08
Mon, Sep
0 New Articles

ኣይንሙት ናኣናይ! (ብማራናታ ኣማንኤል)

Literature
Typography

 

ኣብዚ ከብደይ ዘሎ ዘየቋርጽ ጓሂ

ከምዘይተሓርሰ ጥንሲ ጌሩኒ ከም ኣርሒ

ንጓህየይ ከንፍስ ጽሩይ ኣየር ደልየ

ንላዕሊ ክጣራዕ በይነይ ኣጸምየ

ከስተንትን ክሃድእ ከዕርፍውን ኮታ!

ወዝቢ እንዳኸድኩ ኣብ ጽምዋ ቦታ
 

 


 

ኣብ ገረብ ክሕነቕ ንሕልፈቱ ደልዩ

ንሓደ ርእየዮ ገመድ ኣዳልዩ።

‘ታ ገመድ ናብ ክሳዱ ቀሪባ ተርኣኹ

ሽዑ ግደፍ ኢለ ከድሕኖ ጐየኹ።

ንሱ ግን ጨኪኑ ንርእሱ እንዳ ኣጥለቓ

ቀልጢፉ ዘሊሉ ክሳዱ ክሓንቃ!

ሰማዒ ኣብ ዘይብሉ ንኣውያተይ ደጉሔ

ኣርኪበ ሒዘዮ ከይጠፍእ ፈሪሄ፣

ሽዑ ተቓሊሰ ገመድ ተውጻእኩሉ

እዚ ሰብ ግን ኮርዩ ምሒር ተጸሊሉ።

ዘይትገድፈንስከ ንምንታይ ዘይመውት

ኣብ ዘይምልከተካ ንምንታይ ትህውትት

ኢሉኒ ሓሪቑ ካብ ሞት ብሙምላቑ

እንታይ ኴንካ ሓወይ ነፍስኻ ተጥፍኣ

ሰብከ ንዘይክእሎ ሂወትካ እንታይ ሪኣ?

ጥራይ ንገረኒ ክካፈል ሽግርካ

ንዘለኒ ኩሉ ሕጂ ክመቕለካ

ተበልክዎ ንሱ ኣይደለየን ጨሪሱ

ኣነ ኣገልጋሊ እየ ሰባኺ ቃል ኣምላኽ

ግን ሓጢኣት ኣብዚሐ ኣምሊኸውን ምራኽ

ብሕቡእ ኣብ ጸልማት መልክዐይ ቀያይረ

ኣብ ዝሙት ኣብ ርኽሰት ኣብ ስርቂ ሰዲረ

ሰብ እንዳበለኒ ኣንታ ናይ ኣምላኽ ሰብ

ብስሙ ሸቂጠ ናተይሲ.... ኣይረኸብ

ዋላኳ ሕጂውን ሰብ ተዘይፈለጠኒ

ሓዲኡ ክመውት ያላ ሕደገኒ...በለኒ

በለኒ ... ንሕሉፍ ታሪኸይ እናዘከረኒ

ሽዑ ነጊረዮ .......ናባይ ኣርእየዮ

... ንሚስጥር ሂወተይ ተንቲነ ኣዕሊለዮ

ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ሀ..ሁ.. ምስ ተማሃርኩ

ንተስፋ ወለደይ ክሪኦ ጀመርኩ።

"ዝወደይ መዓረይ ደሓር ምስ ዓበኻ?

ዶክተርዶ? ኢንጅነር ትኾኖ እንታይ ኢኻ?

ንገረና እስከ ደራፋይዶ ፓይለት

ስምና እተጸውዕ ህቡብ ከም ፕረዚደንት?

ዝወደይ ኣንበሳ እንታይዩ ትምኒትካ?

ተስፋ እስከ ሃበና ካብዚአን መሪጽካ!"

ተበለኒ ባባ ተጐስጐሰት ኣደ

ምምራጽ ንምምራጹ ካብ ረኸብኩ ግደ

 

ጐይታ ጐይታ ክብል ልበይ እንዳንቀደ

ቀሺ'የ ዝኸውን ተበልኩ ኣርጒደ

ኣደይ ተጸሊላ ኣቦይውን ዓበደ

ጻማና ከይረኸብና ምሂርና ክሳራ

ናትና ከይኣኽለናስ ንስኻውን ተራ

ዘይትምነይ ኣንታ! ... ክትኮነልና ሃብታም

እንታይ ኣምጽኦ ቀሺ! .... ዘይትኸውን ለባም

ዘይትምነይከኒ ምሁርን.. ፈላስፋ!

ኣየናይ ቀሺ'ዩ ዝረኣናሉ ተስፋ?

ሰብ ብሂወት ከሎ ክበልዕ ክስለም

ክረኣይ ክስመ ክኸብር ኣብ ዓለም

እዚ'ዩ እምበር ትርጉም ናይ ሰብ ናብራ

እንታይ ኣምጽኦ ትምኒት ነብስኻ ከተሕስራ

ተ..ተ..ዛ..ረ..ቡኒ ......... ተበዝሐ ቆየቛ

ኣሚተ!!! ...ንክብረት ንነብሰይ ከድምቓ

ሽመይ ንከጽውዕ ክበልዕ ክስለም

ሽዑ ተበገስኩ ክርአ ኣብ ዓለም

ከለኹ ብህይወት ምስ ምሉእ ጉልበተይ

ንክብረይ ተወፍዩ ግዜ ንእስነተይ

ኣየወቲ ሓጐስ ጠጥዑም  ክትበልዕ

መሪጽካ ክትክደን ስምካ ከተጸውዕ

እንተ  በቲ.በዚ.!ናብ ደስ ዝበለኒ ድሌተይ ከዛዚ!

ጻዕሪ ወሲኸሉ ስምውን ምስ ረኸብኩ

ፈታዊ በዚሑ ኣብ ዙርያይ ተርኣኹ

ስጋይ ምስ ጠዓማ ንዓለም ርእያ

ነቦይ ኣመስጊነ! ነደይ ዘኪረያ!

ነዋልድ ተርኣኹ ምሒር ተዃሒለን

ስምዒት ዘለዓዕል ክዳን ቀያይረን

ምስአን ብምዝዋር ዕብዳን ቀጺለለን

ከም ልምዲ ኣቦታተይ ቤተክስያን ስዒመ

ኣብቲ ነናይ ምሸት ኣብ ዓለም ሰሊመ

እቲ እናገበርኩ እዚ ከይተርፈኒ

ብከናፍር ኣምላኽ፣ ብግብረይ ምስ ሃኒ

ርጉም ሰብ ጥራይ'ዩ ኣምላኽ ይርዳእዩ

እንዳበልኩ ብሜላ...ንዓለም ክኾላ

እንክውዒ ብማንከይ እንክዝሕል ብኢደይ

ከለኹ ክሕጐስ ክገብር ድሌተይ

ነብሱ ዘየፍቅር ፍጡር የለን ኢለ

ንስስዐ በለጽ ምስ ስጋይ ምሒለ

ታሪኸይ ተነጊሩ ከም ገባሪ ቅያ

ስመይውን ኣጸዊዐ ንዓለም ኣዛሪበያ።

እንታይሞ... ጠጥዑም በሊዐ ጽቡቕ ተኸዲነ

ስመይውን ተሰምዩ ኣብ ዓለም ገኒነ

ዕግበት ኣይረኸብኩን ሕልናይ ዘቕሰነ

ንውሽጠይ ከፊቱ ዝርእዮ እን`ተዝህሉ

መስተውዓሎ ንልበይ ምሒር ቆሳሲሉ

ሩፍታ ንኽረክብ ንሰላም ክጸግባ

ቀጻሊ ቅሳነት ደልየ ንህይወት ክዓግባ

እንትርፎ ዝሓልፍ ግዝያዊ ገለመለ

ሓደኳ ኣይረኸብኩን ኣብ ዓለም ኮሊለ።

ሰብ ሕጉስ ክብለኒ እንክዛረብ ብኣይ

ኣነ ግን ክናፍቕ ንሓቂ ንምርኣይ

ንሂወተይ ክመዝን!... ሃዲኤ ከስተንትን!

ንግብረይ ዘኪረ .... ብሕሉፍ ሓፊረ።

ሕልናይ ወቒሱኒ ዝዓንደርኩሉ ዘመናት

ዘጣዕስ ኮይኑኒ ወሪሱኒ ፍርሃት።

ንኽትሕጐስ ስጋይ ንሓጢኣት ተጊሀ

ንሰይጣን ከሐጉሶ ንጐይታ ኣጉህየ

ሰርሲሩ ኣንዲዱኒ ምሒር ተጣዒሰ

ሽዑ...ንብዝሒ ክፍኣተይ ንብዓተይ ኣፍሲሰ

ንጐይታ ክስዕቦ ተናሲሔ ተበጊሰ።

ብዘይወጽእ ጣዕሳ ብሕሉፍ ኣልቂስካ

ተዝምለስ ግዜ ‘ቲ ናይ ዕሽነትካ

መንሞ ምሃበ ሕልሚ ተዝኸውን

ካብ ጣዕሳ ክትወጽእ ወትሩ ከተመስግን።

ምሕረት ጐይታ ረኺብካ ‘ቲ በደልካ ተደምሲሱ

ሳላ ፍቕሩ፣ብጽሩይ ደሙ፣እቲ ንብዓትካ ተደሪዙ

ብምምላስካ ይቕረ ኢሉልካ፣ ልብኻውን ተደቢሱ።

ኣየወ እቲ ሓቂ እንክግለጽ እንክንጽር

እቲ ሰላም እንክርከብ እቲ መንፈስ እንክምስክር

መንጢሉ ከውጽኣካ ንዝረገጸካ ረጊጹ

ውሉደይ ክብለካ ካብ ኣሽሓት መሪጹ

እልልዶ ኣይውሕድን ወደይ ክትበሃል

ኣብ ሕቑፉ ክትኣቱ ካብ ረስኒ ናብ ጽላል

እልልዶ ኣይውሕድን ንየሱሰይ ሓያል

ኣቱም ሰባት እናዳሰማዕኩ ከምዘይሰማዕኩ

እንዳ ፈለጥኩ ከምዘይፈለጥኩ

ንስጋይ ክነብር ንዓለም ኣፍቂረ

ክሰቲ ክሰክር ክብለጽ ክዕንድር

ንክዳን ክስልዕ መሪጸ ክበልዕ

 

ንስመይ ከዛይድ ንክብረይ ከራጉድ

ድያብሎስ ተሓጒሱ መፈንጠራኡ የዋድድ።

ህያው መሰል ሬሳ ጌሩኒ ከይኣኽሎ

ንዓይ ለኻኽዩኒ ናይ ሓጢያት ጸለሎ

ኣብ ዘለኣለም ስቓይ ነብሰይ ንኽትቅሎ

ተሃንጥዩ ብትግሃት ክውሕጠኒ ክዳሎ

ግናኸ... የሱስ ብምባለይ ውዲቱ ክዕሎ

እልልዶ ኣይውሕዶን ጣቕዒት እልልታ

ንመድሕኒ የሱስ ንሞትካ ንዝሞታ

ብዓወት ተንሲኡ ንዘዳለወልካ ቦታ

እልልዶ ኣይውሕዶን እልልታ ብዓውታ

አረ እልል በል እልል በል`ንዶታ፣

እንትርፎ ምስጋና ንዘይክፈሎ ውሬታ

አረ እልል በል እልል በል`ንዶታ

ናብ ነበልባል ሲኦል ከምቶም ዝተዋሕጡ

ከምቶም መጣፍእተይ ካብ ሰይጣን ዘየምለጡ

ከምቶም ምሳይ ነበር ምስ ሰይጣን ዝምሓሉ

ናብቲ ቀላይ ሓዊ ቅድመይ ዝጠሓሉ

ከይበልዓኒ ሓዊ ናይ ዘለኣለም ስቓይ

መንገደይ መርሚረ ምስደለኹ ጓሳይ

ብምርሒት መንፈሱ ልበይ ምስ ተኸፍተ

ንሰይጣን ሸንዲሐ፣ ናብ የሱስ ከቲተ

ኣታ እልል በሉ! እልል በሉ! እንዶ'ታ

እልልዶ ኣይውሕዶን ጨዲርካ እልልታ

ዘለኣለም ንኽትነብር ንሞትካ ንዝሞታ

ክትከፍሎ ንዘይትኽእሎ ዘስተንክር ውሬታ

እልልዶ ኣይውሕዶን ንኢየሱስ ጐይታ

እልል ኣነስ እልል ተመስገን! ተመስገን!

ዓቕመይ ካብ ኮነኒ ብእልልታ ዝምዘን

እልል አረ እልል የሱሰይ ተመስገን

በቃ... ሕጂሞ... ልበይ ብትብዓት ደሚቓ

ኣብ ስቓይ መስቀሉ እንዳሰቐልክዎ

ይቕረ ካብ በለለይ ፍቕረይ ኣዚዝዎ

ንፍቓዱ ክነብር ርእሰይ እናወፌኹ

ብምሉእ ድሌተይ ክስዕቦ ጀመርኩ

ሓድሽ ነፍሲ ኮይነ ኣቤት እቲ ፍቕሪ

ካብ ጳጳስ ይበልጽ እቲ ናተይ ናህሪ።

ነዲደ ይምስክር ብዘለኒ ሓይሊ

ንሓቂ ይሟገት ተቢዐ ቀጻሊ

ንሓጥያት ክቃወም ኣፍሊጠ ብዕሊ

ዝርኣዩ ንጉያይ ከሽርፎ ንጸጋይ

"ኣንታ ሓድሽ ነፍሲ ቀስ በል ኣይትንሃር

ምጽዋሩ ከይትስእኖ ነቲ ሕማም ደሓር"

ክብሉኒ ገሊኦም ብናህረይ ሰጊኦም

ብሕማም ዳሓሮም ኣብኡ ተደኒሶም

ኣነ ግን ከለኹ ኣብ ሎሚ ብህይወት

እንዳጠመትኩዎ ነቲ ዓስቢ ዓወት

ኣይፋለይን ኢለ ንህይወት ቀጺለ።

ናብ ቃሉ ጠሚተ ኣብ ጸሎት ከቲተ

ሽዑውን ብሓይሊ መንፈሱ.. ውዲታት ፈሪሱ

ግብረ ተኣምራቱ ኣባይ ምስ ተገልጸ

ትንቢት ምስ ምግላጹ ኣብ ኣፈይ ምስ መጸ

ዘይበቅዕ ከለኹ ነዚ ኩሉ ጸጋ

ጐይታ ምስ ሃበኒ ብዘይ ሓደ ዋጋ

ክኸፍሎ ንዘይክእሎ ዘደንቕ ውሬታ

እልልዶ ኣይውሕዶን ንኢየሱሰ ጐይታ

እልልል! ዓሊለ ኣመስጊነ.... ሰጊደሉ ኰታ

ኣይብሓይለይን... ብኽእለተይ

ገለ ከይረኸብኩ እዚ ዝብሎ ናተይ

ድሮ በጺሐዮ ኣላዪ,ሽማግለ,ፓስተር

ወንጌላዊ, ዘማሪ ,ብዓል ምሩጽመንበር

 

በቃ ድሮ በጺሐዮ!... ንኹሉ ርእየዮ

ትሕት እንዳበልካ ንኸይድይብ መብረስ

ካብ ላዕሊ እንተኾይኑ ምግልጋል ብመንፈስ

ጐይታ ምስ ሸመካ መንዩ ዝቃወሞ

እቲ ብዝሒ ቅብኣት መንከዩ ዘይጥዕሞ

እኳ ደኣ ይምነዮ ኩሉ እናገረሞ።

እንተ...ኣነሞ...ግዜ ቀዲዩለይ ጐይታ ምስ ረድኣኒ

ኣድነቕተይ በዚሖም ዙርያይ ከበቡኒ

"ከማኻ ዘማራይ ውፉይ ወንጌላዊ

ስብከትካ ዝምስጥ ፍጹም ሰማያዊ

ባሪኽካና እምበሪ ሓለፋ ብጾትካ

እንካ በል እዚአን ኣምላኽ ይባርኽካ

ንኻልኦትውን ክነግረልካየ ኣነውን ኣመስጊነ

ስእሊዶ ክሰኣል ኣብ ጐንኻ ኮይነ"

ተበለኒ ንሱ ተበለትውን ንሳ

መንፈሰይ ክትጉሂ ስጋይ ተሓጒሳ

ስመይ ምስ ገነነ ምስ ረኸብኩ ክብረት

ንረብሓ ተደሊለ ንቅድስና ጽልመት

ናብ ትምህርቲ ብልጽግና ናብ ፍንው ሓርነት

በቃ ኣተኣታትየዮ ኣሜንዶ!!! እንዳበልኩ

ንኣውያት መንፈሰይ ዝባን እንዳሃብኩ

ሽዑ ብሜላ.. ነባጊዐይ ናብ ተኹላ

......ቀስ... ብቐስ... ቀይረ

ኣስቢሐ ንኸሕርደን ልበይውን ተረረ፣

ኣብ ምርኮ ስሕተተይ ዘለዉ መጓሰይ

እተን ብግርህነት ተኹላ ዝኾናለይ

ንዝረገምክዎ  ርጉም! ኣናዳበሉ

ንዘወጣውጡለይ እናተኸላኸሉ

ስለይ ክጣበቑ ንሓቂ ከዝብሉ

ኣነውን ተቢዐ ንሰዓብተይ ሪዔ

ዓገብ! ንዝብሉኒ ኣሕዋተይ ካብ ኩሉ

ጸለሎ ለኽየ ብሒም ከምዘይብሉ

ሃሌሉያ!!! ኢለ ኣብ ጥፍኣት ጥሒለ

 

ነቲ ዝገብሮ ዓመጽ መንፈሰይ እንዳመስከሮ

እቲ ፍቶት ስጋይ ግን... ጨኪኑ ክሰግሮ።

በቃ! ጨዲረ ይዝምር! ... ጨዲረ ይምህር!

ኣብ መንበረይ ኮይነ ንቃሕታይ ይገብር።

ነቲ ዝኸብደኒ ነቐፌታ ውሽጠይ

ከርሕቖ ደልየ ክድርብዮ ድሕረይ

እቲ ዝቕደስ ኣጸቢቑ ይቀደስ

እቲ ዝረክስውን ኣዛይዱ ይርከስ

ኢለ...ምስ ስጋይ ምሒለ...ነብሰይ ኣታሊለ።

ድሌተይ ክምልእ ንእኒ ናብ ክልተ ሓንካሳት

ነቶም ፍቶት ዓለም ዝማረኾም ነፍሳት

መንፈስ ከምዝኾኑ ክኣምኑ ክሰብኩ

መንፈስ ኢኹም ኢለ ኣሜን!! እንዳ በልኩ

ሓራ ኢና ኢሎም ፍኑው ገበሩኒ

ኣሜን እንዳበሉ ብትሪ ኣስከሩኒ

ምስ ሞተ እዚ ስጋ ሓመድ ናብ ምድሩ'ዩ

ንሕና መንፈስ ኢና ሓጢያት ናይ ስጋዩ

ኣብ ሰማይ ክንልወጥ እቲ ቃሉ እሙንዩ

ኣሜን! እልል! እልል ክብሉ ብጭደራ

ኣየወዛ ሰዶም ናይ ጥፍኣት ጐመራ

ክትገልጾ ብዘሕፍር ይውላዕ ዳንኬራ

ሽዑ ግን... እዋእ!!!እወ ሽዑ...ንሰማይ ከቕንን

ፈሪሄ... ኣዝየ... ኣዝየ ፈሪሄ ብነብሰይ ሰኪሔ

ስጋይ እንክትድልብ መንፈሰይ ዓቢራ!.!

መሪራ ..ኣምሪራ ንየሱስ ዘኪራ..

ሕደግ!.. እናዳበለት ብጓሂ ጨዲራ!

እንከስተንትኖውን ንዝዓደገኒ

ጥፍኣት ናይ ሰዓብተይ እናተራእየኒ

ሽዑ ብህይወት ምንባር ፍጹም ኣጽሊኡኒ

ሕጅስ ናይ ብሓቂ ሰብከዶ እምበርየ

ብናተይ ንስሓዶ ንእኦም ከድሕንየ

ንሶም እንዳጠፍኡ  ክነብር ድዬ ደልየ?

 


እንከክዝክሮ ..... ንዝዓደገኒ

በቲ ክቡር ደሙ ...... ዝተበጀወኒ

ብህይወት ኣብ ምድሪ ምንባር ኣጽሊኡኒ!!

ካልእ ካብ ሰኣንኩ መቕጻዕቲ በደለይ

ሞት ይሁዳ ተመንየ ከጥፍኣ ንነብሰይ።

ማሕነቕቲዶ ጥይት ወይስ ምንዳድ ሓዊ

ኣብ ቀላይዶ ክጥሕል ኣብ ሲኦል ከእዊ?

መቕጻዕቲ ንበደለይ ንስሙ ንዘርከሶ

ኣየናይ ይሕሸኒ ንጐይታ ክድብሶ?

በቃ...ተሓነቕ!ተኩስ!ተቓጸል ወይ ጠሓል

ጥራይ ሙት ቀልጢፍካ ሓንትስ ኣይትዝሓል

ምስ በለኒ ሰይጣን እቲ ዘሸፈተኒ

ተጣዒሰ ብዘይመልሶ ግብረይ እንዳኸሰሰኒ

ንነብሰይ ከጥፍኣ ናብ ሲኦል መርሓኒ

ኣነው`ን ዘዝሃበርኩዎ እንዳ`ርኣየ ዓይነይ

`ቲ ናተይ ከይኣክል ንካልኦት ምጥፍአይ

እንታይሞ ክብል'የ... በዚሑ እንድዩ በደለይ!

ኣንታ ሞትዶ ይሕሸኒ ክኸይድ ናብ ሞተይ

እወታ!! ሞት ይሕሸካ በዚሑሎ በደልካ

ኣጥፊእካን በኪልካን ዝገበርካ ጌርካ

እንታይከ ይዓብስ ኣብ ሕጂ ምብካይካ

ያላ ኣቃብጻ... ሕልፈትካ ሓንቲያ

ደይ ኣብ ሲኦል ኢኻ ኣብኣ ክትስቀያ

ባዕሉ ደሪኹኒ ናብ ጥፍኣት ሓባቢሉ

መሊሱ ይኸሰኒ እንዳበለ ኣሉ

ሓቀኛ መሲሉ ሓላዪ ንየሱስ

ንዓይ ይኸሰኒ እንዳበለ ርኹስ፣

 

ብስርሑ ኣታሊሉ ንልበይ ብምእማን

ብስሙ ይሰምየኒ ይብለኒውን ሰይጣን

ንጐይታ ጠሊምካ ነቲ ዝሞተልካ

ድማ ኣለኻ ሕጂ ብድፍረት ደው ኢልካ

ኣንታ ዘይትመውት ሞትካ ዘይሰትረካ

ዘይትግስም ስሚ ዓይንኻ ዓሚትካ

እዋይዛ ሞት ስትረት.... ክንደይከ ትደፍር ኢኻ

ንዝተኸፍለልካ ቅዱስ ደም ክዒኻ

ገናውን ብህይወት ትነብር ኣለኻ??

ናይ መን ደፋርዩዚ ርጉም ብድዐኛ

ድማ ደው ኢሉ ኣሎ እዚ ጽጋበኛ

እንተ ብማሕነቕቲ ብድሌትካ ኮታ

ኣንታ ዘይትመውት! ሓንቲ`ንድያ ሕልፈታ

እንተበለ ሰይጣን... እንዳናወጸኒ

ገመደይ ከጥልቓ ክሱ ደፊኡኒ፣

ግዳ መንፈስ ቅዱስ..ክናሳሕ ክምለስ እንዳዘከረኒ

ናብ ህያዋይ ጉሳይ ተመለስ ኢሉኒ።

ኣብቲ ዝቐደመ ናይ ሕጂ ከይድገስ

ኣብቲ ዝነበረ እዚውን ከይስለስ

ኣንታ ጥፉእ ወዲ በል ንዓ ተመለስ

ብጓሂ ብጣዕሳ ገጸይ ተደሊኻ

ትሕት እናበልካ ንዓይ ተለሚንካ

ወሲንካ ክትምለስ ካብ ክፉእ መገዲ

ምሕረት ተደሊኻ ናይ ህይወት መኣዲ

ተነሳሕ ተመለስ ክሕሸካ ምጻእ

ኣንፈትካ ኣዐሪ ካብ መንፈሰይ ምላእ

በለኒ ብፍቕሪ,...ንሓቂ ክሓሪ!!!

ሽዑ ..ንሰይጣን ከድኪ...ክናስሕ ክብኪ

ነዚ ተስፋ ጌረ.... ክናሳሕ መኺረ

 

ግዳ .... ጓሂ እንዳበልዓኒ ክበኪ ብኣውያት

ናብ ጐይታ ክምለስ ንበደለይ ብምጥማት

እንከስተንትን ....ሕሉፍ ግብረይ በሊዑኒ!

እቲ እከይ መጺኡ`ውን .... ሰላም ከሊኡኒ

ናትካስ ሕራይ ደሓን ኣምልጥ ብንስሓ

 

እቶም ዘጥፋእካዮም ብደዎም ናብ ሬሳ

ንስኻ ተሓጺብካ ክትክዕዎም ከም ርኳን

ኣንታ ናቶም ደምከ ዕጅብ ኣይብለካን?

ኣበስገበርኩ! ንስኻ ክትንበር ዝገበርካ ጌርካ

ቅሩብዶ ትሓስብ? እምበርዶ ሰብ ኢኻ?

ብበደለይ ጉልባብ ተሃበኒ ሓሳብ

ባዕለይ ኣስቢሐዮም ንሰይጣን ሰዊአ

ከመይ'የ ዝነበሮ ንጥፍኣቶም ሪአ

ከምዘይነገድኩሎም ካብ የሱስ ኣስጊለ

ከመይየ ዝነብሮ ንጐይታ በዲለ።

ሰብከ እንታይ ይብለኒ ዘዝረኣየኒ!

ኣንታ ሓደ ኣፉስ ሞትዶ ይሕሸኒ?

እወ ንሳያ መፍትሒ ሓንቲያ ሕልፈታ

ኣብ ሲኦል ክፍደ ኣብኣ ክኽርትታ።

ኣብ ዘለኣለም ኣውያት ክነብር ሓቂቐ

ኣብቲ መሪር ቃንዛ ብደወይ ክሳቐ

ዘጥፋእክዎም ንከይምለሱ ካብ`በሉኒ ኣበደን

ብጀካ ሞትን ሲኦልን ኣማራጺ የለን፣

ምናልባት ተዝጠዓሱ እዞም መጣፍእተይ

እንተዝምለሱ ንሶምውን ከም ናተይ

እዋይ...!ነዚሞ መን ምሃበ

ኣበይከ ምተረኽበ

ይቕሬታ ሓቲተ እልል ምበልኩሎም

ንጥፍኣተይ ነጊረ መለበሚ ምኾንክዎም

እቲ ወንጌል ሓሶት ከምዘጃጀወኒ

ንስጋይ መቂሩ ከምዘታለለኒ

ንምህሮ ስሕተተይ ሽዑ ምፈለጡ

ምተገሰምዎ ንሓቂ እንዳፍጠጡ

እዋይ...!ይምለሱ ደኾን ከማይ ይጠዓሱ?

ንነብሶም ኣትሒቶም ንብዓቶም ከፍስሱ

ዶኾን ይውስኑ..... ከማይ ክምለሱ..?

ግዜ ከይዓረቦም ሲኦል ከይጠሓሉ

እስከ... እንታይኮን ይብሉ....ናብ ሓቂ ከዝብሉ

እሞ ደኣ ኣነ ስሊኦም ሓዚነ

ሕጂ ካብ በልክዎም ካብ ስሕተትና ነምልጥ

ኣነኮ ስጋየ ንርእሰይ ዘይፈልጥ

ሰይጣን ሓቢሉኒ እንተጋገኽዎም

ሞተይዶ የድሕኖምዩ..?? ተዘይተመሊሶም.?

እንታይከ ይጠቕሞም`ዩ ነፍሰይ ቀቲለሎም?

እዋእ!...ምናልባት ተኣብዮም ከምሕፍረትኮይንዎም

ከይብሉና ኢሎም ልቦም እንተትሪሮም.....

እንትርፎ ምንሳሕ በቲ ግብረይ ጉህየ

እንታይ ዓቕሚለኒ እንታይ ክገብርየ?

ብጀካ ንጐይታ ዓይኖም ክኸፍተሎም

ከመጹ ናብ ህይወት ንሓቂ ፈሊጦም

እንትርፎ ምልማን እንታይ ክገብረሎም

ከመይከ የድሕኖም ምሟተይ ካብ ሞቶም

ስለዚ ብሩኽ ሓው ኣነውን ከማኻ

በዚ ሓሊፈየ በዲለ ቅድሜኻ

ስለዚ ፍቑር ሓው እንትርፎ ንስሓ

ሞሳ ኣይኮኖን'ዩ ንማሕደሩ ከተፍርሳ

ኣይፋል ንክልተ ሞት!.!.! ኣይንሙት ናኣናይ!

ንዘልዓለም ንምንባር ናብቲ መስቀል  ርኣይ!!!

ሓንትስ ግዜ ከሎ ወሲንካ ተናዘዝ

ኣብ ተረፍ ዘመንካ ጸሪኻ ተኣዘዝ

ካብ ጥፍኣት ይሁዳ ሕጂ ካብ ደሓንና

ንምምላስ ከም ጴጥሮስ ዕድል ካብ ረኸብና

ነቲ ጽውዓናን ምሕራይናን ኣጽኒዕና

ነቲ ዝሃበና ኣጽዋርና ዓጢቕና

ንዓናይ ሕጅሲ ንጉየይ ናብ ጐይታና

የሱስ ክመጽእዩ ከብቅዖ ቃንዛና

ኣሜን ማራናታ ጐይታ የሱስ ንዓ...!!!

ብማራናታ ኣማንኤል