ዎ የሱስ ነመስግነካ ስለ ኩቡር ቃልካ
ካብ ብሩር ውርቂ ዝበልጽዩ’ዩ ህያብካ
ብደምካ ኣምጺኻ ኩቡር ጽድቂ
ደገ ከፍፊትካ ኣሪሒኻዮ ናብቲ ዓቢ መንግስቲ
ንኹሉ እቲ ጭንቀት መከራ ነወጺ
ኣሊኻዮ ብናይ መስቀል ፍርዲ።
ኣንታ ቡሩኽ መፍቀርየይ
ኣብ ጐልጐልታ ዝሞትካለይ
ብርሃን ኢኻ ኣብ መንገደይ
መብራህቲ ንእግረይ
ሃሌሉያ ንመድሓኒ ዕለት ዕለት ዝመርሓኒ
የእቲኒ ናብ ቤቱ ኣኽሊል ህይወት ዝሃበኒ።
ከናፍረይ ንዓኻ
ነእዳወይ ናብ ስራሕካ ኣብ ትእዛዛት ፍቕርኻ
ነእጋረይ ምርሓዮ ናብቲ ደልዮ ንስኻ
ህይወተይ ግዛእ ብኣኻ ትቀደሰለይ
ግዜታተይ ዕለታተይ ንምስጋና ምድሓነይ።
መስቀልካ ጥራይ እዩ ንዓይ ክብረይ
ክሳብ ኣብ ትንሳኤኻ እትዓርፍ ነፍሰይ
ክኣቱ ዲሒነ ኣብ ናይ ዘልኣለም ዓደይ
ነዚ እዩ ልበይ ዘመስግነካ ትባርኸካ ነፍሰይ
ወሲዳካ ብርቱዕ ጾረይ
ስጋይን ነፍሰይን ውሰዶ ካሕሳ ስቓይካ
ደጊምሲ ደሓን እዩ ክነብር ምሳኻ
ዕድል እዩ ዎ የሱሰይ ህይወት ክባርካ
ደጊመ መስቀልካ እዩ ሓይለይ የሱሰይ
ናይ ዘልኣለም ክብረይ ዎ ቡሩኽ መድሕነይ
ይርገኣለም ዳኒኤል
ሆላንድ ቦርነ ኣዘሎ BORNE-AZELO
መስቀልካ እዩ ናይ ዘልኣለም ክብረይ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode