ሄዋን ኼጥፍኦ ኺጅምር ከሎ ንርእዮ። ነዚ ከመይ ገይሩ እዩ ኺገብሮ? ሰብ ፈተወ-ጸልአ ንብዘላ ዓለም ብምንጻህ ናብኡ ብምምላስ ኣይኰነን፡ ብእኡ ገይሩ ንብዘላ ዓለም ናብኡ ከም ዝማርኻ ብምግባር ደኣ እምበር። ኣብርሃም ድማ መጀመርታ ናይዚ ዀይኑ ንኣምላኽ እትኸውን ምድሪ ንምውናን ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ዚኸውን ህዝቢውን እንተላይ ንምምጻእ እዩ እተሓርየ።
መብዛሕቱ ክፋላት ናይ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓለም እዩ ዘጊቡ ዘሎ። ኣምላኽ ኣብ ዓለም ህዝቢ ኣለዎ ማለትና እንታይ ማለት ምዃኑ ኣስተውዒናዶ ኣሎና? ንኣብነት ንሕና ኣባላት ናይ ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጨናፍር ዘለዉዋ ትካል ንግዲ ኢና ንበል እሞ፡ ከምቲ ኣብ ቶክዮ፡ ሓደ ሰብ ኣሎና፡ ወይውን ኣብ ፓሪስ እንብሎ - ማለት ወኪል ኣሎና - እዩ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህዝቡ ዘለዎ ሓሳብን ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ ድማ ኣብ ሓሳቡ ዘሎ ነገርን ድማ ልክዕ ከምዚ እዩ። እስራኤል ካብ ኣምላኽ ገጾም ኣብ ዝመልሱሉ ዘበለ ግዜያት ከም ህዝቢ ኣምላኽ ንዝነበሮም ቦታ ይስእንዎ፡ ኣምላኽ ድማ ህዝቡ ይስእን። "... እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ... ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ ኣነውን ናትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ስሙ ሎዓሚ ኢልካ ስመዮ" (ሆሴ. 1፡2,9)። ካልእ ኣበሳ ኺእብሱ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፥ ግናኸ ሓጥእ ህዝቢ እናተባህሉ ገና ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምባል ኣይተርፉን እዮም። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ምምላኽ ኣብ ዚወድቁሉ እዋናት ግና ይነጽጎም እምበር ህዝቡ ኪብሃሉ ኣይኽእሉን ነበሩ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ናይ ኣምላኽ ህላወ ናይ ዝሓተመ ህዝቢ ምስክር ኣምላኽ ክትከውን ተመደበት። እስራኤል ኣብ ዝነበሮ፡ እቲ ኵሉ ዚመልኽ ኣምላኽ ነበረ፥ ጸላእቶም ኣንጻሮም ኣብ እተላዕሉሉ እዋናት ዚገጥምዎ ዝነበሩ ንኣምላኽ እዩ፡ እስራኤል ንኣምላኽ ሓቀኛታት ኣብ ዝነበሩሉ ዘበለ እዋናት ካብ ካልኦት ህዝብታት ተፈልዮምን ልዕል ኢሎምን ዝነብሩ ህዝቢ ይዀኑ ነበሩ። ናብ ጣኦታት ገጾም ምስ ዝመልሱ ድማ እዚ ይጠፍእ ነበረ። ሎሚ ድማ ኣምላኽ ህዝቡ ኣብ ዘለዎ ምስክር ኣለዎ፡ ህዝቢ ምስ ዘይህልዎ ድማ ምስክር የብሉን ማለት እዩ።
ጽውዓ ኣብርሃም ኣብ ብሉይ ኪዳን ፍሉይ ዚዀነ ቦታ ኣለዎ። ነቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዚኸውን ናይ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ምላሽ እዚ እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከምዚ ዝበለ ጽውዓ ኣይነበረን። መጀመርታ ናይቲ ንኣበሳ ዚኸውን ናይ ኣምላኽ ምላሽ ድማ ነበረ። ኣብርሃም ንኣምላኽ ከም ንሰባት ካብ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ዓለም ናብ ብእኡ ምእማን ዚጽውዕ መድሓኒ ኪገልጾ ተመደበ።
ማሕበር ኣምላኽከ ሎሚ መን እያ? ንሳ ህዝቢ ኣምላኽ እያ፡ ወይ ድማ ከም ዘረባ ግብ. 15፡14 ንስሙ ዚኸውን ህዝቢ እያ። ከምቲ ሓደ እዋን ኣምላኽ መደቡ ንኣብርሃም ዝቐልዔ፡ ሎሚውን ኵሉ ነገር ንማሕበሩ ሂቡ ኣሎ።
ወንጌል ንብሕታዊ ምድሓን ጥራይ ምንጋር እኹል ኣይኰነን። ብርግጽ እዚ ኺግበር ኣለዎ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ንሰባት በብብሕቶም ካብ ዓለም ናብ እምነት ብየሱስ ክርስቶስ ክንስሕቦም ይግብኣና እዩ። ግናኸ ነቲ ብዝባን እዚ ዘሎ ዕላማ ኺርድኣና ንረዳእ። እቲ ሓጥእ ድሒኑ ኣብ ናይ ድሕንነትን ዕጋበትን ቦታ ኺበጽሕ ጥራይ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንእኡ ዚኸውንን ኣም ቅድሚ ሰባት ድማ ዚእመኖን ህዝቢ እዩ ዚደሊ። ኣምላክ፡ ሎሚ፡ ንህዝብታት ዚረኽቦም ብቐጥታ ባዕሉ ዘይኰነስ በታ ስጋኡ ዚዀነት ማሕበሩ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ዳግም እተወልደ ውሉድ ኣምላኽ ኣብ ማእከል እዚ ምስክር ኣምላኽ ዚዀነ ህዝቢ እዚ ቦታኡ ምሓዝ ኪምሃር ኣለዎ። ኣምላኽ ቦታና ኣብዚ ህዝቢ እዚ ኺኸውን እዩ ጸዊዑና እሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘሎና ብጽሒትና ንውሰድ።
ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ (ካልኣይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode