ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860-1930)
ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን ብ1860 ኣብ ጸዓዘጋ ተወልዱ። ኣቦኦም፣ ቀሺ ገብረመድህን ተስፋይ፣ ከኣ ሓደ ኻብ መራሕቲ ናይቲ ብ1866 ኣብ ጸዓዘጋ ዝጀመረ ወንጌላዊ ምንቕቓሕ እዮም። ቀሺ ተወልደመድህን፣ ኣብ 12 ዓመቶም (ብ1872) ብኣቡነ ኣትናቴዎስ መዓርግ ዲቁና ተቐበሉ። ኣብ መበል 14 ዓመቶም ድማ፣ ኣብቲ ኣብ ገለብ ብቀሺ ህድስትሮም (1844-1904) ዝምራሕ ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ተጸምበሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ፣ ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል እተብሃሉ ብዓል ገለብ (1862-1944)፣ ብወንጌል ኣሚኖምስ ንሓድሽ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግረ ኺትርጉሙ ጀሚሮም ነበሩ። ቀሺ ተወልደመድህን ከኣ፣ ክሳዕ ብ1883 ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ሽወደን ዝኸዱ፣ ንቀሺ ዳዊት ኣብቲ ዕዮ ሓገዙዎም።
ቀሺ ተወልደመድህን፣ ናይ ሽወደን ትምህርቶም ምስ ወድኡ፣ ብ1886 (ወይ 1887) ናብ ዓዶም ተመልሱ። ኣብ ሕርጊጎውን ጸንሑ። ብታሕሳስ 1889 ከኣ፣ ናብ ገለብ ከይዶም ንቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምትርጓም ስራሕ ከም ብሓድሽ ተጸምበሩዎም። እቲ ዕዮ ምትርጓም ሓድሽ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግረ ድማ ብግንቦት 1890 ተዛዘመ። ድሕርዚ፣ ነቲ ትርጉም እትኽልስ ብሰክረታርነት መምህር ይስሃቅ ሓምድ እትምራሕ ኮሚቲ ተመስረተት። ቀሺ ተወልደመድህን፣ ዶ/ር ካርል ቪንኲስትን (1847-1909) ቀሺ ካርል ጉስታቭ ሮደንን (1860-1943) ድሕሪ ዝገበሩዎ ናይ 12 ዓመታት ጻዕሪ ኸኣ፣ እቲ ትርጉም ተጻፊፉ ብነሓሰ 1902 ኣብ ኣስመራ ተሓትመ።
ድሕርዚ ቀሺ ተወልደመድህን ናብ በለዛ ደየቡ። ምስቶም ኣብ በለዛ ዝነበሩ ሓኪም፣ ዶ/ር ካርል ቪንኲስት፣ ኰይኖም ከኣ ነቲ ብቀሺ ማርቆስ ግርማይ (1862-1924) ኣቐዲሙ ተዳልዩ ዝጸንሖም ንድፊ ትርጉም ሓድሽ ኪዳን (ካብ ግብሪ ሃዋርያት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ) እናኣተዓራረዩ ተርጐምዎ። ትርጉም ኣርባዕተ ወንጌላት ናብ ቋንቋ ትግርኛ ግን ኣቐዲሙ፣ ዶ/ር ካርል ቪንኲስት እናኣለዩዎ፣ ብቀሺ ማርቆስ ግርማይን ቀሺ ገብረታትዮስ ዘሚካኤልን (1865-1905) ተተርጒሙስ ብ1900 ተሓቲሙ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ቀሺ ተወልደመድህን፣ ምስ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን (1869-1960) ዶ/ር ቪንኲስትን እናተሓጋገዙ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ንብሙሉኡ ሓድሽ ኪዳን ብግቡእ ኣጻፊፎም ተርጐምዎ። ብታሕሳስ 1909 ድማ ኣብ ኣስመራ ተሓትመ።
ቀሺ ተወልደመድህን ኣዝዮም በሊሕ ብምንባሮም 12 ቛንቋታት (ትግርኛ፣ ትግረ፣ ግእዝ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓረብ፣ እብራይስጢ፣ ጣልያንኛ፣ ስዊድንኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ጀርመንኛ፣ ጽርኢ (ግሪኽ)፣ ከምኡውን ላቲን) ኺዛረቡ ወይ ኬንብቡ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብቲ ቅድሚ ምሕታም ሓድሽ ኪዳን ብትግርኛ (1909) ድሮ ተጀሚሩ ዝነበረ ምትርጓም ብሉይ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኸኣ፣ ምስ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን ቀሺ መዝገበ ወልዱን (1878-1965) ከም ኣውራ መራሒ ዀይኖም ብዙሕ ኣበርኪቶም እዮም።
ታሪኽ እቶም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቁዱስ ዝተዋስኡ ጀጋኑ ናይ እምነት ኣቦታት (ቀዳማይ ክፋል)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode