ሰብ ...
እንተኸበረ ... ጽዒሩ ፋሕቲሩ
እንተሃብተመ ... ኣኪቡ ኣዋህሊሉ
ወሪዱ ደይቡ ... ጐይዩ ደኺሙ
እንተረብሓ ንዓለም ኹላ
ግን ...
ብዘይ የሱስ
ኹሉ ከንቱ
ዝኣከቦ ዝሰርሖ
ናብ ሰማይ ሒዝዎ ንዘይኣቱ
ኵሉ ክተርፍ ብድሕሪኡ
ነበረ ክበሃል ተባሂሉ ኽተርፍ
ኣብ ሰማይ ግዳ መዝገብ ዘየትርፍ
ንዓለም ረቢሑ ካብ ዝጥፍእ ነፍሱ
ደሓር ንዝይረኽባ ተመሊሱ
ጊዜ ኾሎ ጊዜ የብለይን ዝብሎ
ጊዜ ዘይብሉ ጊዜ ዝይመጽእ ዝመስሎ
ንየሱስ ገዲፉ ንሓላፊ ዝኽተሎ
ግን ...
እንታይ'ዩ 'ቲ መልሲ
ኣበይ ኔርካ እንተተባህለ
ክሰርሕ ክጐዪ ጊዜ ስኢነ
'ተበልካ ከተመኽኒ ብጊዜ ኣሳቢብካ
ጊዜስ ኵሉ ጊዜዩ ዝነበረ ኣብ ኢድካ
ግን ... በታ ዓባይ መዓልቲ
ሓለውቲ ቤት ዝንቀጥቅጡላ
ብርቱዓት ሰብኡት ዝጉብጡላ
ጠሓንቲ ዘብኩራላ
ደጌታት'ውን ዝዕጸዉላ
ደረፍቲ ኣዋልድ ምስ ላሕተታ
ኵሉ ነገር ምስ ረኸበ መፈጸምታ
ድሪ ብሩር ከይተበትከ
ፍዮ ወርቂ ከይተጨፍለቀ
ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ
ጊዜ ኾሎካ ...
መሬት ይተመልሰ ናብ መሬቱ
መንፈስ'ውን ከይከደ ናብ ወሃቢኡ
ጊዜ ኸሎ ብዘመን ንእስነትካ
መዓልቲ ኣኺሉ ኣብ ፍርዲ ይቆምካ
ፈጣሪኻ ዘክር ንኹሉ ገዲፍካ
ሕሰበሉ ደኣ ጊዜ ከይዓረበ
ጊዜ ኮሎካ ጊዜ ኣይትጸበ
ንየሱስ ተቀበሎ ነፍስኻ ክትዓግብ
ህይወት ህይወት'ዩ ተጠንቂቕካ ሕሰብ
ጊዜ ኾሎካ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode