08
Mon, Sep
0 New Articles

ኣየናይ እዩ እቲ ሓቂ? ካብ ኣሜባ’ዶ ካብ ኣምላኽ ? ካብ ህበይ”ዶ ካብ ኣዳም ?

Literature
Typography

 ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረዶ ወይስ ናይትሮጀን ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ!!

 ክርስትናን ሳይንስን - Christianity and Science

ሳይንስ፥ ንስኻትኩም ኣመንቲ ኢና እትብሉ፡ ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣምላኽ እዩ፡ ንዓለም፡ ንሰብ ፈጢርዎ ትብሉ፥ እዚ ሕጂ ዓለም በጺሓቶ ዘላ ምዕባለ ሳይንስ ገለ'ዶ ኣይተሰቖረኩምን እዩ? ካብ ጉብጥሽ ሃይማኖት ዘይትወጹ፡ ክሳብ መኣስ ኢኹምከ ዘይትነቕሑ፡ ተባህለ ኽትብሉ እትነብሩ፥

ክርስትያን፥ ንሕና፡ ንዓለም፡ ንሰብ፡ ኣምላኽ እዩ ፈጢርዎ፡ ክንብል ከሎና እኮ፡ ስቕ ኢልኖ ካብ ባዶ ተላዒልና፡ ብሃሰሰ ለባም ኣይኮናን ነቲ እንብሎ እንኣምኖ፥

ዓለም፥ እሞ ነቲ እትብልዎስ፡ ከምቲ ሳይንስ ዝገብሮ መርትዖ ተምጽእሉ ማለት ድዩ? 

 

ክርስትያን፥ ክትፈልጦ ዘሎካ፡ እምነት ክበሃል ከሎ እኮ፡ ኣእምሮኻ ኣጥፊእካ፡ ንሕልናኻ ጸቒጥካ (ጨፍሊቕካ) እትስዕቦ ዕውር እምነት ኣይኮነን፥

 ዓለም፥ ዕውር እምነት እንተዘይከውን ድኣ ሰብ ብድንቑርናኡ ኸሎ ዝፈልሰፎን ዝተኸተሎን ሃይማኖት ምሰዓብኩም!

 ክርስትያን፥ ንሕና፡ ነቲ እንኣምኖ፡ ብምስትውዓል ኢና ኣንቕበሎ፡ ከምዚ ንስኻ እትብሎ፡ ብድፉኑ ኣይኮነን፥

 ዓለም፥ ብድፋኑ እንተዘይከውን ድኣ፡ ሳይንስ ዘየረጋገጾ ነገር ምኣመንኩም፡ ቀደም "ምድሪ ጸፋሕ እያ" ተባሂሉ እናተኣምነ ኸሎ፡ ጋሊለዮ በቲ ዝረኸቦ ፍልጠት፡ "ዓለም ከባብ እያ" ስለ ዝበለ፡ ብመራሕቲ ሀይማኖት ተወጊዙ። ሰብ ካብ መጥበውቲ እንስሳ፡ እቲ እናማዕበለ ዝመጸን ዝኸይድ ዘሎን በዓል ኣእምሮ እንሰሳ ኽሎ፡ ኣምላኽ እዩ ፈጢርዎ ትብሉ፡ ካልእ ከምዝን ከምትን ብዙሕ ሐቅነት ዘይብሉ ነገራት ትኣምኑ፡ ነዚ ዲኻ ነቲ እንኣምኖ ብምስትውዓል ኢና እንቕበሎ፡ ትብል ዘሎኻ?

ክርስትያን፥ ዓለም ከባብ ከም ዝኾነት፡ እኮ ደኣ ኣብ ባዶ ተንጠልጢላ ከም ዘላ፡ ጋሊለዮ ድዩ ቅድም በጺሕዎ? መጽሓፍ ቅዱስዶ'ይኮነን ቅድሚ ጋሊለዮ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ብሳይንሳዊ ፍልጠት ዘይኮነስ፡ ብኣፍ ነብያቱ፡ ብኣምላኻዊ ምግላጽ ዝተዛረቦ። እዮብ ከምኡ'ውን ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ክቢ ምድር ኣብ ዘመኖም ተዛሪቦም እዮም፡ ኢሳ. 40፡21-22, እዮ 26፡7, ርኤ፥ ሰብ፡ ከኣ እናማዕበለ ዝመጸ እንስሳ ዘይኮነ፥ እኻ ድኣ፡ ካብቲ ብኣምላኽ ዝተፈጥረሉ ዘገርም ምዕባለ፡ ብኣዝዩ ብዙሕ ውድቀት፡ ንድሕሪት ከም እተመልሰ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምስክር፡ ዘፍ.ምዕ.1 ክሳዕ ምዕራፍ 3, ኣንብብ፥

ዓለም፥ ከመይ ድኣ ንድሕሪት! ንቕድሚት እምበር ይምዕብልን ይውስኽን ኣሎ!!

 ክርስትያን፥ ኣይምሰልካ! ሰብ ብመጀመርታ ብሉጽ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፥ ብእስትንፋስ ኣምላኽ፡ ኣብኡ ዝኾነ ጥበብ ኣምላኽን፡ ምስትውዓል ኣምላኽን፡ ሕጊ ኣምላኽን ስለ ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ'ውን ስለ እተመቕለ፡ ዘፍ 1፡26, ብዙሕ ንኣምላኽ ዝመስል ነገር ኣለዎ፡ እዮ.33፡4, 35፡10-11, መዝ.38፡36, 139፡14, መክ, 7፡29, ኢሳ.45፡18፥ ኢቮሊሽን ግን፡ ሰብ፡ ብመጀመርያ ካብ ኣሜባ፡ ብመስመር ህበይ ኣቢሉ፡ እናማዕበለ  ናብዚ ሕጂ ዚመስሎ ኣምር(Theory) የቕርብ። እሞ፡ እዚ ሕጂ፡ ደው ኢሉ ከም ሰብ ዝኸይድ ዘሎ ህበይ ድኣ፡ ናብ ሰብ ገጹ ከይምዕብልሲ መንዩ ኣብ መንገዲ ዓጊትዎ?  እናማዕበለ ከሎስ፡ ምዕባሌኡ ብግቡእ ከይቅጽል፡ ንምዕባሌኡ ዚኾልፍ እንታይ ሕማቕ ዕድል ገጢምዎ? እንታይ ኮይኑኸ፡ ዓዲ ሰሪቱ፡ ሕግን ስርዓትን ከኣ ኣቑሙ መነባብርኡ ዘየማሓይሽ? እታ እዚ ማዕቢሉ ዚብሃል ዘሎ ሰብን፡ እዚ ዘይማዕበለ ህበይን ዝተፈጥሩላ ምድሪ፡ ንሳ ባዕላ'ዶ ኣይኮነትን ካብ መጀመርታ ንኩሎም ሒዛቶም መጺኣ? ከመይ ጌራ ኣብ መገዲ ከመይ ገይራ፡ ኣብ መገዲ፡ ንኽልቲኦም ኪፈላለዩ ጌራቶም፡ ኣብ መንጎኣም ሌላን ጉሌላን ገይራ ማለት ድዩ? እታ ምድሪ፡ እታ ጸሃይ ንሳ፡ እቲ ኣየር ንሱ'ዶ ኣይነበሩን እዮም? ነቲ፡ ካብ ኣሜባ ማዕቢሉ እትብልዎ ህበይ'ከ፡ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ዘይማዕበለ ህበይ፡ እንታይ ፍሉይ ነገር ዝረኸበ እዩ፡ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኣሜባ ድዩ ህበይ ብዝያዳ ኪምዕብል ኪኢሉ?

 ድሓር ከኣ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን፡ ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ካብ ማግማ ማለት ካብ ዝፈስስ ሓዊ እዩ ተፈጢሩ፡ ክሳብ ሕጂ'ኻ፡ እቲ ውሽጢ ከብዲ ምድሪ ኣይዘሓለን። ዝጋማጠል እሳት፡ ጌና ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኣሎ፡ ኢልኩም ትምህሩ። እቲ ካብ ሓዊ ምኻና እኻ ዘኻራኽር እንተዘይኮነ፡ ግና፡ ሓዊ ኔሩስ ከምዚ ዘላቶ፡ ዓበይቲ ቀላያትን ባሕርታትን፡ ምድርን ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታትን ዘለውዋ ክትከውን፡ መንዩ ሓሲቡ ከምኡ ገርዋ፡ ከመይ ኢላ ኢያኸ ከምኡ ኮይና? ንሳ ድያ፡ ንሰብን ህይወት ንዘለዎ ፍጡርን፡ ምችእቲ ኾይና፡ ተዳልያ፡ ወይስ እቲ ኣብኣ ዘሎ ፍጥረት እዩ ንዓኣ ከም ዚሰማማዕ ኮይኑ መጺኡ? ኣብቲ ንፍጥረት ፈጥሮ ዝኾነትሉ እዋን ሓሲቡ መርሚሩ ፍጥረት ኪመጽእ ዝኮነ ወይ ዝገበረኸ መን እዩ፡ ከመይ ጌይሩ? ነዚ ክሓስብ ከለኹ ይድንጽወኒ፡ መንዩሞ ንፍጥረት ሓሲቡስ ነዚ ኩሉ ዜዳለዎ? ባዕሉ ተፈጥሮ! እሞ ተፈጥሮስ  ኣእምሮን ጥበብን ኣለዎ ማለት ድዩ! እዚ ፍጹም ዘይከውን እዩ!!

 

ዓለም፥ ከመይ ጌሩ እዚ ይኸብደካ፥ ብርሃንን ጸሓይን፡ ኣርባዕተ ወቕትታታ፡ ቀውዕን ሓጋይን ጽድያን ክረምትን ዚኸውን እኮ፡ ምድሪ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ስለ እትዘውር ኣብ ዐመት ሓንሳብ ከኣ ኣብ ገዛእ ርእሳ 23½ ዲግሪ ስለእትቐንን እዩ። እዚ ኣይትፈልጥን?

ክርስትያን፥ እሞ እዝስ ትብል ኣሎኻ፡ ሓቂውን እዩ። ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ግና፡ "እዚ ኹሉ ንፍጥረት ከም ዝምችእ ዝጣበብን ዝሓስብንሲ መንዩ?" እቲ ናተይ ሕቶ ፥ ጸሓይን ሙቐትን፡ እንተዘይህሉ፡ ፍጥረት ምነበረ'ዶ? ንፋስን ማይን ዝናብን እንተዘይህሉኸ? ፍጥረት፡ ብዘይ ጸሓይን ንፋስን ማይን ይነብር ኢልካ ትሓስብ?

ዓለም፥ እዚ ድኣ እቲ ኹሉ ሰማይን ምድርን ምስመጸ፡ ካብኡ እዩ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምቹእ ኩነታት ዚሰማማዕ ፍጥረት ኪቕልቀል ጀሚሩ፡ በሃላይ እየ። ምኽንያቱ፡ በዚ ሕጂ ሳይንስ ተማራሚሩ በጺሕዎ ዘሎ፡ ኣብ ካልእ ዓለማት'ውን፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ዚሰማማዕ፡ ካልእ ዚዓይነቱ ፍጥረት ኪህሉ ይኽእል እዩ ዚብል ጥርጣሬ ኣሎ፥

 

ክርስትያን፥ ሕራይ፡ እቲ ሳይንስ፡ እብ ካልእ ዓለማት ዘለዎ ጥርጣረ እሞ ኣብኡ ይጽንሓልና፡ ቅድም ናይ ምድርን ንወድእ።እዚ ኣብዛ ምድርና ዘሎ ፍጥረት፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ዚሰማማዕ ኮይኑ እዩ ኪቕልቀል ጀሚሩ ክትብል ከሎኻ፡ ንዓይ ይገርመኒ! እስኪ ከምቲ ትብሎ ዘሎካ" ፍጥረት ባዕሉ እዩ መጺኡ፡ እልና ንቕበሎ፥መን እዩ ነቲ ብዓል እግሪ፡ ኣብ ምድሪ ዚኸደሉ ኣእጋር፥ ነቲ ብዓል ዓይኒ፡ ካብ ክእለት ዓይኑ ዝምንጩ ብርሃን ዘይኮነስ፡ ምስታ ካብኡ ርሑቕ ዘላ ጸሓይ፡ ንሳ ንእተብርሆ ብርሃን ዝርእየሉ፡ ሕብሪ፡ ቐለም ዚፈልየሉ ኣዒንቲ፥ ነቲ ብዓል እዝኒ፡ ድምጺ ዚሰምዓሉ፡ ድምጺ ካብ ድምጺ ዝፈልየሉን ዘለልየሉን ኣእዛን፥ ነቲ ብዓል መልሓስ፡ ዘስተማቕረሉ፡ ጣዕምን መቐረትን ዚፈልየሉ ዘለልየሉን መልሓስ፥ ነቲ ብዓል ኣፍንጫ፡ ዝሽትተሉን፡ መኣዛ ሽታ ዚፈልየሉን ዘለልየሉን ኣፍንጫ፥ ነቲ ብዓል ኣፍ ከኣ፡ ዚበልዓሉን ዜድምጸሉን ኣፍ ዝገበረሉንኸ መን እዩ? ብፍላይ ናይ ምዝራብን ቓንቓን ክእለት ብዝምልከት፡ ካብዞም ኩሎም ናእሽቱን ዓበይትን እንስሳታትን፡ ኣዕዋፍን፡ ዓሳታት ባሕርን፡ ሰብ ጥራይ በይኑ፡ ብምሕሳብ ኣእምሮን፡ ብኽእለት ዘረባን፡ ፍሉይ ምኻኑ፡ በዚ ጥራይ እኻ ንሰብ ፍሉይ ዚገበሮ ጽቡቕ ከምዘለዎ ርኢኻ፡ ቑሩብ ክትሓስብ ኣይትኽእልን? ካልእ'ውን በብናቱ እቲ ንህይወት ዘድሊ ኹሉ ዝቐረበሉስ መን እዩ? ከመይ ኢሉ'ዩኸ፡ ምእንቲ ኪፋረ ሓሲቡስ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ኮይኑ ክመጽእ ኪኢሉ? ኩሉ ሓደ ዓይነት ጾታ፡ ዘይፈሪ ኮይኑ ኪመጽእ ዘይከኣለ ስለምንታይ? ነዚ ኹሉ ዚገብር ሓደ ብዓል ኣእምሮ ኪህሉ ኣለዎ ምባል እንታይ እዩ ዘጸግመኩም! ወይስ "ፈሊጡ ዝደቐሰስ፡ እዝጊ'ሎ ሓርማዝ ከይንቕንቖ" እዩ ክትዕኩም ወይ መርገፅኩም!!

 

ዓለም፥ እሞ "በዓል ጥበብ፡ በዓል ኣእምሮ እዩ ነዚ ኹሉ ጌርዎ" ዲኻ ክትብለኒ?

 

ክርስትያን፥ ኣነ ስለዝበልኩኻ ዘይኮነስ፡ ኣእምሮ ኣሎካ፡ ባዕልኻኸ ዘይትሓስቦ!-ሳይንስ፡ ንቕድሚት እስጉም ኣለኹ እንተ በለ፡ ነቲ ዘይበጽሖ ክማጣጠር ኪብል፡ ነቲ ኣእምሮ ኪምልሾ ዝኽእል ሚዛናዊ ሓቂ ጎስዩ ከይዱ ከም ዘሎ ኬብርሃልካ እፈቱ። ነዚ እየ ኸኣ ኣብ መእተዊ ዘረባይ፡ ነቲ እንኣምኖስ ፡ ብምስትውዓል ኢና እንስዕቦ፡ ዝበልኩኻ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባዚ ነገርዚ፡ "ሰማያት፡ ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ፡ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ" ይብል፡ መዝ19፡1፥ ኣብ ካልእ ክፍሊ ድማ፡ "ኣምላኽ ገሊጽሎም እዩ'ሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፥ ዘማኻንይዎ ምእንቲ ክስእኑስ እቲ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ፡ ብግብሩ ዚፍለጥ፡ ዘይረኤ ባህርዩ፥ እዚ ኽኣ፡ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ፡ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ጌሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን፡ ብሓሳቦም ከንቱ ኾኑ፥ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም'ውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸዉ፡ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ፡ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን፡ ኣዕዋፍን፡ ኣርባዕተ-መሓውር ዘለዎም እንስሳን፡ ለመም ዚብልን፡ ንዝመስል ለወጥዎ" ይብል፡ ሮሜ.1፡19-23። ስለዚ፡ ፈሊጠ እየ ክትብል፡ ነቲ ዘስተውዕልን ዘስተብህልን ጋሳ ዝፈልጦ ሓቂ እንተኸሓድካ፡ እቲ ከምዚ ምኻንካ፡ ዓሻ-ፈላጥ እዩ ዜብለካ እምበር፡ ዜንእደካን ዜቐብለካን ሚጻናዊ ኣይኮነን።

ዓለም፥  ሳይንስውን እኮ፡ ብዛዕባ ፍጥረት ኪመራመር ከሎ ኣብቲ ኩሉ ንኡስን ግዙፍን ፍጥረት፡ ሓደ በዓል-ኣእምሮ ጥራይ ዚገብሮ፡ ኣገባብ፡ ስርዓት፡ ሕጊ፡ ስለ ዚረክብ፡ ነዚዩ ኪገብር ዝኽእል፡ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ኪህሉ ኣለዎ፡ ኢሉ ዝሓልፎ ግዜ'ውን ኣሎ እኮ እዩ!

 

ክርስትያን፥ እሞ ነዚ በዓል ጥበብን ኣእምሮን ዝኾነ ሓደ ሓይሊ፡ ህልውና ዘለዎ ኣምላኽ ክትብልዎ፡ እሞ፡ ብድሕሪኡ፡ ንሱ ዝሓቶ ክብርን ምስጋናን ስለዘሎ፡ በዚ ከይትሕተቱ፡ ርእስኹም ንምክልኻል እትገብርዎ፡ ናይ ዘይምእማን ግድል እዩ እምበር፡ በዚ ነገር እዚ፡ ሕልናኹም፡ ኩሉ ሳዕ ቅሱን ከምዘይኮነ ርግጽ እዩ፥ ኣነ ግና፡ ነዚ ጠልጠል ዝበለ ዘየዕግብ ምላሽ ሳይንስ ሒዝካ ብስግኣክ ካብ ምቕጻል፡ ነቲ ብዓል ጥበብን ኣእምሮን ዝኾነ፡ ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ኣምላኽ፡ እወ! ንስኻ ኢኻ ነዚ ኩሉ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቃድካውን ተፈጢሩ ኣሎ፡ ኢልካ ብልብካ ክትቅበሎን ክትኣምኖን እሞ ብድሕሪኡ፡ ነቲ ንሱ ዝሓተካ ናይ ህይወት መምሪሒ እንተ ሰዓብካ፡ ንሕልና ዘቕስን ዝሓሸ ህይወት ምኾነልካ እብል፡ መዝ.100፡3, 104፡24፥ ዝኾነ ኮይኑ እቲ ምርጫ ንኣኻ እሓድጎ፥ ቅድሚ ምፍልላይና ግና ሓንቲ በዳሂት ሕቶ ክገድፈልካ!

 

ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ዓርከይ፡ ሓደ ካብ ዓዲ ጥልያን ጌሹ ዝመጸ ሰብ ረኺበ፥ ሰላምታ ምስ ተለዋወጥና፡ ሓደ ሕቶ ክሓተካ'ዶ ምፈቐድካለይ! ኢለ ፍቃድ ሓቲትዮ። እቲ ጋሻ ድማ፡ ሕራይ ሕተት! ኢሉ ፍቓድ ሃበኒ፡ ሽዑ፡ ነዚ ዝስዕብ ሕቶን መልስን ኣካይድና'ሞ እስኪ ንስኻ ድማ ኣስተብህለሉ ኢካ!

ሓታቲ፥  ካበይ መጺእካ?        

ጋሻ፥ ካብ ዓዲ ጥልያን!

ሓታቲ፥  ስለምንታይ መጺእካ?    

ጋሻ፥ ነደይ ክርኢ?

ሓታቲ፥  ናበይ ክትምለስ ኣኻ?  

ጋሻ፥ ናብ ዓዲ-ጥልያን!

ሓታቲ፥  ጽቡቕ! ናብዚ ዓዲ ብዕላማ መጺእካ፡ ዕላማኻ ፈጺምካ ድማ ንዓድካ ክትምለስ ኢካ! በዚ ዘረባ'ዚ ናይ ዕላማ ሰብ ምኻንካ ተረዲኤ ኣለኹ?

ሓታቲ፥  ምፈቐድካለይ'ዶ በዚ መገዲዚ ዕሙቕ ኢለ ተፈጥራዊ ኣመጻጽኣኻ ክሓተካ?

ጋሻ፥    ሕራይ ሕተት!

ሓታቲ፥  መፈጠርካ ካበይ እዩ- ካበይ በጺእካ?

ጋሻ፥    እንድዒ! ከምቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከም እንሰምዖ እንተኾይኑ፡ ‘ካብ ኣሜባ ኢኩም መጺእኩም' - ይብሉና፥

ሓታቲ፥  ሕራይ ካብ ኣሜባስ መጺእካ! ብከመይ መጺእካ! ስለምንታይከ መጺእካ!

ጋሻ፥    እንድዒ! ከም ኩሉ ሰበይ እምበር! እበልዕ እሰቲ! እሰርሕ! እጻወት! ደስ ዝብለኒ እገብር! እወጽእ እኣቱ! እትስእ እድቅስ! እንታይ'ሞ ኽብለካ እየ!!

ሓታቲ፥  ሕራይ! ትበልዕ-ትሰቲ! ትትስእ-ትድቅስ! ድሕርዚ ኩሉ ዝበልካዮ'ኸ ናበይ ክትከይድ እኻ!

ጋሻ፥    እኣርግ! እንታይ ድኣ! ኣሪገ ድማ ከም ኩሉ ሰብ እመውት!

ሓታቲ፥   እንታይ እዩ'ሞ ዕላማ ምምጻእካ ኣብ ምድሪ ምህላውካ?

ጋሻ፥     እዚ ዝብለካ እዩ!

ሓታቲ፥   እዚ'ሞ ንኣይ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ኾይኑ ኣይተራእየንን። ንጉስ ሰለሞን፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ትርጉም ዘይብሉ ኩነታት ናብራ ወዲ ሰብ "እዚ ኹሉ ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ረብሓ የልቦን" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፡ መክብብ ምዕ. 12፤11, ርኤ፥

ንሕና ኣመንቲ ግና፡  ካብ'ዚ ሕልፍ ዝበለ መልሲ ኣሎና፥ ንሱ ኸኣ፡ ሰብ፥ ካብቲ ቕዱስ ኣምላክ፡ ንፍሉይ ዕላማ ከም ዝተፈጥረ፥ ንክብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን፡ ብቕዱስ ህይወት ኪመላለስ ከም ዝተጸወዔ፥ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ካብ ዝቐደመ ሓጢኣቱ ተነሲሑ፡ ብስም የሱስ ብምእማን፡ ብደም ክርስቶስ ሕድገት ሓጢኣትን ከም ዝረክብን፡ ውሉድ ኣምላኽ ከኣ ከም ዝኸውንን፥ እቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክገብሮ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ቅዱስ ዕላማ'ውን፡ ብእምነትን ብፍቕርን፡ ብጽድቕን ብሓጎስን ፈጺሙ ናብ ኣምላኹ ናብ ክብሪ ከም ዝምለስ፡ ትርጉም ህይወት ድማ እዚ ከም ዝኾነ ንኣምን፥ ኣነውን ነዚ ክትሓስበሉ'ሞ፡ ናይ ነፍሲ ትርጉም ሂቡካ ክትመርጾ እምነየልካ! ኢለዩ ተፈላሊና፥ ንኣኻትኩም ነንበብቲ'ውን፡ ብዛዕባዚ ኣገዳሲ ናይ ህይወት ጉዳይ እዚ፡ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ምርዳእ ስለዝኾነ፡ ሓሲብኩምሉ'ዶ? ኣምላኽ የብርሃልኩም!

ንስኻ ከምኡ'ውን ንስኺ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርኩም ክቡራት ፍጥረት ኣምላኽ እምበር፡ ሕጂ ተራእዮም ድሕሪኡ ሕልውና ዘይብልኩም እንስሳ ኣይኮንኩምን እሞ፡ እንተድኣ ህይወትኩም ብሰሪ ሓጢኣትን ድንቑርናን ትርጉም ዝሰኣነ ኾይኑ፡ ምእንቲ ነቲ ብኣምላኽ ዝተመደበልኩም ክቡር ዕላማ ረኺብኩም፡ ንሕጅን ንዘልኣለምን ትርጉም ዘለዎ ናብራ ማንባር ክትክእሉ ሕጂ ምስቲ ንኽብሩ ዝፈጠረኩም ሕያዋይ ኣምላኽ፡ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ አቢልኩም ክትትዓረቑ እሞ ቅድሚ ሕጂ ዘይጠዓምክምዎ ሓድሽ ናይ ምንባር ተመኽሮ ክትለማመዱ ትኽእሉ ኢኹም! እቲ መገዲ፡ ካብ ሓጢኣት ተነሲሕካ፡ ንየሱስ ኣብ ልብኻ ብምቕባል ይጅምር! ሎሚ ንየሱስ ጎይታኹም ኪኸውን ትቕበልዎ'ዶ? እምበኣር ከምዚ ኢልኪ ኢልካ ማሌትካ ኮይኑ ጸሊ! ጸልዩ!

"ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኩሉን ዝፈጠርካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ከም ዝፈጠርካኒ እምበር ባዕለይ ብርእሰይ ከምዘይመጻእኩ እኣምን ኣሎኹ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ንህይወተይ ትርጉም ዘስኣና መገዲ ርእሰይን ሓጢኣተይን ሓዲግካ ይቕረ ክትብለለይ፡ በቲ በጃ ነፍሰይ ዝፈሰሰ ደም ቅዱስ ወድኻ ክትሓጽበኒ እልምነካ ኣለኹ። የሱስ ክርስቶስ፡ ስለ ሓጢኣተይ ከም ዝሞተ፡ ብሓቅን ብጽድቕን ምእንቲ ክመላለስ  ከኣ ምእንታይ ከምዝተንስኤ እኣምን ኣሎኹ። ብኣኻ ተለዊጠ ትርጉም ዘለዎ ሓድሽ ህይወት ክለማመድ እደሊ አለኹ እሞ፡ ዎ! ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ ሕጂ ኣብ ውሽጠይ ክትሓድር፡ ህይወት ድማ ክትመርሕ እጽውዓካ ኣለኹ። ነቶም ናይ ምንባር ትርጉም ዝሰኣኑ ኬብርሃሎም ድማ ሓግዘኒ" ኣሜን!