08
Mon, Sep
0 New Articles

ተመለሳ እባ ንኤርትራ

Literature
Typography

 ጸልማት እምብዛ ገዲዱ

ዓመጽ ዶቡ ኣግፊሑ

ግፍዒ ስልጣኑ ኣደልዲሉ

ሕስራን ባይታ ኣጣጢሑ

ሕሰም ኣባይቲ ካሕኪሑ

 



 

ኣቦ ብዘይጠዋሪ

ኣደ ብዘይሓብሓቢ

ህጻን ብዘይ ኣባዲ

ጐበዝ ብዘይ ራኢ

                             ሃገር ብዘይ መጻኢ

ዝፋን ብሓጥእያት

መራሒ ብሓሶት

ገዛኢ ብምትላል

ፈራዲ ብዘይፍትሒ

ስልጣን ንጥቕሚ

ተስፋ ተቐቢጹ

ሞራል ተሰቢሩ

ኣእጋር ኣላሽ ኢሉ

ሕልና ዓሪቡ

ነፍሲ ተሓሊሉ

 

ኣውያት ብዘይሰማዒ

ንብዓት ብዘይ ደራዚ

ልቢ ብዘይዘናኒ

ቑስሊ ብዘይፈውሲ

ሕቶ ብዘይመልሲ

ሰማያት ጸልሚቱ

ምድሪ ዓረ ኰይኑ

ግርሁ ጠሊሙ

ዓጸቦ ኣሳፊሑ

ለማኒ በዚሑ

 

መልሓስ ተሎኺቱ

ፍርሒ ልቢ ሒዙ

ሓቂ ተደፊኑ

ትዕቢት ተውጢሩ

ዱጓና ሰፊሑ

 

ጎብዝ ኣብ በርኻ

ከርተት ምድረበዳ

ኰይኑ ቀለብ ዓሳ

ሞጐሱ ሃሲሱ

ጹዩፍ ስደተኛ

 

ዝስማዕ ሕማቕ ወረ

ትርእዮ እሾክ ዕረ

ትሕልሞ ዝገደደ

ትኣምኖ ዝወሓደ

ትጽበዮ ዝኸፍኣ

 

ኣብሳ ረጊጹ ጸኒዑ

ሓጥእያት ልቢ ሒዙ

ርኽሰት ሰማይ ዓሪጉ

እምነት ባይታ ዘቢጡ

እዝግዮታ ዊሒዱ

 

ሓድነት ላሕሊሑ

እንዳባ ገኒኑ

ናተይ ናትካ ገዚፉ

ዓሌት ኣሽካሕዲዱ

ዓደይ ዓድኻ ክብረት ኰይኑ

 

መከራና ክንዲ መዓት ፍቕዲ ዘይብሉ

ምረትና ቃልት ዘይገልጾ ከቢድ

ተስፋና ዝተጸንቀቐ ጹንቁቕ

ቅልጽምና ድኹም ኣላሽ ዝበሎ

ምሽባርና ሰማይ ዝዓርገ ርጋኣት ዝተሳእኖ

 

ኣይትሕደገና ረኣየና

ንብዓትና ድርዝ ፍትሒ ኣውጽእ

እትንኮ ተስፋ ኤርትራ ንስኻ

ረድእየት ኤርትራ ካባኻ

በጃኻ ኣምላኽ ሰማይ ተመለስ እባ ንኤርትራ!